ኣቦይ፡ መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡ ተተስኪሩሉ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

09/10/2019 01:35 AM

ኣቦይ

መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡

ተተስኪሩሉ

My wedding event turned into my father's memorial

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ኣቦይ፡ መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡ ተተስኪሩሉ

ኣቦይ፡ መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡ ተተስኪሩሉ (My wedding event turned into my father's memorial.)
ጽሑፍ ብ 'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ነዛ ጽሕፍቲ ንምድላው ዝደረኸኒ ምኽንያት፥ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ጉልባቡ ዝቀልዐ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘኣንገደ ቃለ መሕተት ስለ ዝሰማዕኩን ላግጺ ናይ ኣገልጋሊቱ ዝኾነት ስማዊት ሚንስተር ፎዝያ ሓሽም ህዝቢ ኤርትራ ብጀካና ሓላይ የቡሉን እናበለት ነቲ 28 ዓመት ዘራጠጠትጥሉ ኮረሻ ስልጣን ንምዕቃብ ክትማጻደቕ ስለ ዝሰማዕኩ እየ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተኪኡ ዝመጸ ምምሕዳራት ድኽነትን ድንቁርናን ዘይበለየላን ኮይና ትርከብ። ከም ውጽኢት ድሕረተን ዘስዓቦ ብልሽውናን ኢድ ምትእትታው ምዕራባውያንን ንሃገርና ኤርትራ ወሲኽካ እቲ ናጽነት ዝበሃል ኣምር ሰንደቕ ዓላመአን ጥራይ ዝንበልብላላ ኮይነን ተሪፈን ይርከባ።

ሲዒቡ ኣብ ታሪኽ መዘንተዊ ኮይኑ ዝዝረበሉ ጒዳይ፥ ኣብ እዋን ናይ ፈረሳ ሰውራ እቲ ህዝቢ ኣድማ ምስ ገበረ እታ ንግስቲ እንታይ ኮይኖም እዮም ኢላ ትሓትት`ሞ ባኒ ስኢኖም ኢሎም ይምልሱላ፤ ብወገና እንታይ`ሞ ኣለዎ ኬክ (ምቊር ሕብስቲ) ዘይበልዑ ኢላ መሊሳትሎም። ነዚ ምናልባት ምስቲ እዋን ኣዛሚድና “ኣብ ከብዲ ጥሙይ የሎን ጽጉብ” ኢልና ምሓለፍናዮ። ናህና ጉዳይ ግን ብዛዕባ ዝብላዕ ዘይኮነ ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ነገር ናይ ምንባር ሕቶ`ዩ ጸገምና። እዚ ጣኦት ባሃማት ዝኾነ ውልቀ መላኺ ኣብ ሞስኮት ተሌቪጅን ቀሪቡ ዝሃቦ ትርጓመ ዘድልዮ ኣይኮነን። ቃል ንቓሉ `ኣብ ታሪኽ ጥልመት ብኣይ ዝተጀመረ ካብ ዘይኮነ ብጥልመተይ ክሳብ ማዓስ ኢኹም ክትግረሙ ዘስምዕ ናይ ንዕቀት ቃለ መሕተት ዝሃቦ መልሲ ብምግራምና`ዩ ተገሪሙ። ምኽንያቱ፥ እዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ናብ ሊብያ እንታይ ክገብሩ ከይዶም? ኢሉ ነቲ ንሱ ዝሕተተሉ ባዕሉ ተመሊሱ ይሓትት ( https://youtu.be/_i8UZX_z_w8 ካብ መበል 25:30 ደቒቕ ጀሚርካ ስማዕ)። ከምቲ ሉሙድ ናይ ስልበጣ ባህሪኡ ናብ ካልእ ንምልጋብ፡ እዚ ኣብ ልዕሌኦም ተኻይዱ ዘሎ ሓደ ውዱብ ገበን እዩ ይብል ሕንከት ኣልቦ ዝኾነ ውልቀ ምላኺ ኢሰያስ። ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ብዓመጽ ዝሓዞ ስልጣን ብሕጊ ኣልቦንት እናራሰየ ጠንቂ ብርሰት ህዝብን ምጒሕጓሕ ባህርያዊ ሃብትን ምኻኑ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ብዘውረደልና ስቓይን ግፍዕታቱን እናስሓቕ መን`ዶ ኺዱ ኢልዎም እዩ ክብል ከሎ ሞትን ስቅያትን ናይ ደቂ ዘሙኡ ኣበይ ኢልዎ። በጋጣሚ ዝኽሪ መበል ሻዱሻይ ዓመት ናይ`ቶም ኣብ ላምፓዱዛ ብቓጸሎን ምጥሓልን ዝሃለቚ ኣሕዋትናን ንኹሎም ኣብ ልብያን ማእከላይ ባሕሪን ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራን ካልኦትን ጽንዓት ይሃቦም ይብል።

ንክብርቲ ወላዲተይ ኣምለሰት ገብረሂወት፡ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ናጽነት ንምድላይ ኣሰር ዓበይቲ ኣሕዋተይ ገዲፈያ ተሰሊፈ። ዝተረኽበ መሬታዊ ናጽነት ግን ፍትሒን ደሞክራስን ዝጎደሎ ብምኻኑ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብና ስደትን ምዝንባልን ኣኸቲሉ ዘይሕከኽ ስምብራት ናፍቆት ኣስዒቡ። ዓይነይ ገጽ ወላዲተይ ከይርኢ ተሓሪሙ፡ ኣእዛነይ ማኣስ ኢና ንርኣኣይ ብዝብላ መሕነቕነቕቲ ቃላት ወላዲተይ ተኾኰዑ፡ ልሳነይ ብናይ ተስፋ ቃላት ከም ብዕሪር ዘዃማሳዕኩወን “ኣደ፡ እንረኣኣየሉ ግዜ ቀሪቡ እዩ፡ ጾሎት ጥራሕ ግበሪ” እናበልኩ ዘስነቕኩዋ ናይ ተስፋ ግዜ ነዊሑ ኣብቂዑ። ጠንቂ ስደት ዝኾነ ሰርዓት ህግደፍ እግርኻ መሊእካ ዘይትኸዶን ዘይትረግጾን ምልኪ ኣብ ሃገር ኣስፊኑ። “ክንርአአ ኢና እንድዩ ኢሉኒ፡ ኣኻኽቦ ይፍጠረልና” እናበለት ብተስፋ፡ ኣደይ ወላዲተይ፡ ምስ ናፍቆትና ምስ እዛ ዝሓለፈት ወርሒ ነሓሰ፡ ንሓዋሩ ሓሊፋ። ንኹሉኹም እቶም ዘጸናናዕኩምኒ ሕሰም ኣይትርከቡ። የቐንየለይ እብል። እዚ ማልት ግን ሎሚ ጽንዓት ይሃብካ ዝብሃል ኩሉ ኤርትራዊን ኤርትራ ሃገርናን ምኻኑ ኣይዘንጋዕኩን። ዘመን ታሪኽ ስርዓት ህግደፍ ንባዕሉ ሕሰም ኣይትርከብ ዘይብሃሎ፡ ጽንዓት ይሃብኩም ባሃላይ ኢዩ። ካብ ቡዙሕ፡ ሓንቲ ኣብነት፡ ይቕረ ዘይባሃሎ በደል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣገልጉሎት መንእሰያት ኣሕዋትን ስድራቤታትን፡ ካብ ባህልና ወጻኢ እተገብረ ግፍዒ ክጠቅስ፥-

ኣባላት ኣገልጉሎት ኣሃዱ ክ/ስ36-3ይ ብርጌድን ክ/ሰ 271 ዝነበሩ መጻምድቲ መንእሰያት፡ ወለዶም ብህይወቶም እንከለው ኣበባ ደቆም ንምርኣይ ትብጻሕኩም ተበሃሂሎም። ዕለተ መርዓ ቆጺሮም እኽለማይ ተሰንኪቱን ተኣሊኹን ዳስ ሓጎስ ተሸሊሙ ንቡር ባህላዊ መውስቦ ንምርኣይ ዱሮ መርዓ ምሸት ኮነ። መቸም እቶም ቅድሚ ነዊሕን ሓጺርን ግዜ እተመርዓኹም መስርሕ መርዓ ዘሕለፍኩም ተመሊስኩም እሞ ዘክርዎ። ንምኻኑ ትዝክርዎ ዲኹም፧ እቲ ዝነበረ ሓጎስን ዘሕደረልኩም ዘይበሊ ትዝታ ምምስራት ስድራቤት ብባህላዊን ዘመናውን ገድላውን ስደታዊ ዝሓለፈ መርዓኹም። ኣነ ግን፡ ዘይሃስስ ትዝታ መርዓ ብጾተይ፡ ኣብ ኣብ ሕብረተ ሰብ ገድሊ ናይ ሜዳ ኣሎኒ። እንተ ኣብ ዘመን መግዛእቲ ህግደፍ ግን ርግጸኛ እየ ቁጽሩ ሎሚ ኣብ ፍቖዶ ስደት መርዓታትና ብዘይ ወለድን መቅረብ ቤተ ሰብን ዘይቡሉ ዝካይድ ኣዝዩ ብዙሕን ንቡርን እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ነቶም ዘይትዝክርዎ ድማ፡ ዛንታ ናይ መንእሰያት ኣባል ሃገራዊት ኣገልግሎት እንዳ 36-3ይ ብርጌድ ዝነበረት ሓብትና ኤልሳ ተኽሉ፡ ካብ እተሸለመት ዳስ መርዓ እንዳቦይ ተኽሉ ጠፊኣ። መርዓት፡ ብድሮ፡ ብሽላ ናይ ዘመንና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝወጸቶ ተቖሊባ። ቀደም እንበር ሎሚ`ኳ ክንደየናይ፧ ባህላዊ መርዓ ሃገርና መበገሲኡ ብቅንኡ ብመጠቃ ምስንካትን ጽምቋን ዝጀመረ ዲም ዝብል ድምጺ ከበሮን እልልታ ኣዴታተና “ንመርዓ ቦኹሪ ጓለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ” እናተባህለ ዝተተኸለ ዳስ፡ ብድሮ ምሸት ድማ ትብጻሕኩም እተባህለት መርዓት፡ ብዓርኪ ሕልፎት ብከበሮን እንብልታን ጓይላ ይዕምር፡ ጸወታ ክሳዕ “ሓውሲ,,,ሓውሲ ደለየት ነብሲ፡ ተባሂሉ ግዓት ጠስሚ ዝቕረብ፡ ዝበላዕናሉ ሓሾው ንበለሉ,,,!! ወጊሑዶ ጌና ክንከይድ ገዛና ከብዲ ኣድጊ,,,!! ይበሃል።

እዚ ኹሉ ግን ወላ`ኳ ኤልሳ ትብጻሕኩም ተባሂላ እንተ ተሸለመት፡ ኣይንታን እዩ ዝነበረ። እሞኸ ድኣ እንታይ ዓይነት መርዓ ድኣሉ ነይሩ፧ ኩቡራት ኣንበብተይ ዝግ ዘብል እንተ ኾይኑስ ዝግ`ሞ በሉ!! ዓርኪ ሕልፎት ናብ`ዛ ሕልምልም ትብል ዳስ ከተፍ በሉ። ወናማት ሃረምቲ ከቦሮኦም እንተ ደሰቑ መርዓት ዘይቡሉ ዳስ`ሞ ከምይ ኢላ ክትደምቕ፧ እቶም ወላዲ፡ ኣንብርዎ እቲ ከቦሮኹም መግቢ ሓዙ፡ በልዎም። ጸዋር ባህሊ ሕብረተ ሰብና፡ ጓሎም ጠፊኣስ ንዕዱማቶም ይሓልዩ። ጉዶም ዘይፈለጡ ወራዶ መርዓ ድማ፡ የለን! ከም ወግዑ ክልተ ጓይላ ክንጻወት መጀመርያ በሉ። ወግዒ`ዶ በልኩም፧ ንሱስ ድሓን ካልእ ግዜ ተርክቡሉ ተባሂሎም። ድራር ተቐሪቡ በሊዖም ሰትዮም፡ ብትሒም ትሒም፡ እቲ ግናይ ወረ ሽላ ቈሊባ፡ መርዓቶም ዝሓረየ በጽሖም። ዝረኸቦም ኣደራዕ ናይ ስድራቤት ዘይፈልጡ ወራዶ መርዓ፡ እንጀርኦምን ስውኦምን ከብዶም መሊኦም፡ ኣንታ ዞም ሰብ ገዛ ክንደይ ይፈዝዙ! መርዓት ከም ዝሓዙ ዓርኪ ሕልፎት ይእዝዙ! በሉ።

ንጽብሒቱ ገደደ፡ ኣዝማድን ፈተውትን ዕዱማትን፡ ሰብ ሩሑቕን ቀረባን፡ ርሑስ ጋማ ዝብሉ ንዳስ መሊኦማ። እቲ ወናም ተላሃያይ ሙዚቃ እንጂነር ኣስጎዶም፡ ንናጽነት እተሰዋኣ ወዳ፤ ጓላ፡ `ኣደ ስውእ ኣደ ጅግኛ ማዓንጣኺ እሰርያ ብገመድ፡` እናበለ ዘጸናንዕ ዜማ ይዝይም። ሽላ ህግደፍ ቆሊብዋ ነታ ናይ ሕልሚ መርዓት ኣብ ክንዲ ናብ ዳሳ ናብ ማሕቡሳ ኣተወት። ሕልማዊት መርዓት ጓሎም፡ ንቡር ሲኢና፡ ግፍዓዊ ስቓይ ማሕቡስ ብስርዓት ህግደፍ ተገዝመት። ወላዲ ነታ ተመንዮማ ኣብ መርዓኣ ጋማኣ ንምእሳር ዘይዋዓለት ውላዶም፡ ኣዝዮም ጉህዮም፡ ማዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም፡ ኣእዳዎም ንድሕሪት ጠውዮም፡ ማዓንጣ ዝኹምትር ዘረብኦም “ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽይ! ሎሚ ዳስ ዕድመ ሩሑስ ጋማ ኤልሳ ጓልና ምዃን ተሪፉ፡ ብደወይ እንከለኹ ዝትስከረሉ ዳስ ካብ ኮነ፡ ተስካረይ ኢዩ ብልዑ፡ እናበሉ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ ስሉም ዳስ እናዘሩ፡ ተስካረይ ኢዩ ጽቡቕ ጌርኩም ብልዑ” በልዎም። ሰብ ዝኾነ፡ ኣርሚምዎ፡ ኣይኮነን ክበልዕን ክሰትን`ሲ ዝዛረብዎ ጠፍኦም።

ኣቤት መከራ ዘመን ህግደፍ! ወለዲ ብህይወቶም እንከለው፡ ኣብ መርዓ ውላዶም፡ ተስካረይ ኢዩ ብልዑ፡ ዝበሃለሉ ተካል ግዜ።

ወዮ ጓይላ ዝተሓስቦ ዳስ ናይ ጓሎም መልቀስ ኮይኑ። ዕዱማት፡ ድሓን ድሓን ንስኹም ኣይኮንኩምን ግዜ ኢዩ ኣምጺእዎ፡ ብመዘዙ ቡዙሕ ኣይትናዘዙ፡ ኣባዂም ጥራይ ኣይኮነን፡ እዝግዮ ድኣ ንበል ኢሎም፡ ከጸናንዕዎም ዝከኣሎም ገበሩ። እንተኾነ ግን ከምዚ ተባሂሉ ጥራይ ዝሓለፈ መርዓ ኣይኮነን፡ ንዝውዓሎ ንዝሰምዖ እውን ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ግን ብጀካ ነቲ ብድዐ ድሕሪ ሓሞት መሳቱኡን ህዝቡን ዝኾነ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ገዲፍካ ማለተይ ኢየ። “ንሕና ኢና ተቃሊስና ናጽነት ኣምጺእናልኩም፤ መግዛእታዊ ጭቆናና ጸሊእኩም ደቅኹም ናብ ስደት ኣፋኒኹም,,, ኣብ ሳህራን ባሕርን ናይ ዝመቱ ደቁኹም ተስካር ካብ ምብላዕ ዝኸፍእ ዮሎን።” (ቃል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም)። እንተ ሎሚ ግን፡ እንተ ደልይዎስ ወይስ ተመንይዎ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ንባዕሉ ኣብ ጎልጎል ምጽዳፉ ምስጢር ግዳይ መድረኽ ተዋስኦ ናይ`ቲ ፕረሲደንት ዝብሎን ዝገልግሎን ንሱ፡ ኮይኑ ኣሎ። ጀነራል ስብሓት ባዕሉ ኢደበይዛ ናይ`ዚ ጨቋኒ ስርዓት ኮይኑ፡ ክንዮው ህዝቡን ብጸቱን፡ ንፕረሲደንቱ ምክልኻልን ምስኡ ሙማትን እዩ ዝመረጸ። “ኩቡር ፕረሲደንት ከምዚ ኢሉን ገይሩን ኣይትበሉ” እዩ ዝበለና ጀነራል ስብሓት። እሞ ድኣ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ድሌት ወዲ ሰብ ካብ ዘይኮንና ዋላ`ውን ጀነራል እንተኾነ፡ እሞ ድኣ ሕጂ እንታይ ኣምጽኦ ጀነራል ስብሓት ብዝኣምኖ ፕረሲደንትኡ ኣብ ጎልጎል ኣጽደፎ - ኣብ ጎቦ ደገሞ - ምባል፡ ኣንጻር ድሌቱ፡ ብኢሰያስ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ድራማ ምዝራብ እንታይ ትርጉም ኣለዎ። “ንድሙ መጻወቲኣ ነንጭዋ ጻዕረ`ሞታ” ድዩ ተባሂሉ ዝምሰል፧ ግፍዒ ስቓይ ህግደፍ ንህዝቢ እንበር፡ ንገለ ጀነራላቶም`ሲ ክንዮ መዘናግዒኦም፡ መኻዕበቲ ካዝንኦም ኮይንዎም ኣሎ።

እቲ ጠንቁ ናይ`ዞሞ ብህይወቶም እንክለው ተስካሮም ክብላዕ ዝኣዘዙ ኣቦ ድማ፡ እዛ መርዓት ኣብ ሃገራዊ ኣጎልግሎት ኣሃዱኣ ክ/ሰ 36 3ይ ብርጌድ ንኣዛዚ ቦጦሎኒ ወዲ ጅምዕ ኩነታት መርዓኣ ሓቢራ ፍቓድ ተኸሊኣ። በዚ ኣይዓረፈትን፡ እደለት ትኹን እንበር ስድራይ ድኣ ብሰንከይ መዛረቢ ክኾኑ ኢላ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ኣስመራ ዘእቱ እዩ ዝነበረ። ኤልሳ ሕልማን ሕልሚ ወለዳን ንኸተተግብር ካብ ድፋዓት ገዛ ገረህላሰ፡ ብኢደ ዋኒና ንገዝኣ ናብታ ዘይትውዕለላ ዳሳ፡ ሃዲማ ከደት። ኣንታ ከመይ ድዩም እቶም ኣገልግልት ኣብ ነንሕድሕዶም ክንድዚ ዝጨኻኸኑ! እዩ ዘብለካ። ሓደ ካብ ሓለፍታ ወዲ ጅምዕ ድማ ንገለ ኣባላት ኣሃዱኡ፡ ንወዲ ቀሽን ዮናስን ጸዊዑ፡ ኤልሳ ሃዲማ ኣላ ኬድኩም ኣምጽእዋ ተባሂሎም ንኣስመራ እግሪ እግራ ስዒቦም። እንተ ኾነ ኤልሳ ክስዕብዋ ምኻኖም ተገንዚባ ዝመረጸቶ መንገዳ ብሻንብቆ ምኻኑ ተሪፉ፡ ብብሹካ ኣሽኪዓቶም ንኣስመራ`ኳ እንተ ኣተወት፡ ነገር ጸይቂ ክኣ ነቶም ሰብ ቄናን መትከል ቀንዖም። ዘይተዓደለት መርዓት ድሓን ኣለኹ እናበለት፡ መመርዓዊኣ ተመሺጣ ካብ ቊንጅና ሳሎን እናወጸአት፡ ብዓል ሺላ ተጸናትዮም ቆሊቦማ። ሕልማዊት መርዓት ኤልሳ ድማ ኣብ ድፋዕ ብጸላኢ ዘይተማረኸት ብብጾታ ኣብ ኣስመራ ትማሪኻ። ንዓኣ ናብ`ዛ ቤት ማእሰርታ ንሳቶም ድማ ናብ`ዛ ዕረፍቶም። መርዓት ኤልሳ ድማ ኣብ ክንዲ መርዓኣን ሕጽኖታን፡ ንስቓይ ህግደፍ፡ ኣብ 4ይ መደብር ፖሊስ ካርቸሊ ኣሕሊፋቶ። ኣቤት ጭካነ! ብዋጋ መርዓት ሓፍቶም ኣእሲሮም ዕረፍቲ ዝምእርሩ ኣሕዋትና፤ ኣሕዋትና ኣይግበሮም።

እቲ ምእሳር ኣብ መርዓት ጥራይ ዝተወሰነ ኣይነበረን፤ እንታይ ድኣ እቲ ኣብ ካልእ ኣሃዱ እንዳ 271 ዝነበረ ናይ ሕልሚ መርዓዊኣ ድማ ኣህዲምካያ ብዝብል ምስምስ ኣብ ካልእ ቤትማእሰርቲ ተሓይሩ። ኣቤት ግፍዒ ክልቲኡ ዳሳት ብዘይ መርዓውቲ! ስራሕ ህግደፍ ናይ ኣጋንንቲ። ሕልማዊት መርዓት ካርቸሊ ዝኾነት ኤልሳ ካብ 4ይ መደብር ፖሊስ እተወሰነ ግዜ ጸኒሓ ናብ ተስነይ-ዓሊግድር ኣብቲ ሕርሻ ምጽሃይ ተቐጺዓ ዝተወሰነላ ወዲኣ ናብ ኣሃዱኣ ተመሊሳ። ኤልሳ ኣሃዱኣ ካብ ድፋዕ ገዛ ገረህላሰ ናብ ዓዲ ሃኪን ኣንሳሒቦም ምስ ጸንሑዋ። ምፍራስ ዳሳ ከይኣኽላ፡ ድፍዓ ውን ፈሪሱ ምስ ጸነሓ፡ ድርብ ሓዘን ዝኾና ሕልማዊት መርዓት ኤልሳ፡ “ኣንቱም ሩጉማት! መርገም እኽለ ማይ ናይ ኣቦይ እንብኣር በጺሑኩም” ኢያ ዝበለቶም። ወራር ወያነ ድማ ንመዓልቲ ናጽነት 24 ግንበት ናብ መዓልቲ ሓዘን 20 ሰነ ክንቅይራ እናበሉ ብምፍካር 5 ሄሊኮፕተር ኣብሪሮም ሓንቲ ካብኣተን ድማ ብዓምራ ተወቒዓ ወደቐት። ሞራል ወያነ ድማ ምስኣ ወደቐ። ብኣንጻሩ ነቲ ካብ ቀዋሚ ድፍዕ ወጺኡ ተመጢጡ ድፋዕ ሒዙ ዝነበረ ስራዊትና፡ ሞራሉ ክብ በለ።

ኣጋጣሚ ምስ ካልኦ ኣሃዱ ኣብቲ ዝነበረ ጉዕዞ ኣብ ሓደ ቦታ ተራኺቦም እንዳ መን ኢኹም፧ እንተ ተተባህለስ፡ እንዳ 271 ኮይኖም ምጽንሖም ድማ ንሞራል ኤልሳ ኣዝዩ ክብ ኣበሎ። ሕልማዊት መርዓት ድሕርሕር ኢላ ናብ`ኣቶም ገጻ ተረፈት። ኣንቲ ኤልሳ ኣርክቢ መስርዕ ኣይትቑረጺ ዝብሉን፡ ገለ ድማ፡ ኣንታ ማይ ጸሚኣ ክትልምን ተሪፋ ትኸውን፡ ክብልዋ ክምዘይ ጸንሑ ዘረብኦም ለዊጦም። ዳስ መርዓት ኤልሳ ብናይ ውሽጥን ደገን ወያነ ዝፈርሳ ካብ ማይ ንላዕሊ ዝጸምኣቶ ሕጹያ ርእያ ዘይሓቖፈቶ ስም እናጸወዕት ኣቱም እንዳ 271 ኩስቶ ዝብሃል ትፈልጡ ዶ፧ ክትብል ዝሰምዕዋ ገለ ኣባላት ኣሃዱኣ፡ ነዚ ዝሰምዑ መቐለዲ ስሙ እናጸውዑ ኩስቶ ዝብሃል ትፈልጡ ዶ፧ እናበሉ ይጽውዕዋን ይጨርቁላን ነይሮም። ገለ ድማ ዋዛ ዝስንቆም መንእሰያት ዳሳን ድፋዓን ዝፈረሳ መርዓት መን ትብሃል፧ ኣሃዱኣኸ፧ እናበሉ፡ ነቲ ዝነብሮም ድኻም ናይ ምንስሓብ ጉዕዞ፡ መዕረፊ ገይሮማ ነይሮም። መርዓት ኤልሳ፡ ሓጺር ዛንታ ውጽኢት ተመኩሮኣ ኣብ ቤትማእሰርቲ እንከለኹ፡ ድምጺ ኮቦሮ ዲም ክትብል እንተሰሚዔ፡ ኣቦይን ዳስ ኣቦይን ቅርሱስ ዕድለይ ዝለከሞ ሑጹየይን ቅጅል ኢሎም ይራኣዩኒ እሞ፡ ሽዑ ናይ ዓቕሊ ጽበት ካን ኣጉርዒ እዩ ዝመጻኒ ነይሩ። ለካ! ኣንታ ዚ`ሰብ ፈትዩ ዘይኮነስ ምስ ወረዶ እዩ ዘጕርዕ! ትብል ምንባራ ሰማዕታ የዘንትው። እንቋዕ እኳ እተን ንመርዓ ዝተባህላ ጠንቂ መትሓዚኣን መእስሪኣን ዝኾና ዝተመሸጣ ሃሪ ጸጕራ`ውን ኣይተላጸያ። እሰን`ውን ብጊደአን ንዕብዳና ተርአን ምገበራ ነይረን። ግፍዒ ማእሰርታ ዘምጽኦ ወይ ዘስዓበላ ነጸብራቕ ምቅይያር ተርእዮ ስነ ኣእምሮኣ ድማ፡ ከም ሰብ፡ ዕግስቲን ኣዝያ ህድእቲ ምጩው ዝነበረ ጠባያታ፡ ቀይራ። ኣብ ጋንታ ኮነ ሓይሊ ከበሮን ክራርን ዲም ትሪም እንተ ኢላ፡ ወሰን በል ተጸጋዕ!! እናበልት ዘይጠባያ ሓዲሽ ጠባይ ካብ ግፍዖም ዝለበሰቶ ባህሪ፡ ኣደ ጓይላ ክትከውን ዝርኣዩዋ ገለ ደቂ ኣሃዱኣ ድማ፡ ሓቀይ`ዶ ሎምስ ክትከዳ ጀሚራ፧ እናበሉ ክስሕቁዋ ጀሚሮም ነይሮም። እንተ ገለ ልባማት ድማ ብዝወረዳ ግፍዒ ርእይም ዝሰንበዱ ኣቤት ይኽደነና ይብሉ ነይሮም። ሎሚ እቲ ኣዚዩ ኣብ ሃገር ዘሰክፍ፡ ኣሰር ስንብራት መግዛእታዊ ግፍዓዊ ጭቆና ዘኸተሎ ናይ ቤትማእሰርቲ በሰላ ምሕዋይ፡ ከቢድ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ዘመን ጭቆና መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ኣብ ስደትን ዘኸቶሎ፡ ናይ ኤርትራዊ ስነ ኣእምሮኣዊ ምርባሽ፡ ቁጽሩ ኣዝዩ ቡዙሕን ኣሰካፍን ኢዩ።

ኣብ ሜዳ (ገድሊ) ዝነበርናሉ ግዜ፡ ዘረባ ለባማት እዩ ነይሩ ኢለ ሽዑ ዝኣመንኩሉ “ብቁጠባዊ ጸገም ዘምጽኦ ነብስኻ ናይ ዘይምኽኣል ሽግር ዘኸትሎ ስነ ኣእምራዊ ጸገም እንበር፡ ናይ ፖሎቲካዊ ጭቆና`ስ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምስተሰጐ ከብቅዕ እዩ” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን በንጻሩ፡ ጭቆና መግዛእቲ ስርዓት ኢሰያስ፡ ዓቢ ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የውርድ ኣሎ። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዳስ መርዓ ተተኺሉ ጋማ ዘይንኣስረሉ፡ ንእስነትና ስሓቕና ዘይንጎይየሉ፡ እተወልዱ ቆልዑት ሓቚፍካ ዘይተዕብየሉ፡ ዘመን ስቅያት ከነሕልፍ ተፈሪዱና ኣሎ። ኣብቲ ዝስዓበ ሕልማዊት መርዓት ኤልሳ፡ እሳ ዝኣፋ ዳሳ ፈሪሳ፡ ኣብ ድፍዓ ኣትያ መኪታ። ከም ውጺኢቱ ድማ ገለ ካብዞም ዝጠቐስኩዎምን ዘይጠቐስኩዎምን፡ ተሰዊኦም ኣለው። እንተ ድሃይ መርዓት ኤልሳ፡ ንኩነታት ሰጊራታ ነይራ። ናይ መርዓዊኣን ሓዳሮምን ግን እንታይ ኮነ እንድዒ!? ተቖጽዩ ድዩ ወይስ ጠጢዑ ንዝብል መልሲ፡ ተስፋይ ግን ብከም`ዚ ኢለ ከቐምጦ ይመርጽ። ከምቲ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ድምጻዊ ኢትዮጵያዊ ነፍሲሄር መርሃጼን የውሃንስ ኣብ ሃረር ናይ ሙዚቃ ምርኢት፡ ህብብቲ ደርፉ ኣልማዜ ኣልማዜ ትብል ሒዙ ቀሪቡ። የት ኣለሽ ኣልማዜ (ኣበይ ኣለኺ ኣልማዘይ) እትብል ክፋላ፡ ሙዚቃ ጸጥ ኢሉ፡ ኣብ ዝሓተተላ ግዜ፡ ሓንቲ ካብቲ ሙሉእ ህዝቢ ናይ እቲ ኣዳራሽ ተንሲኣ፡ ኣለኹ! ከም ዝበለት ይዝንቶ። ሕጂ ድማ መን ይፈልጥ፧ ኣጋጣሚ ኾይኑ ኤልሳ ብሂወታ ሃልያ፡ ነዚ ጥማዕ ስቓይ ታሪኻ ሰሚዓ፡ ሕልማ ተጋሂዱ፡ ከምዚ እዩ ነይሩ ስቓይ ህግደፍ ኢላ፡ ብኣካል ከተዝንትወልና ተስፋ እገብር፡ እናበልኩ፡ ካልኣይ ክፋል ዝኽርታት መርዓ ናይ ሜዳ ሒዘ ክሳብ ዝምለስ ድሓን ጽንሑ።

ዓወት ንትግባረ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብርጣንያ
07/09/2019


Share with friends:


ኣብ መዓልቲ መርዕኦም ዝተኣስሩ መርዓውቲ፡ ደቂ ክልተ ስውአት ተጋደልቲ
An Eritrean couple taken to prison, on their wedding day, because of thair Christian faith.


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


Abraham Haile (abi Love) - Yaklena | ይኣኽለና (Official Video) - New Eritrean Music 2019


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: