ፍቅርቲ ሓብተይ ኪኪ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/09/2018 18:49 PM

ፍቅርቲ ሓብተይ ኪኪ፡

ብ'ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ

ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ

ፍቅርቲ ሓብተይ ኪኪ፡
ብ'ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ September 17, 2018

ፍቅርቲ ሓብተይ ኪኪ፡

ናይ መበል 40 ዓመታት ዝኽሪ ናይ ስውእ በዓል ቃል ኪዳንኪ፡ ኣቦ ደቅኺ ብርሃነ ተስፋማርያም ዝጽሓፍክያ ጽሕፍትኺ ካብ ዘንብባ ሓያሎይ ኮይኑ፡ ግን እንተብዚ እንተበቲ ክስብ እዛ ሰዓት እዚኣ “ኣጆኺ ከመዮ ዝበልክዮ ብርሃነ ወትሮ ህያው እዩ፡ ንዓኺ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኩላቶም ስውኣት ሓርበኛታትና - ሓርበኛታት ኤርትራ” ክብለኪ ኣይከኣልኩን።

ኪኪየ፡ እቲ ዝበልክዮ ኩሉ ተንኪፉኒ፡ ኩነታት ዓድና ኣብቲ ብርሃነ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ግዝያት ዘኪረ ከም ትማሊ ኮይኑ ተራእዩኒ፡ ተሓዲሱኒ። እወ፡ ናትኪ ናይ ትፈትዉዮ ፍቅርኺ፡ ሓዳርኪ፡ ኣቦ ደቅኺ፡ ናይ ገድልና መጀመርታ መምህርኪ ስቃይ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ 1978 ተመሊሰ ዘኪረ፡ ኣብቲ ርእሲ ጠቅላላ ግፍዒ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ናይተን ብዙሓት ከምዚ ኸማኺ፡ ቃል ኪዳነን ብጸላኢ ተኣሲሮም ተቀጥቂጦም፡ ለሚሶም ተሲዊኦም ንሳተን ዝጸመወን፡ ደቀን ዝዘኽተሙ ዘኪረ። ከምቲ ሽዑ ብተስፋ ክሓልፍ’ዩ ፍስሓ ወሰላም ክኸውን’ዩ ንብሎ ዝነበረና ሕጂ እዚእ ክጽሕፍ ከለኹ ከምኡ ጥራይ ክሓስብ መሪጸ። እቲ ዝበልክዮ ኩሉ ምደገምክዎ ብዝያዳ ከስተማቅሮ፡ ግን ከይበዝሕ ሓደ ሓደ ጥራይ ክጠቅስ። እንታይ ኢኺ’ሞ ዝበልኪ።

“ኣብ ንእስነተይ ብፍቕሪ፡ ኣብ ሕቕፎኻ ማሚቘ ክነብር ብሂገ፡ ሓሪኻኒ ሓርየካ - ተመርዕየካ ። ግን ከም ዝተመነኹዎ ኣይኮነለይን። ካብ ደቅኻን ሓዳርካን፡ ንህዝብኻ ኣቐዲምካ፡ ካብ ፍቕርን ንእስነትን፡ ንሃገራዊ ዕማም ሓሪኻ፡ ንሓደ ፍቱዉ፡ ብሩኽ፡ ቅኑዕን ለጋስን ሰብ ከኣ፡ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን ዝሃርፎን ዝብህጎን፡ ፈጣሪ እውን ይመርጾ እዩ፡ ተመሪጽካ” ዲኺ ዝበልኪ። ሓቅኺ ብዙሕ ጊዜ ከምዚ የጋጥም’ዩ። እቲ ሕያዋይ፡ ለጋስ፡ በጃ ኻልእ ዝሓልፊ እግዚኣቢሄር ድማ ይሓርዮ። እዛ ዓለም እዚኣ ክንነብረላ እምበር፡ ክንርድኣ ኣይተፈጠርናን ዝባሃል ቢህልሲ ለካ ሓቂ እዩ ኢለ እኣምን። ካልእከ፡ ሓዳርኪ ሓርበኛ ስውእ ተቃላሳይ ብርሃነ እንታ ‘ሞ ኢሉኪ፡

“ኣብ ገዛና፡ “ጀብሃን ሻዕቢያን ከይበልና ንሃገራዊ ዕላማን ናጽነትን ብሓባር ንስራሕ፡ ንሕና ኣብ ኣፍንጫ ጸላኢ ኮይንና ጀብሃ ሻዕቢያ ክንብል ኣይንደልን ኢና። መራሕቲ እውን ኣብ በረኻ ነዚ ስምዒት እዚ ይኣርምዎ። ጸላኢና ጀብሃን ሻዕቢያን ኢሉ ኣይፈላልን እዩ፤ ኩላትና ኢና ጸላእቱ። ህዝብና ከም የማናይን ጸጋማይን ዓይኑ እዩ ዝርእየና። ስለዚ ንምንታይ ኢና ፍልልያትና ኣወንዚፍና ሓቢርና ዘይንሰርሕ”። ሓቁ’ዚ ሓወይ ካብ እዋን ቃልሲ ዝበለጸ ሕጂ እዋን ብርነት ዝበለጸ ዘየፋላሊ ከፋላልየና የብሉን። ዘፋላሊ ምኽንያት ድማ ዋላ ሓንቲ የብልናን።

ኪኪየ ኣብታ መራር ስዓት “ቆልዑት ከይርስዑኒ ፍቅረይ ካብ ሕጂ ናዓኪ እይ ትኸፍኣኪ” ኢሉኩ። እነ ብዝምስክሮን ዝፈልጦን መብዛሕትኡ ጊዜ ንደቅኹም ብዘይካ “ደቂ ብርሃነ” ደቀይ’ኳ ዘይትብሊ። ተሰዲድካ ክልተ ሰለስተ ስራሕ እናሰራሕኪ ደቅኺ ደቂ ብርሃነ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ከፊልኪ ኣምሂርኪ። ስራሕ ክጅምሩ ከለው ካብ ዕዳ ነጻ እዮም ነይሮም። እዚ ክብሪ ንብርሃነ ኩርዓት ንዓኪ እዩ። ናይ ሓደ ኤርትራዊ ከምዚ ዝኣመሰለ ክብሪ ናይ ኩሉም ምእንቲ ሀጋሮም እዚ ዕጫዚ ዝበጽሖም ኤርትራውያን እዩ።

ኪኪ ሓብተይ ፡ ምስቶም “መዓልቲ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ብመንግስቲ ደራጃ ክኸብር ኣለዎ” ኢሎም ዝጽዕሩ ሓቢርኪ ክትሰርሒ ከለኺ ሕድሪ ብርሃነን ሕድሪ ኩሉ ስውእ ፈጺምኪ ከም ዘይትርስዕዮ እዩ ዘረድኣካ’ሞ ደስ ይበልኪ።

እሞ ኪኪ ሓብተይ፡ ብርሃነ ኣንኳይዶ ንስኺ በዓልቲ ቃል ኪዳኑን ኣደ ደቁን፡ ኣብ ንእስነትኪ ዝተፈለየኪ፡ ብርሃነ ምቁሉሉን፡ ፈቃርን፡ ለጋስን፡ ብሓቂ ሀገራዊ ከም ዝነበረ ዝፈልጦ ዘበለ ይዛረበሉ’ዩ። ብርሃነ ንዓኽን ንደቅኽን ጥራይ ኣይኮነን ህያው ኮይኑ ዝነበር፡ ብርሃነን ከም ብርሃነን ዝኣመሰሉ፡ ኩሎም ስዋኣትና ህያው ኮይኑም ክነብሩ እዮም። እዚ መዋዳድርቲ ዘይብሉ መሪር ጊዜ ክሓልፍ’ዩ እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ ምሕረቱ ዝጥምተሉ እዋን ነዊሕ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ንብርሃነ “ኣብ ዘለኻዮ ተሓጎስ ብርሂነይ ንስኻን ብጾትካን ዝተሰዋእኩምሉ ዕላማ ተፈጺሙ፡ ኤርትራ ደቃ ሓቁፋ፡ ህዝባ ክብሪ ረኺቡ፡ ኣነን ደቅኻን ድማ ኮሪዕና ብኣኻ፡ ኮሪዕና ብኹሉም ስዋኣትና” ክትብሊ ትራኣይኒ ኣሎኺ። ኣጆኺ።

ሓብትኺ ኣበባ
September 17, 2018


Share with friends:


ቅሰኑ ሰማእታትና!


See also Related:


See also recent Articles by Abeba Tesfagiorgis Baatai:



Share with friends: