ጽምብልን ዝኽርታትን መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

24/05/2018 14:23 PM

መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ጽምብልን ዝኽርታትን

Eritrea's 27th Independence Day,

Celebration and Reflections

24 May 2018


Independence Day 1991


ርሑስ መበል 27 በዓል ናጽነትና!
Happy Independence Day Eritrea!

ክቡራት ተኻታተልቲ፡

ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ን መበል 27 ዓመት ናጽነትና ዝምልከት ርእይቶን ለበዋን ዘተኮረ ኢዩ ክኸውን።

ናጽነት!

እወ ናጽነት! ሽማ ጥዕምቲ፡ ስለዝኾነት ድማ ኩሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ይብህጋ፡ ይስዋኣላ፡ ከይትጠፍእ ይከናኸና፡ ካብ ውሉድ ወለዶ ብክብሪን ድምቀትን የሰጋግራ! ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነቱ ምስተነፍገን ምስተሓድገን፡ ንሳላሳ (30) ዓመታት ብረት ኣልዒሉ ብሓባር ተጋዲሉ። ነቲ ብግዝፉን ብዓጢቑዎ ዝነበረ ዘመናዊ ኣጽዋራትን ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደራዒሙ፡ ልዑላውነት ሃገሩ ኣመስኪሩ፡ ባንዴራ ኤርትራ ከም ዓለማ ኣብ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ከም እተምበልብል ገይሩ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ሞሳን ነቶም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ሓርበኛታትናን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን! ዮሃና!

መዓልቲ ናጽነትና፡ ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝተጓናጸፍናዮ ዓወት ስለዝኾነ፡ ዝከኣል እንተዝኸውን፡ ኣብ ሓደ ዳስ ኩልና፡ ብዘይ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ ክንጽምብሎን ከነስተማቕሮን ኢዩ ዝግባእ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ሃገረ-ስደት ዘሎና ኤርትራውያን፡ ነቲ መላእ ሓፋሽ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፈሉ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ናብ ደቅናን ናብ ደቂ-ደቅናን ከነውርስን ከነማሓላልፍን ናይ ኩልና ሃገራዊያን ግቡእ ኢዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ፡ ድሕሪ'ዘን ዝሓለፋ 27 ዓመታት ናይ ናጽነትና፡ መሊእና ሓርነት ህዝብና ዝተጓናጸፍናለን ዓመታት ኣይኮናን። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብዘይ ቅዋም እትኸይድ፡ ምናልባት እውን እንኮ ሃገር ካብዛ ዓለምና ኢያ። ቅዋም፡ ልዑላዊ ስልጣንን መሰልን ናይ ሓደ ህዝቢ ዘረጋግጽ መሳርሒ ኢዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ኢዩ፡ ኣብ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር ንዲሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ)፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1994፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ናይቲ ግምባር ኮይኑ፡ ኣብ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተሩ ዝሰፈረ። በዚ መሰረት ከኣ፡ ሰፊሕ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ድምጹን ደገፉን ዝሃበሉ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡፡ ብ 1997 ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ጸዲቑ። ሃገራዊ ቅዋምና ብምትግባር፡ ልዑላዊ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረትን ኣብ ኣፍ ደገ ዓወት ምስ ተቓራረብና፡ ኣብ ትጽቢት ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይነበረ፡ እቲ ናይ 1998 ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሊዑ። እቲ ኣዕናዊ ኲናት፡ ህይወት ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ቐዚፉ፡ ኣማኢታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ድማ ካብ መናባብሮኦም ኣዘናቢሉ። ብሳላ እቲ ብፈተውቲ ሃገራት ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ተኹሲ ደው ምስ በለ፡ ብመሰረት ናይ ኣልጀሪየስ ስምምዕ፡ ነቲ ተጻብኦታት ንምውጋድ፡ እቲ ብ UNMEE ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ናብ ኤርትራ ንክኣቱ ብ31 ሓምለ 2000 ባይቶ ጸጥታ ወሲኑ። እቲ ዕማም ናይ ሃገራዊ ዲሞክራዊያዊ ህንጻ መስርሕ፡ ማለት ጉዳይ ምትግባር ቅዋምን ምትካል ቅዋማዊ መንግስቲን፡ ክሳብ ዚ እዋን ዚ ተወንዚፉ ኢዩ ነይሩ። ካብዚ እዋን ዚ ንደሓር ጀሚሩ ግን፡ እቶም ኣባላት ባይቶን ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት (ስልጣን) ናይ መንግስቲን ህግደፍን ዝነበሩ ሓርበኛታት፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ መስርሕ ቅዋም ናይ ምትግባር ዕማም ክጅመርን፡ ሃገር ናብ ቅዋማዊን ትካላዊን ኣሰራርሓ ክትኣቱን፡ ክጽውዑ ጀሚሮም

እዚ ጻውዒት ዚ፡ ኣብተን ዓምቢበን ዝነበራ ናጻ ጋዜጣታት እውን ክቃላሕ ጀሚሩ። እቲ ንዝኾነ ፖለቲካዊን ናይ ኣረኣእያን ፍልልያት ከስተኣናግድ ዘይመረጸ ፕረሲደንት ናይ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቶም ነዚ ጠለብ ዚ ዘልዓሉ ሓርበኛታትን፡ ንኣባላትን ኣካየድቲን ናይተን ሽዑ ዝነጥፋ ዝነበራ ናጻ ጋዜጣታትን፡ ከካብ ገዝኦም ሃዲኑ ብጸልማት-ከደኖ ብምጭዋይ፡ ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ማሕዩር ሰዊሩዎም ይርከብ። እቲ ናይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ጉዳይ፡ ናብ ኣህጉራዊ ናጻ ቤት ፍርዲ ከምዝምራሕ ኢዩ ተገይሩ። እቲ ዝቖመ ኮሚሽን ነቲ ጉዳይ ንሓዋሩን ቀያዲን ዝኾነ ብይን (Eritrea - Ethiopia Boundary Commission DECISION)፡ ብ 13 ሚያዝያ 2002 ሂቡሉ። ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣቐዲማ ዝኣተወቶ ብዘይ ቅድመ ኩነት ነቲ ብይን ናይ ምኽባር ውዕል፡ "ብመትከል ተቐቢለዮ" እኳ እንተበለት፡ ብግብሪ ግን ካብቲ ልዑላውነት ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ መሬት ክትወጽእ ኣይደለየትን፡ ብሰንኩ ኸኣ ኣብ ዝሓለፋ 16 ዓመታት (ማለት ክሳብ 2018)፡ ናይ "ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም" ኩነታት ከምዝህሉ ኾይኑ።

ልክዕ ዩ፡ ናይ "ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም" ኩነታት፡ ከምኡ ውን ጉዳይ ዶብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝጸሉን ዝምልከትን ጉዳይ ኢዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ልዑላውነት ሃገሩ ከውሕስ ግቡእን ሕድሪን ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ዚ ዝተጠቕሰ ዝሓለፈ 16 ዓመታት፡ እቲ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ህላዌኡ ቀጺሉ እንተዝነብር፡ ከምቲ ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ዘሎ ሓርበኛ ሃይለ ወልደትንሳአኤ (ድሩዕ) ኣብ ህዝባዊ ሰሚናር ዝገለጾ፡ ሃገርና ኤርትራ ክትቀስንን ነቲ ተሪፉዋ ዘሎ ሃገራዊ ውሽጣዊ ዕማማት ብ'ኳርታ (ብናህሪ) ክትጓዓዝን ምኸኣለት ነይራ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት፡ ካብ 31 ሓምለ 2008 ካብ ኤርትራ ከም ዝስጎግ ተገይሩ። ኢትዮጵያ ኸኣ ነቲ ብይን ዶብ ንኸይተተግብር ከም ተወሳኺ መመሳመሲ ዕድል ኮይኑላ፡ ክሳብ ለይተ ሎሚ፡ "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ኩነታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ከም ዝቕጽል ኮይኑ። እዚ ዘመልክተልና ድማ፡ ውልቀ-መለኽቲ ስርዓታት፡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ቅልውላዋትን ፍታሕ ዝጠልብ ጉዳያትን ንምኽዋል ዝጥቀሙሉ ሜላ፡ ንህዝብታቶም፡ ናብ ናይ ደገ ወራሪ ወይ ተጻብኦታት ከምዘተኩር ምግባር ምዃኑ ኢዩ። እዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝተዓዘብናዮን ዝኸይድን ዘሎ ኩነታት።

ክሳብ ለይተ-ሎሚ፡ እቲ ናይ "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ኩነት፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ሓደ መመኽነይታ ናይ ዘይምትግባር ሃገራዊ ቅዋምና ኮይኑ የገልግሎ ኣሎ። እቲ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ ግን፡ ጉዳይ ዶብ ንጉዳይ ውሽጣዊ ዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕጊን ዝዕንቅፍ ዘይምዃኑ ኢዩ። ፈጺሙ ዝዕንቅፍ ኣይኮነን። እኳ ድኣ፡ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ዩ እቲ ጉዳይ ሃገራዊ-ዲሞክራሲን ምሕያል ሃገራዊ-ሓድነትን ኣበርቲዕካ ክስራሓሉ ዝግባእ። ምኽንያቱ፡ ሓንቲ ሃገር ብቅዋምን ብሕጊን እትመሓደር ምስ እትኸውን፡ ማዕርነትን ተሳትፎን ኩሎም ዜጋታታ ይዓዝዝ። እዚ ብግዲኡ ኸኣ ብናይ ደገ ሓይልታት ከምዘይትድፈር ይገብራ። ንዝኾነ ካብ ወጻኢ ዝስንዘረላ ወረራ ኮነ ምጉጣጥ፡ ብዘይ ጸገም በዲሃን መኪታን ንክትወጽእ እውን የኽእላ። ኣብ ከምዚ ዘላቶ ምልኪን ራዕዲን ዝዓብለሎ፡ ኣከያይዳ ናይ ሃገርና ግን፡ እቲ ቀንዲ መትኒን ኣውሓሲ ልዑላውነትናን ደራኺ ሃገራዊ ምዕባለን ክኸውን ዝነበሮ መንእሰይ፡ ካብ ሃገር ነፊጹ ይጠፍእ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ እታ ልዑላውነትና እውን ነበረያ ነበረት ከይትኸውን ዘስግእ ኩነታት ኢዩ ኣብ ሃገርና ዝኽሰትን ዘንጸላሉን ዘሎ። እዚ ኩነታት ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፡ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከነምርሕ ተኽእሎ ኣሎ።

ቅዋም ናይ ሓደ ሃገር፡ ልዑላዊ ስልጣን ናይ ሓደ ህዝቢ ኢዩ። ካብ ኮነ እምበኣር፡ እቲ ፕረሲደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ (ኢሳይያስ ኣፈወርቂ)፡ ንሓደ ካብቲ ቀንዲ መቖምያታት ልዑላውነትና፡ ማለት ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ግሂሱዎ ኣሎ ማለት'ዩ። እዚ ግህሰት ዚ ድማ፡ ብገበንን ሃገራዊ ክሕደትን ዘሕትት ተግባር ኢዩ። እሞ! ከምቲ ወግሐ ጸብሐ ብኣፈኛታትን ወከልቲን ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዝግለጸልና፡ ኣብ ኤርትራ ንቡር ህይወት ክህሉ ዘይሕሰብን ዘይክውንነታዊን ኢዩ። ኣብ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕጊን ዘይብላ ሃገር፡ መሰል ህዝቢ ይኽበር ኣሎ ኢልካ ምጉስጓስ ንየዋሃት ምትላል ጥራይ ኢዩ። ሃገር ጽቡቕ እንተትህሉ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 10-13 ዓመታት ጥራይ፡ ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደት ኣይምሰዓበን። ህይወት እናጠዓሞ፡ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ኤርትራዊ ክህሉ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ። ናይ ሓደ ዜጋ ክብረትን ቅሳነትን፡ ሃገር ስለዝኾነት፡ እንተዘይከፊኡዎ ካብ ዓዱ ክወጽእ ዝመርጽ ሰብ የለን። እቲ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሽቑረራን ራዕዲን፡ ዓፈናን ምስዋርን ናይ ኣባላት ስድራቤት፡ እቲ ኣዝዩ ሕሱም ናብራ፡ ናይ እምነትን ርእይቶን ናጽነት ምሕራም፡ ወዘተ፡ ቀንዲ መርኣያታት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኢዮም። እዚኦም ኩሎም ክስዕቡ ዝኸኣሉ ድማ፡ ህዝቢ ወናኒ ስልጣኑን ጎይታ ናይ ጉዳያቱን ስለዘይኮነ ኢዩ። እዚ መሰል እዚ ዝራጋገጽ፡ ሃገር ብቅዋምን ግዝኣተ-ሕጊን ምስ አትመሓደርን ምስ እትምራሕን ጥራይ ኢዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብዘይካ'ቶም ሳልሳይ ወለዶ በጺሖም ዘለዉ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን (ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ዘለዉ) ወሲኽካ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ኤርትራዊ ኣብ ስደት ከምዘሎ ኢዩ ዝግመት። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል ኤርትራዊ (ብመሰረት ወግዓዊ መግለጺታት ናይ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ - ኣቶ የማነ ገብርኣብ - 2016 ኣብ ጀነቫ ዝሃቦ መግለጺ) ኣስታት 3.7 ሚልዮን ኢዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ካብ ሕምሲት ክሳብ ርብዒ ዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ (ማለት ሓደ ኤርትራዊ ካብ መንጎ 4 ወይ ሓሙሽተ ኤርትራውያን)፡ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ ማለት ኢዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት ኢዩ። ሃገር ብኸምዚ እንተቐጺላ፡ ናብ ጽንተት ገጽና ከይነምርሕ ዘፍርሕ ኢዩ።

እምበኣር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ መበል 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንጽምብል ከሎና፡ ነዚ ክብ ኢዩ ዝተጠቕሰ ሓቅታት እናስተንተንና ከነብዕሎ ይግባእ። ነታ ዝመጸት ናጽነት እናስተማቐርና፡ ነቶም ንዓኣ ክውንቲ ንምግባር ብጅግንነት ዝሓለፍን ዝደኸሙን እናዘከርናን፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ህሞት፡ ከምዚ ኢልና ንነብስና ክንሓታ ይግባእ፡-

እቶም ዝሓለፉን ህሉዋትን ሓርበኛታት ዝሓልሙዋ ዝነበሩ ኤርትራ፡ ነዛ ሕጂ ንርእያ ዘሎና ኤርትራ ድያ ትመስል?

መልሲ፡ "ኣይኮነን" አንተኾይኑ፡ "እሞ እንታይ ንግበር?" ዝብል ሃገራዊ ኣጀንዳ፡ ናይ ኩልና ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ዘሎና ኤርትራውያን ዝምልከት ቀንዲ አዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ካልእ ኩሉ፡ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ሕቶታት ስለዝኾነ፡ ኣብዚ እዋን ዚ ከም መሰረታዊ ዓንቃፊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቐርብ ኣይግባአን።

ስርዓታትን መራሕቲን ናይ ሓንቲ ሃገር፡ እንተስ ብዝጊሄር፡ እንተስ ብሰብ፡ ወደቕቲን ከየድቲን ኢዮም፡ እተ ዘሰክፍ ግን፡ ንጽባሕ ውሕስነት ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ዓድና ይኹን ወይ ኣብቲ ኣብ ስደት ንፍትሒ ነካይዶ ዘሎና ቃልሲ፡ ንሃገርና መድሕን ዝኸውን ዘማዕበልናዮ ጥርናፈ ኣሎ ዶ? ግዴና ከም ምሁራት፡ ከም ፖለቲከኛታት፡ ከም ተራ-ህዝቢን፡ ነዚ ዝምልከት እጃም እንታይ ኣበርኪትና? ጽባሕ ብሕልና ዘቕስነና ተግባር ንፍጽም ዶ ኣሎና? እናበልና ካብ ነብስና ጀሚርና ክንብገስን ክንሰርሕን ዝጠልብ ዘየላቡ መድርኽ ኢና በጺሕና ዘሎና። ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን፡ ተኣፋፊ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ሕቶታት ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። "ኣያ ዘይብላ ጓል-ኣንስተይቲ ኩሉ የጓጥጠላ" ከምዝበሃል፡ ሃገርና ናይ ዝተፈላለዩ ግዳማዊያን ሓይልታት መጋበሪያ እናኾነት ክትከይድ ጸኒሓ ኣላ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርና ክኸይድ ዝጸንሐ ምዕባለታት ሓደ ኣብነት ኢዩ። ምስ ጎረቤትና ህዝቢ የመን፡ መዕቆቢና ዝነበረት የመን ንኣብነት፡ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን፡ ናብ መጻኢ ወለዶታት ዝሰግር ጽልኢን ቅርሕንቲን ምስ ህዝቢ የመን ከምርሓና ዝኽእል፡ ንድሌትን ስምዒትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል፡ ተጻባአኢ ስጉምቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ኹሉ ተኸቲሙ ተባሂሉ ብዝተፈላለያ ኣህጉራዊያን ማዕከናት ዜና ዝንገረሉ ውዕላት (ንኣብነት ምስ ኢማራት ዓረብ ወዘተ)፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ የብሉን፡ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ፡ ተዓዛቢ ኾይኑ፡ ብማዕዶ ብማዕከናት ዜና ወጻኢ ኢዩ ብጽንጽንታ ዝሰምዖ ዘሎ። ዝተፈላለዩ ሕሉፋት ኣረኣእያታት፡ ከም ናይ ኣግኣዝያን፡ ከምኡ'ውን ትሕተ-ሃገራዊን ሃይማኖታዊን ዝኾኑ ውዳቤታት፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኣሳታፊን ሓቛፊን ዘይኮነ ፖለቲካዊ ክውንነት ዝነቕሉ ሳዕቤናት ምኳኖም ክንግንዘብ ኣሎና። ስለዚ እቲ ቀንዲ ሕመረት ጠንቂ ሽግርና፡ ኣብ ውሽጢ ዓድና ኢዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ብሓንቲ ሓረግ ዝግለጽ ኢዩ፡-

ንኹሉ ብማዕረ ኣሳታፊ ዝኾነ ቅዋማዊ ህዝባዊ መንግስቲ ስለዘይብልና ኢዩ።

እምበኣር፡ ብኣጋጣሚ ናይ መበል 27 ዓመት ናጽነትና፡ ዝተፈላለዩ ጽምብላትን ዝኽርታትን ኣብ ታሕቲ ክትከታተሉዎ ይዕድመኩም፡-

ርሑስ በዓል ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ
(ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)
23 ግንቦት 2018


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Eritrea, Peace at Last 1991. Documentary in Tigrina

ERi-TV, Eritrea: Pre-Independence Day Celebrations - City Parade & Performances - Part I of II (22 May 2018)

ERi-TV, Eritrea: Pre-Independence Day Celebrations - City Parade & Performances - Part II of II (22 May 2018)


Share with friends: