ዕርቂ ኣብ ኢስራኤል - ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

08/12/2019 22:15 PM

ዕርቂ ኣብ ኢስራኤል -
ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ

“ዳኛ ንዝበደለ ይቐጽዕ፡
ሕውነትን ስኒትን ኣሕዋት ግን
ብዕርቂ ይቕረን ይቕሬታን እዩ ዝመጽእ”

(Peace and reconciliation among Eritreans in Israel-a call)

ብ`ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ by Dr. Adane Ghebremeskel

ዕርቂ ኣብ ኢስራኤል

ዕርቂ ኣብ ኢስራኤል - ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ
(Peace and reconciliation among Eritreans in Israel-a call)
by Dr. Adane Ghebremeskel

ዳኛ ንዝበደለ ይቐጽዕ፡ ሕውነትን ስኒትን ኣሕዋት ግን ብዕርቂ ይቕረን ይቕሬታን እዩ ዝመጽእ

ብዛዕባ ባእሲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ነበርቲ ኢስራኤል ካብ ዝስማዕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ጎደናታት ተልኣቪቭ ብደናጉላ ክተሃራረሙን፡ ብዘይ ንሕስያ ክጭፋጨፉ ዘርኢ ስእልታትን ክንርእን፡ ዝነግር ወረታት ክንስምዕ ጸኒሕና ኢና። ነገራት ጥርዙ በጺሑ፡ እዚ ለንቅነ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ፡ ጭካነ ዝመልኦ ተግባራትን ናብ ማህሰይቲ ኣካላትን፡ ጥፍኣተ ነብሲ ኣስዒቡ ድሮ ሂወት ንጹሃት ሰባት ሓሊፉ ኣሎ። በቲ ናይ ፍትሒ ኣካል ናይ’ታ ሃገር ክግበር ዘለዎ ክግበር ምዃኑ ፍሉጥ ኮይኑ፤ እቲ ቤት-ፍርዲ ዝህቦ ብይን ፍትሒ ዘልብስ ክኸውን ትስፍዋት ኢና። ነቶም ቅድምሒጂ ዝተፈጸሙ ገበናት እውን ግቡእ ሕጋዊ መዕለቢ ክረኽቡ ንጸውዕ።

በቲ ኮነ በቲ ግን ንስድራ መዋቲ ወሪድዎም ዘሎ መከራ ከቢድ ስለስኾነ፡ ኣምላኽ ጽንዓት ይሃቦም። ንመዋቲ ድማ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ። ነቲ ኣካላዊ ማህሰይቲ ወሪድዎ ኣብ ሕክምና ዘሎ ሓውና ድማ፡ ምሕረቱ የውርደሉ። ነቶም ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ሕማቕ ምዓልቲ ዝዋዓሉ ካኣ፡ ኣውሪዶሞ ዘለዉ ማህሰይትን በደልን ተኺሎሞ ዘልዉ ደም፡ ተረዲኦም ብተግባሮም ክጥዓሱን፡ ንንስሓን፡ ንይቕሬታን ንኻሕሳን ልቦም ክኸፍቱ ኣምላኽ ይሓግዞም። ምኽንያቱ፡ ዝኹነ-ይኹን ፍልልይን ዘይምርድዳእን ይንበር፡ ነቲ ዝተፈጸመ ኣብ ዝኾነ ይኹን ህሞት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወዲ-ሰብ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ወሪዱ ግን፡ ኣይረድ!

እቲ ጉዳይ ኣስፊሕካ ምስ ዝርኣይ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን መንእስያትና ኣብ እስራኤል ክኽሰት ዝጸንሐን፡ እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ንኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ኢስራኤል ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ክሳራ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ውርደትን ውድቀትን እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዓዶምን ኣብ ስደትን፡ ኣይጥዓሞምን። ብጭንቀት ኣእምሮ ተዋሒጦም፡ መዓልቦ ንቡር ናብራ ስኢኖም፡ ምስ ነብሶምን ነንሕድሕዶም ክብኣሱን ክናቖቱን ጸኒሖም እዮም። ብዘለውዎ ኩነተ-ህላወ፡ መንእስያትና መሳርሒ ገሊኦም ከይኾኑ እውን ኣይተረፉን። ኣብ’ዚ ንድሕነቶም ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ማዕረ እቲ ጸገም ወይ ሽግር ኣይኮነን። ክንስሕቶ ዘይብልና ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ኣብ መንጎ መንእስያትና ዘጋጥም ዘሎ ሕማቕ ነገራት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ካብ ነዊሕ ክስዕርር ዝጸንሐ ባእስን ጽልእን ግን፡ ሱሩ ነዊሕን ጠንቁ ዓሚቕ፡ ሳዕቤኑ ካኣ ኣዝዩ ሃሳዪ ምዃኑ ክንግንዘብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ክፍጸም ዝጸንሐ ኣስካፊ ኩነታት፡ ኣብ ኢስራኤል ጥራሕ እውን ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይክኸውንን እዩ። ምልክት ፍርሰት ከም ህዝቢ ንልለየሉ ስርዓተ-ክብርናን፡ ነዚ ድሮ ተዳኺሙ ዘሎ ማሕበራዊ ጥምረትናን ሃገራዊ ሓድነትናን፡ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ከውርድ ተኽእሎ ሰለዘለዎ፡ ነቲ ከም ህዝብን ሃገርን ዘለናዮ ተኣፋፊ ኩነታትና ብሓባር ንኸይንዋጽኦ ዕንቅፋት ክኸውን ሰለዝኽእል፡ ለባማትናን ክኢላታትናን፡ ዘድሊን ዝግብኦን ኣትኩሮ ሂቦም፡ ብቕጽበት ክሰርሕሉ እዋናዊ ጻዊዕትን ምሕጸንታን ነቕርብ።

እወ! ዝውሃብ ፍርዲ ፍትሒ ዘልብስ ክኸውን ድልየት ኩሉ ኾይኑ፡ ነቲ ጠንቅን ሳዕቤንን ግን መፍትሒ ኣይክኸውን እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ሽማግለ ኣቦ ንኽልተ ብቕትለት ነፍሲ ዝተኻሰሱ ሰብ-ነገር ክሽምግል ከሎ ዝበልዎ ይዝክር፡ “ዳኛ ንዝበደለ ይቐጽዕ፡ ሕውነትን ስኒትን ኣሕዋት ግን ብዕርቂ ይቕረን ይቕሬታን እዩ ዝመጽእ”። ሕጂ’ውን፡ ቤት-ፍርዲ ኢስራኤል ብመሰረት ስልጣኑ ዝህቦ ብይን ክህሉ እዩ። እቲ ናብ’ዚ ኩነታት ዘብጽሐ ጠንቅታትን ሳዕቤናቱን ግን ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ኢና ክንፍውሶ ዘሎና። እቲ ባእስን ቅርሕንትን ካብ’ዚ ዘለዎ ከይባኣሰ፡ ናብ ሕነ-ምፍዳይ ከይበጽሐ፡ ለባማትን ክኢላታትን ተበግሶ ክወስዱ ብኣጽኑዖት ንምሕጸን!

ብርኢቶይ ነዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ መስርሕ ዕርቂ ሓሳባተይ ክቕርብ ፍቐዱለይ፡

1. ሓሙሽተ ዝኣባላታ ናይ ዕርቅን ሕውነትን ሽማግለ ትመስረት። 2ተ ኣባት ካብ ውሽጢ እስራኤል 2ተ ኣባላት ድማ ካብ እስራኤል ወጻኢ፡ ከምኡ`ውን ሓደ ካብ ውሽጢ ዓዲ (ተኽእሎታት እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ)። እዚ ሕርያ ንልቦና፡ ተሞክሮ፡ ዕድመን ትምህርትን ኣብ ግምት ዘእተወ እንተኾነ ይምረጽ።

2. እዛ ሽማግለ ገለልተኛ ትኹን። ዝኾነ ይኹን ንስርሓን ንዕላማታታን ዝዕንቅፍ ጸግዒ (Bias) ከም መትከል ተወግድ። ኣብ ዝኸይድ ገበናዊ ፍርዲ መስርሕ ዝምልከት ርእይቶ ካብ ምሃብ ትቑጠብ።

3. እታ ሽማግለ፡ ናብ መንእስያት ጥራሕ ዘተኮረ ማኣዲ ልዝብን ዘተን ከፊታ፡ ናይ ዕርቂ መስርሕ ተሰላስል። እቲ ኣብ መንጎ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ጉዳይ ክትርኢ ስልጣን ኣይህልዋን።

4. እታ ሽማግለ ምስ ኩሎም ንስርሓ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ማሕበራውን መንግስታውን ባእታታትን ትካላትን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ትዘራረብን ትላዘብን።

5. እታ ሽማግለ ስርሓ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ትውድእ።

6. ስርሓ ብዓወት ንምዝዛም ዘድልያ ገንዘብ፡ ብደልይቲ ጽቡቕ ሰብ-ጸጋ ኤርትራውያን፡ ይልገስ።

እዚ መስርሕ እዚ ክኸይድ ከሎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ነባሪ ኢስራኤል፡ ነዛ ሽማግለ ደገፉ ክገብረላ ኣገዳሲ እዩ። ኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዘሎ ካኣ ንድሕነትን ስኒትን እዞም መንእስያትን ሃገርናን ብምባል፡ ነዛ ሽማግለ ብዝኽእሎ መገዲ ክድግፋ የድሊ። ኪንዮ ምሕጋዝ ንኣብ ኢስራኤል ዘለው መንእሰያታና፡ ዓወትን ተመኩሮን እዛ ሽማግለ፡ ንጽባሕ ንኣትዎ ናይ ዕርቅን ስኒትን መስርሕ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ከም ህዝብን ሃገርን ከተስነቐና ሰለዝኾነት፡ ከም ሃገራዊ ዕማም (ፕሮጀክት) ክንርእያን ክነዐውታን፡ ኩልና ሓላፍነት ኣሎና። ሰለ’ዝኾነ ካኣ፡ እቲ ዝናኣሰን ዝዋሓደን ክንገብሮ ንኽእል፡ ክፉት ልበን ሰናይ ድልየትን ሃልዩና፡ ካብ ኣጓሃሃርን፡ ኣባኣሲን ዘረባን ጽሑፋትን ክንቁጠብ እዩ።

ሓውኩም

ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ

ታሕሳስ 2019

Read in PDF ብ PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ፡


Share with friends:

See also recent Articles by Dr. Adane Ghebremeskel ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ተኪኤ:-


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

National dialogue and reconciliation, is a basis and objective of a national movement.
ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን፡ መሰረትን ዕላማን፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ።
Seminar by: Dr. Adane Ghebremeskel ሰሚናር ብ` ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል
Paltalk Harnet discussion room: 27 September 2014

Recorded live by snitna.com



Share with friends: