This free script provided by
JavaScript Kit
20/02/2022 19:15 PM
መመረቕታ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ዶክተር ፍጹም ገብረስላሴ 'ኮኾብ ሰሜን' (Book Release - biography of Dr Fetsum Ghebreselassie, by Mekonnen Tesfay.)
እንሆ በረኸት ! እንሆ ሽሻይ ! መጽሓፍ 'ኮኾብ ሰሜን'
ዝሓለፈ ዓመታት ዝበዝሐ ግዜ ናይ ሓያሎ ደረስቲ መጻሕፍቲ ከከፋፍል፡ ከንብብን ካልእ ምስ ኡ ዝኸይድ ንጥፈታትን ከካየድየ ጸኒሐ። እንሆ ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ ሕትመት መጽሓፈይ ዘበስረሉ ሪጋ በጺሑ እዛ ንመጽሓፈይ እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ካላኣይቲ ሓፍቲ እትኾና ብዓይነታ ፍልይቲ ዝኾነት ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ናባኹም የብላ ኣለኹ። እዛ መጽሓፍ ምስ ዕጽዋ ሕማም ኮቪድ 19 ማለት ኣብ መጋቢት 2020 ክትጸሓፍ ዝጀመረት ንኽዛዝማ ኣስታት 23 ኣዋርሕ ማለት ኣስታት ክልተ ዓመት ኢያ ወሲዳትለይ። ሓዳስ መጽሓፈይ ኮኸብ ሰሜን፡ ናይቲ ብዝና ጥራሕ እንፈልጦ ካልእ ታሪኹ ግን ብዙሕ ዘይፍለጥ፡ ኣብ 1973 ዓም ናይ ሕጂ ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ “ተባሪቓቶ ቀቲሉዎ” ተባሂሉ ዝነገረሉ ካብ ዮጎዝላቭያ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝ ኣተወ ኣብ 1971 ብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣባል ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተመርጸን ሓላፊ ክፍሊ ዕዮ ዜና ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ገዚፍ ኣብርክቶን ዘይሃስስ ኣሰር ዝገደፈን ዶክተር ፍጹም ገብረስላሴ እትምልከት ኮይና። ኣብታ መጽሓፍ ዶክተር ፍጹም መን’ዩ? ኣበይ ተወሊዱን ዓብዩን? ኣበይ ተማሂሩን ናብ ሰውራ ኤርትራ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ብኸመይ ተሰሊፉን፡ ኣብቲ ሰውራ ኣብ ዝጸንሓሉ ከመይሉ ስሙ ሰማይ ዓሪጉ? እንታይ እንታይ ኣበርክቶ ከ ኢዩ ኣበርኪቱ? ኣሰዋዉኡኡ ከመይ ኔሩን ዝብሉ ካል ኦት ሕቶታትን ብዕምቆት እትምልስ። ምስ ልዕሊ 20 ዝኾኑ መተዓብይቱ፡መማህርቱ፡ መተዓልምቱ፡ መጋድልቱን ቤተሰቡን ዝተገበረ ቃለ መሕትታትን ምስቲ ዝነበሮ ግዜ ዝተኣሳሰር ታሪኻዊ ፍጻሜታት ንምድህሳስ ልዕሊ 15 ዝኸውን መጻሓፍትን ጽሑፋትን መወከሲ ብምጥቃምን ዝተዳለወት መጽሓፍ’ያ። እዛ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት ዶክተር ፍጹም ጥራሕ ኣይኮነትን ሒዛ ዘላ። ከምቲ ዝገለጽኩዎ ምስቲ ዝነበሮ ግዜን ኩነታትን ዝተኣሳሰር ኣዚዩ ብዙሕ ታሪኻዊ ፍጻሜታትውን ሒዛ’ላ። ነዚ ሻሻይ ከቋድስ’የ እምበኣር ሎሚ ቀዳም ኣንጊሄ ተንሲኤ። እዛ ዕለት ወትሩ ተዘካሪት ዕለት ክትከውን’ያ። እዛ መጽሓፍውን ከምኡ። ዶክተር ፍጹም ገብረስላሴ መን’ዩ ኢልካ ሓቲትካ ሓደ ሕጡበ ጽሑፍ ዝኸውን ጽሑፍ ካብ ዘይምርካብ ናብ ምሉእ መጽሓፍ ተሰጋግረና ዕለት ኢያ ትኸውን ዘላ። ድሕሪ ሕጂ ዶክተር ፍጹም ገብረስላሴ መንዩ ጥራሕ ዘይኮነ ጠባዩ፡ ትውልዲ ዓዱ፡ ቤተሰቡ፡ መጋድልቱ ትምህርቱ፡ ኣበርክቶኡ፡ ራኢኡ ፡ ኣቀታትሉኡ ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ተረኺቡዎም ኣሎ።
ኮኾብ ሰሜን (ታሪኽ ህይወት ዶክተር ፍጹም ገብረስላሴ)
ብዝሒ ገጽ 276
ዓቐን መጽሓፍ 14 ሴንቲሜተር ብ 23 ሰንቲሜተር
ኣርትዖት፡ ኢንጂነር ኣኸድር ኣሕመዲን (ፖላንድ)
ንድፊ መጽሓፍ፡ ግራፊኮ ሰራውር
ቅብኣ ገበር፡ ሙሉጌታ ተኽለ (ጀርመን)
ንድፊ ገበር፡ ኢንጂነር ኣማን ተኸስተ (ካናዳ)
Full Book link to the Biography biography of Dr Fetsum Ghebreselassie, by Mekonnen Tesfay. is Here.
መጽሓፍ፡ `ኮኾብ ሰሜን` (ታሪኽ ህይወት ዶክተር ፍጹም ገብረስላሴ) ኣብዚ ኣሎኩም።
Share with friends: