ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/07/2021 14:46 PM

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦
ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን

ካብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎማ መጻሕፍቲ፡
ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን
ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ።

ብ`ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ዚተደርሰት (Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope, By Dr. Andebrhan Welde Giorgis) ዘርእስታ ኣገዳሲት መጽሓፍ፡ ብጠለብ ብዙሓት ግዱሳት ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ተተርጒማ፡ ኣብ ክልተ ክፋላት ተሓቲማ ተዘርጊሓ ኣላ።

ታሪኽ ኤርትራ ጅግንነታዊ ቃልሲ፡ ቀጻሊ ጥልመት፡ ነባሪ ተስፋ ይነግር። ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፦ ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን (Eritrea at a Crossroads: A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope) ንኣመጻጽኣ ናይዛ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት ዚተደኰነት ዘመናዊት ኤርትራን እቲ ዚተናውሐ ጕዕዞኣ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔን ተዘንቱ። ጕዕዞ ዘመናዊ ታሪኽ ናይታ ሃገር ብስምብራት ቀጻሊ ግዳማዊ ምትእትታው ዚተሓላለኸ'ዩ።

ዛንታ ናይ'ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ብሓደ ወገን፡ ዛንታ ጅግንነታዊ ዓወት ኣብ ቃልሲ፣ በቲ ካልእ ድማ፡ ዛንታ ጨካን ጥልመት ናይቲ መበገሲ ዕላማታትን ሃረርታን ናይቲ ምእንቲ ሃገራዊ ሓርነት ዚተኻየደ ነዊሕ ኲናት፡ ዛንታ ደልሃመታዊ ፍሽለት ኣብ ናጽነት'ዩ። ብተወሳኺ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንኣመዓባብላ ናይቲ ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪኡን ዚሳዕረረ፣ ዕሙት ዶግማዊ ኣተሓሳስባ ንምስግዳድ ዚሓለነ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዚጥሕስ፡ መሰረታዊ ሲቪላዊ ሓርነታትን ሰብኣዊ መሰላትን ዚግህስ፡ ልምዲ ምዝውታር ሓይሊ ትትርኽ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንተመኵሮ ኤርትራ ኣብ ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ኣወቓቕራ መንግስቲ፡ ኣብ ቍጠባዊ ልምዓት፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ናይቲ ድሕሪ ምጽንቃቕ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዚተኸስተ ኵነት ኣእትያ ትግምግም። ንህሉው ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪታ፡ ንጥልመት'ቲ ዕላማታትን መብጽዓታትን ናይቲ ምእንቲ ሓርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ክብረትን ራህዋን ዚተኻየደ ኲናት ናጽነትን ዚተኸፍለ ከቢድ መስዋእትን ኣትሪራ ትነቅፍ። ብተወሳኺ፡ ኣንፈት ጕዕዞ መጻኢ ትሕብር። Read more

ቀዳማይ-ክፋል መጽሓፍ፡ ብመንገዲ ኢንተርነት ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ

ካልኣይ-ክፋል መጽሓፍ፡ ብመንገዲ ኢንተርነት ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ



Share with friends:


ደሞክራስያዊ ስግግርን ዳግመ-ምህናጽ ቍጠባ ኤርትራን - ዝርርብ ምስ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ (2019)


See also Related::



Share with friends: