ዝክሪ እቶም ክልተ ስውኣት የዕሩኽተይ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/06/2019 21:35 PM

ዝኽሪ እቶም ክልተ
ስውኣት የዕሩኽተይ

ብ ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ

ዝክሪ እቶም ክልተ ስውኣት የዕሩኽተይ

ዝኽሪ እቶም ክልተ ስውኣት የዕሩኽተይ
ጽሑፍ ብ ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብምኽንያት 20 ሰነ ማዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኢዩ። እቶም ቅድሚ ናጽነት ዝተሰውኡ ውፉያት፡ ሃገር ኣረኪቦሙና ሓሊፎም። ግና፡ ብድሕሪ ናጽነት ብሰበብ ዶብ ኣምሲሎም፡ ንምጽናትና ዝተፈረድና ሙዃኑ ምስ ተሰወጠካ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ፍጻሜታት፡ ማዓንጣ ከብድካ ዝቐርጽ ይቕረ ዘይባሃሎ በደል ኢዩ ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ዘመንና መንእሰይ ተፈጺሙ። ብርግጽ ኣብ ሂር ዘለ ዘዓመረ ጓይላ ናጽነት ተጸሚድና፡ ንተጋዳላይን መሪሕነቱን ከም መልኣኽቲ ተቐቢልና ንዝሓለፍዎ ከርተት ገድሊ ኣድናቆትና እንዳገለጽና፡ ንመስዋእቲ ከም መርዓ፡ ንስንክልና ከም ስልማት፡ ንዘይኑቡር ከም ቑቡል ዝወሰደ ወዲ ኣዳም ቅያ ናይ ዘመንና ተሰሪሑ ኢልና ብዓይንና ሪኢና ኣድኒቕናሎም፡ ብኣፍና መስኪርናሎም። ነዚ ኩቡር መተካእታ ዘይብላ ህያብ ዝሃበ ተጋዳላይ፡ ዓቢ ክብሪን ኣድናቖትን፡ ዝዓበየ ማዕረግን ይግበኦ።

ስለዝኾነ ድማ ከይተዳሃዩና ኣቤት፡ ብዘይ ሕቶ ክንእዘዞም፡ ክንላኣኾም ምስ ነብስና ቃል ኣቲና። ክመርሑና፡ ኣፍደገ ልብና ብሙሉእ እምነት ሂብናዮም ምስ ሕልናና ተሰማሚዕና። ዝሓተትዎ ብዘይ ብቂ ክንህብ ተዳሊና፡ ኣብ ልብና ገዚፍ ቦታ ሓዚእናሎም። ንሶም ክዕርፉ ንሕና ግደና ክንጽዕር ሃገርና ከነሕውይ ኪዳን ኣቲና "ኣብ ኣጻብዕ ኢድና ቀለቤት ቃልኪዳን ኣሲርና" ለባማት ኣለይቲ፡ መራሕቲ፡ ኣማእዘንቲ ሓያል ብዱሆ ለውጢ እዮም ኢልና ኣሚንና፡፡

መርዓ ሃገር ኣብ መንጎ መንእሰያትን ተጋደልትን ተፈሪሙ። መንእሰያት ከይተጸዋዕና ኣቤት፡ እንተተኣዘዝና ሕራይ፡ ብዘይሕቶ ኾይኑ ቃል ኪዳንና። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ነቲ ተራ ተጋዳላይ እዚ ኪዳን ግቡእ እዩ ኔሩ። ነቲ ጠላም ኢሰያስ ምስ ውሑዳት ጉጁልኡ ግን፡ ዋሕስ የግብእ ኢልና ክንሕዞ ይግባኣና ኔሩ።

መንገዲ ኢሰያስ ግን ቃል-ጥፍኣት ምዃኑ ከየስተብሃልናሉ ዘገም ኢሉ መንገዲ ጥፍኣት ሰሪሑልና። ኣብ ሃገርን ሃገራውነትን ተሓቢኡ፡ ንገለ ዘይንቑሓት፡ ቅትለትን ማእሰርትን ኣላሚዱና። ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልጉሎት፡ ሳዋ ኣስፊሩና፡ ንገዛ ዝተመለሰ ተሃድሶ-ታዕሊም ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቑጹጹሩ ኣእትዩና። ልምዓት ተጎልቢቡ፡ ንባርነት ፈሪዱና። ንሱ ብተንኮሉ፡ ንሕና ብግርህናና፡ ነዊሕ መንገዲ ክንጓዓዝ ተገዲድና። ቢሒም ዘዝበለ እንዳቐተለ፡ መንእሰይ ባህሪሩ ንስደት ሃጽ ከምዝብልን ንዝተረፈ ከኣ ከም ዝጃጅውን ገይሩዎ። እቲ እንኮ መጋጥምቱ፡ ሓይሊ ወያኔ፡ ብናዕቢ ኦሮሞ ምስ ተኣልየ፡ ጉዳይና ጉዳይ ዶብ ከምዘይኮነ ድማ ሓቅን ጥልመትን ገጽ-ንገጽ ተጋጢመን። ከምቲ ኣቦና ኣቦይ ወልደኣብ ዝበሉዎ "እዛ ሃገር ኣምላኽ ዘውዱ ደፊኡላ እዩ እሞ፡ ዝትንክፋ ወይሉኡ” ዝበልዎ፡ እነሆ ናይ 50 ዓመት ምትላሉ ኣብቂዑ፡ ተፈዲሑ ኣብ ጻሕ ዘለ ሓቂ ተፋጢጥና "ይኣክል!" ይብል ኣሎ ውጹዕ ህዝበይ። ኣንታ እዛ ሃገር ፈጣሪ እባ ኢዱ ኣንቢሩላ እዩ ዘብል እዩ።

ብሰበብ ጉልባብ ዶብ ልዕሊ 20,000 ትንፋስ መንእሰያት ዘጽነተ ኩናት ጉጅለ ህግደፍ፡ ጽባሕ ከም ሩዋንዳ ዜጋታቱ ብምጽናት ተኸሲሱ ገበነኛ ተባሂሉ፡ ፊት ንፊት ኣብ ዳንነት የብጻሓና ግዲ ይኸውን ፈጣሪ!

ናብ ሎሚ ዝክርታተይ ክመልሰኩም፡ ናይ ሎሚ ጹሑፈይ ክልተ መማህርተይ አዕሩኽተይ እየ ክዝክር፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለተ ሰነ፡ ተወልደ ዓንደማርያም (ኣብ 1996 ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዲግሪ ዝረኸበ)፡ ክብሮም ተኪኤ (ኣብ 1996 ብምምሕዳር ዝተመረቐ) ኩቡር ዋጋ መስዋእቲ ስለ እዛ ሃገር ጻሕ ኢሎም ዝወደቑ ብጾተይ፡ ከመይ ኢለ እሞ ክርስዓኩም።

ተወልደ፡ ፍረ ናይቶም "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፡ ኣሓብትካ ኣበይ ኣላ" ዝብል ሃዋርያዊ መልእኽቲ በብኡዋኑ ዝሰዱልና ዘለው ኣባታት ካቴሊካዊት ቤተክርስትያን እዩ። ሙቑሉል ስነ ምግባር፡ ዝተዓደለ መንእሰይ እዩ ኔሩ። ቀዳመይቲ ጥበብ "ፍርሃት እግዛብሔር እያ" ትብል ሓረግ ቃል ኣምላኽ ይሰብከሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብነታዊ መእሰይ እዩ ኔሩ። ዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ዝምህር ኣካይዱኡ ኣዘራርብኡ ሁዳእ፡ ልሳኑ/ድምጹ እውን ዓውታ ዘየዘውትር፡ ኩሉ ጊዜ ፍሽክታ ዝዓሰሎ መንእሰይ እዩ ኔሩ።

ስድራቤቱ እውን ንሓቅን፡ ፍትሕን ጠጠው ዝብሉ ተባዓት ስድራ እዮም። ሓደ ካብ ኣሕዋቱ፡ ተባዕ ምምህርይ ዶ/ር ክፍለእየሱስ ዓንደማርያም እዩ። እዚ መምህር እዚ ኣብ ጉዑዞ ሂወተይ ካብቶም ዘይርሰዖ፡ ዕውት እየ እንተይለ ስሙ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ኣይክእልን፡ ብፍላይ Managment Information System ክምህረኒ እንከሎ፡ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሲንጋፖር (Singapore) ክንገብራ ኢና ዝብል ባህጊ ዝነበሮ ኢዩ። ሕልሚ፡ ጹቡቕ እዩ ግን መንግስቲ ራእዩ ምስ ዓቕሙን፡ ክእለት ምሕደራኡን፡ ከምኡ እውን ክሕገዝ ፍቓደኛ ዘይኮነ መንግስቲ፡ ብሓፈሻ መንግስቲ ከብሎ ዝኽእል ጉዑዞ ዘይጀመረን፡ ብስሚዒት ጥራይ ኩናት ክትመርሕ ኣይካኣልን እዩ። ብስሚዒት ብቕዓትን ፍልጠት ዘይብሉ ግን፡ ሓደገኛ እዩ፡ ኢዩ ዝብል። ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ኩሉ ጊዜ ዝጠቕሶ ዛዕባ እዩ ኔሩ። ተማሃሮ ድማ እንተስ ብስምዒት እንተስ ብጉድለት ፍልጠት፡ ውዑይ ክትዓት ኣብ ክፍሊ ብቀጻሊ እዩ ኔሩ።

ርዲኢትና ንምስፋሕ ብጉጅለ ኮይና ንእሽቶ መጽናዕታዊ ምርምር (Research project) ክንገብር ዕዮ ገዛ ሃበና። ኣብ ትካላት መንግስቲ ኬድና ሓበሬታ ክንእክብ ጸብጻብ ድማ ከነቕርብ ተላኣኽና። እቲ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ እውን ናብ ኩለን ናይ መንግስቲ ኣካላት ተማቓቂልና ኣካይድናዮ፡ ዳርጋ ኩሉ ውጺኢት መጽናዕቲ ድማ ምስ ምሁሮ ዶ/ር ክፍለየሱስ ዝሰማማዕ ኾይኑ ረኺብናዮ።

ቀጺሉ እውን ጸጋታት ፍልጠት፡ ዜጋታት ብግቡእ ክብርበር፡ ዜጋ ብምግዳሉ ዘይኮነ፡ ብፍልጠቱ/ ዓቕሙ ተወዳዲሩ ኣብ ስራሕ ክወፍር ከምዘለዎ ዝመክር ጽሑፍ "the right person in the right place" ዝብል ኣብ ብእንግሊዘኛ ዝሕተም ዝነበረ ጋዜጣ መንግስቲ ብምሕታሙ፡ ካብቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ንክስጎግ ሓደ ጠንቂ ኢዩ ኔሩ።

እቲ ዘገረመኒ ስግንጢር ስራሕ ድማ፡ ብመምህር ዶ/ር ክፍለየሱስ ዝሓለፉ ተማሃሮ፡ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ክድግፉ ክትሰምዕ እንከለኻ ኢዩ። ይገርመካን የሕዝነካን ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኣንቱም ሰባት ስለ ክቱር ባህጊ ስልጣን ወይ ገንዘብ ኢልኩም ሓቂ እንዳፈለጥኩም ዓይንኹም ኣይትዓምትዎ፡ ንሓቂ ደው በሉ፡ እብሎም። እዚ እዋን፡ እዋን ፍለ ፍለ ስለዝኾነ፡ ብስምኩም ክንጽዋዓኩም ክንግደድ ኢና መስለኒ!

ናይ ሎሚ ዛዕባይ ግን፡ ዝኽርታተይ ብዛዕባ ስውኣት ተወልደን ክብሮምን ስለዝኾነ፡ ናብኡ ክመልሰኩም፡-

ሌላና ምስ ተወልደ ብመንገዲ ሓደ ቤተሰቡ እዩ ኔሩ። ኣብ ናይ መጽናዕቲ ዕረፍትና ወትሩ ብሓደ ሻሂ ንሰቲ ነበርና። ኣነ 2ይ ዓመት፡ እዚ ቤተሰብ ተወልደ ድማ ቅድመይ ናይ 3ይ ዓመት ተማሃራይ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሕ ዓውደ-መጽናዕቲ (course) ግን ብሓደ ኢና ነጽንዕ ዝነበርና ።

ምክንያቱ ዘይንፈልጦ ግን፡ እዚ ሰብ፡ ብሓደ መምህር ክልተ ዓመት ኣከታቲሉ ኣይሓለፈን። ኣብዛ ካልኣይ ጊዜ ግን ኩልና እቶም ብጾቱ "እዚ ካብ ህልኽን ተንኮልን ዝተበገሰ እዩ ኢልና" ናብ ምምሕዳር ክሲ ክምስርት መኸርናዮ፡ ደፋፊእናዮ'ውን። ኣብ ሞንጎ ሕርቃንናን ህልኽናን ተሰኒና ነናትና ሪእይቶን ትንታነን እንዳሃብና እንከለና፡ ስቕ ኢሉ ክሰምዕ ዝጸንሐ ተወልደ፡ ህድእ ክንብል መኸረና።

ከምዚ ዝስዕብ ስነ-ሞገት ኣቕረበልና ፡ እዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ፡ ንሓወይ ከም እምነተይ መጸበቒኡ ደኣ እምበር ኣይክሓስሞን እዩ፡ ምክንያቱ፡-

1) ስለምንታይ መምህር ንኸስስ፡ ምናልባት ዘይጨበጦ ኣምር ናይቲ ዓውዲ ትምህርቲ ስሒትዎ ክኸውን ይኽእል። እንተደገሞ እውን ዝያዳ ነቲ ፍልጠቱ የሀብትሞን የብልሖን እምበር ኣየስንፎን እዩ።

2) መን ይፈልጥ እዚ ውድቀት ዝመስል ሎሚ ጽባሕ ስልማት ኮይኑ፡ ካብ ደበና ድኻም ሓንጎል ቦሎኽ ኢሉ፡ ከም ንስሪ የዕንቲ ልቡ ይኸፍተሉ ይኸውን፡ በለና እሞ። ሻቡ ንሕና ኣይተቐበልባዮን። ልቢ ጎብዝ ኣብ ደረቱ ኮይኑና።

ከምዚ እልና ደማ ሞጎተና ቀጸልና፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ኣብ ቤተክርስትያን ጥራይ ዝስበኽ ቃላት እዩ። ኣይትዓንቅፈና፡ ሓቂ ኣሎና፡ ሞጊትና ክንረትዕ፡ ከሲስና ከነድምዕ፡ ፍትሒ ከነንግስ ንኽእል ኢና በልናዮ።

ቀጺሉ ተወልደ ግና ሕራይ ቀጽሉ ገንዘብ ክትከስሩ ኢኹም፡ ውሳኔ መምህር ማለት ልክዕ ከም ዳኛ ናይ ኩዑሶ እዩ፡ ሓንሳእ ዝተወሰነ ዘይቅየር ፍርዲ ምዃኑ ስለምንታይ ትዝንግዕዎ በለና።

ኣይደንጎየን፡

እቲ ዓርክና እውን ተረጋጊኡ ተቐበሎ፡ የዕሩኽቱ ግና ኣይተሓጎስናን።

ተመረቕቲ ድሕሪ ሰሙን ንሳዋ ከድና፡ እዚ ዓርክና ግን ስራሕ ረኺቡ ክሳብ ተዓሊምና ንምለስ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ልምዲ ስራሕ ኣጥርዩ፡ ኩልና ዝተወዳደርናሉ ምልክታ፡ ሓላፊ ፋይናንስን ምምሕዳርን፡ ኮይኑ ተሓርዩ ፡ ዝበለጸ ደሞዝን ሓላፍነትን ልዕሊ ኩሉ ኾይኑ፡ መኪና ናቱ ተመዲቡሉ ክሰርሕ ጀመረ።

ድሕሪኡ ኣነ ንተወልደ ረኸብኩዎ እሞ፡ ኣንታ ተወልደ ይራኣየካ ድዩ ኔሩ ኢለ ሓተትክዎ፡ ተወልደ ግን፡ ኣይኮነን በለኒ። እንታይ ደኣ ? በልክዎ። ኣነስ ንሓወይ ከጸናንዖ ፡ ህልኽ ከይለማመዶ እሞ ኣመል ኮይኑ ንቐጻሊ ሂወቱ ከይሃስዮ ኢለ እምበር ልክዕ ከምኡ ክረክብ ይኽእል ኢለ ኣይሓሰብኩን።

ሕጂ ኣብዚ ኮይነ ክሓስቦ እንከለኹ ተወልደ ንህልኽ ከይለማመዶ ሚሂሩኒ ኔሩ፡ ግን ድማ ብኣንጻሩ ህልኽ ተለማሚደ ንክንደይ ሰብ ኮን ሃስየ ይኸውን ክብል ነብሰይ ክወቅስ ተቐሰብኩ።

ተወልደ፡ ብቅንዕና፡ ሃገረይ ኣየድፍርን! ሕድሪ ኣሎኒ ሕድሪ ስውእ! ኢሉ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2000 ዓም. ኣብ ከባቢ ተሰነይ ኣብ ዝነበረ ውግእ፡ ብጅግነንት ጻሕ! ኢሉ ስለ ኽብረተይ ሓሊፉለይ።

ናብ ክብሮም ክመልሰኩም፡ ምስ ክብሮም ኣብ መጽናዕቲ ኣምሲና ኩሉ ጊዜ ኣነ ንገዛይ እሱ ድማ ንኣኽርያ፡ ጉጅም እንዳበልና ብሓደ እዩ ኔሩ ጉዕዞና።

ክብሮም እውን ሱቅ ባሃላይ ግን ኣብ መንጎ ተረካብ ዋዛ ዘይፍለዮ፡ ስፓርተኛ፡ ሰውነት ኣብ ምህናጽ፡ ብፍላይ ምልዓል ሓጺን ዘዘውትር ሰብ እዩ ኔሩ፡ ስለዝኾነ ድማ ሰውነቱ ሙሉእ ጽቡቕ ቅርጺ ኔሩዎ።

ቀዳማይ ጸላኢኡ "ድኽነት" እዩ ዝብል ተሪር እምነት ኔርዎ። ሃገር ክትዓቢ ውልቀሰባት መጀመርያ ክዓብዩ ኣለዎም ዝብል፡ ከም መትከል ይኣምነሉ። ዳግመ ህንጻ፡ ካብ ላዕሊ ብመንግስቲ ዝማሓደር ዘይኮነ፡ ስራሕ መንግስቲ፡ ፓሊሲ ኣጽፊፉ ዜጋታት ምትብባዕ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ይብል። ወልቀሰባት ወይ ቤተሰብ ክሓልፈሎም ኣለዎ ዝብል እምነት ነይሩዎ።

ሃገራዊ ኣገልጉሎት ካብቲ ዘይቅበሎ፡ ጉጉይ ፓሊሲ መንግስቲ እዩ፡ ይብል ኔሩ። ናጽነት ሃገር ረኺብና እንዳሃለና፡ ንምንታይ ተወሳኺ ወታሃደር ኣድለየ ዝብል ትንታነ ኔርዎ። ኣብ ብጥሜት ዝተሓልበ፡ ገና ዘይጸገበ ተጋዳላይ እንዳሃለወ፡ ተወሳኺ ለማኒ ምውሳኽ እንታይ ኣምጸኦ? ዝብል ኣዝዩ ዝማጎተሉ ዋጋ ዘኽፈሎ ሰረተ-እምነቱ እዩ ኔሩ።

ኣብቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣምር ሽርክነት ድማ ፉሉይ ስነሞጎት ኔርዎ፡ ኣብ ገጠር ካብ ሓሙሽተ ስድራቤት፡ ኣብ ከተማ ግን ካብ ሰለስተ ዘይበዝሕ ሽርክነት ክግበር ይካኣል፡ ካብዚ ሓሊፉ ግን 1000 ሰብ ብሓባር ምስራሕ ማለት፡ ሃብቲ ምብኻን፡ ኣድማዒ ድማ ኣይኮነን እዩ ዝብል ኔሩ።

ተጋደልቲ ክጣየሱ ኣለዎም ካብቲ ደጋጊሙ ዝዛረበሉ ጉዳይ እዩ። ተጋዳላይ ድማ ቅድሚ ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባሩ ግቡእ ተሓድሶ ሓንጎል የድልዮም እዩ ብፍላይ ስልጠና ግብረ-ገብነት (social integration courses) ዝብል እምነቱ እዩ ኔሩ።

ካልእ ዝደጋግመለይ ዝነበረ ድኽነት ክትስዕር እንተዄንካ፡ ናይ መንግስቲ ስራሕ ክትሰርሕ የብልካን ይብል። ግን ናይ መንግስቲ ስራሕ ውሕስነት እቶት ስለዝህበካ፡ ካብ ሰንሰለታዊ ድኽነት ወለዶታት ክትወጽእ ይሕግዘካ ይኽእል ይኸውን። ነቶም ጉዱዓት ስድራቤት ብዘይስክፍታ ክትዕንግሎም፡ ትኽእል ትኸውን። ኪንዮ’ዚ ሓሊፉ፡ ንደቅኻ፡ ኣብ ከባቢ ሃብትን ርእሰ ተኣማንነትን፡ ጽግዕተኛ ዘይምዃን፡ ወትሩ ክሓስቡ ክትገብሮም ክትክእል ኣለካ ይብል ነበረ።

5ይ ዙር ክንዕለም ሳዋ ምስ ወረድና፡ ታዕሊም ተወዲኡ ገለ ብርክት ዝበልና ተማሃሮ ዪኒቨርስቲ ፡ ብሕማም ምክንያት ጉዑዞ እግሪ ኣይተጓዓዝናን።

ግን ሕሙማት ክንስና ናይ ብሙሉኡ ሳዋ ኣዳራሽ መደቀሲ ተዓለምቲ ብዓጌፋ/ብዕንጨይቲ እዩ ተሰሩሑ ኔሩ። ነዞም ሕሙማት ተባሂልና ሓኪም ዝፈቐደልና ድማ ከነፍርሶ ተኣዚዝና፡ ክብሮም ብትብዓት ንቅድሚት መጸ እሞ፡ ሕሙማት ኢና ኣይንሰርሕን፡ በለ፡ ኩልና ኣዕዘምዘምና፡ እታ ለይቲ ኩሉና ሰለስተ ጋንታ ንኸውን፡ ጥራይ ነብስና ኣውጺኦም፡ ኦቶ (ኣእዳውና ንድሕሪት ቐፊዶም) ኣሰሩና። ንክብሮም ድማ ጎቦ ሳዋ ማዓልታዊ ሰፍ ዘይብል ዕንጨይቲ ተሰኪሙ ክውጽእ ተፈረደ። ካልእ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ መቕጻዕቲ ክርሰዖ ኣይክእልን እየ።

ሓደ እዋን እውን ይዝከረኒ ናይ ሓደ ሓላፊ ኣጉዶ ንሰርሕ ነበርና እሞ፡ ኣነን ንሱን ደኺምና ኮፍ በልና። ወዮ ኣዛዚ ድማ ስለምንታይ ኮፍ ኢልኩም? ኢሉ ሓተተ። ኣነ ድማ ብፍርሂ ዝተሓወሶ መልሲ፡ ደኺምና፡ በልኩ። በሉ ሃየ ናብ ስራሕ ተመለሱ፡ ንክብሮም ብጮጉራፍ ዝባኑ እንዳቐጥቀጦ “ኣየ!! ሃገርሲ ያኢ በዚኦም ክትህነጽ!” በለ። ክብሮም ብድፍረት ምልስ ኢሉ፡ ኣጉዶ ኣዛዚ ብምስራሕ ድዩ ሃገር ዝህነጽ? ኣብ ነድማዓሉ ቦታን ስራሕን እንተትምድቡና፡ ንዓኹም ኣይመሕዘነኩም፡ ንዓና ናይ ስራሕ ዕጋበት፡ ንሃገር ድማ ዝጠቅም ስራሕ መበርከትና፡ በለ ብድፍረት። ብድሕሪኡ ዝወረዶ መቕጻዕቲ ክዝርዝሮ ዘድልይ ኣይመስለንን፡ ኩልና ሳዋ ዝሓለፍናዮ ወይ ንሰምዖ ዘለናን ንፈልጦን ጉዳይ ስለዝኾነ።

ድሕሪ ናይ ሳዋ ታዕሊም፡ ክብሮም ኣብ 09-ንግዳዊ ትካል ዓሰብ እዩ ስራሕ ተቖጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረ። ኣብ 1999 ድማ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 44 ተመዲቡ ንሃገሩ ካብ ወራር ክከላኸል ወፈረ፡ ኣብ ኲናት ተሰነይ ዝነበረ ውዕሎ ኣብ ወርሒ ሰነ 2000 ዓም. ምስ ተወልደ፡ ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ተሰውኡ።

ነዚ ዝሓለፈ መንእሰይ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ክብረት ስደትና ቐጺሉ፡ ስቓይና እህህታና በዚሑ፡ ከትሪ መሪሩና፡ ተወልደን ክብሮምን ጎይዮም ከይጸገቡ፡ ወለዶም ከይሳዓሙ፡ ሓዘን ንስድራ ቤቶም፡ ዓቢ ክሳራ ንሃገሮም፡ ገንሸል ሓርነት ኮይኖም፡ ንዘልኣለም ተፈልዮምና በጃና ስለ ቅሳነትናን ክብርናን ሓሊፎም፡፡

ብዝተማህሩሉ ፍልጠት ንሃገሮም ኣብ ክንዲ ዝሃንጹ፡ መምሃራን ኮይኖም ፍልጠት ኣብ ክንዲ ዘስንቑ፡ መራሕቲ ኮይኖም ኣብ ክንዲ መንገድና ዝቕይሱ፡ ኩሉ ገዲፎም ተፈልዮሙና።

እዞም ክለተ የዕሩኽተይ፡ ልዕሊ ሩሖም፡ ኤርትራ ትዓቢ ኢሎም፡ ተራ ሞት ዘይኮነ ክቡር መስዋእቲ፡ ገንሸል ሰብኣዊ ሓርነት ኮይኖም፡ ኣብዛ ዕለት ቐሲኖም ደቂሶም ኣለው። ጉዑዞም ግን ገና ኣይተወደኤን፡ ንሕና ግን ኣብ መፈጸምታኡ ከነብጽሖ ሓላፍነት ኣሎና።

እንተ ኣነ ስደት ኣንዊሐ፡ ሕድርኹም ጠሊመ፡ እንተስ ንነብሰይ ፈትየ፡ ስቓይ ህዝበይ ኣብዚሐዮ። ኣይግድን ኣግዲዐኩም ብጾተይ።

ሃገረይ ክትሕረጅ ኣብ ጨረታ ምስ ቀረበት ግን "ይኣክል ምልኪ!” እብል ኣለኹ፡ ተበራቢረ ካብ ድቃሰይ። ሕጂ እሞ፡ ንዓኹም ኣጥፊአ ከመይ ኢሉ ጎነይ ክድቅስ? ክጎዪ እየ ክልህልህ ብዘለኒ ዓቕሚ። ምስ ጊዜን ሓያላት ዓመጽቲን ክቀዳደም።

ስለዚ መልእኽቲ ተወልደን ክብሮምን፡ ካብ ዘለዎ ጉድጓድ ኮይኑ ሰማይ ዓሪጉ፡ ናብ ፈጣሪ ከብጻሓልና እዩ። እዞም መዛኖይ "ህልኽ፡ ቂም፡ ጭካነ፡ ዓመጽ፡ ምፍልላይ ብወገን ሃይማኖት" ከይንለማመዶ ንዓይ ሚሂሮሙኒ እዮም እሞ፡ ኣነ ድማ ነዛ ዕዳ ነዊሕ ተሰኪመያ ከይርስዓ ሕልናይ ይኹሕኳሓኒ እዩ ዘሎ። ድቃስ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ መልእኽቲ እዞም ሙሁራት ሰብ ዲግሪ ማዕረግ መማህረተይ መዛኖይ፡ መልእኽቲ ናይ ኩሎም ጀጋኑ መልእኽቲ እያ፡ መልእኽቲ ኩለን ዋዕሮታት ስውኣት እያ እሞ፡ ንዓይ ኸቢዱኒ ጾረይ ናባኹም የብሎ ኣለኹ እሞ፡ ሃየ!!! ሕድሪ ኣይንጥለም ሓደራኹም!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ፍትሒ ይንገስ! ምልኪ ይፍረስ!

ብ ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ
ካብ ሃገረ ካናዳ
ዕለት 13 ሰነ 2019


Share with friends:


See also recent articles by Dr. Mogos Yacob
ካልኦት ብ'ዶ/ር ሞጎስ ያቆብ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: