ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ

13/05/2020 12:10 PM

ዜና ዕረፍቲ
ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት
ኣፈወርቂ ኣብራሃ፡

(26 መስከረም 1949 - 11 ግንቦት 2020)

Veteran and Diplomat, Afewerki Abraha, passed away
(26 Sep 1949 - 11 May 2020)

ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ

ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ
(26 Sep. 1949 - 11 May 2020)

ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ በርሀ ብኮሮና ቫይረስ (COVID 19) ብዘጋጠሞ ሕማም ንልዕሊ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ11/ግንቦት/2020 ኣብ ሕክምና ዓሪፉ። ኣፈወርቂ ኣብራሃ በርሀ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብራሃ በርሀን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ዉነሽ ኣባይን ብ26 መስከረም 1949 ኣብ ኣስመራ ኪዳነ ምህረት ተወሊዱን ዓብዩን። ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕብረትን ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሰ (ቀሃስ)፡ ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ናይ ፖሊ ተክኒክ ትምህርቲ ንምውሳድ ብ 1964 ናብ ባህር ዳር ከይዱ። ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ (ረፋይነሪ) ንኣስታት ሓደ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ፡ ብ1969 ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ሩስያ ከይዱ ቋንቋ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ጽዑቕ ትምህርቱ ብስነ ቀመም ቀዳማይ ዲግሪ ዛዚሙ።

ኣፈወርቂ በቲ ኣብቲ እዋን ዝጓሃሃር ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ቃልሲ ተጸልዩ፡ ኣባል መንእሰያት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ (ኤ.ና.ኤ.) ብምዃን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ንጡፍ ኣበርክቶ ዝገበረ ትጉህ ኤርትራዊ ተቓላሲ እዩ።

ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጀማመሮ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ንሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ክቕጽሎ ስለዝወሰነ ከኣ ምስ ብዙሓት ማማህርቱን ኣዕርኹቱን ብ 03 መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ተጸንቢሩ። ድሕሪ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከኣ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ ክፍሊ ኢደ ስርሓት (ብተጋደልቲ “ራሕባ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣሃዱ) ፈላሚ ጉዕዞኡ ጀመረ።

ቀጺሉ፡ ኣብ 1977 ኣብ ብርጌድ 23 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ድሕሪ ምግልጋል፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ድፍዓት ሳሕል ቀዋሚ ድፋዓት ምስ ሓዘ፡ ኣብ ፈለማ ሰማንያታት (1980ታት)፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ-ብርጌድ 23፡ ከም መራሒ መደብ እታ ጉጅለን ኣሰናዳኢ መደባትን ብምዃን ክሳብ 1984 ኣገልጊሉ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ኣብ ሜዳ ቆይሙ ዝነበረ ብ`”እንዳ ኬሚስትሪ” ዝፍለጥ ክፍሊ ስነ-ቐመም ከም ሓላፊ ጨንፈርን ሞያውን ኮይኑ፡ ክሳብ ናጽነት ገድላዊ ሂወቱ ቀጺሉ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣፈወርቂ ኣብራሃ ሓደ ካብቶም ኣብ 1991 ንመጀመርታ ናብ ዓሰብ ዝኣተዉ ኮይኑ፡ ነቲ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዝነበረ መጻረዩ ነዳዲ (ሪፋይነሪ) ናብ ንቡር ስርሑ ንምምላስ ካብ ዝጸዓቱ ተጋደልቲ፡ ሓደ ኢዩ ኔሩ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽፈት ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ከም ቀዳማይ ጸሓፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ናጽነት ኤርትራ ብህዝባዊ ድምጺ ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ረፈረንዱም ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መስርሕ ረፈረንድም ዝመርሐን ዘወሃሃደን ውፉይ ሃገራዊ እዩ።

ኣፈወርቂ ኣብራሃ ብ1994 ብፖለቲካል ሳይንስ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ክገብር ንዓዲ እንግሊዝ መጺኡ። ትምህርቱ ብልዑል ነጥቢ ኣጠናቒቑ ንኤርትራ ተመሊሱ። እንተኾነ ብዙሕ ከይደንጎየ ብ1996 ወኪል ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ (General Consulate) ኮይኑ ክሳብ 2001 ጸኒሑ። ኣፈወርቂ፡ ቅድሚን ድሕሪን ናጽነት፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብኹሉ ዝኽእሎ ዓቕሚ ብትግሃት ዝተዋሰአ፡ ሓያል ተራን ጽልዋን ዝነበሮ፡ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ።

ኣፈወርቂ ኣብ ስነ ጥበብ እውን ሓያል ኣበርክቶ ዝነበሮ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ሓያሎ ናይ መድረኽ ትያትር ዝደረሰን፡ “ሰንሰለት” ዘርእስታ፡ ብውክልና ጠባያት ንከፊላዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፍ ዝጸሓፈን፡ ደራሲ ናይታ ‘ከምዚ ኔሩ እንተዝኸውን” እትብል፡ ደቀንስትዮ ንዘሕልፈኦ ምረትን ክዋሃበን ዝግባእ ክብሪን እትገልጽ፡ ብቛንቋ እንግሊዝ ከይተረፈ ተተርጉማ፡ ብዙሕ ኣድናቖት ዘትረፈት ናይ መድረኽ ድራማ ዝደረሰ ኢዩ። ብሓጺሩ ኣፈወርቂ ካብቶም ብኹለንትናዊ ክእለቶም ጸብለል ዝበለ፡ ኣብ ዘዝኣተዎ ዓውዲ ዘድምዕ፡ ፍቱው ኣላይ መድረኽን ክኢላ ስነ ጥበባውን፡ ኢዩ ኔሩ።

ኣፈወርቂ ኣብራሃ፡ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ድሕሪ ምስንባቱ፡ ነታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከቢድ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዋ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዊል-ቼር እትነብር ዘላ፡ ገዲም ፍትውቲ ተጋዳሊት ብጸይቱን በዓልቲ ቃል ኪዳኑን ፋጥና አሕመዲን፡ ኣብ ምእላይን፡ ደቁ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ተጸሚዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በዚ ንዓለምና ዘናወጸ ኮቪድ-19 ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ብሰላም ዓሪፉ። ኣፈወርቂ ኣብራሃ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ዕዉታት ቆልዑን ኢዩ ኔሩ።

ሓበሬታ፦

ኩላትኩም አሕዋትን ፈተውትን ኣብዚ ወሪዱና ዘሎ ከቢድ ሓዘን፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ምዃንኩም ንፈልጥ ኢና’ሞ፡ ንኹላትኩም ብሓባር ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። እንተኾነ እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ሓዘን፡ ኣብ እዋን ዕጽዋን (Lockdown) መጥቃዕቲ ኮቪድ-19 ብምዃኑ፡ ኩላትና ብመምርሒታት መንግስቲ ክንቅየድ ግዴታ ስለዘለና፡ ክሳብ እቲ ኹነታት ተረጋጊኡ ንቤተሰብ ናይ ምጽንናዕ መዓልቲ ንገብር፡ ንኣፈወርቂ መንግስተ ሰማይ ከዋርሶ ንስድራ-ቤት ከኣ ኣኻእሎን ጽንዓትን ክህብ ኣኣብ ዘለናዮ ኮይንና ብጸሎት ክንዝክሮም ብትሕትና ንሓትት።

Read in PDF ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


ሓዘንንኩም፡ መጸናንዒ ቃልኩምን ዝኽርታትኩምን ንምግላጽ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ፌስቡክ ሊንክ (see more) ኣብዚ ጠውቑ
For consoling comments and reflections, please follow the facebook link here:


ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ



Share with friends: