ታሪኽ ቃልሲ፡ ጅግና ኣሕመድ ናስር መጽሓፍ ወጺኣ፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/11/2018 17:58 PM

ታሪኽ ቃልሲ፡

ጅግና ኣሕመድ ናስር

መጽሓፍ ወጺኣ።

The history of: Martyr Veteran Ahmed Nasser, Book is published

ግርማይ ገብረኣምላኽ (ጠበቓ)

ታሪኽ ቃልሲ፡ ጅግና ኣሕመድ ናስር፡ መጽሓፍ ወጺኣ፡

ታሪኽ ቃልሲ፡ ጅግና ኣሕመድ ናስር፡ መጽሓፍ ወጺኣ፡
ብ`ግርማይ ገብረኣምላኽ (ጠበቓ)

ታሪኽ ቃልሲ፡ ጅግና ኣሕመድ ናስር፡ መጽሓፍ ወጺኣ፡

መጽሓፍ ብዙሕ እዩ ዝጽሕፎ፡ ገለ ንዝና፡ ገለ ንገንዘባዊ ረብሓ፡ ገለ ክኣ ታሪኽ ክጠማዝዝን/ከቀናጁን ይጽሓፍ እዩ። ናይ ክቡር ኣቦ መንበረይ መራሕየይ ብጻየይን ስዉእ ሓርበኛ ኣሕመድ መሓመድ ናስር መጽሓፍ፡ ተስፋ እገብር፡ ተመክሮኡ ጅግንነቱ ለዉሃቱ ቆራጽነቱ ኣብ ህዝቡ ዝነበሮ ዘይዕጸፍ ፍቕርን፡ ሃገርና ሓራ ንምዉጻእ፡ ሕልሙ ነታ ነጻ ከዉጽኣ እሞ ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን ክዕምብበላ ዝተጸበያን ዝተቓለሰላን ሃገሩ፡ ምንዮቱ ከም ቃልሱ ከይተፈጸመሉ ምስዉኡ፡ ክመርረና ከሎ፡ ግን መስዋእቲ ኣብ ስደት ይኹን ኣብ ሜዳ ቃልሲ ዘይተርፍ ብምዃኑ፡ እንሆ እዚ ዘይርከብ ዕንቊ ባሕሪ፡ ብመስዋእቲ ሓሊፉ። ኣነ ብመደብ ምስ ብጻይ ኣሕመድ፡ ከም ናቱ ጽሓፊ ተመዲበ ስለ ዝተጋደልኩ፡ ሕጂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት መስዋእቱ፡ ገለ ዝፈልጦ ክብል ዝደረኸኒ ናይ ክቡር ስዉእ ኣሕመድ ታሪኽ፡ ጸብጺብካ ዘይዉዳእን፡ መጽሓፍ ዘይኮነስ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ እዉን ዝኣኽሎ ኣይኮነን።

ክቡር ብጻይ ኣሕመድ፡ ንነብሱ፡ ከም ሓደ ዓርሞሾሽ ዉድብ ዝመርሕ ብብጾቱን ኣባላት ሰራዊትን ክቡርን ዝልዓለ ብዓል መዝነትን ገይሩ ኣይርእያን፡ ከም ተራ ኣባል፡ ምሳና ኣባላት መሪሕነት ዘይኮንናስ ብፍላይ እቶም ብመደብ ኣብ ትሕቲ በ.ት ጽሕፈቱ ምስኡ ብመደብ ዝነብርና ኣባላት፡ ነቲ ንሱ ክፍርሞ ዝግብኦ ከቢድ ዉሳነታት፡ ምስ ብጾቱ እናተማኸረን እናተኻትዐን ይዉስንን የጽድቕን ምንባሩ፡ ክምስክረሉ ከለኹ፡ እዚ ዉድብ፡ ከምዚ ዝበሉ መራሕቲ ካብ ሃለዉዎ፡ መጻኢት አ.ርትራ ብሩህ ተስፋ ከም ዝነበራ ክትድምድም የኽእለካ።

ብዛዕባ ስዉእ ኣቦ መንበር፡ ብዙሕ ክብሃል ይክኣል፡ ግን ንግዘ.ኡ፡ ሓደ ሓደገኛ ኩነት ኣብ ዉድብና ተፈጢሩ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ምዑት ወድ ህዝቢ፡ ሂወቱ ወፍዩ ብከመይ ከም ዝፈትሖን ንምዝንታዉ እዩ።ዝበዝሐ ክፋል ታሪኽ ናይዚ ሞዑት ስዉእ ወድ ህዝቢ፡ ኣብ መጽሓፈይ ከዘንቱ ስለ ዝኾንኩ፡ ሕጂ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከስፍር፦

1) ኣብ 1977 ኣብ ዉሽጢ ዉድብና፡ 3ይ ጉባኤ ሰዉራዊ ባይቶ ዝወሰኖ ዉሳነን ኣብ ሰራዊት ሓርነት ዝነበረ ምምሕዳርዊ ሕቶታትን ዝመበገሲኡ፡ ከቢድ ቅሉውላው ተላዒሉ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቦጦሎኒ 149 ናይ ብማሕሙድ ዲናይ እትምራሕ ዝነበረት ሽግር፡ ናብ ፈጻሚት ሽማግለ መፍትሒ ንምድላይ ይቐርብ፡ ገለ ካብ ኣባላት ፈ/ሽማግለ ብብረት ክህረሙ ኣለዎም ዝብል መርገጽ ይሕዙ፡ ብጻይ ኣቦ መንበርን ምስ ርእይትኡ ዝሰማምዑ ክኣ፡ ሕቶታቶም ንስማዓዮም፡ ባዕለይ ከይደ ከዘራርቦም እየ ይብል። ክቐትሉኻ እዮም! እናተባህለ ከይዱ፡ ነቲ በጦሎኒ ኣዘራሪቡ፡ ናብ መስርዖም ክምለሱን ጉዳዮም ክፍታሕ ምዃኑ ተረዳዲኡ ይምለስ። እንተኾነ ጉዳዮም ክፍታሕን ኣቦ መንበር ክመጾም እናተጸበዩ ብሃንደበት ተኹሲ ተኸፊቱ ተሃሪሞም።

2) ካብዚ በጦሎኒ እዚ ናይ ጨዋይ ሓይሊ 36 ዝቑጽሮም ተጋደልቲ ሕቶታት ነይሩዎም ስለ ዘይተሰምዑ፡ ጉዳዮም ንኽስማዕን ኣቦ መንበር ክመጾምን ካብ ድፋዓት ወሪዶም፡ ኣብ ተኽረረት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንመጎራይብ ክወርዱን ጉዳዮም ክፍታሕን ተነጊሮም፡ ምስ ዕጥቆም ኣብ መጎራይብ ንሰለስተ ኣዋርሕ ይጸንሑ። እቲ ኣብ መጎራይብ ዝመደበሩ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ጉዳይኩም ክፍታሕ ሽማግለ ሃቡና ኢሉዎም፡ ሰለስተ ሽማግለ ይህቡ። ነቶም 33 ቃሎም ከይተሰምዑ ንሞት ይፍረዱ። እቲ ዉድብ ጽፉፍ ኣሰራርሓ ስለ ዝነበሮ ግን፡ ኣቦ መንበር ዉድብ ከይፈረመ፡ ብዝኾነ ጉዳይ ንሞት ዝተፈርደ ኣይቅተልን። በዚ መሰረት፡ እቲ ጉዳይ ናብ ብጻይ ስዉእ ኣሕመድ ይቐርብ፡ ፈ/ሽማግለ እዉን ኣኼባ ነይሩዎም፡ ገለ ኣባላት ክርሸኑ ኽቕተሉ ኣለዎም ክብሉ ከለዉ፡ ብጻይ ኣሕመድ ኣበደን! ኣይርሸኑን! ብምባል ይምክት። እቲ ብኣቦ መንበር ዝቐረበ መጎተ፦

1) በዲሎም`ዶ ኣይበደሉን ይጻረ፡

2) ክንድዚ ዝኣክል ተጋዳላይ እንተረሺንና፡ ህያብ ንደርግን ንሻዕብያን እዩ፡ ስለዚ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣጻርያ ትፈርድ ሽማግለ ትመዘዝ፡ ይብል። ናይ ክቡር ስዉእ ብጻይ ኣሕመድ ርእይቶ ይጸድቕ`ሞ፡ በዚ መሰረት፡እዞም ዝስዕቡ ተጋደልቲ፡-

1) ግርማይ ገብረኣምላኽ፡

2) ሓይለኣብ ዓንዱ፡

3) ዑመር መሓመድ፡ ይምዘዙ።

ብዝተዋህበና መምርሒ፡ ንመጎራይብ ተጓዒዝና፡ ኣጻሪና ነቲ ተዋሂቡ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ሰሪዝና፡ ኣብ ሓይልታቶም ከይዶም ክቕጽዑ ወሲንና፡ ጸብጻብና ናብ ክቡር ስዉእ ኣሕመድ ነቕርቦ። ስዉእ ብጻይ ኣሕመድ፡ ብሓጎስ ተቐቢሉ ብምጽዳቕ ሂወት ናይዞም 36 ተጋደልቲ የድሕን።


ግርማይ ገብረኣምላኽ (ጠበቓ)


Share with friends:

See also Related / ምስዚ ዝዛመድ፡-


Tv Eri adal v14(28/30) مراسم تشييع وتأبين القائد و الرمز الوطني أحمد محمد ناصر أستوكهولم 2014 03
ስነስርዓት ቀብሪ ዓቢ መራሒ፣ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር በቲ ኣጋጣሚ ንገድላዊ ሞያኡን ንዝነበሮ ክቱር ድሌት ኤርትራዊ ሓድነትን ዝገልጽ ናይ ብጾቱ ምስክርነትን


ስድራቤት ኣሕመድ ብትሪ እንጠልቦ
كتاب الشهيد أحمد محمد ناصر
Ahmed’s Family insists
Ahmed’s Family insists



Share with friends: