ነቲ ዑቚባ ሂቡ...!

19/12/2017 21:55 PM

ነቲ ዑቚባ ሂቡ...!

ጽሑፍ፡ ብ'መሲናስ


 

ነቲ ዑቚባ ሂቡ...!

ኣምበሳደር (ኳደረ) ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ተሰጒጉ!

ኣብዚ ዘለናዮ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ ዛንዳም ዝተባህለ ቦታ፡ ኣብ ዝተገብረ ጽንብል፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ንሓድሕዶም ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣዳራሽ ዚጀመሩዎ ባእስን ዕግርግርን፡ ኣብ ግዳምውን ብምቕጻል፡ ምስ ፖሊስ እቲ ዑቚባ ሂቡ ብሰላም ዘንብሮም ዘሎ መንግስቲ ሆላንድ ጥምጥም ከም ዝገጠሙ፡ ኣብ እዋኑ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ክዋዛዕ ቀንዩ ነይሩ። ኣብ እዋኑውን ብዙሓት ሰባት ጓሂኦምን ቅሬታኦምን ብምግላጽ፡ ነቲ ፍጻመ ዓገብ ብምባል ኮኒኖሞ ነይሮም እዮም።

ሕጂ ነዛ እትቕጽል ናዕታ ንኽጽሕፍ ዝገደደኒ ምኽንያት ግን ትማሊ ምስ ገለ ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ነቲ ፍጻመ ኣልዒልና ምስ ኣዕለልና’ዩ። ‘ኣንታ በዞም መንእሰያት’ኮ ተዋሪድና! በቃ ኤርትራውያን ሰላማውያን ተባሂልና ንጽዋዕ ከምዘይነበርናስ ሎሚ በዞም ኣዛዊሮም ዘይሓስቡ ዕሸላት ስምና ከፊኡ! እሞ ከኣ ነዚ ኣንጻር ዓማጺኦም ኣብ ጎድኖም ደው ዝበለ መንግስቲ ክጻብኡ!?’ በለ ሓደ ሓው ቁጥዕ ኢሉ። ሓንቲ ካልእ ሓውቲ ትቕብል ኣቢላውን ‘ኣንታ እንታይ ዘይገበሩ ኢኹም፣ ኣብዚ ሃገር ተቐቢሉ፡ ንሽግራቶምን ጉዳያቶምን ሰሚዑ፣ ኣናባብራን ባህልን ናይዚ ህዝቢ ምሂሩ ዘወሃሃዶም ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ስለ ዘየለ፡ እዞም ቈልዑ ኣብ ዘይፈልጡዎን ሓታቲ ኣብዘይብሉን ባሕሪ ሓንቢሶም ስለ ዝጠሓሉ፡ ካብኡ ንምውጻእ ፈንጠርጠር እንተበሉ ኣይተሓዘሎምን’ዩ!’ በለት።

‘እዋእ! ዘይከውን’ንዶ ኣይትዛረቢ! ኣብ ዝኸድካ ኪድ ስነ-ስርዓት ጌርካ ብሰላምን ፍቕርን ንምንባር እንታይ ትምህርት ማዕዳን የድልየካ!? እዚ ትብልዮ ዘለኺ ናይ ሓገዝ ጉዳይ ተወሳኺ’ዩ። ከም ምኽንያት ክቐርብ ግን ኣይግብኦን’ዩ። እሞ ከኣ ነዚ ገባር ጽቡቕን ጸረ ዓመጽትን ዝኾነ መንግስቲ ሆላንድ ከምዚ ክፈድዩዎ ፍጹም ኣይግብኦምን’ዩ! ብኣንጻሩ ግን ብዙሓት ስነ-ስርዓት ጌሮም፡ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ተዋፊሮም፡ ንዓማጺኦም ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንኑ ተባዓት ከም ዘለዉ እውን ክዝንጋዕ ኣይግብኣን’ዩ።’ ብምባል ንምኽንያታ ነጸጎ።

እዞም ኣሕዋት በዝን ወዲ ከምዝን እናተኻትዑ ከለዉ ድማ’የ ኣነ ብልበይ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ዝወረቕኩ። ተፈላሊና ናብ ገዛይ ምስ ከድኩ ከኣ ኣብ ወረቐት ኣስፊረ ናባኻትኩም የብላ ኣለኹ። ርእይቶኹምን ማዕዳኹምን ንኹልና ብልቦና ከተስፍሩ ድማ ኣነውን ብትሕትና እሓትት? የቐንየለይ።

ነቲ ዑቚባ ሂቡ...!

ነቲ ዑቚባ ሂቡ ብኾፍካ ዚቕልብ
ነቲ ከም ወላዲ’ወ ኣምሂሩ ዚሕብሕብ
ኣብ ቅርዓት ወጺእካ ብኣእማን ኪትኩርብብ
ሕሰምካ ረሲዕካ ፍጹም ካብ ትጋልብ
ነዚ ዘለኻዮ ሰላም ንኺትረክብ
ዘሕለፍካዮ *እልበት ኩሉ ዘይትጽብጽብ!

እቶም ንሓመድካ ነጊፎም ዘጽረዩ
መሰልካ ሓልዮም ኣብሊዖም ዘስተዩ
ሃገራዊ ረብሓ ጥቕሞም እናወፈዩ
ነቲ *ዘላሚኻ ሰጒጎም ዘብከዩ
ይግብኦምድዩ ኣታ እዚ ክፍደዩ!?

ኣንታ እዚ ከስዐ ኣደ ጉራምራ ሕብሩ
እዞም ክልተ ኣሕዋት ካብ ሓንቲ እተፈጥሩ
እቲ ሓደ ከዕገርግር ብመስተ ሰኺሩ
እቲ ሓደ ይቃለስ ኪፈትሕ ሽግሩ
ናይ ተፈጥሮ ነገር ከምኡ’ዩ እቲ ባህሩ!

ዕድል ከየፍቀደ በደሉ ኪሓቶ
ብገመድ ኣሲሩ ሄሊኮፕተር ኦቶ
ዘየናሕሲ ገበል ህዝብኻ እናኣጽነቶ
ኣብ ሓደ ሰሚርካ ንኸይትምክቶ
ኣልኮላዊ መስተ ሓንጎልካ ኪብሕቶ
ምጽወታ ናይ ስደት ጌሩካዶ ከንቶ!

ኣንታ ዘይትሓስብ ወዲ ሰብ እንዲኻ
ናብቲ ሕሱም ስርዓት ገሃሲ ክብርኻ
ኣይምለኽን ኢልካ ጸጸር ዘይደርበኻ
ነዞም ብሩኻት ግን ዑቚባ ዝሃቡኻ
ብደንጎላ ጌርካስ ኪትፈግኦም ደሊኻ!

በል፥

*ፋህም እንተ ኴንካ ወዲ ጭዋ ህዝቢ
ንሕሉፍ በደልካ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ
ክሳድ ከየትረርካ ከምቲ ርጉም *ዓምቢ
ልኡም’የ ኣነ ኢልካ ዘይፈጥር ናዕቢ
ነቲ ከም ዜጋኡ ብኽብሪ ዚናቢ
ይቕረ ንኺብለልካ ሕተቶ ብልቢ!

ናብቲ በላዒ ሰብ ኣብ ሃገርካ ዘሎ
ጸጸር ዘይደርበኻ ረጊጹካ ከሎ
ነዚ ብሩኽ መንግስቲ ፍትሒ ዚዓሰሎ
ደንጎላ ኣልዒልካ ርእሱ ኪትፍንቅሎ
ክንዲ ምስጋናኡ ካብ እትብድሎ
ይቕረ ንኺብለልካ ተጋግየ እየ በሎ!

*ካደረ= ኣብ ዓዲ ንዚመጹ ተጋደልቲ ዝኸውን እንጌራ ዘዋጽእ ልኡኽ
*እልበት= ሓሳረ-መከራ
*ዘላሚኻ= ዓማጺኻ/ረጋጺኻ
*ፋህም= ለባም መስተውዓሊ
*ዓምቢ= ብደዉ ነቒጹ ዚዓምበዀ ቆልቋል

መስተ ጎዳኢኻ ስለ ዝኾነ ሓራም በሎ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/01/2018

Share with friends:



VOICE OF ASSENNA: ዝርርብ ምስ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብዛዕባ ምስጓጒ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ሆላንድ


See also recent articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

See more ተወሳኺ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ርአ፡-