Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

December 2020 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 



30/12/2020 23:55 PM

ርሑስ ቅንያት

ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና!

WE WISH YOU MERRY CHRISTMAS

& A HAPPY NEW YEAR 2021!





30/12/2020 23:55 PM

በትሪ “ናትካ ብላዕ”፡

ወያ “ነውሪ ኢዩ” ምባል ኣበይ ኣበለት?

ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም

ቀደም ቆልዓ ኮይነ ከብቲ እንዳሓለኹ ከለኹ፡ “ናትካ ብላዕ” ትባሃል በትሪ ነይራትኒ። እታ በትሪ፡ ቁሩብ ርጉድ ዝበለትን መጠነኛ ቁመት ዘለውን ኮይና፡ ተራር ዘይትስበርን ሃሪማ ዘይትምሕርን ኢያ ነይራ። ጎድኒ ጎድኒ ምሕላውም ከብቲ፡ አቶም ሓለውቲ ከብቲ ብሓደ ኮይና፡ ስርኒሓት፣ ቆቛሕቲ፣ ደርሆ ማንቓታት፣ ዘጋሩ፣ ወዝተ ብዙሕ ጊዜ ንሃድን ነይርና። ሃደን ናቱ ዝኾነ ወግዕታትን ሕግትትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ያታዊ ትካላት (Endogenous Institutions) ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኢዩ። ንኣብነት፡ ስርኒሓት ወይ ቆቛሕቲ እንተዳኣ ንሃድን ኣለና ኮይና፡ ነታ ትታሓዝ ስርኒሕ ወይ’ውን ቆቛሕ መን ይወስዳ ንዝብል ሕቶ፡ ብሕጊ ሃደን፡ እቲ ወቒዑ ዘውደቃ ወይ ዝሓዝ ኢዩ ዝወስዳ ዝብል ኢዩ መልሱ። ሓደ ሃዳናይ ሰብ፡ ነታ ስርኒሕ ወይ’ውን ቆቛሕ… Read more

See Also by Dr Gebre Gebremariam ካልእ ጽሑፋት ዶ/ር ገብረ፦






30/12/2020 23:55 PM

ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን!

መበል 44 ክፋል

ብመሲናስ

6ይ ወራር ኣዝዩ ጽንኩርን ሓያልን ብምንባሩ፡ ንኡ ንምፍሻል ጥራይ ኣስታት 2700 ተጋደልቲ ተሰውኡ። 5000 ዝኾኑ ድማ ብኸቢድን ብፈኲስን ቆሰሉ። ካብቶም ነቲ ወራር ዝመከቱ ጠቕላላ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድማ 5300 ዝኾኑ ተጋደልቲ ጥራይ ብዘይጉድኣት ወጹ። ቊጽሪ እቶም ንሓገዝ ዝመጹ ስውኣት ወያነ ኣብዚ ጸብጻብ ኣይኣተወን። እዚ ሰማሚ ጋዝ ዝተሓወሶ ፈታኒ ወራር’ዚ ብርግጽ ኣዝዩ ጽንኩር’ዩ ነይሩ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ብዕለት 22 መጋቢት 1945 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ካይሮ ግብጺ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ዓረብ እውን ብእኩብ ብዕለት 26/2/1982 ዓ.ም. ነቲ ወራር ዝኹንን መግለጺ ከም ዘውጽአ ይዝከር። ...Read more





28/12/2020 23:55 PM

ሓደስቲ መጻሕፍቲ

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ

ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን

ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ኣብ ክልተ ክፋላት፦ተዳልያትልኩም ኣላ።

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን

ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ዚተደርሰት ኣገዳሲት መጽሓፍ፡ ብጠለብ ብዙሓት ግዱሳት ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ተተርጒማ፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ተሓቲማ ንዝርጋሐ ተዳልያ ከም ዘላ ነበስር ። ንዝርዝር ሓበሬታ፡  ኣብዚ ተወከሱ Read more

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





28/12/2020 23:55 PM

  ፈነወ ንጋባእ NGABAE RADIO

ብ’መም. ዘርኡ ገብረየሱስ  Zeru Gebreyesus

ናይ ቀዳም Saturday, 19 Dec 2020

"ሃገራዊ ጉዳይና ንከነሰላስል ሕጂ እውን ግድን ንጋባእ"

“Once again, We must Engage to each other, to carry on with our national issues.”

Guests: Mr. Tzegai Negash, Mrs. Elsa Mesfin and Mr. Mahmud Noor

ክቡራት ተኻታተልትና፡ ናይ ቀዳም Saturday, 19 December 2020፡ መዛተዪ ኣርእስትና፥ "ሃገራዊ ጉዳይና ንከነሰላስል ሕጂ እውን ግድን ንጋባእ።" ዝብል ኢዩ። ዕዱማት ኣጋይሽና 1) ጸጋይ ነጋሽ 2) ኤልሳ መስፍን 3) ማሕሙድ ኑር፡ ኢዮም። On Saturday, 19 December 2020, our discussion topic is “Once again, We must Engage to each other, to carry on with our national issues.” Our guests are 1) Mr. Tzegai Negash 2) Mrs. Elsa Mesfin 3) Mr. Mahmud Noor. ኣብዚ ጠውቑ፡     




21/12/2020 18:10 PM

ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ

ተኽልዝጊ ዑቕባልደት

In loving and Lasting Memory

Of Teklezgi Okbalidet

1957-2020

ገዲም ተጋዳላይ ሰብዓታት ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) ብዝሓደሮ ሕማም ካንሰር ብ26 ሕዳር ኣብ ሆስፒታል ስዊዘርላንድ ዓሪፉ - ሎሚ 21 ታሕሳስ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሓሬነ ገደለ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ፡፡ ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ብ1957 ካብ ኣቦኡ ግራዥማት ዑቕባልደት ቀሺ ኪዳነን ካብ ወላዲቱ ወይዘሮ መብራት መንግስቱን ኣብ ሓሬነ ገደለ፡ መረታ ቀይሕ ኣውራጃ ኣከለ ጉዛይ (ዞባ-ደቡብ) ተወሊዱ፡፡ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ተማህረ። ተኽልዝጊ፡ ገና ተማሃራይ እንከሎ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብምስጢር ተወዲሱ ኣብ ከተማ እናሰርሐ ብጸላኢ ተታሒዙ ንዓመት ተኣሲሩ፡፡ ብምሕረት ምስ ተፈትሐ ከኣ ኣብ መፋርቕ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢሩ፡፡ Read more

ዝኸበርኩም ፈተውቲን መቓልስቲን፡ ዝኽርታትኩምን መጸናንዒ መልእኽትኹምን ንምሃብ ኣብዚ ጠውቑ።





18/12/2020 23:26 PM

Urgent call to protect and save Eritrean refugees in the Tigray Region and other Parts of Ethiopia from abduction, killing, and forced repatriation to the war zone

On behalf of the undersigned Eritrean Political Forces (EPF), we are writing this open letter to you to express our grave concerns about the physical security, dignity and the wellbeing of Eritrean refugees and asylum-seekers in the Tigray region and other parts of Ethiopia. Read more





18/12/2020 23:26 PM

ERISAT: ትንታነ ፖለቲካ፡ ተራ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያን ዕድሎት ኤርትራውያን ስደተኛታትን

ብገዲም ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





18/12/2020 23:26 PM

ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ`ምበር፡

ውልቀ-ምልኪ ኣይገልጾን፡

 ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ብምዃኑ፡ ውልቀ-ምልኪ (Dictatorship) ዝብል ቃል፡ ንዕኡ ብልክዕ ዘይገልጽ መጸውዒ እዩ። ከመይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ባዕዳዊ ጸላኢ ኮይኑ፡ ህዝባውን ሃገራውን ገበናት፡ ክፍጽም ዝጸንሐን ዝፍጽም ዘሎን፡ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ሰላምን`ምበር፡ ውልቀ-መላኺ (dictator) ጥራሕ ኣይኮነን። ሐደ-ሐደ ግዜ`ውን ንኢሳያስ፡ ``ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ውልቀ-መላኺ`` ክብልዎ ይስማዕ፤ እዚ`ውን ንኤርትራዊ ሃገራውነት ዘይብሉ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይገልጽን፤ ናይ ኮርያ ውልቀ-መላኺ፡ ናይ ሃገሩ ምክልኻልን ጸጥታን፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንዘብጽሐ፡ Read more






18/12/2020 23:26 PM

ናይ ርእሰማል ምስጢር

(The Mystery of Capital, By Hernando De Soto)

"ስለምንታይ እዩ ርእሰማልነት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ተዓዊቱ፣ ኣብ ካልእ ኩሉ ቦታ ግን ፈሺሉ"

Black Swan edition 2001

ብ'ገብረግዮርጊስ ፍስሃየ (ጆርጅ)

እዚ መጽሓፍ`ዚ ኣገደስቲ ነጥብታት ዝሓዘለ ኮይኑ፣ እቲ ወዲ ፐሩ ጸሓፋይ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ ኮይኑ ንይ ዝገበሮ መጽናዕቲ ውጽኢት ኣዩ። ኣነ ቀንዲ ዝሰሓበኒ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ዋንነት መሬትን ገዛን ብርቱዕ ተገዳስነት ስለዘሎኒ እሞ ኸኣ ስለምንታይ ኢና ካብ ሓሳርን ጥሜትን ክንገላገል ዘይከኣልና (ዓይነት ስርዓት ገዲፍካ ማለት እዩ) ፡ እዚ መጽሓፍ`ዚ መፍትሒ ዝረኸብኩሉ ይመስል።

እዚ ጸሓፋይ ቀንዲ ነጥቡ፡ ንብረት( ገዛ ይኹን መሬት ወይ ትካል) ብሒጊ ዋንነቱ እንተዘይተረጋጊጹ ርእሰማል ምድላብ ይኹን ልቓሕ ረኺብካ ክትምዕብል የጸግም ይብል። Read more






14/12/2020 18:35 PM

እምነትን ፖለቲካን ከመይ ንሕዞ?

ቃለ-ምልልስ ምስ፦ ቀሺ ዳኒኤል ሃብታይ፡ ቀሺ ዑቕባስላሰ ሃይለ፡ ዶ/ር ብርሃነ ኣስመላሽ

HANDLING OF RELIGION VS. POLITICS

Discussion with Rev. Daniel Habtey, Rev. Ogbasselassie Haile and Dr. Berhane Asmelash

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





11/12/2020 18:28 PM

A DEAFENING SILENCE (ክቱር ስቕታ)

Conversation with

Mr Yohannes Tseggay Berhe

Tempo Afric TV: Eritrean Affairs Program

ቃለ-ምልልስ ምስ ኣቶ ዮውሃንስ ጸጋይ

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





07/12/2020 21:15 PM

Yemane Tesfai –

A code of honor

by Kiki Tzeggai

Yemane:

your silence said it all and your eyes are still questioning us! So often, you forced our six millions pair of eyes turn towards our own conscience!

You saw the crimes that would take us to a brink as a nation, while we were still dancing to the euphoria of independence!

You feared and fought the barbaric scenes of trucks loaded with our people fleeing a dictatorship in the making. Read more







Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print