February 2021 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 







27/02/2021 15:10 PM updated

ዜና ዕረፍቲ፡

ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡

Veteran Ambassador Adhanom Ghebremariam, passes away, 19 Feb 2021  (1945 - 2021)

ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ብምኽኒያት ሓጺር ሕማም ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19 የካቲት 2021 ዓ.ም፡ ብመስዋእቲ ሓሊፉ ኣሎ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ፡ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ንስዉእ ክቡር ተቓላሳይ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም መንግስተ ሰማያት፡ ንመላእ ቤተሰቡን መቓልስቱን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል። Read more




27/02/2021 23:55 PM

  ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ ቀዳም Saturday, 27 Feb 2021

"ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን፡ ኣብ ሃገርና ዘስዕቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃስያታትን

The ongoing conflict in Ethiopia; subsequent socio-economic damages to our country."

Guest: Prof. Mengsteab Tesfayohannes (Part-3).

ክቡራት ተኻታተልትና፡ ናይ ቀዳም Saturday, 27 February 2021፡ መዛተዪ ኣርእስትና፥ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን፡ ኣብ ሃገርና ዘስዕቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ሃስያታትን" ዝብል ኢዩ። ዕዱም ጋሻና ፕሮፈ. መንግስትኣብ ተስፋዮሃንስ ኢዩ። On Saturday, 27 February 2021, our discussion topic is “The ongoing conflict in Ethiopia; subsequent socio-economic damages to our country.” Our guest is Prof. Mengsteab Tesfayohannes.  ኣብዚ ጠውቑ፡   

 Part-1 (06 Feb 2021):  Part-2 (20 Feb 2021):

 Part-3 (27 Feb 2021):

ዝሓለፈኩም ንምስማዕ ኣብ ስኒትና፡ ኣብዚ ጠውቑ




20/02/2021 23:14 PM

ዜና ዕረፍቲ፡

ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ

ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡

ክቡር ገዲም ተጋዳላይ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ብምኽኒያት ሓጺር ሕማም ትማሊ ዓርቢ ዕለት 19 የካቲት 2021 ዓ.ም፡ ብመስዋእቲ ተፈሊዩና`ሎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ንስዉእ ክቡር ተቓላሳይ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማርያም መንግስተ ሰማያት፡ ንክብርቲ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን መላእ ቤተ-ሰቡን መቓልስቱን ክኣ ጽንዓትን ኣኻእሎን ንምነ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ።

Read more





19/02/2021 22:32 PM

ኣብ ህይወት፡ ዘይተነግረ እንበር፡

ዘይተገብረ የልቦን።

መበል 46 ዓመት ዝኽሪ ምውጻእ እሱራት ካብ ሆስፒታል

ብ`ተጋ/ግርማይ ገ/ኣምላኽ (ጠበቓ)

ካልኣይ መስተንክራዊ ስርሒት ደባይ ፊዳኢን ተ.ሓ.ኤ. ብ 19/02/1975 ሓራ ምዉጻእ እሱራት ካብ ማእከል ሆስፒታል ኣስመራ።

እዚ ስርሒት ዚ ብተጋደልቲ ሕሩይ ተድላን ዓብደልቃድር ሮሞዳንን፡ ኣብ ሃዘጋ ኮይኖም ዝወደቡዎ ብጾት ናይ ምድሓን ህጹጽን ዕዉትን ስርሒት ኢዩ ነይሩ።

ብድሕሪ ሓደ ሰሙን ናይ’ቲ ኣብ ሃገርና ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ስርሒት ምስባር ቤት ማእሰርቲ ሰምበልን ዓዲ-ዃላን፡ ነቶም ዝተረፉ ብጾት ካብ ኣፍ ሞት ንምድሓን ቅልጡፍ ዉደባ ተገይሩ ንምዉጻኦም ተዳለወ። ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ፡ ጸላኢ ዝዀነ ናይ ፖለቲካ እሱር ናብ ቃኘው ከእቱዎ ኣብ ርእሲ ምዉሳኑ፡ ኣስታት 120 ዝዀኑ ደቂ ኣስመራ ጻዕዳ፡ ብስልኪ ናይ ማሪን ዝተሓነቑሉ ጊዜ ኢዩ ነይሩ። Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




13/02/2021 11:54 AM

ምዕብልናታት ምንቅስቓስ ይኣክል፡

ከመይ ንመዝኖ? ንዓወታቱ ከመይ ንዕቅቦ?

ንድርኺታቱ ከመይ ነሔይሎን ቀጻልነቱ ነረጋግጽን?

How do we assess the current progress of the Grass-root Enough-is-enough (Yiakl) movement? Preserving what has been achieved, how can we help in keeping its momentum and its sustainability?  

كيف نقيِّم التقدم الحالي لحركة جذر العشب بما فيه الكفاية؟ الحفاظ على ما تم تحقيقه ، كيف يمكننا المساعدة في الحفاظ على زخمه واستدامته؟

Moderator: Dr. Amanuel M. Ghebremedhin, Keynote speaker: Mr Dawit Gebremeskel

 Part-1 (19 Sep 2020):  Part-2 (19 Sep 2020):

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




13/02/2021 11:54 AM

12 ለካቲት 1975

ሓደ ሽሕ እሱራት ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ሓራ ዝወጽሉ መዓልቲ

ወልደሱስ ዓማር፡ ዘዘንተዎ ፍሉይ ዛንታ እሱራት

[BBC Tigrinya]

ቅድሚ 46 ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ ብ 12 ለካቲት 1975፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላን ቤት ማእስርቲ ሰምበል ኣስመራ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓራ ዝወጹላ መዓልቲ እያ።

ተጋዳላይ ተሓኤ ነበር ወልደየሱስ ዓማር፡ “እቲ ብጀጋኑ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ዝተፈጸመ ዓቢ ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ሕልሚ ኮይኑ ይስመዓኒ” ብምባል ዝኽሪ እቲ ፍጻሜ የዘንቱ።  ...Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





09/02/2021 11:35 AM

ዝኽሪታት

መበል 31 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡

ምሕራር ከተማና ምጽዋዕ

Reflections on the 31 st Operation of Fenkil,

the liberation of Massaua.

09-10 February 1990

ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ!

ዕለት 9 ክሳብ 10 ለካቲት 2021፡ መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ምሕራር ከተማና ምጽዋዕ፡ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ምጽዋዕ ብጸላኢ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ናይ ሓይሊ ኣየር መቕዘፍቲ፡ እንዝክረሉ መዓልታት ኢዩ። እዚ መስተንክራዊ ጅግንነትን መስዋእቲን ናይ ተጋደልቲ ኤርትራ ዝተራእየሉ ስርሒት`ዚ፡ እቲ ጨካን መግዛእታዊ ጸላኢና ስርዓት ደርግ (ኢትዮጵያ)፡ ካባ ስዕረቱ ክእመን ዝተገደደሉ ስርሒት ኢዩ ነይሩ። ስርዓት መግዛእቲ፡ ከም መርኣያ ቅብጸቱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ  ህዝቢ ከተማ ምጽዋዕ፡ ጃምላዊ ናይ ኣየር መቕዘፍቲ ኣካይዱ። ነዚ ዘንጸባርቕ ዝኽሪታት፡ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ (ሊንክ) ብምጥዋቕ ክትሰምዑን ከተንብቡን ትኽእሉ።  ...Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦




07/02/2021 21:27 PM

ህጹጽ መግለጺ

ባይቶ ኤርትራውያን  ዋሽንግተን ዲሲ መሪላንድ ቭርጂንያ

ባይቶ ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲ መሪላንድ ቭርጂንያ - ኩነታት ኤርትራን  ከባቢናን ኣንጸላልዩና ዘሎ ሓደገኛ ናይ ህልቀት ኩናትን - ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ሰፊሕ ናይ ልዝብን እንካን ሃባን ኣኼባ  ብዕለት 30 ጥሪ 2021 ኣካይዱ።

እቲ ኣኼባ፣ ቅዋም ባይቶ ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲ፣ መሪላንድ፣ ቭርጂንያ ምርኩስ ብምግባር፣ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራን ከባቢናን፣ ኣብ እቲ  ብናህሪ ዝቕጽል ዘሎ ህልቀታዊ ኩናትን ብዕምቆት ዘትዩ። ነቲ ብ14 ሕዳር 2020 ዝገበሮ ገምጋምን ዝወሰዶ መርገጽን ደጊሙ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ብልዑል ናህሪ ዝቕጽል ዘሎ ኩናትን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን፣ መንእሰያቱን ዝወርዱ ዘለዉ ቅዝፈታትን፣ ኣብ ጎረቤት ትግራይ ዝርከቡ፣ ከባቢ 100 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝወርድ ዘሎ ኣስካሕካሒ ገበናትን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰላማውያን ሲቪላውያን ዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ዘትዩ። Read more




03/02/2021 06:35 AM

ህንጸት ሰላምን ዕርቂን፡

Peace Building and Reconciliation

بناء السلام والمصالحة

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ንህንጸት ሰላምን ዕርቂን - Peace Building and Reconciliation፡ ዝምልከት ኣርባዕተ (4ተ) ተኻታታሊ ሰሚናራት ኣብ Snitna ስኒትና Network ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ዝተኻየደ ኣገደስቲ ሰሚናራት ብቪድዮ ተቐሪጹ ቀሪቡልኩም ኣሎ።

`Snitna ስኒትና Network` has been conducting a series of seminars on 'Peace Building and Reconciliation' in the past two months. Video recordings of these important seminars is provided here. Read more

نظمت شبكة سنيتنا سلسلة من الندوات حول "بناء السلام والمصالحة" في الشهرين الماضيين.

يوجد أدناه تسجيل فيديو لهذه الندوات الهامة.

Read more






Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe