2020 ዳግመ-ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰጋጊሩ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

31/03/2020 20:57 PM

2020 ዳግመ-ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰጋጊሩ፡

መጋቢት 28, 2020

መጋቢት 25

2020 ዳግመ-ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ተሰጋጊሩ፡
መጋቢት 28, 2020

ናይ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ 2020 ዳግመ-ርክብ፡ ብምኽንያት ኮሮና ቫይሮስ፡ ናብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክሰጋገር ተገይሩ። ካብ 2012 ጀሚሩ ዓመት-ዓመት ዝገባእ፡ ዳግመ-ርክብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ`ዚ ዓመት`ዚ፡ (2020) ኣብ ከተማ ሲያትል ክጋባእ ተወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ`ዚ ተላባዒ ዝኾነ ኮሮና ቫይሮስ፡ ናብ 2021 ክሰጋገር ናይ ግድን ኮይኑ ረኺብናዮ።

ናይ 2020 ዳግመ-ርክብ፡ እዚ ዓመት`ዚ፡ ካብ ኤውሮጳ ከይተረፈ ብርክት ዝበሉ ሃብሮማት ክሳተፍዎ ዝወሰንሉ ዓመት ስለዝነበረ፡ ዕዉት ክኸውን ዓቢ ትጽቢት ነይሩና። ከምኡ`ውን፡ ንናይ 2020 ዳግመ-ርክብ ተ.ሓ.ኤ. እኹል መደባት ሰሪዖም ዝበለጸን ዝደመቐን ክኸወን፡ ኣብ ምሽብሻብ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነበርቲ ሲያትል (ዋሺንግቶ ስተይት)፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣገናዕ እናበልና፡ ኣብ 2021 ብዝለዓለ ደረጃ ክዳለውሉ ምዃኖም ንተኣማመን።

ክቡር ሓውና መስፍን መንግስቱ፡ ናይ ተጋደልቲ ስዉኣትን ህልዋትን ስእልታት ይኹን፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንህዝቢ ኣብ ምቕራብ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕርን ሞያን ብዝለዓለ ክብሪ ነመስግኖ። ይተካእ-ይለቀብ፡ ካብ ሃገረ ሆላንድ፡ ኣብ`ተን ዝገበርናየን ሸውዓተ ናይ ዳግመ-ርክባት፡ ብገንዘብን ጊዜን ከይተሓለለ ኣርባዕተ ጊዜ ምስታፉ ንጽንዓቱን ተወፋይነቱን ብቓላት ክንገልጾ ኣይንኽእልን።

ተልእኾ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ውህሉል ናይ ሓባር ተመኩሮታት ብስእሊ፡ ብቪድዮ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍ ንምስናድን ብመንጽር ዝተፋላለየ ኣረኣእያታትን ተመኩሮታትን ንምድህሳስን ትርጉም ንምሃብን`ዩ። ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍን፡ ምእካቡን ምስናዱን ሓላፍነትና`ዩ። ብሰነድ ዓቂብና፡ ናብ ዝመጽእ ወለዶ ክሰጋገር ምግባሩ`ውን ግቡእና`ዩ። ነቲ ሰፊሕ ተመክሮታት ብግቡእ ብምጽናዕ እንመሃሮ፡ ንናይ ግዜናን መጻኢትን ኤርትራ ዚገጥም ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ዚህልዎ ኣበርክቶ ንምልላይን፡ ህዝብና ካብኡ ከም ክመሃረሉ ንምግባርን`ዩ።

ዳግመ ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ሃለዋት ናይ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ይገብርን፡ ኩሉ ዝክኣሎ ሞራላውን ነገራውን ሓገዝ ይገብር። እዚ ሓላፍነታት`ዚ፡ ናይ`ቶም ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝተቓለሱ ጥራሕ ጌርካ ክውሰድ ኣይግበኦን። ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነን፡ ኣብ`ዚ ጅግና ቃልሲ ናይ ዝሰንከሉን ውጉኣትናን ስለዝኾነ፡ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ብሞያ፡ ብገንዘብ ይኹን ኣብ ኢዶም ዝርከብ ሰነድ ብምብርካትን ብምውሳእን ክሳተፍዎ በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ብኽብሪ ንጽውዕ።

ሞጎስን ክብርን ንስዉኣትና!

ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዕላማና`ዩ!!

ምምሕዳር፡ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ 
Click here ኣብዚ ጠውቑ



See also ዝሓለፉ ጽሑፋትን/ሰሚናራትን ዳግመ-ርኽክብ ተሓኤ፡ (ካብ ኣርካይቭ ስኒትና) More Articles and Meetings of ELF-Veterans Reunion (SNITNA Archives):-


Share with friends:


Pictorial Report: ELF Reunion Atlanta 2013


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: