ኣገዳሲ ሓበሬታ!

17/07/2018 04:26 AM

ኣገዳሲ ሓበሬታ

Important Public Notice

14 July 2018

Important Public Notice

ኣገዳሲ ሓበሬታ
Important Public Notice

ኣብ`ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናህሪ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ስቱር ርክባት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛቢ ጥራሕ ኮይንዎ ኣብ ዘለወሉ ህሞትን፡ ስርዓት ኢሳያስ ከም`ቲ ልሙድ ኣሰራርሕኡ፡ ሕጂ`ውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሰርሕ ሰላም ሃገሩ ኣዋሲኑ ኣብ ጸልማት ደፊኑ ንበይኑ፡ ዕድል ኤርትራ ክውስን ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ኩነታትን ኤርትራዊ ሓላፍነትና ወሲድና ክንብገስ መሪጽና።

ኣብ ሓምለ 14 201814 ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት- ካብ ኣወስትራልያ፡ ኤውሮጳ፡ ካናዳን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካን ዘሳተፈ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣፈናዊ ርክብ፡ ኣብ`ዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ዘትዩ።

1. ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ንድልየትን ባህግን ህዝብና ዘማለአ ድዩ?

2. ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ስምምዕ ኣብ ዘላቒ ሰላም ዝረዓመ ክኸውን ከማልኦ ዝግበኦ ረቛሒታት፣

3. ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ካብ ተጸባይነት ናብ ንጡፍ ተሳታፍነት ከመይ ይሰጋገር?

ቀንዲ ዕላማ`ዚ ናይ`ዚ ርክብ`ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ምልዕዓልን፡ ነቲ ውጽኢቱ ዛጊት ብሩህ ዘይኮነ፡ ግን ከኣ ኣሰካፊ ዝኾነ ኩነታት ምድላውን`ዩ። ኣብ ከም`ዚ ዝበለ ኣሻቓሊ ኩነት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነት ወሳኒ እዩ። ነዚ ተረድኦ`ዚ ናብ ተግባር ንምቕያር ናብ ስራሕ ምእታው እምበር ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ሪኢናን ኣብ`ዞም ዝስዕቡ እዋናውያን ጉዳያት ብሓደ ክንሰርሕ ተሰማሚዕና። ነዚ ሃገራዊ ስራሕ`ዚ ንውሱን ጊዜ እተወሃሃህድ ሸውዓተ ዝኣባላታ ጊዝያዊት ሽማግለ ኣቚምና።

1. ኣብ ውሽጢ ሓጺር መዓልታት፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካውን ሕጋውን መዳያት፡ ንልኡላውነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽን መወከሲ ዝኸውንን ጽሑፍ ከነዳሉ፣

2. ናብ ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵያ ዝወሃብ፡ ንመሰል ክብርን ኤርትራ ዝገልጽን፡-
- ነባርን ዘላቕን ሰላም ብቐዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ተጠቃሚ ምዃኑ፡
- ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ከይተራጋገጸ፡ ተግባራውነት ክህልዎ ከምዘይክእል ብንጹር ዘቐመጠ ጽሑፍ ብቁልጡፍ ምድላው፣

3. ንህዝብና ከነላዓዕል፡ ኣብ ጉዳዩ ተሳታፊ ክኸውን፡ ንዝጎድኦ ውሳኔታት ብዓውታ እምቢ ክብል፡ ንህዝባዊ ናዕቢ ክዳሎ ጽዑቕ ጎስጓስ ምክያድ፣

4. ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓባር ኣብ ሓበራዊ ስምምዕ ተመርኲሱ ክሰርሕ ኩሉ ጻዕሪታት ከካይድ፣

5. ሃገራዊ ብድሆታትና ክዕወቱ ሕቶ ብዙሕነት ብተግባር ምርግጋጽ፣

6. ድልየትን ርእይቶን ህዝብና ዝውህለሉን ዝትግበረሉን ኣገባብ ኣሰራርሓ ምፍጣር፣

7. ብሃገራዊ ደረጃ፡ ብሓባር ክንሰርሕን ዘድምዕ ውጽኢት ከነመዝግብን ዘኽእለና ኣገባብ ኣሰራርሓ ምስንዳእ፤

8. ንቕድሚት፡ ነዚ ህጹጽ ኩነታትን ኪንኡን ዝጠመተ፡ ቀጻሊ መጽናዕትን ወኸሳታትን ስራሓት ክሰላሰል።

ኣብ`ዚ ዕዮታት`ዚ ናይ ብዙሓት ሓይልታት፡ ክኢላታት/ሰብ ሞያ፡ ኣበርክቶ ናይ ኩሎም ኣፍቀርቲ ሃገሮም ዜጋታት ኤርትራ ዝሓትት ስለዝኾነ፡ ብንያትን ፍናንን ክሳተፍዎ ንጽውዕ። እዚ ኣብ ሓምለ 14 2018 ዝፈለመ ርክብ እናግፍሐ፡ እናደልደለን ዝያዳ ንተቓለስቲ ኤርትራውያን እናሓቖፈን፡ ቀጻልነቱ ከረጋገጽን፡ ብሓባር ክሰርሕን ነማሕጽን።

ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና!

ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይኣቱን!!

ኢመይል፡- Unitedwestandin2018@gmail.com


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ - OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS (ብ G-15 ዕለት 24 March 2001)



Share with friends: