ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ እንታይ ንፈልጥ?

16/12/2017 13:38 PM

ዓምዲ ጥዕና

ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ እንታይ ንፈልጥ?

What do we know about AIDS?

ብ'ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር
by Mr. Yohannes Ferdinando Drar


Yohannes Ferdinando Drar


ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ እንታይ ንፈልጥ?

ኤች ኣይ ቪ/ አይድስ እቲ ኣብ ዓለምና ገና መድኃኒት ወይ ክትባት ዘይተረኽቦ፣ ንብዙሓት ሰባት ዝቐትል ዘሎ ብፍላይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ዓይነት ሕማም ኢዩ። እዚ ሕማም ብ1981 ዓ.ም. ካብ ዝፍለጥ ኣትሒዙ ልዕሊ 76 ሚልዮን ሰባት ተለኺፎም፣ ልዕሊ 35 ሚልዮን ከኣ ሞይቶም። ብፍላይ ንትሕተ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝያዳ የጥቅዕ ኣሎ።

ብ2016 ብዓለምለኻዊ ጥዕና ሕቡራት መንግስታት (W.H.O.) ዝተዋህበ ጸብጻብ ከምዚ ኢዩ።

• 36.7 (30.8-42.9) ሚልዮን ብኤች ኣይ ቪ ዝተለኽፉ ሰባት ኣለዉ።
• ሓደ ሚልዮን ሰባት ምስ ኤች ኣይ ቪ ብዝተሓሓዙ ሕማም ሞይቶም።
• ብፍላይ ደቐ ኣንስትዮን ቆልዑን በዚ ሕማም ተጠቒዖም።
• ልዕሊ 70% ኤች ኣይ ቪ ዘለወን ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢየን።
• ኣብ ኣፍሪቃ 54 ሃገራት ኣለዋ። ብዝሒ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኢዩ። ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም (2016) 7.4 ቢልዮን እዩ። ኤይድስ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ብፍላይ ኣብ መጀመርያ 80ታትን 90ታትን ንብዙሓት ሰባት ኣጥቂዑ። ምኽንያቱ ከኣ ብዘሎ ትሑት ኣፍልጦ፡ ድኽነት፡ ዘይምዕቡል ዓይነት ሕክምና፡ ኰናት፡ ብሰንኪ ባህላውን ሃይማኖታውን ጸቕጢ፡ ብቕሉዕ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድና ዘይምዝርራብ፡ ፍኑው ጾታዊ ዝምድና ምዝውታር፡ ከም ኣብነት ኮንዶም ዘይምጥቃም…ወዘተ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ሱዳን፤ ጁቡቲ፤ ብሓፈሻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዚ ሕማም’ዚ ብብዝሒ ይርአ። ልክዕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝግበር ዘሎ ትምህርታዊን ሕክምናዊን ሓገዛት፣ እቲ ቁጽሪ እንዳጎደለ ይኸይድ ኣሎ። ግን’ከ ምርባሕ እቲ ሕማም ገና ቀጻሊ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ካናዳን ኣሜሪካን ዝተኻየዱ ገለ መጽናዕቲታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምዝሕብርዎ፤ ቁጽሪ ወይ ብዝሒ ብኤች ኣይ ቪ አይድስ ዝተለኽፉን፤ ዝሓመሙን ኣለዉ። ገለ ካብ ዝጥቀሱ ምኽንያታት ከኣ፤

• ብቕሉዕን ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብን ብዛዕባ ኤች ኣይ ቪ አይድስ ዘይምዝራብ። ብውልቂ፣ ስድራቤታዊ፣ ወይ ማሕበራዊ ኣኼባ ብዛዕባ እዚ ሕማም’ዚ ዘይምዝታይ።
• ምስ ዝተፈላለዩ ስባት ፍኑው ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ወይ ምዝውታር።
• መርመራ ናይ ኤች ኣይ ቪ አይድስ ዘይምግባር።
• ካብዚ ናብ ሃገርና ወይ ካልእ ጎረባብቲ ሃገራት ንምብጻሕ ዝኸዱ ሰባት፣ ኣብ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ስለ ዝሳተፉ ንርእሶም በቲ ሕማም ተለኺፎም ንመጻምድቶም ኣመሓላሊፎም ዝሞቱ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝተለኽፉን ዝተታሕዙን መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ከም ዝኾኑ ጸብጻብ ዓለማዊ ማእከል ጥዕና ሕቡራት መንግስታት ይሕብር።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሕማም አይድስ ንምቁጽጻር ኣብ ማሕበራዊ፣ ሃይማኖታዊ ትካላት… ወዘተ ትምህርቲ ይወሃብ። ማሕበር ብድሆ ተመስሪቱ። ብኤች ኣይ ቪ አይድስ ዝሓመሙ ሰባት ሓገዝ ዝወሃቦምን፣ ትምህርቲ ዝቐስሙሉን፣ ንሕዝቢ ተመክሮኦም ዝለዋወጡሉን እዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ኤርትራ ሓዳር ክገብሩ ዝመደቡ ክልተ ሰባት ናይ ኤች ኣይ ቪ አይድስ መርመራ ከካይዱ ይግደዱ። እዚ ንምርባሕ እቲ ሕማም ይቆጻጸሮ ኣሎ። ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ ልዕሊ 70 ሽሕ ብኤች ኣይ ቪ ዝተለኸፉ ሰባት ኣለዉ። ቁጽሪ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ልዕሊ 5 ሚልዮን ይግመት።


ኣብ ካናዳ ኸ እንታይ ይመስል? ቁጽሪ ሕዝቢ ካናዳ ብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ቆጸራ ሕዝቢ (census) 36.3 ሚልዮን ኢዩ። ኣብ 2015 ኣብ ዝተገብረ ጸብጻብ ልዕሊ 100 ሽሕ ብኤች ኣይ ቪ ዝተለኽፉ ሰባት ኣለዉ። ካብዚ ቁጽሪ’ዚ ብብዝሒ ደቀባት ካናዳውያን፤ ከምኡ’ውን ግብረ ሶዶም (homosexuals) ዘዘውትሩ ሰባት፣ ጸለምቲ ናይ ኣፍሪቃን ካሪብያንን መበቆል ዘለዎም ሰባት ኢዮም።

ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፤ ካብ ውሽጢ ኣፍሪቃውያን፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም በዚ ሕማም ዝተለኽፉን ዝሓመሙን ዝሞቱን ኣለዉና። ኣብ ካናዳ ሓደ ብኤች ኣይ ቪ ዝተለኽፈ ሰብ፤ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻሙ፤ ንመጻምድቱ ክሕብር ይግባእ። እንተዘይሓቢሩ ግን ብሕጊ ኪሕተት ይኽእል። ሓደ ሰብ ኤች ኣይ ቪ ምስ ዝህልዎ፤ ሕክምናውን ምኽራውን ገንዘባውን ካልእ ሓገዛትን ይወሃቦ ። መሰሉን ግቡኡን ከኣ ብማዕረ ከም ካልኦት ዜጋታት ይሕሎ። ናይ ኤች ኣይ ቪ መርመራ’ውን ብምስጢር ኪካየድ ይኽእል።

ኤች ኣይ ቪን አይድስን እንታይ ፍልልይ ኣለዎም?

ኤች ኣይ ቪ ንሕማም አይድስ ዘምጽእ ቫይረስ ኢዩ። ኤች ኣይ ቪ ምስ ዝሕዘና መርመራ እንተዘይገበርና፣ እቲ ቫይረስ ኣብ ደምናን ሰውነትናን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ስለዝሕባእ አይድስ ኪሕዘና ኣይክእልን። ግን’ከ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ምስ እንፍጽም ናብ ካልኦት ከነመሓላልፍ ንኽእል።

ንኤች ኣይ ቪ ክሳብ ዘሎናዮ ጊዜ ክትባት ኣይተረኽቦን። ብዝግበር ሕክምናዊ ሓገዛት ሕሙማት ሰባት ንነዊሕ ጊዜ ኪነብሩ ይኽእሉ። ኤች ኣይ ቪ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ዓሌት፣ …ወዘተ የጥቅዕ። ብዝተፈላለየ መንገዲ ከኣ ይመሓላለፍ።

• ከም ብመንገዲ ደም፣ ካብ ናይ ክልቲኡ ጾታታት ናይ እዋን ርክብ ፈሳሲ ነገራት ማለት ርሕሚ፣ ብልዒት … ወዘተ ኢዩ።
• ካብ ናይ ዝሓመመት ኣደ ጡብ ንሕጻን… ወዘተ
• ብዘይ መከላኸሊ ወይ ኮንዶም ብፍኑው ጾታዊ ርክብ ምፍጻም፣
• ብዝተፈላለዩ መራፍእ ንናይ ወልፊ ጽምኣት፣ ከም ድራግ፣ ኮከይን… ወዘተ
• ዘይመኸነ መርፍእ ወይ ላማ፣ መላጸ ምስ እንጥቀም።

ብሓጺሩ ኤች ኣይ ቪ፣ ናይ ሕማም ደረጃ ምክልኻልና ምስ ደኸመ ናብ አይድስ AIDS (acquired immune deficiency syndrome) ይቕየር። እቲ ሕሙም ከኣ ምሉእ ጥዕናዊ መጥቃዕቲ የጋጥሞ ።

ምልክታት አይድስ

• ክብደት ሰውነት ምጉዳል
• ብብዝሒ ውጽኣትን ተምላስን
• ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ  ምስዓል (ሕማም ዓባይ ሰዓል)
• ሕበጥ ወይ ጽኪ  ቁስሊን ረኽስን ኣብ ኣፍን መልሓስን ቆርበትን
• ዝተፈላለየ ዓይነት ካንሰር ከም ናይ ቆርበት… ወዘተ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ዕድመ ሕሙም ዘንውሑ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ መድኃኒታት ኣለዉ። በዚ ቫይረስ ዝተለኽፈት ነፍሰጾር ኣደ ናብቲ ዘይተወልደ ዕሸል ሕጻን ኤች ኣይ ቪ ከይተሕልፍ ዝከላኸል እኹል ሕክምናዊ ሓገዝ ኣሎ።

ኤች ኣይ ቪ ምስ ዘለዎ ሰብ ብሓባር ብምጽዋት፣ ሰላም ብምብህሃል፤ ብሓባር መግቢ ብምብላዕ፤ ወይ እቲ ሕሙም ዝተጠቐመሉ መመገቢ ወይ መስተዪ ኣቑሑት ብምጥቃም፤ ዝተጠቐመሉ ዓይኒ ምድሪ (ሽቓቕ) ብምጥቃም፤ ብርሃጽ፤ … ወዘተ ኣይሓልፍን ኢዩ።

ሕማም ኤች ኣይ ቪ ከም ዘለዎም እንፈልጦም ሰባት ምስ ዝህልዉን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምልክታት ምስ እንርእየሎምን፣ ክንኣልዮምን፣ ግቡእ ምኽሪ ክንህቦምን፤ ካብ ተነጽሎ ክድሕኑ መንፈሳዊን ሞራላዊን ሓገዛት ክንህቦምን ይግባእ።

ሕማም ኤች ኣይ ቪ አይድስ ዘለዎ ሰብ እንታይ ኪገብር ኣለዎ?

• ቀጻሊ ሕክምና ምክያድ
• ነቲ ሕማም ከም ካልኦት ሕማማት ወሲዱ ምስ ፈተውቱን ቤተሰቡን ምውሳእ፣
• ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻሙ፣ ንመጻምድቱ ኤች ኣይ ቪ / አይድስ ከም ዘለዎ ምሕባር። ምኽንያቱ ንኻልእ ሰብ ነቲ ሕማም ከመሓላልፎ ስለ ዝኽእል። ነዚ እንተዘይገይሩ ብሕጊ ከምዝሕተት ክፈልጥ ኣለዎ።
• ብዝከኣል መድኃኒት፤ ምኽሪ ካብ ኪኢላታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ቤተ-ሰብ፣ ኣዕሩኽ .. ወዘተ ሓገዝ ምርካብ።
• ብዛዕባ ኤች ኣይ ቪ እኹል ትምህርቲ ምቕሳም።

ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ማእከል ጥዕና World Health Organization (W.H.O.) ብዛዕባ ኤች ኣይ ቪ / አይድስ ናይ ዝወሃብ ትምህርቲ፤ ሓገዛት፤ ጥቕምታት፤ ኣድላይነት ስለ ዝረኣየ፤ ካብ 1988 ዓ.ም. ጀሚሩ ታሕሣሥ (December) 1 መዓልቲ አይድስ ኢሉ ሰምይዋ። ኣብዚ መዓልቲ ድማ ኣብ ኩሉ ዓለም ስፊሕ ትምህርቲ ይወሃብ። ጸብጻብ ብዛዕባ ብዝሒ ሕሙማት አይድስ ኣብ ምሉእ ዓለም ከኣ ይግለጽ።

ኣብ ቶሮንቶ ይኹን ካልእ ከተማታት እውን ኣብዚ መዓልቲ መደባት ስለ ዝካየድ፣ ማዕከናት ዜና ምክትታል ኣገዳሲ ኢዩ።

ብ'ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር

ምንጪ ጽሑፍ፡-

ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ጥቅምቲ Oct 2017
http://kidanemhret.com/

ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር ብሶሻል ዎርክስ ብማስተርስ ዲግሪ ዝተምረቐን ኣብ ሆስፒታል ሮዮል ኦታዋ ዝሰርሕን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብሬድዮን፣ ጋዜጣን ብኻልእ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን እንዳተዘዋወረ ንኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋታትን ፍልጠቱን ሞያኡን ዘካፍል ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ። በዚ ዝስዕብ መንገዲ ከኣ ምርካቡ ይከኣል። ቴሌፎን 1-613-596-3040 ኢመይል: yohannes,drar@theroyal.ca


Share with friends:


See related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

HIV / AIDS Education and Awareness

Eritrea, Doctors interview on AIDS 1997 Tigrina