ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ (1ይ ክፋል)

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/06/2019 02:10 AM

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
(1ይ ክፋል)

ብ'ሰሎሞን ዮውሃንስ

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ
ሽዳ (ሳእኒ) ከዕጥቆም ዘይካለ ስርዓት ምኻኑ ኣብ ‘ዛ ስእሊ ኣተኵርና ንትዓዘብ።

ንሓይሊ ባሕርና ንምድኻም ዝተወጠነ ሜላ (1ይ ክፋል)
ጽሑፍ ብ 'ሰሎሞን ዮውሃንስ

እታ መጋዊሒት ጡሩንባ ሓሶት ናይ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 28 ዓመት ቊጽሪ 192 ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 2019 ኣብ 1ይ ዓምዲ ገጻ ዘስፈረቶ፡ 31 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብድሕነት ባሕሪ ኣሰልጢኑ ዝብል ጽሑፍን ስእልን ዝሓዘ ምስ ረኣኹ፡ ተሌፎነይ ሲሒበ ናይቲ ጋዜጣ ዋና ኣሳናዳኢ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣስፍሃ ተኽለማርያም ቊ.ተ 116266 ኣብታ ጋዜጣ ሰፊሩ ዝረኸብኩዎ ብተደጋጋሚ ደዊለ። እንተኾነ ግን፡ ኣይኮነን ክላዓል እታ ኤሪ-ቴል ብኽብረትኹም ጸንሒኹም ደውሉ ትብል፡ ሓሶት ግዲ በዚሑዋስ እሳውን ንባዕላ ኣይተረኸበትን። ዝደወልኩሉ መዓልቲ፡ ቀዳም ንግሆ ብናይ ኤርትራ ኣቆጻጽራ ስዓት 10-12 ኢየ ዝፈተንኩ። ነቲ መልእኽቱ ንምዉካስ ኢዩ ዝነበረ ፈተነይ።

እቲ ንኽዛረብ ዝዓደመኒ፡ ኣብታ ጋዜጣ ካብ 1ይ ዓምዲ ገጽ ጀሚሩ ብሓይሊ ባሕሪ ብዙሕ መዛረቢ ነጥብታት ሰፊሩ ስለ ዘሎ እየ። እዚ ድማ፡ እቲ ሎሚ ካብቲ ቡዙሕ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ውድቀት ሃገርና ዝኾነ ሓደ ሓይሊ ባሕርና ብግልጺ ኣነጺሩ ዘርኢ ኢዩ። እቲ ክውሃብ ዝኽእል ትንታነ ብመሰረት ኣብዚ ኣስፊራቶ ዘላ መግለጺን ስእልን ድማ ንዓይን ንህዝብናን ንዕቀታዊ መላገጺ ኢዩ። ግን ክንዮ መላገጺ ሓሊፉ ዝዕድም መልእኽቲ‘ውን ኣለዎ። ኣብ ዉሽጢ 30 ዓመት ስልጡን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝሃነጽናዮ ከም ዘየሎ ኢዩ ዝእንፍት፡፡ ሰለዚ፡ ነታ ባሕርን ሓይሊ ባሕሪን ዘይብላ ኢትዮጵያ ድማ ተረከቡና ዓቅሚ የብልናን ንስኹም ትሕሹ ኢዩ ዘንጸባርቅ። ኣብ`ዛ ስእሊ`ሞ ኣተኵርና ንመልከት፡ እዚ 30 ዓመት ዘቁጸረ ሓይሊ ባሕሪ ዘቆመት ኤርትራ፡ ብሰንኪ ስርዓት ልጅ ሃጸይ ዘራጊቶ ኢሳይያስ ሓንቲ ቅንጣብ መልክት ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዘይቡሉ ሰራዊት፡ እሞ ኸኣ ኣብ ባሕሪ ንዝመጽ ዓመጽ በዚ ናትና ዓቅሚን ብቅዓትን ሓይሊ ባሕሪ ማለት እቲ ኣብ ማይዊ ክሊ ባሕርና ብሱዳንን ቱርክን ካልኦት ሃገራትን ዝመጽእ መጥቃዕትን ወራራትን ካብ ዓቅሚ ምክልኻል ሓይሊ ባሕርና ንላዕሊ ስለ ዝኾነ ሎሚ ብዘይ ሓገዝ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝካኣል ኣይኮነን ዝሓቆፈ መልእኽቲ ኢዩ። ወይ‘ውን በዚ ምስምስ ተንኮል ዉዲት ዉልቀ መላኺ ኢሳይያስን ኮተቴ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይን ንኢትዮጵያ እግሮም ኣብ ባሕርና ምዕዳም ኢዩ። ሰለዚ፡ ኣስተውዕሉ ኩብራት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን፡ እዚ ውዲታዊ ተንኮል ኢሳይያስ ንሃገርናን ህዝብናን ምጥፋእ ወፍሪ በይኑ ኢዩ ዝብሃል ኣይኮነን። እኳ ድኣ ብግልጺ ንሕልሙ ዘራጕድ ሓይሊ ባሕሪ ንምቋም ብደገፍ ፈረንሳን ኮተቴ 1ይ/ሚ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረሲደንት ኢማንዉኤል ማኽሮን ምፍርራሙ ግሁድ ነገር ኮይኑ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ኣብ ባሕሪ ተመኩሮ ዘይብሉ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ብ/ጀነራል ክንዱ ገዙ ተመዚዙ ኣሎ። ቀዳማይ ርክቡ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ኣፍሪቃ ኣመሪካዊ ኣድሚራል ጂ ፎጎ ሳልሳይ ፈላማይ ዘተ ኣካይዶም።

ኢትዮጵያ ባሕሪ ዘይብላ ከመይ ኢላ ሓይሊ ባሕሪ ትውንን ተባሂሉ ምስ ተሓተ፡ ብፕረሲደንት ናይ ክልል ኦሮሚያ ነበር ሎሚ ድማ ብዓል ሓድሽ መዝነት ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጽያ ዝኾነ ኣቶ ላማ መገርሳ ዝሃቦ መልሲ፡ `እንታይ ይፍለጥ ኣብ ቀረባ ግዜ ባሕሪ ይህልወና ይኸዉን` ኢሉ። ግብራውነቱ ድማ ኣብ ህላወ ዕድመ ልጅ ሃፀይ ኢሳይያስ ኢዩ ዝመርኮስ። ነዚ ንምፍሻል ድማ ዕድመ ስልጣን ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ብህጹጽ መሕጻር ኢዩ ኢለ ብቀያሕ ቀለም ዘስምረሉ።

ካብ ሕሉፍ ከፋፋሊ ውድበይ ውድብካ ተሞኪርና ንህልዉ ጉዳይ ሃገርና ንምፍታሕ ካብ`ዚ ዓንቃጺ ምፍልላይ ተገላጊልና፡ ካብ ሑሉፍ ቂምታ ሓራ ወጺእና፡ ብግብራዊ ኣተሓሳስባ ንመንእሰያትና መስራጽ ኢዩ እቲ ቁኑዕ ዕላማ`ምበር፡ ብኣተሓሳስባ ገለ ውሑዳት ሰባት፡ ኣብ ምዕቡል ሕብ-ረተሰብ ዓለም ሰፊርካ ንድኽመትና ድማ ኣብ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ሰለዘይተ ወደብና ግዳይ ናይ ውልቀ መላኪ ኢሰያስ ክንከውን ኪኢልና ዝብል ዘሰምዕ ፍልስፍና ተወዲቦም ከንበድብዱ ምርኣይና ምስ ምንታይ ዝቁጸር፧ እሞ ኻኣ ገለስ ኣብ ስደት ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ሰፊርካ ኣብ ከምዚ ኣተሓሳስባ ምዉዳቅ ኣግድን። ዝመጽእ ለወጢን ቀጻልነቱን ድማ ብመንእሰያት እዩ ዝልካዕ ምባለይ፡ ፍረ ውጺኢት ቃልስና መተካእትኡ ኣብኦም ኢዩ ዝሙርኮስ። ሃገርና ናይቶም ዓበይቲ ሰብ ተመኩሮን እወታዊ ምኽሪ ንምዉካስ ድማ ኣስተውዕሉ፡ ንዕድመ ስልጣን ውልቀ መላኺ ልጅ ሃጸይ ኢሰያስ ንምሕጻርን ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ንምትኻል ድማ ሃየ ሓቢርና ምስ ግዜ ንቀዳደም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፍናዮ 30 ዓመት፡ ባሕርን ናይ ባሕሪ ተሞክሮን ዘይብሉ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ክትመዝዝ እንከላ ብኣጻንር እዚ ድማ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ነቲ ሕልሙ ንምርጓድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሃብታም ተመኩሮ ባሕሪን ወዲ ቀይሕ ባሕርና ዝኾነ ሜ/ጀነራል ኣሓመድ ካሪካረ ከጉባዕብዕ ንካልኦት ዝተቃወምዎ ድማ ከደስክልን ክኣስርን ንሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ከዳኽም ጸኒሑን ኣሎን። ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንምቅታል ሕጂ ኣይኮነን ዝጀመሮ፡ ኣብ ካባቢ 2004-5 ኣቢሉ ካብ ባጽዕ ናቫልበይዝ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ናብ ጥንታዊ ወደብ ምንባሩ ብኣፈ ታሪኽ ዝንገረሉ ማርሳ ኢብራሂም ዝተባህለ ቦታ ንኽግዕዝ ውልቀ ባዕሉ ኢሳይያስ ንሜ/ጀነራል ኣሕመድ ካሪካረ ኣዚዝዎ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜ/ጄነራል ካሪካረን ኣባላት ሓይሊ ባሕርን ብትሪ ከም ዝተቃወምዎ ይፍለጥ። ነቲ ቦታ ንምጽናዕ ዝተዋፈረ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ዝነረ መሃንድስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ምስ ሜ/ጀነራል ካሪካረ ንኽውንነቱ ኣመልኪቱ፡ ንትእዛዝ ውልቀ መላኺ ካብ ክውንነት ወጻኢ ምኻኑ፡ ሎሚ ከም ግዜ ሰውራ ብለይቲ ብኣፍራዛን ባዴላን ተጠቂምና ንኹዕቶ መድረኽ ዝወጻእና መንግሰቲ ኢና። ብመጀመርያ እዚ ቦታ ፈጺሙ ተመራጺ ኣይኮነን። ግዴታ ትእዛዝ ኢዩ እንተ ኢልካኒ ግን ንውጽኢት ኣልቦ ስራሕ ማሺነሪ፡ ዶዘር፡ ትራንስካባተር…ወዘተ እንተ ኣምጺእኩም፡ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ትእዛዝ ኢዩ ካብ በልኩም ግን ኣነ ትሓታትነት ኣይወሰደልካን ኢየ ብምባል ንዝሃቦ መብርሂ ብምስምማዕ ነቲ ትእዛዝ ብኽንደይ ቁርቁስ ነጺጎሞ ናብ ገደም ከም ዝግዕዝ ተገይሩ። ሎሚ ንዓቅሚ ሓይሊ ባሕርና ከመይ ገይሩ ከምዝቀተሎ ብግብሪ ካብ`ዛ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ትሓቲማ ዝወጸት ንትዓዘብ። ከም ዘለዋ እታ ጽሕፍቲ ድማ ኣብ ታሕቲ እንሀትልኩም።

“መቐጸልታ ናይቲ ዓቕሚ ኣባላቱ ንምብራኽ ዘካይዶ ስርሓት፡ ብመባእታዊ ድሕነት ባሕሪ ዘሰልጠኖም 31 ኣባላቱ ብ6 ሚያዝያ ኣመሪቑ። እቲ ስልጠና፡ ውልቃዊ ናይ ምድሓን ሜላታት፡ ምቁጽጻርን ምጥፋእን ባርዕ፡ ቀዳማይ ረድኤትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ ስለዝኾነት፡ እቲ ስልጠና በቲ ውድብ ዝሕተት ቅጥዕታት ንምምላእ ከም እተዋህበ ተገሊጹ። እዚ ስልጠና’ዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2010 ኣብ ማኒላ - ፍሊፕንስ ዝተኣታተወ ደረጃ ስልጠና ኮይኑ፡ ኣገባብ ሓለዋ ኣብ መራኽብ ዝሓቶ ቅጥዒ ዘማልእ ኣህጉራዊ ወረቐት ምስክር ዘውህብ እዩ። ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስልጠና፡ 16 ካብ’ቶም ምሩቓት፡ ብምምራሕ መራኽብ ግቡእ ትምህርቲ ቀሲሞም ብኣዕጋቢ ነጥቢ ከም ዝዛዘሙ ተሓቢሩ።” ትብል ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ።

“ኣብ ማኒላ - ፍሊፕንስ ዝተኣታተወ ደረጃ ስልጠና ኮይኑ፡ ኣገባብ ሓለዋ ኣብ መራኽብ ዝሓቶ ቅጥዒ ዘማልእ ኣህጉራዊ ወረቐት ምስክር ዘውህብ እዩ። ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስልጠና፡ 16 ካብ’ቶም ምሩቓት፡ ብምምራሕ መራኽብ ግቡእ ትምህርቲ ቀሲሞም ብኣዕጋቢ ነጥቢ ከም ዝዛዘሙ ተሓቢሩ።”

ንዝብል ሓረግ ጽሑፍ ዘሎኒ ሓጺር ትንታነ፡ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ሓይሊ ባሕሪ ብዓል መን ኢየን ምባል ኣገዳሲ ሕቶ ኢዩ። ንምዝኽኻር ዓበይቲን ሓያላትን ሃገራት ኒኩለራዊ ሓይሊ ባሕሪ ዝውንና ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ጃፖን፡ ቱርኪ ወዘተ ኣለዋ። ኣብ ከባቢ መሬትናን ባሕርና ከኣ ኣዝዩ ዝማዕበለ ኣጽዋር ዝዓጠቃ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን እንከለዋ፡ ደረጃ ብቅዓተን ልዕሊ እዚኣተን ኮይኑስ ከም ኣብነት ናይ ማኒላ- ፍሊፕንስ ደረጃ ዝቀሰሙ ሓይሊ ባሕሪ ኣሎና ትብል ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ። ኣብዚ ኢትዮጵያን መሻርኽቶም ሓይሊ ባሕሪ ንምቋም ሽዉሃቶም ሃጢሩ ዘንባህቁሉ ዘለዉ ተኣፋፊ ግዜ፡ ከምዚ ዓይነት መደብ ምግባር ካብ ዜግነታዊ ሓላፍነትካ ምዝንጋዕ ሓሊፉ ልእላውነት ሃገርና ኣሕሊፍካ ምሃብ ምኻኑ ዘራጋግጽ ኢዩ።

እዛ ስእሊ ንብቅዓቶምን ንዕጥቂ ሓይሊ ባሕርና ተንጸባርቅዶ፧ ንኸንህቦ ንኽእል መልሲ ብዙሕ ምኻኑ ምስ ኩሉ ዝስማማዓሉ ኢዩ። ኣብ ዕድመ እዞም ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጋዜጣ ብመባእታዊ ድሕነት ባሕሪ ዘሰልጠኖም 31 ኣባላቱ ብ6 ሚያዝያ ኣመሪቑ ተባሂሎም ዝግለጹ ዘለው፡ እንተ ወሓደ ቅድሚ 2ይ ዙርያ ኣገልግሎት ዘለዎም ኢዮም። ሰለዚ ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ኣገልግሎት ብዘይ መባእታዊ ድሕነት ባሕሪ ነይሮም ምባልሲ ምስ ምንታይ ይቁጸር፧ ንሱ ጥራይ እንተ ዝኸዉንዶ ጸሊእኹም፡- ማለት 30 ዓመት ዘቁጸረ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ይትረፍ ዓቢ ነገር ኣልዒለ ምዝርራብ እታ መሰረታዊት ዕጥቂ ተጋድሎና ዝኾነት ሽዳ (ሳእኒ) ከዕጥቆም ዘይካለ ስርዓት ምኻኑ ኣብ‘ዛ ስእሊ ኣተኵርና ንትዓዘብ።

እቲ ኣሎ ዝብሃል ሓይሊ ባሕርና ኣቃውምኡ ኣብ ክልተ እተመቅለ ኮይኑ፡ ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ ባሕሪ እዚ ተባሂሉ ዝቆመ ኢዩ። ናይቲ ብሰሜናዊ እዚ ዝፍለጥ ሓላፊ ኮረኔል ማሕሙድ (ወዲ ሓሊማ) ክኸውን እንኮሎ ናይ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ድማ ሌ/ኮረኔል ተኽለ ኢዩ። እቲ ዝገርም ናይ`ዞም ሎሚ 31 ኣባለት ሓይሊ ባሕሪ ተመሪቆም ዝበሃሉ ዘለዉ፡ ዝኾነ ተመኩሮ ይዂን ኣምር ናይ ባሕሪ ዘይብሉ ወዲ ፊቶውራሪ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ተመዲቡ ንረኽቦ። ወዲ ፊተውራሪ ብ1975 ተሰሊፉ፡ ድሕሪ ታዕሊም ካብ 1976 ኣትሒዙ ናይ ምሕሳው ስልጠና ወሲዱ ኣብ ሱዳንን ሱዕዲ ዓረብን ክሰብ ግዜ ናጽነትን ድሕሪኡን ዘሎ ግዜ ብተኣማንነት ዝሰርሐ ኣገልጋሊ ውልቀ መላኺ ልጅ ኢሰያስ ኢዩ። ሕጂ ድማ ንሓይሊ ባሕርና ክእዝዝ ስልጣን ተረኪቡ ንሕልሚ ስልጣን ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስ ኣብ ምትግባር ይርከብ ኣሎ።

ብወገነይ፡ ንህሉው ኩነታት ሓይሊ ባሕርና ንምጽራይ ንሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልጉሎት ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ዝነበረ፡ ሕጂ ኣብ ሰደት ዝርከብ ኣብዛ ኣርእስቲ ሕቶታተይ ኣቅረብኩሉ። `ስማዕ`ስኪ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ እኹል ዕጥቂ ክዳንን ሳእንን ነይርኩምዶ፧` ዝብል ሕቶ ከቅርበሉ እንከልኹ መልሲ ንምሃብ ዓቅሊ ምግባር ዝስኣነ፡ ሕቶይ ከይወዳእኩ ብተመስጦ መልሲ ክህበኒ ጀሚሩ። `ኣብ ሰሙን ክልተ ዓይነት ምስ ቆቡዑን ጻዕዳ ሳእኒ (ጫማ) ነይሩና` ንዝቅጽል መብሪሂ ክህበኒ ኣነ`ውን ብጊደይ ዓቅሊ ምግባር ሲኢነ። `ስማዕ`ስኪ እዚ ክትገልጸለይ ዝጸናሕካ ኣብ ትምህርቲ ስልጠና ዕጥቂ ሓይሊ ባሕሪ እንታይ ከም ዝመስል ዝተማሃርኩሞ ድዩ፧` ክብል ዘስዓብኩሉ ሕቶይ ዝሃበኒ መልሲ `መቸም እዞም ገለ ተጋደልቲ ንሓይሊ ባሕርና ከምቲ ቀደም ብሚላኖ ክዳንኩም ትፈልጥዎ ኢኹም ክትልክዕዎ ትደልዩ` በለኒ። ብወገነይ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ምስ‘ዚ ሕጂ ንሃገርናን ንባሕርናን ኣንጸላሊይዎ ዘሎ ሓደጋ ተበጊስካ፡ ንሞራል ከተስንቀኒ እንተ ኮይንካ የቀንየለይ ክብለካ ኸይትጽበ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሓቂስ ኣብታ እንኮ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸት ስእሊ ምስ ኣርኣኹዎ ግን ካብ ሚሕር ጓሂ ንዘረባ ዝኸውን ቃላት ሲኢኑ `ኣታ… ኣታ ክንደይ ትረግም እዚ ኣብ ኢድካ ሒዝካስ ኣፈይ ከፊተ ብዛዕባ ዝነበረ ክሳብ ዝህውትት ትጽበየኒ” ኢሉኒ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ነበር መንእሰይ ቴድሮስ። ቅድሚኡ ድማ ድሃይ ንምፍላጥ ናብ ሓደ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ናብ ኤርትራ ቴሌፎን ደዊለ ዝረኸብኩዋ መልሲ ንሞራል እተዋሃበኒ ዝመሰለኒ እኳ እንተነበረ፡ ካብዚ ናይዚ ሰደተኛ መንእሰይ ቴድሮስ እትፈለይ ኣይነበረን። እሞኸ ድኣ ቶንኮል ወልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብግብሪ ሞራል ንኢትዮጵያዊያን ዝህብ ምኻኑ ብሓዳስ ኤርትራ ገይሩ ይገልጸልና ኣሎ።

“መቸም እዞም ገለ ተጋደልቲ ንሓይሊ ባሕርና ከምቲ ቀደም ብሚላኖ ክዳንኩም ትፈልጥዎ” ትብል ዘረብኡ ግን ናብ 1990 ቦኽሪ ሓራ ከተማ ባጽዕ ኣብ ናባል በይዝ ትዝታ ፍጻመ መስዋእቲ ሃይማኖት (ማማ ሰውራ) ዝነበረ ቅጽል ስማ ኣደ ካብ መዝገብ ኣእምሮይ ዘይድምሰስ ቃለት ሎሚ ብኣይከሰርናን ዝብል ቃለት ተንጸላልዩ ናብ ትዝታ መስዋእታ መለሰትኒ። ኣነ ምስ ወልዱ (ወልቀሳ) ካብ‘ታ ክለብ እንዳ ኣድሜራል ወጺእና ኣብ‘ታ ደረት ጽርግያ በጺሕና ማማ ስውራ ብማዕዶ ሪኣትና ከም ህጻን ነታ ይትረፍ ተሽከርከርቲ ሰብ‘ውን እንተ ኾነ ዘይነበራ ጽርግያ እናጎየየት ሰጊራ ናባና መጺኣ ብዝተረበሽ መንፈስ ንስካ ዲኻ ወዲ ቀላቲ ወደይ ግርማይ (ሕሸ) ምሳኹም ኣባል ባሕርያ ኣሎ ሎሚ ኾነ ጽባሕ መስዋእቲ ኣሎ ከይተራኣኣና ከይንስዋእ በጃኻ ሕጂ ግርማይ ወደይ ክርእዮ ኣፍቅደለይ በለትና። እቲ ኹሉ ናይ ምርባሻ መንፈሳን ዘረባኣን ምስ መን ከም ዝነበረስ ድሓር ኢዩ ተረዲኡና። ማለት እቲ ቅድድምሲ ምሰተን ናይ ጽርግያ ተሸከርከርቲ ዘይኮነስ ምሰተን ካብ ኣስመራ በሪረን ናብ ባጽዕ ገጸን ዘምራሓ ነፈርቲ ኩናት ጸላኢ ኢዩ ዝነበረ። እቶም ሽዑ ዝነበረና ተጋደልቲ፡ ሓደ ዓይነት ወትሃደራዊት ክዳን ሚላኖ ወይ ወፍሪ ኢልና ብልማድ ንጽውዖ ኢዩ ዝነበረና። ምስ ሓይሊ ባሕሪና ዝፈልየና ክዳን ብዘይ ምንባሩ ኢዩ ማማ ሰውራ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ መሲሊዋ ወዲ ቀለታ ዲኻ፧ ዝበለትኒ ሃይማኖት (ማማ ሰውራ)፡ መልሰይ ከይረኸበት ከኣ ኣነ ኣደ ግርማይ (ሕሸ) …..ሎሚ ከይተራኸብና ከይንስዋእ እናበለት ምሰተን ኣብ ከባቢ ጊንዳዕ ኣቢለን ዝበጽሓ ነፈርቲ ኩናት ጻላኢ ንምቅታላ ይመጽኣ ምንባረን’ሲ ዕምራ ግዲ ይነግራ ነይሩ፡ መልሰይ ንምስማዕ ከይተጸበየት ኩሉ ኣብ ልባ ዝነበረ ብሓደ ቶግ ኣበለቶ። ማማ ሰውራ ንሕና ኣባላት ባሐርያ ኣይኮናን። ኣብቲ ኣቲኺ ሕተቲ ኢልናያ ምስ ወልዱ (ወልቀሳ) መንገድና ቀጸልና።ማማ ሰውራ ድኣ ድሓን ድያ መስዋእቲ ምባል ኣብዚሓ` ኢልና ዘረባና ከይወዳእና ድሕሪ ገለ ሓሙሽተ ደቂቅ ኣቢሉ ይኸውን ካብ ውሽጢ ናባል በየዝ ከይወጻና እንኮሎና እተን መቀዳድምታ ነፈርቲ ደብዲበን። ከም ውጺኢቱ መወዳእታ ናይታ ሎሚ ኾነ ጽባሕ ከይተራኸብና መሰዋእቲ ኣሎ ዝበለት ማማ ሰውራ መስዋእታስ ሽዑ ድኣ ኮነ። (ሰነድ ግፍዓዊ ደብዳብ ነፈርቲ - ቅብጸት ስርዓት ደርጊ፡ ኣብዚ ጠውቑ) ኣነ ንዂሎም ደቂ ማማ ሰውራ ኣጸቢቀ ኢየ ዝፈልጦም ነይረ። ኣስማት ደቃ ድማ የውሃንስ፡ ግርማይ፡ ፋኑስ፡ ኢያሱን እታ ሓንቲ ጓላ ዝነበረት ሽማ ዝረሳዕኩዋ “ሻንፉ” ዝሳጕኣ ዝነበረት ኢዮም ዝነበሩ። ንሻንፉ ከም ቡዙሓት ደቂ ስውኣት ኣብ ዘምጻናያ ናጽነት`ጠዋሪ ሲኢና ብሕማም ተገፊዓ መይታ፡ ኢያሱ ሓዋ ድማ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ ሰሚዔ።

ኣነ ንባጽዕ ናይ መጨረሽታ ብ1976 ካብ ኣስመራ ብቃፍላይ (ብኮለኛ) ተሰኒና ንባጽዕ ምስ ስድራይ ወሪደ። ክንመለስ ድማ ኣብኡ ንተወሰነ ግዜ መጓዓዝያ ሲኢና ተዓጺና ብክንደይ መከራ ናብ ኣስመራ ብቃፍላይ ተሰኒና ንባጽዕ ድሓን ኩኒ ኢለ ናብ ኣስመራይ ተመሊሰ። እቲ ሽዑ ምስ ወለደይ ዘሕለፍኩዎ ተፈታዊን ተናፋቂን ግዜን ዝነበርናዮ ሆቴልን ንምገበሉ ዝነበርና ውሸጢ ባጽዕ ሪሰቶራንት እንዳ ኪዳነ ዘርኡ ዝሮት ገርጉሱምን ሓምላይ ደሴት (ኤዘላቨርደ) ኢዩ ዝነበረ። ኣብ 1990 ግን ሓራ ኮይና ትዝታ ወለደይ ተሰንየ ምስ ብጾተይ ዳግማይ ባጽዕ ክርኢ በቂዐ። ብፍላይ እተን ናይ ቀይሕ መስቀል ማካይን ብቃፍላይ ካብ ባጽዕ ረዲኤት ንምውሳድ ምስ ጀመራ፡ ንህዝብን ንተጋደልትን ፍሉይ ጦብላሕታዊ ትዝታ ገዲፉልና ነይሩ። ንማማ ሰውራኸ እንታይ ትዝታ ኾን ነይርዋ ትኸዉን፧

ብ1977 ዓ/ም ንምሕራር ከተማ ባጽዕ ዝተገብረ ፈተነ ዓወት ዘይተረኽቦ`ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ክልቲኤን ዉድባት ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ካብ ተጋድሎ ሓርነት እተፈንጨሉ “ብፋሉል” ዝፍለጡ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ኣብ ሰሊና ከቢድ ምንባሩ ኣብ ዜማ ሰፊሩ ክግለጽ ንረኽቦ። ኣብ ገለ ጫፍ ክፋል ናይታ ከተማ ብዓል ዕዳጋን ኣማተረን ውሑዳት ካብ ውሽጢ ባጽዕን ዝነበሩ ተቀማጦ ህዝቢ ካብ ናይ ሽዑ ደበዳብ ብሂወቶም ናይ ምዉጻእ ዕድል ዝረኸቡ፡ ካብ ቡዙሓት ክልተ ስድራ ቤት ክጠቅስ፡ እታ ሓንቲ ሃይማኖት (ማማ ሰውራ) ምስ ደቃ (ሻዱሻይ ርእሳ) ንሜዳ ዝተጸንበረት። ኣደይ ለተየሱስ ድማ ደቀን ሒዘን ንድግሳ ዓደን ካብ ባጽዕ ተመልሳ። ብርሃነ ወደን ከኣ ኣብ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ንሜዳ ኣሰር ሓው ተጸንበሩ። ድሕሪ 1978 ዓ/ም ፉሉይ ጉዳይ ናይ ከረን (ፉሉይ ጉዳይ ብገድላዊ መግለጺ ንጦፍ ኣብ ትንቃሳቀሰሉ እዋን ኣብ ከባቢ ምውፋር ዕለታዊ መቁነን ዝዋሃበሉ ዝዳለወሉን ንዝጠመየት ከብዲ ዝገርዘመ ዓደሰ ትቅርጥመሉን ሰንክተኒ ልወሰኒ ዘይትብል ሓርጭ ፕሮቲን ትቁሕመሉ ናይ ሓባር ምግብና ቦታ ኢዩ) ካብ ትሕቲ ገረብ ምግብና ኣብ ከተማ ኣቲና ኣብ ናይ ፈለማ ገዛ ፍሉይ ጉዳይ ብኣጋጣሚ ምስ ብርሃነን ወላዲቱን ሰብ ዕድል ኮይኖም ንዝነበሮም ግዜ ናፍቆት ናይ ባጽዕን ናይ ዓድን ኣብ ምድህሳስ እንከለዉ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ዝነበረት ፉሉይ ጉዳይ ቁርስና እናበላዕና፡ ንዕላሎም ካብ ዝተኻፈልኩዋ ኣደይ ለተየሱስ `ስማዕ እስኪ ኣንታ ብርሃነ ወደይ እቲ ኣባ ዓፋን ዝብልዎ ዝነበረ ተጋዳላይሲ ኣበይ ኣሎ፧` እንተኾነ ብርሃነ ሓላፊኡ ዝነበረ ሽዑ ዓሊ ሰለዝነበረ `ዓሊ ማለትኪ ዲኺ፧` `ኣይፋለ..ይ ኣባ ባዓፋን እንበር።` `ኣይፈልጦን ኢየ እዚ ኣባ ዓፋን ትብልዮ ዘለኺ።` `ኣንታ ብርሃነ ወደይ ረሲዕካዮ እንባኣር፤ እቲ ቀደም ኣብ ገዛና ማማ ንሕና ነዞም መናጁስ ኢና ንጋደል ዘለና፡ ነዚኦም ብናጽነት ንምንባር ኢዩ ናይ ሎሚ ቃልስና ዝብለና ዝነበረ እምበር` ኢለን ዘረብአን ቀጸላ። ”እንተኾነ እቲ ምግዳልሲ ንዓኹም`ውን ኣይገደፈን ብኣኹም ድኣ ይወዳእ እንበር በላና” ኣደይ ለተየሱስ። ከም ቃለን እንተዝወዳእ ክንደይ ኮን ምጥዓመ ነይሩ፧ ኣበይ እሞ ምስ ሕልሚ ልጅ ሃጸይ ኢሳይያስ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ዓወት ንደለይቲ ፍትሓዊ ስርዓት
ሰሎሞን ዮውሃንስ
23/06/2019

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-

1ይ ክፋል፡    2ይ ክፋል፡


Share with friends:


See also past articles Mr. Solomon Yohannes.
ካልኦት ብ' ኣቶ ሰሎሞን ዮውሃንስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: