እገዳ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ ዮሃና! እገዳ ኢሳያስ ተሪፉና።

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/11/2018 20:09 PM

እገዳ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ
ዮሃና!
እገዳ ኢሳያስ ተሪፉና

ብ'ደስበለ መሓሪ

Sanction by Isaias Pending


እገዳ ሕቡራት ሃገራት ተላዒሉ ዮሃና! እገዳ ኢሳያስ ተሪፉና
ብ'ደስበለ መሓሪ

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተበየነ ናይ ዕደጋ ኣጽዋር፥ መገሻ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ንብረቶምን ዝምልከት እገዳ ተላዒሉ፣ ብታሕጓስ ዝውቃዕ ዘሎ ከበሮን ዝረአ ዘሎ ቅጥዒ ዘይብሉ ዝላን ዕንደራን ንግዜ ምግዳፍ ይሓይሽ። እቲ እገዳ ስለምንታይን ከመይን ተወሲኑን ከመይ'ከ ተተርጉሙን ብዙሕ ተዘሪብሉን ተጻሒፍሉን ስለዝኾነ ምድጋሙ ጊዜን ጉልበትን ኣንበብቲ ምጥፋእ ከይከውን ክሰግሮ መሪጸ ኣሎኩ። እቲ ሎሚ ከተኩረሉ ደልየ ዘሎኹ ጉዳይ እቲ ሰዓብቲ ስርዓት ኢሳያስ ደጋጊሞም ዘተንብህዎን ዝትስፈውሉን ዘለዉ ናይ ለውጢ ሕቶን ቁጠባዊ ህንጸት ሃገርን ክኸውን ኢዩ።

ሓቂ ኢዩ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ዕስራ ዓመታት "ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም" ሃውሁ ተዛዚሙ፥ መስርሕ ሰላምን ናይ ውዑላት ምፍርራምን ብቕልጣፌ ክሰላሰል ይርአ ኣሎ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከተማታት ኢትዮጵያ እንዳማረጸ ምምልላስ ዝውቱር ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ፡ ናበይ ከምዝኸውን ኣይፍልጥን'ምበር ቀጻሊ ዑደት ክህሉ ከምዝኽእል'ውን ምእማት ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይከውንን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እገዳ ሕ.መ. ተላዒሉ ኣሎ። ብመጎታዊ ኣዘራርባ መሰረት፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ንሕጊ ዝምእዘዝ ስርዓት ከይነግስ፥ እሱራት ከይፍትሑ፥ ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ሕጋዊ መኣዝኑ ከይሕዝን እቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ቁጠባዊ ሰረት ሃገርና ትንፋስ ከይመልስን ጎልባብ ኮይኑ ዝጸንሐ እገዳታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክለዓልን ሽግር ኤርትራ ኩሉ ክፍታሕን ብዙሕ ኤርትራዊ ዝጽበዮ ዘሎ ክውንነት ኢዩ። እዚ መስርሕ'ዚ እንተደኣ ክውን ኮይኑ ብዙሕ ጻዕርን ጊዜን ዝሓትት ምዃኑ'ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ምድራዊ ኣምላኽ ዘምልኽዎን ዝኣምንዎን ናብቲ ለዋህ ህዝብና ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእክቲ ነዚ ዝመስል ኢዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተዛረቦ ዘረባን ዘርኣዮ ዘሕፍር ባህርያትን፥ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ክሓልፍዎ ደልዮም'ምበር እቲ ዝህቦ ምልክታት ናብቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ዘምርሕ ኣይኮነን። ወይ ድማ እተን ለወሃት ኣዴታት ዝብልኦ ዘለዋ "እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ ጡፍ ጡፍ ኢሎም ዝተቐበልዎን ካባታት ዝኸደንዎን ዓበይቲ ዓዲ ስለዝፈወስዎ'ምበር" ከምኡ ኢሉ ክዛረብን እቲ ዘርኣዮ ተግባራት ከርእን ኣይክእልን ኢሎም ከመኽንሉ እንተዝፍትኑ'ኳ ምሓሸ። እቲ ሓቂ ከምዚ ኣደታት ዝብልኦ ዘለዋ ተፈዊሱ እንተደኣ ኮይኑ፣ ወይ ናብቶም ናይ ዓዲ ያዕቆብ ጠንቋሊ ወይ ድማ ናብቶም ካልኦት ዓማውልቱ ከይዱ ክሓዊ ምምካር ከድሊ ኢዩ።

እቲ ዝገርም ግን እዞም ጉጅለ ኣምለኽትን ሰዓብትን ኢሳያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ታሪኽና ጉዕዞ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ሓቅታት ኣዛሚዶም ብሓንጎሎም ክመዝንዎን ክመራመርሉን ዘይምኽእሎም፣ ንሱ ዘዝበሎ ክደግሙ ምንባሮምን ጥራይ ዘይኮነ ለውጢ ክምጽወተሎም ይጽበዩ ምህላዎም ዘተሓሳስብ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ጸፍሕታት መንግስትን ሃገርን ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት፣ ኣብ ኢሳያሳዊ ኣምልኮት ዘይኣምኑ፣ ብሃገራዊ ሓልዮትን ሓላፍነትን ተደሪኾም፣ ሓደ መዓልቲ ራህዋ ሰላምን ሃገራዊ ትንሳኤን ክመጽእ ምኳኑ ኣሚኖም ብተስፋ ዝነብሩን ዝሰርሑን ምህላዎም ዓቢ ተስፋ ኢዩ። እታ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ቀሪባ ከምዘላ ከይተገንዘብዋ ዝተርፉ ኣይመስለንን። ለውጢ ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ከምዘይኮነ፣ ኣብ ክውንነት ዝተሞርኮሰ ቃልስን ልዑል ተወፋይነት መስዋእትን ከምዝሓትት ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሎሚ ጉልባብ ኮይኑ ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ተቐንጢጡ ስለዝኮነ፣ ናይ ለውጢ መስርሕ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ክምጽወት እግርን ኢድን ኣጣሚርካ ምጽባይ፣ ልውህናን ዕሸልነትን ጥራይ ምኳኑ ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ። ብዛዕባ መንነት ኢስያስ ኣፈወርቂ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ትምህርቲ ክንወስድ ይግበእና።

እቶም መተዓብይቱ ዝትርኽዎ ናይ ንእስነቱ ታሪኽ ገዲፍና፣ ኣብ ቃልሲ ካብ ዝተጸንበረሉ ጊዜ ጀሚርካ ዘሎ ናይ 52 ዓመታት ጊዜ፣ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ደቂ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብቐረባ ዘዛረብዎ ወጻእተኛታትን ካብ ዝገልጽዎን ካብ ንባብን ትዕዝብትን ተበጊስካ ዝተዋህለለ ኣፍልጦ ስእሊ ባህሪ ኢሳያስ ምግምጋም ኣገዳሲ ኢዩ።

“እንተ ተበዲሀ ዝያዳ ዘይዕጸፍ(stubborn)፣ ዝያዳ ደረቕ (rigid) ኢየ ዝኸውን፣ ብጣዕሚ ስምዒታዊ ኢየ፣" Isayas Afeworki quoted in Dan Connell, Against all odds: a chronicle of the Eritrean Revolution, 1997, p 173፡

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብትዕቢት ዝሓበጠ፣ ብኣነ ይፈልጥን መን ከማይን መንፈስ ዝተመረዘ፣ ዘይርጉእን ዘይቅሱንን ኣእምሮ ዝውንን፣ ኣብ ነብሱ ዝቐርብ ነቕፌታ ከም ገበን ዝቖጽር፣ ንሽግር ብዘተን ዲፖሎማሲን ምፍታሕ ከምስዕረት ዝወስዶ፣ ተጠራጣርን ኣብ ካልእ ሰብ ምትእምማን ጨሪሹ ዘይብሉ፣ ሕድገት ዘይፈልጥ ብድርቅና ዝተመረኸ፣ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ኣዝዩ ዝጸልእ፣ ጨካንን ቂምተኛን ምዃኑ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ግብሪ ብዘርኣዮ ባህርያት ብዙሕ ኤርትራዊ ዜጋ ዝተገንዘቦ ሓቅታት ኢዩ። እዚ ባህርያት'ዚ እቶም ብፍቕሩ ዝዓወሩን ኣምለኽቱን ጨሪሾም ከምዘይግንዘብዎን ከምዘይተመሃርሉን ከይተደቀሰ ዝተሓልመ ኢዩ። ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዜጋታት ክንልግሰሎም ንኽእል ምኽሪ፣እቶም ኣሚነሞ ተጋዲሎም ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ዝማስኑ ዘለውን ይምቱ ይሃልዉ ዘይተፈልጡን ሃገራውያን ጀጋኑ፣ኣብ ፈቖዶ ስደት ብጥልመት ኢሳያስ እንዳተስቆርቆሩ ዝነብሩ ዘለዉ መራሕትን ተጋደልትን፥ ከምኡ ድማ "ካብ ዚኦምስ ደርጊ ምሓሸና" እንዳበለ ክራገም ዝውዕል ዘሎ ህዝብናን ትምህርቲ ክወስዱ ምሕባር ጥራይ ኢዩ።

እዚ ባህርያት'ዚ ምስ ስነኣእምሮኣዊ ኣተሃናንጽኡ ዝተኣሳሰረ ምንባሩ እቶም መተዓብይቱ ዝገልጽዎ'ኳ እንተኮነን፣ ኣብ ገለ እዋናት'ውን ብልጭ ዝብል ምንባሩ ክሕበር እንተጸንሐን፣ ብዝያዳ ጎሊሑ ክርአ ዝጀመረ ግን ካብ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ኣብ 2001 ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ቅድሚኡ ግን እቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተካየደ ሳልሳይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተለሞ ረቂቕ ውዲት ምግንዛብ ኣገድሲ ይኸውን። "እዚ ውድብ'ዚ ሓዱሽ ደም፣ ሓደስቲ መራሕቲ የድልይዎ ኣለው" ዝብል ቅቡልን ቅኑዕን ዝመስል ሓሳብ ብምጭራሕን፣ "ምድርራብ ሓላፍነታት (Incompatibility) ኣብ መንግስትን ውድብን ንስራሕ ኣሳልጦ ዕንቅፋት ከምዝኾነ" ብምእማንን፣ እቶም ክውጥርዎን ክወዳደርዎን ዝኽእሉ ነባራት ተቓለስቲ ካብ ፈጻሚ ኣካል ውድብ ከምዘግለሉ ገበረ፡ ብስም "ሓዱሽ ደም" ኣብ ቃልሲ ነዊሕ ተሞክሮ ዘይነበሮም፣ ክቃወምዎ ዘይደፍሩ ምእዙዛት "መንእሰያት" ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ናይቲ ውድብ ኣምረጸ። እቲ ክሳብ እቲ እዋን'ቲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሕቡእ ሰልፊ ከምዝፈረሰ ብምእዋጅ፣ ስልጣን መንግስቲ ናብቲ ንሱ ብቀሊል ክቆጻጸሮ ዝኽእል ፈጻሚት ሽማግለ ውድብ ብምስግጋር እቲ መንግስታዊ ትካላት ከልምሶ ጀመረ። ፖለቲካውን ቁጠባዊን መዝነት ትካላት መንግስቲ ናብ ውድባዊ መሪሕነት (ፈጻሚት ሽማግለ) ብምዝምባል ብዘይ ተቓውሞ ምልካዊ ኣመራርሓ ከስፍን ባይታ ከጣጥሕ ጀመረ።

ጉጅለ 15 ዘቕረብዎ ጠለብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክካየድን ህልውን ሕሉፍን ኩነታት ሃገርን ውድብን ተገምጊሙ ናብ ሓዱሽ መድርኽ ንምእታውን ቅዋም ንምትርጓምን ዘድሊ ስትራተጂ ክንሕጽጽ ዝብል ምንባሩ ሰነዳት ዘብርሆ'ኳ እንተኮነ፣ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ክብሩ ስለተደፍረን ስልጣኑ ስለተተንከፈን ኣብ ክንዲ ዘተ ሓይሊ መሪጹ ኣብ ዕራዒሮ ክዳጉኖም ወሰነ። ደገፍቲ ኢዮም ዝብሎም'ውን ኣሰረ።ጋዜጣታት ብምእጋድ ኣዳለውቲ ጋዜጠኛታት'ውን ብምቕፋድ ጸረ ዲሞክራሲ ባህሪኡ ኣረጋገጸ። በቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፋትን ዝተፍጥረ ምብርባርን ክሳብ ሽዑ ብህዝቢ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ እከይ ተግባራቱን ባህሩን ስለዝተቐልዐ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ቂምትኡን ቅርሕንቱን ንምውጻእ ናይ ምዕናውን ምፍራስን ውጥኑ ኣበገሰ። ኩሉ ትካላት መንግስትን ውድብን (ሃገራዊ ባይቶ፣ ቤት ፍርዲን ማእከላይ ባይቶ. . . ) ብምድስካል ምልካዊ ስርዓቱ ከስፍን ተተሓሓዞ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዘስምዑ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ጉልባብ እንዳፈጠረ ክኣስርን ክቐትልን ጥጡሕ ባይታ ኣንጺፉ ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ብፍቕሪ ዶክተር ኣብዪ ተማሪኹን ብጽልኢ ህ.ወ.ሓ.ት. ተላዕጢጡን ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ'ውን ኣብ ዘይንደልዮ ደልሃመት ክወስድ ከምዝክእል ምጥርጣር ባህሪ ኢስያስ ካብ ምግምጋም ዝብገስ ኢዩ። ምስ ብሄራት ኣምሓራን ኦሮሞን ተሻሪኹ ናብ ወይኔ ሓርነት ትግራይ ዘተኮረ ውዲታት ይኣልም ከምዘሎ ንኩሉ ብሩህ እንዳኮነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ኪዳን'ዚ ኣብ መንጎ ዝምድና ትግራይን ኤርትራን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ቀሊል ኣይክኸውን ኢዩ። ደጋጊሙ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምርግጋእ ኩነታት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ እናበለ ዝዝርግሖ ዘሎ መልእክቲ ናብ ምድምሳስ ህ.ወ.ሓ.ት ዝእምት ምዃኑ ምግንዛብ ዘሸግር ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን'ዚ ቀዳማይ ዕማም ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ብኣጀንዳ ዶክተር ኣብዪ እንዳተመርሐ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘወሰነ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምዕማም ምኳኑ ክሰሓት የብሉን። ንኤርትራ ዝምልከት ናይ ለውጢ ኣጄንዳ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ኣብ ሓንጎል ኢሳያስ ቦታ የብሉን።

ጎድኒ ንጎድኒ ናይዚ ፖለቲካዊ ኪዳን'ዚ ዝካየድ ዘሎ ኣጀንዳ'ውን እንተኮነ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ካብቲ ዝተሓተ ሸቐጣ ሸቕጥ ናይ መዓልታዊ ሃለኽቲ ኣቑሑት ጀሚርካ ናብቲ ዝለዓለ ናይ ምፍራይን ምጉዕዓዝን፣ ናብ ደገ ምልኣኽን ናብ ሃገር ምምጻእን ዘገልግል ሰራውር ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ነጋዶን ትካላትን ኢትዮጵያ ዝጠምር ፖሊሲ ተበጊሱ ከምዘሎ ርኡይ ኢዩ። ናይ መሬት፣ናይ ኣየርን ናይ ባሕሪን መጓዓዝያ ብናይ ኢትዮጵያ ነጋዶን ትካላትን ተዓብሊሉ ይካየድ ምህላዉ ሓቅታት ዘብርሆ ክውንነት ኢዩ።

ንምዃኑ እቲ ንዓመታት ኢሳያስ ዝተመክሐሉን ሙሉእ ዓለም ጸላእትና ክኾኑ ዝገበረን ኢሉ ዝግዕረሉ "ርእስኻ ምክኣል" ዝበሃል ቁጠባዊ ፖሊሲ ደኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣበይ ተሰወረ? ወይስ ንሕና ከይተረድኣና "ርእስኻ ምክኣል" ምስ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ውህደት ምስ ገበርና ኢና ንትርጉሞ ኢዩ ዝብለና ነይሩ? ወይ ድማ "ርእስኻ ምክኣል" ኣብዚ እዋን'ዚ ክንትርጉሞ ዘይከኣል ቁጠባዊ ፖሊሲ ስለዝኾነ ምስ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ውህደት ምፍጣር ጥራይ ኢዩ ዘዋጻኣና ዝብል ምርጫ ወሲኑ ኢዩ?

እታ ንዓመታት ቀዳመይቲ ጸላኢት ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ተቖጺራ ብዝገበረቶን ዘይገበረቶን መኽፈቲ ኣፍ ኢሳያስ ኮይና ዝጸንሐት ኣሜርካ፣ ስዑድ ዓረብን ኤሚራት ብምቕዳም ባይታ ድሕሪ ምጥጣሕ ናብ ኤርትራ ገጻ ትጥምት ኣላ። ኣብዚ ዝምድና'ዚ ኣቐዲሙ ዝርአ ነጥቢ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ትራምፕን ዘሎ ምምስሳልን ኣብ መንጎ ኢሳያስን ኦባማን (ቅዲሚኡ ድማ ክሊንቶን) ዝነበረ ፍልልይን ኢዩ። "ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ" ኢልካ ክስገር እኹል ዝገልጾ ይመስለኒ።

ዝምድና ኣሜሪካን ኤርትራን ድሕሪ ነጻነት ንገለ ዓመታት ጽቡቕ ምንባሩ ብዝተፈላለየ ሓቅታት ዝግለጽ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፍጥረ ኩናይ እቲ ዝምድና እንዳከፍአ ከምዝኸደ ይዝከር።
ኣብ 2002 ምስ ኣብ ኢራቕ ዝካየድ ዝነበረ ኩናት ተኣሳሲሩ ኣሜርካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ወታሃደራዊ መዓስከር ክህልዋ ምንቅስቓስ ትጅምር። ከም ተመራጺ ቦታ ጅቡቲን ኤርትራን ይጥመታ። ነዚ መደብ ናይ ኣሜርካ ኣብ ባሕርን ወደባትን ኤርትራ ንምእንጋድ "ስለምንታይ ኤርትራ ዘይትኸውን" “(Why not Eritrea?)” ዘርእስቱ ሰነድ ብምዝርጋሕ ቅሩብነታ ንምግላጽ ዘመተ ተዋፍር።

በዚ ጥራይ ከይተወሰነት ምስ ኣሜርካ ዝነበራ ዝምድና ንምምሕያሽ፣ ኣብ ወርሒ $50.000 (ኣብ ዓመት $600.000,00) እንዳከፈለት እተስርሖ፣ ግሪንበርግ ትራውሪግ (Greenberg Traurig) ዝበሃል ናይ ጠበቓታት ትካል ብምቑጻር ካብ 15 ማዝያ 2002 ክሳብ 14 ማዝያ 2003 ድሕሪ ምጽዓራ ከይተዓወተት ተረፈት፡ ምስቲ ኩሉ ባህርያውን ትሕተ-ቅርጻውን ብልጫታት ኤርትራ፣ ብርቱዕ ሃሩርን ምንእስን ጂቡቲ እንዳተፈልጠ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜርካ ኣብ ጅቡቲ ክትከል ተወሰነ። እቲ ቀንዲ ምኽንያታት ናይዚ ፍሽለት'ዚ ድማ

1. ዘይርጉእ (ተገላባጢ) መንፈስ፣ ጻሕታሪ ዝምባሌን ኣዕገርጋሪ(ተኹታኺ) ዞባን ዝኾነ ባህርያት ናይ ኢሳያስ

2. ርጉእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምእዙዝነትን ጅቡቲ

3. ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጥዑይ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ምስ ኢትዮጵያ ዘይምስምማዕ ምስ ኤርትራ ዘይምስማማዕ ምምራጾም ኢዩ።

እዚ ፈተነ'ዚ ድሕሪ ምፍሻሉ እቲ ንዓመታት ጸረ ኣሜርካን "ከደምቲ" ወያኔን እንዳበሉ ኣእዛንን ሓንጎልን ህዝቢ ኤርትራ ዘደንቆረ ዘመተ ዝተበገሰ፡
ኣብ መደምደምታ ምንጪ ኩሉ ጸገማት ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምንባሩን ምኳኑን ብኩሉ ህዝብና ርዱእ ክኸውንን ካብ ስልጣን ምእላዩ እንኮ ምርጫና ምዃና ክግንዛብን ይግበኣና።

ሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝዋረድ

ኢሳያስ ካብ ስልጣን ይውረድ።

ብ'ደስበለ መሓሪ

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝዛመድ ኣርእስቲ፡-

Eritrea, Peace at Last 1991. Documentary in Tigrina.
ሰነዳዊት ፊልም ብትግርኛ፡ ጎበጣ ኤርትራን ስዕረቶምን።

•   A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018).  



Share with friends: