ኣሉላ ዘዳግም ALULA THE SECOND

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/09/2019 02:55 AM

ኣሉላ ዘዳግም

ALULA THE SECOND

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) - መስከረም 01/2019

ኣሉላ ዘዳግም ALULA THE SECOND

ኣሉላ ዘዳግም
ALULA THE SECOND
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) መስከረም 01/2019

እታ ናይ መወዳእታ ፈተነ፡ ወረራ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ክብርን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ተሪፋ ዘላ፡ ፖለተካዊ ሸፈጥ ቍንቅኛ ትግራይ ትገርኝ ኢያ። እዛ መስፍናዊት ፖሊቲካዊት ፈተነ እዚኣ፡ ብቖራጽ መኸት ህዝበሊ ኤርትራ ፈሺላ ብሃጸያዊት ኢትዮጵያ ተተኪኣ፡ ብረታዊ ፍልምያ ብ ተባዕ መራሒ እድሪስ ዓወተን፡ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ብጾቱን ብ 1961 ብ ሓደ መስከረም ካብ ሱራ ንኽትምንቆስ ናይ ጥይት ኣዋጅ ተኣዊጁላ ኢዩ።

ታሪኽና ስርሑ ሰሪሑ ብ 1991 ነብሰ ጾር ናይ ሳላሳ ዓመት ሰውራና፡ ሃገረ ኤርትራ ተበኲራ። ናይ ጥዕና ጒድለት ግዲ ኣጽኒሓ፡ ህጻን ኤርትራ ሃገርና እንሆ ሎሚ ዳግማዊ ኣሉላ የንጻላልዋ ኣሎ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማተይ ዝበልክዎ፡ ሓደ ንወድዓዊ ወይ ንህልዊ ኲነታት ክመዝን ዘይክእል፡ ክመርሕ ወይ ክምራሕ ኣይክእልን ኢዩ፡ ኢለ ነይረ፡ ሕጂ’ውን ካብኡ ኣይወጽእን ኢየ።

ከምታ መዝሙረይ ናይ ቅድሚ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ኣጋ ወጋሕታ ድቕድቕ’ዩ ጸልማት፡ መሪር ኢዩ ቃልሲ ጥቓ ምዕዋት እትብል፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ኣብ መሪር መድረኽ በጺሕና ከም ዘለና ክሕብር እፈቱ። ሓበረታይ ኩሉ ግዜ ኣብ ግዳማዊ ዓለም ነቶም ደቀይ ይኣክል፡ ኣብ ውሽጠ’ውን ነቶም ደቀይ ፈንቅል ኢዩ።

ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ኩሉ ኢዩ ዘፍልጥ። ካብ ኢትዮጵያ ዝቐበጸ፡ ናብ ትግራይ ትግርኝ ዝመረጸ፡ ኣብ ኤርትራውነቱ ዝረገጸ ተሓዋዊሶም ስለ ዘለዉ፡ ይኣክልን ፈንቅልን ዓቢ ሓላፍነት ተሸኪሞም ኣብ ናይ ምጽራይ መድረኽ በጺሖም ከም ዘለዉ እዚ እዋን ይዛረብ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማተይ ዝበልክዎ፡ ኢሳያሳውያን ዓባይ ኢትዮጲያ ፈሺላቶም፡ ትግራይ ምቅብባል ኣብያቶም፡ ትግራይ ትግርኝ ትዝ ኢላቶም፡ ኣብ ንሳ ደዀን ትሓይሽ ዝብል ፖለቲካዊ ዓዘቕቲ ኣትዮም ብዝተፈላለየ ምኣዝናት ውጥም ቅልቅል ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ።

ዓበይቲ ካድራቶም ከም ብዓል “ተመራማሪ” ኣማኑኤል ሳህለ ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ናፍቖት ናይ እኖታዊ ሓረገ-ትውልዲ ኣትዮም፡ ኣብ መስፍናዊ ድሕረት ጠንቀላዕላዕ ክብሉን፡ ኤርትራዊ ሃገርነቶም ከህስሱን፡ ናይ ቀቢጸ ተስፋ መደረ ከቓልሑን ክትርኢ ከለኻ፡ መን ምስ መን ተሓዋዊሱ ይቃለስ ከም ዘሎ ንምልላይ ስለዝሕግዝ፡ ዝሓፍር ክሓፍር፡ ዝፍክር ክኣ ክፍክር ኢዩ ከይበልኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ሕጂ’ውን እቶም ትከታተሉኒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማተይ ኢሳያስ ፈቖድኡ ቀጥዒ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ጠንቀላዕላዕ አብ ዝበለሉ፡ ንኤርትራዊ ልዑላውነት ክብልልን ንትግራዎት ከነኣእስን፡ ንኣመራርሕኦም ከስተናዕቕን ከሎ፡ ተጋሩ እንታይ ትገብሩ? ከም ዝበልኩ ትዝክሩ ትዀኑ። ኣብ ትግራውነትኩም ይኹን ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዘለኩም መረገጽ ኣብ ናይ ልሳን ደገፍ (lip service) ጥራይ ተወሲኑ ክተርፍ የብሉን’ውን ኢለ ነይረ። ሕጂ’ውን ኣብ መትከለይ ከም ዘለኹ ክሕብር እፈቱ።

ናይ ዘበኑ ኢትዮጲያዊ ቅዋም ዓንቀጽ 39፡ መትከል ነብሰ-ውሳኔ ክሳዕ ምግንጻል ክጥቀም ዝደለየ ኹሉ፡ ኣብ ሃገራውነቱ ተኣማሚኑ’ምበር: ብዋጋ ዝዀነ ይኹን ጒርብትና ክኸውን ስለዘይብሉ፡ ታሪኻውን ስነፍልጠታውን መወከሲ ኣገዳስነቱ ወሳኒ ምዃኑ ዝምልከቶ ዘበለ ኹሉ ክርዳእ ይግባእ።

ሃገርና ኤርትራ ናታ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ መቦቆልን ዕብየትን ኣለዋ። ንሱ ክኣ ብቓልሲ ደቃ ተረጋጊጹ ኢዩ። ዳግማዊ ኣሉላ ኢሳያስን ዕሸላዊ መስፍናዊ ፖለቲካዊ እምነቱን ምስ ዘበናዊት ይኣክለ-ፈንቅል ኤርትራ ዝምድና የብሉን። ብወገነይ እቲ ኣብ ቀረባ ዝርከብ፡ ዝዓበየ መሳርሒ ናይ ዓለም ለኻዊ ሃጸይነት፡ ዓለም ለኻዊ መስፍንነት ኢዩ። ዳግማዊ ኣሉላ ክኣ መስፍናዊ ትሕዝቶ ኢዩ። “ፍቶ ጽላእ ቅጫኻ ብላዕ” ስለዝዀነ ቀቅጫና ክንበልዕ ጥራይ ኢዩ ዘዋጽኣና።

ብትንተና ናይ ቀቢጸ ተስፋውያን፡ ብቛንቛባ ብላህጃባ ጌርካ ሃገራት ክተሰርሕ እንተድኣ ኰንካ፡ ክሳዕ እዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ሃገር ትብሃል ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም የላን ምባል ይቐልል። ግን ኣብ እርጋኖም ዝጽይቐሎም ጥቕመ ፈሊጣውያን ስለዘጋጥሙ፡ ታሪኽ ንዘገርምን ዘየገርምን ከምዝግብ ግድን ኢዩ።

ኣሉላ ዘዳግም ክፍጠር እንተድኣ ኰይኑ፡ ይኣክል ዘዳግም-ፈንቅል ዘዳግም ዘይፍጠረሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? ሎሚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣነ ኤርትራውነት እንታይ ምዃኑ ኣስፊሐ ገሊጸ ኢየ። ብመወለድኩም ኲርዑ፡ ኣብ ሃገራውነትኩም ክኣ ጽንዑ ኢለ ኢየ። ዝዀነ ይኹን መወለድ ዘለኩም መሳርሒ ኣሉላ ዘዳግም ከይትዀኑ ክትጥንቀቑ ይግብኣኩም። ብዝዀነ ይኹን ሕሱርን ድሑርን ናይ ወለዶ ሓረግ ከነኣእሰኩም ዝፍትን ክኣ ብሃገራውነትኩም መክትዎ ኢለ ኢየ። ኣነ መን ኢየ ንስኻኸ መን ኢኻ ምባል ክርሕቀኩም የብሉን። ኣሉላ ዘዳግምን ፍልስፍኡን ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መኸተ ምስ እትዝንግዑ ኢዩ ዝዕወተልኩም። ኣብ ታሪኻዊ ምዕባሌ ሕብረተ-ሰብ ካብ ርእሰማልነት ናብ መስፍንነት ትምለሱ ከም ዘለኹም ኣስተውዕሉ።

ንእግረ-መንገደይ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብመትከል ብዙሕ ተስፋ ዝህብ ምልክታት ናይ ኤርትራዊ ሃገርነትን ኣገባብ ቃልሱን ይርአ ምህላዉ ተዓዚበ ኣለኹ። ንሱ ድማ ይኣክል ምስቲ ኩሉ ሕልኽልኻቱ፡ ኣድህቦ ነባራት ውድባት እንዳረኸበ ይኸይድ ምህላዉ ንዕዘብ ስለዘለና፡ ይኣክላዊ መኽሰባትና ውህላሌኡ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ምስ ይኣክል ደው ክንብል ኢና፡ ዝክኣለና ክኣ ክንገብር ኢና ዝብል ተባዕ መደረ ስምረት ሰለስተ ውድባት መጋብኣያ ፈራንክፈርት ናይ ሐ.ደ.ለ. UDC ብሓደ ወገን፡ ከምኡ’ውን መደረ ተጋዳላይ ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ዓቢ መደረብታ ማዕረ ንይኣክል ገደፍዎ፡ ነብሱ ይወድብ፡ መራሕቱ ክኣ ይሃንድስ፡ ኣብ ማእከሉ ናይ ውድባት ቀንጠብጠብ ኣየድልን ዝሕላገቱ መልእኽቲ፡ ምስ ፖለቲካዊ ወነይ ስሰዝኸይድ ኣድሚቐ ክጠቕሶ ደስ ይብለኒ።

ክንጥንቀቖ ዘለና ነገር ግን ኩሉ ግዜ’ሎ። ንሱ ክኣ ኣብ መንጎ መትከላዊ እምነትን፡ ኣብ መንጎ ተግባራዊ ተበግሶን ዘሎ ዝምድና ምልላይ ኢዩ። ምኽንያቱ ክኣ ብመትከል ኲላትና ኤርትራ ሃገርና እንዳልና ክንጭድር ዳርጋ ልምድና ኢዩ። ብተግባር ክርአ ኸሎ ግን፡ አሰራርሓና እምነት ዝጎደሎ ምስጢራዊ ኣመራርሓ ዝተሓወሶ ምዃኑ ባዕሉ ታሪኽ ይምስክር’ዩ። ገናውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ኣብ ጌጋ ዝተሸሙ ስለ ዘለዉና፡ ተስፋና ምስ ጥንቃቐ (optimistically cautious) ክኸውን ኣለዎ ብሃላይ ኢየ።

ታሪኽ ንሕስያ የብሉን:: (history is merciless). ኣወንታዊ ነጥበ መቐይሮ (positive turning point) እንተርእዩ ግን ነቲ ኣወንታ ከም ሞራላዊ ኮመዲ (moral comedy) ገይሩ ስለ ዝምዝግቦ ከም መአረምታ ወይ ሕክምና ናይ ዝሓለፈ ቍስሊ ወይ ናይ ዝሓለፈ ሕጽረታት ክውሰድ ይክኣል’ዩ። ስለዚ ኩላትና ነብሰ ተፍቲሽ ማለት ነብሰ ውከሳ ክንገብርን፡ ናብ ልዑላውነትናን መሳርሒታቱን ብተግባር ክንጥምትን እንተበቒዕና ዘይርሳዕ ኣወንታዊ ትርጒም ክህልዎ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኣ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ኣካላት ከም ውድባዊ ውሳኔ መጠን ትዓወት (kudos) ክብሎም ኣፍቅዱለይ። ከም ውልቀ-ሰባት ግን ቅድሚ ሕጂ ንብዙሓት ብሓፈሻ ስለ ዘመስገንክዎም ምድግጋም ኣይድልየንን።

ሓደ ዓቢ ተርእዮ ግን ኩላትና ክንጠቕሶን ከነመስግኖን ዘለና፡ ሰጊርናዮ ክንሓልፍ ዘይግባእ፡ ንቕሎ ናይ ኣዴታት ኣሎ። እዚ ንቕሎ ናይ ኣዴታት ናቱ ፍሉይ ታሪኽ ዘለዎ ሃብታም ንብረት ልዑላውነት ኤርትራውያን ኢዩ። ማህጸን ይኣክለ-ፈንቅልን’ውን ንሱ ኢዩ፡ ማህጸን ናይ ኩሎም ውድባትን ውልቀሰባት ተቓለስትን’ውን ንሱ ባዕሉ’ዩ። ማህጸን ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ’ውን ንሱ ኢዩ። ኣፍ ልብን እንግድዓን ልዑላውነትና ንሱ ኢዩ። ብዛዕባ ኣዴታትን ብሓፈሽኡ ደቀ-ኣንስትዮን ዝጸሓፍኩዎን ዝመደርኩዎን ውሑድ ኣይኰነን። እቲ ካልኣዩ ዝለዓለ ዝጸሓፍኩዎን ዝመደርኩዎን ብዛዕባ መንእሰያት ኢዩ። ነዚ ክልቲኡ ሀገራዊ ድፋዕ እንድሕሪ ረኺበ ድኣሞ፡ ብዳግማዊ ኣሉላ ንዂነታት ምምዛን እንተዘይኰይኑ እንታይ ዘሰክፍ ኣለኒ። ንንቕሎ ኣዴታት ምስ ደቀን ክኣ ተ-ዓ-ወ-ት (kudos) ክብሎም ኣፍቅዱለይ።

ብሕጽር ዝበለ እቲ ምኣዝን ማለት ማእከል ናይ ቃልሲ ኣብ ዝሓለፈ ሕታመይ ዝበልኩዎ ዓንዲ ማእከልነቱ እንዳተነጸረ ክኸይድ ከሎ፡ ካብ ኣባት-ነገር ይኹን፡ ማለት ካብ ቀንዲ ጭብጢ ዝሃድምን፡ ናይ ሕልኽልኽ ፈተነ፡ ረብሓ ኣልቦ ዝዀነ፡ ንኣሉላ ዘዳግም ናይ ዕንቅፋት ዕድል ዝህብን፡ ባዕላዊ ፍሹል ዝዀነ፡ መባኸን ግዜ ውዕሎታት፡ ኣብ ትንፋስ ሕጽረት ይርከብ ምህላዉ ጋህዲ ኰይኑ’ሎ።

ሃገርና ኤርትራ መሰል ሰባ ጥራይ ዘይኰነስ መሰል ኩሉ ልዑላውነታ ተጋሂሱ ስለዘሎ፡ ደው ክንብለላ ምእንቲ ክንበቅዕ ንጹር ተንታን ናይ ፖለቲካዊ ዕጥቂ ክህልወና ኣለዎ። ልዑላውነትና ዶብ መሕንጻጽ ጥራይ ኣይኰነን። ኩሉ እቲ ኣብ ክሊ ዶብ ዘሎ ንብረትና ምስ መሰላቱ ኢዩ። ንሱ ክኣ ብዶብ ምሕንጻጽ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኰነን። መሰል ጽቡቕ ኣየር ምስትንፋስ፡ መሰል እንስሳታት፡ መሰል ኣረጋውያን፡ መሰል ኣዴታት፡ ኣቦታት፡ መሰል ህጻውንቲ፡ መሰል ኣግራብ ወዘተ… ዶብ ምሕንጻጽ ኣየረጋግጾን ኢዩ፡ ስለ’ዚ እቲ ኹሉ ተረጊጹ ዘሎ ልዑላውነትና ብግቡእ ፖለቲካዊ ትርጒሙ ክርድኣና ኣለዎ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ክልተ ተዋሳእቲ ሆሊ ዉድ፡ ሚለይ ሱሩስን ሊያም ህምስዎርዝን ዝበሃሉ ሰብ ሓዳር ምዃኖም ኣኽቲሙ፡ ውላድ ስለዘየትረፉ፡ ኣብ’ቲ ውዕል ምፍልላዮም ንዘለዉዎም እንስሳታት ኣብ ምእላይ ብስምምዕ ተወፋይነቶም ከበርክቱ ምዃኖም ተሰማሚዖም። ስለዚ ልዑላውነት ዋንነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሰል’ውን ብዘይ ጐደሎ ዘጠቓልል አምር ኢዩ። ልዑላውነትካ ግዳማውያን ጥራይ ኣይኰኑን ዝዕምጹኻ፡ ውሽጣውያን’ውን ካብኡ ሓራ ኣይኰኑን።

ንምልክን ደሞክራስን ፍልስፍናውን ፖለቲካውን ትርጒሙ ከይተረዳእና፡ ወግሐ ጸብሐ እንተለፍለፍና ትርጒም የብሉን። ብዙሕ ኣምራት ካብ ዘይፍላጥ ንጋገዮ ከም ዘሎ ክንርዳእ ይግብኣና። ንኣብነት እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንይኣክል ይኹን ንመንእሰይ ብሓፈሻ ክንገልጾ ከለና፡ ንዓበይትን ንመንእሰያትን ከንገልጽ ኣብ እንፍትነሉ እዋን፡ ኣብ ኣምራዊ ገለጻና ጌጋ ንገብር ውሑዳት ኣይኰነንናን። ንትውልዲ ምስ ሕብረተሰብ ብዘይ ንሱ ሓዋዊስና ክንገልጾ እንተፈቲንና፡ ኣብ ጌጋ መደምድምታ ንወድቀሉ ሸታሕታሕ ወይ ምንልሃጽ ናይ ልሳን ኣሎ። ዓቢ ኣጀንዳ ክም ምዃኑ መጠን፡ ብተራ ምስላ “ካብ እግሪ ኣፍ ይዕነቀፍ” ኢልና ክንሓልፎ ኣይንኽእልን ኢና።

ናይ ቆልዑ፡ ናይ መንእሰያት፡ ናይ ዓበይቲ፡ ናይ ኣረጋውያን ናይ ሰብኡት፡ ናይ ኣንስቲ ሕብረተሰብ የለን ወይ ኣሎ ኣብ ዝብል ተንታን እንድሕሪ ኣቲና፡ ሓደገኛ መጋገይ ገለጻ ኢዩ። ሕብረተ-ሰብ ሓደ ዓቢ ምዕባሌ ኣብ መስርሕ ኣህዛብ ዝርከብ ኰይኑ ንኹሎም ክፍልታት ሓቝፉ ብወለዶታት እንዳተተኻኽአ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ዝሰጋገር ጒዕዞ ደቂ ሰባት ኢዩ። ንፍሲ ወከፍ ወለዶ ክኣ ኣብ ታሪኽ ነናቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። ታሪኽ ንባዕሉ ውጽኢት ደቂ ሰባትን ኣብ ምዕባሌ ዝህልዎም ቍርቍሳትን ኰይኑ፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ብርክታቱ ብወለዶታት ስለዝንጸር፡ ነፍሲ-ወከፍ ወለዶ ግዲኡን ዓቕምታቱን ምስ ግዜ ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ስለ’ዚ ክኣ ኢና እጃም ወለዶ ኣብ ግምት ብምእታው ነድንቕን ንወቅስን። ስለ’ዚ ወለዶታት ዓቕምታቶም ምዕቃንን፡ ጠለባት ናብ ዝምልከቶ ምውጃህን ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ምስጢራት ስነፍልጠታዊ ኣገባብ ናይ ቃልሲ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግብኣና።

ኣብ ኣምራዊ ጌጋ ምእንቲ ከይንኣቱ ተጋጊና፡ ንሰባት ብፍላይ ክኣ ነቲ ወሳኒ ተራ መንእሰያት ዘይመንገዱ ከይነትሕዞ ክንጥንቀቕ ከድልየና ኢዩ። ውሕስነትና ክኣ ምምይያጥን ክኢላታትን መጻሕፍትን ምውካስን፡ ብዓቢኡ ክኣ እንምርኰሶ መጎት ኣብ መልክዓዊ ስነ-መጐት (formal logic)፡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘንተመጎታዊ ስነ-መጐት (dialectical logic) ምስ ዝኸውን ንቐጻልነት ገለጻና ከምዘይበታተኽ ስለዝገብሮ ንርእስና ተጋጊና ንሰባት ካብ ምግጋይ ንድሕን።

ኣብ ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ሃለዋትና ንልዑላውነትና ዝምልከት ዘበለ ኹሉ ብፖለቲካዊ ብቕዓት ዘይስነ እንተድኣ ኰይኑ፡ ብምልኡ ግዜና ኣብ ባዕላዊ ዝምባሌታትን ውልቀ ሓልዮትን ድሑር እስስራትን ተሸሚምና፡ ብምርዳእ ይኹን ብዘይምርዳእ ኣደዳ ዳግማዊ ወረራታት ኰንና ንተርፍ። ብቕዓት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ ትምክሕቲ፡ ናብ ድርቅና፡ ናብ ምልኪ፡ ወይ ድማ ናብ በለጽ ናብ ውልቃውነት፡ ናብ ሻራ፡ ኣትዩ፡ ስእሊ ኣብ ገልዒ ኰይኑ ይተርፍ። “መልክዕ ድኣ ይሃበኒም’በር ውሕልነት’ሲ ካብ ጐረበተይ ይልቅሖ” ዝብሃል ኣዘራርባ ወይ ምስላ ኣብ ፖለቲካ ቦታ የብሉን። ኣብ ፖለቲካ ውሕልነት ድኣ ይሃበኒ’ምበር መልክዕሲ እቲ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባልን፡ ብኽውንነትካን ብምስልኻን ምዝራብን ምዂራዕን’ዩ ዘዋጽእ።

ኣብ ፖለቲካ ሰብኣይን ሰበይትን’ውን ኣብ በበይኑ ፓርትታት ኰይኖም ይቃለሱ ኢዮም። ሓዳርን ፖለቲካዊ እምንቶን በበይኑ ፍልስፍናዊ ራኢ ወይ ትርጒም ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ዝኸውን ኩሉኹም ሃሰስ ኢልኩም ኣይተስእኑን ኢኹም ዝብል ግምት ኣለኒ። ንመረዳእታ ዝኸውን ግን ሓደ ክጠቕሰልኩም ኢየ። ጀይመስ ካርቪል ዝብሃል ኣብ ሕ/መንግሰታት (USA) ናይ ደሞከራሲያዊ ፓርቲ ኣማኻሪ ዝነበረ (campaign consultant) ከምኡ ድማ ሜሪ ማታሊን (Mary Matalin) ናይ ሪፓብሊካን (republican political consultant) ኣማኻሪት ዝነበረት ብግዜ ፕረሲደንት ቡሽ ምዃኑ’ዩ ክዝከር ይክኣል።

እዚ ኹሉ ዘምጽኦ ዘለኹ፡ ፍልስፍና ኣብ ፖለቲካ ክሳዕ ክንደይ መሰረታዊ ትርጒም ከምዘለዎን ኣብ ዕብየት ሕ/ሰብ፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ውድድር ዘለዎ ተራ ወሳኒ ምዃኑን ንምርዳእ ዝኣክል ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ሃለዋትና ብዕሙት መንገዲ መፍቶ ጎበጥቲ ገበጥቲ ከምኡ ድማ መጋበርያ ዝዀኑ ኣብ ነብሶም ዘይተኣማመኑ፡ ኣሰር መሳፍንቲ ዝኽተሉ ዳግመ ኣሉላወያን ምእንቲ ከይነኸውን፡ ዕጥቅና ናብ ጠበንጃ ዘተኰረ ጥራይ ከይከውን ንምሕባር ዝኣክል ኢየ።

ንጸላእትና ቅድሚ ጠበንጃ መስካምና መጀመርያ ብፖለቲካ ፍሕት ከምዘይብሉ ክንገብሮም ይግብኣና። ናይ ቀረባ መረዳእታ ንህግደፍ ብፖለቲካ እንዳሓምሸሽናዮ ንኸይድ ስለዘለና፡ ወዮ ብረት ሰራዊትና ናቱ ዝመሰሎ ዝነበረ፡ ናትና ክኸውን ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ድሮ ተሸከምቲ ጠበንጃ ዝዀኑዎ ኣብ ምክራይ (mercenaries) ይርከብ ምህላዉ ምልክታት ይስማዕን ይውረን ኣሎ።

ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ክኣ ይኣክለ-ፈንቅል ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መሰናኽል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዕጥቅኹም ብኹሉ መዐቀኒታት ከም ሓደ መስከረም ሸጥ ክብል ኣለዎ ብማለት በዚ ናይ ሎሚ ዕለት ኣጋጣሚ ንመስከረም ሓደ 1961 ቀዳማይ ብረታዊ ዕጥቅና ንምዝካር ዝኣክል፡ በታ ኤርትራ! ባሕቲ መስከረም 1961 እትብል ግጥመይ ኣሰንየ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ክዛዝም ኢየ።

ኤርትራ
ባሕቲ መስከረም 1961
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ኤርትራ ሃገረይ ደንደስ ባሕሪ
ንጸላእቲ ጥሓሒራ ነብሪ
ክንዲ ትሕፈርስ ትድፈሪ

ትወልድዮም ጀጋኑ ሰብ ስረ
ሰብኣይን ሰበይትን ማዕረ-ማዕረ
ካበይ ድኣ መጹ ብዓል ማእረ?

ገለ ይደፍኡኺ ብሃይማኖት
ብድሑር ዝምባሌ ወገንነት
ወግሐ-ጸብሐ ስኢንኪ ቅሳነት

ዶብ የብልናን ኢሎም ይዛረቡ
ጽንሕ ኢሎም ብዶብ የሳብቡ
ጸረ ሰላም ሓሶት ዝርብርቡ

ሓንሳእ የውርዱኺ ንዕዳጋ
ሕሱር ክሸጡኺ ብዘይ ዋጋ
ሃህ ምስ በለ ናይ ወራር ምንጋጋ

ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ በብታራ
ኩሎም ይስዕስዑ ኲዳ ስብራ
ወፈራ ገዛእቲ ጒራ-ምራ

ገለ ይኣስር ገለ ድማ ይርሽን
ተኸደኒ ይብለኪ ፈደረሽን
ጒዳም ሳርቶ ዘይመጠንኪ ሽንሽን

ብላዕሊ ዝመጸ ትዕምጸጺ
ብታሕቲ ዝመጸ ትጒዕጸጺ
በዝን በትን ኳዂቶ ትረግጺ

ሓንሳእ ይተዂቡልኪ ኣውቶኖሚ
ኣብ ዘይከውን ነገር ክትፍርሚ
ግራት ሂብክስ ቀሪም ክትቅርሚ

ትጸርግዮ ብግዳም ዝመጸ
ይጸንሓኪ ብውሽጢ መላጸ
ፍልሖ’ኸይድ ደድሕሪኡ ጻጸ

ይቐርቡኺ ኣሕዋት ኢና ኢሎም
ታሪኽ መሳፍንቲ ለቓቒቦም
በትሪ ግን ኩሉሳዕ ኣብ ማእገሮም

ብሰይጣን ውሻጠ ትጒበጢ
ከም ቆጽሊ ትረግፊ ትሽምጠጢ
ብውሽጥን ብደገን በሊሕ ሰንጢ

ዘዝወለድክዮም የሕየሩ
እንታይ ንግበር ኢሎም ከይመኽሩ
ናትኪ ናብራስ እምብዛ መሪሩ

ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ርኢና
ከም ሰይቲ ሎጥ ዓንዲ ጨው ፈሪና
ሰብ በሪሱ ዋህራር ተቐይርና

ጒዳም ሃገር ሓንሳብ ዘይተዕርፍ
ከም ዑፍ ናይ መሸላ ወትሩ ወንጭፍ
ሰብ ሓሲሩ ከም ቆጽሊ ይረግፍ

ፈራይት’ዶኰንክን ለዋህ ኣደ
ዕቋር ናይ ከብድኺ ናበይ ከደ
ከምታ ናይ ቀደምኪ ጅግና ሓደ

ሽፍታ ተባሂላ መስከረምኪ
ብዘይ ቀለዓለም ብዘይ ሕንኪ
ድሮ ተረሲዑ ጽኑዕ ብርኪ

ከይተማህሩ መማህራን ኰይኖም
ተማጐትቲ እወሓስ ጀሚሮም
አግብእ ከም ዘሎ መን ክነግሮም

መንእሰይኪ ጥሓሒራ ነብሪ
እታ ምስጢር ንገርዮ’ምበሪ
ዘክርሉ ንመስከረም ቦዂሪ

ታሪኽ ዝዘንግዐ ዘየምበበ
ዘረባ ቐለቡ ዘይረብረበ
ልሳን ዓሻ ንመከራ ’ጽበ

መስከረምና ናይ ቃልስና በዱ
ክሒዱኪ ጥንቅልዒት ፍርዱ
ምውዳቑ ዘይተርፎ ሰም ልማዱ

ተፈተል በልዮ መንእሰይኪ
ብዓል ጽኑዕ ምናት ብዓል ብርኪ
ንዓኺዶ ምልኣኽ ጠፊኡኪ

መስከረም ሃገረይ ጽዕነት ዘይኸብዳ
መሬት ኣዳል መሬት ባርካ ጻዕዳ
ተበገሲ’ምበሪ መገሻ ልማዳ

ሽፍታ ተባሂሉ ዕጥቂ ስረ
ቋንቋ ናይ ጃንሆይ ዝተቐብረ
ልሳን ደርጊ ርሑቕ ዝሰፈረ

ሰላም-ሰላም ሓደ መስከረምና
መባእታዊት ማህጸን ጠበንጃና
ዘልኣለም ተንቃዕርር መሳርያና

ጥይት ኣዳል ሰማይ ዘንቃዕረረት
ተዂሲ ጅግና ታሪኻዊት ብረት
መቓልሕ ናይ ገድሊ ዝኣወጀት

ኣላዶ እታ ዝናር እታ ካዝና
ቅያ ናይ ቀዳሞት ትዝ ኢሉና
ትርጒም ናይ መስከረም ክበርሃልና

ዳኛ ወራር ዘይከውን ይፈርድ
በዝን በትን መከራ የውርድ
ሃገር ድማ መስከረም ትወልድ

ሕጂኸ ትውለድ ወርሒ መን’ያ
ንመስከረም ሓደ እተብርያ
ሕነ ተፈድየልና ኣጸምያ

ትዓገሱ ይብሉና ሰረትና ጸኒቱ
ኣብ ከብድና ኣትዮም ብዓል ከንቱ
ተሰደዱ ይብሉና ኣምሰያ ክተቱ

ኣንታ ጅግና ህዝቢ ተልዓል ብዕሊ
ምቝሕ ናይ ኣረሜን ብተካ ብሓይሊ
እንዳቐርደዱኻ ’ታይ ዝኸውን ዓቕሊ

ዘዋጽእ ስምዓዮ እዝኒ ’ንተሊዩካ
ንሳቶም ብሓዊ መስኪን ጥራይ ኢድካ
ዘክር’ምበር ታሪኽ መስከረምካ

ናብ ስደት ኣምሪሑ ሃገሩ ጠንጢኑ
መቕዘፍቲ በዚሑ ወድ-ሰብ ደኒኑ
መስከረም ዝዝክር ደኾን ተሳኢኑ

መንእሰይ በሪሱ ብተዂሲ ጠላማት
ዘዕብዮም ስኢኖም በዚሖም ዘኽታማት
ዕሽነት ነጊሱ ውሒዶም ለባማት

ዕባይ ናይ ከበሳ ቆላታት የውርዶም
ዕባይ ናይ መታሕት ላዕሊ የደይቦም
ክንዲ ብድልየቶም ተጎቲቶም

እምብለይ ምባል’ዩ ከም መስከረም
ማሕላ ሃገር ንምንታይ ይጥለም
ሰላም ንኽነግስ ንዘልኣለም

ምዓስከር ናይ ህግደፍ የብቅዕ ስዓታታ
ዝኽተብ ከይርከብ ሓደ መተካእታ
ሰራዊት ለብሙ ክርከብ እፎይታ

ካብ ማእሲ ክብረታ መርዓት ዘሰምብዱ
ካብ ንእዲ መርዓውቲ ኣጓብዝ ዝወስዱ
ብሃልሃልታ ሰይጣን ህዝብና ነዲዱ

እምቢ በል መንእሰይ ክብረተይ ኣይሸጣን
ናይ እንዳመን ትኪ ናይ’ንዳመን ዕጣን
ዓይንኻ ከዕውሮ ሰብ ዝመስል ሰይጣን

ሓንቲ ፋብሪክኦም ማእለማ ናይ ክሲ
ሸኽ ኣይብሉ ቀሺ ዋላ ንፈላሲ
ህግደፍ ጥራይ ዳኛ ኩሉ ተኸሳሲ

መንእሰይ ክተቱ በሉ ተበገሱ
ግሩዛት ይትረፉ ኣጒድኦም ዘፍርሱ
ታሪኾም ዝቐብሩ ስንፍና ዘውርሱ

ጎበዝ ተጸዊዑ ኣቤት ዝበቐቐ
ምስ ከዳዕ ኣሻርዩ ታሪኽ ዝጸየቐ
ብድልኽ ከድዓት ልቡ ዝረቐቐ

መስከረም-መስከረም-መስከረም ዝያዳ
መራሒት ላም ደወል ኣብ ክሳዳ
ክንደይ’ዩ ሕጂ’ኸ’ቲ ዝኽፈል ዕዳ?

ጎበዝ ተላዒሉ ብዓለም ለኻዊ
ከምኡ’ንድኺ ንስኺ ትፈትዊ
ኣብ ውሽጢ ክኣ’ሎ ድጒል ሓዊ

ኣደ ጅግና ጥይት ዝተኰሰ
ሓንሳእ ምስ ወፈረ ዘይተመልሰ
ጠበንጅኡ ንህዝቢ ዘውረሰ

ተመራጺት ካብ ኣዋርሕ ዓመት
ብመቓልሕ ጥይት ዝነቀወት
ሻምብቆ ጠበንጃ ዘንቃዕረረት

ኣወል ቃልሲ ራኢ ናይ ጀጋኑ
ዘይትርሳዕ ናይቶም ዝመነኑ
ሕልሚ ወራር ኣንጊሆም ዘምከኑ

ማህጸን ሓበን ወላዲት መስከረም
ጓህሪ ሰውራ ዝጀመረት ፈኸም
ቅልጽም ሓፋሽ ናይ ገድሊ ዓረምረም

ተዋህሊሉ ኤርትራዊ ዓቕሚ
ትርጒም ክህብ ናይ ጀጋኑ ሕልሚ
ፈሲሱ ደም ተኸፊሉ ዓጽሚ

መብጽዓ ደም ዓወት ኣመዝጊቡ
ኣሰራሲሩዎም ብሂወት ዘርከቡ
ነቶም ዝሓለፉ ክብሪ ሂቡ

ዓበይቲ ኣረግቶት ብጸሎቶም
ኣጒባዝ ጀጋኑና ብጥይቶም
ማሪኽክዮም ብሓባር ከቲቶም

ኩሉ ዝደቀሰ ኣበራቢርክዮ
ወዮ’ምብለይ ሕራይ ቀይርክዮ
ዘርከብናሉስ ኩሉ ርኢናዮ

ሕጂንደሞ ከድዓት ነጊሶም
መስዋእቲ ደቅኺ ጥሓሒሶም
መስከረም ታሪኽኪ ዝፈዀሶም

ኣነ ጥራይ ዝብሉ ሓንቲ ምርጫ
ምድግዳግ ኣመሎም እከይ ዕጫ
ብርኪ ጅግና መሲሉዎም ቃንጫ

እዚ ኹሉ ታሪኽ ተሰኪምና
ዓለም ዝመስከሮ ዓቢ ዝና
ሽፍታ ዝብል ሳጓ ወጺኡና

ከንዲ ሓቢርና ንጸርግ ንህግደፍ
ከንዲ ሰዊድና ብጽንዓት ንስለፍ
ትርፊ ኣልቦ ከንቱ ንጸራረፍ

ኣጆኺ መስከረም ኣጆኺ ባርካና
ኣይረሳዕናን ንርስዕ ’ታይ ኰንና
ካብ ሓርቢ ከብድኺ ሸይኽና ሰቲና

ተስኡ በልና ከም ኣመልኪ
ከም ቀደምና ሕራይ ክንብለኪ
ንሱ’ዩ ታሪኽና ደስ ይበልኪ

መስከረም ንሱ’ያ ኣንጊሃ ሓቲታ
ደቃ ተሰሊፎም ሽዑ ንምሸታ
ትነበብ ታሪኽና ከም ዘላታ

ሓቂ ሒዝና ንቐጽሎ ሰውራ
ንመሰል ወድ-ሰብ ንሓበራ
ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ኣይነዕብራ

ኣባሪርና ኢትዮጲያዊ ሽፍታ
ኣብ ውሽጢ ጸኒሑ መፈውንታ
ኣኻዓየ ናይ ደርጊ መሰታ

ጐበዝ ሃገር ናውትኻ ’ዋድድ
ኮፍ ይኣክል ብድድ ድኣ ብድድ
ካብ ተመን በረኻ ናይ ገዛ ይገድድ

እዚ’ዩ ናይ ቃልስና ምስጢር
ይትረፈና ዘይረብሕ ክርክር
ታሪኽ ሒዝና ህዝቢ ነበራብር

ንመንእሰይ ዝምከር ንምከሮ
ፈለግ ሰውራ ሕጂ ንሓብሮ
ማይ ክትሰቲ ዝጸምአት ጎሮሮ

ገለን ሽፍታ ንብል ገለናን ወያነ
ፍረ ዘይርከቦ ፍጹም ዝመኸነ
ታሪኽ እንዳማትና ታሪኽ ከም ተሳእነ

ምኽሪ ጠፊኡና ነባሮ ዓበይቲ
ሓጋይ ሃዲሙና ዘንጊዕና ክረምቲ
ማሕረሻ መሪቱ ነቒዙ ዘራእቲ

ጒዕዞ መስከረምና ታሪኻዊ ዘንጊ
መጐተ ጀጋኑ ብሓይሊ ብሕጊ
ህግደፍ ኣይከብዶነ’ዩ ዘባረረ ደርጊ

ኣያኺተ ጐበዝ ተልዓሊ ጓልያት
ጓል ነገር ንግደፎ ባንዴራ እድያት
ብኽያት ናይ ዓያሹ ዘይረብሕ ምኽንያት

ክውስኸሉዶ መዝሙር ናይ ለንቅነ
ኣሉላ ዘዳግም ቀደም ዝመኸነ
እንዳሰማዕኩስ ስቕ ኣይብልን’የ ኣነ

ጥቕመ ፈሊጣዊ ተፈዲሕካ
ኣብ እርጋንካ ወለዶ ቆጺርካ
ከይተፈለጠካ ህግደፍ ኰንካ።

በሉ እምብኣር ደቂ መስከረም፦

ኣባት ነገር ታሪኽና ንዘክር
እንደገና ’ዛ ዓለም ትመስክር
ጠላም ይሕፈር ኣንበሳ ይፈክር

እንተተኰስና ግንባር ንበታትን
እንተ መረሽና ቀላይን መሬትን
እንተቖምና ደብተርን ስርዓትን

ሕጂ’ውን እንደገና! ይኣክል ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ፡ ታሪኽ ሓደ መስከረም ተዓጢቕካ ኣብ ዝብጻሕ ክትበጽሕ ምዃንካ ጥርጥር የብለይን። ወይልኦም ብዓል ወለቕ-ዘለቕ - ዘይረብሕ ዘረባ በጨቐ-በጨቕ፡

ክንዕወት ኢና፡ ሰናይ ቅነ፡ ክምለሰኩም ክኣ ኢየ፡ ክረስቶስ ጥራይ ኢዩ ክምለሰኩም ኢየ ኢሉ እርም ኢሉ። ጽንዓትና ክርኢ ደልዩ ኢዩ ዝኸውን እሞ ጽንዓትና ነርእዮ።

ረድኢ ክፍለ (በሻይ)


Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifle ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) (Snitna Archives):-


ኣሉላ ዘዳግም ALULA THE SECOND - by Redi Kifle Bashay (Snitna 03-Sep-2019)

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: