ናትናኤል - ኣብነታዊ መንእሰይ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

23/08/2018 21:42 PM

ኣገናዕ
ናትናኤል ተስፋሚካኤል
ኣብነታዊ መንእሰይ!

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ


ናትናኤል ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ

ኣገናዕ መንእሰይ ናትናኤል ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ!
ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ

ቅድሚ ሓሳበይ ምጅማር፡ ንድምጺ ኣመሪካ መደብ ትግርኛ ከመስግኖም ይደሊ። ነዚ መበገሲየይ ዝኾነ ቃለመሕትት ምስ ናትናኤል ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ ምክያድኩም፡ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ኣብ ስደት እንርከብን ከተባብዕ ዝኽእል ኣብነት ኢዩ። ቀጽሉዎ ድማ እብለኩም። ካብዚ ብዘይፍለ ድማ ንወለዲን ስድራቤትን ናትናኤል እንቋዕ ደስ በለኩም ክብል ኣፍቅዱለይ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ንመንፈሰይ ዘረስርስ ብምዃኑ ድማ ደስ ኢሉኒ። ኣብ ፈቐዶ መራኸቢ ብዙሓን ከምዚ ክርኢ ከሎኹ፡ ብተማሳሳሊ እሕጎስ። ብማዕረኡ ድማ፡ ዝኽሰሩ ክርኢ ከሎኹ ኣዝየ እሓዝን።

ከምቲ ኣብ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ (ትግርኛ) ተገሊጹ ዘሎ፡ ኤርትራዊ አሜሪካዊ መንእሰይ ናትናኤል ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ (ኔት ተስፋሚካኤል ዮሃንስ)፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ትካል ቴክኖሎጂ፡ ማይክሮሶፍት፡ ዳይሬክተር ክፍሊ ናይቲ ሰብ-ሰርሖ-ምህዞ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኢዩ። ኣቐዲሙ ድማ አብ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ)፡ ዋና አማኻሪ አብ ቤት ጽሕፈት ወፍሪን ምህዞን፡ ክፍሊ ምሕደራ ነአሽቱ ሰብ ዋኒን፡ ኮይኑ፡ ብፕረሲደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ተመዚዙ እውን ሰሪሑ እዩ።

ናትናኤል፡ ወዲ ተጋደልቲ ኾይኑ፡ ወለዱ ድማ፡ ብሰንኪ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ውድባት ኩናት ሕድሕድ፡ ናብ ስደት ከምርሑ ዝተገደዱ ኤርትራውያን ኢዮም። ንሱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ምብጽሑ፡ ነቶም እቲ ኩሉ ከርተት ዝመልኦ ስደት ሓሊፎም ነዚ ዓወት ክርእዩ ዝበቕዑ ወለዱ ዓቢ ጸጋ ኢዩ። ንኹልና ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ኤርትራ ድማ፡ ኣዝዩ ዘሐጉስን ፍናን ዝህበናን ኣብነት ኢዩ። ከም ናትናኤል ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣብነታዊያን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ኣብ ሃገረ-ስደት ይምዕብሉ ምህላዎም ምርኣይ ንኤትራውያን ዓቢ ሓበንን ተስፋን ኢዩ። ኣብ ሃገረ ስደት ዘሎ ዕድላትን ጸጋታትን ናይ ትምህርቲ ይኹን ሞያን፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ግን ንመንእሰያትና ዝሕብሮምን ናብቲ ጎደና ምዕባለ ገጹ ዘማእዝኖምን ባይታ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ምፍጣር የድሊ። እዚ ባይታ'ዚ ድማ ንሕና ኤርትራውያን በብዘሎናዮ ከባቢ ብማሕበር ከይተጠርነፍናን ብኹነታትናን ማሕበራዊ ህይወትናን ሓቢርና ከይዘተናን መደብ ከይሰራዕናን፡ ስቕ ኢሉ ባዕሉ ክፍጠር ኣይክእልን ኢዩ። እምበኣር፡ ኣብ ስደት እንትከብ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ደቅና ኣብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ዳግመ-ህንጻ ኤርትራ ሃገሮም ዓቢ ግደ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ ወትሩ ከነዘኻኽሮምን ከነተባብዖምን ድማ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ክላቦ ደስ እብለኒ።

ብኣማኢታት ኣሽሓት፡ ምናልባት'ውን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እንግመት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊን ኢሰብኣዊን ኩነታት ናይ ሃገርና፡ ኣብ ስደት ክንነብር ተገዲድና ኢና። ከም ኤርትራውያን ብዙሕ ከሲርና ኢና። ኣብ ሃገረ-ስደት ሰፊሮም፡ ኣብ ብዙሕ ዘይተደላዪ ጸገምን ጭንቀትን ዝወድቁ፡ ክሳብ ናብ ነብሰ-ቅትለት ዝበጽሑ መንእሰያት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዝሐ ይኸይድ ምህላዉ እውን ወግሐ-ጸብሐ፡ ብመራኸቢ ብዙሓን ንሰምዖን ብግብሪ ድማ ኣኣብ ከባቢና ብግብሪ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ዳግመ-ህንጸትን ልምዓትን ክትጥቀመሉ እትኽእል ዓቕሚ ኣብ ስደት እውን ከነማዕብሎ ኣሎና። ሓደ ኣብነት ናይዚ ዕቑር ዓቕሚ'ዚ፡ ድማ መንእሰይ ናትናኤል ተስፋሚካኤል ኢዩ። ርግጽ'ዩ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕቑር ዓቕሚ ኤርትራውያን፡ ኤርትራ ሃገርና ብግቡእ ክትጥቀመሉን ክትምዝምዞን እንተድኣ ኾይና፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ንኹሉ ልምዓት ጽላታት ሃገር፡ ናጻ ናይ ምዕባለን ትምህርቲን ዕድላት ዝኸፍት፡ ቅዋማዊን ህዝባዊን ስርዓት ምስዝህሉ ጥራይ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። በዚ ክሳብ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ እንተኾይኑ ግን ዘዝተማህረን ብዝተፈላለየ ሞያ ዝገበረን፡ እግሩ ናብ ዝመርሖ ናብ ስደት ኢዩ ከምርሕ ጸኒሑ ዘሎ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ዓቢ ሃገራዊ ክሳራን ጥፍኣትን ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዚ ጥፍኣት'ዚ ናብ ጽቡቕና ክንልውጦ ዘኽእለና ዕድል ኣብ ኢድና ከምዘሎ ክንግንዘብ ኣገዳሲ ኢዩ። ብሓቂ ኸኣ ክንልውጦ ንኽእል ኢና። ካብ ሓደ ጸሓፋይ ከምዘንበብኩዎ፡ 'እቲ ሓርማዝ፡ ነታ ንእግሩ ኣሲራቶ ዘላ ቀጣን ገመድ፡ በቲ ዘለዎ ደርማስ ዕቑር ዓቕሚ ፈናጢሱዋ ክወጽእ ከምዝኽእል'ሲ ይፈልጥ'ዶ ይኸውን? ' ትብል፡ ብሓቂ ዓባይ ምስላ ኢያ። ንሕና ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዓቕሚ ኣዝዩ ገዚፍ ኢዩ፡ ከም ሓደ ኣካል ኮይኑ ምስራሕን ንቕድሚት ምስጓምን ጥራይ ኢዩ ዝጎድሎ። እሞ፡ ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ጉዳዩ ክኸውንን ጸጋታቱ ከስተማቕርን፡ ብሓደ ድምጺ ክንጽውዕን ከነዐውቶ ክንሰርሕን ኣሎና። እዚ ድማ ንኹልና ኤርትራውያን ከስምረና ዝኽእል ቅዱስን ካብ ቀዳሞት ኣበዋትና ክመሓላለፍ ዝጸንሐ ልቦና ዝመልኦ ባህላዊ ውርሻ ናይ ህዝብና ኢዩ። ክሳብ ናብቲ እንደልዮ ሸቶ እንበጽሕ ድማ፡ ኣብ ዘሎናዮ ሃገረ-ስደት፡ መንእሰያትና ክጥርነፉን፡ ንሓድሕዶም ተመኩሮ ክለዋወጡን፡ ኣብነት ናይ ብሞያ ዝተዓወቱ መዛንኦም እናተኸተሉ፡ ንክጽዕሩ ከነተባብዖምን ባይታ ከነጣጥሓሎምን ይግባእ።

እቲ ንመንእሰያትና ዘተባብዕ ባይታ ብኸመይ ኢዩ ዝንጸፍ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ መዳይ'ዚ፡ እተን ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ዝርከባ ናይ ኤርትራ ማሕበረ-ኮማት፡ ከምኡ'ውን ዓበይቲ ኣያታትን ኣቦታትን ምሁራት፡ ዓቢ ግደ ክጻወቱ ይኽእሉ ኢዮም። ካብዚ ሰጊርና እውን፡ ብዓለም ደረጃ፡ ሓደ ነዚ ዝውድብን ዝከታተልን ማሕበር ናይ ኤርትራውያን ከነቕውም ንኽእል ኢና። እተን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ብስም "ተማሃሮን መማህራንን ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ነበር" "ተማሃሮ ሰኬንደሪ ስኩል ከረን" ወዘተ እናበላ ዝቖማ ምትእኽኻባት፡ ክተባብዓን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ድማ ከም መበገሲ ክውሰዳ ይኽእላ ኢየን። እቲ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ፡ ከም መወከሲ ክጥቀመለን ይኽእል። እዚ ክኸውን ግን፡ እዘን ዝተጠቕሳን ተማሳሰልቲ ትካላት፡ ካብ ጸግዒን መሳርሒነትን ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናጻ ክኾና የድሊ። ሕመረት ኣትኩሮአን፡ ንኤርትራን ህዝባን፡ ንምዕባለኣን ምዕባለ ደቃን ዝዓለመ ክኸውን ኣለዎ። ዝተፈላለየ ንልምዓት ኤርትራ ዝጠቅም፡ መጽናዕታዊን ሓባሪን ጽሑፋት ብመንገደን ክውደብን ክፈሪን ይግባእ። እቲ ዝፈሪ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ካብ ከም ሓደ ናጻ ምርምራዊ ኣካል ዝፈሪ መጠን፡ ንኹሉ-መዳያዊ ኩነታት ኤርትራ ዝትንክፍ ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት፡- ኣብ ቁጠባ፡ ኣብ ባህሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ ከምኡ'ውን ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ሃገርና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ፍርያትን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ እንከላይ ነቶም ናይ ፖለቲካ መራሕቲን ንመንግስቲን፡ ከም መምሃሪን መወከሲን ኮይኑ የገልግል። እቲ መንእሰይ ወለዶና ድማ ካብዚ ብዙሕ ክመሃርን ክስዕቦን ይኽእል። እሞ፡ ሃየ ንምዕባለ መንእሰያትና፡ መተባብዒ ባይታ ንፍጠረሎም እናበልኩ፡ ነዛ ብኣጋጣሚ ኣብነታዊ መንእሰይ ናትናኤል ተስፋሚካኤል ዘቕረብኩዋ ጽሑፈይ ይዓጹ።

ወለዲ ናትናኤል፡ እንቋዕ ደስ በለኩም!

መንእሰይ ወለዶ ደፋኢ ሓይሊ ምዕባለ ኢኻ።

ብኣኻ ድማ ዕድል ናይ ኤርትራን ህዝባን ይውሰን።

ስለዚ ትባዕ ንሃገርካ ቅያ ስራሕ!

ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)
23 August 2018


*   *   *

Share with friends:


See also Related /  ተመሳሰልቲ ምዕዶን ሓበሬታታትን፡-