ተኣፋፊ ምዕባለታት ኣብ ዞባና፡ እንታይ'ከ ክግበር ኣለዎ?

17/01/2018 2:18 AM

ተኣፋፊ ምዕባለታት ኣብ ዞባና፡ እንታይ'ከ ክግበር ኣለዎ?

Horn Africa


ሰላም ኩልኹም ኤርትራውያን ተኻታተልቲ ጽሑፋተይ!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2018 ንኹልኹም!

ሎሚ ሒዘልኩም ቀሪበ ዘሎኹ ኣርእስቲ፡ ኣብቲ ኣብ ዞባና (ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን) ዝኽሰት ዘሎ ህሉው ተኣፋፊ ኩነታት፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን'ከ፡ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግባኣና ኣብ ዝብልን ዘተኮረ ኢዩ ክኸውን። ሰናይ ንባብ፡-

ኣብ ዞባና (ቀይሕ-ባሕሪ ከምኡውን ቀርኒ ኣፍሪቃ) ብዙሕ ኣሻቓሊ ኩነታት ይምዕብል ከምዘሎ ድሮ ኣስተባሂልኩምሉ ትኾኑ ኢኹም።

ብዕለት 10 ጥሪ 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ምብጻሕን ምርኻብን ፕረሲደንት ኤርትራ (ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ናብ ካይሮ (ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኤልሲሲ)፡ ምስቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ-ባሕሪን እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይሕብር። እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ ሃገረ-ቱርኪ ንደሴት ስዋኪን ናይ ሱዳን፡ ዳግማይ ንምሕዳስ፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝኸተመቶ ውዕል ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ሱዳንን ቱርኪን፡ ዕላማ ናይቲ ኣብ መንጎ ቱርኪን ሱዳንን ዝተኸተመ ውዕል፡ ደሴት ስዋኪን፡ ከም መበገሲ ነቑጣ ነጋድያን ናብታ ቅድስቲ ከተማ መካ (ስዑድያ) ንምግባራ ምዃኑ፡ እምበር ከምቲ ዝባሃል፡ ንሃገራት ኣዕራብ ዝጎድእ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ከምዘይኮነ ኢየን ዝገልጻ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ስዑዲን ግብጺን ክሽሕክር ዝጸንሐ ዝምድናታት ኣሎ።

ከምኡውን፡ ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘለዋ ዘይዕግበት ክምዕብል ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብጺ ዝገዝአ መራሒ (ሑስኒ ሙባረክ) ብ'2012፡ ብህዝባዊ ምልዕዓል ናይቲ ብ'Arab spring ወይ ቀውዒ-ዓረብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ። ብድሕሪኡ፡ መሓመድ ሞርሲ (Freedom and Justice Party) ከም ፕረሲደንት ግብጺ ኮይኑ ተመሪጹ። እንተኾነ፡ መሓመድ ሞርሲ'ውን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ 2013፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ግብጺ፡ ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ፡ ብወተሃደራዊ መራሒ ድማ ተተኪኡ። እዚ ናይ ቱርኪ ዘይዕግበት ድማ፡ ድሕሪ'ቲ መሓመድ ሞርሲ፡ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዝማዕበለ ኢዩ። ኣሕዋት እስላም (Moslim brothers) ምስ ቱርኪ ጽቡቕ ቅርበት ከምዘለዎም ዝፍለጥ ኢዩ።

እቲ ካልእ ኣሰካፊ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎ ግብጺን ኢትዮጵያን፡ ብሰንኪ ማይ ፈለግ-ኒል ዘሎ ክርክር ኢዩ። ግብጺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ በኣፍራይነት ምንጪ-ጸዓቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ህዳሴ ግድብ (Renaisance Dam)፡ ዘለዋ ተቓውሞ ክትገልጽን ምስ ኢትዮጵያ ክትሰሓሓብን ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኢዩ። ግብጺ፡ እቲ ግድብ ህዳሴ ናይ ኢትዮጵያ፡ ንቀረብ ማይ ናይ ግብጺ ብ20 ሚእታዊት (20%) ከምዘጉድሎን ከምዝሃስዮን ክትገልጽ ከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ሃስያ ከምዘይብሉ ኢያ ትገልጽ። ሱዳን፡ ብወገን ሰሜን፡ ኣብ ወደብ ሓላየብ፡ ምስ ግብጺ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣለዋ። እዚ ድማ ንምትእትታው ቱርኪ ሓደ ካልእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል።

ግብጺ፡ ንሰውራ ኤርትራ፡ ከም መፋራርሒ ንኢትዮጵያ ትጥቀመሉ ምንባራ ኣብ ታሪኽ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ እውን፡ ብንግድን ብኻልእን ኣመሳሚሳ፡ ምስ ኤርትራ ዝምድናታት ከተማዕብል ጸኒሓ ኢያ። ዋላ'ኳ ብጭብጢ ዝተረጋገጸ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቦታታት ከምዝተዋህባ እውን ይዝረብ ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ ግብጺን ኤርትራን ዝኸይድ ዘሎ ዝምድናን ርክባትን ናበይ ገጹ ኢዩ? ከም መወጣወጢ ወይ መፈራርሂ ንኢትዮጵያ ዶ ወይስ ካልእ ዕላማ ኣለዎ? ወይ'ሲ፡ ከምቲ ብወገን ሱዳን ዝግለጽ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሱዳን (ማለት ኤርትራ) ኣሎኒ እትብሎ ስግኣት፡ ግብጺ ኣንጻር ሱዳን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወተሃደራዊ ግምባር ክትከፍት ስለዝደለየት ድዩ? ኤርትራ፡ ነቲ "ናይ ግብጺ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ" ዝብል ወረ፡ ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ገሊጻ ኣላ። ይኹን'ምበር፡ ድሕሪ'ዚ መግለጺ'ዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ፕረሲደንት ኤርትራ (ኢሳይያስ ኣፈወርቂ)፡ ብዕለት 14 ጥሪ 2018፡ ሃንደበት ነዊሕ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ዝእምቶ እንተሃልዩ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ምስቲ ምትእትታው ቱርኪ ኣብ ሱዳን (ደሴት ስዋኪን)፡ ኣሰካፊ ኩነታት ይምዕብል ከምዘሎ ኢዩ። ርክባት ኤርትራን ግብጺን ድማ፡ ኣንጻር ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣጀንዳታት ዘለዎ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ መስርሕ'ዚ፡ ስርዓት ኤርትራ ዝረኽቦ ገለ መጻንሒ ጉንዖታት ናይ ግብጺ ይህሉ ይኸውን።

ምስዚ ናይ ቱርኪ ኣብ ሱዳን ምትእትታዋ ተዛሚዱ ክርአ ዝከኣል፡ እቲ ቱርኪ ኣብ ሶማልያ ትገብሮ ዘላ ምትእትታው ኢዩ። እዚ ናይ ቱርኪ ኣብ ሶማል ምትእትታው፡ ልክዕ ከምቲ ምስ ግብጺ ዝገጠማ ዘይምቅድዳው፡ ጠንቁ እቲ ምስ ኣሕዋት እስላም (Moslim brothers) ዘለዋ ምድንጋጽ ዝተኣሳሰረ ዶ ክኸውን ይኽእል?

ኣብዚ ቀረባ ቅንያት፡ ሱዳን፡ ነቲ ብወገን ከሰላ ምስ ኤርትራ ዘራኽባ ዝነበረ መስመር ከምዝዓጸወቶ ኣብ ማዕከን ዜናታት ክቃላሕ ቀንዩ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሱዳን ብወገን ሰሜንን ምብራቕን እታ ሃገር፡ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዘለዋ ብገለ መራሕቲ ሱዳን መግለጺ ወጺኡ ነይሩ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ቅንያት ድማ ኣብ ዞባ ከሰላ፡ ብድሩዓት ወተሃደራዊ መካይን ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ምርኢት ተኻይዱ። እዚ ተርእዮታት'ዚ ናብ ምንታይ ዝኣንፈተ ኢዩ? ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሱዳንን ወተሃደራዊ ጎንጽታት ከልዕል ይኽእል'ዶ?

ብምብራቕ ሸነኽ ኤርትራ፡ ኣብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ዘላ ጎረቤትና የመን፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት የመናውያን ኩናት ሕድሕድ ይካየድ ኣሎ። ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይሊ ሃገራት ኣዕራብ ኣንጻር እቶም ሑቲ እስላም ዝዓለመ ኩናት የካይድ ብምህላዉ፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ዕንወት የስዕብ ኣሎ። ኤርትራ ኣብዚ ዘመተ'ዚ፡ ደገፋ ምግላጻ ጥራይ ከይተሓጽረት፡ ን'ከም ኢማራት ዓረብ ኣብ ዓሰብ መደበር መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝፈቐደት ብብዙሓት ማዕከናት ዜና ተገሊጹ'ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ከምዘይሃበትን ወይ ውዕል ከምዘይፈረመትን፡ ናይ ኣሉታ መልሲ ኢያ ክትህበሉ ጸኒሓ ዘላ። ብዛዕባ'ዚ ምዕባለታት'ዚ ይኹን፡ መንግስቲ ዝወስዶ ውዕላት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ውሳኔ ወይ ኢድ የብሉን። እዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ውዕላትን ምፍቃድ ምትእትታው ካልኦት ስግር-ባሕሪ ዝኾና ሃገራትን ግን፡ ንመጻኢ ንሃገርና ኤርትራ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ዘስዕብን፡ ምስ ጎረባብትና ኣህዛብ ድማ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናንን ዘእቱን ንዝምድናና ምስ ህዝብታት ናይዚ ዞባ ኣሉታዊ ስምብራት ዝገድፍን ኢዩ።

ምትእትታው ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ኤርትራ ምርኩስ ብምግባር፡ ብወገን ኢትዮጵያ (ሰበ-ስልጣን-ነበር)፡ ኣብ ወግዓዊ መራኸቢታት ናይታ ሃገር፡ ወጺኦም መግለጺታት ክህቡ ተሰሚዖም ኢዮም። "እዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለታት፡ ንዞባዊ ጸጥታና ኣስጋኢ ኩነታት ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታዊ ኩነታት ናይ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እትዋስኣሉ መሰል ክህልዋ ኣለዎ" ዝዓይነቱ መደረታት፡ ከስምዑ ተራእዮም፡ ንኣብነት ጀነራል ጻድቃን ኣብ 12 ሰነ 2017 ዝገበሮ ነዊሕ ቃለመሕትት ክጥቀስ ይከኣል። ካብዚ ብዘይፍለ ድማ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዘይዋሓጠሎም ገለ ሰበስልጣን-ነበር ኢትዮጵያ፡ ከም በዓል ኣይተ ገብሩ ኣስራት ዝኣመሰሉ ኣለዉ። መበገሲኡ ዘይፍለጥ፡ ግን'ከኣ፡ ብቀጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተንን፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ንምልሓቕን ዝዓለመ ዝመስል፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣድላይነት ኣይነበሮን ዝዓይነቱ፡ ዝተፈላለየ "ኤርትራዊ" ብዝብል ስም ዝተጠመቐ ምንቅስቓሳት ኣለዉ። እዚኣቶም ከም፡- ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ (ንዕላማ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሕድ፡ ሽፍትነት ኢዩ ኢሉ ዘጠመቖ)፡ ከም ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን (ተዛራባይ ትግርኛ ጠርኒፉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክነግስ ዝሕልን)፡ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ስለዚ እዚ እውን፡ ብዕቱብ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ፡ ህዝቢ ክዕሸወሉ ዘይብሉን፡ ብዕቱብ ክግጠም ዘለዎን ኢዩ።

ኤርትራ፡ ካብ 24 ግንቦት 1991 ክሳብ ሕጂ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ 1997 (ድሕሪ'ቲ ምጽዳቕ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ) ንደሓር፡ በቲ ብግዚያውነት ኣብ ስልጣን ዝደየበ ምልካዊ ኣመራርሓኡ ዘረጋገጸ መራሒ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢያ እትምራሕ ዘላ። ብዘይካ እቲ ውልቀ-መላኺ-ፕረሲደንት ዝመረጾም ውሑዳት እሙናት ኣገልገልቱ፡ ብቅዋም ዝምራሕን ዝቕየድን ስልጣን ኣብ ኤርትራ የለን። እቲ መላኺ "ፕረሲደንት" ባዕሉ ባይቶ፡ ባዕሉ ሓጋጊ፡ ባዕሉ ፈራዲ፡ ባዕሉ ወናኒን ኣመሓዳሪን ጸጋታት ሃገር፡ ባዕሉ ፖሊሲታትን ዝምድናታትን ሓንጻጺን መስራቲን፡ ባዕሉ ወተሃደራዊ ውዕላት ከታሚ፡ ንሱ ወናኒ ናይ ኩሉ ገደብ ዘይብሉ ናጻ ጉልበትን ህይወትን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ባዕሉ ወሳኒን ዓዳሊን መቑነን መግቢ፡ ኮታ ንሱ ልዕሉ ኹሉ ሕግታት ኣብ ኤርትራ ኢዩ። እዛ ብኸምዚ ኣገባብ እትኸይድን እትበርስን ዘላ ሃገርና፡ ነዚ ከቢቡዋ ዘሎ ኣስጋኢ ዞባዊ ፈተነታት፡ ብኸመይ ክትሰግሮ ኢያ? ንምዃኑ'ኸ፡ ከምዚ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ስደት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተርፍ ህዝቢ ክህሉ ዲዩ? እምበኣር ነገሩ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት "እንጉይ ንዓ ብላዕ" ኢዩ። ውልቀ-መላኺ ኤርትራ (ኢሳይያስ ኣፈወርቂ)፡ ትማሊ ትማሊ "ከዳሚ" እናበለ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ካልኦትን ይዝልፍ ከምዘይነበረ፡ ሎሚ ግን ባዕሉ፡ ሕልፍ ዝበለ ከዳሚ ወይ ኣገልጋሊ ናይ ግዳማውያን ሃገራት ኮይኑ ንሃገርና ናብ ዓዘቕቲ ክሸምማ ንዕዘቦ ኣሎና። ካብዚ ኣትዩዎ ዘሎ ናይ ክድምና መጻወድያ፡ ዋላ ክወጽእ እንተፈተነ እውን መውጽኢ የብሉን፡ ከም መራሒ ሃገር ድማ እቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲታት ንኤርትራ ሃገርና ለኪሙዋ ኢዩ ክኸይድ፡ ንምድሓና እንተዘይተጓዪና።

እሞ እንታይ ይገበር?

ሃገርና ኤርትራ፡ ከምቲ ብብዙሓት ተንተንቲ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኣስጋኢ ኩነተ-ህላወ ኢያ ወዲቓ ዘላ። እዛ ብኣዝዩ ገዚፍ መስዋእቲ ዝረኸብናያ ሃገርና፡ መጻወቲ ውልቀመላኺን መዳኽርቱን እናኾነት፡ ስቕ ኢልና ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ኣየምሕረልናን ኢዩ። እዋኑ፡ እዋን ኣፈርክቡ ኢዩ። ከነድሕና ክንጓየ ኢዩ ዘሎና። ብቐዳምነት፡ እተን ፈጺሙ ናይ ፕሮግራም ኮነ ዕላማ ፍልልይ ዘይብለን፡ ግን ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ፋሕፋሕ ኢለን ዘለዋ ፖለቲካዊ ውድባት ደምበ-ተቓውሞ፡ ነዚ ህሉው ከነታት ብግቡእ ኣንቢበን፡ ንኹለን ዘወሃህድ፡ ብግብሪ ነዚ ሓባራዊ ዕላማ'ዚ ዝሰርሕ፡ ሓደ መድርኽ (platform) ብህጹጽ ከቑማ ኣለወን። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ነቲ ብ'ኤርትራዊ መድርኽ ንሃገራዊ ዘተ (መሃዘ) ዝተወስደ ተበግሶ ከሞግሶ ደስ ይብለኒ። ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ደላይ-ለውጢ፡ ሓደ ድልድል ብምምስራት፡ ዕድመ-ምልካዊ ስርዓት ንምሕጻርን ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ንምስግጋርን ዘኽእል ስጉምቲ ክወስዳ ኣለወን። እዚ ምዕባለታት'ዚ ክዉን ምስዝገብራ፡ እቲ መዕለቢ ስኢኑ ዘሎ ኣብ ፈቐዶ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ፡ ክዓስለን ከምዝኽእል ርጉጽ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ምውህሃድ መስርሕ'ዚ፡ ኣብተን ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዉ መንእሰያት፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ክኾኑን ክነጥፉን፡ ሃገራዊ እዋናዊ ግዴታ ኣለዎም፡ ስለዚ ኸኣ፡ ብንጥፈት ክዋስኡ ይግባእ። እቶም ዝሸምገሉ ኣብ መሪሕነት ናይዘን ውድባት ዘለዉ ሓርበኛታት፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘበርከቱዎ ሃገራዊ ኣበርክቶ ብኽብሪ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ከዕርፉን ሓላፍነቶም ንመንአሰይ ወለዶ ከሳጋግሩን ይግባእ። ብድሕረ-ባይታ ኾይኑም፡ ተመኩሮኦምን ማዕዳኦምን ነዞም መንእሰያት ክልግሱ፡ በዚ መንገዲ'ዚ ኸኣ ነቲ ብሓይሊ መንእሰይ ዝምራሕ ቃልሲ ከተርንዕዎን ዝያዳ የምሕረሎም።

ንሕና ከም ታራ ህዝቢ'ኸ እንታይ ክንገብር ይግባኣና?

ኣብ ወጻኢ (ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያ)፡ (1) ምንቅስቓሳት ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ (2) ጽላል ኤርትራውያን (3) ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምልዕዓል (4) ንጋባእ..ወዘተ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ናይ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመቱ ምንቅስቓሳት ይነጥፉ ኣለዉ። ናይ ኣስማትን ገለ ገለ ብማይክሮስኮፕ ዝርአ ጸበብቲ ፍልልያትን ገዲፍካ፡ ዕላምኦም፡ ሓደ ኢዩ፡ ማለት፡- ኤርትራዊ፡ በበቲ ዝነብረሉ ዘሎ ከባቢ፡ ዓዲ ወይ ከተማ፡ ንዕኡ ዝውክሎ መራሒ ኣካል፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪጹ ባይቶኡ ክተክል፡ እዚ ባይቶ'ዚ ድማ ብሃገር ደረጃን ብዓለምን ተወዲቡ፡ ሓደ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ዝውክል ሕጋዊ ኣካል ምቛም ኢዩ ዕላምኡ። ኣብዚ ባይቶዚ ዝሳተፉ፡ ኩሎም ኤርትራውያን (ኣብ ውድባት ዘለዉ ኮነ ዘይተወደቡ) ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ሕጋዊ ኣካል'ዚ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከነቑሞ እንተኺኢልና፡ እቲ ፋሕ ዝበለ ኤርትራዊ ዓቕሚ ናብ ሓደ ክንጥርንፎ ከኽእለና ኢዩ። ኤርትራ፡ ብዓቕሚ ሰባ ሃብታም ኢያ፡ ግን ተባታቲኑ ስለዘሎ፡ ክሰርሓሉን ከበርክተሉን ዝኽእል ጥጡሕ ባይታ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድና ኮነ ኣብ ስደት፡ ኣይተፈጥረን ዘሎ። ስለዚ ኤርትራውያን ኩልና ክንነቅሕ ኣድላዪ ኢዩ። ዕድል እንተረኺቦም ንጉዳይ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ዓለም እውን ከማሓድሩ ዝኽእሉ ሓያላት ሰብ ዓቕሚ ኤርትራውያን ኣለዉና። ስለዚ መንገዲ ንኽፈተሎም፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ መታን ክሓጽር። እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ኣብ ውሽጢ ዓድና ክንምስርቶ ዘይካኣልና ባይቶ፡ ኣብቲ ብሓርነት እንነብረሉ ዘሎና ሃገራት ስደት ኰንና ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ባይቶ ኤርትራውያን፡ ክንምስርት ንኽእል ኢና። እዚ ብግዲኡ ድማ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓድና ክመጽእ እንደልዮ ለውጢ፡ ከም ኣብነትን መርኣያ ናይ ስልጡን ባህሊን ኮይኑ ከገልግልን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓድና ዘሎ ኩነታት ክጸሉን ለውጢ ንምምጻእ ከቀላጥፍን ኢዩ።

እሞ ምምስራት ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን፡ ክፈጥሮ ዝኽእል ዕድላት እንታይ ኢዩ?
እቲ ዕድላት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ፡ ገለ ንኣብነታት ብኸምዚ ዝስዕብ ክዝርዘር ይከኣል፡-

(1) ሓደ ናይ ተለቪጅን ወይ ራድዮ መደበር ብምቛም፡ ኩሉ ኤርትራዊ 24 ሰዓታት ብጉዳይ ሃገሩ ከምዝዛተን ከምዝማሃርን ክግበር ይከኣል፡

(2) ንመጻኢት ኤርትራ ከገልግሉ ዝኽእሉ ፖሊሲታትን ምዕቡል ናይ ምሕደራ ሜላታትን ካልእን፡ ብሞያውያንን ምሁራትን ኤርትራውያን፡ ብዝቐውም መጽናዕታዊ ሽማግለታት እናተዳለዉ ኣገደስቲ ሃገራዊያን መወከሲ ሰነዳት ክፈርዩ ይኽእሉ፡

(3) ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ መንእሰያትና፡ ኣብ ክንዲ ግዚኦምን ዕድመኦምን ከንቱ ዝባኽን፡ ብሞያን ትምህርቲን ንክስልጡኑን ዕድላት ንክኽፈተሎምን፡ ምስ ኩለን ዝምልከተን ኣዕቆብቲ መንግስታትን ዞባዊን ዓለማዊን ውድባትን፡ ርክባት ዝገብር፡ ዝሰርሕን ዘወሃህድን ሓደ ጠረጴዛ (Desk) ከምዝቐውም ክግበር ይከኣል።

(4) ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ዘጋጥም ዘሎ ኣስካሕካሒ ጥፍኣት፡ ንምቕናሱን ንምውጋዱን፡ እቲ ዝቐውም ሕጋዊ ዓለም-ለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያን፡ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት እናተራኸበ፡ ንድሕነቶም ዝሰርሕ ኣካል ክምዝዝ ይኽእል፡ ንውጹዕ ኤርትራዊ ኣውያቱ ሰሚዑ ምላሽ ዝህብ ኣካል ክቐውም ይኽእል።

(5) ምስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ፡ ድልዱል ምትእስሳር ክፈጥርን ተመኩሮ ክወራረስን ዘኽእል ባይታ ክኸፍት ይኽእል፡ በዚ መንገዲ'ዚ ኸኣ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሒን ዕርቂን ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ ክቀላጠፍ ይኽእል።

(6) ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ግርዕታት፡ ብሓደ ድምጺ ንምቅዋሙ ዘኽእል፡ ብዛዕባ'ዚ ዝጣበቑ ብሰብ-ሞያ ሕጊን ሰብኣዊ-መሰላትን ዝቐውም ኣካል ብምምስራት፡ ድምጽና ኣብ ቅድሚ፡- መጋባእያ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦትን ብምኻድ፡ ከነስምዕ ንኽእል። ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እውን ናብ ልቡ ክምለስ ጸቕጢ ክንገብር ንኽእል።

እምበኣር፡ እቲ "ዓለምለኻዊ ኤርትራዊ ባይቶ" ብምቛም ዝርከብ ረብሓታት፡ ማእለያ የብሉን። ካብ ኮነ ድማ፡ እቲ ካባና ካብ ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን ዝድለ ቀሊል ኢዩ፡-

በብዘሎናዮ ከተማ ዘራኽበና ሽማግለ ጌርና ሓባራዊ ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ንዓና ዝውክሉ መራሕትና ምምራጽ፡ ብዘሎናዮ ሃገረ-ስደት ደረጃ ድማ ሓደ ሕጋዊ ኣካል ንመርጽ። እተን በብሃገሩ ዝቖማ ሽማግለታት ሓቢረን ከኣ፡ ብዓለማዊ ደረጃ ዝቐውም ሕጋዊ ዓለምለኻዊ ባይቶ ኤርትራውያንን መሪሕነቱን፡ ከቑማ ኢየን። እዚ ዝቐውም ኣካል'ዚ፡ ነቲ ዝመረጾ ህዝቢ ወኪሉ ዝነጥፍ ሕጋዊ ስልጣን ክህልዎ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ዋዕላ ወይ መስራቲ ዓለማዊ ጉባኤ ዝወጽእ ቅጥዕታት ድማ፡ ዕድመ ናይቲ ዝምረጽ መሪሕነት ይውሰን፡ ኣብቲ ዝቕጽል ጉባኤታት ድማ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ብዝምረጹ ኣባላት መሪሕነት ይትካእ።

ስለዚ ኩሉኹም ኣሕዋተይ ኤርትራውያን!

እቲ ፍታሕ ናይ ሃገርና፡ ኣብ ኢድናን ብኣና ኤርትራውያንን ኢዩ ዝውሰን። ምትእትታው ግዳማዊ ሓይልታት፡ ንሃገራዊ ረብሓታቶም ዝዓለመ ምዃኑ ክንግንዘብ ኣሎና። ከም ህዝቢን ከም ኩለን ሃገራትን፡ ወነንቲ ሃገራዊ ጉዳይና ምዃንና ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ምዕሩይ ዝኾነ ዝምድና ምስ ግዳማውያን ሓይልታትን ጎረባብቲን ክንግብር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ኣይንገዳዳዕ። ሃገርና ንምድሓን፡ ብቅኑዕ ሕልናን ብሓድነትን ንስራሕ። መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ዕላማ፡ ብምልካዊ ስርዓት ተጠሊሙ ኢዩ። ስርዓተ-ምልኪ ካብ ሃገርና ምሒና፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ብማዕረ መሰላቱ ዝሕለወሉ፡ ኤርትርዊ ኣብ ጉዳዩ ብዘይ ስግኣት ዝሳተፈሉ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈናን ቅዋማዊትን ኤርትራ ንምምጻእ ክንቃለስ ይግባኣና። እዚ ኢዩ ቀዳማይን መሰረታዊን ጠለብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ። ኩሉ ካልእ ጉዳያት፡ ድሒሩ ክስራዕ ዝግብኦ ስለዝኾነ ንግዚኡ ክውንዘፍ ኣለዎ። ነታ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ፡ ፍትሒ እተረጋግጽን እትዳኒን ሃገር ከይመስረትናያ፡ ነቲ ብኻልኣዊ ደረጃ ዝስራዕ ጉዳያትና ኣብ ዘይእዋኑ እናልዓልና፡ መፍትሒ ክንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና። ብኣንጻሩ፡ ናብ ዘይተደልየ ናዕቢን ምብትታንን እውን ክወስደና ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከይተፈለጠና ኣገልገልቲ ናይቲ ብምልካዊ-ስርዓት ዝጉስጎስ ፕሮፓጋንዳ ከምዝገብረናን ንዕድመ ናይቲ ጨፍላቒና ስርዓት ድማ ነናውሖ ከምዘሎናን ክንግንዘብ ይግባኣና።

ሓዳስ ዓመት 2018፡ ዓመት ለውጢ፡ ሰላምን ዕርቂን ትኹነልና።

ሓውኹም፡ ዮውሃንስ ጸጋይ።
ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ) 17/01/2018




Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

ስትራተiካዊ ዳግመ ኣሰላልፋ ዓለማዊ ሓይላታት (ብ'ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም) ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ 1ይ ክፋል

Tempo Afric TV (መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን) - Escalation of Tensions in the Red Sea and the Horn

ERI-TV: ቃለ-መሕተት ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ President Isaias Afewerki Interview (14 January 2018)

Mestyat Betna (መስትያት ቤትና) | Isayas " Game over! " (15 January 2018)