Placeholder Picture
Placeholder Picture
Reflections on 31st Eritrea independence day

20/05/2021 00:28 AM

ርሑስ መበል 31 በዓል ናጽነት ኤርትራ
Happy 31st Eritrea Independence Day!
بمناسبة الذكرى 31 لاستقلال إريتريا ، عيد استقلال سعيد لإريتريا

Reflections on 31st Eritrea's independence day

Reflections and memories, on the occasion of 31st Eritrea independence day. ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ብኣጋጣሚ መበል 31 ዓመተ-ናጽነትና!
تأملات وذكريات بمناسبة عيد استقلال إريتريا الحادي والثلاثين.

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!
ዮሃና ንመበል 31 ዓመት ጽምብል ናጽነትና!

ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓርበኛታትን ለባማትን መራሕቱ ኣቢሉ፡ ካብ 1940ታት ኣትሒዙ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንዓለም ብምርግጋጽ፡ ንሽርሕን ውጥናትን ሰብ-ረብሓ ርእሰ-ሓያላን ሃገራት፡ ኣበርዒኑ። እምበራጦርያዊ ኣስፋሕፋሒ ስርዓት ሃይለስላሰ (ኢትዮጵያ) ንባንዴራ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣውሪዱ፡ ንኤርትራ ናይ ምጉባጥ ውጥናቱ ምስ ኣግሃደ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ) ተወዲቡ፡ ሰፋሕቲን ቀጸልቲን ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ኩሉ ከተማታት ኤርትራ ብምክያድ፡ ባህጉን ቆራጽ ውሳኔኡን ንናጽነት፡ መስዋእቲ እናኸፈለ ተቓሊሱ። ከም መቐጸልታ ናይዚ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ በታ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተኮሳ ጥይት፡ ተበሲሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተወሊዳ። ካብ ጻት ንጻት ኤርትራ፡ ዋሕዚ መንእሰይ ናብ ሰውራኡ ስዒቡ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪርን ደማዊን ተጋድሎ ኸኣ፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ቅልጽሙ፡ ዘውዲ ናጽነት ዓቲሩ።

ካብ ሚያዝያ 23 ክሳብ ሚያዝያ 25፡ 1993 ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ መላእ ዓለምን ዝነብሩ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ናይ ምድማጽ ዕድመ ብቕዓት ዝነበሮም ኤርትራውያን፡ ኣብ ቅድሚ ግሉጽን ናጻን ኣህጉራዊያን ተዓዘብቲ ዝተሳተፉዎ መስርሕ፡ ናይ ርእሰ ውሳኔ ድምጺ (ረፈረንዱም)፡ ብምስታፍ፡ 99.81 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ "እወ ንናጽነት" ብምድማጽ፡ ንናጽነት ሃገሩ ዘለዎ ዘይንቕነቕ ድሌት ዳግም ኣመስኪሩ። በዚ ኸኣ፡ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ኣብ ድልዱል ሕጋዊ መሰረት ከምዝትከል ኮይኑ። ናይ ሃገረ ኤርትራ ልዑላዊት-ባንዴራ ኸኣ፡ ብወግዒ፡ ኣብ ዘንጊ ሰንደቕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምስቃል፡ ኣብ ሰማያት ኣምበልቢላ! ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓልሊሉ! ዘሊሉ! ደጊም ሕሰምና ኣኽቲሙ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30-40 ዓመታት ዝተኸፍለ ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ተጋደልቲን በርጌስን መስዋእቲ፡ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ብምዃኑ፡ ተሓጒሱ ተቐቢሉዎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሕውየትን ዳግመ-ህንጸትን ሃገሩ፡ ብኡ ንብኡ ስርሑ ጀሚሩ። ኣብዚ ዕማም`ዚ ንምስታፍ፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብወፍሪ ኮነ ብክእለት፡ ሃገሮም ንምህናጽ ብኣሽሓት ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዓዶም ኣትዮም።

ድሕሪ ምውሓስ ናጽነትን ልዑላውነትን፡ ብኡንብኡ ናብ ሃገራዊ ህንጸት (state building) ክእቶ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ድሌትን ተስፋን ኢዩ ነይሩ። ንምዕዋት ናይዚ ዕማምዚ፡ እቲ መባእታዊን ቀንዲን ክኸውን ዝነበሮ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዜጋታትን ውድባቱን ዘሳትፍ፡ ሃገራዊ ዕርቂ (National Reconciliation) ክካየድ ነይሩዎ። እንተኾነ ግን ኣይተገብረን። ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)፡ ዋላ`ውን ኩሎም ተጋደልቱን ውዱባቱን ዝኣምኑሉ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ስልጣን ብሒቶም ንምሓዝ ዕላማ ኣይነበሮምን። ሓደ ንኹሉ ዘሳትፍ ሕብረ-ሰልፋዊ ቅዋማዊን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምትካል ዝነበሮም ዕላማ፡ ኣብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጉባኤ 1987፡ ብወግዒ ኣብ ሰነዳት ጉባኤ ብኣዋጅ ኣነጺሮሞ ኢዮም። ቀጺሉ`ውን ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህግሓኤ`ን ምምስራት ህዝባዊ ግምባር ንዲሞክራሲን ፍትሒን (ህግደፍ)፡ ኣብ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቻርተር ለካቲት 1994፡ ብንጹር ሰፊሩ ኢዩ። ኣብዚ ቻርተር`ዚ ተሞርኲሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ 1997 ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ተኻይዱን ብቅዋማዊ ባይቶ ጸዲቑን።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ንምስፋን ሸለል ስለእተባህለን ስጉምቲ ስለዘይተወስደን፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራዊያን ናይ ቅርሕንቲን ምፍልላይን ሳዕቤናት፡ በሰላ ገዲፉ፡ ክሳብ ሕጂ ንሃገርና የሳቕየና ኣሎ። እቲ ንምምስራት ኣሳታፊ ቅዋማዊ መንግስቲ መንገዲ ክኸፍት፡ ብኹሎም ዲሞክራስያዊያን ተቓለስቲ ኣባላት ህግደፍ ተስፋ እተነብረሉ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ 1997፡ ኮነ ተባሂሉ፡ ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ተረጊጹ፡ ክሳብ ሎሚ ክትግበር ኣይተኻእለን።

ን31 ዓመታት፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ብ`ዲቕ ዝበለ ስርዓተ ምልኪን ራዕዲን ተሓኒቓ፡ መንእሰያታ እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝነፍጹላ ሃገር ኮይና። መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልሎት፡ ካብ ገዛን ሕቑፊ ወለዶምን ተመንጢሎም፡ ውሉድን ውላድን (ክልተ ወለዶ) ኣብ ደረት-ኣልቦ ጊልያነት ተቖሪኖም ይርከቡ። ብሰንኩ፡ ዝወለደት፡ ማህጸን መኻን ኮይና፡ ወለዲ፡ ዝጥውሮም ስኢኖም፡ ህጻናትን ኣዴታትን፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ጭንቀትን ዝነብሩሉ ኩነታት ሰፊኑ። ውግእን ወረ-ውግእን፡ ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት ኣየቋረጹን፡ ኣብዛ መበል 31 ዕለተ-ናጽነትና እንዝክረላ ዕለት እንተኾነውን፡ ኮቦሮ ኲናት ኢዩ ዝህረም ዘሎ። ኣብዚ ኹሉ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ዕንደራ ኲናት፡ ክንደይ መንእሰያት ኤርትራ ህይወቶም ስኢኖም ይኾኑ? ጽባሕ፡ ኣራእሰን ዝድርምማ ኣዴታት ከ ክንደይ`ኮን ክኾና ኢየን!? ዝቑዝሙን ዝነብዑን ኣቦታት`ከ ክንደይ ክኾኑ ኢዮም!?

እምበኣር፡ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ክቡርን ቅዱስን ስለዝኾነን፡ ብዋጋ መስዋእትና ዝመጸ ስለዝኾነን፡ ወትሩ ክንጽምብሎ ግቡእ ኢዩ። ሃገራዊ ናጽነትና፡ ናይ መጻኢ ወለዶታትና፡ ሓበንን ኢያ።

ኣብዚ መበል 31 ዕለተ-ናጽነትና ኣብ እንዝክረሉ ዘሎና ቅንያት፡ ነቲ ልዒሉ እተገልጸ ሓቅታት ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍና ከነስተንትኖ፡ እንታይ ስለዝጎደለና ኢና ናብዚ ኹሉ ጸገም ወዲቕና ዘሎና? ኢልና ክንሓትትን ይግባእ። ናይዚ ጉዳይ`ዚ መፍትሒ ኸኣ፡ ከም ትማሊ፡ ሎሚ`ውን ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ። ነዚ ብዓወት ንምስጋሩ ግን፡ ተጻዋዊርካ፡ ሰሚርካን ተዋሃሂድካን ከም ሃገራዊያን ምስራሕ የድሊ። ኩሉ ነዚ ዝጻባእ ፈላላዪን ደቛሲን ሜላታትን ስጉምትታትን፡ ንየው! ንበሎ። ናብቲ ዘዐውተና ስትራተጅያዊ ዝኾነ መትከልን ኣከያይዳን ብምትኳር፡ ንካልኣዊ ፍልልያትና፡ ንግዜ ንግደፎ። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ዘሎ ስርዓተ-ምልኪን ራዕዲን ኢዩ። ምስ ምእላይ ናይዚ ምልኪ`ዚ፡ ኩሉ ካልእ ፍልልያትና፡ ብሰላማዊ ልዝብ ኣብ ሃገራዊ ባይቶና ክንፈትሖ ጸገም ኣይክህልወናን ኢዩ።

ርሑስ ቅንያት ናጽነት ይግበረልና!

ልዓላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ክትነብር ኢያ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን፡ ንሰማእታትና!

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ( snitna.com )
20 May 2022


ነዚ ክቡር ዕለት`ዚን ንዝሓለፈ ረዚን ታሪኽናን፡ ንመጻኢናን ዘንጸባርቑን ዝእንፍቱን፡ ዝተፋላለዩ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ካብ ዝተፋላለዩ ምንጪታት እናመረጽና፡ ኣብ ታሕቲ ከነቕርበልኩም ኢና። በብዕለቱ፡ ትሕዝቶ ክውሰኾ ስለዝኾነ፡ ተማላሊስኩም ክትበጽሑዎን፡ ንምህብታሙ ዝሕግዝ ሓበሬታን ለበዋን እንተሎኩም`ውን ኣብዚ ጠዊቕኩም፡ መልእኽቲ ክትሰዱልና ብኣኽብሮት ንሕብር።


ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS
By Senior Government Ministers and Members of Eritrean Parliament,
24 March 2001.


The necessity and urgency of one joint leadership
ضرورة ملحة لقيادة مشتركة واحدة - المناضل / تخلى ملكين
ኣድላይነትን ህጹጽነትን ሓደ ናይ ሓባር መሪሕነት - ተጋ/ ተኽለ መለኪን

Seminar: June 03, 2022
Time: June 03, 2022 08:00 PM Amsterdam, Berlin, Rome, Stockholm, Vienna
Join Zoom Meeting https://us02web.zoom.us/j/86715241055
Meeting ID: 867 1524 1055
Live on Facebook:


Adal Tv ጽምብል ዝኽሪ 24 ግንበት መበል 31 ዓመት ምሕራር ኤርትራ
احتفال لذكرى الواحدة والثلاثون عاما لتحرير إرتريا
[ Adal TV]


ግጥሚ ተጋ/ በርሄ ዑቅባዝጊ አባል ተ ሓ ኤ
ብአጋጣሚ ጽምብል ዝኽሪ 24 ግንበት መበል 31 ዓመት ምሕራር ኤርትራ
[ Adal TV]


  ERISAT: #ቅንየት ንሓርነት
ነጻነት
ግጥሚ ብተሸመ ወልደሚካኤል (ስያትል)
[ ERISAT ]


Read in PDF - ብ'PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።


ኣባዓዕላ ናጽነት ማሕበረ-ሰብ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ Global Yiakl
[ Global Yiakl፥ 27 May 2022 ]


ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት مجموعة حوار لوعي مشترك is inviting you to a scheduled Zoom meeting.
Topic: ፍሉይ መደብ ብዝኽሪ 24 ጉንበት መበል 31 ዓመት ማዓልቲ ምሕራር ኤርትራ
أمسية خاصة بمناسبة الذكرى الواحدة والثلاثون لتحرير إرتريا في 24 مايو
አቶ/ ነጋሽ ዑስማን & መንግስተአብ አስመሮም
الأستاذ / نجاش عثمان و الأستاذ/ منجستى اب اسمروم


Friday, May 27, 2022


ቃል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

Reflections on 31st Eritrea's independence day
ቃል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
ክቡራትን ክቡራንን መራሕቲ ውድባት፡ መራሕቲ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፥
ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ፥
ኣቐዲመ ብስም ኣቦ መንበራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ወከልትን፡ ክቡር ሰላምታ እናቐደምኩ እንቛዕ ኣብ መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብጻሓና እብል። ኣብዚ ዓቢ ዕለትዚ ክንሳተፍ ንዘብቃዕኩምና ኣባላት ኣወሃሃዲ ሽምግለን ኣዳላዊት መደብን ዕዙዝ ምስጋና አመሓላልፍ። Read more
كلمة القوى السياسية الإترية
بمناسبة ذكرى استقلال إرتريا

المحترمون والمحترمات قيادات وأعضاء القوى السياسية الإرترية
المحترمون والمحترمات قيادة وأعضاء حركة كفاية
الحضور الكبير
نحن كإرتريين لدينا العديد من الأعياد الوطنية، إلا أن عيد التحرير الذي يصادف الرابع والعشرين من مايو، يعتبر أهم تلك الأعياد، وأن أهميته تكمن في أننا نحتفل به لكونه اليوم الذي استرد فيها شعبنا هويته الوطنية واستقلاله الوطني الذي حُرم منهما لقرون. Read more


ቃል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ኣብ መኽፈቲ ወግዓዊ ጽምብል በዓል ናጽነት - ERi-TV
[ ERi-TV ]


Shama Baytona: ኤርትራ: ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን -
ዕላል ምስ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣቶ ኣሰፋው በርሀ
[Shama Baytona]


Part-1:    Part-2:    Part-3:    Part-4:    Part-5:   


ዶር. ገብረ ገብረማሪያም፡ ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ 24 ግንቦት 2022 ምኽንያት ብምግባር፡ ንምቅስቅስ ይኣክል ስያትልን ከባቢኣን (Seattle and its environs, USA) ሰፊሕ ህዝባዊ ኣስተምህሮ ይህብ። ንሱ፡ ምኽባር ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ከምዝኾነ ብምዝኽካር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንማዓልቲ ናትጽነት፡ ነቶም ህዝቢ ኤርትራ ክበጽሖምን ክጭብጦምን ዝነበሮ ናይ ሓርነት፣ ቅሳነትን ብልጽግናን ጸጋታት፡ ግን ካኣ ብሰንኪ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳይስ ክሳብ ሕጂ ዘይረኽቦም ዘሎ፡ እንዳዘከረ ከብዕሎ ከምዝግባእ ኣስሚርሉ።
Public Seminar on the Occasion of Eritrea's Independence Day 2022, Seattle, USA


Part-1/3:    Part-2/3:    Part-3/3:


ፈነወ ንጋባእ Ngabae Broadcasting (by Mem Zeru) 2022-05-21:
ኤርትራዊ፡ ኣብ መበል 31 ዓመት ናጽነቱ፡ ይሓድግ እምበር ኣይርስዕን፡
[ፈነወ ንጋባእ]


ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ዕለት 24 ግንቦት ኣቦ ወንበር ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣቶ ወሰንሰገድ ሓጎስ ዝሃቦ መልእኽቲ #ይኣክል #Eritrea
[Global Yiakl]


ብአጋጣሚ ጽምብል ዝኽሪ 24 ግንበት መበል 31 ዓመት ምሕራር ኤርትራ ቃለ መሕተት አዳል ቲቪ ምስ ተጋ/ነጋሽ ዑስማን ኢብራሂም
[ Adal TV ]


لقاء الاستاذ نقاش عثمان رئيس المكتب التنفيذي للمحلس الوطني بمناسبة تحرير ارتريا 5/2022 - قناة أدال


  ERISAT: መወዳእታ መልክዕ ናይ ናጽነት ዝብሃል ቅዋማዊት ሃገር ምፍጣር ኢዩ | ተጋ. ኣሕመድ ቀይሲ


  Dehay Eritrea ደሃይ ኤርትራ፡
ኮሚሽን ቅዋም ምስ ኢሳይያስ ኮነ ህግደፍ ቀጥታ ናይ ስራሕ ርክብ ኣይነበሮን ይበሃል ማዕረ ክንደይ ሓቂ እዩ?
ዘተ ምስ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ (Constitutional Lawyer)፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ነበር


•  Part-1: ኮሚሽን ቅዋም ምስ ኢሳይያስ ኮነ ህግደፍ ቀጥታ ናይ ስራሕ ርክብ ኣይነበሮን ይበሃል ማዕረ ክንደይ ሓቂ እዩ?
•  Part-2: "ኢሳይያስ፡ ይትረፍ ንቅዋም ንኤርትራዊ ትምኒት፡ ንተስፋ ሃረርታን ህዝቢ እውን ቀቲሉ እዩ"


  ቃል ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ አቦ መንበር ፈ/አካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብአጋጣሚ ዝኽሪ 24 ግንበት መበል 31 ዓመት ማዓልቲ ምሕራር ኤርትራ [ Adal Tv ]


  ባህግና 62: ሰሙናዊ ዜናታት፣
ሓርነት ዘየሰነዮ ናጽነት ንዝኽሪ 24.05.1991 መበል 31 ዓመት
[ Eri-Bahgna ]


  ATV: "ቀንዲ ቀዳምነት፡ ነዚ ስርዓት ካብ ስልጣን ምእላይ'ዩ" ኣቶ ከራር ህያቡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
- ኣቕራቢት ኤደን ኢያሱ


  ATV: `ጉዕዞ ናጽነት ኤርትራ ድሕሪ 31 ዓመት ናጽነት` -
ዘተ ምስ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ 24 ግንቦት 2022 -
ዘለናዮ ሸው (ብ ዮዲት እምባየ)


ብምኽንያት 24 ጉንቦት፡ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ምስ ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብጻይ ተስፋይ ኣለም።
[ TV Meley]


ERISAT:መቓልሕ | ምንቅስቓስ ትንሳኤ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ መበል 31 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ተኣዊጁ።
[ EriSat]


Radio Saeyob: ፍንቱይ በርናምጅ እብ ምናሰበት 24 ማዮ: ረአይ ናሽጥ: በያን:
[ Radio Saeyob ]


መልእኽቲ ዮሃና መንግስቲ ትግራይ


ጽምብል መበል 31 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ፡ 21 ግንቦት 2022።
Eritrea 31 Independence Day celebraion in London, 21 May 2022


ዕድመ ንጽምብል 24 ግንቦት፣ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
دعوة للمشلركة للاحتفال بعيد.الاستقلال
ሓባራዊ መደብ፡ ግሎባል ይኣክል ምስ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ኤርትራ። Joint programme by Eritrean political forces and Global Yiakl.
ዕለት፡ ቀዳም Saturday, 21 May 2022. 7:00 PM Berlin, 1፡00 PM New York.

ዕድመ ንጽምብል 24 ግንቦት፣ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
ክቡራትን ክቡራን ተቓለስቲ ኤርትራውያን!
ዝዓዘዘ ሃገራዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም፣ ኣብ እተካይድዎ ሃገራውን ህዝባውን ቃልሲታት ድማ ዓወትን ኣሳልጦን ንምንየልኩም። ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መዓልቲ ንምብዓል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስ ምንቅስቓስ ግሎባል ይኣክል ብሓደ ጸሚዶም ን21 ግንቦት 2022 ሓቢሮም ንምጽንባል መደባት ሰሪዖምሉ ከም ዘሎዉ ድሕሪ ምሕባር ከም ኣባላትና መጠን በርኪትኩምን ሰሲንኩምን ብምክፋል ነዚ ክቡር መዓልቲ ከተማዕርጉ/ከተማዕርጋ ብኽብሪ ንዕድም። Read more

دعوة للمشلركة للاحتفال بعيد.الاستقلال
المناضلون والمناضلات
تحية وطنية متنمينا لكم التوفيق في مهامكم النضالية بالاشارة الى الاعلان اعلاه والمتعلق ب ٢٤ مايو، يوم استقلال ارتريا، تقيم القوى السياسية الارترية بالمشاركة مع حركة كفاية العالمية احتفالا مشتركا عبر وسيلة الزووم. نهيب بكل عضويتنا وكافة الارترين المشاركة في هذه الامسية الاحتفالية الكببرة، والمساهمةفي اخراج الاحتفال بالطريقة اللائقة بعظمة المناسبة. تاريخ الاحتفال يوم ٢١/٠٥/ Read more

Eritrean Independence Day 31st Celebration by Eritrean political forces and Global Yiakl.


ተዘክሮታት መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት 1991።,
Eri-platform.


Part-1:    Part-2:



Independence Day 2022 festivities fireworks display | ERi-TV #Eritrea
[ Eri-TV ]


ካርኒቫል ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብምኽንያት መበል 31 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ|Independence Day street carnival, Asmara -ERi-TV



See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: