19/06/2024 16:36 PM
“ዪከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ ብዘይካ ብሽክለታ”
“ኣንታ ባዓል ጂዛን ተኣለየለይ ንባዓል ሳሕል ክህባ ጓለይ”
ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ
“ዪከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ ብዘይካ ብሽክለታ”
“ኣንታ ባዓል ጂዛን ተኣለየለይ ንባዓል ሳሕል ክህባ ጓለይ”
ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ።
ኣነ’ውን ከምሻሙ ንፉዕ ሸቃጣይ ምኾንኩ ኔረ። ሓሳበይ ክሸዪጥ ይደሊ።ንሃገርን ህዝብን የርብሕ’ዩ ኢለ ዝኣመንኩሉ ሓሳብ ኣብ እዝኒ ብዙሓት ክበጽሓለይን፤ ኣብ ኣእምሮኦም ክስኳዕን ይደልዮ። ብዛዕባ ምሻጥ ዘረባ ካብ ተላዕለ ግን፤ ዓብደላ ትዝ ይብለኒ። መንእሰይ ዓብደላ፤ ወዲ ከባቢ ኣቑርደት ኮይኑ፤ ኣዚዩ በሊሕ፤ ፍሽኽታን ዋዛን ዘይፍለዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ምምሕዳር በጦሎኒ ከም ማሕዮ ኮይኑ የገልግል ነበረ። ከምዝፍለጥ፤ ንኣሽቱ መንእሰያት ማሕዮታት ብመዛኑኦም ዝነዓቑ ኮይኑ ስለዝስመዖም፤ ወይ’ውን ብመዛኑኦም ስለዝዝለፉ፤ ቁሩብ ጉብዝ ምስበሉ ኣብ ስራሕ ማሕዮ ኣይቆሙልካን’ዮም፤ ናብ ሓይልታት’ዮም ዝኸዱ። ዓብደላ ግን ናብራ ሓይልታት ጢዒሙ ስለ ዝመጸ፤ ማሕዮነት ብዕቱብ’ዩ ሒዙዎ።ካለኦት ኣባላት ኣብቲ ንሱ ዝሰርሖ ንጥፈታት ማሕዮ ክሕግዙ እንተፈቲኖም፤ “ኣብ ስራሕና’ባ ኣይትእተዉና” ይብሎም ኔሩ። እቲ ጸገም ናይ ዓብደላ ግን ምስ ኣዛዚ በጦሎኒ ኣዪቋዶን ኔሩ። ጦፍ፤ ማለት ብስራሕ ተላኢኹ ናብ ድፋዕ ወይ ናብ እዚ በጦሎኒ እንተኸይዱ ከይሓደረ’ዩ ዝምለስ። ምስ ኣዛዚ በጦሎኒ እንታይ ኣባኢሱኩም ኢልካ ምስትሓቶ፤ “ባእሲ የብልናን፤ ጸገምና ክልቴና ሸየጥቲ ዘረባ ስለዝኾንና፤ዘረባና ብሓንሳብ ክንሸዪጥ ስለእንደሊ እዩ” ዝብል መልሲ ዪህበካ። ስለዝኾነ ከኣ ዓብደላ፤ ናብ’ቲ ሕክይኡ ብዘይ ውድድር ዝሸጠሉ ዕሙር ዕዳጋ ክፍልታት በጦሎኒ ከይወዓለ ከይሓደረ ዪምለስ ነበረ።በዚ ኣጋጣሚ፤ ዓብደላ ብህይወቱ ክህሉ ምንዮተይ ወሰን የብሉን። ከም ዓብደላ ሓሳብካ ኣበዪን ብኸመይን ትሸዪጥ ምፍላጥ’ውን ንባዕሉ ብልሒ እዩ። ስለዝኾነ እምበኣር’የ “እተዉ…እተዉ! እተውውውታ ኣርሕቡ!” ዘስምዕ መወዓውዒ ኣርእስቲ ተጠቂመ ዘለኹ። ከሕልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ግን ክንዮ’ቲ ኣርእስቲ እዩ። እምበኣር ኣቲኹምን ኣርሒብኩምን፤ ኣቓልቦኹም’ውን ዝቃነኹም ትመስሉ’ሞ ናብቲ ቁውምነገር ከስግረኩም።
ከምዝፍለጥ ኣብ መጀመርታ “ናጽነት” ኤርትራ፤ተጋዳላይ ካብ በረኻ ንዓዲ ክኣትው እንከሎ፤ ዓቐኑ ዝሓለፎ፤ መብዛሕቱ’ውን ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ርእሰ-ምትእምማን ይውንን ኔሩ።ኣብ ርእሲ መብዛሕቱ ተጋዳላይ፤ ካብ ምትኳስ ክሳብ ንዓለም ብምልእታ ምምሕዳር ንተጋዳላይ ዝእግሞ ኣምበይነበረን። ኣቐዲሙ’ውን “ዪከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ” ተደሪፉሉ ኔሩ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብና “ኩሉ ዝከኣሎ” ዝብል ኣምር ሰማያዊ ሓይሊ ኢዩ። እዚ መለኮታዊ ኣተሓሳስባ’ዚ ግን ኣብ ርእሲ ተጋዳላይ ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተረፈን። ናብ ርእሲ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ዘሪቑ። ባህሊ ሳሕልን ቋንቋ ተጋደልትን ቀልጢፍና ሪዒምናዮ። ክብርታት ሕብረተሰብና ዳርጋ ብክብረታት ሳሕልን ገድልን ተተኪኡ፤ ብውሕዱ ተዳቒሉ ወይከኣ ተበሊሉ። ከምዚ ሎሚ ብትግርኛ ዝዛረብ ደርጊ ንግዛእን ንዘበነ ደርጊ ንናፍቕን ስለዘይመሰለና፤ ኩሉ ተረፍ ደርጊ ተጸዪንናዮ። ንዘመናት ዘናበረና ማሕበራዊ ክብርታትናን’ውን ምስኡ ጒሒፍናዮ።ኣዴታት ኤርትራ “ኣንታ ባዓል ጂዛን (ዴዛን) ተኣለየለይ ንባዓል ሳሕል ክህባ ጓለይ” ኢለን ደሪፈን። እዚ ንባዕሉ ረዚን መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። ካብ ባዓል ንዋይ፤ እቲ ጥራሕ ጅቡኡ እንተኾነ ግን ክብርታት ሳሕልን “ናጽነትን” ሒዙ ዝኣተወ ተጋዳላይ ሰብኣይ ጓለን ኽኮነን መሪጸን። ኣብቲ እዋን’ቲ ኢና እምበኣር ኣነን የዕሩኽተይን፤ ኣብ ከባቢ ኣስመራን ደቀምሓረን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣዝማድና ብብሽክለታ ጌርና ንበጽሖም ዝነበርና። ሓደ ግዜ ኣብ ቦርቦሬላ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክንበጽሕ ምስከድና፤ ንዓና “ቀዳማይ ዓለም” ኢሎም ዝጽውዑዎ ዝነበሩ ጸባ በጽቢጾም ሂቦም፤ ብሽክለታታትና ግን ክላመዱለን ወሰድወን። ነቶም ውሑዳት ብሽክለታ ምዝዋር ዘይመልኩ ግን ጋዶ ኮይኑዎም።ብሕቖኦም ክዝውርወንን ክወድቁን ክልሕጸጹን ጀመሩ። እቲ “ዪከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ” ዝመጸዊዒኡ ተጋዳላይ ሓንቲ ዘይክእላ ነገር ከምዘላ ተገንዘቡ። ሽዑ እምበኣር’ ዮም “ዪከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ ብዘይካ ብሽክለታ” ዝበሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ተባሂሉ ዝተደግመ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ታሪኽ’ዩ። ክብሪ ተጋዳላይ ባይታ ክዘብጥ ግዜ ኣይወሰደሉን። ተጋዳላይ ብህዝቢ ክብርን ተቐባልነትን ምርካቡ ዘስገኦ፤ ከምኡ’ውን ብተናጸል በብቐጸላ ፈልዩ ንምህራም ምእንቲ ክጥዕሞ፤ ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ናይ ሎሚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጽናት ብዕቱብ ዝዓዪ ዘሎ ኣምባገነናዊ “መራሒ” ሃገረ ኤርትራ፤ ህዝብን ተጋደልትን ማይን ዘይትን ኣብ ምግባር ካብቶም ብቀዳምነት ዝስርዑ እዩ። ክብሪ ተጋዳላይ ክንቆት ምስጀመረ ብዛዕባ ተጋደልቲ ብዙሕ’ዩ ተባሂሉ። ሓንቲ ካብ ብዙሓት፤ ቃል ንቓላ ጽቡቅ ጌረ ዘይዝክራ ዋዛታት ናይ ኣስመራ ከምዚ ዝስዕብ ትብል ኔራ፤ “ሓንቲ ኣረጊት ሰይ ቸንቶ (600) መኪና፤ ምስ ካለኦት ዘመናውያን መካይን ኮርሶ ተወዳዲራ ንኹለን ራሕሪሓተን ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ። በዚ ዝተገረመት ዓለም ነቲ ምስጢር ዓወት ክትፈለጥ ላዕልን ታሕትን በለት። ዳሓር ነታ መኪና ክፍት እንተበሉስ ኣብ ውሽጣ 3 ተጋደልቲ ጸኒሖም ዓወት ንሓፋሽ! ዓወት ንሓፋሽ! እንዳበሉ ካብታ መኪና ወጽዮም” ትብል ነበረት።እዚ ዋዛ’ዚ፤ ነቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ርእሰ ምትእምማን ንምግላጽ ዝተባህለ ይመስል። እዚ ዋዛን ቁውምነገርን፤ ነቲ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ርድኢትን ኣተሓሳሳባን ናይ ህዝብን ተጋደልትን ንምንጽብራቕ፤ ከምኡ’ውን ነዚ ድሒሩ ዝስዕብ ሓሳበይ መንጸፍ ክኾነኒ ዝተጠቀምክሉ ደኣ’ምበር፤ንተጋዳይ ንምቁንጻብ ከምዘይኮነ ክትርድኡለይ ይምሕጸን። ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊኦም፤ ብዝያዳ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ደኺምና ከይበሉ ምስ ንኣሽቱ ኣሕዋቶምን ደቆምን ኮይኖም ነቲ ዝተኾልፈ ቃልሶም፤ ማለት ንሓርነት ህዝቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ተጋደልቲ፤ ልዑል ኣድናቆትን ኣኽብሮትን ከምዘለኒ ከስምረሉ እደሊ።
ብዝኾነ ግዜን ኩነታትን መምህር ስለዝኾነ፤ ምስ ግዜ ተጋዳላይ ዝኹእሎን ዘይክእሎን ከለሊ ክኢሉ እዩ። ድሕሪ 32 ዓመታት ደኣ ኮይኑምበር፤ ክቡር ተጋዳላይ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብዕለት 20 ግንቦት 2023 ኣብ’ቲ ብስኒትና (Snitna.com) ዝተወደበ ኣኼባ መደርኡ፤ ኣብ መጀመርታ “ናጽነት” ካብ ሜዳ ክኣትዉ እንከለዉ፤ ህዝባዊ ግንባር ብዘይካ ምስ ኲናትን ውግእን ዝተኣሳሰር ካልእ ንሃገር ኣብ ምምራሕ ዘኽእል ብቕዓትን ክእለትን ከምዘይነበሮም፤ ምስናይ ትሕትናኡ ተናሲሑ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግን፤ ካብ ጎቦን ስንጭሮን ኮረር-ኮረር ኢሎም ኦፊሳት ሒዞም’ምበር፤ መኣስ ካብ ዩኒቨርሲታት ተመሪቖም መጽዮም። እቶም ኣቐዲሞም ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ረጊጾም ወይከኣ ተመሪቖም ንሜዳ ዝወጹ’ውን እንተኾነ፤ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኲናትን ወተሃደራዊ ባህልን ተቆሪኑ ዝጸንሐ ሓንጎል ከይተሓደሰ እንኮሎ’ዩ፤ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣትዩ ህዝብን ሃገርን ከመሓድር ጀሚሩ። ብዝኾነ፤ ድሕሪ ናይ “ናጽነት” ፈንጠዝያ ብመጠኑ ናብ ኵውንነት እኳ እንተተመለስና፤ ሓንቲ ነገር ግን ኣብ ኣእምሮ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ተሰዂዓ ተሪፋ። ኣብ ዘመነ ገድሊ፤ ንተጋዳላይ ጥዪት ትቐትሎ ኣይመስለናን ኔሩ። ወተሃደራዊ ዓወት ኣስኪሩና ኔሩ። ድሕሪ መርድእ ናይ 65,000 መስዋእትን፤ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸር ስንክልናን’ውን እንተኾነ፤ ኣበሳ ኲናት ጌና ኣይተረዳኣናን። ኲናት ከም ባህላዊ ውርሻ ወሲድናዮ ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን፤ ምስ ዝኾነ ሓይሊ ገጢምና ሰዓርቲም’በር ክንሰዓር ከምንኽእል ኣብ ኣእምሮና ቦታ ኣይነበሮን። ኣብ 1998 ዓመተ ምህረት ብስም ባድመ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ምስተወለዐ፤“ወያነ ብሞያና መጽዮሙና” ተባሂሉ። “ዋርሳይ እዞም ሰባት መን’ዮም መንየ” ተዘዪሙ። ኲናትሲ የኣዪ ዑደት ኮይኑስ “ወያነ ጠባይ እንተዘይገይራ ኣብ ሓደ ረፍዲ መቐለ ክንኣቱ ኢና” ዝብል ኣተሓሳስባ ነጊሱ ነበረ። እንታይከ ዘይተባህለ! ዘይተጸዓድነትን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking) መንእሰይ ኣብ ምጥፋእ ኣቐዲሙ ተሰሪሒሉ ስለዝጸንሐ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፤ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ፤ ተበገስ ምስተባህለ፤ ናበይ? ስለምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት ከየቕረበ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ ኩሉ ድፋዓት ተረኺቡ።ኣነ’ውን ከም ኩሉ መንእሰይ ናይ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ግዳይ ስለዝነበርኩ፤ ክተት ምስተባሃልኩ ዓይነይ ኣይሓሰኹን። ሃገር እንፍዥን (infusion) ተተኺሉዋ እንከሎ ከመይ ጌረ ክማሃር ዝብል ኣጉል ኣተሓሳስባ ስለዝደረኸኒ፤ ዕድላት ናይ ማህደረ ትምህርቲ ንኤውሮጳ ገዲፈ፤ ከም “ሞት ሕጹይ” ቆርጢመያ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ተጸንቢረ።
ኣብቲ ብልምዲ “3ይ ወራር” ኢልና ንጽውዖ ኣብ ግንቦት 2000 ዓመተ ምህረት ዝነበረ ኲናት፤ ካብ ድፋዓት ሸላሎን ማይቆቃሕን ተደፊእና ሩባ ተኾምብያ ሰጊርና ናብ ዳሰ ኣብዘምራሕናሉ እዋን፤ ብወገን ሻምብቆን ዓናጉለን ዝመጻ ካለኦት ኣሃዱታት ስለዝተሓወሳና መስመር ተኾምብያ - ባረንቱ ብሰራዊት ኣዕለቕሊቑ ነበረ። እዚ ኹሉ ሰራዊት የዝልቕ ድዩ ወይስ ቦታ ይቕዪር ዘሎ ንምርድኡ ኣሸገረና።ሰማያት ኤርትራ መዐንደሪ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኲናት ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ኮይኑ ምስተገንዘብና፤ ወዮ “ሙሉእ ዘይጉድል ሚሳይል ዓጢቕና ኣለና” ዝተባህለ ሓሶት ምዃኑ ተሰወጠና። ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክፍለሰራዊትና፤ “ነዛ ሃገር መን ይመርሓ ከምዘሎ ምርዳእ ኣብዩና!” ኢሉ ከማርር ትዝ ይብለኒ። ኣብ ከባቢ ዳሰ ምስበጻሕና፤ ሓደ ካልእ ሓላፊ መዳዓዓሲ ዘረባ ተዛረበ። ጸልማት ለይቲ ስለዝነበረ ድምጹ’ምበር ምስሉ ዘይዝክሮ ሰብ፤ “ኣይትጒሃዩ! ናይ ኲናት ነገር ከም ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ሓንሳብ ትደፍኦም ሓንሳብ ዪደፍኡኻ” ክብል ይዝከረኒ።ብቐንዱ እቲ ዘረባ ናቱ ድዩ ወይስ ናይ ካለኦት ደጊሙ ኣይፈልጥን። እንተኾነ ግን፤ እዚ ኣበሃህላ ናይዚ ሓላፊ፤ ኣበሳ ኲናት ዕሽሽ ዝበለ እዩ ኔሩ። ኲናት ምስ ምድፍፋእ ናይ 90 ደቓይቕ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ክመሳሰል ዝኽእል ባእታ ኣይኮነን።
ኲናት! ህይወት ሰብ’ዩ ቀለቡ፤
ኲናት! የሰንክልን ዓዲውዑል ዪገብርን፤
ኲናት! የዘኽትም፤
ኲናት! ፍቑራት የቁርርን የማእምንን፤
ኲናት! ወላድ መኻን ዪገብር፤
ኲናት! መጻኢ የጸልምትን ዕድላት የባኽንን፤
ኲናት! ቁጠባ ሃገር የዕኑን ምዕባለ ዪገትእን፤
ኲናት! ከባቢ ዪምርዝን የባድምን፤
ኲናት! ንዘመናት ዝቕጽል ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ምዝንባላት የስዕብ፤
ኲናት!ኡፍፍፍ……. ኣበሳ ኲናትን በሰልኡን ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ በዚ ክፉእ ገጽ ናይ ኲናት ንልዕሊ 60 ዓመታት ተሳቒዩን ክሳብ ሕጂ’ውን ዪሳቐ’ሎ። ድሕሪዚ ኹሉ መከራ ግን፤ህዝቢ ምስ ጸነተን ሃገር ምስ በረሰትን ደኣ ኮይኑምበር፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኲናትን ስነ ሞጎት ሓይልን ዝጸንሖ ኣጠማምታ ዝተቐየረ ይመስል።ኣዴታት ኤርትራ፤“ኣነ ዝደልየን ክልተ እየን: ደቀይ ኣብ ኢደይ ሰላም ኣብ ዓደይ” እንዳበላ ብዓውታ ምህልላአን ናብ ኣምላኸን የዕርጋ ኣለዋ።በሰልኡ ግን፤ማለት ሳዕቤን ናይ’ቲ ኲናት፤ ንዘመናት ክቕጽል’ዩ። ኣብዚ ሕጂ ግዜ፤ ብዘይካ ጉጂለ ህግደፍን ካብቲ ሓዊ ሪሒቖም ኣብ ደገ ዝነብሩ ውሑዳት ኣዳኸርቱን፤ ህዝቢ ኤርትራ ኲናትን ወረ ኲናትን ክሰምዕ ኣይደልን’ዩ። እዚ ከም ኣውንታዊ ምዕባለ ተወሲዱ፤ ንኲናት ዝጽየን ወለዶ ኣብ ምፍጣር ዝያዳ ክኹስኮስ ይግባእ።
ኣብ ስነመጎት ኲናት ብዝምልከት፤ ስነኣእሙረኣዊ ቅኒት ህዝቢ ትግራይ’ውን ካብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ ዝረሓቐ ኣይጸንሐን። ብስም “ምኽባር ሕጊ” ዝፍለጥ ኣብ 2020 ዓመተ ምህረት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ምስተኣወጀ፤ እቲ ኲናት ቅድሚ ምብርዑ ደው ኣብምባል ዝተወስደ ስጉምቲ እንተኔሩ ኣዚዩ ውሱን’ዩ። ብኣንጻሩ፤ “ኲናት ባህላዊ ጸወታና’ዩ” ዝብል ብሂል ይጋዋሕ ኔሩ። ብልሳን ውሑዳት ሰባት እኳ እንተወጸ፤ በጨቕታ ኣተሓሳስባ’ቲ ሕብረተሰብ ምዃኑ ኣይተረፎን። ድሒሮም “ሓመድ ልሒሶም” ተሲኦም ኣብ ኣፍደገ ኣዲስ ኣበባ ምስበጽሑ፤ እቲ ናይ ኲናት ወኒ ዝያዳ ገንፊሉ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ድሕሪ “ናጽነት” ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ነጊሱ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፤ ህዝቢ ትግራይን ሓይልታት ምክልኻሉን’ውን ብደቡብ ኣዲስ ኣበባ፤ ብሰሜን ከኣ ኣስመራን ባጽዕን ኣብ ሓደ ረፍዲ ብቐሊሉ ክተሓዝ ከምዝከኣል ከም ውሁብ ወሲድዎ ኔሩ። “ኣስመራ እንተዘይኣትየ ኣይትግራዋይን’የ” ኣዚሙ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታት ግን ነዚ ህንጢዩነት ኲናት ቀልጢፉ ቀዪሩዎ። ብኲናት ዝፍታሕ ነገር ከምዘየለ መራሕቲ ትግራይ ብግቡእ ተገንዚቦም። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፤ “ነብስና ኣትሕት ኣቢልና ነዛ ሰላም ንቕበላ ኣለና። ናብ ልምዓት ከነድህብ ኢና” ክብሉ ተሰሚዖም። ነብስኻ ኣትሒትካ ንሰላም ምቕባል ጅግንነት እምበር ድኻም ኣይኮነን። ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምቕባሎም ነቲ ዞባ ካብ ዳግማይ ህልቂት ኣድሒኖሞ። እቲ ውዕል ሰላም ኣብ መፈጸምትኡ ክሳብ ዝበጽሕ ክጽዕቱን ካብ መስመሮም ከይወጹን ከኣ ዪላቦ።ነቲ “ካብ ሩግኦ ደም ሩግኦ ጸባ ይበልጽ” ዝብል፤ ካብ ጽልእን ቂምን ነጻ ዝኾነ ልቢ ኣዴታት ትግራይ ቅርብ ኢሎም ክጸናጸኑ ይግባእ። ኣዴታት ትግራይ፤ "ናፊቐ እንድየ ዕሸለይ፤ ኣላምንኒ ድንግለይ" ክብላ እንከለዋ፤ ከምኡ’ውን፤ “ኩሎም ደቂ ኣዳምየ ኩሎም ደቂ ሂዋንየ፤ ማርያም ጉንዶ-ጉንዶ ኣይትዓርቅዮምን’ዶ” ዝብል ምህለላ እንዳዕረጋ፤ እግረን ክሳብ ዝምለጥ ኣብ ጽርግያታት ትግራይ ክጓዓዛ ክትዕዘብ እንከለኻ፤ ዝተፈራረቐ ስምዒታት ይወረካ። በቲ ዝወረደ ኣደራዕ ልብኻ ዝሰብር ሓዘን ይስማዓካ። ብኣንጻሩ፤ ልቦናአንን፤ ዓሌትን ሃይማኖትን ዘይፈሊ ንቕሓተንን፤ ተስፋ የስንቐካ።
ብተመሳሳሊ፤ መንፈስ ናይ ኲናት ኣብ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን’ውን ካብቲ ካልእ ዝፍለ ኣይኮነን። ህዝቢ ሶማል ንልዕሊ 30 ዓመታት ብውግእ ሕድሕድ ተሓሚሱን ንድሕሪት ተመሊሱን’ዩ። ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሓዳስ ሃገር መስሪቱ ከብቅዕ ካብ ምቅትታል ሕድሕድ ኣየዕረፈን። ብቐንዱ ሱዳን ብዓባያ ጎነጽን ወተሃዳራዊ ዕልዋ መንግስትን ናይ ነዊሕ እዋን ሕላገታ ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ። ሕጂ’ከኣ ህዝቢ ሱዳን ብዝኸፍአ መልክዑ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ። ብሓፈሻ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ክወጸኦ ዘይክእላ ዓዘቕቲ ተሸሚመን ኣለዋ። እቶም ነቲ ኲናት ዝውልዑን ዘሳስዩን መራሕቲ ግን ካብ ካልእ ፕላኔታት ብሃንደበት ዝነጠቡ ኣይኮኑን፤ ብቐንዱ ቡቕሊ ናይቲ ሕብረተሰብዮም። ስለዚ’ምበኣር እቲ ጸገም፤ ካብቶም መራሕቲ ዝምንጩ ዘይኮነስ፤ ብቐንዱ ኣብ ስነኣእሙሮኣዊ ቅኒት እቲ ሙሉእ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ጣውላ ኮፍ ምባል፤ ቃታ ምስሓብ (trigger happy) ዝሰልጦ ሕብረተሰብ ናይዚ ዞባ ዕጭኡ ተለኻኺምካ ምጥፋእ’ዩ። ስነመጎት ሓይሊ ናይ ምጥቃም ባህሊ፤ ናይ ነዊሕ ዘመናት ታሪኻዊ ሰረት ክህልዎ ከምዝኽእል ኣይሰሓትን’ዩ። ብዛዕባ ጥልቕ ዝበለ ታሪኻዊ ድሕረባይትኡ ዝምልከት ንተመራመርቲ ታሪኽን ስነ ሕብረተሰብን ገዲፈ፤ ነቲ ሓሳብ ዘጎልብት ፍርይ ፍርይ ዝበላ ክልተ ነጥብታት ክጠቅስ ኣፍቅዱለይ።
1) ኣዘናትዋ ውዕሎ ጅግንነት
ዳርጋ ኩለን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት፤ ታሪኻዊ መዓልቲ ጀግንነት የብዕላ እየን። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ፤ ናዶው እዝ ዝፈረሰሉ፤ ፈንቅል፤ ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ዓወት ዓድዋን ካለኦትን ዝኣመሰሉ ዓመት-መጸ ይበዓሉ ወይከኣ ይዝከሩ እዮም። ተዘክሮ ናይዞም ዝተጠቕሱ ውዕሎታት ክዝንቶ እንከሎ፤ ዓወትን ጅግንነትን ናይ ወገን ሓይሊ ጥራሕ’ዩ ዝንጸባረቕ። መድፍዓጂ ኣርፒጂ (RPG)፤ ታንኪ ናይ ጸላኢ ከቃጽል እንከሎ’ምበር፤ ብታንኪ ጸላኢ ተጨፍሊቑ ኣምዑቱ ክፈስስ እንከሎ ኣይራኣይን’ዩ። መድፈዓጂ ብሬን፤ ጸላእቱ ክምንጥል እንከሎ’ምበር፤ ብጥዪት ጸላኢ ሓንጎሉ ክፈስስን ክወድቕን እንከሎ ዘሪኢ ምስሊ ብዙሕ ኣብቲ ትረኻ ኣይቀርብን’ዩ። ጽልኢ ንምዝራእ ዝዓለመ፤ ናይ ጸላኢ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ናይ ወገን ሓይሊ ሓደጋ ከምዘውረደ ዝትረኽ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ኣይዘንጋዕኩን። ብሓፈሻ ግን፤ ናይ ወገን ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዓወት ክጎናጸፍ እንከሎ ዘሪኢ ምስላታት እምበር፤ ብጸላኢ ክዋረድ እንከሎ ወይከኣ ሬሳታቱ ድራር ኣሞራን ኣራዊትን ክኸውን እንከሎ ዘሪኢ ትረኻን ምስልታትን ኣይቀርብን’ዩ። እዚ ፊልም ዝመስል ትረኻን ምርኢትን እንዳሰምዑን እንዳተዓዘቡን ዝዓበዩ ህጻውንትን መንእሰያትን፤ ኣብ ኲናት ኣቲኻ ዝምወት ኣይመስሎምን’ዩ። ኲናት ከም እንኮ መፍትሒ ሽግር ስለዝወስድዎ፤ ዓቕመ ኣዳም ወይ ዓቕመ ሂዋን ኣኺሎም መራሕቲ ሃገራትውን እንተኾኑ፤ ጸገማቶም ብዂናት ክፈትሑ ጥራይ እዮም ዝህንደዱ። ንሰላም ምጽዋዕ ወይከኣ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብሰለማዊ ኣገባብ ሽግርካ ምፍታሕ ከም ድኽመት ይቖጽርዎ፤ ወይከኣ ኣብ ደም ምፍሳስ እንተዘይኣትዮም ካብ ዝሓለፈ ወለዶ ዝሓመቑ ኮይኑ ይስመዖም። ኣብዚ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፤ ዶር ኣቢዪ ኣሕመድ ከም ኣብነት ክጥቐስ ዪከኣል። ናይ ሰላም ኒሻን ተሸሊሙ ክንሱ፤ ኣይ-ሰሙን ኣይ-ሳልስቲ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ኲናት ኣዊጁን፤ ብውጽኢት ኲናት ተጃሂሩን። ስለዚ እምበኣር፤ እቲ ሓቀኛ ውዕሎ ዘየንጸባርቕ ኣዘናትዋ ውዕሎ ኲናትን ጅግንነትን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ምጥቃም ስነ-መጎት ሓይሊ ክጥቀስ ይከኣል’ዩ። ኣብ ዳሳት ህግደፍ ዝግበር መደረ ብምሉኡ ንስነ-መጎት ሓይሊ ዝድርዕ እዩ። ንህጻናት ወተሃደራዊ ክዳን ኣልቢስካ ወተሃደራዊ ቋንቋ ከምዝዛረቡ ምግባር፤ ብዛዕባ ጽልእን ኲናትን ኣብ ጭልቅዕ ኣእምሮኦም ምስትምሃር ሓደገኛ እዩ። ህግደፍ፤ነዚ ግናይ ተግባሮም “ወፍሪ ሎሚ ራህዋ መጻኢ” ኢሎም’ዮም ዝጽውዕዎ።
2) ትሑት ደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብ
ፍረድሪክ ዳግላስ ከምዝበሎ “ knowledge makes a man unfit to be a slave” ወይከኣ “ፍልጠት ንወዲሰብ ካብ ባርነት ነጻ ይገብሮ”። ብዙሓት ሃገራት፤እንኮላይ ምዕራባዊ ዓለማት ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት ኣለወን። ይኹን’ደኣምበር፤ ፖለቲካዊ ሽግራተን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢለን’የን ዝፈትሐኦ፤ ካልእ ኣማራጺ’ውን የብለንን። ምኽንያቱ፤ ንቕሓትን ፍልጠትን ዝዓጠቐ ሕብረተሰብ ስለዘለወን፤ ባርያን መጋበርያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ኮይኑ ብረት ኣልዒሉ ነንሕድሕዱ ክዋዳእ ፍቓደኛ ኣይከውንን’ዩ።ብኣንጻሩ፤ ካብ ንቕሓትን ፍልጠትን ዝተሓረመ ወይ ከኣ ካብ ፍልጠት ዝሸፈተ ሕብረተሰብ ሓደገኛ እዩ። መለኽቲ ስርዓታት፤ እቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ንቕሓትን ሓድነትን ከየጥሪ ኣበርቲዖም’ዮም ዝቃለስዎ። ንኣብነት፤ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምዕናው ስርዓተ-ትምህርትን ምቁን’ጻብ ሙሁራትን ተዓዊቱ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ “ኣሓስ ምስ ሓራዲኤን ማይ ይሰትያ” ዝብል ምስላ ኣበዋት ብግቡእ ዝምጥኖ ሕብረተሰብ ኣፍሪና። ኣንጻር ሕልንኡ ዝቃለስ፤ ሃገርን መራሒን ክፈላሊ ዘይክእል፤ ንጥፍኣቱ ዘቀላጥፍ፤ መሰልን ተሓታትነትን ዘይፈልጥ፤ ትርጉም ናጽነት ከይተረደኦ ዘኹድድ ህዝቢ ንዕዘብ ኣለና።
ኣብ ደምበ ፍትሒ’ውን እንተኾነ ደረጃ ንቕሓትና ጌና ትሑት’ዩ ዘሎ።”ፍትሒ ጎደለ ድኻ ተበደለ” ንብል፤ብኣንጻሩ ንባዕልና ፍትሒ ነጉድል። ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክንተክል ንቃለስ፤ ንባዕልና ተጻዋርነት ነጥፍእ።ህሉው ኣቃውማና እምበኣር ነጸብራቕ ኣተሓሳስባና እዩ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረአ ቅንጸላታት፤ ጽባሕ ኑግሆ ብቐሊሉ ናብ ደማዊ ጎንጺ ከምርሕ ዝኽእል’ዩ። ድሮ’ኳ ኣብ እስራኤል ንዕዘቦ ኣለና። ከምዚ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ንዕዘቦ ዘለና፤ ውሑዳት ውልቀመለኽቲ ናብ ውልቃዊ ረብሐኦም ክጥቀምሉ ዘኽእል ባይታ እዩ። ብዙሕነት ሕብረተሰብ መዝሚዞም ወይ ከኣ ኣብ ነቓዓት ሕብረተሰብና ተወጢሖም ክስውዱ ዝደልዩ ከይነግሱ ጥንቃቐ የድሊ። ነዚ ዝገዝሞ ከኣ ሓፈሻዊ ንቕሓት ህዝቢ ብም’ብራኽ እዩ።
መሰረታውን ነባሪ ፍታሕ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ጸገማት እምበኣር:
ሀ) ንዂናት ዝጽየን ሕብረተሰብ ምህናጽ፤ ንኲናት ዝጽየንን ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሉ መፍትሒ ዘናዲ ወለዶ ምፍጣር መሰረታዊ መፍትሒ እዩ። ቋንቋ ጅግና ቢተወደድ ኣብራሃ ዝዛረብ፤ ማለት፤ “ፈታዊ ዘብዝሕ፤ ምሕረት ዝገብር ጅግና” መንእሰይ ምፍራይ የድሊ። ንዂናት ተሓሲሙ ኣብ ዘተ ዝኣምን ሕብረተሰብ’ሞ ከመይ ኣቢልካ ክህነጽ ይከኣል? ብመሰረቱ፤ ውዕሎ ጀግንነትን ታሪኽን ናይ ዝሓለፉ ወለዶታት ክዝንቶ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን ደኣምበር፤ ካብ ምቅንጃው ታሪኽ ወጺእና፤ ወድዓዊ ገምጋም ናይቲ ውዕሎ፤ እንኮላይ ድኽመታቱን ጌጋታቱን ክዝርዘር ይግባእ። ማዕረ-ማዕሪኡ ከኣ፤ ብደረጃ እቲ ዞባ ዝበዓል መዓልቲ ምረት ኲናት ወይከኣ ኣበሳ ኲናት ዘንጸባርቕ ዓመታዊ ዞባዊ ንግደት ክጅመር ይግባእ። ህጻናት እቲ ዞባ፤ መመሪጽካ ዝበዓል ዓወታት ወገን ጥራይ ዘንጸባርቕ ምርኢታት ጥራይ ዘይኮነስ፤ እቲ ክፉእ ገጽ ናይ ኲናት እንዳተማህሩ እንተዓብዮም፤ ንኲናት ዝፈርህን ዝጽየንን ወለዶ ክፍጠር ይከኣል’ዩ ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ምኽንያቱ፤ እቶም ናይ ጽባሕ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃገራትን፤ ካብ ማእከል እዚ ንኡስ ወለዶ’ዚ እዮም ክወጹ።
ለ) ንቑሕ ወለዶ ምፍጣር፤ ቻይናዊ ፈላስፋ ኩንፉይሹስ ከምዝበሎ፤ “ንሓደ ዓመት እንተመዲብካ ሩዝ ዝራእ፤ ን10 ዓመታት እንተመዲብካ ገረብ ትኸል፤ ን100 ዓመታት እንተመዲብካ ከኣ ንቆልዑት ኣስተምህር” ይብል። እዚ ኣበሃህላ’ዚ እምበኣር፤ ትምህርቲ ወይከኣ ፍልጠት መሰረታዊ ረቋሒ ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዃኑ የተንብህ። ኣብ ዞባና ኣንጸላሊዩ ዘሎ ጸገም፤ ብሓደ ወይከኣ 10 ዓመታት ዝቕረፍ ኣይኮነን። ሰለዚ፤ ንነዊሕ ዝጠመተ ጽዑቕ ወፍሪ ንቕሓትን ፍልጠትን ኣብ መንእሰያትና ከምዘድሊ ዘማትእ ኣይኮነን። ነብስሄር ስነ-ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ’ውን እንተኾነ፤ “ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ ሽዑ’ዩ ድኽነትና ኣኽቲሙ” ኢሉ ዘዜመ፤ ልዑል ኣገዳስነት ንቕሓትን ፍልጠትን ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ንምንጽብራቕ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ስለዚ እምበኣር፤ መንእሰይ’ዚ ዞባ፤ ንኲናት ዝጽየፍ፤ ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩዎ ናብ ምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምዘድህብ ኮይኑ ክዓብን ክኹስኮስን ይግባእ። ነዚ ዓላማ’ዚ ንምትርናዕ፤ ብደረጃ እቲ ዞባ ዝበዓል ዓመታዊ መዓልቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክግበር ይከኣል’ዩ። ኣብዚ ዓውዲ’ዚ፤ እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለና ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጥርኑፍ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከነወፊ ይግባእ።
ኣብ መደምደምታ፤ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ጸገማት ኣብ ምብዳህን ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምንዳይን፤ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ይግባእ። ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ሃገራት ጥራይ ዝግበር ወፍሪ ኣይኮነን። ብኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምእከል፤ ኣብ ሰላምን ምዕባለን ዝነጥፍ ሓደ ኣካዳምያዊ ትካል ኣቊምካ፤ ንኣብነት፤ ትካል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሰላምን ምዕባለን (East African Institute For Peace and Development) ዝብል ትካል ብምምስራት፤ ብማዕረ ኣብ ኩለን ሃገራት ክትግበር ዪከኣል’ዩ። ተመሳሳሊ ኣስማት ዘለወን ግን ከኣ ነዚ ዝድለ ዘሎ ዓላማ ዘየገልግላ ትካላት፤ ብውሑዱ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ከምዘለዋ ኣይዘንጋዕኩን። ርክብ ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ወይከኣ ምስ መንግስታትን ዞባዊ ምትእኽኻባትን ኣብ ዝግበረሉ ግዜ፤ እዚ ዛዕባ ብዕቱብ ክዝተየሉ ብትሕትና እምሕጸን።
ወደሓንኩም!!
ዶር. ዮውሃንስ ሃይለ
ኦታዋ ፤ ካናዳ
ሰነ 2024
Read in PDF: ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-
ዪከኣሎ ኩሉ ዝከኣሎ ብዘይካ ብሽክለታ - ኣንታ ባዓል ጂዛን ተኣለየለይ ንባዓል ሳሕል ክህባ ጓለይ: ጽሑፍ ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ።
Mestyat Betna | ኣድግ'ስ፡ ካብ ሞታ ምጉታታ! ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ
𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: ትንቢት ኢሰያስ ብልሳነ ኣቢ | ብዶር ዮውሃንስ ሃይለ
ERISAT: ዘይጭምት ኣይተኩስ ! | Current Affairs ~ እዋናዊ ጉዳያት
See also more articles by
ካልኦት ብ'ዶር ዮውሃንስ ሃይለ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።