snitna.com

02/02/2017 01:03 AM

ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት

መጽሓፍ ብ'ተስፋምህረት ገብረመድህን (ተስፎም)


ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት

እዚ እዋን'ዚ፡ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራዊ፡ ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ኢሉ ዝስደደሉ ዘሎ፡ ኣደዳ ኣስካሕካሒ መቕዘፍቲ ፈቐዶ ምድረበዳን ሓደጋታት ባሕሪን፡ ከምኡ'ውን ግዳይ ነጋዶ-ደቂሰብ ዝኾኑሉ ዘሎ እዋን ኢዩ።

መንእሰያትና፡ ነዚ ኹሉ መስገደል ሰጊሮም፡ ውጻእ-መዓት ኮይኖም ናብ ዓዲ ሰላም ክኣትዉ ዝኸኣሉ ድማ፡ ንነብስና ይጥዓመና ከይበሉ፡ ነቶም ኣብ ዓዲ ኣብ ሕማቕ መነባብሮን ጠዋሪ ዘይብሎም ዝሓደጉዎም ወለዶምን ኣዝማዶምን ኣብ ምሕጋዝ ይጽመዱ። ኣብታ ዘላቶም ጸባብ ዕድል ድማ ተጻጊሞም፡ ነብሶም ንምምዕባል ክመሃሩ ይጽዕሩ። ብዙሓት ድማ፡ ኣብነታዊያን ኮይኖም ክዛዝሙን ኣደናቒ ምህዞታትን ዓወታትን ከመዝግቡ ንዕዘብ ኣሎና። ናብ መጽሓፈ-ኦሪት (መጽሓፍ ቅዱስ) ተመሊስና ታሪኽ እንተተዓዘብና፡ ህጻን ዮሴፍ፡ በሕዋቱ ናብ ግብጻውያን ነጋዶ ተሸይጡ ናብ ግብጺ ምስኣተወ፡ ንህዝበ-እስራኤል፡ ኣብቲ ተሪር ናይ ጥሜት እዋን፡ መድሕን ህይወቶም ኮይኑዎም ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ መዋእልና፡ መዋእለ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራ ድማ፡ ዋላ'ኳ ዕላማ ናይቲ ካብታ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ወለዶምን፡ ሃጽ ኢሎም፡ ከምዝጠፍኡ ዝገብር ዘሎ መላኺ-ስርዓት ኤርትራ፡ ካልእ እንተኾነ፡ ብኣንጻሩ ግን፡ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ፡ መድሕን ናይቲ ኣብ ዓዲ ኣደዳ ጥሜትን ዓዛብን ኮይኑ ዘሎ ወገኑ ክኸውን ንርእዮ ኣሎና።

ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ፡ ኣብ ናይ ኣዕሩኽ ፌስቡክ ብቐጥታ ዝፍኖ ዝነበረ ዕላል ተኻታቲለ። ሓንቲ ኣብ ሜዳ (ማለት ኣብ ሳሕል) ተወሊዳ ዝዓበየት መንእሰይ፡ ጓል ተጋደልቲ ኢያ። እዛ መንእሰይ'ዚኣ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምዕቃብ ልዑላውነት እጃማ ዘበርከተት፡ ድሓር ግን፡ እቲ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትጻወሮ ብዘይምኽኣላን ነታ ብህይወት ተሪፋ ዘላ ወላዲታ ኸኣ ክትሕግዝ ስለዝደለየትን፡ ካብ ሃገራ ኤርትራ ተሰዲዳ ናብ ሃገረ-እስራኤል ኣትያ። ኣብ ዕላላ፡ " ወለድና ክጋደሉን ክስውኡን ከለዉ፡ ዓድና ናጻን ሓራን ክትከውን፡ ንሕና ደቆም ድማ፡ ቀሲንና ክንመሃር፡ ፓይሎታት፡ መሃንድሳት ክንከውን፡ ክንወልድ ክንዝምድ፡ ሃገርና ድማ ብስልጣኔ ክትሕምበብ ክርእዩ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ግን፡ ብኣንጻር ዝነበሮም ሕልሚ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ መላእ ዓለም፡ ካብ ኣውስትራልያ ክሳብ ኣመሪካ ካናዳ ኣማእት ኣሽሓት ተሰዲድና ንርከብ ኣሎና። ኤርትራውያን ግን ጀጋኑ ኢና፡ ኣጆኹም! ወለድና ተሰዊኦም ናጽነት ኣምጺኦሙልና ኢዮም። ሕጂ ድማ ንሕና ኣብ መላእ ዓለም ዘሎና ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ናይ ሙሉእ ዓለም ሃብታም ተመኩሮን ፍልጠትን ንቐስም ኢና ዘሎና። ጽባሕ ኣብ ዓድና ፍትሒ ምስ ነገሰ፡ ንዓለም በብቛንቋኣ ክንዛረባ ኢና። ኣጆኹም ኤርትራውያን! ኣኣብ ዘሎኹሞ ሃገር፡ ቋንቋ ተማሃሩ ብሞያ ማዕብሉ፡ ኤርትራዊ ጅግና ኢዩ! ኣጆኽን ደቀንስትዮ!...ወዘተ" ክትብል ተዛሪባ፡፡ ናይ ብሓቂ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰይ ራእይን ውሽጣዊ ድሌትን ዘንጸባርቕ ዘረባ ኢዩ።

እዚ ልዒለ ዝጠቐስኩዎ ንመእተዊ ዝኣክል ኢዩ። ናብቲ ቀንዲ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ክምለስ ግን፡-

ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ካብቶም ነዚ ኹሉ ላዕሊ ዝተገልጸ ጸበባ ሰጊሮም፡ ነብሶም ብምምዕባል ንኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቦምን ዓለምን ኣብነታዊ ኣበርክቶ ካብ ዝፍጽሙ ዘለዉ መንእሰያት ሓደ፡ መንእሰይ ተስፋምህረት ገብረመድህን (ተስፎም)፡ ደራሲ መጽሓፍ "ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት" ንምዝራብ ኢዩ።

ተስፎም፡ ከም ኩሉ መንእሰይ ናብ ስደት ዘምርሐ፡ ኣብ ስደት ድማ፡ ኣብ ዓውዲ፡- ማሕበራዊ ምኽሪን ኣገልግሎትን (Social services and counselling)፡ ሞያዊ ብቕዓትን ሰፊሕ ተመኩሮን ከጥሪ ዝኸኣለ መንእሰይ ኢዩ። ናብዚ ደረጃ'ዚ ንምብጻሕ ድማ፡ ብበሊሕ መላጸ እናተፈተነ፡ ግዚኡን መደባቱን ብዘይምብኻን ናብ መዓላ ስለዘውዓሎ ኢዩ።

መንእሰይ ተስፎም፡ ኣብ ስርሑ ብዝደለቦ ትዕዝብቲን ተመኩሮን፡ ከም ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ናይ ስደተኛታት ዘጋጥም ጸገማት፡ ኣብ ኤርትራውያን ስድራቤታት እውን ብዙሕ ማሕበራዊ ጸገማት ከምዘሎ ተዓዚቡ፡ መጽናዕቲ እውን ገይሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብኸመይ ንህዝበይ እንተሓገዝኩ ይሓይሽ ብምባል ንነብሱ ይሓታ'ሞ፡ ኣነ ከም ውልቀሰብ ናብ ኩሉ እናኸድኩ ከራኻኽበሉ ስለዘይክእል፡ እታ ሓንቲ ዝሓሸት ኣማራጺ፡ ነዚ ህዝቢ እትኸውን ናይ ሓበሬታን ምዕዶን መጽናዕታዊ ጽሕፍቲ ከዳሉ ኣሎኒ ናብ ዝብል መደምደምታ ይበጽሕ። ካብዚ ተበጊሱ ኸኣ፡ ነታ "ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት" ዝተሰምየት መጽሓፉ ንሕትመት ከምትበቅዕ ብምግባር ናብ ስደተኛ ህዝብና ከምትባጻሕ ገይሩዋ። ዛጊት ልዕሊ ሸውዓተ-ሽሕ ቅዳሓት ከምእተሸጠትን ካልኣይ ሕታም እውን ተዘርጊሓ ምህላዋን፡ ኣብ ዝገበሮ ዕላል ይጠቅስ (ታሕቲ ዘሎ ቃለመጠይቕ ስምዑዎ)።

እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ንነፍሲወከፍ ኤርትራዊ፡ ስድራ ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ፡ ብሓፈሻ ምስ ቆልዑ ናይ መቕርቡን ካልኦትን ርክብ ዘለዎ ኤርትራዊ፡ ወይ'ውን ኣብዚ መዳይ ናይ ማሕበራዊ ህይወትና ክህልዎ ንዝግባእ ቅኑዕ ኣቀራርባን ኣተኣላልያን ቆልዑ ክኽተልን ክፈልጥን ንዝደሊ፡ ኣዝያ ኣገዳሲት መርሓ-ህይወት ኢያ። ከምቲ ወለድና ክምስሉ ዝብልዎ "ቆልዓ ብንኡሱ፡ ቆርበት ብርሑሱ"፡ ደቅና ድማ ናይ ጽባሕ ኣበባናን ብርሃንናን ስለዝኾኑ፡ ብግቡእ ተሃኒጾም ክዓብዩ ከምዘለዎም ምግባር፡ ናይ ኩልና ወለዲን መማህራንን ሓላፍነት ኢዩ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ እምበኣር፡ ነዚን ካልእን ዘካተተ ዓሚቕ ፍልጠትን ምኽሪን ዝሓዘለት ኢያ።

ታሪኽ ልዕሊ-ርብዒ-ዘመን (26 ዓመታት) ናይ ናጻ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ናይ ተጋደልቲ፡ በብእብረ እናተታኻኽኡ፡ ነቲ ንቡር ባህልን ኣከያይዳን ሕብረተሰብናን ወለድናን ከምዘይሓልፍ ኣዳኺሞሞን በታቲኖሞን ኢዮም። ከምዚ ክብል ከሎኹ፡ ንኣብነት፡ እቶም ኣብ እዋን 1960ታት ብፍላይ ከኣ 1970ታት ናብ ገድሊ ዝተሰለፉ፡ ኩሎም ካብ ደቂ 15 - 25 ዝዕድመኦም መንእሰያት ኢዮም። ኣብ ገድሊ ድማ፡ ሓደ ኮሙኒስታዊ (ማሕበርነታዊ) ማለት፡ ንኹሉ ሃይማኖታዊ እምነትን ባህልን ዘቋናጽብ፡ ፍሉይ ባህሊ ናይቲ ዘመን'ቲ ብምትእትታውን ብምርዓምን፡ ኣብ ኩሎም ተጋደልቲ ከምዝሰፍንን፡ እቲ ንኡስን ንጹህን ኣእምሮ ናይ መንእሰያት በዚ ከምዝሕጸብን ኢዩ ተገይሩ። ንኹሉ ካብዚ ሰረተ-እምነት'ዚ ወጻኢ ዝኾነ ድማ፡ ከም ድሑር ዝምባሌታት ዝቑጸረሉ እዋናት ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሰንኩ እውን ከም ዝጠፍኡ ዝተገብረሉ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚታት ኣሎ (ንኣብነት 'የሚን' እናተባህሉ)። ናጽነት ኤርትራ ምስ ኮነ ድማ፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ባህሊ ኢዩ ናብ መንግስታዊ ኣሰራርሓን ፖሊሲን ብምእታውን ብምስራጽን፡ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብና ልዕሊ-ርብዒ-ዘመን (26 ዓመታት) ዝገዝእ ዘሎ። ንኣብነት፡ ህጻን ካብ 6ይ ክፍሊ ጀሚሩ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ከምዝጽመድ ይግበር፡ ዓሰርተው-ሓደ ክፍሊ ምስ ወድአ ድማ፡ ብኣስገዳድ ናብ መደበር ታዕሊም (ስልጠና) ሳዋ ወሪዱ ትምህርቱ ከምዝቕጽል ይግበር፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብቲ ከም "ዳስ ሓውያ" ዝምሰል ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይምደብ። ከምቲ ናይ መንፈስ ኣቦታትና፡ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ብትኽክል ኣብታ "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ"ዝተሰምየት ጻውዒቶም ዝኣመቱዎ ድማ፡ እቲ ንቡር ተራ ናይ ውሉድን ወላዲን ተሳኢኑ ኣሎ። እቲ ሕጊ እንዳባ ናይ ኤርትራ፡ ቅድሚ ምምስራት ናይታ ኣደ ዲሞክራሲ ተባሂላ እትፍለጥ ብሪጣንያ፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ህዝብና ክመሓደረሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ብራናን ጽሑፍን ዝሰፈረ፡ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ንወለዶታት ከም ባህሊ ዝሰረጸ፡ ሃብታም ሕጊን ዲሞክራሲያዊ ባህሊን ነይሩና ኢዩ "(ኣብዚ ተመልከት)"። እቲ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተወራረሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ሃብታም፡ ስልጡንን ክቡርን ባህልና ግን፡ ብሰንኪ ኣብ ዓድና ዘሎ ግጉይ ኣመራርሓ፡ እናተጋህሰ፡ ንመጻኢ ድማ፡ ናብ ክምለሰሉ ዘይክእለሉ ኣስጋኢ ደረጃ እናወረደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። መጽሓፍ "ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት" እምበኣር፡ ነቲ እናፈረሰ ክመጽእ ዝጸንሐ ባህልናን ክብርናን ንምምላስ ዝሕግዝ ማዕዳ እውን ኣለዋ።

ዘይምስምማዕ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘንቀሎ ምፍልላይ ወለዲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዓብዩ ቆልዑ ዘውርዶ ሳዕቤንን ዝገድፎ በሰላን፡ ካብዚ ንምድሓን እንታይ ክግበር ኣለዎን ንዝብል እውን መጽሓፍ "ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት" መንእሰይ ደራሲ ተስፋምህረት፡ ሓሳቡ የካፍለና።

እቲ ኣዝዩ ዘሐጉስ ከኣ፡ መጽሓፍ "ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት" ኣብ ከም ሃገረ-ስዊዘርላንድ ንኣብነት፡ ንስደተኛታት፡ ምስቲ ዝነብሩሉ ሕብረተሰባት ብኸመይ ክነብሩ ከምዘለዎምን፡ ኣብ ውሉዳቶም ከመይ ዝበለ ግቡእ ኣተሓሕዛን ክንክንን ክገብሩ ከምዘለዎምን፡ ከም ቀንዲ መምሃሪን መወከሲን መጽሓፍ ኮይና ተገልግል ምህላዋ ኢዩ። እወ፡ ኤርትራዊ፡ ጥጡሕ ባይታን ዕድላትን እንተዝህልዎ፡ ንሃገሩ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ንካልኦት ሃገራት እውን ከበርክት ዝኽእል ዕቑር ዓቕሚ ኣለዎ። ተስፎም፡ ሓደ ኣብነት ካብ ብዙሓት ዓወታት ዘመዝግቡ ዘለዉ መንእሰያት ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ድማ ኣገናዕ ክብሎ ይደሊ። ካልኦት መንእሰያት ኤርትራውያን እውን ኣሰሩ ክትስዕቡን፡ ብኣማኢታት ኣሽሓት፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብምውፋር፡ ነቲ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተሓይሩን ተሓሊኹን ዘሎ ስልጣኔ ኤርትራ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝሕምበብ ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ድሉዋት ክትኮኑ ይጽውዕ።

እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ መጀመሪያ ንነፍሲወከፍና ከም ዜጋታት ሕብረተሰብ፡ ከምኡ'ውን ከም ኣገዳሲት ህያብ ንኹሉ ቤተሰብን ስድራቤትን፡ ብፍላይ ከኣ ሓዳር ናብ ምምስራት ዘምርሑ ዘለዉ መንእሰያት፡ ክትከውን ዘለዋ ዓባይ ቅርሲ ኢያ።

መጽሓፍ "ሜላ ኣተዓባብያ ቆልዑ ኣብ ስደት" ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ:-

ደራሲ፡- ተስፋምህረት ገብረመድህን (ተስፎም)
ኢመይል፡- melaateababya@yahoo.com
ተለፎን፡- 0044 (0)75 350 400 52
FaceBook:- mela ateababya

*   *   *

መንእሰይ ወለዶ ደፋኢ ሓይሊ ምዕባለ ኢኻ።

ብኣኻ ድማ ዕድል ናይ ኤርትራን ህዝባን ይውሰን።

ስለዚ ትባዕ ንሃገርካ ቅያ ስራሕ!

ዮውሃንስ ጸጋይ
02/02/2017


Share with friends:

 

 

Share with friends:


See also Related /  ተመሳሰልቲ ምዕዶን ሓበሬታታትን፡-