ሓዲሽ ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

28/01/2020 04:55 AM

ሓዲሽ ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋ፡
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ብ' ገ. ወልደሚካኤል
- ካብ ሕ.መ.ኣ.

ሓዲሽ ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ሓዲሽ ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።
ብ' ገ. ወልደሚካኤል - ካብ ሕ.መ.ኣ. By Mr G. Woldemichael.

ስትራተጂያዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ክብሃል ከሎ፡ ኣብ መንጎ ተቐራራቢ መርገጽን ራእይን ዕላማን ዘለዎም ሓይልታት- ውልቀሰባት፡ ስቪካዊ ማሕበራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ትካላት ዜና፡ ካልኦት ጉጅለታትን- ዘጠቓለለ ናይ ሓባር ሸቶ ንምውቃዕ፡ ዝግበር ናይ ሓባር ስራሕ ስትራተጂ ወይ ሜላ እዩ። ናይ ሓደ ሃገር ዜጋትት ጥራይ ዝጠርነፈ ክኸውን ይኽእል፣ ከም ኣድላይነቱ ክኣ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ብሕልፊ ድማ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ዜጋታት ዝሓቁፍ ስትራተጂያዊ ናይ ሓባር ዕማም ክኸውን ይክኣል። በይንኻ ገጢምካ ክትስዕሮ ዘይትኽእል ጸላኢ ወይ በይንኻ ሰሪሕካ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ሸቶ ብኸመዚ ዝበለ ሜላ ክትቃለሶ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትስዕሮ ወይ ሸቶኻ ክትወቅዕ ተኽእሎ ኣሎ። ካብ ብተነጽሎ ምስራሕ ብሓባር ተሓጋጊዝካ ፡ ብወፈራ ምስራሕ እዩ ዝበለጸ ዘድምዕ። እዚ ብጥንቁቕ መጽናዕቲ ዝብጻሕ ልፍንታዊ ሜላዊ ኣገባብ ስራሕ'ዚ ኣብ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ጥራይ ዝተሓጽረ እውን ኣይኮነን።

ዶክ ኣቢይ ኣብ መፋርቕ 2018 ዓም፡ ኮሚሽን ዶብ ዘሕለፎ ደምዳሚ ውሳኔ ከተግብሮን ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ክመልሶን ቅርብነቱ ብሃንደበት ምስ ኣወጀ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብዘይ ቅድመ ኲነት ልኡኻቱ ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዱ ነቲ ተበግሶ ከም ዝተቐበሎ ይዝከር። ድሒሩ ከም ዝተረጋገጸ ግን፡ ዶክ ኣቢይ ዝኣዎጆ ምሕዳስ ዝምድና፡ ኣቐዲሙ ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ እምበር፡ ባዕሉ ዘንቀሎ ሃደበታዊ ተበግሶ ኣይነበረን። ብመን፡ ምዓስ፡ ኣበይ፡ ተጀሚሩ ብዘየግድስ ግን፡ እቲ ተበግሶ ንገዛእ ርእሱ ቅዱስ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዕቱብነትን ብጥንቃቐን ክጽናዕን ክፍተሽን ዘለዎ ኣገዳሲ ተበግሶ እዩ። እቲ ዕላማን ኣገባብ ስምምዓትን ነቲ ንዓመታት ተወንዚፉ ዘሎ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን፡ ኮምሽን ዶብ፡ ባድመ ኣብ ውሽጢ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ከም ትርከብ ብመርትዖ ስለ ዘረጋገጸ፡ እቲ ተበግሶ ንባድመ ናብ ኤርትራ ዝመልስ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዂናት ዶብ 1998-2000ዓም፡ ናይ ኣሻሕት መንእሰያት ሂወት ህልቂትን ምዝሕታል ዝምድናታት ክልቲኤ ሃገራት ዘስዓበ እሱ ስለ ዝኾነ

ብርግጽ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ሃንደበታዊ ምሕዝነት ንመላእ ዓለም መዛረቢ ኮይኑ እዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ደንጺዎም እኳ እንተነበረ፡ ተነፋፊቖም ዝጸንሑ ጎረባብቲ ህዝቢ ስለዝኾኑ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ዝነበሩ ይመስሉ። ግን እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ጥራይ ዝተሓጽረ ብምዃኑን፡ ከምኡ'ውን ዘይትካላውያን ዘይቅጥዓውያን ጉልቡባት ውዕላት ብምግባሮም፡ ነዊሕ ከይጸነሐ ኣብ ህዝቢ ጥርጣሬታትን ሕቶታትን ከልዕል ጀሚሩ። ኣዚየን ተቓሓሒረን ተዳሚየን ንዓመታት ተራሓሒቐን ዝነበራ ጎረባብቲ ሃገራት ስለዝኾና ድማ፡ እዚ ዘይንጹር ፕሮቶኮል ዘይሓለወ ሓዲሽ ምሕዝነትን ሕግብግብን ፈኾስኮስን ክልተ መራሕቲ፡ ኣብ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ክኣ ተዳወብቲ ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ኣሰከፍትን ኣሻቐልትን ፖለቲካዊ ሕቶታትን ጥርጣሬታትን ከልዕል ምኽንያታዊ እዩ።

ብመነጽር ምሕዝነት ምስ ኤርትራ፡ ተበላጺ መርገጺ ጠ/ሚ ዶር ኣቢይ ሓመድ ነዊሕ ከይወሰደ ምስ ግዜ ተጋሂዱ። ቀንዲ ዕላምኡ ምስ ከዳዕ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ተሻሪኹ፡ ከምቲ መጀመሪያ ዝጨርሖ ውሳኤ ናይ ዶብ ኮሚሽን ከተግብር፡ ዶብ ከሐንጸጽን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ክፈጥርን ዘይኮነስ፡ ዕላምኡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክድምራ ወይ ክጽንብራ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብወግዒ "ዓሰብ ምስ 'ኢሱ' ወዲ 'ኣፎም' ክንካፈላ ኢና" ኢሉ ኣዊጁ። ብተወሳኺ፡ መደበሩ እኳ ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ዘይተነጸረ እንተኾነ፡ ባሕሪ ዘይትውንን ክንሳ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ሓይሊ ሰራዊት ከተሰልጥን ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ከም ዝተሰምምዐት ተፈሊጡ። ካብዚ ሓሊፉ "ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኤርትራ ኮይነ ከገልግል ፕረ. ኢሳያስ ስልጣን ሂቡኒ" ክብል ደፊሩ ብወግዒ ገሊጹ። ስለዚ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ኢሳያስ ብኢደ-ወነንኡ ሂቡኒ'ዩ ዝበሎ ስልጣን ተጠቒሙ ብዘይሕንከትን ስክፍታትን፡ ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ደሚሩ ክመርሕ ቅሩብ ምዃኑ ብዘይ ምስልዩነት ምልክታት ሂቡ። እቲ ኣዚዩ ዘገርም ክኣ፡ ዶብ ዝምልከት ኣልዒሉ ኣይዛረብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ዶብ ንዝሓተተ ኣባል ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ዶብ ሓቲትካ ኢሉ ተቖጢዑ ክግስጾ ብእዝነይ ሰሚዐ።

እቲ ዝምድና ኣብ መራሕቲ ጥራይ ዝተሓጽረን፡ ዘይትካላዊን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ግልጹነት ዘይብሉ ንህዝቢ ክኣ ምሉእ ብምሉእ ዘይተገልጸ ሚስጢራዊ ስምምዓት ይግበር ስለዘሎ፡ ብሕልፊ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ጥርጣሬን ስክፍታን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዝግደደ ድማ ከም መራሒ ሃገር፡ ኢሳያስ ዝዛረቦን ዝገብሮን ዘሎ ውልቃዊን ዘይሓልፍነታዊ ዕንደራ፡ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ወሎዶታት ቃልሲን ጥቕምን ድልየትን ዘይውክልን ዘየንጸባርቕን፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን፡ ብክሕደትን ጥልመትን ሃገር ዝልለ እዩ። ብዘይ ኣፍልጦ ህዝብና፡ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር/ንምልሓቕ ዘገምታዊን ሰላሕታዊን ስጉምቲታት ክወስድ ይርአ'ሎ። ስለዚ መርገጽ ኢሳያስ ምስ መርግጽ ጠ/ሚ ኣቢይ ዝተቓነየ ንሓድነትን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ቀዳምነት ስሪዑ፡ ብዋጋ ኤርትራ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምፍጣር እዩ

ፕረሲደንት ኢሳያስ ነቲ ድኽምቲ ኤርትራን ሓያል ኢትዮጵያን ንፍጣር ድልየቱ፡ ሕጂ ዝጀመሮ ሕልሚ ኣይኮነን። ንነዊሕ ዓመታት ብግብሪ ዝሰርሓሉ ሓቂ እዩ። ቅድሚ ናጽነት ብሓጺሩ ብምንቅስቓስ መንካዕን የሚንን ዝፍለጡ ክልተ ጉጅለታት ሰብ ራእይ ተጋደልቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ኣጋጣሚን ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ስለዝጠለቡ፡ ምስቲ ዓብይ ስእሊ ፕላኑ(ዓባይ ኢትዮጵያ) ስለ ዘይቃዶ ከም ዘረሸኖም ከም ኣብነት ክጥቀስ ይክኣል። ካብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዙ ድማ ነዚ ፕላን'ዚ ንምዕዋት፡ ኤርትራ ከም ሃገር ክትደኪ፡ ህዝባ ክደቊስ፣ ብቑጠባዊ፡ ብፖለቲካዊ፡ ብማሕበራዊ፡ ብወተሃደራዊ ብትምህርትን ከም እትዳሃኽ፡ ህዝባ ከም ዝስደድ ክገብር ጸኒሑ። ንእከይ ዕላምኡ ዝተርድኡን ዝተቓወሙን ከም ብዓል ቢተወደድ ኣብርሃን ብርሃነ ኣብርሀን ዝኣምሰሉ ውልቀሰባት ብዘይ ንሕስያ ድጒኑ። ነዚ ዕላማ'ዚ ብዘይ ተቓውሞን ዕንቅፋትን መታን ከተግብሮ ብኣግኡ ንጉጅለ(G-15) ብሉጻት መራሕቲ ሰውራ መቓልስቱ ኣሲሩ፡ ንምሁራት ኣብ ዓዲ እግሪ ከይተኽሉ ዕድል ከሊኡ፡ ንተማሃሮ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ቤት ምህርታት በታቲኑ፡ መንእሰያት ዓዲ ሓዲጎም ከም ዝስደዱ ገይሩ፡ ሃገራዊ ቕዋም ጒሒፉ፡ ንሃገርናን ህዝብናን ኣልሚሱ ካብ ዓለም ነጺሉዋ ጸኒሑ።

ሃገርና ከይትምዕብል ህዝቢ ቅሳነት ከይረክብ ተምሃራይ ውራይ ትምህርቱ ከይገብር፡ ሓረስተይ ኣመት ማሕረሱ ከይገብር፡ ነጋዳይ ከይነግድ ናይ ህንጻ ክኢላትት ዓዶም ከይሃንጹ፡ ካብ ወጻኢ ኣትዮም ምሁራት ሃገር ከየማዕብሉ፡ ብዓል ክእለት ብኽእለቱ፡ ብዓል ጸጋ ብገንዘቡ/ንብረቱ ኣብ ሃገሩ ከየዋፍር በብግዚኡ ዝተፈላለዩ ትጻባእቲ ፖሊሲታት እንዳውጽአ ሓኒቑን ኣሲሩን ሒዝዎ። ኣብ ርእሲ'ዚ ድማ ትካላት ህግደፍ ከም ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ(ባዶ ትሽዓተን) ኩባንያታት ህንጻ፡ ብነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣግልግሎት ዝዕመሙ ናይ ሓለፍቲ ክፍለ-ሰራዊት ሕርሻታት፡ ኣዋፊሩ ነቲ ዝርካቡ ቁጠባ ሃገር ገቢቱ ስለዝሓዞ፡ እቲ መንኮርከር ልምዓትን ምዕበለን ክኸውን ዝነበሮ ሃገራዊ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላት- ኣብ ንግዲ፡ ህንጻ፡ ሕርሻ- ፈጺሙ ከም ዝዳኸም ገይሩ። ብተወሳኺ ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ኮነ ኢሉ ነገር እንዳጻሕተረ ንሃገርና ኣብ ኲናት ሸሚሙ ንህዝቢ ቅሳነት ከም ዘይረከብ ገይርዎ።

እቲ ቀንዲን መወዳእታን ሸቶ ናይ'ዚ መርዛም ሸርሒ'ዚ፡ ሓንቲ ድኻ ሃገርን ድኻ ህዝቢን ፈጢርካ ናብ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምንብርካኻ እዩ። ስለዚ ነቲ ቅልውላው መንነት ዘለዎ ኢሳያስ፡ ብኢትዮጵያውነቱ ክሕበን ዝደሊ መንደላይ ተመን መራሒ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቚፉ ዝጉዓዝ ዘሎ።

ናይ ሰላም ሃዋርያ መሲሉ ቆርበት በጊዕ ለቢሱ ዝተበገሰ ቶኹላ፡ ጠ/ሚ ኣቢይ፡ ፍቕሪ ክዕወትዩ፡ ሰላም፡ ምድማር ኢሉ ዝሰበኸ፡ ይትረፍ ፍቕርን ሰላምን፡ ምድማርን ከምጽእሲ፡ ኣብ ሃገሩ እኳ ንቡር ጸጥታን ስምምዕን ክፈጥር ኣይክኣለን። ይኹን እምበር፡ ካብ ናይ 'ሰላም ኖበል ሽልማት”(nobel peace prize) ከጎናድቦ ኣይክኣለን። "ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ክይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ" ከም ዝብሃል፡ ሓላዪን ሰላማውን መሲሉ፡ ብናይ ብዙሕ ወሎዶታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሂወት ዜጋታት ዝተኸፍሎን፡ ብልዕሊ 99% ድምጺ ህዝቢ- ብረፈረንዱም ዝተረጋገጸ- ልዕላውነት ሃገርና ኤርትራ ደፊሩ፡ ምስ ኢሳያስ ተምሳጢሩ ናብ ኢትዮጵያ ክድምራ ምሕሳቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎዎ ልዑል ንዕቀት ኢዩ ዘንጸባርቕ። ክቡር ዶክቶር ዘንጊዕዎ ዘለዎ ሓቂ ግን፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ማለት ኤርትራ፡ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ኢሳያስ ከም ዘይኮነ እዩ። ናይ ኢሳያስ፡ 'ንስኻ ኢኻ መራሒና፡ ንቀልዓለም ዘኮነስ ናይ ልበይ እየ'፡ 'ሓደ ህዝቢ ኢና'፡ 'ኣይከሰርናን'፡ ምሕንጻጽ ዶብ ይጽናሕ፡ 'ብዘይረብሕ ምኽንያት ንሰለስተ ወሎዶታት ዕድላት ኣምሊጡና'፡ 'ንኢትዮጵያ ክመተላ ቅሩብ እየ'፡ ልብኻ እንዳ ሃርምካ፡ ክምስምስ፡ ግይጽይጽ፡ ስሓቕ፡ ኢድካ ምስዓምን ምዝርጋሕን ምስ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ምድንፋቕን ወዘተ ዘጠቓለሉ ወልደፈደፋት፡ ንዕኡ ዘንዕቑ ድራማታት ጥራይ እዮም። ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይውኩሉ መንፈስ ሃገራውነቱ ፈጺሞም ዘየንጸባርቑ ምዃኖም ጠ/ሚ ኣቢይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብሓፈሻን ክግንዘብዎ ይግባእ። እስከ ኣብ ዝርዝር ኣቲና ንመርምሮም፥

-ንስኻ ምርሓና፣ ብውልቀ-መላኺ ተኣሲሮም፡ ተባሪሮም ከይሰርሑን ከይመርሑን ዕድል ኣይረኸቡን እምበር ሃገር ክመርሑ ዝኽእሉ ኣሻሕት ብሉጻት ሰብ ራእይ ኣለዉና። ውልቀ-መላኺ ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ቅዋም ከይትግበር፡ ምርጫታትን ኣኼባታትን ከይካየዱ፡ ዝሰርሑ ድልዱላት ትካላት ከይምስረቱ፡ መመሳመሲ ዝኾኑ ውግኣት እንዳጻሕተረ፡ ቅሳነት ዘይርከቦ ሃዋህው እንዳፈጠረ ንህዝቢ ጅሆ ሒዙ፡ ገሊኦም ብማእሰርቲ ካልኦት ብምርሻን፡ ኣብ ግዳም ዘለዉ ንዓዲ ከይምለሱ፡ ኣብ ዓዲ ዝነበሩ ዓዲ ገዲፎን ከም ዝስደዱ እንዳገበረ እግሪ ከይተኽሉ ከሊኡ። ኣብ መራሕቲ ወታሃደራዊ ክፈል-ሰራዊት ድማ ብሓሶትን ሽርሕን መቓቒሉ ነንሕድሕዶም ከም ዘይትኣማመኑ ገይሩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ንኣቢይ ምርሓና ዝበሎ፡ ንኤርትራውያን ስልጣን ተረከቡኒ እንተ ዝብል ብዙሓት ብቑዓት መርሕቲ ዝኾኑ ከም ዘለዉና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንዕኡን ነቶም ምስኡ ንነዊሕ ዓምታት ንሽሙ ኣብ ስልጣን ተወጢሖም ዘለዉ ኮራኩሩን ተኪኦም፡ ንሃገር ብዲሞክራስያዊ ራእይ ክመርሑ ዝኽእሉ ብዙሓት ብቑዓት ኣለዉና።

-ወጻኢ ጉዳይ ሓልፍነት፣ መን ዝሃበካ መዚ፡ ናይ መን ሃገር ኢልካ፡ ብናይ ወለዶታት ቃልሲ፡ ከባቢ100 ሺሕ መስዋእቲን፡ ኣሻሓት ስንክልናን ናጻ ዝወጸት ሃገር፣ ዝነውሐ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ክፈለ-ዓለም ኣፍሪቃ ዘካየደት፡ ብልዕሊ 99% ድምጺ ብረፈረዱም ልዕላውነታ ዘረጋገጸት ታሪኻዊት ሃገር እኮ እያ ኣይንዘንግዕ።

-ሓደ ህዝቢ፣ ናይ 3 ወለዶታት ቃልሲ፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ፡ 30 ዓመት ገድሊ፡ ደብዳብ ነፈርትን ታንክታትን፡ ዝዝነበ ናፓል ቦምታትን፡ ዝተቖርጸ ኣጥባት ኣዴታት ኤርትራን፡ ብሓዊ ዝተባርዐ ዓድታት፣ ህጻናት ደቆም ገዲፎም ዝተሰጉ ኣሽሓት ሰላማውያን ኤርትራውያንን፡ ዝተዘርፈ ንብረቶምን እኮ ኣይተርሰዐን። "መሬታ እምበር ህዝባ ኣይድልየናን" "እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው" ዝበልዎ ጭካኔን ኣረሜነትን ብድዐን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ እኮ ኣይተረሰዐን። ልዑላዊ መሬትና ተጎቦጡ ከሎ ፡ ሕጋዊ ዶባት ከይተተግበረ ከሎ፡ እዚ ኩሉ ተዘንጊዑስ ፡ ካን ቁልቁል ዝፉ ሓደ ህዝቢ ኢና ተባሂሉ ክድምደም? መስደመም! ካብ ጥዑይ ኣእምሮ፡ እሞ ክኣ ካብ መራሒኻ እየ ዝብሎ ሰብ ክወጽእ ዘይትጽበዮ እዩ። ብሓድኣፊቱ፡ እዝስ ሕልፈት እዩ።

-ኣይከሰርናን፥ እዚ ቃል'ዚ ድርብ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ፡ 1) ኢሳያስ 25 ዓመት ከሲርና ንብል ነይርና ሕጂ ግን ኣይከሰርና ዝበለላ ዓም 2018 ንድሓር (2018-1993) ቅጺርና ናብ ግዜ ረፈረንደም እዩ ዝመልስና። ስለዚ ኢሳያስ ካብ ንናጽነት ዘድመጽናላ ዓም (1993) ቆጺሩ እዩ ከሲርና ንብል ነይርና ዝበሎ። ንኢሳያስ ናጽነት እዩ ክስራን ነይሩ። ንርእሱ ከም ኢትዮጵያዊ ቆጺሩ ዝተዛረቦ እዩ። ዶር ኣቢይ ተስፋ ምስ ሃቦ ግን ደጊም ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ እያ ዝብል ተስፋ ረኺቡ ሕጅ ግን ኣይከሰርናን ዝበሎ። ናጽነት ኤርትራ ኣይተዋሕጠሉን ነይሩ። 2) እቲ ከቢድ መስዋትን ስንክልናን ዝኸፈለ ህዝቢ፡ ጓሂን ሕማምን ወለዲ፡ ሰብ ሓዳር፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ቤተ-ዘመድ፡ ብሓፈሻ ዝተደቚሳ ስድራ-ቤታትን፡ ስምዒታት ኩሉ ህዝቢን፡ ብፍላይ ክኣ መንፈስ ስድራ-ቤታት ስውኣትን ስንኩላትን ዝጎድእን ዝተንክፍን ካብ መራሒ ዘይትጽበዮ ኣረሜናዊን ዘይውርዙይን ኣዘራርባ እዩ። እቲ ኲናትን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ጠንቂ ዶባ ዘይምሕንጻጽ ዝፈጠሮ ውጥሪ፡ ህዝቢ ጅሆ ተታሒዙ፡ ኣይሰላም ኣይውግእ ሃዋህው ዘኸተሎ ናይ መነባብሮ ምዝንባላት ስድራቤታትን ቁጠባዊ ዕንወትን ክስራንዶ ኣይኮነን? ዓዲ ገዲፍካ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ምስዳድ ክስራንዶ ኣይኮነን? ኣብ ርሑቕ ፍቐዶ ምድረበዳታትን ማእከላይ ባሕርን ዝጠፈአ ሂወትን ክስራንዶ ኣይኮነን? ኣሓትናን ደቅናን ባዕዳውያን ክጋሰስወንን ክዕምጽወንን ክስራንዶ ኣይኮነን? ኮላሊት መንእሰያት ከም ከብቲ ተጠቢሑ ክውሰድ ክስራንዶ ኣይኮነን? ኣብ ዝተሰዶ ሃገር ዝተኸላበተ ኤርትራዊ ተጣባቒ መንግስቲ ዘይረኸበ ክስራንዶ ኣይኮነን?ብሓፈሻ ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓሰርተታት ዓመታት(3 decades) ኣብ ኩሉ መድያት፡ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዝወረደ ግፍዕን ዕንወትን መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጥፈሻ ሃገርን ድኽነት ህዝብን ኣስዒቡ'ዩ። "ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ" ከም ዝብሃል፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ደቁን ምልዮናቱን ሓቚፉ ዊስኪ እንዳ ጎጽጎጸ፡ ኣይከሰርናን እንተበለ ኣየገርምን እዩ። ብርግጽ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ከድክማ ዕላምኡ ስለዝነበረ ንዕኡ ክስራን ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን በንጻሩ መዓንጥኡ ዘሕርር ከቢድ ክስራን እዩ

-ምህንጻጽ ዶብ ይጽናሕ፥ ካብ ብይን ኮሚሽን ዶብ 2002 ዓም ጀሚሩ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ፡ ልዕላዊ ምሬትና ባድመ ከይተመልሰልና ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዝርርብ ኣይንቐርብን ኢና ብዝብል ምስምስ ን16 ዓመታት ዝኣክል ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ሕጂኸ ዶብ ኣይተሓንጸጸ ባድመ ኣይተመልሰት ምስ ኢትይጵያ ውዕላት ክፈራረም፡ ብዋጋ ኤርትራ ጽጥታን ሓድነትን ኢትዮጵያ ቀዳምነት ሰሪዑ ዶብ ኣየሀውኽን እዩ ክብል ይስማዕ። ቅድሚ ኒዊሕ ግዜ ይገብር፡ ብመሪሕነት ነፍሰሄር ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ እትዮጵያ ብመሰረቱ ናይ ዶብ ብይን ተቐቢለዮ'የ፡ ግን ዓድታት ካብ ዝሰናጠቕ፡ ስድራቤታት ካብ ዝመቓቐላ፡ ኮፍ ኢልና ዘቲና ጸገም ህዝብታት ነቃልል ዝብል ርእይቶ ኣቕሪባ ነይራ። ሕጂ ድኣ ሓዲሽ እንታይ ተረኺቡ፡ ኣቢይ ንደመር ስለ ዝበለ፡ ናይ 'ኣፈጮሌ' ምልቑማጽ ተጠቒሙ ምስ 'ኢሱ ወዲ ኣፎም' ዓሰብ ንካፈል ስለዝበለ። ወያኔ ትግራይ ተወቒዓ፡ ክልል ትግራይ ኣብ ከበባ ኣትያ ወይ ተኸርዲና፡ ደጊም ጸወታ ተወዲኡ'ዩ (game over) ዝብል ህውኽን ሰንኮፍን ኣረዳድኣ ኢሳያስ ስለ ዝተኸስተ ድዩ? እዚ ድኣ ካብቲ 'ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጽሓይ ብዕራብ በሪቓዶ ወይ ብምብራቕ ዓሪባዶ ዝበሎ ህዉኽን ናይ ብድዐ ኣዘራርባን ኢሳያስ ፈሊኻ ዘይርአ፡ ሓደ ካብቲ ዘይቅሉስ ኣዘራርብኡ እንድኣሉ። ምስ ኢትዮጵያ ዘሎና ዶብ ናይ መግዛእትታት ታሪኽን፡ ናይ ወሎዶታት ቅላሲን፡ ናይ ከቢድ መስዋእትን ውጺት ስለዝኾነ፡ ብዝልዓለ ፍርዲ ዓለም ኮሚሽን ዶብ ውድብ ሕ.መ.ዓ. ብይን ዝጸደቐ ስለዝኾነ ውዒሉ ሓዲሩ ክሕንጸጽ ወይ ኣብ መሬት ክምልከት ግድን እዩ

-ብዘይረብሕ ምኽንያት ንሰለስተ ወለዶታት ዕድላት ኣምሊጦምና፥ ኣብ ታሪኽ ንድሓር ነዊሕ ከይተመልስና፡ ካብ መፋርቕ 40ታት ጀሚሮም ብኢትዮጵያ ዝመወለቶም ልኡኻታን ሸፋቱን ብጥይት ዝተቐንጸሉን ዝተሃድኑን ሓርበኛታት ብዘይረብሕ ምኽንያት እዩ'ሞ ደሞም ፈሲሱ? ኣብ 50ታት ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታትን፡ ናይ 60ታት ሰላማዊ ሰልፍታትን ተቓውሞታትን ተማሃሮ ብዘይ ረብሕ ምኽንያት እዩ ተኻይዱ? ብዘይ ረብሕ ምኽንያት እዮም ዝተመቑሑ/ ዝተኣስሩ? እድሪስ ዓዋተ ብዘይ ረብሕ ምኽንያት እዩ ናይ መጀመርያ ጥይት ኣንጻር መግዛእቲ ቶኲሱ? ብዘይ ረብሕ ምኽንያት እዩ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተጋዲሉ፡ ተሰዊኡ፡ ስንኪሉ፡ ተኸላቢቱ፡ ዓድታቱ ብሓዊ ነዲዱ? ብዘይ ረብሕ ምኽንያት'ዩ ተማሃራይ ትምህርቱ ገዲፉ፡ ሓረስታይ ስድኡን ናውቲ ማሕረሱን ገዲፉ፡ ነጋዳይ ንግዱ ገዲፉ ሰራሕተኛ ስራሑ ገዲፉ ናብ ገድሊ ዝተሰለፈ? ዝፈትዎም ስድርኡን ሃገሩን ገዲፉ ዝተሰደደ? ብዘይ ረብሕ ምኽንያት እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ንብረትን መሬትን ኤርትራ ቦምባታትን ጠያይትን ዝዘነበ? ብዘይ ረብሕ ምኽንያት እዮም መራሕቲ ኢትዮጵያ "መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን"፡ "ንጋሚዶታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከነጥሕሎም ኢና" "እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው"ዝበሉ? ክንደይከ ይደፍር፡ ትሪኽ ዝገበረ ወለዶ ገና ብሂወቱ ከሎ፡ ኣንዳርአየ እንዳሰማዐ ከሎ ሓቀኛ ታሪኽ ክብርዝ፡ ሓዲሽ ናይ ሓሶት ታርኽ ክፍብርኽ? ምዃን እኳ ካብ ክሓድን ጠላምን ሓሳውን ሸርሐኛን እንታይ ክንጽበ።

-ሂወተይ ንኢትዮጵያ ከሕልፈላ፥ እንተ ክኢሉ ዓሰርተ ግዜ ይምተላ፡ ንሂወቱ ባዕሉ ስለዝውንና። ነገር ግን፡ መርገጽን፡ ውልቃዊ ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ኢሳያስ ምስ ዶክ ኣቢይ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ልዕላውነት ኤርትራ ዘይተቐበሉን ዘይኣመኑን ትምክሕተኛታት ምሁራት ፖለቲካውያን ኣምሓ ( Amhara political elites) ከም ዝኾነ ኣግሂዱ። ብዋጋ ልዑልውነት ኤርትራ ክሳዱ ወይ ሂወቱ ከድሕን፡ መጸግዒ ክረክብን፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክመጾ ዝኽእል ማዕበል ተቓውሞን ጃጂዩ እዩ ዘዕለብጥ ዘሎ። ብጽላለቱ ዝብህርር ደመኛና ኢሳያስ፡ ካብ መሪሕነት ትግራይ'ውን ስለ ዝፈርህ ደጊም መጸግዒ ዝኾነኒ ጠ/ሚ ኣቢይ ረኺበ'የ ኢሉ እዩ ንመሪሕነት ወያኔ ዝምልከት ጸወታ ተወዲኡ'ዩ (game over) ዝበለ ። እቲ ዓቢይ ሻቕሎቱ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ከይዕረቑ፡ ንዓመታት ዝጽዓረሉ ስትራተጂያዊ ሸርሒ ከይፈሽል፡ ዕምሪ ስልጣኑ ከይሓጽር ምዃኑ ዘጠራርጥር ነገር ኣይኮነን። ድምር መርድእ ንኢሳያስ! 1) ኢትዮጵያ ንርእሳ ከም ሃገር ምቕጻላን ዘይምቕጻላን ዘየረጋገጸት ዘላ ሃገር፡ ንዓኻ ከተድሕን እዝኒ የብላን። 2) እቲ ጸወታ ተወዲኡ/ኣብቂዑ እዩ ዝበልካዮ ክኣ፣ ኣይፋልን እቲ ጸወታ ገና ሕጂ እዩ ክጅምርን፡ ክጽዕጽዕን

-ክምስምስን፡ ሰሓቕን፡ ኣፍልብኻ ምጥብጣብን፡ ሕንቕንቕን፥ ብመሰረቱ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትጽበዮ ወልደፍደፍን ሃተፍተፍን ፈኾስኮስን ስለዝኾነ ዘንዕቕን ዘሕንኽን ተግባር እዩ። መራሒ ናይታ ንፈትዋን ንኾርዓላን ኤርትርና ስለዝኾነ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ብፍላይ ክኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዋሪዱናን ኣሕፊሩናን እዩ። እቲ ቀንዲ ክስተትን ግንዛቤን ግን፡ ኣብ ዓመታዊ ጽንብላት ይኹን ኣኼባታት ነቲ ዝተቓለሰን ደቁ ዝሰወአን ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ኣርእይዎ ዘይፍልጥ ክምስምስን ሕንቕንቕን ዘስደምም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ "ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትናፍቕ" ብዝብል ምስላ፡ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ብምሉእ ሃሙን ቀልቡን ልቡን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ዝኣክል ከም ዘይብሉ ኣጉሊሑ ዘርኢ ተግባራት ስለዝኾነ። በዚ ምኽንያት፡ ኩሉኹም ህግደፋውያንን ካልኦት ገና ተዋላወልቲ ዜጋታትን ናብ ልብኹም ክትምለሱ እላቦ። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ ተሰዊጥኩም/ተገንዚብኩም ክትኮኑ እትስፎ።

ኽሕደስ ዘለዎ ስትራተጂያዊ ዝምድና ጎርባብቲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፥ እቲ ቀንዲ ሎሚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፡ እዚ ንኡስ ኣርእስቲ'ዚ እዩ።

ታሪኽ ቃልሲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ(EPLF) ታሪኽ ቃልሲ ወያነ ሓርነት ትግራይ(TPLF) ኣብ መዝገቦም ብኽብሪ ኣስፊርምዎ ከም ዘልዉ፡ደም ተጋደልቲ ሕውሓት ኣብ ጎድኒ ደም ተጋደልቲ ህግሓኤ ኣብ ኤርትራ ከም ዝፈሰስ ዘይክሓድ ኣቂ እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ደም ተጋደልቲ ህግሓኤ ኣብ ጎድኒ ተጋደልቲ ሕውሓት ኣብ ትግራይ ከም ዝፈሰሰ ተሰኒዱ እዩ። ብተወሳኺ ብሓባርዊ ቃልሲ ክልቲኦም ውድባት ዝመርሕዎ ህዝባዊ ቃልስታት ክኣ ደርጊ ካብ ሱሩ ተነቒሉ ተደርብዩ እዩ። ብሓባት ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነት፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ክኣ ካብ ወታሃደራዊ ምልኪ ሓርነት ስለ ዘጎናጸፍዎ ዘይሕከኽ ትሪኽ እዮም ኣመዝጊቦም።

እዚ ኩሉ ኮይኑ ከብቅዕ ግን፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍን መሪሕነት ወያኔ ትግራይን/ኢህወደግ ኣዚዩ ሓርፊፉ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ዝቐርዓነን ዝበለየን ተደጋጋሚ ጎስጓሳትን ጸለመን ህግደፍ፣ ከደምቲ፡ ኣገልግልቲ ምዕራባውያን መሪሕነት ወያነ፣ ብወገን ወያነ ድማ ሻዕብያ እዚ ዝኣመላ ወዘተ ገዲፍና፡ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ስትራተጂያዊ ምዕባሌታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሓድሽ ስትርተጂ ክሕንጸጽ ይግባእ። መሪሕንት ህግደፍን መሪሕነት ጠ/ሚ ኣቢይን ምስ ተሓባበርቶም ትምክሕታውያን ምሁራት ኣምሓራ ኢድን ጓንትን ኮይኖ ንጥፍኣት ልዕላውነት ኤርትራን፡ ንከበባ/ክርደና ክልል ትግራይን ክሰርሑ ኣድሽ ናይ ሓባር ስትራተጂ ኣውጺኦም ከም ዘለዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ዓድኻ ክዝመት፡ ዓይንኻ እንዳርኣአየ ኣብ ኣርዑት ምልኪ ማእከላይ መንግስቲ ትምክሕተኛታት ኣምሓሩ ዝላፍንዎ፡ ስርዓተ-መንግስቲ ዳግማይ ክትጽመድ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ምጽባይ ሕልፈት እዩ። " ኣነፋፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን" ከምዝብሃል፡ ስራሖም ክሳዕ ዝውድኡ ዘይምጽባይ። ቀዲሞም ስራሖም እንተወዲኦም ግን "ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ" ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስላ ኣቦታትና ንዘክር፡"ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ"። ከይቀደሙና ንቐድሞም። ንግብረ-መልሲ ምጽባይ ዕሽነት እዩ።

ሓቂ'ዩ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመሪሕነት ህግደፍን ብወያነ ዝዕብለል መሪሕነት ኢሂወድግን ንክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ዝጎድኡ ብዙሕ ታሪኻዊ ገበናት ተፈጺሞም እዮም። ውሑዳት ገበናት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ስልጣን ኢሳያስ ንምውዳቕ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራውያንን ሃይማኖታውያንን ተቓወምቲ ኤርትራ ከይተረፈ ኣብ ዓዶም ከአንግዱን ክምውሉን ጸኒሖም እዮም። ህግደፍ'ውን ኣብ መሬት ኤርትራ ተቓወምቲ ኦሮምን ኣምሓሩን ትግራይን ከአንግድን ክምውልን ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጡ ሰብ ጸጋ ኣስታት 70 ሽሕ ዝኾንኑ ኤርትራውያን ካብ ትሐቲ-ዕድመ ደቆም ፈልዮም ብዘይ ቅያር ክዳን ሰጊጎምን ንብረቶም ዘሪፎምን እዮም። ብሸነኽ ኤርትራው'ውን ከምኡ ኣሻሓት ኢትዮጵያውያን ኣባሪሮም እዮም። እዚ ጸሊም ታሪኽ'ዚ ብክልቲኡ ወገን ህዝብታት ዘኹርዕ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ዶብ ዂናት'ውን ወታሃደራት ኢትዮጵያ መቓበር ሓርበኛታት ኤርትራውያን ከይተረፈ ኣርኪሶም እዮም። እዚ'ውን፡ ካብ ወታሃደራት ድኣ እንታይ ክንጽበ ኢልካ ሸለል ዘይብሃል ብሕማቕ ዝዝከር ፍጻሜ እዩ። ኣብዚ ዘይተጠቕሰ ንክልቲኡ ህዝብታት ዝትንክፍ ብዙሕ ዝተገብረ ግፍዕታትን በደላትን ከም ዝህልው ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጸመ ገበን ግን፣ ክልተ ጎረባብቲ ህዝብታት ተፈላልዮም ክነብሩ ኣይግባእን። ብሕልፊ ድማ ብትምክሕተኛታት ኣምሓሩን ኢሳያስን ኣቢይን ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ህዝብታት ተንኮልን ሸርሕን ክእለም እንዳትዓዘቡ። ኣብ ሕሉፍ ቅርሕንትን ቂምታን ስለ ዘይንበር፡ ናብ እዋናዊ ኣገዳሲ መድርኽ ንሳገር። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላዊት ሃገር ኤርትራን፡ ክልል ትግራይ፡ ኢትይጵያ፡ ብጠ/ሚ ኣቢይን ፕረሲደንት ኤርትራ ኢሳያስን ዝምርሑ፡ ብሕልፊ ኣምሓሩ ኢትዮጵያን ፖለቲከኛታት፡ ውሕዳት ህግደፋውያን ዘንጸላልዉ ዘለዉ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ስጉምቲ ክሳዕ ዝወስዱ ተጸቢና ግብረ-መልሲ ካብ ንህብ፡ ሕጂ ተበግሶ ንውሰድ። ንዓመታት ተደጒሉ ዝጸንሐ ትምክሕቲ ኣምሓራ፡ ብስጉምታት ዶር ኣቢይን ኢሳያስን ተተባቢዖም ከም ጋዜጠኛታት ቴድሮስን ታምራትን ዝኣምሰሉ ተሓለቕቲ ዓባይ ኢትዮጵያ ኮይኖም፡ ብቕሉዕ ተሪኽን መሰልን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ክጉዕጽጹ ክገፉ ቅልዕ ጎስጓሳትን ከካይዱ ጀሚሮም ኣልዉ።

ግንባር ጠ/ሚ ኣቢይን ኢሳያስን ኣምሓሩን ዝኣልምዎ ሸርሕታት ንምፍሻል፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ናይ ሓባር ግንባር ክፍጠር፥

ሀ) ብመሰርት ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ፡ ጉዳይ ዶብን ባድመን ምዕረፊ ክርከበሉ ዝእምት እማመ

ለ) ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዓለም ዝደንገጎ ኣጠቓቕማ ወደባት ባሕሪ ኤርትራ ምስ ክልል ትግራይ ምስምማዕ ዝእምት እማመ

ሐ) ስትራተጂያዊ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝእምት እማመ

መ) ሓባራዊን ቁጠባዊን ሜላታት ዝምልከት ዝእምት እማመ

ሰ) ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝዕድም ሃዋህው ክፍጠር ዝእምት እማመን ካልኦትን ዝኣምሰሉ፡ ናይ ሰናይ ድልየት ተበግሶታት

እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ከም ብዓል ኢሳያስን፡ ብዓል ገብሩ ኣስራትን መሰልቶምን ክሳብ ዘልዉ፡ ክትግበር ኣይክኣል እዩ ክብሃል ይክኣል እዩ። ርግጽ እዩ ምትግባሩ ቀሊል ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብቓልሲ ህዝብታት ዘይስዓር ስርዓት ወይ ውል-ቀሰብ ከምዘየለ ትሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ስለዚ ምሁራትን ኪላታትን ኤርትራን ትግራይን ዝመርሑዎ ህዝብታት፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ትሕቲ ትምክሕታውያን ኣምሓሩ ዝመርሕዎ ምንባር ከም ዘይክኣል፡ ተገንዚቦም፡ ውሕሉል ናይ ሓባር እስትራተጂ ክሕንጽጹ ከይሰልከዩ ክነጣጠፉ ክጅምሩ ኣለዎም። ብናተይ ርድኢት፡ ዘልኣለማዊ ሃገራዊ ጥቕሚ እንበር ዘልኣለማዊ ሃገራዊ ምሕዝነት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ጥቕሚ ህዝቢ ፈጺሙ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ኣይወድቕን እዩ። ምሕዝነት ህዝብታት ግን ምስ ፖለቲካዊ ኲነታት ክቀያየር ክዝሕትል ይኽእል እዩ። ስለዚ ንጥቕሚ ዘላቒ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንሕሰብ። ኣብዚ ሓሳብ'ዚ ንሰማማዕ፡ ኣብዚ ሓሳብ'ዚ ክኣ ንዕሰል

ስለዚ ተቓወቲ ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ማዕከናት ዜናታትን ምሁራት ኤርትራውያንን፡ ብቐዳምነት ውሽጣዊ ሃገራዊ ስትራተጂያዊ ግንባር ክንፈጥር ይግባእ። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ኮንካ ልዑላውነት ሃገርካ ምውሓስ ቀንዲ ሓላፍነትካ ከምዝኾነ ተገንዚብካ ዳግማይ ታሪኽ ክትሰርሕ ይግባእ። ከምቲ ስምካ ዝሕብሮ፡ ሞያኻ ምክልኻልን ሓለዋን ኤርትራ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ወዲቕሉ ዘሎ ህሞት፡ ኣውራጃ ብሄር ሃይማኖት ውድብ፡ ውልቃዊ ጥቕሚን ቅርሕንትን ውይ ፍኽክርን ልዕሊ ሃገር ምስራዕ፡ ጥቅምኻ ዘይምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ሃገራዊ ታሪኻዊ ገበን'ውን እዩ

ውሽጣዊ ሃገራዊ ስትራተጂና ኣደልዲልና ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ብቐዳምነት ምስ ጎረቤትና ህዝቢ ትግራይን ከም ኣድላይነቱ ክኣ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓበር ስራሕ ስትራተጂ ኣውጺእና ክንቃለስ ኣሎና። ስለዚ ሓደ ምእኩል ሃገራዊ መሪሕነት ፈጢርና፡ እዚ ንምግባር ግዜ ዝወስድ እንተኮይኑ ግን፡ ግዱሳት ክኢላታት ኤርትራውያን 'ምእኩል ሃገራዊ መሪሕነት' ከይተጸበዩ ተኣኻኺቦም ናይ ስራሕ ክፍፍል ኣብ መንጎኦም ገይሮም ኮሚቴታት/ሽማግለታት ኣውጺኦም ክሰረሑ ህጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ እመስለኒ። ካብቶም ብህጹጽ ክስርሑ ዘለዎም ዕማማት ዝብሎም፥

1. መራሒ ኤርትራ ምስ ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ጉልቡብ ውዕላት ኣብ ኤርትራ እንታይ ሕጋዊ ሳዕቤናት የኸትል

2. ኢሳያስ ምስ ኣቢይ ዝገብሮ ዘሎ ሰላሕታዊን ዘገምታዊን ስጉማቲታት ኣብ ልዑላውነት ኤርትራ ሓድጋ ከውድቕ ይኽእልዶ

3. ስትራተጂ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጲያውያን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ስትራተጂ ህዝቢ ኤርትራ እንታይን ምስ መንን ክኸውን ይግባእ

4. ርክባት ጎረባብቲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ብኸመይ ክዕረን ክጅምርን ከም ዝኽእል መጽናዕቲ ምክያድ

5. ኢትዮጵያውያን ውልቀ ሰባት ከም ብዓል ጋዜጠኛታት ትኣምራትን ቴድሮስን ዝኣምሰሉ ልዑላውነት ኤርትራ ደፊሮም ናብ ጠቕላይ ግዝኣት ዝመልስን ናይ ኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ዋንነት ወደባትን ዘካይድዎ ዘለዉ ጎስጓስት ብኸመይ ውዱብን ስሩዕን ኣገባብ ክምለሰሎም ይግባእ ወዘተ። ብመነጽር ህልዊ ኲነታት፡ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ደለይቲ ፍትሒ ከመይ ይኹን ዝብል ሕቶ ክሕሰበሉ ኣልዎ

ብርእይቶይ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣድላይነቱ ሕጂ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ብህጹጽ ክጽዋዕ ኣለዎ እብል። ኣብ ሃገራዊ ኣፈርክቡ ግዜ ኣቲና ዘለና እመስለኒ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርኩዎ፡ ብናተይ መረዳእታ፡ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ወጊኑ ንኤርትራ ብዘይ ፍቓድ ህዝቢን ሕጋዊ ኣገባብን ናብ ኢትዮጵያ ከልሕቓ ይጽዕር ስለ ዘሎ፣ በንጻሩ ክኣ ህዝቢ ኤርትራ ሓዲሽ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ስትራተጂ ክሕንጽጽ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። ዕማም ህጹጽ ሃገራዊ ዋዕላ ምጽዋዕ፡ ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታትን ክሓስብሉን ክምልስዎን ብትሕትና ክምሕጸኖም እፈቱ

ልዕላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም ይንበር

ምድቀት ንከድዓት ሃገር

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና


ገ. ወልደሚካኤል
ካብ ሕ.መ.ኣ

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


More Articles by Mr G. Woldemichael ካልእ ጽሑፋት ብ` ገ. ወልደሚካኤል:

Berhane Abrehe Message to Eritrean People and Isias Aforki



See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን



Share with friends: