መጀመርያ ዶብና ድዩ ክሕንጸጽ ዘለዎ ወይስ ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ክጕዕጸጽ ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/06/2019 04:48 AM

መጀመርያ ዶብና ድዩ ክሕንጸጽ ዘለዎ
ወይስ
ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ክጕዕጸጽ?

ሰሎሞን ዮውሃንስ

PIA and PM Dr. Abiy in Ethiopia Awasa

መጀመርያ ዶብና ድዩ ክሕንጸጽ ዘለዎ ወይስ ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ክጕዕጸጽ ?
ጽሑፍ ብ 'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ሎሚ ኣብ ሓድሽ ዓመት ተስፋና ዝዓዘዘሉ መግዛእቲ ዘስዓረሉ ንትግብረሉ ድማ ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተ ኣበለ ዕርፍኻ ኣጽንዒኻ ምሓዝ ኢለ ብድብድቡ ምቅማጥ ምርጫይ ብዘይ ምኻኑ ድማ፡ ንዶብ ኣርእስቲ ገይረ ሓሳበይ ኣብ ዘቅምጠሉ ካብ ገለ ወገናት ዝመጻኒ መልሲ ኩቱር ጸርፍን ዘለፋን ምጉንዳብን ካብ ኮምፒተረይ ኢዩ ዝጀመረ ንተጻብኦ ዓቅሊ ንዝሃበኒ ፈጣሪ እናኣመስገንኩ፤ ክሳብ ንዕላማ ተግባር ሕድሪ መስዋእቲ ጀጋኑና፡ ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ስለዝኸነ፡ ከም ወትሩ ድማ ክንቅበሎ ኢና። ምኽንያቱ ናይቲ ንመሰሉ ተቓሊሱ ሎሚ ን28 ዓመት ብሃጸይ ልጂ ኢሰያስ መሰሉ ተረጊጹ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምንባር ተሓሪሙ ልሳኑ ተሎጊሙ እንከሎ፡ ገሌና ድማ ኣብ ጸጋ ሓርነት ዝርከባ ሃገራት እናነበርካ ድሓን እንቋዕ ሰላም ኮነ፡ ወያነ ድማ እንቋዕ ናይ ኢዶም ረኸቡ፡ እንበር ዶብና ኣበይ ከይከደና ክብሉ ክትሰምዕ እንከለኻ ግን ከም ወዮ ብሂል ጣቋ ዘይብላ ሰበይቲ ምንዝርና ናይ ብዓል እንዳኣ ያኢ ጽድቂ ኮይኑስ ናይ ጎረቤታ ሰብኣይ ሓጥያት ምንዝርና ትጽብጽብ ዝዓይነቱ ኮይኖም ኣለው። ይቕረታ ነዘን ዋዕሮታት ኣሕዋተይ ንድሑር ቢሂል ከም ኣብነት ምጥቃሰይ! እቲ ዝደረኸኒ ምኽንያት ድማ እቶም ቫይረሰ ህግደፍ ዝተለኽፉ ገለ እንተ ተፈወሱ ፈውሰይ ፎውሲ ዓሻ ካብ ዝብል ዘንቀልክዎ ሓሳብ ኢዩ። እተን ነዚ ስኽፍታይ ዝርዓምክን የሕዋተይ ድማ ኣዝየ የመስግነክን። ሰለዚ ብዓብላልነት ስርዓት ወያነ ዝምራሕ ን2ተ ዓመት ደማዊ ናይ ዶብ ግጭት ኣካይዶምን ኣብ ልዕሊ ልእላውነት መሬት ሃገርና ክሳብ ሎሚ ሰፊሮምን ኣለው፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውረድዎ ምዝንባል ግፍዕን ዕንወትን መዐየሪ የብሉን ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ንዕኡ ዘሳሰየን ዘሳሲ ዘሎን ብድኹም መሪሕነት ህግደፍ ዝስዓበ ምኻኑ ኢዩ ኢለ አሰመረሉ። እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ጸሊም ነጥቢ ሕመረት ህልቂት ህዝብናን ዕንወት ሃገርናን ኢዩ። ሕጂ ውን ገና ሃጸይነቱ ዘመስከረ ልጅ ኢሰያስ፡ ሃገር የዕኑ ምህላዉ ዘይተሰቆሮም ስ ምኣስ ኮን ይኸውን ዝስቆሮም! ሕልሚ ዘዉዲ ሃፀይነቱ ዝደፍአ ኢሰያስ፡ ሎሚ ንመራሒ ባዕዳዊት ሃገር ኢትዮጵያ ኮተቴ ዉልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ተረከበኒ ዝበሎ ብቋንቋ ትግርኛ እኳ እንተነበረ ነገር ግን ቋንቋ ኦሮሞ፤ ኦሮመኛ ግዲ ኾይንዎም ስ ገና ምርዳእ የጸግሞም ኣሎ። ነዚኦም፡ ምስ ናይዛ ሓዳሽ ዓመት ሓድሽ ስነ-ልቦና ንወጽዓ ህዝብና ዝርድኡላ ክትኮነሎም ድማ እምንየሎም። እሞ ሕጂ ኸ፧ ንብዓል ነጎዳስ ብሓዊ ደብሶ፡ እነሀልኩም በሉ ኮተቴ ዉልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ኢትዮጵያን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራን ዝኾነ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን መጺኡ ንልእላዉነት መሬትና ዝተዋገየሉን ነቶም ንልእላውነትና ኣብ ምክልኻል ዘመስከሩ ሰራዊትና ድማ መጣየሲ ገንዘብ ክውሃቦ ልቖትኡ ዘርጊሑ። ብኣንጻር እዚ ድማ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ክሳብ ሕልፈት ሂወቱ ምጥያስ ከም ዘየሎን ብዘይ ዶሞዝ ንመንበር ዝፋኑ ሓለዉኡ ኽቅጽል ኣዊጁ።

ዶብ ዘይምሕንጻጽ ንመን ረብሓ ኢዩ፧ ዝብል ሕቶ መልሱ ምስትውዓል ተሰንያ ሓንቲ መልሲ ክንሳ፡ ብገለ ወገን ተደናገጽቱ ድማ ኣዝዩ ብዙሕን ሰፊሕን ምስምሳዊ መልሲ ዝውሃቦን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልሲ ድማ እዚኦም “ከዳዓት፤ ናይ ወያነ ሉኡኻት ሪኢኹሞም ዶ? …ወዘተ” ዝብልን መልሲ ካብ ህግደፋዊ ሓለዋ ዝፋን ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ንዝመጽእ ግን ግምት ከይሃብኩ፤ እቶም ልቦና ኣዕብዮም ርግእ ኢሎም ንህሉው ኩነታት ሰሚዖምን ኣንቢቦምን ስለዝርእይዎ፡ ኣብ ላዕሊ ዘበልኩዎ ዝመልከቶም ኣይኮነን። ሎሚ ኩነታት ሃገርና ነቶም ናይ ስነ ኣእምሮ ኪኢላታትን ብዓል ጸጋ ናይዚ ሰነ ሞያ ዓውዲ ዝኾኑን ከይተረፈ፤ ኣብ ገለ ኣሕዋትና ብስርዓት መሪሕነት ህግደፍ ዉልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ እተዘርአት ሕማም “ወያነ!” ብምባል እተለኽፈት ኣእምሮ ምፍዋስ ዝካኣል ኣይኮነን። በሉ ኩቡራት ኣሕዋት ናብቲ ቀንዲ ጽሑፈይ ክኣቱ።

ኣብ ዉሽጢ 20 ዓመት ሃገርና ብዘይ ሓደ ወግዓውን ሕጋዊን ዝኾነ ሰርዓት ክትምራሕ ጸኒሓን ኣላን። ስልጣን ካብ ኣእምሮ ሃፀይ ልጂ ኢሰያስ ወጺእና ምስ እንርእዮ ግን፡ እቲ ንቡር ኣገባብ፡ ስልጣን ናይ ኩቡር ህዝቢ ኮይኑ ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ከሎ ኢዩ። ህዝባዊ መንግሰቲ ሰረቱ ቁዋም ሃገር ኢዩ። እቲ ንቅዋም ኣኽቢሩን ብኡ ተመሪሑን እንተ ብውልቁ እንተ ንሰልፉ ወኪሉ ኣብ ምርጫ ዝተዓወተ መራሒ ድማ፡ ብቕዓቱ ኣመስኪሩ ኩንትራቱ ይውድእ፡ ብድሕሪኡ ንዝትክኦ ዕዉት ሰልፊ ድማ ስልጣኑ የረክብ። እሞ ኸ እቲ ሃጸይ ልጅ ነቶም ኣብ በይታ ንኸዶ ዘለና ምርዳእ ዝኣበዮም ድማ ብዕሊ ናብ ኣመሪካ ንኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገሸሉ ኣጋጣሚ ድማ ነቶም ማይ ሓቂኖም ልኻይ ዝጽበዩ ደረፍቱ “መንዶ ኩንትራት ፈሪሙ ዝሃበኒ ኣሎ ኢዩ?” ክብል ደርጕሑሎም ከብቅዕ፡ ዘይተሰቆሮም ውሑዳት ኣይነበሩን። ሕጂ ውን እንተኾነ ዘዉዲ ዕብዳን ሃጸይነቱ ናብ ኣብርሃም ወዱ ብጽላል ኮተቴ 1ይ/ሚ ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ንምትሕልላፍ ኣብ ደገ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተሳስየሉ ኣብ ማዕከናት ዜና እተጎስዐ እዩ። እቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ዘይተጎስዐ ድማ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ኣብ ኣኼባ ናይ እቲ ስማዊ ዝኾነ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ዝነበሩ እንተ ሎሚ ግን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራዊ ክልል ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ብግብሪ ዝኾኑ፤ እቲ ወራሲ ዓራት ኣብርሃም ንልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ኣሰንዩዎ ኣብ ቦኽሪ ኣኼብኦም ተጸንቢሩ እንተኾነ ግን ኣብዚኣስ ጓዕማም ላም እንተ ዘይተዋግእት ትጉንጸካ ከም ዝብሃል ኮይኑ፤ እሕሕ ትብል ላም ተረኺባ ዝብል ዘይተጎስዐ ዜና ሰሚዔ አለኹ።

ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ከም ዘነጽሮ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምስ መስርሕ ቃልሲ ን2ይ ጉባኤ ንምክያድ ምስ ናይ ውሽጡ ድኻማት ወሲኹ ድማ 10 ዓመት ወሲዱሉ። ንምንጻር ካብ 1977-1987 ኢዩ ዝነበረ። ኣብቲ ሲዒቡ ዝተገብረ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ ብ1994 እተኻየደ ነቲ ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ዘስፈሮን ዘጽደቖን ኣብ መጻኢት ሓዳስ ኤርትራ ዝትከል ህዝባዊ መንግስቲ ብዙሓን ስልፍታት ዝሓቖፈ ስርዓት ምትካል ዝብል ዝነበረ ይትረፍስ፡ እታ ሽዑ ዝተጠጅእት ኣንጭዋ ደገ ህግደፍ፡ ነንጭዋ ገዛ ድኣ ኣዉጽኣታ። እዛ ኣንጭዋ ደገ ህግደፍ ድማ ሎሚ 2 ዓሰርተ ሓሊፋ ዓይኒኺ ትደፈን ዝብላ ስኢና ንሳ ዝኣፋ እንተ ሎሚ ገደደ ንዕኦም ዝመስል ምስ ረኸቡ ምቕናይ ጥዑም ምቕናይ ጥዑም ኢሎም፡ እንተ ቐኒና’ስ ናብ ኢትዮጵያ ክንሕውሰኩም ኢና፡ ምሕንጻጽ ዶብ ኣየገድሰናን ኢዩ ኢዮም ዝበሉና። እቲ ነዛ ኣንጭዋ ደገ ህግደፍ ዘገድሳ፡ ህላወ ናይ ኢትዮጵያ ብዋጋ ኤርትራ ምሕላው ጥራይ ኢዩ። እንተ ንጅግንነት ሰዉራ ኤርትራ ማለት ህዝብን ዝነበራ ውድባቱ ጀብሃን ሻዕብያን ምስቲ ዝነበረን ውሽጣዊ ድኽመታተን ከይተሓጽራ ድማ ዘኹርዕ ታሪኸ ናጽነት ሰኒዶም ኢዮም። ኽብርን ሞጎስን ድማ ንዕኦም ይኹን፡ ነዛ ሃገር ዘምጹኡ ይካኣሎን ሃገር ዘውሓሱ ዋርሳይን። ሕጂ እንተ ኾነ ዓይኖም ሰለም ዘየበሉ ኣብ ፍቆዶ ታባታትን ሩባታትን ዘለዉ ሰራዊት ኤርትራ ሞጎሳዊ ክብሪ ኣይፈለዮም። ሎሚ ዘለናዮ መድረኽ ጽባሕ ታሪኽ ምኻኑ ኢዩ።ሰለዚ ናይ ሎሚ መዋእል ህግደፍን ስዓብቱን ብልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ተመሪሑ ኣብ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ውዕል መሸጣ ሃገርን ግን፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ታሪኽ ጸሊም ነጥቢ፡ ጓሓፍ ሰነድ ታሪኽ ህግደፍ እንበር ናይ ወያነ ኣይኮነን። ንሓርበኛታትን ንጹሃትን ዝሓየረ ስርዓት መን ኢዩ? ንዝብል ሕቶ ድኣ እቲ ብስርዓት ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ወለዱ ተሓይሮም ዘኽቲሙ ዝውለድ ቆልዓ ዝምልሶ ሕቶ ኢዩ። ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ይድሃል ከም ዝብሃል፡ ብህግደፍ ዝሰነበደስ ብወያነ ይዳሃል ኮይኑ፡ ዉጽኢቱ ድማ ኣእምሮኦም ኣደስኪሉ ኣሎ። ተጻብኦታት ወያነ ወያነ …ምባልሲ ግደ ሓቂ ክዛረብ፡ “መኾንብያ ጢጡ፡ ናይ ሰብ ይዛረብ ናቱ ኣቀሚጡ” ኢዩ ነገሩ። ኣብነት ገለ ንምጥቃስ ቅዋም ዘይትግበር ወያነ፤ ምርጫ ዝይትግበር ወያነ፤ ዶብ ዘይሕንጸጽ ወያነ፤ ኡሱራት ዘይፍትሑ ወያነ፤ ንሕሰም ግፍዒ ዘንቆሎ ናህሪ ስደት ኤርትራዊ ዜጋ ጥርዚ ምብጽሑ ወያነ፤ ኡሱራት ዘይፍትሑ ወያነ፤ ጂ15 መእሰሪኦም ምኽንያት ወያነ፤ እዋይ ሰቓይ! እቲ ቀደምሲ፡ ወለድና ሰማያዊ ኣምላኽ ጸሎቶም ይሰምዖም ነይሩ፡ ሎምስ እንታይ ድኣ ኾይኑ? ወያነ። ኣቤት ጉድ ልሳን ህግደፍ! ወያነ ኾይና ኩላ። ተፈታዊ ሰነ ጥበባዊ ነፍስሄር መምህር ሰሎሞን ገብረእግዝኣብሄር ኣብ መጀመርታ 70ታት፡ “ኣርባዓ! ኣርባዓ!” ትብል ተፈታዊት ሬድዮ ድራማ ተዋሲኦም። ሎሚ ድማ ላዛ ዘይብሎም ህግደፍ ናይ ምዕናዉ መድረኽ ሃገር ብልሳን ቃል ወያነ ይዋስኡ ኣለዉ። ነፍስሄር መምህር ሰሎሞን ብስርዓት ደርግ ሸውዓተ ጥይት ተወጊኦም ካብ ሞት ተሪፈም፤ እንታይ ኢዩ ምስጢሩ 7 ጥይት ተወጊእኩም ዘይሞትኩም? ንዝብል ሕቶ ዝነበረ መልሶም፡ “ንዓይ ትቐትል ጥይት ኣይተሰርሐትን” ክብሉ መሊሶም። ሎሚ፡ ኣነ ነቶም ብደዉና ዝሞትና ወኪለ ዝሓቶ ሕቶ ኣሎኒ፡ እንታይ ኢዩ ምስጢሩ መናፍሕ ህግደፍ ልሳነን ወያነ ምባል ሳዕሪሩ? ዝረኽቦ መልሲ ግን፡ ካብ “ርእሰ ልሳን ህግደፍ ትቕንጥብ መቐዝ ኣይሰርሐትን” ዝወጽእ ኣይኮነን። በሉ ኩልና ብደውናን ብኾፍናን ዝሞትናን ብሓባር እታ መቐዝ ንስርሓያ። ርእሰ ልሳን ወናኒ ህግደፍ ንምቕንጣብ። እዞም ኩሎም ሓርበኛታትና ተጋደልትን ህዝብን ገለ ኣብነት ምጥቃስ፡- መምህር ፍትሒ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ፤ ብርሃነ ኣብርሀ ምስ ሰበይቱ ኣልማዝ (ጓል ቸንቶ)፤ ማሕሙድ ሸሪፎ ምስ ሰበይቱ ኣስቴር ፍስሃጼን፤ ጵጥሮስ ሰሎሞን ምስ ሰበይቱ ኣስቴር የውሃንስ፡ ኤርምያስ ደበሰይ (ፓፓዮ) ምስ ሓፍቱ ሰናይት ደበሳይን።ከም ን’ ቡዙሓት ሲብል ዝሓየረን ዝሕይርን ዘሎ ንመራሕቲ ሃይማኖት ማእመናን ከርስትናን ምስልመናን ኣብነት ንምጥቃስ፡- ጳጳስን ኣቕሽትን፡ ፓስተራትን፡ ሸኻትን። ናይዚ መቐጸለታ ድማ ኣብ ማሕዩር ዝመቱ፡- ሓጂ ሙሳን ሓጂ ኢብርሂም ዮንስን…ወዘተ ንኹሎም ዘይምዝርዛረይ ልባዊ ይቕረታ ብትሕትና ክሓተኩም እፈቱ። እሞ ኸ! ኣብ ማሕዩር ዝበልዩ ዘለው ዜጋታትና ወያነ እንበር ህግደፍ ኣይኮነን ዝኣስርዎም ዝዓይነቱ መልእኽቲ ዝዘርጉሑልና ዘለዉ’ስ፡ ነዚ መልእኽቲ’ዚ እንታይ ንበሎ? እንተ ንሕና ግን ነቶም ምሳና ዝወፈሩ ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክስዋእ ኢሎም ዘምጽኡልና ሃገር ግን፡ “ብመለስ ዜናዊ ኢያ ኤርትራ ናጽነት ረኺባ” ዝብሃል ዘረባ ግን እንድዒ ካብ ምንታይ ዝነቐለ ኾን ይኸውን? እንታይ ኢዩ ዝብሃል፡ “ኣነ ሓጺሩኒ ይብል፡ እሱ ድማ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ኢዩ ኮይኑ ዞሎ ነገሩ። ሳላ መልስ ዜናዊ ረፈርንዱም ዘፍቀደልና ኢዩ ኤርትራ ናጽነት ረኺባ። መለስ ድሓን ይእቶ ሳልኡ ናጽነትና ረኸብና፡ ደኮመንቲ 147 ገጽ ዝሓዘ ኣብ ኢደይ ኢዩ ዘሎ ኢሉ ብዘይ ቅንጣብ ሕንከት ዝደርጓሓልና መልእኽቲ ኣብ ዛ ይቱብ እሞ ንመልከት https://youtu.be/_rSfcPXOk48 ኣቤት ቀብዘርዘር! ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ወጺኡ ቱታ ቱታ ኣይ ፈራም ጌታ! መንኣሎ ዝብድሃኒ ዝበለና ሰሚዖም ተደናጊሮም ዝስዕብዋን ካብ ብሱል ጥረ ሰለዘለው ድማ ነዚኦም ዜግነታዊ ምኽሪ ክልግሰሎም ሓላፍነተይ ኢዩ። ስለዚ መንእሰይ ኣሎኒ ኣብ ኣስተውዕል እቲ ደኮመንትስ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰድራቤት ደቃ ዝኸፈለትን ዝዘኸተመትን ዝሰነከለትን ዜጋታት ድኣ እንበር እቲ ኣብ ኢደይ ኣሎ ትብሎ ደኮመንት ኣይኮነን። በል ኣስተውዕል መንእሰይ ኣሎኒ ኣብ፡ ሎሚ ኣነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተሰዲደ ብርትሽ ዘግነት ዘሎኒ ኤርትራ መቦቆለይ እየ። ኣብ ጉዳይ ረፈረንዱም ናይ ኤርትራ ውሃ ዝበል መግለጺኻ ግን ኣይግድን “ኣብ ዓለም ከም ተርእዮ ብጀካ ናይ ኤርትራ፡ ካብታ እትንጸላ ዘላ ሃገር ተፈልያ በይኑ ህዝባ ረፈረንዱም ብምምራጽ እተገብረ ዝጸደቐ የሎን፤ እዚ ድማ ብዓለማዊ ሕጊ ቅቡል ኣይኮነን” ይብለና መንእሰይ ኣሎኒ ኣብ። ኣበየናይ ዓለም ከምዝነብር ግን እንድዒ!! ምኽንያቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ዝተገብረ ረፈረንዱም ድምጹ ሰለዘይሃበ ድማ ናይ ኤርትራ ረፈረንዱም ጌጋ ኢዩ ዝብለና።መን ኣሎ ብዓል ሞያ ይምጻእ ይግጠመኒ። “….mark my words.” ኣብዚ ናትካ ርትዒ እትብሎ ዝርዓመ ግን ኣነ ብወገነይ መሳርሒ ወይጦ ሃጸይ ህግደፍ እንበር፡ ናይ ወያነ መልእኽቲ ኣይከነን እብል። ምኽንያቱ ድማ ሎሚ ኣብ ልእላውነት ኤርትራ ዘይኮነስ ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝኣምኑ ገለ መራሕቲ ህግደፍ ኢና ብሃልቲ፡ ዝደንዘዙን ተደናገጽቶምን እንበር ወያነ’ስ ካብ መፈጠሮም መዳሕንቶም ምስ ናይ ሎሚ ዓንቀጽ 39 ኢዩ እንበር፡ ንልእላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ረፈረንዱም ዝኣተወ ኣይነበረን ንልቢ ክኾነካ። ነቲ ኣምርን መስርሕ ረፈርንዱም ኣብ ዓለም እተገብረ ኣነጻጺርካ ንናይ ኤርትራ ግን ጌጋ ኢዩ ዝበልካዮ ድኣ ውድብ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ገና መርገጺ ቃልሶም ኣብ ዘይነጸረ ግዜ ማለት መሰል ብሄር ዓርሰ ውሳኔኹም ንምኽባር እንበር ከም ሃገር ምንጻል ዝብል ማለት ብገለ ተጋሩ ዝቦቆለት ሓሳብ ግን ምስ ተልእኾን ሕልሚን ሃፀይ ልጅ ኢሰያስ ዘይትቃዶ ሕቶ ሃገር ኮይኑ ንዝቐረበ ግን፡ ተነጺጉ፡ ጉዳይኩም ጉዳይ ናይ ብሄራዊ ዕብለላ እንበር ናይ ሃገር ምንጻል ክኸዉን የብሉን ተባሂሎም፡ ኣማራጺ ስኢኖም ተቐቢሎሞ ድማ ቃልሶም ቀጺሎም፡ ኣብ ምውዳቕ ናይ ሓባር ጸላኢ ሰርዓት ደርጊ ሓቢርና ተቓሊስናን ተዓዊትናን። የግዳስ እታ ቀደምን ሎምን ኣብ ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ተቐባልነት ዘይብላ ጉዳይ ዓንቀጽ 39፡ ክሳብ ምንጻል ትብል ኣብ ሃገራዊ ቻርተሮም ሰፊራ ሎሚ ጆኬር ካርታ ኮይና ኣላ። እዚ ንዕኦም ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ። “ኣብ ዘይዳስክን ኣይተእትዋ ኢድክን” ኢለ ክገድፎ ይመርጽ። መንእሰይ ኣሎኒ ኣብ፡ ኣብ 80ታት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ “እማመ ረፈረንዱም ሒዙ” ቀሪቡ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣኼባ ብተናጸል ምስ መራሕቲ ውድባት ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ዝተኣንገደ ኣብ ምብራቕ ጀርመን (ከተማ በርሊን) ብኣቦ ወንበር ወያነ ዝነበረ ተጋዳላይ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ወይ መለስ ዜናዊ ዝቐረበ ኢዩ ነይሩ፡ ምባል እንታይ ኣገመካ? እቲ ጉዳይና “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽኒዕካ ምሓዝ” ኢዩ። ማለት ካብ ህግደፍን ስዒቡ ክመጽእ ዝኽእል ደርገፍገፍን ሃነፍነፍን ኣነጺርካ ምፍላጥን ነቲ ሃንቀውታ ሕብረተ ሰብና ዝበኾሮ ትግባረ ፍትሓውን ዲሞክርሳዊትን ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል ኢዩ። ኣብዚ ናይ ጽልግልግ ወቕቲ ነቶም ዝተደናገሩ ኣብ ቃላትካ “mark my word” ዝበልካዮ ተደናጊሮም ዝርዓሙ ገለ ወገናትና ስለዘይስኣኑ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት መብርሂ ክጠቕሰልካ፡- ኣብዚ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ፡ ስኮትላንድ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽትንጸል ኣብ ዝገበርዎ ምርጫ ንሕና ኢንግላንድን ዌልስን ኣየድመጽናን፡ እቲ ውጺኢት ድማ ኣይፋል ብምኻን ብርትዒ ተቐቢሎም’ስ ኣብ ትሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ ትቕጽል ኣላ። ኣብቲ ሽዑ ንስኮትላንድ ዝመርሕ ዝነበረ ሰልፊ፡ Scottish National Party (SNP) ኮይኑ፡ 1ይ/ሚ Alex Salmond፡ እቲ ወጺኢት ዘይተጸበዮ ስዕረት ብምንባሩ፡ ብ’16 May 2016፡ ንስልጣኑ ብገዛእ ርእሱ ከም ዝገድፍ ኮይኑ። ኣብ 19/04/1993 ኣብ ናይ ኤርትራ እተገብረ ንሕና ተጋደልቲ ኣቐዲምና ዘድመጽናሉ ኢዩ ዝነበረ። ኣነ ሽዑ ምስቶም ኣብ ማይተመናይ ኣስመራ ዘድመጹ ተጋደልቲ ኣድሚጸ። ሎሚ ድማ ኣብዛ ናይ ስደት ሃገረይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU) ክንፋታሕ ዝተገብረ ረፈረንዱም፡ In or Out ዝብል ኣብ ሂወተይ ንካልኣይ ግዜይ ድማ ብዕለት 23/06/2016 ዝተገብረ ረፈረንዱም ኣድሚጸ፡ በዛ ዕለት ድማ ኣብቲ ካብ ዓለም ሙሉእ ዝመጽኡ ኤርትራዊያን፡ ንስርዓት ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ንምእጋድ ብሑቡራት ሃገራት እተገብረ ደጊፈ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቨ ከይቦኾርኩ፡ ሕጂ ኣቐዲመ ብተመሳሳሊ ዕለት ብፖስታ ብ19/06/2016 ኣድሚጸ፡ ዕለት 23/06/2016 ድማ ምስ ሓፋሽ ደላይ ፍትሒ ኣብ ጀነቨ ዊዒለ። ሰለዚ ንቃላትካ ማርክ ንገብሮሉ ፍጹም የሎን እዚ ወድሓንካ። ከምቲ ናይ ሓርበኛ የማነ ባርያ ዜማ እዩ፡ እንተ በላዕኩ እንተ ተኸደንኩ ኣበይ ከምሕረለይ፡ ቁኑዕ ቃላት ሓርበኛ የማነ ባርያ፡ ነቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ብዘይ መሰል እንዳ በለየ ዝነብረሉ ኩነታት ኢዩ ዝገልጽ። ብስቓይ እተቃለስናሉ ህዝብናን ሃገርናን፡ ሎሚ ኣብ ሰደት ንነብር ዜጋታት ድማ ከም ደርሆ ኣንዊሑ ብገመድ ኣሲሩና ምህላዉ ካብ ማንም እተሰወረ ኣይኮነን። ይኹን እንበር ኣነ ኣብዚ ዘረኸብኩዎ ሕሉፍ መሰል ንምምራጽ ውን፡ ምምራጽ ኣለዎ ይብል። ምኽንያቱ ድማ ገለ ብማይ ገለ ድማ ስኣን ማይ ከም ዝብሃል፡ ኣነ ኣብ መድመጺ ንቑጣ ምስ ሰብ ተሰሪዔ ከድምጽ ኣይደልን ኢየ ብምባል ኣብ ዝግበር ምርጫ ኣቐዲመ ብፖስታ (ሰታሪት) ምርጫይ ይገብር። እንተ ናይ ሃገርና ግን ንመሰልና ተቓሊስና ክንስና፡ መሰልና ድኣ ብዝያዳ ብሕምቀትና ሲኢንና።

ካብ ሓደ ብህዝብናን ሃገርና ዘይተወከለ መራሒ ናይ ‘ዛ ኣንጭዋ ደገ ህግደፍ ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ። ብምኽንያቱ ጽንብል መመረቕታ ን 31 ዙርያ ኣብ ሳዋ ዝሃቦ መግለጺ ዘይኮነሰ መላገጺ ኢዩ ዝነበረ። ፍሉይ መቐረት ኣለዎ ዝበሎ “ዝኸሰርናዮ ኣምሊስና ክንዮ እቲ ክንበጽሖ ዝነበረና ሓሊፍና ምእንቲ ብዘላቕነት ክንግስግስ ብዝርወጸጸ ዉዳበን ምሕደራን ኽንዓዪ ታሪኻዊ ግዴታ ኢዩ። ምንም ዘዛንን ዘጠራጥርን የብልናን፡ ከም ንዕወት ርግጸኛ ኢየ” ኢሉ ዉን ስቕ ኣይበለን። እቲ ላዛ ዘይብሉ ልባዊ መደርኡ “ኣይከሰርናን” ኢዩ ዝብል። ዕርቡን መስዋእትና ክንዮ ዝብሃል የብላን እንታይ ድኣ ሓንትን ንጽርትን ኢያ። እሳ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ገዛእን ተገዛእን ዘይብላ ፍትሓዊትን ሰለማዊትን ሃገር ህዝባዊ መንግሰቲ ምትካል ኢዩ ዝነበረን ዘሎን። ሰለዚ እዚ ዑቡድ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደር፡ ባህር ዳርን ከይዱ ዝበሎን ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብህዝብና ዝተወከለ መልእኽተኛ ሰለ ዘይኮነ እንታይ ድኣ እታ ናይ ልቡ ኢዩ ገይሩ። ክሳብ ሕጂ ብወግዒ እንታይ ከም ዝተፈራረመ ብዘይ ኣፍልጦ ወከልትና ማለት ኣባላት ባይቶና፡ ኩሉ ንሃገር ወኪሉ ዘይኮነስ ንሃገር በኪሉ ዝገብሮ ዘሎ፡ ውዱቕ ኢዩ!! ጥራይ ምባል ግን ኣዝዩ ዓቢ ሓደጋ ኢዩ ንልእላዉነትና። ምኽንያቱ ሕጋውነት የብሉን ካብ ሃገራዊ ቁዋምና ወጻኢ ዝኾነ ስርዓት ብምኻኑ። እዚ ግን ሕጊ ዓለም ንዓና፡ ምስ ሕሉፍ ተሞኩሮና ኣገናዚብና ምስ እንርእዮ፡ ካብ ምፍራስ ፈደረሽን፡ መስዋእቲ ዓብደል ቃድር ከቢረን ካልኦትን ዘኸተለ፡ ፍትሒ ስኢንና፡ ብረታዊ ቃልሲ ከነበግስ ዝገደደና ተመኩሮ ኢዩ። እንተኾነ ሕጂ’ው‘ን ርእዮሙና ንኽጉዕጹጹና ዘንባህቑ ካብ ኮኑስ፡ እንድዒ ኣነስ ስኽፍታይ ኣዝዩ ከሻቅለና ኣለዎ ኢየ ዝብል። መሰረታዊ ሕጊ ሃገርና እቲ ናትና ንብሎ ዘይዳነየናስ፤ ናይ ስግርን ጓናን ሕጊ ማሕበረሰብ ዓለም ድኣ ምስ ኩሉ ምኽንያታቱ እንታይ ባይታ ማና ፍትሒ ኢዩ ከዕንግለና? ኣብ ‘ዚ ዓለማዊ ሕጊ ኢዩ ልዑል ጥንቃቐ ዝሓተና።

ሎሚ እዚ ብልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ዝፍረም ዞሎ ኣጸቢቕና ምጥንቃቕ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። ንምኻኑ ካብ ተመክሮ ናይ ዓለምና ግጭት ዶባዊ መሬትን ማይዊን እተገብረ ሰምምዕ ናይ ዘሳሓሕብ ሃገራት ኽጥቅስ ይካእል ኢዩ። ንጉዳይና ድማ ካብ ሽሓጢን መደናጋሪን ስነ ሓሳብ ዋንነት ዝተወጠሐ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ወጺእና ብዓለማዊ ሕጊ ንመልከቶ!

1. ኣብ መንጎ ናይጀርያን ካሜሩን (2002) ICJ Rep.303

ብወገን ናይጀርያ ዝቐረበ ጠለብ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት እተገብረ ስምምዕ ዋላ’ውን ብርእሰ ሃገር ናይጀርያ (ፕረሲደንት) እንተ ተፈረመ፡ እቲ ዉዕል ካብ ናይ ናይጀርያ ሃገራዊ ሕጊ ወጻኢ ብምንባሩ ሰሪዛቶ። እዚ ኣብነት ንዓና ዘዘናግዕ ከም ዘይኮነ እኳድኣ ኣጸቢቕና ንምስትውዓል ኢለ ኢየ ዝጠቕሶ ዘለኹ። (Allen, S., 2013, International Law, pp 38-59, Pearson, London. www.pearsoned.co.uk/lawexpress)

Legal principle ሕጋዊ መትከላት

ሓደ ካብቲ ንዓና ዘሻቅል ኢዩ ዝብሎን ክነቅሓሉ ዝለናን ኣብዚ ሓንቲ ኢያ።

ርእሰ ሃገር (ፕረሲደንት) ዘለዎ ስልጣን ንዝተገብረ ዉዕላት ንምድምዳም ብሽም ሃገር ወኪሉ ናይ ምፍራም ሓላፍነት ኣለዎ። ንእተገብረ ውዕል ምፍርራም ኣመልኪቱ ብኸምዚ የነጽሮ፡- ዓንቀጽ 7(2) ከም ሳዕቤኑ ድማ ዝተፈረመ ውዕል ግዴታዊን ዘይስረዝን ኮይኑ ኢዩ። ብዝቐርብ ሃገራዊ ሕጊ ምስምስ ኣይስረዝን ኢዩ። ንዝያዳ መብርሂ ድማ (ዓንቀጽ46 (1) ቨሲለተ ተወከሰ)። ሰለዚ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝያዳ ሰልጣን ከምዘለዎ ኢዩ ዝእምተልና ዘሎ።

ከም ሕቶ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሃጸያዊ ሰርዓት ኢሰያስ ንዓና እሞ ኽኣ ኣንጻር ሃጸያዊ ስርዓት እተቃለስና ኤርትራዉያን ይዉክለና ድዩ? ንዝብል ሕቶ ዝጽበዮ መልሲ ክልቲኡ እወን ኣይኮነን ዝብል ኢዩ።

ነቶም ውሑዳት እወ ዝመልስኹምን ንዕኦም ዘሰነኹምን ድማ ዘሎኒ መብርሂ ኣነ ብወገነይ እዚ ልጅ ሃፀይ ሕጋውነት የቡሉን ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኢለ ሰለዝኣምን ድማ ናይ ከብድን ሕቖን ፍልልይ ምህላውና ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ብመስረት ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኹዎ ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ግን ሃገርና እንተ ብኽፋል እንተ ብሙሉኣ ንሱ ዘይመደይ ኢሉ፡ እቶም ዝእንገድሉ ድማ ብዘይምፍላጥ ንምሻጥ ሰፊሕ ዕድል ኣለዎ ማለት ኢዩ። ሰለዚ ካብ ስሚዒት ወጺእና ብዓቢ ጥንቃቐ ንመልከቶ።

ሎሚ ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ በይኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ኣብ፡- ባሕሪ፡ ኣየርን ምድርን ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰረት ቁጠባዊ ንግድን ቁጠባዊ መጓዓዝያን ዝምልከት፡ ዝገብሮ ዘሎ ኣዕናዊ ውዕላት ምግሃስ ልእላውነት ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ልኡኽ ወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፤ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብ’ ሪም ኢብራሂም ኣል-ሃሺሚን ዝምራሕ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኢማራት ዓረብን ብኮተቴ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነታ ምስ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ዝተኻፈላ ወደብ ዓሰብ፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ 900 ኪሎ ሚተር ዝዝርጋሕ መተሓላለፊ ነዳዲ ሻምብቆ ንምዝርጋሕ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ውጥን ፕሮጀክት ከምዘለዋ ክልቲኦም ወገናት ምዝርራቦምን ዝዝከር ኢዩ። ብ’21/01/2019 ‘ውን ኣብ ኢጣሊያ፡ ኣብ መስመር ባጽዕ - ኣዲስ ኣበባ ናይ ምዝርጋሕ መስመር ሓዲድ ባቡር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ውዕል ተፈሪሙ። ንምዃኑ ከስምረሉ ዝደለኹዎ፡ እቲ ዘገድስ እንታይ ኢሉ ዘይኮነሰ እቲ ኣዝዩ ዘሻቅል ብሽም ሃገርና እንታይ ይፍርም ኣሎ? ዝብል ኢዩ። ብመንጽር ዚ ክብ ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ ምርኣይ ኢዩ እቲ ምርጫና። ማለት እቲ ኩሉ ጽወታ ካርታ፡ ንረብሓታት ናይቶም ሓያላን ማእከላይ ምብራቕ ዘወሕሱ ኢዮም። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እተን ንዖኦም ታላኣኣኽቲ ብምኻን ገለ ሃገራት ዓረብ ውሽጣዊ ቁልዉላወን ዝፍታሕ መሲልወን ብጸጋ ሃገረን ይጣልዓ ኣለዋ። ንኣብነት ሓንቲ ካብዘን ኣብ ሃገርና እግራ ኣብ ባሕርናን ወደብናን ዘንበረት ሃገር ሱዕዲ ዓረብ፡ ካብ ዓባይ ብርጣንያ ብ30 ቢልዮን ፓውንድ ዝሸመተተን ነፈርቲ ኩናት ኣብ ክሊ ኣየር እስራኤል ምስ ዝኣትዋ፡ እቲ ዝተገጥመለን ፕሮግራም ማለት እቲ ናተን ራዳር ከምዘይሰርሕ ወይ ናይ ጃም ራብሻ ተቓሊዐን ካብ ዝህብኦ ኣገልጉሎት ወጻኢ ዝኾና ዓይነት ኢየን። እዚ ክብል ከሎኹ ግን፡ ሱዑዲ ዓረብ ብገዛእ ገንዘባ ንህላወ እስራኤል ተውሕስ ምህላዋ፡ ነተን ብቐረባ ተጸለወቲ ናይ ‘ዚ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝኾና እተሰወረ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። እንተ ንሕና ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ምንም ከምዘይ ርድኣና ኮይንና፡ ኣንጻር ውሽጣዊ ረብሓና ዓጢቕና ከም ንርከብ ካብ ማንም እተሰወረ ኣይኮነን። እንተ ሎሚ ‘ን ካብ ቀደም ቢኢሱ ተሓጺብካ ናብ ጪቃ እዚ ኩሉ ኣንጻር ሃጸይነትን ጽዮንነትን ተቓሊስናስ፡ ናብዚ ናይ መግዛእቲ ሃፀያዊ ስርዓት ልጅ ኢሰያስ ወዲቕና።

እቲ ዝገርም ሎሚ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ፡ ንሓይሊ ባሕርና በቲኑ ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልሚ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምምስራት ኣብ ገደም መደበር ስልጠና ባሕረኛታት ንኽቀውም ፈሪሙ፡ ዝብል ወረ ሰሚዕና ኣሎና። ዘይተፈስወ ነይጨንው ኢዩ ነገሩ።

ጉዳይ ዶብ ይትሓንጸጽ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ልእላውነት ሃገርና ይወጽኡ እንዳበልና በቲ ሓደ ሽነኽ ድማ እግሮም ኣብ ከርሲ ባሕርናን መሬትና ንኽሰፍሩ ብልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ተፈሪሙ። ወደብ ዓሰቦም መፍትሖም ኢትዮጵያ ተረኪቦሞ ኣለው። ንረብሓ ሓንቲ ንእሽቶ ሃገር ማእከላይ ምብራቕ ዝኾነት እሰራኤል ንምውሓስ ድማ ሰፊሕ ክፋል መሬትናን ገምገም ባሕርናን ወደብና መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ገለ ዓያሹ ድማ ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኸ ትፈልጦ ሰይጣን ይሓይሽ ብምባል ናይ ተምበርኻኽነት መንፈስ ኣሕዲሮም ካብ ሃገራት ኣዕራብ ስነ ሓሳብ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ፡ ዓባይ ኢትዮጵያ ይሕሸና ኢሎም፡ ሰላም መጺኡ ኣሎ ዝብሉና ሸየጢ ሃገር፡ ኣንጭዋ ግዳም ህግደፍ የጣቕዑ ኣለው። ሰላም መጺኡ ኢልና ነጣቓዓሉ ግን ወነንቲ ቅዋማዊ ባይቶና ምስ ንኽዉን ጥራይ ኢዩ።

እቲ ዝኸፍአ ናይቶም ኣብ ስርዓት ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ዝረዓሙን ዝተምበርከኹን ነታ ትዕበ ትንኣስ ኣብ ዶብና መሬትና ዘሎ፡ ናይ ባድመን ዓለቴናን ልቸንሳ ኣብ ኢድና ዘይሓዝናስ፤ ግርም ወዳጀ ኣቤት ሰነ ልቦና! እቲ ናይ ባሕሪ ምስ ኢትዮጵያ እተገብረ ውዕል፡ ካብ ክልል ባሕርና ወጻኢ፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ማለት ኣብ ‘ቲ ዓለማዊ ባሕሪ መርከቦም መልሕቓ ኣዉሪዳ ክነብሩ ኢዮም ተሰማሚኦም ካብ ዝብሉ ብሃማት ሰሚዕና ። ኣቤት ሰብ ዓደልቲ ሕልማዊ ልቸንሳ ህንዳዊ ውቅያኖስ! እንተ ዘይመትክን ጥዕና ኣለክን ድዩ ዝብሃል፡ እቲ ዓቕሚ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ፡ ኣይኮነን ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ማያዊ ክሊ ህንዳያዊ ዉቅያኖስ ክሰፍሩ ይትረፍ እታ ኣብ መሬት ዘላ ዓባይ ኢትዮጵያ ንምቕጻላ’ኳ ኣስጋኢ መድረኸ ኢዩ ኾይኑ ኣሎ። ነዚ ክሓልሙ ድቃስ ዝስኣኑ እንታይ ዘይብሉ ለይቶም ትንዋሕ ኣጸቢቖም ሕልማዊ ባሕሪ ከጭብጡ።

እንታይ ኢላ ኢያ ዝደርፊ ዝደገመት እዛ ናይ ግዳም ኣንጭዋ ህግደፍ፡- ምቕናይ ግርም ምቕናይ፡ እንታይ ማለቶም ኮን ይኾኑ? ብወገነይ ኮይኑ ዝስምዓኒ፡ ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ተጋሃዱ ንምባል ኮይኑ ኢዩ ዘስምዕ። እንቋዕ ነዚኣ ምርኣይ ኣብቃዓካ ዝተባህለ ኣብ ኣስመራ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ደገ ድማ ብገለ ወይጦታት ናይ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኣምባሳደራቱን ስዓብቱን ዝብልዎ፡ ምንባር ሃገራውነቶም ምስ ህላወ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ዘተኣሳስርዋ ክም ብዓል ኣምባሳደሩ በየነ ርእሶም፡ ዝኣመሰሉ ኣለዉ። ንሱ፡ ”ካብ 1965 ዝጀመረ እዚ ኹሉ መሰገደል ሰጊርካ ኣብዚ ምብጻሕካ እንቋዕ ሓጎሰካ፡ ዮሃና” ብምባል ናይ ጥፍኣት ዮሃና መልእኽቱ የረጋግጽ። ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ ይብሃል። በየነ ርእሶም ንሰበይቱ፡ ሰናይት ደበሳይ፡ ንስቅያት ዝሓየረ ሰብ፡ ሃገር ንምሻጥ ድኣ ‘ሞ እንታይ ክጽግሞ! ኣምበሳደራቱ፡ ዑና ዝፋን ዘውዲ ናይዚ ጸይቂ ዝሕልዉ ከም ብዓል ብሩኖ፤ ወዲ በላዒ ጣዓዋ፡ ነጋሲ ካሳ፡ ፍስሃጼን ጰጥሮስ…ወዘተ፡ ግን ድኹማት ሕልናኹም ዝሸጥኩም ምዓልትኹም ጸብጽቡ። ርሑቕ ኣይኮነን ስቓይ ህዝቢ ከብቅዕ።

23/ሕዳር/2018 ሓደ ካብ ‘ቲ ስምምዕ ሶማሊያ፤ ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝጽሓፎ ብዛዕባ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኤርትራ፡ ምንጪ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት፡ ናይ ፕረሲድንት ሶማል ኣበዲ-ሰይድ ሙሳ 08/2019 ወትሃደራዊ ብርጌድ ኤርትራ ናብ ሶማልያ ክኣቱ ትጽቢት ኣሎ፡ ከም ቲ መደብ ምክለኻል ኤፍ ጂ ኤስ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ኤርትራ ተልእኹኡ ድማ ኣብ ማእከል ርጂንን ጋለጉዱድ ከዋፈር ኢዩ ዝብል ጽሑፍ ርእየ ኣለኹ። ሊንክ፡- https://eritreahub.org/is-eritrea-about-to-send-troops-to-somalia-once-more። ሃጸይ ኢሰያስ ንኣልሸባብ ሓጊዝካ ተባሂሉ እቲ እተገብረ እገዳ ብምስም ኢሰያስ ንህዝቢ ዘቕንዐ ነይሩ፤ ኣብ ሶማል ዝልኣኾም ጋዜጠኛ ተስፋልደት ኪዳነ 2ይ ርእሱ ተማሪኹ፡ እንተኾነ ስርዓት ኢሰያስ ን10 ዓመት ሓታቲ ዘይብሎም ኪሒድዎም። ሕጂ ድማ ብዕሊ ዘዉዲ ሃፀይነቱ ደፍእ። ዲኖ ንኽለብስ፡ ኮረሻ ስልጣኑ ንምጥጣሕ መንእሰይ ሃገርና ንሶማል ገንሸል ክገብሮ ይህቅን ኣሎ። እዚ ጽሑፍ ምስርኣኹ ዝቐስቀሰለይ ትዝታ ድማ ሓንቲ ካብተን ገዳይም ተቓለስቲ ተጋዳሊት ከቢድ ስንክልና ዝለበሰት ለምለም ገብራይ፡ ኩናት ናይ ዶብ ግጭት ተጀሚሩ ምስ ሰሞዐት፡ ዓቢዳ፡ “ሎሚ ኽ ወድመን ኢዩ ክስዋእን ክሰንክልን!” ዘበለት። እንተኾነ ግን ሕልሚ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ንመንእሰያት ኣህሊቑ ንመንፈስ ሃገራውነት ኣዳኺሙ፡ ሎሚ ጽዋዕ ሕልሙ ንኽጭልጥ ሃነፍነፍ እናበለ ምስ ዕምሩ ይቀዳደም ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጥር ኮይኑ ንረኸቦ። ነዚ ሰራዊት ናብ ሶማል ምልኣኽ ዝብል ምስ ኣንበብኩ ንሓደ ኣባላት ሓይልታት ምኽልኻል ዝነበረ፡ ንኤርትራ ቴሌፎን ደዊለ እንታይ ድኣሉ ዝብሃል ዘሎ፧ በልኩዎ። ዝሃበኒ መልሲ “ኣንታ ሎምስ ግዜ ኣኺሉ ኢዩ፡ ኣይትሕመቑ ጥራይ ንስኻትኩም!” ዝብል ኢዩ።

ጉዳይ እገዳን ዕላምኡን ዉጺኢቱን ተጎስዩ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ኢሰብኣዊ እገዳ ደው ንምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ብሕቡራት ሃገራት ዘቀረበ እገዳ ኣንጻር ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ደጊፉን ጠሊቡን ክሳብ ጀነቫ ብምኻድ፡ ቅሩብነቱ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ግን ገምጋም እቲ ወጺኢት ድማ እዚ ዝስዕብ ርኢናሉ።

ኣብ ዓዲ ጸጸር ኣብ ዝነበርናሉ 1983 ስውእ ኮምሬድ ሓድጉ ኣብ ሓደ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚ ዝነበረት ሕቶ፡ ን6ይ ወራር ንምኹናን ፤ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወጸ ኣብ ሓራ መሬትና ኣበይ ኢዩ ነይሩ፧ ትብል ነበረት።ናይ ኮምሬድ ሓድጉ መልሱ ድማ ኣንታ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራዊ ን6ይ ወራር ንምኹናን ኣበየናይ ከተማ ነይሩ ኣይትበለኒ እምበር፡ እዚ ነቲ ሰልፊ መሪሐ ዝውዓልኩዎ ኢዩ ኢሉ። ሎሚ እቲ መልሱ ድማ ታሪኻዊ መልሲ ኢዩ። እቲ መልሲ ድማ እቶም ኣብ 1989 ብታንኪ እተረግጹ ህዝብና ህዝቢ ሽዕብ፡ ንመጀመርያ ኣብ ሓራ መሬት ሃገርና ን6ይ ወራር ንምኹናን ብስላማዊ ሰልፊ ንሰዉራ ደጊፎም ዝወጹ። እንተ ሎሚ ኽኣ እቶም ሽዑ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ከይኖም ንስርዓት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምኹናን ተቓውምኦም ብሰለማዊ ሰልፊ ዝገልጹ ዝነበሩ፤ ሎሚ ድማ ንመዕነዊ ንስርዓት ህግደፍዊ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ብእገዳ ንምኹናን ብዙሓት ሓደሽቲ ተጸንብርናዮም ኣብ ጀነቭን ፍቐዶ ከተማታት ኤሮጳን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣውሰትራልያ ወፊርና ጥምርትን ሓድነትን ውጹዕ ህዝብና ብግብሪ ኣመስኪርና። እንተ እቲ ብማሕበረ ሰብ ተገይሩ እተባህለ ግን፡-

ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተገብረ እገዳ፡ ጓህማም፡ ስኒ ዘይነበሮ ኢዩ ዝነበረ።
ብኣንጻሩ ኳ ድኣ ኣብ መንእሰያት ሃገርና፡ ስኒ ሓርገጽ ኮይኑ፡ ኣብ ምጽናት መንእሰያትና ኢዩ ወሃቢ ደገፍ ንሰርዓት ህግደፍ ኮይኑ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ።
ንውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ከኣ፡ ግርም መሳርሒ ወይ መሸቀጢ ንዕድመ ስልጣኑ ኢዩ ኾይኑሉ።

ኣብቲ ሲዒቡ ዝተነጸረ ዝዓበየ መልእኽቱ ግን ንህግደፍ ምዃን ተሪፉ፡ ሳዕቤናቱ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዓለመ ብምኻኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ እቲ ናይ እገዳ ክሱ ዝነበረ ኩሉ ተላዒሉ ካብ ገበን ነጻ ወጺኡ፡ ሎሚ ድማ ኣባል ናይተን ሰብኣዊ መሰል ዝጣበቓ ኮሚቴ ኮይኑ ተመሪጹ ተባሂሉ።ኣቤት ዘይዉዳእ መከራ ህዝብና! “ንብዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ” ኮይኑ። እዚ ብጽንዓት ህዝብና ብዘይ ምንብርካኹ ዝበርዓነ እገዳ ድማ፡ ዓሳ ንምጽናት ባሕሪ ምንጻፍ ፈተነ ነዊሕ ዝሰረቶም እስትራተጂካዊ ኣደዃኹና ሃገርና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማዓትቖ ቀይሕ ባሕርና፡ ዓይኖም ዝዓመቶ ሰብ ነዊሕ ኣእዳዉ ንዘመን መመላእታ ብህላወና ዝጣልዑ ዓበይቲ ሃገራት፡ ሎሚ ‘ውን እንተኾነ፡ ሕብሮም ቀይሮም ኣጽፋር ኣእዳዎም ኣንዊሖም ንጥፍኣትና ደቂሶም ኣይፈልጡን። ሎሚ’ውን ንዝነቕሓሎም ህዝቢ ሜላኦም እናቐየሩ ካብ ምንቋት ዓዲ ኣይወዓሉን። ዘመናዊ ጸወትኦም ቀይሮም ኣብ ኣእዳዎም ጓንቲ ሃገራት ዓረብ ለቢሶም ንርእዮም ኣሎና።

ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ ንምጽማቁ ድማ፡ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ንሃገርና ዝዉክል ሰብ ኣይኮነን። ኣርባዕተ ነጥቢ። እንታይ ድኣ ዶብና ንምሕንጻጽ ንወለዶ ቅሳነት ዝህብ ንምግባር እንተ ኾይኑ ግን ኩቱር ምስትውዓል ንሕተት ኣሎና። ምኽንያቱ እቲ ጉዕዞ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ቀዳምነት ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ እምበር ናይ ሃገርና ልእላውነት ዝሕሉ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ናይ ኮተቴ ውልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይን ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ ኮሸምሸም ፍቕሪ፡ ዝመጸ ከይመጸ ቡርኩታኻ ንጸ ኢዩ መንገዶም። ሰለዚ ንሕና ክነስተባህለሉን ክንሰርሓሉን ዝግብኣና ብፍላይ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዋ ሕጂ ‘ውን ከደግማ፡ ቀደም ኣቦታትና “ዘይተወቕረ መጥሓን ነየጥሕን፡ ዘይተማህረ ሰብ ነየድሕን” ይብሉ ምንባሮም፡ እንተ ሎሚ ግን፡ ኣብ ምድሓን ሃገር’ስ ይትረፍ፡ እቲ ዝተማህረ፡ “መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ” ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። እሞ ኸ? ከሎ ጌና፡ እቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ኣብ ዝግበር ዘሎ ውዕል ምፍራም “መሸጣ ሃገር”፡ ኣብ ልእላውነት ሃገርና ዘለዎ ሳዕቤን ብፍላይ ምስ ዓለማዊ ሕጊ ብምንጽጻር፡ ንህዝብና ክሕብሩዎ ይግባእ። እቶም ሰብ ሑዱር ተመኩሮ ምጉዕጻጽ ሕጊን ምፍራስ ፈደረሽን ናይ 50ታትን፡ ሽዑ ዝተራእየ ምስቃጥ ሕቡራት ሃገራትን፡ ንሱ ዘስዓቦ ስቓይ ናይ ፍርቂ ዝመን ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ከም ንቃለስን መስዋእቲ ክንከፍልን ከም ዝገበረና ናይ ትማሊ ዘይሃሰሰ ተዘክሮ ኢዩ። ሕጂ ድማ እዚ ዝግበር ካብ ሃገራዊ ቁዋምን ሕግን ወጻኢ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ዉልቃዊ መሸጣ ሃገር፡ ብዓይኒ ሕግን ኣብ ዝርዝሩ ኣቲኹም መብርሂ ክትህብሉ ብትሕትና የዘኻኽረኩም። ብእትገብርዎ ጻዕሪ ድማ፡ ንሃገርና ኣድሒንኩም፡ ጽባሕ ንግሆ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ከም ፍሉይ ተመኩሮ ታሪኽ ናይ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ (ኢትዮጵያን ኤርትራን)፡ እቲ ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ “ንስኻ ምርሓና” ኢሉ ንምርካብ እተገብረ ውዕል ተሰሪዙ፡ ሎሚ ከም ሃገር ትቕጽል ኣላ፡ ተባሂሉ መምሃሪ ክኽዉን፡ ሃገርና ናትኩም ግደ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ። ሃየ ሕጂ ‘ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን። ናይ ዓወትና ምስጢር፡ ሓድነት ቀዳሞት ተዓጢቕና ንውጹዕ ህዝብናን ነታ ኣእላፍ ህያብ ዝኸፈልናላ ሃገርናን ነድሕና።

ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን መንግስታዊ ቅዲ ውዕል ብይን ዝሓዘለ ውሳኔ ዝህባሉ ኣለወን፤ ኣብነት ናይ ዘን ክልተ ሃገራት ኣመሪካን ዓባይ ብርጣንያን ክንርኢ ንኽል፤

• ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 2. ሕቡራት መንግሰታት ኣመሪካ ቁዋም ፕረሲደንት 2/3 ኣባላት ሰነት ድምጺ ምስ ዝረክብ ጥራይ ክፍርም ዝኽእል። ኣብ ‘ዚ እዋናዊ ጭቡጥ ኣብነት ድማ እቲ ካብ ድምጺ ህዝቢ ወጻኢ ምርጫ ከም ዝተዓወተ ዝሕመይ ናይ ዓለምና ሓያል ሃገር ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናል ትራምፕ፡ ዶቦም ምስ መክሲኮ ብሓጹር መንደቕ ንምዕጻው ዝኸውን ባጀት ብዘይ ምጽዳቑ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝነውሐ ግዜ ከም ዝዕጾ ኮይኑ። ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብ ከቢድ ቁጠባዉን ፖሎቲካዉን ክሲራ እንበር ከም ናይ ሃገርና ሃገሮም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየውደቕዋን።

• ፓርላማ ዓባይ ብሪጣያ ንዝግበሩ ዓበይቲ ደምዳሚ ውዕላት ምፍርራም ዝኸዉን ቁዋማዊ ተራ ዝጻወት ሕጊ የቡሉን። እንተኾነ ግን ቁዋማዊ ልምምድ (the Ponsonby role) እቲ ክግበር ተደልዩ ዘሎ ጉዳይ ውዕላት ምፍርራም ን21 ምዓልቲ ኣብ ፓርላማ ንኽትዕ ዕድል ይውሃቦ ቅድሚ ምጽዳቑ። ኣብዚ ‘ውን ምስ እዋናዊ ምዉጻእ ካብ ሕብረት ኤሮጳ (Brexit) ቀዳመይቲ/ሚ ትሬዛ መይ ድማ ብዘይ ፍቃድ ድምጺ ፓርላማ ምንም ነገር ክትፍጽም ስልጣን የብላን። እቲ ጉዳይ ድምጺ ብፓርላማ ኢዩ ይዉሰን።

• ኣብ ሃገርና እንተ መጺእና ግን ሓደ ውልቃዊ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሰያስ በይኑ ድላዩ፡ ምስ ባዕዳዊት ሃገር ኢትዮጵያን ዜጋኣ ኮተቴ ዉልቀ 1ይ/ሚ ኢትዮጵያን፡ ፍሉይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንሰተር ኤርትራን ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኮይኑ ሃገርና ይጥርራ ኣሎ

ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ

ሕልናዊ ስክፍታይ ኣብ ጎሮባብትና ሃገራት ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ድማ ጀሚሮሞ ኣለዉ ግርም።

ኣብ ሃገርና ምስ ኩሉ ስኽፍታይ ካብ 2001 ንፍትሓዊን ቁዋማዉን ለውጥን ብጂ15 ጀሚሩ ቀጺሉ 2013 ብወዲ ዓሊን ብጾቱን ስርሒት ፎርቶን፡ ቀጺሉ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀን፡ ውልቃውን ወርቃውን መጸዋዕታ ናይ፡- ቁዋም ይተግበር፡ ኡሱራት ይፈትሑ፡ ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ፡ ኢሎም። ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ብጾቶምን ስዓብቶም እውን፡ እምቢ ንዓመጽ፡ መሰልና ይከበር፡ ኢሎም። እዚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ማለተይ ኣይኮንኩን እንታይ ድአ ንኣብነት ዝኣክል እንበር። ሰለዚ ኣብ ኢትዮጰያ ለውጢ መጺኡ ኮተቴ ዉልቀ መላኺ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኡሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ሃገርና ድማ ንዉልቀ መላኺ ልጅ ኢሰያስ ከማልደልና ዝጸናጸኑ ገርህኛታት የሕዋት ዉሑዳት ኣይኮኑን። ግደ ሓቂ፡ “ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም ዝብሃል ኮተቴ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ልእላዊ መሬትናን ወደብናን እንተዘይኮይኑ፡ ነቶም ልእላዊ መሬትናን ወደብናን ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኣይንግዛእን ኢሎም ንወልቀ መላኺ ልጅ ኢሰያስ ስለዝበድሁ፡ እተሓየሩስ፡ ፍትሒ ይግብኦም ኢዩ ክብለልኩም ዲኹም ትጽበዩ ዘሎኹም? ኣይግድን!

ሰለዚ ሓድሸ ጠለብ ምስ ለውጢ ናይ ኢትዮጵያ ዝመጸ የሎን፤ እንታይ ድኣ እተን ናይ ህዝብና ሕቶ መሰል ጠለባት ንምትግባር ዝተበጀው ጂ15፡ ወዲ ዓሊ ስርሒት ፎርቶ፡ ዝነበረን ዘሎን ኢዩ።

• ኡስራት ይፈትሑ
• ቁዋም ይተግበር
• ህዝባዊ ምርጫ ይገበር
• ዶብና ይትሓንጸጽ
• ሃገራዊ ባይቶ ይትኣከብ…..ወዘተ.

እዚን ካልእን ዝርዝርን ንምትግባር ሓንቲ ጥምርትን መገዲ፡ ንውልቀ መላኺ ልጅ ኢሰያስ ምእላይ ጥራይ ኢያ እታ እንኮ ፍታሕ። ዉዓል ሕደር ዘይብላ መንገዲ፡ ዕርፍና ምጽናዕ ኢያ። ቅንያት ጽንብል ሓርነት ባጽዕ መበል 29 ዓመት፡ ካብ ዋናታቱ ቦኺሩ ብገዛእትና ዝነበሩ ደግሲ መግዛእቲ ኣንጸላሊዩዋ ኢዩ ተባዒሉ። ስለዚ ኣብዚ መበል 28 ብዓል ናጽነት ሃገርና እነብዕለሉ ዘሎና ዓመት፡ ዓመት ሓርነት ህዝብና ክንገብራ ይግባእ። ኣብ ሓድነት እተሞርኮሰ ቃልሲ እንተተኸቲልና፡ እወ ብርግጽ ከም እንዕወት ድማ ኣይጠራጠርን።

ፍትሓዊ ሓርነት ንውጹዕ ህዝብና!!
ካብ ዋዜማ ተሰፋ ሓርነት ሃገረይ
ሰሎሞን ዮውሃንስ
06/06/2019


Share with friends:



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: