ዕልልታ ሰሚዑ!

31/12/2017 23:53 PM

ዕልልታ ሰሚዑ!

ግጥሚ ብ'መሲናስ


ዕልልታ ሰሚዑ!

 

ዕልልታ ሰሚዑ!

ኣንቲ ሓዳስ ዓመት ሕሉፍ ንኽትደግሚ
ክውን ከይገበርኪ ናይ ህዝብና ሕልሚ
ኣብ ስቓይ ከለና ኣብ ናይ ምልኪ ሰልሚ
እምበኣር መጺእኪ ሎሚውን ከም ዓሚ!

ኣይምውታት ኴንና ኣቲና ኣብ መቓብር
ኣይህሉዋት ኴንና ቀሲንና ክንነብር
ራህዋ ከይረኣና ወትሩ ኣብ መዋጥር
ሓድሽ ዓመት ኢልና ልደትኪ ከነኽብር
ካንድዩ ኣኺሉና ብተስፋ ክንሃርር!?

ኣንቲ ንስኺኸ ከም ሓብትኺ ዲኺ
ህዝቢ እናጠፍአ ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ
ዓጀውጀዉ ጼርኪ መብጽዓ መላኺ
ብከንቱ ክትሓልፊ ለውጢ ከየርኣኺ!

ሎምስ ናይ ብሓቂ ኣኺሉ’ዩ ግዜ
ካብቲ ዝሓለፈ ፍጹም ዝተፈልየ
ብሕልሚ ዘይኮነስ ብጋህዲ’የ ርእየ
ሓርነት ክንኽደን ምልኪ ምስ ተኣልየ!

ራህዋን ቅሳነትን ሰላም ዚኸልኣና
ሕሰም ሕላገቱ *ኣብሊስ ከሎ ኣብ ቤትና *ጋኔን
ሓወይ ሓብተይ ኢልና ከይተሓቛቖፍና
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምባል ሕድሕድና
ልቢ ከይቀንዐ’ሞ እንታይ ይዓብሰልና!

ኣብ ፈቐዶ ማሕዩር ምልኪ ዚተኸሎ
እዚ መሬት ኤርትራ ደም ዝፈሶ ዘሎ
ዳስ ሓዘን ፈሪሱ ጓይላ ክትከሎ
እቲ ቅርዓትኪ ኤረይ ይሸላለምዶሎ?

ተሸላሊሙ’ወ ከም መርዓት መልኪዑ
ሕሰም ርብዒ ዘመን ንሓዋሩ ኣብቂዑ
ኤርትራዊ ኪነብር ኣብ ሃገሩ ኮሪዑ
መለኸት ሓርነት ደወል ተወቒዑ
ናብ ዓዱ ክምለስ ሪጋ ተሰሪዑ
እንሆ’ወ ይእከብ ዕልልታ ሰሚዑ!

*እልበት ህዝቢ ኤርትራ ንኽዛዘም ዕርበት ንጉጅለ ሕሰም! *ሓሳረ-መከራ

ዓመተ 2018 ዓመተ ቀብርን ሓመድ-ድበን መላኺ ኢሳያስን ስርዓቱን’ያ!

ዓመተ 2018 ዓመት ሓርነትን ምትእኽኻብን ህዝቢ ኤርትራ’ያ!

ዓመተ 2018 መቕሰኒትናን መሐጐሲትናን ዓመት ክትከውን’ያ!

ዓመተ 2018 ፈጻሚት ባህግና’ያ!

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን ይግበረልና!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 31/12/2017

Share with friends:



ጻውዒት ንመንእሰይ ኤርትራ


See also recent articles by Mesinas. ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ጽሑፋት ብ'መሲናስ፡-

See more ተወሳኺ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ርአ፡-