ታሪኻዊ ጠመተታት ኣብ ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራን፡ እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

13/06/2021 16:55 PM

ታሪኻዊ ጠመተታት ኣብ ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራን፡
እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን

Some Historical Perspective on Eritrean Independence
and the Current Ordial that the Nation is Going Through.

ብ`ዳዊት ገብረመስቀል፡ ስነ 11 2021

ታሪኻዊ ጠመተታት ኣብ ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራን፡ እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን

ታሪኻዊ ጠመተታት ኣብ ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራን፡ እትሓልፎ ዘላ ኩነታትን
ብ`ዳዊት ገብረመስቀል፡ ስነ 11 2021

ሎሚ ቕነ ናይ መበል ሰላሳ ዓመት በዓል መዓልቲ ናጻነት ሃገርና ከነብዕል ቀኒና። መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት፡ ኩነታት ብዘፍቀዶ ኣገባብ፡ ብድምቀት በዓል ናጻነት ሃገሩ ከኽብር ምርኣይ ድማ ደስ ዘብል’ዩ። ኤርትራና፡ ምስቲ ኩሉ ሽግራታ ገና ተተንፍስ፡ ትቃወም፡ ትራጋሕ፡ ትምርሽ ምህላዋ ጭቡጥ ምስክር ስለ ዝኾነ። እወ ድሕሪ 30 ናይ ናጻነት ዓመታት፡ ሃገርና፡ ብዘይ ጥርጥር፡ ካብቲ ናጻ ኣብ ዝወጸትሉ ግዜ ክትከውንያ ዝብል ዝነበረና ትጽቢታት፡ ኣብ ኣዝዩ ዝረሓቐ ኩነታት ምህላዋ ግሁድ ነገር እዩ። ህዝብና፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሽግራቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰላምን ጸጥታን ርግኣትን ሓሪምዎ፡ ሰብአዊ ይኹን ሲቪካዊ መሰሉ ተነፊጉ፡ ደቁ ኣደዳ ደረት ዘይብሉ ናይ ባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፡ ግዳያት ስደትን ምብትታንን ሞትን ዝኾኑሉ፡ ብዙሕ ሻቕሎታት ዝሙከረሉ ዘሎ እዋን እዩ። ብፍላይ ሕጂ ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ ረብሓ ዘይንረኽበሉ፡ ናይ ኢትዮጵያ ውግኣት ሕድሕድ ብምእታውና፡ መንእሰያትና ንሞትን መቑሰልትን ዚተቓልዑሉ፡ ንዘስካሕክሕ ሂወት ዝተፈርድሉ ቅሳነት ዘስኣነ ኩነታት ኣሎና። ካብ ኩሉ ዝመረረ ከኣ፡ ኣብዚ መጻኢ ዕድላት ሃገርና ብብሩህ ከነማዕድወሉ ኣብ ዘየኽእል ናይ ዋግዋጎ ሰዓታት፡ እቲ ክሳብ 100 ሽሕ ዝግመት ሂወት ዚተኸፍሎ ሃገራዊ ልዑላውነትና፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገርና፡ ሓድሽ ብድሆታት ክቀላቐሎ ንዕዘብ ምህላውና እዩ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ፡ ንገለ ደቂ ሃገር፡ ኣበይ ዘሎ ናጻነት’ዩ ኢሎም ክሓቱ፡ ህዝብና እትረፍዶ ናጻነት`ሲ ገጽ ናጻነት እውን ኣይረኣየን ኢሎም ከማርሩ፡ ንዝኽሪ ሃገራዊ ናጻነት ኣብ ዝግበር በዓላት ካብ ምስታፍ ክሕሰሙ፡ ኣብ በዓል ንዝሳተፉ ከም ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና ግቡእ ኣረዳድኣ ዝጎደሎም ጌሮም ክኸሱ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም’ውን ክሳብ ከም ደገፍቲ ናይ ስርዓት ኣስመራ ጌሮም ክውንጅሉ ይስምዑን ይረኣዩን። እዚ ኩነታት’ዚ ድሕሪ ምዕዛብ`የ፡ ብጉዳይ ሃገራዊ ናጻነትናን ንሓልፎ ብዛዕባ ዘለና ኩነታትን ቁሩብ ታሪኻዊ ጠመተ ንምሃብ ነዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ክሕንጥጥ ዝመረጽኩ።

ብርግጽ ብኹሉ መዐቀኒታት፡ ሃገራዊ ናጻነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ ሃገርና ክነግስ እዩ ኢልና ዝተጸበናዮ ፍትሕን ራህዋን ብምንጽጻር፡ ንሓልፎ ዘለና ንኹሉ ደረታት ዝሰሓተ ዲክታቶሪያዊ ስርዓትን ንሱ ዘኸተሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ሕሰማትን፡ ዕረፍቲ ዘይብሉ ውግኣትን ሞትን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ዘይንቡር ዝመስል ኣበሃህላ’ዚ ምስማዕና፡ ክገርመና ዘለዎ ኣይመስለንን። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ነጊሱ ዘሎ ኢሰብኣዊ ኩነታት ናይ ምቅዋም ድምጺ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ኣዚዩ ካብ ንቡር ዝረሓቐ ናይ ሽፍትነትን ዓመጽን ስርዓት ዘሎና ጽልእን ንዕቀትን መግለጺ፡ ንኩነታት ሃገርና ንምቕያር ናይ ዘለና ሓያል ድልየት ሓባሪ፡ ንፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ናይ ዘለና ዘይተደረተ ባህጊ ኣማቲ ኮይኑ፡ ግን ቅኑዕ ኣበሃህላ ዝሰሓተ ክሳብ ዝኾነ፡ ብዙሕ ዘዋጥጥ ኣይመስለንን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናብ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ምዃና ዘይምእማን ዝመጣጠር፡ ናብ መዓልቲ ናጻነት ዘይምኽባር ዝሳገር ኣረዳድኣ ግን፡ በኣግኡ ክግራሕን ክእረምን ዝግባእ ጉዳይ እዩ እብል። ነዚ ንከኽእለና፡ ከምኡውን ናይ መጻኢ ጉዕዞና ከም ሃገርን ህዝብን ኣብኡ መሰረት ስለ ዝገብር፡ ትርጉም ሃገራዊ ናጻነትና ብግቡእ ክንርድኦ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝብና እንታይ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ክንግንዘቦ፡ ቃልሲ ህዝብና ክሳብ ሕጂ ዘረጋገጾ ዓወታት ብግቡእ ክንፈልጦን ከነኽብሮን ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። በዚ ድማ ብቐዳምነት ሃገራዊ ናጻነት፡ ብፖለቲካዊ ሸነኻቱ፡ እንታይ ማለት’ዩ ዝብል ሕቶ ብምርኣይ ንጀምር።

ሃገራዊ ናጻነት ማለት፡- ሓደ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምቁጽጻር ባዕዳዊ ወይ ዘይሃገራዊ ሓይሊ ክግዛእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንባዕዳዊ ሓይሊ ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተናጊፉ፡ ብደቂ ሃገር ዝምራሕ፡ ካብ ምቁጽጻር ግዳማውያን ሓይልታት ናጻ ዝኾነ፡ ሕላገት ልዑላውነቱ ዘመስክር መንግስትን፡ ምስኡ ዝኸይድ ምሕደራን፡ ዝእውጀሉን ዘቑመሉን፡ ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ሓደ ህዝቢ፡ ፍሉይ ታሪኻዊ ቦታ ሒዙ ዝነብር ፍጻሜ እዩ። ናይ ሓደ ህዝቢ ብፖለቲካውን ሕጋውን ሸነኻት ኣብ’ዚ ምብጻሕ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ንሃገሩ ከም ልዑላዊት ሃገር የፍልጣ። እታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ምድራዊ፡ ባሕራዊ፡ ሰማያዊ ዶባታ፡ ምሉእ ናይ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ስልጣና ዝተኸበረላ ፖለቲካዊት ኣካል ምዃና፡ ተፈላጥነት ትረክብ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ካብ ናይ ቃላት ምስትምቓርን ምኩምሳዕን ክሳብ ዝገለልና፡ ናይ ሓደ ሃገር ፖለቲካዊ ናጻነት ትርጉም፡ ብዙሕ ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝምጠጥ መግለጺ የብሉን። እሞ ከም ተቓወምቲ፡ ከም ደለይቲ ፍትሒ፡ ሃገርና ናጻን ልዑላዊትን እያ ምባልናን፡ ናብዚ ዘብጸሓና በዓል ሃገራዊ ናጻነት ምጽምባልናን ካብ’ዚ ትርጉም’ዚ ንላዕሊ ዝኸይድ ኣረዳድኣ ስለ ዘለና ኣይኮነን። ግን ከኣ፡ ኣብ ሓደ ግዜ ምስ’ዚ፡ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ፡ ክንዲ ንጣብ እውን እንተኾነ፡ ኣስካሕካሒ ኩነታት ሃገርና ምርሳዕና ዘመልክት፡ ወይ ምስ ስርዓት ህግደፍ ምስምማዕ ወይ ምልዛብ ዘርኢ ነገር የብሉን። ፍልልይና ምስ ህግድፋዊ ስርዓት፡ ክንዲ’ቲ ኣብ መንጎ ድሙቕ ብርሃንን ድቕድቕ ዝበለ ጸላምን ዘሎ ፍልልይ ስለ ዝኾነ። ኣረዳደአና ቁሩብ ንምዕሟቕ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ናጻነት ናይ ሓንቲ ሃገርን ስርዓተ ምሕደራኣን ዝህልው ዝምድና ምስ እንምልከት ኣብዚ ዘዛርበና ዘሎ ጉዳይ ዝሓሸ ኣረዳድኣ ንኸነጥሪ ሓጋዚ ይመስለኒ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ዝህሉ ዓይነት ምሕደራ፡ ኣብ ጉዳይ ናጻነት ወይ ልዑላውነት ናይ ሓደ ሃገር እንታይ ተራ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ምምላስ የድሊ። እቲ መልሲ ድማ፡ እታ ሃገር ካብ ግዳማዊ ፖለቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ ተቖጻጻርነት ሓራ ክሳብ ዝኾነት፡ ኣብታ ሃገር ዝህልው ዓይነት ምሕደራ ንናጻ ምዃንን ዘይምዃንን ናይታ ሃገር ናይ ምውሳን ዝኾነ ተራ ዘለዎ ኣይኮነን። ብዚያዳ ንምንጻሩ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ፍትሕን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ምህላውን ዘይምህላውን፡ መዐቀኒ ናይታ ሃገር ናጻ ምዃናን ዘይምዃናን ክኸውን ኣይክእልን።

ኣብ ዘመናዊት ዓለምና፡ 195 ናጻ ዝኾና ወይ ከም ልዑላውያን ዝፍለጣ ሃገራት ኣለዋ። ካብዚኣተን ክንደይ እየን ብደሞክራሲያዊ ምሕደራ ክልለያን ብግዘአተ ሕጊ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ዝርከባን ዝብል ሕቶ ኣልዒልና እንረኽቦ መልሲ፡ ብዙሓት ከምዘይኮና እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ናጻነት ምርግጋጽን ፍትሓዊ ስርዓት ምትካልን ዘሎ ርሕቀት፡ ንምርዳእ ኣሸጋሪ ኣይመስለንን። እሱ ጥራይ ዘይኮነ’ውን፡ ሓንቲ ሃገር፡ ሓንሳብ ግዝኣተ ሕግን ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ስለ ዘተኣታተወት፡ ብውሑስ ቀጻልነቱ ኣረጋጊጻ ማለት ኣይኮነን። እዚ ጉዳይ’ዚ ቀጻሊ ቃልሲ ዝሓትት፡ ዘየቋርጽ ምሕዳስን ምምዕርራይን ዝጠልብ እውን እዩ። ዋላ እቲ ካብ ምብጋሱ ብሲቪካውነቱ ዝተጸንበለ፡ ብታሪኻዊ ቅዋሙ ዝተፈልጠ ስርዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከይተረፈ፡ ገና ካብ ዝተማለኤ ብቕዓት ዝረሓቐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዘይተኣደነ ፈተነታት ይገጥሞ ምህላዉ ናይ’ዚ ዘለናዮ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዝተጋህደ ተረኽቦታት ብሩህ መረዳእታ እዩ።

እወ፡ ህዝቢ ናይ ሓደ ሃገር፡ ሃገራዊ ናጻነቶም ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ብደረጃ’ቲ ንፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ዓቕሞምን፡ መንግስቲ ንረብሐኦም ከም ዝሰርሕ ናይ ምግባር ኣኽእሎኦምን፡ ኣብ ሃገሮም እንታይ ዓይነት ስርዓት ይተኽሉ ንኽውስኑን፡ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም። እንተኾነ ታሪኽ ናይ ኣህዛብ ዓለም ምስ እንምልከት፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ብዝኾነ ይኹን መዔቀኒ ቀጥታዊን ውሁብን ቀሊልን ኣይኮነን። እታ ናጻ ዝኾነት ሃገር ዝህልዋ ደረጃ ቁጠባውን ባህላውን ምዕባሌ ብቐዳምነት ግዙፍ ተራ ዘለዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሓይልታት ዝህልዎ ዘይቃዶ ረብሓታት፡ ምናልባት እውን ሓደ-ሓደ ግዜ ክተዓረቕ ኣሸጋሪ ዝኾነ ፍልልያት፡ ምስ ኣብ ስልጣን ዝመጹ ብዕሉጋትን ዓመጽትን ጨቆንትን መራሕቲ ተሓዋዊሱ፡ ነዚ ውሳኔ`ዚ ዝተሓላለኸን ጽንኩርን ይገብሮ። በዚ ዝተሳበበ፡ መዓልታዊ ዜናታት ዓለም ኣብ ብርክት ዝበለ ቦታታት ብዛዕባ ዝኸይድ ምፍሕፋሓት፡ ምርጻማት፡ ምግምጣል መንግስታት ዝተመልኤ እዩ። ኤርትራውን፡ ብሰንኪ ህግደፋዊ ምልካዊ ስርዓት፡ ሓንቲ ካብተን ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጻነት ንኣዚዩ ዝተዓዛዘሮ (ዝሓለፎ) ሕልኽልኻት ዝተቓለዐት ሃገር ኮይና፡ ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ናይ ምንጋስ ፈተነታታ ዝገጥማ ዘሎ ብድሆታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ንግንዘብ ኣለና። እዚ ግን፡ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊት ሃገርን ምዃና ዘተሓትት ጉዳይ ኣይገብሮን። ንሃገራዊ ናጻነትና ስዒቡ ኣብ ክሰላሰል ዝነበሮ መስርሕ ህንጸተ-ሃገር ዝገጠመና ብድሆታት ብምሕያሉ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ’ውን ብኸመይ ካብ’ዚ በዳሂ ኩነታት’ዚ ንገለጋል ዘተስፉ ኣንፈታት ብዘይምርኣይና፡ ሃገርና ናጻን ልዑላዊትን ምዃና ኣይቅይሮን።

መግለጺታት፡ ዝኽርታት፡ ገምጋማትን ትንታነታትን፡ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመተ-ናጽነትና!   Press-releases, Reflections and memories on the occasion of 30th Eritrea independence day.

ታሪካዊ ጉዕዞ ሃገርነት ኤርትራ፡ ኣስተምህሮ ብ`ዶር. ገብረ ገብረማሪያም   The journey of Nationhood of the State-of-Eritrea. Seminar by Dr. Gebre Gebremariam.

ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራ፡ ከም ንቡር፡ ኣብ መብዛሕተኤን ካልኦት ሃገራት ከም ዝተራእየ ፍጻሜ ጌርና ክንርእዮ ጥራይ እውን ግቡእ ፍርዲ ምሃብ ኣይመስለንን። ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጻነት ክውን ምግባሩ፡ ምናልባት ምስ ናይ መብዛሕተኤን ካልኦት ምእንቲ ናጻነት ዝተቓለሳ ሃገራት ተነጻጺሩ፡ ፍሉይ ትርጉም ክህበና ዘለዎ’ዩ። ከምኡ ዝገብሮ ከኣ፡ ምስ ናይ መብዛሕትአን ንፖለቲካዊ ናጻነተን ዝተቓለሳ ሃገራት ተነጻጺሩ፡ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ናይ ኤርትራ እትበሃል ሃገር፡ ኤርትራውነት ዝበሃል መንንነት ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ። ምኽንያቱ፡ ወይ ናጻ ብምዃና፡ ኤርትራ እትበሃል ሃገር ክትህሉ፡ ወይ ከኣ፡ ናጻ ብዘይምውጻኣ ንዘልኣለም ንኸይትህሉ ዝውስን ጉዳይ ስለ ዝነበረ። ከምቲ ናይ ዳርጋ ኩለን ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፡ ንግዜኡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሓ፡ ውዒላ ሓዲራ ናጻ ሃገር ምዃና ኣይተርፋን’ዩ ዝበሃለሉ ዘሐንቅቕ ኩነታት ብዘይምንባሩ። ነዚ ናብ ታሪኽ ቁሩብ ምልስ ኢልና ንምልከቶ። ዋላኳ ብስዕረት ኢጣሊያዊ መግዛእቲ ናይ ኣፐርታይድ (ዓሌታዊ) ኢጣሊያዊ ስርዓተ ምሕደራ ምድምዳሙ፡ ህዝብና ዕድለኛ ነይሩ እንተተባህለ፡ እቲ ዝሰዓበ ኩነታት ግን፡ ኤርትራ እትበሃል ሃገር ንከይትህልው ዘቕነዔ፡ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ሸርሕታት ዝተፋሕሰሉ ጉዳይ እዩ ነይሩ። እተን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከም ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ኢጣሊያዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሊቢያን ሶማልያን፡ ብዘየተሓትት መንገዲ፡ ሃገራዊ ናጻነተን ክጓናጸፋ ከለዋ፡ ጉዳይ ኤርትራ ግን ናይ ኢትዮጲያን ካልኦት ሓያላት መንግስታትን ረብሓ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ድልየት ህዝብና ፈጺሙ ኣብ ጸብጻብ ከየእተወ፡ መጻኢ ዕድል ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ገለ ሸነኹ ናብ ሱዳን፡ እቲ ካልእ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዚዩ ክዕደል፡ ሓደ ምርጫ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ምእታው ነበረ። ክልቲኡ ወጮ እንተገምጠልካዩ ወጮ ኮይኑ፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ዘበርዕን፡ ቀጻልነት ኤርትራዊ መንነት ዝቐትል ምርጫታት’ዩ ነይሩ። ነዚ ንየማን እንተኸድካ ጸድፊ፡ ንጸጋም እንተበልካ ጸድፊ፡ ዝኾነ ምርጫ ንምምካን እዩ ከኣ ቀዳሞት ወለድና፡ ምስቲ ኩሉ ሓደጋታቱ፡ ሓድነታ ዝዓቀበት ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ውዕል ምእታዋ ክቕበሉ ዝተገደዱ። ኮይኑ ግን ዝተኸተመ ፈደራላዊ ውዕል ድማ፡ ሓቅነት ስለ ዘይነበሮ፡ ብማእለያ ዘይብሉ መናውራታት ተጋሂሱ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ኣተወት። ኤርትራ፡ ከም ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ብኻልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ እትግዘኣሉ ዘይንቡር ኩነታት ወደቐት። እዚ ክውንነት’ዚ እዩ ድማ ነቲ ዓሰርተታት ናይ ኣሽሓት ዜጋታት መስዋእቲ፡ መዘና ዘይብሉ ንዋታዊ ክሳራታትን ናይ መነባብሮ ምዝንባላትን ስደትን ዝተጋህደሉ ብረታዊ ተጋድሎ ንኸነካይድ ዘገደደ። እቲ ካብ ርብዒ ዘመን ንላዕሊ፡ ብወሳኒ ሸነኻቱ፡ ኣብ ዓቕምታት ህዝብና ዝተመርኮሰ፡ ብዙሕ ግዳማዊ ሓገዛት ዘይነበሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ብርእሰ-ሓያላን ዝምወልን ዝድገፍን፡ ብዲፕሎማሲያዊ ሸነኻቱ ኣብ ኣህጉራዊ ትካላት ዝያዳና ተሰማዕነት ዝውንን፡ ብብዙሕ መዐየሪታት፡ ምስ ህዝብና ተነጻጺሩ፡ ዝተዓጻጸፍ ዓቕምታት ዝነበሮ ጸላኢ ዝተኻየደ ናይ ዘይመዛዘኑ ቃልሲ’ዩ ነሩ። ቃልሲ ህዝብና ኣብ ከምዚ ኩነታት ተሓናኒቑ ክዕወት ምኽኣሉ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም’ውን እንተኾነ ከም ቅያ ክፍለጥ ዘልዎ እዩ። ከምቲ ገለ ጸሓፍቲ፡ ዝብልዎ ሰውራ ኤርትራ፡ ኣንጻር ኩሉ’ቲ ንኽዕወት ዘየኽእሎ ዕድላት (Against All Odds) ተቓሊሱ ዝተዓወተ ህዝባዊ ቃልሲ ምዃኑ ኩሉ ግዜ ክዝከር ይግባእ። በዚ ድማ ህዝብና፡ ዋላኳ ብሰንክ’ቲ ስርዓት ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብ ልዕሊ ክብሪ ህዝብና፡ ሃገርናን ቃልስናን ብዘስዓብዎ ማህሰይቲ፡ ንግዜኡ ዝሃሰሰ እንተመሰለ፡ ጉዳይ ሃገራዊ ናጻነትና ንወትሩ ክንኮርዓሉን ክንሕበነሉን ዘለና ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ። ካብኡ ንላዓሊ እውን፡ ብጉዳይ ገድሊ ህዝብና ንምቅንጃው ዘይኮነስ፡ በኡነት፡ እቲ ምእንቲ ናጻነትና ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ እቲ ምእንቲ ክብርና ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ እቲ ምእንቲ ልዑላውነትና ዝፈሰሰ ደም፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ከም ህዝብን ሃገርን መለለይና ዝኾነ፡ ከም ሓባራዊ ተሞክሮ ናይ መላእ ህዝብና ኣብ ሓደ ዝጠምረና፡ ዘይፍለ ኣካል ሃገራዊ መንነትና ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ደጊም፡ ንናጻነት ኤርትራ ብዝኾነ መልክዕ ክብሪ ዝኸልእ፡ ብዝኾነ ምኽኒያት ንዝተኸፍለ መስዋእቲ ዘነኣእስ ኤርትራውነት ክህሉ ኣይግባእን። እወ እዚ ኩሉ ተቓሊስና፡ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊልና፡ ቅያ ዝኾነ ዓወታት ተጎናጺፍና፡ ናጻነትና ኣረጋጋጽና። ስለምንታይ ኢና ግን ነዚ ዝሓለፈ 30 ናይ ናጻነት ዓመታት ናብዚ ኩሉ እንሓልፎ ዘለና ኣደራዕ ዝተቓላዕና? መውጽኢ መንገዲኸ ኣለና`ዶ? እንታይከ ይመስል? ብርግጽ እዚ ክልዓልን ክምለስን ዝግባእ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕቶታት ኢዩ። ንኹሉ’ዚ ሕቶታት’ዚ ከምቲ ዝድለ ኣብ’ዚ ምምላሱ ካብ ዕላማ ናይ’ዛ ጽሕፍቲ ንላዕሊ እኳ እንተኾነ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ገለ ነቲ ኩነታትና ንምርዳእ ዝሕግዝ፡ ታሪኻዊ ጠመተ ንምግባር ዘኽእል ነጥብታት፡ ክጠቅስ ክፍትን እየ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጻነት፡ ናብ መስርሕ ምህናጽ ሃገር (Nation Building Process) ክንሰጋገር ኔሩና። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መባእታዊ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮታትና ወይ ክትዓትና ከም መስርሕ ምርግጋጽ ሓርነት ተባሂሉ፡ ከም ቀሊልን ውሁብን ኮይኑ ዝጥቀስ ጉዳይ እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ መድረኽ እዚ ኣቐዲመን ብኡ ናይ ዝሓለፋ፡ እሞ ብሚዛናዊ ኣዘራርባ ተዓዊተን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ናይ ሲቪካዊ ሃገርነት (Civic Nationalism) ዝበጽሓን ገና ናብኡ ንምብጻሕ ኣብ ምግዳል ዘለዋ ሃገራት ዝሓለፍኦን ዝሓልፈኦ ዘለዋን ተመክሮ ምስ እንዕዘብ፡ እቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ በዳህን ዝተሓላለኸን ምዃኑን፡ ነዊሕን ሓያልን ቃልሲ ከም ዝሓትትን ንምግንዛብ ይከኣል። ኣብ ኤውሮጳ፡ ታሪኽ ናይተን ኣቐዲመን በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፋ ከም ብሪጣኒያ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን ወዘተ... ምስ እንምልከት፡ በቲ ሕጂ እነለልየለን ዶባተን፡ ፖለቲካውን ሕጋውን ኣሰራርዔአን፡ መሰል ወዲ ሰብ ናይ ምኽባር ኣካይደኤን ንኽበጽሓ ብናይ ዘመናት፡ ማእለያ ዘይብሉ ሂወትን ንብረትን ዘብረሰ ቃልሲ ድሕሪ ምሕላፈን’ዩ። ዜጋታተን’ውን ኩሉ ሰብኣውን ሲቪካውን መሰላቶም ከውሕሱ ብዙሕ ቃልስታት ከካይዱን መስዋእትታት ክኸፍሉን ኔርዎም። ቅድም ናብ ሃገራዊ ዶባት ምንጻርን ልዑላውነት ሃገራዊ መንግስቲ ምርግጋጽን ንምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝተኻየደ ደማዊ ውግኣት ኣዲኡ ትቕጸሮ። ሃገራት ክቖማ ድሕሪ ምኸአለን’ውን፡ ኣየናይ ዘርኢ ወይ ዓሌት፡ ኣየናይ ሃይማኖት፡ ኣየናይ ቋንቋ፡ ኣየናይ ባህሊ፡ ኣየናይ ብሄር ዓብላሊ ቦታ ይሕዝ’ውን ማእለያ ዘይብሉ፡ ዘስካሕክሕ ሕድሕድ ምጥቕቓዓት ተኻይድሉ። ወዲ ሰብ ድሒሩ’ዩ፡ ዋላውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገርን ህዝብን፡ ንፍልልያቱ ክቕበልን፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ከጥርን ዝጀመረ፡ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ዘመሓድረሉ ኣገባብ ክሰርዕ ዝኸኣለ። መብዛሕተኤን ናጻ ልዑላውያን ሃገራት እየን ዝበሃላ ናይ ዘመንና ሃገራት ከኣ ኣብ’ዚ መስርሕ እዚ ክፍተናን ክወድቃን ክትስኣን ንዕዘበን ኣሎና። ዋላተን ምስ ተመክሮና ብቐረባ ዝመሳሰላ ሃገራት እፍሪቃ ከም ዚምባብወ፡ ሞዛምቢክ፡ ኣንጎላ ከይተረፋ ኣብ’ዚ ናይ ፈተነ መስርሕ ዘለዋ እየን። እተን ከም መሳቱና ክቑጸራ ዝኽእላ ግን ከኣ ቀዲመናና ናጻነተን ዝተጎናጸፋ፡ ሊቢያን ሶማልን ከኣ`ሞ፡ ኣቤት! ካብ ከምኤን የድሕነና ኣብ እንብለሉ ኩነታት ምህላወን ኢና እንርኢ ዘለና። ናብ ጎረባብትና ምስ እንጥምት’ውን፡ እታ ቀልጢፋ ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ ዝተዋፈረት፡ ስልጡን ሲቪካዊ ውደባታት ዘተኣታተወት፡ ስሉጥ ግስጋሴ ከተርኢ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረላ ሃገር ሱዳን’ውን፡ ድንጉይ ኢላ፡ ደቡብ-ሱዳን እትባሃል ሓዳስ ሃገር ምውላዳ ከይኣኸላ፡ መጻኢኣ ብዝፈታትን ረብጺ ትሓልፍ ኣላ። ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ኣለኒ፡ ብእግዜኣብሔር ዝተቐባእኩ’የ እትብል ናይ ትማሊ ቃሕ ክብላ “ኣደና” ቃሕ እንከይብላ “ገዛኢትና” ክትከውን እትመርጽ ዝነበረት ናይ ሎሚ ጎረቤትና ኢትዮጵያ’ውን ክትሰርር ድያ ክትፍንጣሕ ንምርአዩ ኣብ ዘሸግር ፈታኒ ኩነታት ተዋሒጣ፡ ምፍንጣሕ እንተመሪጻ ከይትልክመና ነጻሉተሉ ዘለና ዘይርጉእ ኩነታት እያ ዘላ። እሞ ኣብ ውሽጢ’ዛ ጸባብ ናይ ምብራቕ ወይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞናና’ኳ እዚ ኩሉ ተዋስኦ እናረኣና፡ ኤርትራ ከም ጓል ዓይኒ መዓር፡ ነፊራ ካብ’ዚ ኩሉ ሓጢያታት ክትወጽእ ዘይምኸአላ ክገርመና ዘለዎ ድዩ? ንሕና ከም ኤርትራውያን`ከ፡ ድሕሪ እቲ ኩሉ ዝሓለፈ ቃልሲ፡ ናይ ግድን ድዩ በዚ ኩሉ ፈተነ ክንሓልፍ? ኣብዚ ከም ዜጋታት ጉዳይና ከሕመና፡ ኤርትራና ካብ’ዚ ጽሕፍቶ’ዚ ድሒና ኔራ ክትከውን ክንደሊ ባህሪያዊ እዩ። ኤርትራዊ ኒሕን ክገብር ይኸእል እየ በሃልነትን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ’ውን፡ ኣብዚ ዘጠራጥር የልቦን። ናይ ግድን ስለ ዝኾነ’ዩ በዚ ንሓልፎ ዘለና ንሓልፍ ዘለና ክበሃል እውን ዝከኣል ኣይኮነን። እወ ኮይኑልና እንተዝነብር’ውን፡ ኣብቲ ናጻነትና ዝተጎናጸፍናሉ ህሞት፡ እዛ ብምሉእ ልብና እንፈትዋ፡ ዝበልክና ክንኮነልኪ እናበልና ቀበጥበጥ ከነብላ ዘይምነወና ሃገርና፡ ኩሉ’ቲ ንፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ግስጋሴን ዘድሊ ነገራት ኣማሊኣ፡ ብብቑዓት መራሕቲ ተዓጂባ፡ ኣብ ባኮ ተዓሺጋ፡ ከም ህያብ ተዋሂባትና ኔራ እንተትኸውን ክንደይ ደስ ምበለና። ኮይኑ ግን፡ ታሪኽ ክሳብ ክንድኡ ለጋስ ኣይኮነን፡ ካብኡ ሓሊፉውን መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዋላ እቲ ምዃኑ ዘይተርፍ ርኡይ ዝኾነ ነገር ንክኸውን፡ ደቂ-ሰብ ክፋለስሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ጭካኔ ስለ ዝውንን፡ ምንዮትና ኣይተመለሰን። ከምኡ እንተዘይኮነ’ውን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት፡ ንዘለዋና ንፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝምልከታ ባህግታት፡ እንተወሓደ መሰረት ኣንቢርናለን እንተንነብር ጥራይ እውን ደስታና ብዙሕ ኣይምነከየን። ከመኡ ኔሩ እንተዝኸውን ከኣ፡ ብደረጃ ታሪኽና ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ብደረጃ ዓለማዊ ታሪኽ’ውን ከም ተኣምር ምተቖጽረ ይመስለኒ። ይከኣል`ከ ኔሩዶ? መን ይፍለጦ? ተኻኢሉ እንተዝነብር ግን፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ካብ ፍርቂ ዘመን ዘይበዝሕ ግዜ፡ ክልተ ተኣምራት ከም ዝሰርሔት ምተቖጽረት። ቀዳማይ፡ ኣንጻር’ቲ ኩሉ ንኽትዕወት ዘየኽእላ ኩነታት ተጋዲላ ናጻነታ ኣብ ምርግጋጽ ምዕዋታ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ንኹለን ኣብ ከባቢኣ ኣብ ድሕረትን ፍትሒ ኣልቦነትን ዘንገርግራ ዘለዋ ጎረባብታ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብድሕሪኣ ረጥሪጣተን፡ ከም ውጻእ-መዓት፡ ንህዝባ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ምንጋሳ። ኮይኑ ግን፡ እቲ ሕጂ ዘገድስ ሃገርናውን ካብተን ካለኦት ዝጸዓራ ዘለዋ ሃገራት ብዙሕ ዝፈልያ ከም ዘየለ ንዕዘብ ምህላውና’ዩ። ሳላ’ቲ ከም መራሒ ኣብ ታሪኽ እዚ ኣሳሊጠ፡ እዚ ኣዔዊተ፡ ከምዝን ከምትን ሰሪሔ ኢሉ፡ ክንዲ ጣፍ እትኸውን ናይ ምንያት ኒሕ ዘይተዓደለ፡ ብዘይካ ለይትን መዓልትን ሽግራትና ከመይ የኽርር፡ ንኣእምሮና ከመይ የደንቁር፡ ንመንፍዓትና ከመይ የሕምቕ፡ ንብልሕና ከመይ የጉድም፡ ንንያትና ከመይ የድክም፡ ንተበላሓትነና ከመይ የምክን፡ ንሰላምና ከመይ ይዝርግ እንተዘኮይኑ፡ ንቅዱስ ነገር ዘይብገስ፡ ኣብ ሂወቱ ንኹሉ ታሪኻዊ ሓድጊ ናይ ምግዳፍ ዕድል ዘባኸነ መራሕ ሃገር - ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብብዙሕ ሸነኻቱ፡ ካብተን ካልኦት ሃገራት ሕልፍ ዝበለ ውድቀታትን ማህሰይትን ኣይረኣናን ማለት’ውን ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡

• ህዝቢ ኤርትራ ከም ካሕሳ ናይቲ ሃገራዊ ናጻነቱ ንምርግጋጽ ብሂወት ደቁን ንብረቱን ዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል ዋጋ፡ ብውሑዱ ሂወቱ ክሕለወሉ፡ ንብረቱ ክኽበረሉ፡ ሰላሙ ክውሓሰሉን መናባብሮኡ ክመሓየሸሉን ብዘየካትዕ ጉቡእ እኳ እንተነበረ፡ ኢቲ ዝኾነ ግን፡ መባእታዊ ሰብኣውን ሲቪካውን መሰሉ ተነፊጉ፡ ተራ ሰብኣዊ ክብሪ ስኢኑ፡ ን 30 ዓመታት ካብ ተሳትፎ ኣብ መንግስታዊ ጉዳያት ምሉእ ብምሉእ ተኣጊዱ፡ ሃገሩ ድማ ካብተን ዝነውሔ መንግስታዊ ናይ ስልጣን ምቅይያር ዘይተራእየለን፡ ሕሉፍ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዝነገሰለን ሃገር ኣብ ዓለም ምዃና፤

• ሃገርና ኣብ መንጎ ጎረባብትና፡ ከባቢና፡ ዓለምና ከም ናይ ሰላምን ራህዋን ርግኣትን ሃዋርያ ኣብ ክንዲ ምውሳእ፡ ናብ ሽግር ምፍጣርን ውግኣት ምውላዕን ሸይጣናዊ ተግባራት ከም ዝሰልጣ ሃገር ከም እትልለ ኮይና። ከም መቐጸልታኡ ድማ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሂወትን ንብረትን ካልእ ንሃገር ዝጠቅም ዓበይቲ ጉዳያት ናይ ምስላጥ ዕድላት ምብኻኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለም ከም ፍረ ናይ ሃገራዊ ቃልስና ክህልወና ዝነበሮ ክብሪ ናብ ዝሰኣናሉ ኩነታት ምውዳቕና፤

• ኩሉ-ሸነኻዊ ቁጠባዊ ትሕተቅርጻ ፈራሪሱ፡ ኢንዱስትሪያውን ሕርሻውንን ንጥፈታት ለሚሱ፡ ባህላውን ማሕበራውን ትካላት በሪሱ፡ ስእነተ-ስራሕ ኣስፋሕፊሑ፡ ብዕልግና ሳዕሪሩ፡ ሃገርና ብዘይ ምግናን፡ ን`ኪኖ ኢጣሊያ መግዛእቲ ዝነበረ ደረጃኣ ንድሕሪት ተመሊሳ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይ ዉዱቓት መንግስታት (Failed States) ተሰሪዓ ምህላዋ፤

• እናሻዕ ዝቀያየሩ ስኑዓት ጽልእታት ብምፍጣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዳርጋ ንመዋእል ናይታ ናጻ ሃገር፡ ኣብ ናይ ተጠንቀቕ ናይ ውግእ ኩነታት ተዋሒጡ ንኽነብር ተጌሩ። ዓቕሚ ሃገር ክጸሮ ዘይክእል ናይ ዕስክርና ስርዓት ተኣታትዩ፡ ካብ ባርነት ፈሊኻ ምርኣዩ ዘሸግር፡ መወዳእታ ዘይረኣየሉ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት መደባት ብምክያድ፡ ንህዝብና ብመላኡ፡ ንመንእሰያትና ድማ ብፍላይ፡ ንቡር ናብራ ብምኽላእ፡ ዘተስፍው መጻኢ ብምንፋግ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝብና ተራእዩ ዘይፈልጥ ስደትን ምብትታንን ስዒቡ፡ ብቐሊል ዘይግመት ኣፍራዩ ሓይሊ ሃገር ከኣ ተበቲኑ፤

• ብውሑዱ ክሳብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ኢሳያሳዊ ዘዋርነት (ምምራሕ) ዘላ፡ ንድሕሪት ንምምላሱ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ዝኾነ፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሃገር ናይ ምምሕዳራን ምምዕባላን ዘጋጠመ ፍሽለትን ውድቀትን፡ ስልጣን ንምንዋሕ ዝዕላምኡ፡ መውጽኢ ንምርካብ ኣብ ዝረኤ ዘሎ ሃሰውሰው፡ ሃገር ናብ ምስ ትማሊ ዝሰዓረቶም ዘይመሃሩ ጸላእታ፡ ትማሊ ብዝተፈተነን ብዘየማትእ ዝፈሸለን፡ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ረብሓ ዘይርከበሉ፡ ዝኾነ ናይ ህዝብና ተሳታፍነት ብዘይብሉ፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገር ኣብ ሓደጋ ናይ ምእታው ዓቢ ዕድል ዘለዎ፡ ንኤርትራ ኣብ ፈደራላዊ`ዶ፡ ኮንፈደራላዊ ዝምድና፡ ንምቑራና ዘይተኣደነ ሃተምተም ዝካየደሉ እዋን ምህላውና ኢዩ።

እዚ ኩሉ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ደማሚርካ፡ ዋላ ምስተን ኣብ ጸገም ዘለዋ ሃገራት ኣነጻጺርካ፡ ብርግጽ ኣብ ብዙሕ ማእዝናት ክሳራታትና ሕሉፍ ዝኾነሉ ሸነኻት ኣለዎ’ዩ። ኣብ’ዚ ሕያዋይ ሓታታይ ከመይ ኢልና ኢና`ኸ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝወደቕና ዝብል ሕቶ ከልዕል ጉቡእ ይመስለኒ። እዚ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ፡ ትኩር መጽናዕታዊ ስራሕ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ብዙሕ ምስጢራት ዘለዎ ግን ኣይመስለንን። ንግዜኡ በዚ ዝስዕብ ሓጻር መልሲ ክሓልፎ’የ። ሓደ ካብቲ ቀንድን ወሳንን ምኽኒያታት፡ ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ተጋድሎና፡ ንድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጻነት፡ ካብ ከም’ዚ ዝገጥመና ዘሎ ግድላት ዘድሕን ውደባን ሕግታትን ኣብ ቦትኡ ስለ ዘየጽናሕና እዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ሃጓፍ እዚ፡ እቲ ነብሱ ብዝሓሸ ዝወደበ፡ ግን ብባህርያቱ ጸረ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ዝኾነ ሓይሊ፡ ስልጣን ክቆጻጸር ክኢሉ። ካብ’ዚ ሓሊፉ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ፡ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ፡ ዋላ’ውን ምፍራስ ናይ ሃገር እንተስዓበ፡ ንስልጣኑ ክከላኸል ዘይሓንኽ ሓይሊ ምዃኑ፡ ብተግባር ምምስካሩ ተወሳኺ ዝወረድና መርገም እዩ። እዚ ድሕሪ ግሁድ ምዃኑ ድማ፡ እቲ ንፍትሕን ደሞክራስን ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ሓይሊ ወይ ሓይልታት፡ ክሳብ ዘለናዮ እዋን፡ ነብሱ ክውድብን፡ ንህግደፋዊ ስርዓት ብግቡእ ክምክቶን ኣይከኣለን። ብርግጽ እዚ ሓፈሻዊ መልሲ ብዙሕ ካልእ ሕቶታት ዘልዕል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምስ ዕድመን ጥዕናን እቲ ዝተረፈ ንዝመጽእ ይጽነሓልና። ንምቕጻል፡ ምስቲ ኩሉ ሽግራትን ዝጽበየና ዘሎ ቃልስን ግን፡ ሕጂ’ውን ኤርትራ፡ ናጻን ልዑላዊትን ምዃና ዘጠራጥር የብልናን። እወ ኣብ ቅድሜና ሓያል ቃልሲ ይጽበየና ኣሎ። ብምሕያል ናይ’ቲ ቃልሲ ግን ብዙሕ ዘሾቕርር የብልናን። ሽሕ እንተሓየለ፡ እቲ ቓልሲ ጥቓ እቲ ንመግዛእታዊ ጸላኢና ካብ ሃገርና ሓግሒግና ንምድርባይ ዝሓተተና ዝቀራረብ ኣይኮነን። ኤርትራ ነቲ ኣብዛ ሓጻር ናይ ናጻነት ታሪኻዊ ጉዕዞኣ ዘጋጠማ ሓላፊ ዝኾነ ህግደፋዊ ጋሻ ውሕጅ፡ ብኽእለትን ብብቕዓትን ሰጊራ፡ ነቲ ካልኣይ ቅያ ዝበልናዮ ፍጻሜ ክትበቕዖ ዘኽእላ ዕድል የብላን ማለት ኣይኮነን። በቲ ኩሉ ብዙሓት ሃገራት ዝሓልፈኦ ዘለዋ ግድላት ክንሓልፍ’ውን ግድን እዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ወዲ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ክለተ ሰለስተ ዘመናት ጥራይ፡ ሃገራትን ኣህዛብን ፍትሓውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ኣብ ምህናጽ ንዘጋጥም ብድሆታት ዘቃልል ብዙሕ ተመክሮታት ኣዋህሊሉ ኢዩ። ናይ ጹረት፡ ምክብባር፡ ንሓባራዊ ረብሓ ምስራሕ ዘኽእል ባህሊ እውን ኣጥሪዩ እዩ። በዚ ድማ ብዙሕ፡ ኣብ ናይ ዘመናት ግዜ ዝተኣከበ ሓጋዚ ዝኾነ ፍልጠት ተኾሚሩ ኣሎ። ካብ ቃልሲ ህዝብና ዝቐሰምናዮ ተመክሮ እውን ብዝኾነ መንገዲ ዝነኣኣስ ኣይኮነን። ነቲ ታሪኽናን ታሪኽ ህዝቢ ዓለምን ዘቕርበልና ትምህርቲ ብግቡእ ተረዲእና ክንሰርሓሉ ምስ እንብገስ፡ ናይ ሃገርና ናብ ፍትሓዊ ስርዓት ናይ ምስግጋራ መስርሕ ከነሕጽሮን ክሳራታቱ ከነውሕዶን ይከኣል እዩ። በቲ ኩሉ ጋዕ-ገልጠም ክንሓልፍ፡ ናብ ምርጻም ክንኣቱ፡ እንተዘይኮነ`ውን ኣብ ታሪኽ ለመም እናበልና፡ ኣብ ናይ ድሕረትን ሰላም-ኣልቦነትን ዘይርግአትን ሰልሚ ተሸኺልና ክንሳቐ ክንነብር’ውን ናይ ግድን ዝኾነሉ ምኽንያት የለን። ሃገራዊ ነጻነትና ብምርግጋጽና፡ ልዑላውነት ሃገርና ብምዕቃብና፡ ድሮ ብዙሕ ናብ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ገጽና ንምስግጋር ዝሕግዘና ባይታ ፈጢርና ኣለና። ቃልስና ንምቕጻሉ ግን፡ ሕጂ ናብ ግዘአተ ሕጊ ምንጋስ፡ ኣብ መንጎ ህዝብና ሰላምን ራህዋን ምስፋን ቀንዲ ዓንቃጽን ዓጊቱና ዘሎ ማሕንቖን ስርዓት ህግደፍን ዲክታቶራዊ መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስለ ዝኾኑ፡ ንምእላዮም ብቱኽረትን ብትርን ክንሰርሕ ይሓተና። ኣብ ዑናታት ህግደፋዊ ስርዓት ህዝባዊ ስልጣን ክንተክል ኣድማዒ ቃልሲ ንምክያድ፡ ክንተግህ ይጠልበና። ብዝተረፈ፡ ዋላኳ ዓቕምታት ህዝብናን ምሁራትናን ኪኢላታትናን ኣብ ሃገሩ ክሰርሕ፡ ከፍሪ፡ ክሃንጽ፡ ክመራመር፡ ክምህዝ፡ ክጽሕፍ፡ ክምህር ዕድል እንተዘይረኸበ፡ እቲ ኣኽእሎና፡ ተበላሓትነትና ገና ኣብ ቦትኡ’ዩ ዘሎ። ትርግታ ልቢ እታ ሃገር ህርመቱ ኣየቋረጸን። እኳ ደኣ ሓያል ምህላዉ እዩ ዘረኢ። ናይ’ዚ ምስክር ብዙሕ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም እኒ ደብብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ኡጋንዳ፤ ከንያ ወዘተ ንዝተኸፍተሎም ዕድል ተጠቒሞም ዘርእይዎ ዘለዉ ኣፍራይነትን ተበላሓትነትን፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ማእከላይ-ምብራቕን ኣውስትራሊያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ፍልጠትን ሞያን ኤርትራውያን ዘመዝግብዎ ዘለዎ ብቕዓት፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ደቅናን ደቂ-ደቅናን ኣብ ዓውደ-ትምህርቲ ዘርእይዎ ዘለዉ መንፍዓት ክጥቀስ ይከኣል። ብተወሳኺ፡ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣብ እንልለየሉ፡ ቅድድም ብሽክለታ፡ ጸወታ ክዕሶ እግሪ፡ ጉያ ናይ ኤርትራ ስፖርተኛታት ጌና ዘመስክርዎ ዘለው ተወዳዳሪ ዓቕምታትን መንፈስን እውን፡ ሓያል ተወሳኺ ናይ ሂወታ ምልክት እዩ። ካብዚ ንላዕሊ’ውን፡ ኣብ ስደትን ውሽጢ ሃገርን ዝዕምብቡ ዘልዉ ደረስቲ፡ ገጠምቲ፡ ደረፍቲ፡ ስነ-ኪነታውያን ብሓፈሻ፡ እታ ሃገር ንእትሓልፎ ዘላ ጽሕፍቶ ዘይምቕባላን፡ ካብኡ ንምግልጋል ፋሕተረተር እትብል ዘላ ሃገር ምዃናን መረጋገጺታት እዮም። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ዘረጋግጸልና ጉዳይ እንተልዩ ከኣ፡ ህግደፍን ኢሳያስን ንኤርትራዊ ሕልሚ ከደናጉይዎ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ክቐትልዎ ግን ከቶ ከምዘይክእሉ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምእላይ፡ ሓድነትና ኣረጋጊጹ፡ ሰላም ፈጢሩ፡ ኩሉ’ቲ ፈቐድኡ ተበታቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕምታት ጠርኒፉ፡ ሃገር ንምህናጽ ዝብገስ ስርዓት እንተተኺልና ከአ፡ ናይ ውዕል ሕድር ግዜ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ይከኣል’ዩ። ስለምንታይከ ዘይከኣል! ከምቲ ደራፋይ ነብሲሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ሰማይ እዩ ደረተይ” ኢሉ ዝደረፈልና፡ ከም ኤርትራውያን እውን ሰማይ፡ ሰማይ፡ ሰማይ’ዩ..... ደረትና!

መዓልቲ ሃገራዊ ናጻነትና ንወትሩ ክንዝክርን ከነብዕልን የንብረና!
ኤርትራ ንዘለኣለም ብናጻነታ ትንበር!
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!



Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-



ታሪካዊ ጉዕዞ ሃገርነት ኤርትራ፡ ኣስተምህሮ ብ`ዶር. ገብረ ገብረማሪያም  
The journey of Nationhood of the State-of-Eritrea. Seminar by Dr. Gebre Gebremariam.




Share with friends: