ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ!

12/12/2017 06:18 AM

ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ!

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Yohannes Tseggay (London - UK)


ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ!


ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ ጽሑፋተይ!

ካብ ዕለት 11 ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ፡ በቲ ውሩይ ኣንባባይ መደባት ትግርኛ ናይ "ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ" እናተነበበ፡ እቲ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህግሓኤ፡ ኣብ ናቕፋ ካብ 10 - 16 ለካቲት 1994 ዝጸደቐ፡ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ፡ ብድምጺ ክቐርብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዩቱበ (HGDEF VISION - Youtube Channel) ድማ ኢዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ መበገሲ ገይረ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ከስምረሉ ዝደልዮ ነጥብታት ከቕርብ ክፍትን ኢየ። ጽሑፈይ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብዘይፈላላይ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ክትከታተሉኒ ብኣኽብሮት እዕድመኩም።

ኣብ ለካቲት 1994፡ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ድሕሪ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህግሓኤ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ኣብኡ መሰረት ገይሩ ስዒቡ ዝመጸ ምምስራት 'ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ' ኢዩ። እታ ኮሚሽን፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ስራሕ ዝነደፈቶ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ኣብ 1997፡ በቲ ሽዑ ቆይሙ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ጸዲቑ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ንቅጥዒ ምቛምን ምዝገባን ሰልፍታት ኣብ ኤርትራ ዝውስን ድንጋገ ከምዝወጽእ ገይሩስ፡ ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ብዝመስሎን ዝኣምነሉን ክውደብን ሰልፍታቱ ከቕውምን ዝኽእለሉ ባይታ ናብ ምትግባሩ ገጹ ተቓሪቡ ነይሩ። "ክምብል በለ'ምበር ኣይተኻዕወን" ከም እተባህለ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መዓልቲ ናጽነትና 24 ግንቦት 1991፡ ክእወጅ ዝነበሮ ናይ ሰላምን ዕርቂን ጻውዒት ንኹሎም ሃገራዊያን ኤርትራውያን ሓይልታት እኳ እንተዘይነበረ፡ በቲ ኣብ 1997 ንኹሉ ኤርትራዊ ከሳትፍ ዝኽእል፡ ብዝሐ-ሰልፋዊ-ስርዓት ዘፍቅድ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ምብጋሱ፡ ንኹሎም ደለይቲ ዕርቂን ስኒትን ኤርትራውያን፡ ዓቢ ደበስ ኢዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ "ሰላምን ዕርቂን ኣብ ሃገርና ክመጽእ ደጊም ቀሪቡ ኢዩ" ብምባል፡ ዝነበሮ ተስፋ ሰማይ ዓሪጉ ምንባሩ ኩልና ንዝክሮ ኢዩ።

ዘራግ ማይ ከሎ፡ ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይ'ሰትያ

እንታይ'ሞ፡ "ዘራግ ማይ ከሎ፡ ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይ'ሰትያ" እንዶ'ይተባህለን! ብሰንኪ'ቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ "ዶባዊ ኲናት" ኢትዮ-ኤርትራ፡ እቲ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጒሂሩ ዝነበረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ሃረርታ፡ ጸልሚቱ። ክሳብ ሎሚ ድማ እቲ ዝሰዓበ ናይ 'ኣይ ሰላም'ን ኣይ ኲናትን' ኩነታት፡ ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ከም ቀንዲ መዐምጸጺን መግሃሲን ሓርነት ዜጋታት ኤርትራ ኮይኑ የገልግሎ ኣሎ። እዚ ናይ 'ኣይ ሰላም'ን ኣይ ኲናትን' ኩነታት፡ ካብ 2001 ኣትሒዙ ክሳብ 2017፡ ንዓሰርተ-ሽዱሽተ (16ተ) ዓመታት፡ ክቕጽል ኣይግብኦን ዝነበረ፡ ምኽንያቱ፡ ዶብ ምሕላው ምስ ሕቶ ዲሞክራሲ ሓደ ሃገር ዘራኽብ ስለዘይብሉ።

እቲ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994 ዝጸደቐ፡ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ዘይናዓቕ ሓያል ትሕዝቶን ራእይን ከምዝነበሮ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ብግብሪ ስለዘይተሰርሓሉ፡ ብዙሓት ገርሀኛታት፡ ህግደፍ ብኡኡ ተመሪሑ ዝኸይድ ዘሎ ይመስሎም ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን፡ እቲ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ዝጸደቐ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተርን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፍርሒን ራዕዲን ዝመለለዪኡ ምልካዊ ምሕደራን፡ ቅንጣብ ዘመሳስሎ ባህሪያት የብሉን። ብኸመይ? ትብሉ ትኾኑ። ኮለል ካይበልና፡ ንትሕዝቶ ናይቲ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራምርኣይ ኣኻሊ ኢዩ።

"ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ!"

እምበኣር፡ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ከምዝጠቐስኩዎ፡ ምልካዊ ናይ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሖ ስርዓት፡ ካብ ዕለት 11 ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ፡ በቲ ውሩይ ኣንባባይ መደባት ትግርኛ ናይ "ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ" እናተነበበ፡ እቲ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህግሓኤ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1994 ዝጸደቐ፡ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ፡ ኣብ ዩቱበ (HGDEF VISION - Youtube Channel) ብድምጺ ክዝርግሖ ጀሚሩ ኣሎ። "ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ!"። እቲ ቻርተር እንተዝትግበርን ዝስርሓሉን ድኣ፡- (1) ኣብ ሃገርና ቀደም ሰላምን ዕርቂን ሰፊኑ ምሃለወ ነይሩ፡ (2) ኣማኢታት ኣሽሓት መንእሰያትና ካብ ሃገር ሃጽ! ኢሎም ኣይምተሰዱን፡ (3) ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ዓዱ ክሃንጽን ከማዕብልን ኢሉ ካብ ሃገረ-ስደት ግልብጥ ዝመጽአ ኤርትራዊ በዓል ርእሰ-ማልን ምሁር ኤርትራዊን፡ ተስፋ ቖሪጹ ናብ ስደት ዳግማይ ኣይመምርሐን። ናብ ስደት ተመሊሱ ሃገራት እንዳማቱ ከልምዕ ኣይምተገደደን፡ (4) እቶም ንኤርትራ ክውንቲ ዝገበሩ ጀጋኑ ስኩላትናን ዳርጋ ኩሎም ተጋደልቲን፡ ኣብ ኣዝዩ ከርፋሕ ናብራ ኣይምወደቑን፡ (5) ደቂ-ስዉኣትን ደቂ-ተጋደልቲን፡ ካብ ሃገር ሃጽ! ኢሎም ኣይምተሰዱን፡ ኣብ ባሕሪ ኣይምጠሓሉን፡ ኣብ ሰሃራ መጻወቲ ራሻይዳን በደዊንን ኣይምኾኑን። (6) እተን ቅያ ዝሰርሓ ዋዕሮታት ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ምእንቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ክብላ ክልተ-መስዋእቲ ዝኸፈላ፡ ናይ ሕርሲን ጥንሲን ዕድመአን ኣብ ገድሊ ዝሓለፈን! ሎሚ፡ ኣብ ክትርእዮን ክትሰምዖን ዘሰክፍ ከርፋሕ ሂወት ኣይምወደቓን፡ (7) መንግስቲ ብምዕባለ ዜጋታቱ ዝግደስ እንተዝነብር፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ጽቡቕ ምዕባለታት ዓቂቡ፡ ከማዕብሎ ምተገብአ'ምበር ክድምስሶ ኣይምተገብአን፡- ንኣብነት፡ ምዕጻው ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ምእጋድ ዓምቢበን ዝነበራ ናጻ ጋዜጣታትን መጽሔታትን፡ ምእጋድ ቆይመን ዝነበራ ናጻ ሲቪካዊ ማሕበራት፡...ወዘተ። (8) ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ክትግበር፡ ናብ ተሓታትነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክእቶ፡ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ከኽበርን ምጽውዋር ክህሉን ዝጠለቡ መዋእሎም ተጋዲሎም ዘዐወቱ መራሕቲ ሓርበኛታት ኣብ ማሕዩር ተሸሪቦም ደሃዮም ኣይምጠፍአን። (9) መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንቲን፡ ብሰንኪ እምነቶም ክእሰሩን ኣብ ማሕዩር ክወድቁን ኣይምተገብአን። (10) ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ተዓረቑ፡ ፍልልያትኩም ብሰላም ፍትሑዎ ኢሎም ብምምዓዶምን ብምጽውዖምን ናብ ማሕቡስ ክዳጎኑ ኣይምተገብአን...ወዘተ። እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ኩሉ ድማ ጭላፍ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኢዩ። ንምዃኑ ወዲ-ሰብ፡ ባህሪያዊ ዝኾነ ዘይሕከኽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘለዎን፡ እዚ ድማ ክኽበርን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክገሃስ ከምዘይብሉን፡ እቲ ኣብ 1948 ዝወጸ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ንፈልጥ ሰባት ክንደይ ኢና? በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ከመይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣብዚ ጠዊቕና እስከ ንስማዓዮ።

ኮነ ኢልካ ጎሲኻዮ ክሕለፍ ዝተመርጸ መዳያት ናይቲ ሰነድ፡-

እቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣብዚ ብድምጺ ተቐሪጹ ክዝርግሖ ጀሚሩ ዘሎ ናይ ዩቱብ ቪድዮ፡ ንኣብነት 2ይ ክፋል እንተተዓዘብና፡ ንገለ ክፋላት ካብቲ ኣብ ሃገራዊ መሰጋገሪ ቻርተር ዝተጠቕሰ መትከላት፡ ሸፈፍ ኢሉዎ ከየንበቦ ክሰግሮ መሪጹ። ንኣብነት፡- ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቪድዮ፡ ካብ መበል 12፡31 ደቒቕ ጀሚርኩም ምስቲ ኣብ ጽሑፍ ዝተሰነደ ቻርተር እናዛመድኩም ምስ እትኽተሉዎ፡ ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ሰጊሩዎ ሓሊፉ ኣሎ፡-

ገጽ 28፡

መንግስቲ፡ ደራኺ ቁጠባዊ ምዕባሌ ክኸውን ኣለዎ። ብሕልፊ ኣብ'ዚ ቁጠባና ዓንዩ ዘለወሉ እዋን፡ ዳግመ-ህንጸት ቁጠባ ኤርትራ ብመንግስቲ ክምራሕ ግድነት'ዩ። መንግስቲ ነቶም ቀንዲ ግዳያት ኲናት፡ ተጋደልትን ስድራቤቶም፡ ስንኩላን፡ ዘኽታማት ህጻናት፡ ስደተኛታትን ዝተመዛበሉ ሰባትን፡ ተጣይሶምን ተማሂሮምን ኣፍረይቲ ብሙዃን ንዳግመ-ህንጻን ቁጠባዊ ምዕባለን ኤርትራ ደረኽቲ ንክኾኑ ዘኽእሎም መደባት ክሕንጸጽን ክመርሕን ግድን'ዩ።

ግደ መንግስቲ ዕዙዝ ክኸውን ምቕባል፡ ብመንግስቲ ዝተዓብለለ ቁጠባ ክህሉ ምቕባል ማለት ኣይኮነን። ቁጠባ ኤርትራ ብመንግስታውን ግላውን ክፋላት ዝቖመ ሕውስዋስ ቁጠባ፡ ናይ ትእዛዝ ቁጠባ (Command Economy) ዘይኮነ ካኣ ናይ ዕዳጋ ቁጠባ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ግላዊ ክፋል ክሕይልን መራሒ ተራ ክጻወትን እንተኾይኑ ግን፡ መንግስቲ ባይታ ከጣጥሓሉ ሓላፍነቱ'ዩ። ርክብ መንግስትን ግላዊ ክፋልን ናይ ምትሕብባርን ምምልላእን ደኣ'ምበር ናይ ምትፍናንን ግጭትን ክኸውን ኣይግባእን።

ገጽ 29፡

ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ሃብታ ሰባ'ዩ። ህዝብና እንተደኣ ብዘበናዊ ስነፍልጠትን ቴክኖሎጅን ሰልጢኑ፡ ኣፍራይ ዓቕሙ ክብ ኢሉ፡ ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ ምዕባሌ (sustainable Development) ክፈጥር ክኽእል ኢዩ። ስለ'ዚ ኣብ ቁጠባዊ ውጥናትና ሰብ መሰረታዊ ረቛሒ ክኸውን ኣለዎ። ብኻልእ ወገን፡ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ተሳታፍነትን ንምምዕባል ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ቁጠባን፡ ተራድኦታትን ኮማዊ መደባት ልምዓትን ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣኹሞ፡ እቲ ከይተነበበ ተሰጊሩ ዘሎ ክፋላት፡ ንገለ ካብቶም እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ ካብ ዝጠሓሶም መትከላት ናይ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ዝምልከቱ ኢዮም። ንኣብነት፡- ምግባትን ምዕብላልን ቁጠባዊ ንጥፈታት ብትካላት ህግደፍ፡ ብድኻም ብሕታዊ ክፋል ቁጠባ ሃገርና፡ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ብፍላይ ከኣ ስንኩላንን ደቀንስትዮን፡ ብቕዓት ተመረቕቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲን፡ ብሓፈሻ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዝተኣታተወ ፖሊሲታትን (ከምቲ ፕረሲደንት ባዕሉ ኣብ ዝሓለፈ 1-2 ዓመታት መግለጺኡ ዝተኣመነሉ) ዕዉት ኣይነበረን። እቶም ኪኢላታት ተንተንቲ ካባይ ንላዕሊ ኣብነታት ከምጽኡ ከምዝኽእሉ እኣምን ኢየ፡ ግን እዚ'ውን ውሑድ ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር'ዩ እቲ ስርዓት ንገለ ትሕዝቶ ጎስዩዎ ክሓልፍ ዝፍትን። ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፡ ጽሑፍ ናይ ምንባብ ዘለዎ ባህሊ እናተዳኸመ ብምምጽኡ፡ እቲ ስርዓት ነዚ መዝሚዙ፡ ንኣገደስቲ ሃገራዊን ውድባዊን ሰነዳት፡ ከምዚ ኣብ ሰነድ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ገይሩዎ ዘሎ፡ ቆራሪጹ፡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ ናብ ኣእዛን ሰማዕቲ እናቕረበ፡ ከዳናግር ይፍትን። ካብዚ ተቢጊሶም ብዘይፍላጥ ዘጣቕዑ እውን ኣይሰኣኑን።

እዚ ምልካዊ ናይ ጸበብቲ ጉጅለ ህግደፍ ስርዓት፡ ነዚ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ህዝባዊ ግንባር ናይ ለካቲት 1994 ብድምጺ ብምቕራብ ክወቕዖ ዝደሊ ሸቶ እንታይ ኢዩ? እንታይ ኢዩ ክብለና ዝደሊ ዘሎ? እቲ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ናይ 1994፡ ንውድባዊ ራእይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሕእርነት ኤርትራ ዝገልጽ ሰነድ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እቲ ድሒሩ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ (ምስ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእል ጉድለታት) ከኣ፡ እቲ ዝለዓለን ልዑላዊን ሃገራዊ-ሰነድ ናይ ሃገረ-ኤርትራ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኤርትራ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝበጽሓቶ ደረጃ፡ ናብ ኣዝዩ ዝበረኸን ኣፋፌት ብሩህ መጻኢን ዝተቓረበ መድርኽ ኣትያ ምንባራ ህዝቢ ኤርትራ ኣዐርዩ ይፈልጥ ኢዩ። ወለድና ክምስሉ ከለዉ፡ "ካብ ጉይይ ምውዓል፡ ክሳድ ምሓዝ" ይብሉ። እሞ ንኤርትራ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ዘድልያ፡ ነቲ ቅዋማዊ መንግስትና ንኸይንተክልን ንኸይነተግብሮን ዓንቂጹና ዘሎ ኢደ-ወነናዊኢሕጋዊን መራሒ (ፕረሲደንት) ኣሊና፡ ሃገራዊ ቅዋምና ከነተግብር፡ ዝተበታተነ ህዝብናን ሃገራዊ ሓይልናን ናብታ ክብሩ ዝኾነት መበቆል ሃገሩ ከምዝምለስ ከምዝእከብን ክንገብር፡ ሰላምን ዕርቂን ኣብ ሃገርና ምስፋንን ወነንቲ ክብርታትና ምዃንን ኢዩ። ካልእ ጓል-መንገዲ ኣየድልን። ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ከም ወትሩ፡ ብናይ ትማሊ ታሪኽን ጅግንነትን እናሸቀጠ፡ ብግብሪ ግን ነቲ ናይ ትማሊ ቅዱስ ዕላማታት ሰውራ እናወቕዐን እናፍረሰን፡ ነቶም ጀጋኑናን በላሕቲ ኣእምሮን (ዋላ'ውን ነቶም ሕጂ ክምካሓሉ ዝደሊ ዘሎ ሰነድ ዘፈልፈሉን ዝሃነጹን)፡ ምስ ትንፋሶም ኣብ ጎዳጉዲ ከም ኣናጹ ዳጒኑ ዘጥፍእ ዘሎ ኣረመኔ ስርዓት ኢዩ። እዚ ሕጂ ነቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር (3ይ ጉባኤ 1994) ከም ሓድሽ ኣልዒሉ ኣብ ዩቱብ ክዝርግሖ ምፍታኑ እምበኣር፡ ትንፋሱ ከናውሕን ንየዋሃት ንምድንጋርን ዝዓለመ ምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ክነቕሓሉ ይግባእ። "ትደልያኦ'ሞ በየን ክኾነልክን!" ዝብል ምስላ ሕብረተሰብና ኣሎ። እዚ ምስላዚ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ሕጂ ጀሚሩዎ ዘሎ ጎስጓስ ብዘይ ዘለቕለቕ ዝገጥሞ ምስላ ኢዩ። ከመይ እንተ ተባህለ፡ እዚ ክፉእ አግባሩን፡ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ሓሳረ-መከራን፡ ኣንጻር መትከላት ናይቲ ቻርተር ብምዃኑ፡ ዋላ ጻድቕ ክመስል እንተፈተነ ፈጺሙ ኣይኮነሉን ኢዩ። እቲ ናይ 1994 መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ቅኑዕነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ትማሊ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሎሚን ኣብ ጽባሕን ኢያ ክትነብር ዘለዋ። መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ንሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ (1997) ስልጣኑ ብምትሕልላፍ፡ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ልዑላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብዘየሻሙ ጸዲቑ ኢዩ። ኩሎም ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ብዘይ ፍቓድ ሃገራዊ ባይቶ ዝውሰኑ ውሳኔታት፡ ዝወጽኡን ዝድንገጉን ብይናትን ሕግታትን፡ ንሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ተገዛእነቶም ስለዘየኽበሩ፡ ኢሕጋውያን ወይ ዘይቅቡላት ኢዮም። እዚ ነቲ ካብ ሽዑ ንደሓር ዘሎ ግበታ-ስልጣን ፕረሲደንትን ውሑዳን ኣጫፈርቱን እውን ዝምልከት ኢዩ። ስለዚ፡ ሕጂ "ናብ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ንመለስ" ድዩ ኽብለና ደልዩ እዚ ዘላሚ (ገፋዒ) ስርዓት!? ይኣክል! ኤርትራ ወትሩ ከም ሽንቲ ገመል ናብ ድሕሪት እናተመልሰት ክትጓዓዘሉ ዝጸንሐት መድርኽ ኣብቂዑ ኢዩ። ዘበኑ ዘበነ ለውጢ፡ ፍትሒን ምዕባለን ኢዩ። ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ልቢ ዘለዎ ፍጡር፡ ብትኩርነት ከስተውዕል ይግባእ።


እምበኣር ኣብ መደምደምታ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ከምዚ ዝስዕብ ለበዋይ ከመሓላልፍ እደሊ፡-

ትሕዝቶን መልእኽቲን መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ሓያልነቱን፡

ካብ ስምዒት ተበጊስካ ብማዕዶ ኣብ ክንዲ ምፍራድ፡ እቲ ኣብ ለካቲት 1994 ዝጸደቐ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቕን፡ ንሓቀኛ ዕላማታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ዘንጸባርቕን ትሕዝቶ ዝነበሮ ምዃኑ ክንግንዘቦ ኣገዳሲ ኢዩ። ህግሓኤ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከሰጋገር፡ ቅዋማዊ ስርዓትን ግዝኣተ-ሕጊን ዝሰፈና ኤርትራ፡ ሕብረ-ስልፍታት ዘለዎ ስርዓትን፡ ኣብ ኤርትራ ክትከል ኢዩ ዕላምኡ ዝነበረ። እቲ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተርን፡ ድሒሩ ዝመጸ ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ 1997 ዝጸደቐ፡ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምቛም ሰልፍታት ዝወጸ ድንጋጌን፡ ድማ ገለ ካብቶም ንጹራት መርኣያታት ናይዚ መትከላት መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ኢዮም ነይሮም።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኣብ ለካቲት 1994 ብወግዒ ኣኽቲሙ። ከኽትም ከሎ ግን ንመሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር፡ ከም ሕድሪ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ) ኣመሓላሊፉ ኢዩ ተሳናቢቱ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ (ታሕሳስ 2017)፡ ዳርጋ 24 ዓመታት ኮይኑዎ ኣሎ፡ እዚ ህግደፍ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰይጣን፡ ጉባኤ ኣካይዱ ኣይፈልጥን። ከም ግቡእ፡ እንተደንጎየ ኣብ ነፍሲወከፍ ኣርባዕተ (4ተ) ዓመት ጉባኤ ከካይድ ነይሩዎ። በዚ መሰረት ድማ ብውሑዱ ሓሙሽተ (5ተ) ጉባኤታት ክንርኢ ነይሩና። ማእከላይ ባይቶ ናይቲ ህግደፍ፡ ወይ'ውን ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ህግደፍ፡ ስሩዕ ኣኼባታት ከካይዱን ስሩዕ መግለጺታትን ጸብጻባትን ንኣባላቶምን ንህዝቢ ከቕርቡ ሰሚዕናዮም ኣይንፈልጥን። እቲ ውድብ ብጉባኤኡ ክቕየደሉ ዝኣተዎ ማሕላን ውድባዊ ቅዋምን ውሽጣዊ ዲሞክራሲን ስለዝጠሓሰ ድማ፡ ከም ውድብ ወይ ግምባር መጠን ህላዌኡ ካብ ዘጥፍእ ልዕሊ 17 ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ሓጋጊን ፈጻሚን ኣካላት ናይቲ ውድብ የለን፡ መብዛሕትኦም ኣብቲ ኣብ ሓጋጊ ኣካልን ፈጻሚ ኣካልን ዝነበሩ ኣባላቱ ወይ ተኣሲሮም ወይ ሃለዋቶም ኣበይ ከምዘሎ እውን ኣይፍለጥን፡ ገሊኦም ተሰዲዶም፡ ኣዝዮም ውሑዳት ድማ ርእሶም ኣድኒኖም ጢልጢል ዝብሉ ጥራይ ተሪፎም። ስለዚ፡ እቲ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ፡ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉን ናጽነት ዘውሓሰ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፡ ብወግዒ ኣብ ለካቲት 1994 (3ይ ጉባኤ) ክፈርስ ከሎ፡ እቲ ንሱ ዝተክኦ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ) ድማ ብግብሪ ፈሪሱ ኢዩ። መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተሩ ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣት ኮፍ ኢሉ፡ ዝድህከና ዘሎ ውልቀ-መላኺ፡ ተጣሒሱ ኢዩ። ስለዚ ህግደፍ ብዘይካ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ሙሉእ ኣፍልጦ ዘይብሎም ገርሂ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ብ"መንእሰያት ህግደፍ" ዝፍለጡ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ሓይሊ ስለያን ራዕዲን ሽበራን ኢዩ ዝገዝእ ዘሎ።

መልእኽተይ ነቶም ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ወጊንኩም ዘሎኹም ኤርትራውያን፡-

ሕጂ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ብመንገዲ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተሩ ኣቢሉ ዘመሓላለፎን ዘሰከሞን ሕድሪ እንታይ ምዃኑ ተረዲኡኩም ክኸውን ይትስፎ። ደጊምኩም እትምርምሩሉ ጊዜ፡ ዋላኳ ትማሊ ክኸውን እንተነበሮ፡ ሕጂ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ልቢ ኢልኩም ክትሰምዑዎን ነቲ ጽሑፋዊ ሰነድ ድማ ከተንብቡዎን ይላበወኩም። ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ነታ ኤርትራ ምስ ኣሕዋቱ' ምበር፡ "ንብሕተይ!" ዝብል ዓላማ ከምዘይነበሮ ብግልጺ ኣብቲ ሰነዳት ሃገራዊ ቻርተር ሰፊሩ ከምዘሎ ክትግንዘቡዎ ግዜ ኣይክወስደልኩምን ኢዩ። ኤርትራ፡ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ኢያ ትብጽሖ። ነፍሲወከፍ ስራቤት፡ ከምኡውን ዓዲ ናይ ኤርትራ፡ ኣብ ክልቲኡ ውድባት (ተጋድሎ ሓርነትን፡ ህዝባዊ ግንባርን) ቀያሕቲ ደቃ ኣፋንያ ብምሃብ ዝበጀወት ኢያ። ከመይ ቢላ ድኣ'ሞ ንሓዲኦም ሓቚፋ ነቲ ካልእ ክትንጽል? እዚ፡ ብዝኾነ ናይ ሰብኣዊ ተፈጥሮኣዊ ባህሪያዊ ሕጊ፡ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። ስለዚ፡ "ኣነ እንተዘይሃልየ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ" ዝዓይነቱ ኣካይዳን ነጻጻሊ ሜላን ምልካዊ ስርዓት፡ ንሃገርና ኤርትራ፡ ናብ ዕንወት' ምበር ናብ ስኒት ዘብጽሕ መንገዲ ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም፡ ናብ ሕልናኹም ተመለሱ። ዋላ ፍልልያት እናሃለወና፡ ሕውነትና ከም ህዝቢ ክሃስስ የብሉን። ነቲ ኣብ ጎኑ ኣሎና እንብሎ ስርዓት ድማ፡ ኣብ ውሽጡ ኾይንና፡ ነቲ ከፋፋሊ ሜላታት ክንብድሆን፡ ንሰላምን ዕርቂን ኤርትራውያን ክንጽውዕ ይግባእ።

መልእኽተይ ነቶም ደለይቲ-ፍትሒ!

እዚ ኣብ ላዕላይ ሕጥቦ-ጽሑፈይ ዘቕረብኩዎ ለበዋ፡ ነቶም ምስ ህግደፍ ኣሎና ዝብሉ ዝምልከት ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢን ቅዋማዊ ስርዓትን ከምጽእ ዝቃለስ ዘሎ ኣካላት እውን ዝምልከት ኢዩ። ኩሉ ደምበ ደለይ-ፍትሒ፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ምልኪ ምሕደራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ዕድመ ንእስነቱ ዘብለየላ ሓርበኛ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ከምዘይውክል ብንጹር ክትርድኡዎ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስእንጥምት፡ እቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝነበረ መሰረታት ተጋደልቲ፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)ን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)ን፡ ማለተይ ኢዩ፡ ድሌቱን ባህጉን ሓደ፡ ማለት ሰሚርካ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ምቅላስ ኢዩ ዝነበረ። እዚ መሰረታዊ መትከልን ዕላማን እዚ፡ ሕጂውን ፈጺሙ ኣይሃሰሰን። ርግጽ'ዩ፡ ብሰንኪ ዘይብስለት መሪሕነታት ናይ ክልቲኡ ውድባት፡ እቲ መሰረታት ክሳብ ናብ ሓድሕድ ምድማይ ምብጽሑ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላይን ዘሕዘነን ፍጻሜታት ነይሩ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ'ዩ፡ እቶም መሰረታት ተጋደልቲ፡ ኣብ 1974፡ ትእዛዝ መሪሕነቶም ጥሒሶም፡ ሓድሕድ ብምርኻብ ንትርግታ ሓፋሽ ህዝብናን ተጋዳላይን ዘረስረሰ፡ ኩናት ሕድሕድ ደው ክብልን ስምረት ክልቲኡ ውድባት ክህሉን ብምጥላብ ነቲ ናይ ህዝብና ድምጺ ዘስምዑ። ዓወታት ሰውራ ድማ ብግብሪ ተመስኪሩን ሓቢርካ ኣንጻር ጸላኢኻ ምምካት እውን ተራእዩ። ዋላ'ኳ ዳግማይ ኣብ 1981 ብሰንኪ መሪሕነታት እቲ ኩናት ሕድሕድ እንተተባርዐ፡ ሎሚ'ውን እቲ መንፈስ ናይ ስምረት'ሲ ኣብቲ ተጋዳላይ ኣሎ። እቶም ናይ ትማሊ መራሕቲ ድማ ካብ ተሞኩሮኦም ዝማሃሩሉ መድርኽ ዝበጽሐ ይመስል። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ደላይ ፍትሒ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ደላይ-ፍትሒ፡ ሓቢሩን ድልዱል ምትእስሳር ፈጢሩን፡ ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ እንነብረሉ ዘሎና ምዕቡል ዓለማዊ መዋአል፡ በዚ መንፈስ እዚ ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ሒድሕድ ተኻባቢርካን ተጻዋዊርካን እምበር፡ ሕድሕድ ተፋኻኺርካ፡ ዝህነጽ ቤት የለን። ኩሎም እቶም ምስ ምፍልላይ ረብሓ ዘለዎም፡ ነቲ ባህጊን ድሌትን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክሉ ስለዘይኮኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓላሳይ ክነቕሓሎምን ናብ ልቦም ንክምለሱ ኣበርቲዑ ክሰርሕን ኣለዎ። ኤርትራ ናይ ኩልና ምስ ኩሉ ዘጌጸ ዝተፈላለየ ሕብርና ኢያ። ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ'ቲ ካልእ ወገን ዝነግሰላ ወይ ዝዕብልለላ ሃገር ክትከውን ክንፈቅድ ኣይግባእን። ንሕና ከም ህዝቢ፡ ካብ ባዶ ዝፈላሕና ወይ ዝተቐልቀልና ኣይኮንናን። ነቲ ዘኹርዕ ያታዊ ውርሻ ናይ ወለድና፡ ባይቶኣዊ ዲሞክራሲን ምልስ ኢልና ምጥማቱ ከድልየና ኢዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ምዕቡል ዓለም ንሃገራትን ውድባትን ዘናብር ዘዐውት ኣካይዳ ንሱ ጥራይ ኢዩ--ኢሂን ምሂን።

ሰላምን ሓጎስን ዝመልኦ ቅንያት ልደትን ሓድሽ ዓመት (2018)ን ይግበረልና።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ አርትራ፡ ጎረባብትናን ዓለምን።

ካባኹም ዝመጻኒ ሃናጺ ሓሳባትን ምኽሪን ክቕበል ድሉው ኢየ። ኢመይል፡- yohannesyt@gmail.com

ሓውኹም፡ ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)
12 December 2017


Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-


See related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-