መንነትን፡ ተልመዴን ፖለቲካ ኣውራጃን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/12/2019 17:55 PM

መንነትን፡
ተልመዴን ፖለቲካ ኣውራጃን

(The Apprentices of Regionalist politics)

ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ

መንነትን ተልመዴን ፖለቲካ ኣውራጃን

መንነትን፡ ተልመዴን ፖለቲካ ኣውራጃን
ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ (Dr. Fitwi Wolday), Norway

እዚ ኣርእስቲ’ዚ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክላኻዕ ዝውዕል ኣርእስቲ ስለዝኾነ፡ ዘይሰምዖ እንተሃሊዩ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ ዝኸውን፡ ንሱ ውን ኢንተርነት ኣብዘይብሉ ቦታ ዝነብር ኢዩ ዝኸውን ኢለ እግምት። እዚ ዛዕባዚ፡ ኪንዮ ኣውራጃ ዝኸይድ ጠማሪ መንነት ስለዘለና፡ ንመብዛሕትና ክንዛረበሉ ዓዳሚ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ዛዕበኦም ዝገበርዎ ኤርትራውያንን ጓኖትን ስለዘለው፡ ቅኑዕ ሓበሬታን መኣረምታን እናሃብና ጉዳይና ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት የሰክመና። በዚ መንፈስ’ዚ ተላዒለ፡ ትዕዝብተይ በዘን ዝስዕባ ውሑዳት ሕጡበ-ጽሑፋት ክጥርንፍ ፈቲነ ኣለኹ። ኣብ ኤርትራ ንኣውራጃ ከም ኣሃዱኣዊ ናይ መንነት ባእታ ከቑሞ ዝኽእል ረቛሒ ኣሎ ዶ፧ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ብምፍታን ክፍልም ኢየ። ኣስዒበ፡ ኣውራጃውነትን ኣውራጃዊ ፖለቲካን ሓደ ቁራስ ናይ ዝዓበየ ኣዕናዊ ዘመተ ምዃኑ ከድህስስ ክፍትን ኢየ።

ንምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣውራጃ ዝምስረት መንነት ኣሎ ዲዩ፧

ናይ ነብሲ ወከፍና ሃገራዊ መንነት ኣብ ዝባን’ቲ መባእታዊ ማሕበራውን ከባቢያውን መቐረት ሂወት ዝቐሰምናሉ፡ ማለት፥ ብመወለድ ማሕበራዊ ቅርበት፣ ብዋንነት መሬት ከኣ ከባቢያዊ ቅርበት ዝህበና፡ ጸቢብ ጂኦግራፊያዊ ዝርግሐ ዘለዎ ከባቢ ኢዩ ዝስረት። ንሃገርና በቲ ዘዕበየና ባህሊ፡ ብኣነባብራናን ብልሳንና ኢና እንላለያ፣ ንገልጻ፣ ናትና እንገብራን ንፈትዋን። እዚ መሰረት መንነት ዝኾነ ጂኦግራፊያዊ ከባቢ፡ ካብ ኣውራጃ ብዝጸበበ ዓንኬል፡ ብዓዲ ኢዩ ዝቐውም።

ንዓዲ (ወይ ውን ኣብ ክሊ ሓደ ጂኦግራፊያዊ ከባቢ ዘለዋ ውሁዳት ዓድታት)፡ ቀንዲ ቀላሲ ዓንዲ መንነት ዝገብሮ፡ መነባብሮና፣ ሓዘንና፣ ሓጎስና፡ ኮታስ ንምሉእ ሂወትና ዝገልጽ ናይ ሓባር ረቛሒ (shared experience) ስለዝጥርንፍ ኢዩ። እቲ ንሓደ ብማሕረስ ወይ ብመጓሰ ዝናበር ህዝቢ ‘ኣልፋን ኦሜጋን’ ዝኾነ ዋንነት መሬት (መሬት ማሕረስ፣ ሕዛእቲ፣ መገሃጫ) እውን ብዓዲ ኢዩ ዝውነን (ብፍላይ ኣብ ከበሳ)። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝስረት ጥርናፈታት፡ በተን ናይ ሓባር ረቛሕቲ ዝጥመር፣ ብጆግራፊያዊ ስፍሓቱ ጸቢብ፣ ብዓይነቱ ከኣ ሲቪካዊ ኢዩ። እምበኣር፡ ኤርትራዊ ሂወትን መነባብሮን፡ ካብ’ቲ ስድራቤታዊ ጥርናፈ ምስዝሓልፍ ብዓዲ ወይ ከኣ ብብዙሕ ረቛሕቲ ዝጥመራን ቅርበት ዘለወንን ውሑዳት ዓድታት ደኣ እምበር ብኣውራጃ ወይ ብዞባ ኣይኮነን ዝጥርነፍ።

ኣብ ሞንጎ’ዚ ‘ዓዲ ዝመሰረቱ ብናይ ሓባር ረቛሕቲ ዝጥመር’ ዝበልክዎ ጥርናፈን፡ ኣውራጃዊ ውዳበን ምትሕንፋጽ ምእንቲ ከይፍጠር፡ መደላደሊ ክኸውን ምእንቲ ሓደ ነገር ከነጽር። ኩሉ ዓይነታት ከባቢያዊ ጥርናፈ ንጸይን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ብናይ ሓባር ረቛሕትን ሕሉፍን ዝጥመር፡ ምስ ዝዓበናሉ ዓዲ ወይ መበቆል ዝተሓሓዝ ስቪካዊ (ናይ ምትሕግጋዝ፣ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ወዘተ) ጥርናፈታት፡ ጽቡቕ ጥራይ ዘይኮነ ክተባባዕ ውን ዘለዎ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ህይወት ወዲሰብ ምልኣት ዝረክብ፡ ኣብ ማእከል ብምልከትን ብዕግበትን ዝዋስኣሉ ባህሊ/ልምዲ ተጠርኒፉ፡ ክሕጎስን ብልምዱ ንደቁ ክኹስኩስን ምስዝኽእል ኢዩ።

እቲ መንቅብ፡ እዚ ከም ሓድሽ ፍልጠት፡ ኣውራጃን ኣውራጃውነትን እናተባህለ ሎምቅነ ከዕብሉኸና ዝቐነየ ህቦብላ፥ ታሪኻዊ መወከሲታት ካብ ዘይምፍላጥ፣ ወይ ሰንኮፍ ሌላ ምስ ሕብረተሰባት ኤርትራን ገጠራዊ ናብራን ዘንቀሎ፣ ወይ ከኣ ምዕለቢኣ ከየጣለልካ ምስ ዝተበገሰት ‘ካሮሳ ፖለቲካ’ ምዝዋን ዘምጽኦ መዘዝ ይመስለኒ። መጎተኹም ምስ’ዚ ዝብሎ ዘለኹ ዘይቃዶ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣውራጃ፥ ክንደይ ሕጊ’ንዳባ ኣሎ፧ ክንደይ ውሁዳት ዓዳዊ መንነታት ኣለዋ፧ ኣብ ወሰናስን ዶባት ናይዘን ኣውራጃታት ዘለዋ ዓድታት፡ ካብተን ብጆግራፍ (ርሕቀት) ዝቐርብአን ኣብ ክልእ (ጎረቤት) ኣውራጃ ካብ ዘለዋ ዓድታት ብፍሉይ ኣርሒቑ፡ ናብ ውሽጢ ኣውራጅአን ዝጠምረን እንታይ ኢዩ፧ ዝብላ ሕቶታት እንተመሊስኩም፡ ኣውራጃ ከም ‘ባእታ መንነት’ ዝብል ምጉት ኣብ ግንናዕ ኢድኩም ክፍርሽሓኩም’ዩ። ሕጽር ብዝበለ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ንሓንቲ ኣውራጃ ከም ናይ መንነት ረቛሒት ክትከውን’ሲ ይትረፍ ንሲቪካዊ ጥርናፈ ዘብቅዕ ውህደትን፡ ካብ ጎረባብታ ዝፈልያ ናይ ሓባር ተሞክሮታትን (distinct internal homogeneity and shared experience) ሃሊዩዋ ኣይፈልጥን።

«ድኻስ ክንዲ ዝዓምም ይሓምም» ከምዝብሃል፡ ኣበሳ ከም ዝወሓደና ኣበሳ ከነናዲስ ከም ሕብረተሰብ የነውር ኢዩ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ዞባዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ እንተደኣ ዘይተቐቢልናዮ፡ ካብኡ ብዝሓሸ ትልሚ ደኣምበር፡ ካብኡ ብዝሓመቐ ብትኽታኽ ሓሳባት ኣይኮነን ዝትካእ። ኣምሳያ’ዚ፡ እቲ ንቕድሚት ከሰጉመና ዝኽእል ክትዓትን መርትዖታትን፥ ኣብ ምውሓስ ፖለቲካዊ ውክልና (representation)፣ ምውሓስ ተጠቃምነት ዓዳዊ ጸጋታት፣ ወዘተ፡ ዘተኮረ እንተዝኸውን ክንደይ ኮን መሰጎመና። እቲ ልዝብ ከኣ ሃናጽን ጠቓምን ምኾነ።

ምናልባት «ሰብ ብኣውራጃ እንተ ተወደበ’ሞ እንታይ ኣበር ኣለዎ፧» ንዝብል ለባም ሓታታይ፡ መልሰይ፥ እቲ ኣበሳ ኣብ ምጥርናፍ ዘይኮነስ ኣብ ዓይነት ጥርናፈ ኢዩ። ክልተ ሓገዝቲ ዝብለን ነጥብታት ክጠቅስ፥

1. ኣብ ኤርትራ፡ ኣውራጃ ከም መድለዪ ፖለቲካዊ ስልጣን ወይ ንኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘብቅዕ ታሪኻዊ ይኹን ህሉው ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማ ኣይጸንሐን። ስለዚ፡ ስነሞጎታዊ ባይታ የብሉን። ኣብዚ፡ ኣውራጃ ክብል ከለኹ ነተን ቅድሚ ናጽነት ዝነበራ 8 ኣውራጃታት ኢየ ዘመልክት ዘለኹ።

2. ከም ኩለን ትሕተ-ሃገራውያን (sectarian) ውዳበታት፡ ኣውራጃዊ ውዳበ ኣግላሊ (exclusive) ኢዩ። ኣግላሊ ውዳበ፡ ኣብ መዳውብቱ ፍርሕን ስኽፍታን ስለዘለዓዕል፡ መማዝንቲ ዝኸውን ካልእ ኣግላሊ ውዳበታት ኢዩ ዝዕድም። «ኣይጽዓድን! ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ውዳበ ጥራይ’ዩ ፈውሰይ» ዝብል እንተደኣ ሃሊዩ፡ ሳዕቤኑ ሳንዱቕ መርገም (Pandora box) ምኽፋት ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።

ነዘን ክልተ ነጥብታት ብሓንሳብ ጠሚረ ብኸምዚ ዝስዕብ ክድምድመን። ኣግለልቲ ፖለቲካውያን ውዳበታት ኣብ ዝሳዕረረሉ ፖለቲካዊ ባይታ፡ እታ ሓንቲ ወገን ኣብ ውዳበ ናይታ ካልእ ወገን ንረብሓታታን ክብርታታን ክትርእየን ስለዘይትኽእል፡ ብባህሪ ተሻመውቲ ይኾና። ከምዚ ዓይነት ውዳበ፡ ንዝወለዶ ክስዕምን ዝዘርኦ ክሓፍስን ዝብህግ ሕብረተሰብ ዝመርጾ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተልመዴን ፖለቲካ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሸርተኽ-በርተኽ (gambling) ሓሊፉ፡ ግዜና፣ ዓቕምናን ፍቕርናን ከባኽነልና እንተዘይኮይኑ ዘፍርየልና ስለዘይብሉ፡ ብኣግኡ ንለብመሉ።

እቲ ኤርትራዊ ማሕበራዊ ኣቃውማ፡ ከምዚ ኩልና እንፈልጦን ኣብ ላዕሊ ውን ቁሩብ ዝተናኸፍኩዎን እንከሎ ደኣ’ሞ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኡ እዚ ኩሉ ሓሸውየ፧ ዝብል ሕቶ ቅጅል ክብለና ናይ ወራዙት ይመስለኒ። ኣይን ራንድ (Ayn Rand) እትብሃል ደራሲትን ፍላስፋን፡ ኣብ ነንሓድሕዶም ዝገራጨዉ ምጉታት ንዘአንግድ ሰብ «መሰረታትካ ደጊምካ ፈትሽ (check your premises) » ዝብል ተግሳጻዊ ማዕዳ ትህብ። ኣብ ኤርትራዊ ባይታ መሰረት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ስነ-ሓሳብ ክጋዋሕ ክትሰምዕ ከለኻ፡ ኣንፈቱ ንምልላይ መሰረቱ ምፍታሽ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ጥርናፈ፡ መሰረቱ ጉድለት ንቕሓትን ጽበት ኣተሓሳስባን ዝፈልፈሎ ምጥምማት ኮይኑ፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ከኣ ምንጽጻል ምዃኑ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስክርና ኢዩ። ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ፡ ምስ ኩሉ ሓተላታቱ ካብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ዝረሓቐ ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ስለዚ፡ ኩሉ ኣብ ምንዳይ ፍትሒ ተጸሚዱ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ጉዕዞ መኣረምታ እናገበረን፡ ኣብ ዝባኑ ተላሒጎም ዘማስንዎ ዘለዉ ቁርዲድ እናነገፈን እንተዘይከይዱ፡ ንሞራላዊ ርዝነት ዘልዕሎም ዛዕባታት ከቆናጽቦ ከምዝኽል ኣይማታእን።

እቲ ዝያዳ ዘሻቕል፡ እቲ ዕምቆት ከምዚኦምን መሰልቶምን ዝኾኑ ሓሸውየታትን ወፈራታትን፡ ካብ ኣውራጃውነት ዝዓሞቐን፡ ምልክት (symptom) ናይ ዝዓበየ ሕማምን ምዃኑ ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ሕማም እንታይ ከም ዝመስል ንምእማት፡ ናብ’ዘን ዝስዕባ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ከጠቓልለን ዝፈተንኩ ወፍሪታት/ዘመተታት (campaign) ንመልከት፥

1ይ. ንኤርትራዊ ሓበኑ፣ ሓቦኡን ኒሑን ዘማህምንን ዘናሹን መብረ ዘይብሉ ኣሉታዊ ናይ መዲያ ወፍሪ (sustained negative campaign)። ኣብዚ ክጥቀሱ ዝኽእሉ፡ ስለያዊ ወይ ናይ ውሻጠ ሓበሬታ ብዘለዎም ከም ዝተረኽቡ ጌርካ ዝቐርቡ ምንጮምን ሓቅነቶምን ዘይንጹር ዘመተታት ኢዮም። ብትሕዝቶ፡ እንትርፎ ብኣካላት መንግስቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ክፋእን ዘስካሕክሕ ጭካነን፡ ዝኾነ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ኒሑ ንምብርባርን ንመንእሰይ ከኣ ትሕዝቶ ውርዙይ ስነምግባሩን እሩም ባህሉን እና’ዘኻኸርካ፡ መተካእታ ብልሹው ስርዓት ከም ዘናዲ ንምግባር ዝዓለመ መደባት፡ ንማሕላ ‘ውን ኣይርከበንን’ዩ። እቲ ኣቀራርባ፡ ብቕዲ (by design) ንኤርትራዊ መንነትን ሓቦን ዝድህኽ’ዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመተ፡ «ኤርትራዊ በዚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ገጢምዎ ብዘሎ ብርሰት ኣብ ቃንዛ (distress) ስለዘሎ፡ ደፋፊእና ናብ ቀቢጸ-ተስፋ ገጽና እንተ’ሳሊናዮ፡ ንመንነቱ ክምንኖ ይኽእል’ዩ። ድሕሪኡ ናብቲ ንሕና ዝሰናዕናዮ መንነት ከነእትዎ ይቐለልና» ዝብል ምዃኑ እኣምን።

2ይ. ካልኣይ ገጽ ናይዚ መንነትና ንምድሃኽ ዝግበር ዘመተ፡ ንኤርትራውያን ከም ህዝብን ሃገርን ብሓደ ዝጠምረና ታሪኻዊ ድሕረባይታና፡ ብዓቢኡ ከኣ ብረታዊ ተጋድሎና ንምንሻውን፡ መሰረታውያን ኣዕኑድ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምንቕናቕን ዝግበር ወፍሪ ኢዩ። እዚኦም ውን ካብ’ዞም ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዝጠቐስኩዎም ዝፈልዮም እንተሃልዩ፡ እቲ ቀንዲ ኣተኩሮኦም ኣብ ግዜ ብረታዊ ገድሊ ዝተሓጽረ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ ብስትራተጂ ብዙሕ ኣይፍለዩን ኢዮም። ብዛዕባ ኤርትራ፡ ዝሓፈሰ ይኹን ዝቐጠነ፡ እንትርፎ ኣሉታዊን ዘይእሩምን ዘመተ፡ ንኤርትራዊ ብጽቡቕ ዝገልጽ፡ ኮታስ ነዚ ኩሉ መሰናኽላት ሰጊርና፡ ርእስና ልዕሊ ማይ ጸብለል ከነብል ዘኽኣለና እሩም ባህሊን ጥቁው ስነምግባርን ዝጽየን ዘመተ የካይዱ።

3ይ. ጎኒ-ጎኒ’ዚ ንመንነትና ድሂኹ ንሓድሽ መንነት ክሓጽየና ዝህቅን ወፍሪ፡ ኣውራጃዊ ስምዒታት ምኹስኳስን፡ ኣውራጃዊ ጥርናፈ ከም መድለዪ ፖለቲካዊ መሰል ክኸውን ምድፋእን ኢዩ። ዕላምኡ ከኣ ስምረት ኤርትራውያን ብጓል መንገዲን ጫሌዳ ዘረባን ተገሪዙ ኣብ ሸቶኡ ንኸይበጽሕን፡ ውህደቱ ዝተዘርገ በዓል ድኩምን ዘየነይሕን ሃገራዊ መንነት ንምግባሩን’ዩ። ኣውራጃዊ ጥርናፈ፡ ብትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት እንተዘይተባዒጡ፡ ንፖለቲካዊ ውዳበስ ይትረፍ ንሲቪካዊ ጥርናፈ ዘብቅዖ ባይታ ውን ከምዘይብሉ ታሪኻዊ መወከሲታቱ ኣነጺሩ ዝፈልጥ ኤርትራዊ ኣይስሕቶን’ዩ።

4ይ. እቲ ራብዓይ ዘመተ፡ ጥርኑፍ ኣበርክቶ ናይዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን ሰለስተ ወፍርታት ክበጽሖ ዝህቅን ኮይኑ፡ ሓድሽ መንነት ንምምስራሕ ዝጽዕት ኢዩ። እዚ ወፈራ’ዚ ከም ሓሳብ/ፕሮግራም ንውሕ ዝበለ ግዜ ከም ዘሕለፈ’ኳ ዝንገር እንተኾነ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝቐንዐ ዘመተ ግን ኣግኣዝያን ብዝብል ዝተበገሰን ከባቢ 10 ዓመት ዘቑጸረን ዘመተ ኢዩ። ፍልስፍናዊን ታሪኻዊን መሰረታት ኣግኣዝያን ዝተዋልአን ዘይስጡምን ብምንባሩ፡ ከም መቐጸልትኡ ብስነ-ሓሳብ ብዙሕ ካብኡ ዘይፍለዩ ግን ከኣ ብሓድሽ ቅኒት ዝዝመሩ ‘ትግራዋይ መንነት’፣ ትግራይትግርኚ…፣ ወዘተ ዝብሉ፡ ሰብ ከጽምሙ ዝኸረሙ ሓደስቲ ሓረጋት ኢዮም። ብፍላይ እዚ ‘ትግራዋይ’ ዝብል መንነት፡ ፍልስፍናዊን ታሪኻውን መሰረታቱ ንምጽፋፍ ክሳብ ብሲምፖዝዩማትን ኮንፈረንሳትን ዝዕየየሉ ዘሎ ምዃኑ ብግህዶ እንርእዮ ዘለና ኢዩ። መንነትና ተዳሂኹ ምስረቐቐን ምስነብስና ምስተበኣስናን፡ መተካእታ መንነት ክኾነና ዝዳሎ ዘሎ ከኣ ይመስል።

ኣብዚ፡ መልእኽቲ ናይ ጽሑፈይ ምእንቲ ከነጽር፡ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቅስ እደሊ፥

ሀ. ኣግኣዝያዊ ውርሻ ይኹን ካልእ ታሪኻዊ ድሕረባይታ ኤርትራ ምፍታሽ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓበን’ዩ። እንተኾነ፡ እዚ ኣርስቲ’ዚ ተልመዴን ካድረታት ዘቋስልዎ ዘይኮነ፡ ብናይ ታሪኽን ስነ-ቅርስን (archaeologist) ተመራመርቲ ዝዕመም ኢዩ። ቋንቋኻን ባህልኻን ንምዕቃብን ምስጓምን፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ምስ ጎረባብቲ ኣህዛብ ብሓባር ዝግበር ምብርባራት ውን ከምኡ። ፖለቲካዊ ክውንነት ንምፍጣር ዘይኮነ፡ ግቡእ ማሕበራዊ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ክእለ ኢዩ ዝግባእ።

ለ. እቶም ሃገረ-መንግስቲ፣ ሃገረ-ቁጠባ፣ ሃገረ-ቆልቋል… ብዝብሉ ጥሙራት ቃላት ኣድራጋ እትትኩሱ፡ ኣብ ዘበን ዓውለማን ልዕልና ሕግን ኢና ዘለና’ሞ፡ ካብ መበል 14 ክፍለ-ዘበን ተበራበሩ። ድልዱል ሃገራዊ ቁጠባ ንክትሃንጽ፡ ሓደ ዝተምሳሉ (homogeneous) ሕብረተሰብ ዘይኮነ፥ ርግኣት፣ ዋንነት ንብረትን ጸጥታን ዘውሕስ ስርዓተ-ሕጊ ኢዩ እቲ ወሳኒ ረቛሒ። ቀጻልነት ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ ከተውሕስ ከኣ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረተ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ምኹስኳስ የድሊ፡፡

ሐ. ኣውራጃ፡ ከም ምምሕዳራዊ ባእታ (administrative unit) እቲ ህዝቢ ክሳብ ዝፈተወ፡ ብዝደለዮ መልክዕ ዳግመ-ስርርዕ ክገብረሉ ይኽእል’ዩ። «ኣይፋልን! መንነትናን ፖለቲካዊ ራኢናን ብኣውራጃና’ዩ ዝጥርነፍ» ዝበሃል እንተኾንይኑ ግን፡ እቲ ጥርናፈ ብኣውራጃ ዘይኮነ፡ ካብ ኣውራጃ ብዝተሓተ ባእታ ኢዩ ክፍጸም። ምኽንያቱ፡ ሓደ ኣውራጃ ብዙሓት መንነታት ስለዝሓቁፍ።

እዚ ኩሉ ጎስጓሳትን ወፈራታትን ብትሕዝቶኡ ንመጎተ ዘይበቅዕን ማይ ከዕቁር ዘይክእልን ‘ሚሐ’ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ’ዚ ፍትሒ ከነናዲ ብሓባር ክንጉዓዞ ዝግበኣና ጉዕዞ ግን ሰብ ይዕንቅፈልና ኣሎ። ኣብዚ፡ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ኮይኑ ዝስመዓኒ ጉድለት ንቕሓትና፡ ማለት፥ ናይ ሓባር ራኢና ኣነጺርና ከነለሊ ዘይምኽኣልና ኢዩ ኢለ እኣምን። ከም መርኣያ’ዚ፡ ልክዕ ከም ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት (cult) ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ተላዒልና ሆ! እንተደኣ ክንብል ዄንና፡ ናይ ሾበሮ ባህሊ ደኣምበር ፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ውዳበ ከነፍሪ ኣይክንክእልን ኢና። ምስ ዝተላዕለ ህቦብላን ዘራጊቶን ዝላኽዑ፥ ሱር ዘይሰደደ ኦም፣ ውዳቕ ኣቑጽልትን ዶሮናን ኢዮም። ኣብ ዝተበገሰ ሓሳባት ቅድሚ ምዕሳልና፡ እቲ ሓሳባት ናብ ናይ ሓባር ራኢና ከብጽሓንና ከምዝኽእል ክንመሚ የድልየና። ተማዓዲና ብሓልዮት ክንረአአን፡ ናይ ሓባር ራኢና ከነለልን እንተዘይክኢልና ግን፡ ብገዛእ ኢድና እምኒ መሰረትና ባሕጒግና፡ ዕጫ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊኡ ንዘሎ ደንጎላ ዝፍሕትር ሰብ ከይገጥመና፡ ኣዝየ እሰግእ።

ሰንኮፍ ኣተሓሳስባታትን ሓሰብቱን፡ ከም እከይ-መንፈስ (ድራኩላ) ኣብ ጸልማት ኢዩ ሰፈሮም። ንኽስስኑ ከኣ ከምቲ ብቋንቋ እንግሊዝ «fishing in troubled waters» ዝበሃል፡ ዝተዘርገን ዘይርጉእን ባይታ ይደልዩ። ዘይርጉእ ሃዋህው ንበልጽን ተበላጽን ባይታ ስለዝኸፍት።

ቀንዲ መለለዪ ኤርትራዊ፡ ብሃገራዊ መንነቱ ዝሕበንን ብለውሃት ዝተሓቛቖፍን ኢዩ። ታሪኻዊ መወከሲታቱ ዝተሓዋወሶ ሰብ እንተዘይኮይኑ፡ ነዚኣ ሓቂ’ዚኣ ዝዝንግዓ ኣሎ ኣይብልን። ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኣግላሊ ኣውራጃዊ ስምዒታት ከም ቀንዲ ዛዕባኦም ኣየአንግዱን ኢዮም ዝብል መደምደምታ ዘማትእ ኣይመስለንን። እንተኾነ፡ እቲ ለባምን ውርዙይን ዋና ጉዳይ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ተነቚቱ ክዛረብ ምርጭኡ ብዘይምዃኑ፡ እቶም ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ከም ቅጫ በሰሮ ‘ኣይብሱል ኣይብሒቕ’ ዝዓይነቱ፡ ዘይስጡምን ንሓድሕዱ ዝጋራጮን ግን ከኣ ሓደገኛ ማሕበራዊ ምህንድስና ዝፍትኑ ዘለዉ፡ ባይታ ከፊቱሎም ኣሎ። ብኣግኡ ግጉያትና ናይ ምእራም ሓላፍነት እንተዘይወሲድና፡ ከምቲ ፕላቶ (ግሪኻዊ ፍላስፋ) ቅድሚ 2400 ዓመታት ዘጠንቀቖ፡ ብኣተሓሳስብኦም ክንግለጽን ክንግዛእን ምዃንና ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ወድሓንኩም

ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ - 07 December 2019
Norway


Share with friends:


See also recent Articles by Dr. Fitwi Wolday ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ:-


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Open mic 08 February 2020. Interview with Dr. Fitwi Wolday. ቃ/መ ምስ ዶር. ፍትዊ ወልዳይ ሓምደ

Ngabae Broadcasting: ኤርትራዊ ሃገራዊነት፡ ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ዜግነትን
(Eritrean Nationalism, Eritrean Identity, & Eritrean Nationality)



Share with friends: