ኣቦይ፡ መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡ ተተስኪሩሉ (2ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

31/12/2019 16:20 PM

ኣቦይ
መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡
ተተስኪሩሉ
2ይ ክፋል

My wedding event turned into my father's memorial (Part-2)

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ by Solomon Yohannes

ኣቦይ፡ መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡ ተተስኪሩሉ

ኣቦይ፡ መመርዓውየይ ኢሉ ዝተኸለለይ ዳስ፡ ተተስኪሩሉ (2ይ ክፋል) (My wedding event turned into my father's memorial. Part-2)
ጽሑፍ ብ 'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ኣብ 1ይ ክፋል በዚ ዝስዕብ ተፋንየኩም ነይረ፥ መን ይፈልጥ ኣጋጣሚ ኾይኑ ኤልሳ ብሂወታ ሃልያ፡ ነዚ ጥማዕ ስቓይ ታሪኻ ሰሚዓ፡ ከምዚ እዩ ነይሩ ኢላ ባዕላ ከተዝንትወልና፡ ተስፋ እገብር፡ ብምባል ኣብ ካልኣይ ክፋል ዝኽርታት ናይ ሜዳ መርዓ ሒዘ ክምለሰኩም ብምብጻዕ ተሰናቢተኲም። ክቡራት ኣንበብቲ ጽሑፈይ! ድሓን ጸኒሕኩም ክትኮኑ ተስፋ እናገበርኩ እንሆ ዝኽረይ፥

ናይ ሜዳ መርዓ ፍሉይ ዝበለ ባህርያት ከም ዝነበሮ ቡሩህ ኢዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ብዝያዳ ንምንጻር ግን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝነበረ መርዓ ብቁጽሩ፡ ካብቲ ኣብ ክፍልታት ዝነበራ ኣሃዱታት ብዝተዓጻጸፈ ቊጽሪ፡ ኣብ ሓደ ግዜ ይካየድ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ክፍለ ሰራዊት ዳርጋ ሓንቲ ምልእቲ ሓይሊ ዝኣክል ሰብ (60 ጽምዲ መርዓውቲ) ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዓይነት መርዓ ናይ ክፍለ ሰራዊት 61፡ ዕዱም ኮይነ ተሳቲፈ ነይረ። መርዓ ናይ ብመተዓብይተይን መሳልፍተይን ተጋደልቲ፦ ተኽለ ዑቕባልደት ምስ ራሕማ ዑመር፡ ዘይሃስስ ዝኽርታት`የ ከውገዓኩም።

ካብ ቦታይ ንናቕፋ ትኽይድ ማኪና ሲኢነ ስለ ዝተዳናጎዂ፡ ነቲ ብምሸት ኣብ ጻብራ ዝተባህለ ቦታ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን ` ዓወት ንሓፋሽ! ` ኣየርከብኩላን። ኣብ ምውፋር እተሳፍርናያ N3 ዝዓይነታ መኪና፡ ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ብዝሕና ልዕሊ 10 ኢና ዝነበርና። ምስ ካልኣይ ርእሰይ፡ ወጋሕታ፡ ኣብ ስንጭሮ ጻብራ፡ ናብቲ ዳስ ዘይትከሎ ዋንጫ ኾነ መለሊኽ ዘይዕደሎ ቦታ፡ መርዓ ናይ ገድሊ በጺሕና። ኣብታ ስንጭሮ፡ ኣሰር ናይ መርዓ ዝተገበረላ ንእሽቶይ ሓውሲ ሜዳ ማለት ካብ መኼዳ ዓውዲ ዘይትሓልፍ ቦታ፡ ናይ መጋርያ ዝነበረ ገሃጽሃጽ ኢሉ ሓሞኹሽቲ ዝተኾመረን፡ ኣብ ከባቢኣ ድማ ብታኒካ ናይ ስቃጥላ ንመስተዪ ስዋ ዝተጠቕምሉ ምስ ተረፍ ስውኡ ረኺብና። ብልክዕ ቦታ መርዓ ምብጽሕና ድማ፡ በቲ ኣብ ታኒካታት ዝነበረ ተረፍ መረፍ ስዋ ኣረጋገጽና፤ ነቲ ተረፍ መረፍ ጸናቒቕና ድማ ንዝነበረና ባህጊ ኣዓገስና።

ስንጭሮ ጻብራ ብኽልቲኡ ገጻት ናይ `ቲ ጎቦ፡ ሽግ ሆየ ሆየ ዝመስል ሓዊ ተኾሊዑ ዝጸነሓና እንታይ ምኻኑስ ምስ ወግሐ ኢና ዝፈለጥና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣፈፊት መሐጸኒ (ጉድጓድ ዝዓይነቱ ገዛ)፡ ብንፋስ ከይጠፍኣ ተንበድቢደን ብልጭ ህልም ብዝብል ብርሃን ናይ ሓዊ ማዕሪጕ ዘማዕደዂዎ ሽዑ ኣብ ኣእሙሮይ እተቐርጸ፡ ካብ ኣእምሮይ ኣይተኣልየን። እቶም መርዓውቲ ኣብ`ቲ ጸግዒ ጎቦ፡ ሰፈር ከልቢ ኣብ ዝመስል መደቀሲ እዮም ዝሕጸኑ። እዚ ስም ዘይርከቦ መሓጸኒ ሰፈር፡ ክሻ እዩ ከም መጋረጃን ማዕጾን፡ ኣብ እዋን ለይቲ ድማ መኸላኸሊ ቊሪ፡ ኣብ ግዜ ቀትሪ ድማ፡ ጎዳጉዲ ብማዕዶ ብነፈርቲ ኩናት ስለዝርአ፡ ካብኡ ንመኸወሊን መማሳሰሊን ተባሂሉ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይ`ዘን ናይ ጎዳጉዲ ገዛውቲ ዝተሰቕለ ኣኻይሽ ነይሩ። ኣብቲ ጎቦ፡ ውልዕ ጥፍእ ዝብል መብራህቲ ሓዊን ከዋኽብቲ ሰማይን እናኣማዕደኹ ስዋይ ስትየ፡ ካብቲ ዘስካሕክሕ ቊሪ ጻብራ ተናጊፈ፡ ነታ ስዋ ዘዐንገለትኒ ጀሪካን መሪቐ፡ ኣብ`ዛ መሬተይ ጎነይ ኣውዲቐ፡ ደቂሰ።

እቲ ኣብ መኪና ተራኺብና ኣብ ስንጭሮ ጻብራ ምሳይ ዝወረደ ብጻይ ድማ፡ “መርዓ ሓሊፉኒ`ስ፡ እንቋዕ እዛ ስዋ ኸኣ ኣይሓልፈትኒ። ድሓን ትእቶ እዛ ጀሪካን! ክራር እንዶ`ሞ ጎዲላታ፡ ድቃስ ድኣ፡ ምስ ተሰዋእኩ የርክብሉ!” እናበለ ድቃሱ ተሓሲሙ ከም ዓጽሚ ዝሓዘ ከልቢ ምስ ጀሪካን ስዋ ሕኒን ክብል ኣጽብሐ። ኣብ መስርሕ ገድሊ፡ ኣበርክቶን ሞያን ጀሪካን፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብወገነይ ድማ፡ ከብደይ ጽንቃቕ ስዋይ መሊኤ፡ ድሓን ትእቶ ጀሪካን `ኮበሮ ሰውራ` ንዓኣ ክሃርሙን ክዘልሉን፡ እታ መሬት ብኣራግጽ ተዃዓዒታ ናብ ሓውሲ ዶቦቕቦቓ ተቐይራ፡ እናተራእየትኒ፡ መደቀስየይ ግርም ለስሊሳትለይ (ፈርኒሻትለይ)፡ ነጸላይ ተኸዲነ ኣብኣ ተጎምብየ ልዋም ድቃስ ወሲዱኒ። ኣብ መርዓ ገድሊ፡ ክንዮ ስዋን ናይ ሩዝ (ድሙ ድሙ)ን፡ ቶርታን ሻንፓኝ ኮነ ቬሎን ባድላን ዝበሃል ኣይነበረን። ኣብ ገለ ኣሃዱ ብፍላይ ኣብ ክፍልታት፡ ኩሹኽ፡ ንቬሎ ተኪኣ፡ ከም ዓቢ ሓለፋን ፋሸንን ትርአ ነይራ። ኩሹኽ፡ ኣብ ርእስኻ ዝጥንጠን ንመጽለሊ ዘገልግል ከምኡውን ስረ ምስተሓጽበ ክሳብ ዝነቅጽ ንግዝያዊ መኸወሊ ሰውነትካ እትዕጠቖ፡ ሻሽ መሳሊ ጨርቂ ኢዩ። የግዳስ መርዓ ገድሊ ብብርሃን ሓዊ ዝደመቐ፡ ብጃምላ ብሰብ ቃል ኪዳን ብዓውታ ዝጭራሕ `ዓወት ንሓፋሽ!`ን ብሓባሪ (ጓህሪ ዝመስል) ቶኽሲ ናይ ካላሽንን ዝስነ ኢዩ ዝነበረ።

መሬት ምስ ወግሐ፡ ሓደ ካብቶም መጋቦ፡ ንኽሻፋታት ክኣሊ፡ ማለት ብነፈርቲ ጸላኢ ከይንርአ፡ መጺኡ ኣተሳኣኒ። ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ፡ “እዞም መርዓውቲ ናይ እንዳ 61 ኣበይ ድዮም ዘለው፧” ክብል ሓተትኩዎ። እቲ ተዛራባይ ዝኾነ መጋብይ “ኣብ እንዳ መን መርዓ ኢልካ ዲኻ ሓዲርካ፧ ሕጂ መርዓ እንዳ 61 ትብል ድኣ እቲ ስትይ ዝሓደርካዮ ገና ኣይነፈስልካን ድዩ፧” ክብል ሓተተኒ። ካባይ መልሲ ምስ ስኣነ፡ “መርዓውቲ ክሳብ ዝትስኡ፡ በጃኹም ካብ ክሻፋ ተኣሊኹም ኣብ ከውሊ ደቅሱ። ሕጂ ድኣ ኩላ ደቂሳ ኢያ ዘላ፡ ንቁርሲ ምስ መጹ ትረኽቦም እምብር፡ ኣበየናይ ጉድጓድ (under ground) ክትረኽቦም” ኢሉ ገዲፉና ከደ። ክምቲ ዝበሎ፡ ገለ መርዓውቲ ንቁርሲ ምስ መጹ ሓቲተ፡ ዝነበሩዋ ሸነኽ ሓፈሻዊ ሓቢሮምኒ። ተኽለ፡ ቀዲሙ መጺኡ ተራኺብና። እንቋዕ ድሓን መጻእካ፡ ዓወት ንሓፋሽ! ክንብል ከይራኣኻና! እናበለ ክንጻወት ውዒልና። ንምሽቱ ንምውቕ ጽወታና ኣቋሪጸ ክኸይድ እንተ በልኩዎም፡ እታ ፍሽኽታ ዝመደበራ ገጽ ተኽለ ተወለዐት፡ ብዓውታ “ተጸሊልካ ዲኻ፧ ስማዕ መንዶ ምስክር ኣሎና እዩ፧ መን ይፈልጥ ጽባሕ “ኣብ ክንዲ ሓሞይ ኣቦኻ ዑመርን፡ ኣቦኻ ዕቑባልደትን፡ ኣብ መርዕኦም ዊዒለ” ትብለሉ ግዜ ክመጽእ ይኽእል ይኽውን” ምስ በለ፡ ማዓንጣና ክሳብ ዝቖስል ሲሕቕና። “ጽቡቅ ጌርካ መታን ክትምስክር፡ ክትሓድር ኣለካ” ኢሎም ክልቲኦም መርዓውቲ ስለ ዝቐሰቡኒ ሓሳበይ ቀይረ ከም ዝበሉኒ ክገብር ወሰንኩ።

ሎሚ ብድሕሪ ስውኣት ብጾተይ ብስደት ኣብ እንዳማተይ ሃገር ሰፊረ ንዝኽረይ ምዝንታው ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምኻኑ ዝኽሕዶ ሰብ የለን። ምኽንያቱ፥ ካብ ምስ መን ተጋዲለ፡ ስለምንታይ ተሰዲደ ሕመረት ምስቊርቋረይ ስለ ዝኾነ። ኣብታ ይትረፍ ዶ ንሕጽኖት ንሰፈር ኸልቢ ኳ ዘይትበቅዕ፡ ብህይወት እንከለኻ ምስ መቓብርካ እተላሊ ኪሻ ዝመጋረጅኣ ናይ ጉድጓድ ገዛ፡ ተቓራቒርና ሓዲርና። ንጽባሒቱ ሓቢርና ክንስሕቕ ውዒልና። “ኣንታ ተኸለ፡ ትማሊ ኣብታ በረኻይ ግርም ከም ዘይሓደርኩ፡ ሎሚ ለይቲ ግን፡ ንምስክር ኢልካ ኣብዛ መቓብር ጉድጓድ ናይ ሕጹኖት ኣትየ እናቋዕ ኣይመትኩ!” በልኩዎ። እናስሓቐ “ግዲ የብልካን፡ እታ ናይ ሓዋሩ ገዛና ንሳ እያ፡ ከይተሰዋእና ከለና ተላሊናያ ንጽናሕ” በለኒ። “በሉ ሕጀስ ክኸይድ” ምስ በልክዎ “ሕደር`ምበር ኣበይዶ ክንራኸብ ኢልና ኢና?” በለኒ ተኽለ። “ትማሊ ኣብ’ዛ ጉድጓድ ናይ ሕጽኖት ኣትየ ካብ ሞት ተሪፈ ኣለኹ፡ ሎሚ ድማ ኣብኣ ኣትየ ከይመውት`ሞ ኣብ መርዓኹም ዝወዓለ ምስክር ከይትስእኑ!” ምስ በልኩዎ፡ ተኽለ ብስሓቕ ተፋሕሰ። ኣዕሚቚ ድሕሪ ምስትንፋስ፡ “እንቋዕ መጻእካ ከምዚኣ ገይረ ሲሒቐ ኣይፈልጥን” በለኒ።

ድሕሪ እዚኣ ንሳ ዝኣፉ፡ ከምቲ ዝተባህለ፡ መርዓና ክፋል ተስካርና ኮይኑ፡ ተኸለ ኣይጸነሐን ብ 1987 ኣብ ዓዲ ጸጸር ተሰዊኡ። መስዋእቱ ኣብ ዓዲ ጸጸር ምዃኑ ምስ ሰማዕኩ ኣዝዩ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ፥ ኣብ`ቲ ዕላል ናይ ሕጽኖቱ ኣብ መንጎ ዕላልና ንዝነበረትኒ ኩሹኽ ርእዩ፡ “ተመርዒኻ ዲኻ” ክብል ሓቲቱኒ ነይሩ። “ኣይተ መርዓኹን” ኢለ ዘረባይ ብምቅጻል፥ “እዚኣ ናይ ኣብ ዓዲ ጸጸር 3 ተጋደልቲ ካብ ኣሃዱና እተሰውኡ ሓደ ካብኦም ብጻይና ሚኪኤል ወዲ ካሕሳይ እያ ነይራ። ኣብ ዓዲ ጸጸር ምስ ብጾት ሃይለ ኣርቲስትን ኣንጎሶም ሸበድበድን ኢዩ ተሰዊኡ። እዚኣ ድማ ክሳብ ሎሚ ንመዘከርታ እያ ምሳይ ዘላ በልክዎ።” እቲ ዝነብረና ዕላል፡ ዝበዝሕ ግዜና ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዓሪድና ዝሰፈርናዮ ጎቦታትን ህዝቢ ሳሕልን ወጺእና`ስ፡ ናብ ከበሳ ደይብና ዓረዛ ከምዝበጻሕናን ንመንደፈራን ኣስመራን ከም ዝቐረብናን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። እሞ፡ ፋል ግዲ ኾይኑ፡ ኣብታ መሐጸኒቶም ቦታ (ኣብ እንባልቆ) ብሓባር ከለና፡ ንተኽለ፡ ምስ`ታ ናይ መስዋእቱ ቦታ ዝኾንት ዓዲ ጸጸር ጽቡቕ ገይረ ኣላልየዮ። ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝዓረደሉ ሳሕል ከይዱ ኣብኣ ተሰዊኡ። በዓልቲ ቤቱ ራሕማ፡ ድሕሪ መስዋእቲ ተኽለ ኣብ ዓለም ምንባር ማለት፡ ሕድሪ እተፍቅሮም ብጾታ ምጥላም ኮይኑ ይርኣያ ምንባሩ፡ ሰሚዔ ነይረ።

ንሰለማዊ ሰልፊ ጀነቫ ምስ ከድኩ፡ ንኲነታት ስውእቲ ብጸይተይ ራሕማ እትገልጽ ብኢዳ ዝተጻሕፈት ደብዳቤ ረኺበ። እታ ዶኩመንት፡ መስዋእቲ ናይ ሰብኣያ ሓቢኣ፡ ንነብሳ ንመስዋእቲ እናዳለወት፡ ተኽለ ግን ድሓን ከም ዘሎ፡ ንኣብ ስደት ዝነበረ ዞምኣ ሃብተ ዕቑባልደት ዝጸሓፈታ፡ ኣብ ሕጸ ሞት ኮይና፡ ምራል ተስንቕ መልእኽቲ እያ ዝነበረት። ራሕማ ኣብ ናይ ሕጽነቶም ግዜ ድቂ ሒዛ ዘተረኽበት ጓል ከም ዝነበረቶም እፈልጥ ነይረ። ሓደ ግዜ፡ ኣብ እንዳ ሓራሳት፡ ሸንኮለት ዝተባህለ ቦታ፡ ኣብ ዝነብረትሉ እዋን ተራኺብና ነይርና። ራሕማ፡ ከም ኩለን ደቀንስትዮ ተጋደልቲ፡ ነታ ኣብ እዋን ሕጽኖት ዝተጠንሰት እንኮ ጓላ (ሙና) ገዲፋ፡ ኣሰር ሰብኣያን ብጾታን ብምስዓብ፥ ናጽነት ኤርትራ ሓሙሽተ መዓልቲ ምስ ተረፎ ኢያ ተሰዊኣ። ዕጫ ናይታ ሓድጊ ጓሎም ሙና ኸ እንታይ ኮን ኮይኑ ይኽውን፧

ኣብ ጀነቫ ዝነበረ ኣድማ ናይ ይኣክል ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሳቲፈ ስለዝነበርኩ፡ ብጋኣጣሚ ምስ ሃብተ ዑቅባልደት (ሓዉ ንተኽለ) ተራኺብና። “ድሃይ ሙናኸ፧” ክብል ሓቲተ ዝሃብኒ መልሲ፡ “ንደቂ ስውኣት ዘይኮነት ሃገር! ሙና ዘኽቲማ ዓብያ ከይኣኽላ፡ ተሰዲዳ ሎሚ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣላ” ኢሉኒ። ቁጽሪ ተሌፎና ተቐቢለ ሓደ መዓልቲ ደዊለላ፡ ስመይ ነጊረ “እዚ ተሌፎን ናይ ሙና ድዩ፧ ንሙና ክረኽባ ደልየ” በልኩዋ። “እወ ኣነ ሙና እየ፤ ይቕረታ ግን ኣይፈለጥኩኻን” በለትኒ። “ተሌፎንኪ ካብ ሓወበኺ ሃብተ እየ ረኺበዮ፡ ኣነ ድማ ዓርኪ ኣቦኺን መጋድልቱን ዝነብርኩ እየ” ምስ በልኩዋ ተቓላጢፋ “እወ ሃብተ ብዛዕባኻ ነጊሩኒ ነይሩ፤ እሞ ብሓቂ ንተኽለ ትፈልጦ ኢኻ፧ ምስኡ ኔርካ፧” ዝብል ሓጺር ሕቶ ዝመስል ግን ሰፊሕ ዝመልሱ፡ ኣከታቲላ ሕቶ ኣቅረበትለይ።

ሎሚ ዝሓለፈ ገደላዊ ብጻይነት መዋራዘይ ናይ ኣብ ናጽነትን ሓርነትን ዝነበሩ ገለ ኣሕዋት ኤርትራውያን ኮይኑ ምህላዉ ሃንደበት ተቐጀለኒ`ሞ ልኽት በልኩ። ሙና ንዘቕረበትለይ ሕቶ መልሲ ሲኢና “ሃለው ሃለው መስመር ተቛሪጹ መስለኒ” ትብል። እቲ ሓቂ ግን ሙና ብዓይና ዘይትርእዮን ብተለፎን ዘይትሰምዖን፡ ብጻያዊ መልሲ ህዋሳት ኣካላተይ፡ ኣዒንተይ ይቕድም ልሳነይ ይስዕብ እዩ ዝነበረ። “ኣለኹ” ኢለ መለስኩ፡ ሕቶ ሙና ቡዙሕ ኣዘኻኺሩኒ። ምስ ተኽለ ኔርካ? ትብል ሕቶ ግን፡ ኣብ ክልተ ቃል ጥራይ እወን ዝውሰን ኣይነበረን። ምስ ተኽለ ካብ ቤት ትምህርቲ ጀሚርና ንሜዳ 1978 ክሳብ ንኽይድ ብሓንሳብ ነይርና። ኣብ ስምምዕ 20 ጥቅምቲ 1978 ህግሓኤ`ን ተሓኤ`ን ዝተገብረ ጽምብል ባህላዊ ምርኢት እውን፡ ኣብ ከረን ተኻፊልና። ብስራሕ ኣፍዓበት በጺሕና ተመሊስና፡ ኣብ ኣጋጣሚ ጽምብል ምቛም ህዝባዊ ባይቶ ናይ ድግሳ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ድማ ክልቴና መውጋእቲ ኣጋጢሙና። ተኽለ መውጋእቱ ኣብ እግሩ እያ ነይራ፡ ስለዚ ኸኣ ኣብ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ካብ ጉዕዞ እግሪ ተሪፍና ንእተወሰነ ማዓልታት ኣብ እምባትካላ ቀኒና። ድሕሪ ምዝላቕ፡ ተኽለ ምስታ ናይ ዜሮ (ቤት ትምህርቲ ሰውራ) ዝቖመት ጉጅለ ባህሊ ተመዲቡ ሳክስፎን ይማሃር ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1981 ድማ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ተጋዲሉ። እንተ እታ ሕቶ ግን፡ ናይ ሙና ጥራይ ኣይኮነትን፤ ሕቶ ናይ ብዙሓት ኣሕዋት ሙና ዝኾኑ ዜጋታትና እያ። ኣብ ሜዳ፡ እቶም ብዕድመ ካብ ሙና ዝዓበዩ ደቅና ገለ ካብኣቶም፡ ወለዶም ቅድሚ መስዋእቶም ዕድል ረኺቦም ካብ ድፋዕ ክበጽሕዎም እንከለው፡ እቶም ዝበጽሑዎም ወለዶም ዘይረኸቡ ደቂ ስውኣት ከኣ፡ ንዝመጸ ሰብ፡ ኣደይ ዲኺ፧ ኣቦይ ዲኻ፧ እናበሉ ዝሓቱሉ ዝነበሩ መድረኽ ኢዩ ተስጊሩ። ሎሚ ድማ ኣሕዋትና ብስርዓት ህግደፍ ተሓይሮም፡ ደቆም ድማ፡ ኣቦኹም ኣብ ወጻኢ ኣሎ እንዳ ተባህሉ፡ ዘኽቲሞሞ ይዓብዩ ኣለው። ግፍዒ ህግደፍ ዕጭኦም ኮይኑ ተሰዲዶም ዝዘኽተሙ ቆልዑትና፡ ዝሓለፈ ክይኣኽለና ሎሚ ድማ፡ ሙና ሓንቲ ካብኣቶም ኮይና ተሰዲዳ፡ ኣቦይ ትፈልጦ ዲኻ? ምሳኻ ነይሩ ብሓቂ? እናበለት ክትሓትት ክትሰምዕን ክትዕዘብን ከሎኻ፡ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትናን ኣብ ደቂ ስዉኣትናን እዚ ምውራዱ፡ ኣዝዩ ዘቐንዙ መድርኽ በጺሕና ከምዘሎና የመልክት።

ኣብ መርዓ ሰውራ፡ `ሎሚ መርዓናን ተስካርናን እያ` ዝብሃለሉ ግዜ ምንባሩ ሓቂ ኾይኑ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ተሰዊኦም ኢዮም። ሎሚ ሓንቲ ካብኦም ዝተረፈት፡ ኣባል እንዳ ክ/ሰ 96 ካብ ዝነበሩ፡ ሰበይቲ ስውእ ምኪኤል መለስ፡ ተጋዳሊት ሰላም፡ ንወዲ ስውእ ክተዕቢ ዘሕለፈቶ መከራ፡ ኣብ ኤሪቲቪ (መደብ መርሓባ) ቀሪባ ተዘንቱ http://www.eritrea-chat.com ። መቸም፡ ኣብ ጽሑፈይ ኣብ ገድሊ መርዓ ተዓዲመ ከይደ ዝብል ምንባብኩም ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ንገለ ተጋድልቲ ነበር ክንዮ ሕርኽርኽ ዝኸይድ ስምዒትኩም ክትንክፍ ዝኽእል ብምዃኑ ይቕረታ እሓትት። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ጥረ ወይ ዘየዛምድ ዝብሎ፡ ሓለፍተይ ኣብ ጥቓይ ኣይነበሩን ኣብ ምባል ዝዘዘወ፡ ሚዛን ገምጋም ኢዩ ዘሎኒ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለስጽኩዎ ሓላፊኣ ናይ ሕልማዊት መርዓት ኤልሳ ዝነበረ ወዲ ጅምዕ ኣርሒቁ ዘይሓስብ ማለትይ እየ። ሸዑ`ውን ቡዙሓት ከም ወዲ ጅምዕ ነይሮም እዮም።

ሓደ ግዜ፡ ከምዛ ዘዘንትዋ ዘለኹ ዓይነት ፍጻሜ፡ ክልተ ዓበይቲ ሓለፍትና ዝነበሩ፡ ሕጂ እቲ ሓደ ኣብ ስደት ኣሎ። እቲ ኩነታት ስርሖም ማለት ኣኼብኦም ኣዛሚዱ፡ ነቲ መራሕ መኪና ሰበይቱ ርእዩ ክመጽእ ንዝተወሰነ ሰዓታት ኣፍቀደሉ። እቲ ነቶም ሽዑ ዝተኣከቡ ሓለፍቲ ዝጥርንፍ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዘሎ - ክሳዕ ሎሚ ጥረ ዘይተመሓየሸ ዘተሓሳስብኡ፡ `ስለምንታይ ኣፍቂድካሉ፧ ብምባል ገይሩ ዝገሰጾ መቸም ዝጽወር ኣይነበረን። ካልእ፡ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ ሎሚ ኣብ ስደት ዝርከብ፡ ሓደ ማዓልቲ ኣብ ሞንጎ ናይ ቴሌፎን ዕላልና “ትፈልጥ ዲኻ ኣብ ሜዳ ኣብ ሙሉእ ዕድመይ እተሐጉሰኒ ስራሕ ዝገበርኩዋ?” ብምባል ዘረብኡ ይቕጽል፡ “ከም ትዝክሮ ቀደም ኣብ ግዜ ገድሊ፡ ንእትልእኮ ደብዳቤ ተማእኪሉ፡ ማለት ብዝምልከቶ ሓላፊ ዋላ ናይ ሓዳር ከይተረፈ ትሕዝትኡ ተነቢቡ ኢዩ ዝልኣኽ ነይሩ።” እዚ ማለት፡ ብገለ ወዝቢ ኣብ ጭራም ወረቐትን ቀለም ኣብ ዝተረኸበሉን እተጻሕፈት ኣብ ሰታሪት ዘይተዓሸገት፡ ንስሙ ደብዳቤ ዝብል ሽም ለቢሳ፡ ብሰብ ብተማልኣለይ ትላኣኽ ዝነብረት `ደብዳቤ ገድሊ`ያ ደብዳበ ዝብል ስም ሒዛ ዘላ። እንተኾነ፡ እንታይ ዝላኣኽ ደብዳቤታት ከ ነይሩና ኾይኑ እዩ፡ ንዕኡ ገዲፈ ዛንትኡ ክቅጽለልኩም፦

“ሓደ ተጋዳላይ ናብ ሓፍቱ ተጋዳሊት ክልእካ ዝሓሰባ ደብዳበ ከፍቅደሉ ሃበኒ፡ ኣንቢበያ። ትሕዝቶ መልእኽቱ ድማ፡ ሓለፍተይ ክርእየኪ ፍቓድ ስለ ዘይሃቡኒ,,, ዝትሕዝቶኣ ከምቲ ናይ ዘመነ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረና ጭርሖ `ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ፡ ዓወት ወይ ሞት` ዝብል ዓይነት መልእኽቲ ዝነበረታ ጉዳመኛ “ደብዳቤ” ኮይና ጸንሓትኒ። ንሓፍቱ፡ ስማ እናረቑሐ፡ “ኩስቶ ሓፍተይ! ብምባል፡ ክንደየናይ ክይንራኸብ፡ ኣብ ዘዘለናዮ፡ ዓወት ወይ ሞት!” ትብል ጭርሖ መሰናበቲት ደብዳቤኡ ምስ ኣንበብኩ፡ ነብሰይ ከም ገለ ገይሩኒ። ነዚ ተጋዳላይ ጸዊዐ እንካ እሞ እዛ ደብዳቤኻ፡ ኣነ ምስ`ቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ክዛራረብ እየ በልኩዎ። ምስ ልዕለይ ዝነበሩ ተረዳዲኤ ፍቓድ ተዋሂቡዎ ከይዱ ሓፍቱ ርእዩ። ኣብ ሓፍቱ በጺሑ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ቊሩብ እዋን ሓፍትኻ ከመይ ኣላ? ኢለ ምስ ሓተትኩዎ፡ “ተሰዊኣ!” ዝብል መልሲ ሂበኒ። እታ ሽዑ ዝወሰድኩዋ ስጉሚቲ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሂወተይ ሎሚ ኣዝየ ዝሕጎሰላ ኢያ፡” በለኒ። መስርሕ ሰውራ፡ ጥረን ብሱልን ዝሓቖፈ ብምዃኑ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ብዙሕ መስገደል`ዩ ሓሊፉ። ሕጂ ድማ ካብኡ ዝገደደ ሓሸውየ፡ ብማዕዶ ዝሰሓንዎ ሓዊ ሙቖት ፈጢሩሎም፡ መልሓሶም ዝውርውሩሉ መድርኽ ሰሲኑ ኣሎ።

ሓደ ካብ መማህራነይ ተኽስተ ክብርኣብ፡ ዩኒቨሪስቲ ወዲኡ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ፡ ሓዳሩ መስሪቱ ቆልዑት ኣብ ምዕባይን ጎኒ ጎኒ ድማ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። እቲ ተኣፋፊ ስራሕ ዕድል ስለ ዘይሃቦ ካብ ምትሓዝ ኣምሊጡ፡ ሓዳሩ ጠንጢኑ፡ ንናጽነት ጓሉ ኣብ ገዝኡ ገዲፉ ኢዩ፡ ኣብ 1977 ዓ/ም ንሃገራዊ ናጽነት ናብ ሜዳ ተሰሊፉ። “ኣብ ታዕሊም፡ እታ ናይ `ዓወት ንሓፋሽ መጽሓፍ` ጠቒዐ፡ ነታ ዝኣሰሰርኩዋ ናይ ቃል ኪዳነይ ካትም ምስ ሃገሩኒ ግን፡ ከም`ዛ መርዓተይ ዝቐተሉለይ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” እናበለ፡ ደጋጊሙ ክሳብ ናጽነት ኮይኑ ምስ ብዓልቲ ኪዳኑን ጓሉን ዝራኸቡ`ውን እንተኾነ፡ ካብ ኣእምሮኡ ከትጠፍኣሉ ኣይካኣለትን። ኣብ ሜዳ ነዊሕ ግዜ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ስለዝነበርና ምስ መምህር ተኸስተ ኣጸቢቕና ንፋለጥ ነይርና። ሓደ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ኣፍደገ ስራሕና ምስ ተጋዳላይ መምህረይ ተኸስተ ክብርኣብ ተራኺብና። ከም ብዓል ድሓን መምህረይ ኢለ ጸዊዔ “ናይ ቃል ኪዳንኩም ወርቂ ካቲም ንዓኹም ሃጊሩ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ብስም ሓዉ ኣብ ዝኸፈቶ እንዳ ወርቂ ርእየያ” በልኩዎ። “ኣበየናይ እንዳ ወርቂ፧ ኣበየናይ ድኳን ኢኻ ትብል፧” ብምባል ሰንቢዶም ዝሃቡኒ መልሲ ድሕሪ 20 ዓመት እውን እንተኾነ ዘይጠፍእ ኣእምራዊ በሰላ ከም ዝገደፈሎም ዘንጊዔ፡ ክቕልድ ክብል ሕልኖኦም ምጉድአይ ካብ ገጾም ኣንቢበ። ዋዛይ ኣብ ዘይቦትኡን ግዚኡን ምንባሩ ዝጎዳእኩዎም፡ ጸላኢኦም ይጎዳእ ዘብል ሕልናዊ ግንዛቤ ኣብ ውሽጠይ ኣሕዲረ፡ ሕልናዊ ነብሰ ነቐፌታይ ኣልዒለ።

ኣብ ሃገርና ኣንጻር መግዛእቲ ንምቅላስ፡ ካብ ብቐረባ ዘርከብናሉ እንሆ ኣርባዕተ ወለዶ ኣቑጺሩ ኣሎ። ከምኡ ኾይኑ ከብቅዕ፡ ወለድና ሞይቶም ዘይንሓዝነሉን ዘይንድበሰሉን፡ ሬሳኦም ዘይነፋንወሉን ሓመድ ኣዳም ዘይነልብሰሉን ዘሎና እዋን ኢና ንርከብ ዘሎና። ቅድሚ 7 ዓመት ኣቢሉ፡ ሓትነይ ሓሚማ ተወጺዓ ኣብ ሆስፒታል ደቂሳ እንከላ ክሰናበታ ቴሌፍን ደዊለ፡ ድሕሪ ሓጺር ናይ ፈነወ ዕላልና “ስማዕ ሰሎሞን ወደይ! ኣነ ንመለስ ዜናዊ ኢየ ዝምርቖ፡” ምስ በለትኒ ገሪሙኒ “ስለምንታይ ድኣ ንመለስ፧” ክብል ሓተትኩዋ። “እስኻትኩም ሰብ ዘይከዶ ተሰዲድኩም ርሒቕኩም፤ መለስ ነዘን ኣሕዋተይ ጠርኒፉ እንተዘይሰጐን፡ ሎሚ ድኣ ኣበይ`ዶ ምቐበራኒ ነይረን እየን” ኢላ ናይ መሰናበቲኣ ክርትም ኢላ ሲሒቓ። ኣነ ድማ ክገርመኒ ከም ዘይጸንሐ፡ ተታሓሒዝና ብሳሓቕ ክርትም በልና። ነዚ ንቡር ዝሓረመና ስርዓት፡ ከነገልግሎ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ፡ ጻህያይ ሕብረተ ሰብና ስለዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ምምሓዉ እዩ እቲ እንኮ ፍታሕ።

ብኣንጻር`ዚ፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንኤርትራውያን ደቀባት የሕቅቕን የባርርን፡ ሰብና መሬትናን ሬሳናን ከይተረፈ ይሰጉግ ኣሎ። ንወለድና ምጥዋርን ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ምስንባትን ተሓሪምና። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ኣንታ እዛ ሃገርናስ ገለ ዘይተፈልጠ መርገምዶ ኾን ጸኒሑዋ ኢዩ ኣብ ምባል ትወድቕ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝተኻየደ ቃልሰን ዝተኸፍለ መስዋእትን፡ ሃገርና ቅሳንት ሓሪሙዋ፡ ናይ ስድራቤታት ምብትታን መዕለቢ ተሳኢንዎ ኣሎ። ሃገር ድማ ባዲማ ናይ ምሸት መልሲ ዕዳጋ ዝመስል ህሞት ኣንጸላልዩዋ ትርከብ። ብ1991 ተስፋንኪኤል ጆርጆ፡ ብኢሰያስ ኣብ ዝተቐንጸለሉ እዋን፡ ኣጋጣሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናብ ቤተ-ሰበይ ክብጽሕ ከድኩ። ቀብሪ ናይ ወዲ ጆርጆ ኬድካ ዶ፧ ተባሂለ ተሓተትኩ። ኣይከድኩን ክብል ንዝሃብኩዎ መልሲ ድማ ርእሰን ሒዘን ኤህ! ኤህ! ኣንታ ከመይ ዲኹም እቲ ልብኹም ክንድዚ ነንሕድሕድኩም ትጨኻኸኑ፧ ዘይንሱስ ምሳኹም ኣብቲ በረኻ ዝሰርሕ ዝነበረ ኢዩ ተባሃልኩ። እታ ከምኡ ዝበለትኒ ኣደ፡ ኣደ 3 ተጋደልቲ ካብ 1972-1976 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተስሊፎም ዝተሰውኡዋ ኣደ ኢያ ዝነብረት። ውህሉል ሓጥያት ናይ ዚ ዝኾብለለ ሰይጣን ኢሰያስዶ ኾን`ዩ ነዛ ሃገርና ዕንክይክይ ዘብላ ዘሎ፧

ናይ ዘሪጋ ስርዓት ህግደፍ ገደደ፡ ሎሚ ገለ ሓርበኛታት፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክይቅበሩ ተኣጊዶም ይርክቡ። ነቶም ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዝቕበሩ ዘለው ድማ መለለይ ኣስማቶም ዝሓዘ እምኒ ባዕልና ክንገብረሎም ኢሉ፡ ካብ ዘትርፎ፡ ልዕሊ 2 ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣብ ክንድኡ፡ ቁጽሪ መለለይ ምልክት ከምዝኸውን ገይሩ። ኣቤት መርገም እዚ ኹሉ ኣገልጊሎም ካብ 10 ቃላት ዘይበዝሕ ንመንነቶም ትገልጽ ንእሽቶይ እምኒ (headstone) ክይትትከለሎም ተኣጊዶም ማለት`ዩ። ሃጸይ ኢሰያስ ግን፡ ከይሓፈረ፡ ኣብ ጎንደር ከይዱ ኣብ ልዕሊ መቓብር ኣባሓጉኡ ዕንባባ የንብር (https://youtu.be/7UpErLi-T7Y )። ኣብ ዓድታት ከይተረፈ፡ ህዝቢ መቓብር ቤተሰቡ ከይነድቕን መስቀል ከይተክልን፡ ብስርዓት ኢሳያስ ተኽልኪሉ ምንባሩ / ምህላዉ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብ1992 ምስ ተጋዳላይ መምህረይ ኣልምሰገድ ተስፋይ ካብ ኢትዮጵያ ንኣስመራ ክንምለስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ኣጋጣሚ ትራኺብና። ስማዕ እስኺ ሰሎሞን ንድሕሪት ተመሊስካ ቃልስና ዘክሮ!! ኣንጻር ገዛእትና ክንቃለስ ናጽነት ከንምጽእ እንበር ማኣስ ከም ትምጽእን መን ይርእያ ሓሲብናሉ ዘይንፈልጥ ዝንበርና፡ ሎሚ ግን ናጽነትና ጋህዲ ኮይኑስ ኣብ ዓዲ ገዛእትና ከይተርፈ ረጊጽና በለኒ። ኣነውን ነዚ ዘራጉድ ናይ በይነይ ኮይኑ ዝመስለኒ ግን ክኣ ርግጽ ዘይኮነ። ንናጽነትን ንሃገር ምውሓስ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ክንዮ ሃገራዊ ዝኽይድ ነናቱ ትዝታታት ኣለዎ። 1983 ውግእ ዓዲ ራቅባ ፍጻመ መስዋእቲ ወዲ መስርዕይ ንነዉሕ ግዜ ዝንበረ ማእከለ (ኮርታዕ) ካብ ናይ ብዙሓት ዝሻቅል መስዋእቲ ሓደ ክጠቅስ። ምሰዋእቲ ማእከለ ትሕቲ ዕድመ ጥራይ ምንባሩ ኣይኮነን ዘሻቅል። እንታይ ድኣ፧ መስዋእቲ ማእከለ ኮርታዕ ግን ከም ኩሉ እቲ ንናጽነትን ሓርነትንኡ ዝወደቀ ዜጋ ኤርትራ ብዓወት ንሓፋሽ ኣይተፋነወትን። መስዋእቲ ማእከለ ሬስኡ ኣይተርኽብን። እሞ ድኣ ተውጊኡ ዶ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቁ፧ ሻቅሎት መስዋእቲ ማእከለ ፈለማ ናጽነት ኮይኑ ቢኢሱ እንበር ኣይተወንዘፈን። ገለ ዶ ምስ ዞም ምሩኻት ኣይህሉን እናበልና ትጽቢት ኣሕዲርና ነይርና። እንተኾን ግን ሽቅሎትና መዕርፊ ኣይተረኽቦን ክሳብ ለይቲ ሎሚ። ንልዕሊ ዕድመ ሙና ተኸለ ጓል ስውኣት ብጾተይ ተኸለን ራሕማን ቅድሚ መስዋእቶን ዝዓቀብኩዋ መጽሔት National Geographic: Vietnam Memorial vol. 167, No. 5 May 1985 እተሓትመት። እዛ ጽሕፍቲ ኣመሪካውያን ኣብ ቬትናም ካብ 50ታት ዝጀመረ ክሳብ መጀምረታ 60ታት ናይ ዝተስዉኡ ናይ 58.000 ዝርዝር ኣስማት ዝሓዘ ዝቆመ ሃወልቲ ዝገልጽ ትሕዝቶ ዝለዋ እያ። ካብ ቲ ኣዝያ ዝመስጠትኒ ምስ ናይ ስውእ ማእከለ (ኮርታዕ) ተመሳሳልነት ምርኣየይ እዩ። እሱ ድማ ካብ እቶም 58.000 ስውኣት ኣመሪካዉያን እቶም 1300 ሃለዋት ዝይብሎም ኮይኖም ኣብ ጎኒ ኣስማቶም ንእሽቶ መስቀል ኣብ ክቢ ዝኣተወት ምልክት ተገይርሎም ምናልባት ገለ ካብ ኣቶም ብሂወቶም እንተተመልሱ ዝብል ትጽቢት ኣሕዲሮ ዝገበርዎ እዩ።

መቸም ትብል ቃል ምስ ምስዋእቲ ተስሪዓ ከተንብባ ዓቢ ጌጋ ምኻኑ ይርዳኣኒ እዩ። እቲ ቀደም መቸም ንሃገሩን ህዝቡን እተሰውእ ዜጋ ሃገሩ ከቢራ ብኽብሪ ሃገሩ ተዘኪሩ ክነብር ዝብሕልና ዝለብሰ ምንፈስ እዩ ነይሩ ምስጢር ዓወትና። የግዳስ ዉልቀ ምላኺ ሃጸይ ኢሰያስ ግን ሕልሙ ህዝብናን ታሪኽና ምጥፋእን ምድምሳስን እዩ። ዝኽፍልናዮ ምስውኣቲ ግን ንዕኡስ ምኽሳር ዓባይ እትዮጵያ ምግዛእ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ይትረፍ ከም ናይ ኣመሪካውያን ነባሪ ሃወልቲ ኣይኮነን እታ ካብ 10 ቃላት ዘይበዝሕ ንመንነቶም ስሞም ትገልጽ ንእሽቶይ እምኒ (headstone) ክይትትከለሎም ተኣጊዶም ዘለው። ኣብዚ ኣስታት 60.000 ዝኽውን ዝርዝር ኣስማት ልዕሊ 600 ስሚዝ፡ 16 ስውኣት ድማ ጀምስ ጆንስ ኣስማቶም ኣመሪካውያን ኣብ ቨትናም መይቶም። ብወገን ናትና ኽ ክንደይ ተኽለን ራሕማን ዝስሞም ንኤርትራ ተስዊኦም ይኾኑ፧

እንተ ሎሚ ግን፡ ውልቀ መላኺ ሃጸይ ኢስያሰ፡ እዚ ኹሉ መስዋእቲ ተኸፊሉ ኣይከሰርናን ተባሂሎም። ሙናን ክንደይ ክምኣ ዝኣመሰሉ ስውኣት ወለድኽም ንዋጋ ዝይብሉ እዮም ጠፊኦም እናበለ ልቦም ዝሰብር ስራሕ ወለዶም ትሰዊኦም ንደቆም ድማ የጽንቶም ኣሎ። ስቓይ ህዝብና፡ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይና፡ ምብትታን ኤርትራዊ ዜጋና፡ ደስታን ሓጎስን ሂቡዎ እናስሓቐ፡ መናውሒ ዕድምኡ ይጥቀምሉ ኣሎ።

ደጊመ ድማ፡ ንኹሉ ግዳይ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽንዓት ይሃበና ፈጣሪ እብል።

ዓወት ንፍትሒ ዝስኣነ ጩቁን ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንምልኪ

ሰሎሞን የውሃንስ
ዓባይ ብሪጣንያ
31/12/2019


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ዝተኾልፈ ባህጊ ወለደይ ምፍጻም፥ ናይ ወትሩ ዕላማይ ኢዩ by Mr Ibrahim M-Sherifo (at Hdri Jeganuna 27-Oct-2019) P-1



Share with friends: