PTSD and Autism

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

27/08/2018 22:55 PM

ዓምዲ ማሕበራዊ ምኽሪ

ብዛዕባ፡- Post-traumatic stress disorder (PTSD)
and Autism
ብኪኢላ ስነኣእምሮን ማሕበራዊ ጉዳያትን

መንእሰይ ኣድሓነት ዘርኣብሩክ
ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣትላንታ (Aug 2018)

ኣድሓነት ዘርኣብሩክ

ዓምዲ ማሕበራዊ ምኽሪ - ብዛዕባ፡- Post-traumatic stress disorder (PTSD) and Autism - ብኪኢላ ስነኣእምሮን ማሕበራዊ ጉዳያትን - መንእሰይ ኣድሓነት ዘርኣብሩክ፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣትላንታ Aug 2018

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት (Dec 2010)፡ 'ኪኖ’ቲ ጸቢብ ኣጠማምታ ከነማዕዱ ኣሎና' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሓጺር ጽሑፈይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ፡ መስከረም.ኔት ከምኡውን መርበብ ኣሰና.ኮም ወጺኡ ነይሩ። ገለ ካብቲ ሽዑ ዝነበረኒ ትምኒት ኣብቲ ጽሑፈይ ተንጸባሪቑ ነይሩ፡- (1) ሰላምን ዕርቂን ኣብ ውሽጥና ምስፋን .....ኣብ ቁጽሪ (7) ድማ፡ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብዘየገድስ ከም ህዝቢ ብሓደ ኮም ንጠርነፍን ባህልና ንዓቅብን፡ ዝብል ንኡስ ኣርእስትታት ዝሓዘት ኢያ ነይራ። ኣብታ ጽሑፈይ፡ እቶም እነካይዶም ፈስቲቫላት፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዝሓቑፉን፡ ንኹሎም ሞያውያንን መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን (እንከላይ ወከልቲ መንግስቲ) ብናጻ ምስ ህዝቦም ተራኺቦም ዝመኻኸሩሉን መድርኻት ዝኸፍትን፡ ህዝቢ ድማ ብዝዕባዚ ዝመሃረሉን ሕቶታቱ ብናጽነት ዘቕርበሉን መድርኽ ክኸውን፡ እቲ ፈስቲቫላት ብባህሪኡ ህዝባዊ ክኸውን ከምዝግብኦን፡ ተላብየ ነይረ። ነዚ መልእኽቲ'ዚ ከመሓላልፍ ዘገደደኒ ድማ፡ ነቲ ብስም "ፈስቲቫል ኤርትራ" ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ናይ ህግደፍ ፈስቲቫላት፡ ብዘዋህለልኩዎ ትዕዝብቲ፡ ማለት፡ ኣግለልቲ ፈስቲቫላት ምዃኖም፡ ድሕሪ ምስትብሃለይ ኢዩ ዝነበረ።

እነሆ ሕጂ ሕልመይ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ። ፈስቲቫላት ኤርትራውያን፡ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ደስ ዘብል ኣንፈት ሒዙ ክኸይድ ጀሚሩ ኣሎ። ንኹሎም ኣሳታፊን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ሓቛፊን፡ ኤርትራዊ ካብ ሓድሕዱ ዝመሃረሉ መኣዲ ክኸፍትን ይርአ ኣሎ። ኣገናዕ ቀጽልዎ እናበልኩ፡ ናብቲ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ማለት ብዛዕባ ኪኢላ መንእሰይ ኣድሓነት ዘርኣብሩክ፡ ክብሎ ዝደለኹ ክወስደኩም፡-

ንመንእሰይ ኣድሓነት፡ መጀመሪያ ዝተላለኹዋ፡ ኣብ ፌስቡክ ኢየ። በቲ ንህዝቢ እተቕርቦ ዝነበረት ቀጥታዊ ንኹሉ ብእንካን ሃባን ዘሳትፍ መደባታ ድማ ተመሲጠ። ብዝሒ ናይ ቀጥታ ሰዓብታ ኣብ ውሽጢ ካልኢታትን ደቓይቕን ናብ ኣማኢታት ይድይብ፡ ናብ ሓደ ሽሕ ይበጽሕን ይሓልፍን ሓደ ሓደ እዋን። እዚ ድማ ህዝብና ካብ ሓድሕዱ ክመሃር ክሳብ ክንደይ ጽምኢ ከምዘለዎ ዘመልክት ኢዩ። ሽዑ ብመሰንጀር መልእኽቲ ሰዲደላ፡ ብኸመይ ናብ ዩቱብ ክትሰቕሎ ከምእትኽእልን እቲ ኣስተምህሮኣ ድማ ብዝያዳ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ከምዝኽእልን ድማ ገሊጸላ። ኣይደንጎየትን ተግቢራቶ ድማ። ካብኡ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም ኣብቲ ግቡእ ዓምዲ፡ እቲ ናይ ዩቱብ መርበባ ተሰሪዑ ይርከብ። ኣድሓነት ዘርኣብሩክ ብ' Human Development Counseling- Clinical at University of Illinois Springfield ዝተማህረት፡ ከምኡውን Past: Blackburn College and St. Elizabeth Academy (St. Louis).ዝተሞከረት መንእሰይ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኢያ። ሓንቲ ኣብነት ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ንሕብረተሰበን ዘገልግላ ዘለዋ ኤርትራውያን ድማ ኢያ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብነት ክትኮኖም በዓል ሙሉእ ተስፋ ኢየ።

ናይቲ ኣብዚ ዓመት'ዚ (August 2018) ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣትላንታ ዝሃበቶ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናር እምበኣር፡ ብመርበብ ኣሰና.ኮም ተሰኒዱ ዝቐረበ፡ ኣብ ታሕቲ እነሆ፡-

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ድማ ንኹሉ ኤርትራዊን እቲ ብቋንቋታት ትግርኛን እንግሊዘኛን ዝዛረብ፡ ነዚ ትሕዝቶ ክመሃረሉን፡ ብቐጻሊ ክከታተሎን ክዕድም ደስ ይብለኒ። ከም ኣዳላዊ መርበብ ስኒትና.ኮም ድማ ንኣድሓነት ደጋጊመ የቐንየልና ኣጆኺ ቀጽልዮ ክብላ ይደሊ። እቶም ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣትላንታ ድማ የቐንየልና፡ ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም፡ ነዚ ቅዱስ ተበግሶ በብዓመቱ እናዕዘዝኩሞ ክትከዱ ይላበወኩም፡ ከምኡ'ውን ንኹሎም ተማሳሳሊ ፈስቲቫላት ኤርትራውያን ዝወደቡ፡ ንኣብነት ኣብ፡- ደንቨር ኣመሪካ፡ ኣብ ካናዳ፡ ከምኡ'ውን ኤውሮጳ።

ኣገናዕ ኣድሓነት! ቀጽልዮ እቲ ዝነኣድ ተበግሶኺን ህዝባዊ ኣገልግሎትኪን።

ደጊም፡ ፈስቲቫላትና፡ መራኸቢናን መምሃሪናን ባይቶታት ኢየን ክኾና።

ሕልመይ ተጋሂዱ!

ህዝባዊ ባህርይ ፈስቲቫላትና፡ ከም ህዝቢ፡ ወትሩ ክንሕልዎን ከይብከል ክንከላኸለሉን ኣሎና!

ሓውኹም፡ ዮውሃንስ ጸጋይ
ኣብ ክንዲ www.snitna.com
(27 Aug 2018)

VOICE OF ASSENNA: Atlanta Festival 2018 - Health Seminar by Adhanet Zerabruk - Aug 2018


Share with friends:

See also Related / ተመሳሰልቲ ምዕዶን ሓበሬታታትን፡-



Share with friends: