ከመይ ንግለጾ፡ ነዚ ጊዜ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

21/02/2020 23:26 PM

ከመይ ንግለጾ፡ ነዚ ጊዜ?
How do we describe
these times?

ግጥሚ - ብ`ተሸመ ወልደሚካኤል
Poem by Mr. Tesheme Woldemichael

ከመይ ንግለጾ፡ ነዚ ጊዜ?

ከመይ ንግለጾ ፡ ነዚ ጊዜ?

ከመይ ንግለጾ ፡ ነዚ ጊዜ፡
ይወግሕ ይዓርብ፡ ቀልጢፉ ከይመሰየ፡
ሰብ ብጉሁ’ዩ፡ ዓቕሊ ከይነከየ፡
ዘረባ ዝበዝሖ፡ ፍረ ከየርኣየ።

ኣነ’ዶ ንስኻ፡ መንዩ ዝበልካ?
ትንተና ትህበሉ፡ ናትካ ኣወጊንካ፡
ሓሳባት ሰብ ትመዝን፡ ፈጣሪ ወኪልካ፡
ናትካስ በይኑ’ዩ፡ ከይሓዝካ ዝወነንካ።

ጊዜ ድዩ፡ ነዚ ኩሉ ገባሪ፡
ዋላስ ተላኢኹልና’ዩ፡ ብልኡል ፈጣሪ፡
ተበግሶ ትጉሃት፡ ዝቐትል ነውሪ፡
ሸለል ዘይበሃል፡ ዘይሕለፍ ብሃውሪ፡
ወስታ ንሃበሉ፡ ስምዕታ መሃሪ።

ጠንቁ ንምፍላጥ፡ ንፈትሽ ንመርምር፡
ንሕጽረት ተመኩሮ፡ ብዓቕሊ ንምሃር፡
ዝፈልጡ ዝመስሎም፡ ከይህልዉ ምንጋር፡
እሂን ምሂን ይሃሉ፡ ባህልና ነኽብር።

ሕጽረትና ነለሊ፡ ብኹሊ ሸነኻት፡
ብዕድመ ብባህሊ፡ ፍልልይ ዘበናት፡
ጋግ ይፈጥር’ዩ፡ ኣብ ምስሊ ነገራት፡
ብዓቕሊ ንርኣዮ፡ ዘለና ጸገማት።

ኣይነዝሕል ናህርና፡ ክርህዎ ህዝብና፡
ዕንቅፋታት ንስገሮም፡ መድሚድና ኣጽሪና፡
ዒብ ንወንዘፍ፡ ክንሃርም ዕላማና፡
ብሓድሕድ ምጥምማት፡ ኣይንሓግዝ ጸላኢና።

ይኣክል ፍልልይ፡ ንስራሕ ብውህደት፡
ይኣክል ጽበት፡ ንርዓም ሓሳባት፡
ይኣክል ጓል መንገዲ፡ ዝፈጥር ዕንቅፋት፡
ይኣክል ዕላማና’ዩ፡ ንምንጋስ ሓርነት።

********

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና።
ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና።
ክንዕወት ኢና።

*********

ተሸመ ወልደሚካኤል
ስያትል፡ ሕ/መ/ኣመሪካ
ለካቲት 20, 2020


Share with friends:


Songs for Justice ዜማታትን ቅኒታትን ደለይቲ ፍትሒ

ዝሓለፉ ጽሑፋት ብ`ተሸመ ወልደሚካኤል፡

ዝሓለፉ ጽሑፋት ብ`ተሸመ ወልደሚካኤል፡ ኣብዚ ጠውቑ፡-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: