ሳዋ፡ "ሃገራዊት መሰልጠኒት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ"

09/08/2019 12:42 PM

ሳዋ፡

"ሃገራዊት መሰልጠኒት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ"

ጽሑፍ ብ'መሲናስ

ሳዋ፡ ሃገራዊት መሰልጠኒት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ሳዋ፡ "ሃገራዊት መሰልጠኒት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ"

ሳዋ! (ሃገራዊት መሰልጠኒት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ)

“ሳዋ እንተዘይትህሉ ነይራ፡ ንወራር ወያነ ኣይምተኸላኸልናዮን ኔርና!” ቃል ተመለኽቲ።

“ሳዋ እንተዘይትህሉ ነይራ፡ ወራር ወያነ ኣይመጋጠመን ነይሩ!” ቃል ኣይንምለኽን በሃልቲ።

ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ማለት ተመላኺ ይኹን ኣይምለኽን በሃሊ፡ ብልቢ ከስተውዕለሉ ዘሎዎ ዓቢ ነገር ኣሎ። እዚ ንገሌና ሰብ መሲሉ ዝረኣየና፡ ንገሌና ከኣ ድብያብሎስ ምዃኑ እንፈልጦ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዚተባህለ ውልቀ ሰብ፡ ኩሉ ግዜ ካብታ ብኤርትራውያን ዝተማህዘት ሰናይ ነገር፡ 1% ተጠቒሙ’ዩ እቲ 99% እከይ ግብሩ ዚፍጽም። ካብቲ ብዙሕ ሓንቲ ኣብነት ድማ “ሳዋ” እያ።

እዛ ኣብ ኣውራጃ ጋሽ-ባርካ እትርከብ መዓስከር ሳዋ፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ኣብ ሰብዓታት ኣቢላ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ዝተደኮነት ወተሃደራዊት መዓስከር ምዃና’ዩ ዝግለጽ። እታ ዞባ ጋሽ-ባርካ ደጀና ዝነበረ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ከኣ ክሳዕ መወዳእታ ህላወኣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ንመዓስከር ሳዋ ከም መዐለሚት ተጋደልቲ ከም ዝተጠቐመትላ ይፍለጥ። ካብ 1983 ዓ.ም. ኣትሒዙ ድማ እቲ ንጀብሃ ዘባረረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር (ሻዕብያ) ክጥቀመላ ጀሚሩ ማለት’ዩ።

ሳዋ ኣብ ወርሓት ሓደን ክልተን ብኣዝዩ ቆራሪ ኣየር፣ ኣብ ወርሓት ሓሙሽተን ሽዱሽተን ድማ ብኣዝዩ ውዑይ ኣየር እትልብልብ ምድረበዳዊት ቦታ እያ። ድሕሪ 1991 ዓ.ም. ናጽነት ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምርግጋጹ ድማ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ወይውን ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1994 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ንሳዋ ሃገራዊት መሰልጠኒት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (Eritrean Defence Forces Training Center) ንኽትከውን ሓርዩዋ ማለት’ዩ።

“ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሪር ስቅያት፡ ሰፍ ዘይብሉ ዕንወትን ጥፍኣትን ኣእትዩዎ ዘሎ መደብ፡ እዚ ሎሚ ኣቶ ኢሳያስ ብፍላጥ ኣባላሽዩዎ ዘሎ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ! ኣብ መጀመርያ ተስዓታት፡ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንመጻኢ ዕድል መንእሰያት ኤርትራ ዝትንክፍ ተኣፋፊ ነጥቢ ስለ ዝነበረ፡ ኩልና ሃገራውያን ኤርትራውያን ተገዲስናሉ ዝነበርና ዛዕባ’ዩ ነይሩ። ኣቶ ዘራጊቶ (ኣቶ ኢሳያስ) እውን ንውልቃዊ ረብሓኡን ዕላማኡን ስለ ዘገድሶ፡ ንሱውን ማዕረና ተገዲሱሉ ነይሩ እዩ።” ቃል ሚኒስተር ምምሕዳር ገንዘብ ነበር ጅግና ብርሃነ ኣብርሀ።

እዚ ሓሳብ’ዚ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ሕብረተሰብ፡ ማለት ጾታ ከይፈለኻ፡ ንኹሉ ብሓንቲ መስመር ከም ዝኸይድን ብሓንቲ ሓሳብ ከም ዝሓስብን ምግባር፡ ውልቀ ምልክነት ንምንጋስ እቲ ዝቐለለ መገዲ’ዩ። ተንኮለኛ ኣቶ ዘራጊቶ ድማ ነዛ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ብሳዋ ናይ ምምልማልን ሓንጎሉን ኣተሓሳስባኡን ናይ ምቊጽጻርን ሜላን ዕድልን እዚኣ ጽቡቕ ገይሩ ኪጥቀመላ’ዩ ወሲኑ።

ነዚኣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ግን ካልኦት ኣቐዲሞም ክትግበሩ ዝግባኦም ቅድመ-ኩነታት ነይሮም’ዮም። ንሳቶም ከኣ ክልተ መደባት’ዮም ነይሮም። 1ይ. ነዚ ብሳዋ ተመልሚሉ ዝሓለፈ ኣእላፍ መንእሰይ ኤርትራ ዘጓድልን ዘጥፍእን ኲናት ምምሃዝ፡ 2ይ. ድማ ነዚ ዕላማ’ዚ ኮነ ንኲናት ዝቃወሙ ዓበይትን ምሁራትን ሰበ-ስልጣናት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ምጥፋእን ምእላይን ከተግብር ነይሩዎ።

እቶም ሃገራውያን ኤርትራውያን (ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ነበር) ንሳዋ ከም ሓንቲ ንመንእሰያት ኤርትራ፡ ብኣካዳሚን ብሳይንስን ቴክኖሎጅን እተስተምህርን እተሰልጥንን ዓባይ ዩኒቨርስቲ መንእሰያት ኤርትራ ንኽትከውን’ዮም ሓሊሞሙላ ነይሮም። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ 1991 ዓ.ም. ንሳዋ ዝምልከት ሃገራዊ ኣዋጅ ብግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ወጺኡ፤ ብድሕሪኡ ነቲ ናይ 1991 ዓ.ም. ዘመሓየሸ ኣዋጅውን ኣብ ወርሒ መጋቢት 1994 ዓ.ም. ወጺኡ። እዚ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1994 ዓ.ም. ከኣ ተማሓይሹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ካልኣይ ኣዋጅ ዘማሓየሸ ኣዋጅ ኣብ 1996 ዓ.ም ወጺኡ።

እዘን ሰለስተ ንሓድሕደን ዝተመሓየሻ ኣዋጃት ሃገራዊ ኣገልግሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዙርያ፡ ን18 ኣዋርሕ ብሚኒስትሪ ምክልኻል እናተኣልየ ንሃገሩ ብናጻ ከገልግል፤ ብድሕሪኡ ግን ከም ዜጋ ባዕሉ ዝመረጾ መገዲ ክኽተል’ዩ ዝብል ነይሩ። በዚ መሰረት ከኣ እቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1994 ዓ.ም. ናብ ሳዋ ዝወረዱ ቀዳማይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣቐዲሞም ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ምስላጥ መስርሕ ረፈረንዱም ተሳቲፎም ኔሮም እዮም። "ሓደ ካብ 12-18 ኣዋርሕ ንሃገሩ ዘገልግል ዜጋ፡ ኣብ ውሽጢ ክሊ ዕድመ 18-40 ክኸውን ኣለዎ’ዩ" ዝብል ነይሩ እቲ ኣዋጅ። እዚ ዜጋ’ዚ ነተን ቀዳሞት ሽድሽተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይቐስመለን፣ እተን ዝተረፋ 12 ኣዋርሕ ድማ ንህዝቡን ንሃገሩን ብናጻ ንኸገልግለለን’የን ተመሪጸን።

እዚ ኹሉ ግን ኣቶ ዘራጊቶ፡ ኣብ 1994 ዓ.ም. ንግብኦም ዝፈጸሙ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀዳማይ ዙርያ ኪምርቕ ናብ ሳዋ ምስ ከደ፡ ነቲ ኣብኡ ዚረኣዮ ኣእላፍ ሓዊ ሓዊ ዝጨኑ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ሓዊ ጠቢሱ እንተዘይኣጥፊኡዎ ዕድመ ልክዑ ኣብ ስልጣን ኪቕጽል ከምዘይክእል 100% ንነብሱ ብምእማን፡ ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ነቲ ሰለስተ ዝተመሓየሸ ሕጋዊ ኣዋጃት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብኢደ ወነኑን ንበይኑን ባህ ከም ዝበሎ ክቐያይሮ ጀመረ። ነዚ ዓገብ ንዝበሉን መብርሂ ንዝሓተቱን ሰበ-ስልጣናት መስንግስቲ ድማ ካብ ቦታ ናይ ስራሕ እናቐያየረ ክጻብኦም ጀመረ። ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ድማ ንኲናት ብውሽጡ ኪዳሎ ጀመረ።

በዚ መሰረት ኣቶ ዘራጊቶ፡ ኣብ 1995 ዓ.ም. ምስ የመን ኲናት ከፊቱ። እዚ ናይ የመን ከምቲ ዚደለዮ ስለ ዘይከደሉ ድማ ካልእ ኲናት ኣብ ምድላይ ኣተወ። ኣብ 1998 ዓ.ም. ድማ ብዶብ ኣመኽንዩ ዲቕ ዝበለ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ብወግዒ ጀሚሩ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ድማ “ዶብና ከይተሓንጸጸ፡ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ከሎ፡ ወዘተ.” እናበለ መጥፍኢ ህዝቢ ኤርትራን መናውሒ ስልጣኑን ገይሩ ይጥቀመሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝፈለመ መዓስከር ሳዋ፡ ብኸምቲ ደቂ ሃገር መዲቦሞ ዝነበሩ ኣጋባብ እንተዝኸይድ ነይሩ፡ ንኤርትራ ሃገርናን ንህዝባን ብርግጽ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ምዕባለ ኣእትዩዎም ምሃለወ ነይሩ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ሓደ ሰብ ቅዱስ ዕላማኦም ተጨውዩ፡ ብኣንጻሩ እኩይ ዕላማ ሒዙ፡ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ጭው ዝበለ ድሕረትን ድኽነትን ብዓብይኡ ድማ ናብ ብርሰት ምብትታን ስድራቤታትን ኣእትዩዎ ይርከብ። ገለ ሰባት “ሳዋ እንተዘይጅመር ነይሩስ ሃገርና ካብ ወራር ወያነ ኣይመድሓናያን ኔርና” ኢሎም ዝሓስቡን ዝኣምኑን ኣለዉ። ሳዋ እንተዘይጅመር ነይሩ፡ ኲናት ምስ ወያነ ኣይምተኻየደን ነይሩ ኢሎም ግን ሓሲቦም ኣይፈልጡን እዮም።

ብሓጺሩ እምበኣር ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ጠንቂ ብተናን ጥፍኣትን ምውቕ ስድራቤቱን መንእሰያት ደቁን ዝኾነት መዓስከር ሳዋ፡ ምስቶም ብሳላኣ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ንኽኣርጉን ብዘይዝኾነ ሕግን ስርዓትን ባህ ዝበሎም ንኽገብሩን ብዓልቲ ውዕለቶም ዝኾነት ሳዋ፡ ንመበል 25 ዓመት ምስረትኣ ብዓቢ ፈንጠዝያን ሓጐስን ከብዕሉዋ ዝሸባሸቡ ዘለዉ ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ገለ ብዘይፍላጥ፡ ገለ ድማ ብግዴታ፡ ጠንቂ ጥፍኣቱን ድኽነቱን ንዝኾነ ብሩራዊ እዮቤል ሳዋ ንኽጽንብል ይሸባሸብ ኣሎ!

ካብ ሳዋ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተሓፍሰ ምህርቲ ግን፥ ኲናት፡ ሞት፡ ስንክልና፡ ዝኽትምና፡ ስደት፡ ምብትታን ስድራቤታት፡ ጭንቀት፡ ጥምየት፡ ጽምኢ፡ ማእሰርቲ፡ ጓህን ሓዘንን፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ ራዕዲ፡ ተስፋ ምቚራጽ፡ ብዓብይኡ ድማ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ባርነትን፡ ወዘተ. እንተዘይኮይኑ ካልእ እንታይ ጽቡቕ ነገር ዝተረኽበ ኣሎ? ነዚ ዳኣ ሓዚንካ ትበኽየሉ’ምበር ተዓጢቕካዶ ጓይላ ትገብረሉ ኢኻ!?

ካብ ሳዋ ንኣቶ ዘራጊቶን ኣገልገልቱን ዝተሓፍሰ ምህርቲ ከኣ፥ ዕድመ ልክዕ ስልጣን፣ ምቾት፡ ሃብቲ፡ ስኽራን፡ ዝሙት፡ ናጽነትን ሓርነትን፡ ዋንነት ሃገርን ህዝብን፡ ዕንደራ፡ ወዘተ. እዩ። ኩልና ኤርትራውያን ነዚ ሓቂ’ዚ ተገንዚብናን ካብ ህሉውን ወድዓውን ኩነታትና ተረዲእናን ንምልኪ ወጊድ ኢልና፡ ህዝባዊ መንግስቲ ተኺልና፡ ዝተጨውየ ዕላማ ሳዋ ብምምላስ፡ ሃገርናን ህዝብናን ብውሑስ ናብ ምዕባለ ንኽጓዓዙ ዘይንጽዕረሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ?

ኣብ ዓለም ብደማሒ (መላኺ) እትምራሕ ሃገር ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ዝሃለወ ሃብቲ ይሃልዋ ዝማዕበለት ሃገር የላን! ኤርትራ እውን ልክዕ ከምኡ ብውልቀ መላኺ እናተመርሐት ክትምዕብል ዝጸበዩ ሰባት እንተልዮም ብዛዕባ ባህርያትን ተጋባራትን መለኽቲ ምንም ኣፍልጦን እንዶን ዘይብሎም መሃይማን ወይውን ካብ ብዕራይ ብተይ ዝጽበዩ የዋሃት ጥራይ እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ውጽኢት ጉዕዞ ርብዒ ዘመን ሳዋ እምበኣር ብኣንጻር’ዚ ጉጅለ ሕሰም (ጉጅለ ህግደፍ) ዝገልጹዎ ዘለዉ ዕብየትን ምዕባለን ዕንወትን ድሕረትን’ዩ ኣኸቲሉ።


ፍረ ጻማ ሳዋ፥

ነቲ ርብዒ ዘመን ኲናትን ዕንወትን
እምበኣር ኢልኩሞ መኸተን ልምዓትን
ነቲ ርብዒ ዘመን'ወ ናይ ግፋን ማእሰርትን
እምበኣር ኢልኩሞ ክብርን ሓርነትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን ዘለማን ውርደትን
እምበኣር ኢልኩሞ መሰልን ክብረትን
ነቲ ርብዒ ዘመን'ወ ስደትን ፍልሰትን
እምበእር ኢልኩሞ ጥርናፈን ውህደትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን ሓዘንን ጸልማትን
እምበኣር ኢልኩሞ ብርሃንን ሽንሆትን
ነቲ ርብዒ ዘመን ድሕረትን ልምሰትን
እምበኣር ኢልኩሞ ምዕባለን ዕብየትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን ጥምየትን ጽምኣትን
ኣምበኣር ኢልኩሞ ጽጋብን ርውየትን
ነቲ ርብዒ ዘመን'ወ ጊላነትን ባርነትን
እምበኣር ኢልኩሞ ፍትሕን ሓርነትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን መዝመትትን ርስየትን
እምበኣር ኢልኩሞ መኽሰብን ሕውየትን
ንብረት ህዝቢ ምዕናው ትካላትን ቤትን
እምበኣር ኢልኩሞ ልምዓትን ህንጸትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን እገዳን ፍሽለትን
እምበኣር ኢልኩሞ ሓበንን ኩርዓትን
ነቲ ርብዒ ዘመን'ወ ዕንደራን ሽፍትነትን
እምበኣር ኢልኩሞ ምሕደራን ስርዓትን!?

ነቲ ምክልባት ህዝብን ተጋደልትን
እምበኣር ኢልኩሞ መኸተን ዓወትን
ነቲ ርብዒ ዘመን ማሕለኻን እልበትን
እምበኣር ኢልኩሞ ራህዋን ቅሳነትን!?

እቲ ዝኸዘንኩሞ ማይ ኣብ ራህያን ዲጋታትን
ፍረ ከይተረኽቦ ምህርትን እቶትን
ብከንቱ በሊዑ ገንዘብን ጉልበትን
ነበረ'ኮ ኮይኑ ብጸሓይን ድበትን!

ነቲ ርብዒ ዘመን ናይ ቅንጸላን ሞትን
እምበኣር ኢልኩሞ ምቾትን ህይወትን
ኣታ የብልኩምንድዩ ኣስሓኮን ሕፍረትን
ልብና'ኮ ኣዕዊርኩሞ ብጓይላን ሓሶትን
ቊሩብዶ የብልኩምን'ዩ ሰሃሮን ሓልዮትን
ከምዚዶ ኣሎ'ዩ መራሒ ንህዝቡ ዚብትን!?

ዋ ናይ ባርነት ትካል እያ!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ሓውኹም መሲናስ 05/08/2019


Share with friends:


See also other articles by Mesinas.
ካልኦት ብ'መሲናስ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት፡ ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ATV: መበል 25 ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዓይኒ ተሳተፍቱ - ዝርርብ ምስ ዮሴፍ ኣስመሮም 1ይ ዙርያ፡ ክብሮም በረኸት 5ይ ዙርያ:


Share with friends: