Foundations of Tigrinya Literature - መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ፡ ብኣበባ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/07/2021 14:46 PM

መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ
ዋይ ኣነ ደቀይ! ሰኣን ምምልካት`ዶ!
and
ንመን`የ ዝነግሮ?

ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ፡
ብ`ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ.

Abeba Tesfaghiorgis, author.

መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ
ዋይ ኣነ ደቀይ! ሰኣን ምምልካት`ዶ!
and
ንመን`የ ዝነግሮ?
ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ሓደ፡
ብ`ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ።

እዘን ሕጂ እንደገና ተሕቲመን ንኣንበብቲ ዝቐርባ ዘለዋ ክልተ ልብ-ወለድ ታሪኻት ኣብ 70ታት ዝተሓትማ ኮይነን፡ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን’ቲ ተጋሂዶምን ዝጋሃዱን ዝነበሩ ማሕበረ-ምጣነሃብታውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ይትርኻ። ብፍላይ ኣብ ናይ መንእሰያት ስራሕ-ኣልቦነትን፡ ፖለቲካዎ ግድላትን ኣተኲረን ድማ ይዛረባ። እታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ፡ ዋይ ኣነ ደቀይ! ሰኣን ምምልካት’ዶ (1967/68)፡ ብዛንታ ብሰላም ዝናበራ ዝነበራ ቊሸታትን ማሕበረ-ሰብን ጀሚራ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ምምሕዳር፡ እታ (ልበ-ወለዳዊ ሽም ዝተዋህባ) ሃገር ክትዓኑን፡ እቶም ዜጋታታ፡ በብቚሩብ፡ ናብ ናይ ምረትን ሕንፍሽፍሽን ናብራ ክንቆቱ እንከለውን ተርኢ። ሓይሊ ናይ’ታ መጽሓፍ፡ ዝተፈላለዩ ኣብነታትን ተረኽቦታትን ብምጥቃስ ንድኽመታት ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ምትንታንን፡ ብተዘዋዋሪ ይኹን’ምብር፡ ነቔፈታን ተግሳጽን ኣብ ምቕራብን ኢዩ። እንተኾነ፡ ብፍላይ ድሕሪ ግዜ ክትመዝና እንከለኻ፡ እቲ ቀንዲ ጉድለታ፡ ካብ ንድኻማት ምምሓዳር ምሕባርን “ጸጋኒ” ለውጢ ንከምጽእ ኣብቲ ሽዑ ዝገዝእ ዝነበረ “ማርሻል” ተስፋ ምንባርን ሓሊፋ፡ መተካእታ ዝኸውን ደሞክራስያዊ ራእይ ዘይምቕራባ’ዩ ክብሃል ይከኣል።

--ካብመቕድም ዝተወሰደ
ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ፣ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ

Foundations of Tigrinya Literature - መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ፡ ብኣበባ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ
Foundations of Tigrinya Literature / መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ፡ ብኣበባ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ

ኣበባ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ ኣብ ኣርባዕተ-ኣስመራ ተወሊዳ: ኣብቲ ሽዑ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ (ወይ’ውን እንዳ ሴታ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርታ ድሕሪ ምጥንቓቕ፡ ኣስዒባ ናብ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኮነንን (ናይ ሎሚ “ኣስመራ ሓፈሻዊ”) ብምኻድ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ወዲኣ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታዊ ዕድል ምርካብ፡ ብፍላይ ንደቀ-ኣንስትዮ: ፍሉይ ዕድል’ዩ ዝነበረ። ክሳብ ኣብ 1978 ንኤርትራ ገዲፋ ንስደት ዘምርሓትሉ እዋን ድማ: ኣብ ኣስመራ: ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት: ከም’ኒ YWCAን ናይ ሕቡራት ኣመሪካ ኤምባሲን ድሕሪ ምግልጋልን ምስራሕን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ኣገልጊላ። ድሕሪ ስደት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ፡ ካብ SIT (School for International Training, Vermont) ብናይ Masters ዲግሪ ተመሪቓ።

ነዛ መጽሓፍ ብመንገዲ ኢንተርነት ንምዕዳግ፡ ኣብዚ ጠውቑ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ን`ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ (07944185562) ተወከሱ።



Share with friends:


ATV: መልእኽቲ ብ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት 2020፡ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፡ ብ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ


See also Related::



Share with friends: