ኣብ ሕቶ ሃገርን ሃገራውነትን ዝጽበየና ብደሆታት

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

20/02/2020 22:28 PM

ኣብ ሕቶ ሃገርን ሃገራውነትን
ዝጽበየና ብደሆታት

On Nationhood and Nationalism
The Challenges awaiting.

ብ`ደስበለ መሓሪ

ኣብ ሕቶ ሃገርን ሃገራውነትን ዝጽበየና ብደሆታት

ኣብ ሕቶ ሃገርን ሃገራውነትን ዝጽበየና ብደሆታት

ኣብዚ እዋንዚ ሕቶ ሃገርን ሃገራውነትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ኣካታዒን ኣሰካፊን ሕቶ ኮይኑ ይረአ ከምዘሎ ዝከሓድ ሓቂ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዋፊሩ ዘሎ ዘየቋርጽ መሰልከዪ መደባት ምግንዛብ እኩል መረጋገጺ ኢዩ።

ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት (ተቃወምቲ) ኮኑ፣ ደገፍቲ መንግስቲ፣ካብ ዝተፈላለየ መኣዝናዊ ኣጠማምታ ተበጊሶም ስግኣቶም ከቃልሑን ስክፍታኦም ከስምዑን ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ፡፡ እቶም ደገፍቲ መንግስቲ፣ ሃገርን ሃገራውነትን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ ብምክንያት ደለይቲ ፍትሒን(ተቃወምቲ መንግስቲ) ብወያኔን ኢዩ ብማለት ንነብሶም ነጻ ከውጽኡን ዝያዳ ፈተውቲ ሃገርን ሃገራውያንን ኮይኖም ክረኣዩን ይጽዕሩ። ደለይቲ ፍትሒ ብወገኖም ድማ ሓደጋ ናይ ሃገርን ሃገራውነትን እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጸቢብ ጉጅለን ደገፍቱን ምኳኖም የረጋግጹ። ውጽኢቱ ድማ ኣብ ክልተ ጫፋት ኮንካ ኣብ ምጥምማትን ሃገርን ሃገራውነትን ክትውንን ኣብ ምውንጅጃልን ናእሽቱ ሕቶታት ኣልዒልካ ዕንክሊል ኣብ ምባልን ንቕጽል ኣሎና። ኣብ ሃገርን ሃገራውነትን ዘለና ኣረዳዳኣ ምስ ምቅዋምን ምድጋፍን መንግስቲ ክተኣሳሰር ኣይግበኦን። ብዝተሓተ ደረጃ ኣብዚ ሕቶዚ ናይ ሓባር ኣጠማምታ ክህሉ መባእታዊ ምልክት ክኸውን ነይርዎ። እታ ናይ ሎሚ ኤርትራ ከመይ ተሃኒጻን ማዕቢላን ሎሚ'ኸ ከመይ ኣላ ኣብ ዝብል ርድኢት ናይ ሓባር ኣረኣእያ ክህልወና ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣፈጣጥራን ኣመዓባብላን ሃገር ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ፣ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ፣ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ካብ 1890 ክሳብ 1908 ኣብ ዝተካየደ መስርሕ ናይ ጂኦግራፋዊ ግደባን፣ ሕልኽልኽ ብዝበለ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ዳይናሚክስ (ሃይማኖታዊ፣ዓሌታዊን ማሕበራውን ቀጸላታት) ዘተኮረ መግዛእታዊ ፖሊሲታት(ስጉምትታት) ዝተቀርጸት ሃገር ኢያ። ኣፈጣጥራን ኣመዓባብላን ሃገረ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዶም ብዝወራረሱን ዝመላልኡን ክልተ መስርሓት ከፊልካ ክርአ ይከኣል።

1. ምቕራጽ ሃገር – Nation-Building – እዚ መስርሕ'ዚ እቲ ካብ 1890 ክሳብ 1908 ዝተፈጸመ፣ ነቲ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ኣሃዱታት (ህላዌታት) ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ውሁድ መሬታዊ (ጂኦግራፋዊ) ህላዌ ንምምጻእ ዝተካየደ ጻዕሪ ዝምልከት ይኸውን፡ ምስ ገዛእቲ ሓይልታት እንግሊዝ፣ግብጽን ፈረንሳን ድሒሩ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ብዝተፈረመ ውዑላት መሰረት ጂኦግራፋዊ ዶባት ኤርትራ ክሕንጸጽ ተካኢሉ።ጎድኒ ንጎድኒ ድማ እቲ ኣብ ሓደ ጂኦግራፍያዊ ክልል ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝህልዎ ምትእስሳር ንምድልዳልን ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ (ፖለቲካል ኮሚኒቲ) ምህናጽን ይቅጽል፡፡ ምቕራጽ ሃገር ኣብ መንጎ ህዝብን ኣብ ሞንጎ'ቲ ጂኦግራፋዊ ክልልን ዘሎ ዝምድና ዝገልጽ መስርሕ ኢዩ፡ ሓደ ጂኦግራፋዊ ክልል ድሕሪ ምቕራጽ " ነቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት፣ዓሌት፣ ቋንቋን ባህልን ወዘተ ዘለዎ ህዝቢ ምቅርራብን ናይ ሓባር ረብሓ ከምዘለዎ ናብ ምእማንን ደረጃ ክዓቢ ይጅምር፡ ከም ምፍጣር ሃገራዊ ባንዴራ ፣ሃገራዊ መዝሙር፣ሃገራዊ በዓላት፣ሃገራዊ ቋንቋ …ወዘተ ብዘኣመሰሉ ምልክታት ተሰንዩ ድማ ይምዕብል። ኣብ ውሽጢ'ቲ ህዝቢ ናይ ሓባር ስምዒት ክሰፍን ይጅምር'ሞ፡ ናይ ሃገራውነት መባእታዊ ኣንፈት ክቕልቀልን ክዓብን ይረአ።

2. ምህናጽ መንግስታዊ ወይ ምምሕዳራዊ ትካላት ( State Construction) - እዚ መስርሕ'ዚ መቐጸልታን መመላእታን ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምቅራጽ ሃገር ኮይኑ እቲ ኣብ ሓደ ውሁድ ጂኦግራፋዊ ቅርጺ ዝተጠምረ ህዝቢ ዘድልዮ መሰረታዊ ጠለባት ንምምላእን ኣብ ሂወቱ ምምሕያሽ ንምምጻእን ዝግበር ጻዕሪ ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ከተማታት ምምስራትን ምስኡ ዝከይድ ምምሕዳራዊ ትካላት ምህናጽን፣ናይ መጓዓዝያ ትሕተ ቅርጺን ናይ መራኸቢ መስመራት ምዝርጋሕን፣ ናይ ጸዓት ኣገልግሎት ምምንጫውን ዝኣመሰሉ ስጉምትታት የጠቓልል። እዚ መስርሕ'ዚ ኣብቲ ዝተፈላለየ ኣካላት ሕብረተ ሰብ ምቅርራብን ውህደትን ብምፍጣር ዝምድና ኣብ ምድልዳልን ሃገርን ሃገራውነትን ኣብ ምህናጽ ዘበርከቶ እጃም ብርቱዕ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። መግዛእቲ ጥልያን በዚ መስራሓት'ዚ ሰጊሩ ሃገር ኢርትራ ከምዝፈጠረን ስምዒት ሃገራውነት ከም ዝሃነጸን ክስሓት ዘይከኣል ታሪካዊ ሓቂ ምውሳዱ ይከኣል። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ነዚ መስርሕ'ዚ ከካይድ ዝደረኾ ምክንያታት መግዛእታዊ በትሩ ንምዝርጋሕን፣ ቁጠባዊን ስትራተጂካዊን ረብሓታቱ ንምድልዳልን ምኳኑ ርዱእ ክኸውን ይግባእ፡ ይኹን እምበር መግዛእቲ ጥልያን ምምሕዳሩ ንምስፋሕን ንምድልዳልን ዝተከተሎ ፖሊሲ ካብቲ "ፈላሊኻ ግዛእ" ዝብል ሓፈሻዊ መትከል መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝተፈልየ ኣይነበረን።

ስትራትጂ መግዛእቲ ጥልያን ነቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ ናይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ቋንቋን፣ሕግታትን ብዙሕነት ብምምዝማዝ፣ መንጎኛ (ማእከላይ ወገን) መሲልካ ብምቕራብ እቲ ውሽጣዊ ናይ ሕድሕድ ዝምድናታት (ፍልልያት) ብዙሕ ከይቀየረ፣ ንኩሉ ብምፍታው (ብምሕቋፍ) ደገፍ ረኺቡ ዕብለልኡ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ከምዝነበረ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብዚ ረቛሒታት'ዚ ዝተምርኮሰ ብግዜን ብኩነታትን ዝቀያየር ተዓጻጻፊ ፖሊሲ ብምክታል ነቲ ሕድሕዳዊ ዝምድናታት ከይለወጠ መግዛእታዊ ስርዓቱ ከደልድል ክኢሉ ኢዩ። መግዛእቲ ጥልያን ናይ መቓቒልካ ምግዛእ ፖሊሲኡ ንምዕዋት ዝተጠቕሞ ሜላታት ብዙሕን ረቂቕን እኳ እንተነበረ፣ ካብቲ ብዙሕ ገለ ንምጥቃስ ግን ፣ ሕግታት እንዳባ፣ ስርዓት ዋንነት መሬትን፣ መበቆል ትውልድን ናይ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረተስብ ኤርትራ ደቂቕ መጽናዕቲ ምክያድ ይርከብዎም። ታሪኽ ሂወትን ዝምድናታት ሰበስልጣንን መኳንንቲን ከበሳታት ኤርትራ ዝምልከት ብዙሕ ሓቅታት ብምእካብ ውጥኑ ንምትርጓም ሰፊሕ ኣፍልጦ ከዋህልል ክኢሉ ኢዩ። እተን ቀንዲ ኣተኩሮ ዝገበረለን ሰለስተ ኣገደስቲ ሕቶታት ግን፣

1. ሃይማኖት
2. ዓሌት
3. ቋንቋ ኢየን።

1. ሃይማኖት- ኣብ ሕብረተስብ ኤርትራ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ከም ሓደ ፖለቲካዊ መንነት ዝርአ ረቛሒ ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ፡ ይኩን እምበር ካብዚ ክልተ ሃይማኖታት'ዚ ዝለዓለ ቦታ ሒዙ ዝጸንሐ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሃይማኖት ብምንባሩ ማዕርነት ናይዚ ክልተ ሃይማኖታት ብሕጊ ከምዝረጋግጽ ምግባር ግድነት ነበረ፡፣ኣብ ውሽጢ ኣመንቲ ምስልምና (መታሕት) ዝነበሩ ዓሌታት ዝጸንሐ ማሕበራዊ ፍልልያት ምትዕርራይ'ውን ነቲ ዝሓስቦ ስትራተጂ ኣገዳሲ ረቛሒ ስለዝነበረ ክፈትሖ ወሰነ። ነዘን ክልተ ሃይማኖታት ከም መሳርሒ ማሕበራዊ ውህደትን ምንጪ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ስልጣንን ክጥቀመለን ጥጡሕ ባይታ ፈጠረ። ኣብ ከበሳ ቤትክርስትያን ተዋህዶ ሃይማኖት፣ኣብ መታሕት ድማ ሃይማኖት ምስልምና ዓብለልቲ ኮይነን ክቅጽላ ከውሕስ ከኣለ፡ ኣብዚ ክርሳዕ ዘይግበኦ እቶም ሚስዮናውያን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን'ውን ከይተረፉ ዕድል ናይ ምስፍሕፋሕ ክርኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብቲ ቤትክርስትያን ተዋህዶን ሃይማኖት ምስልምናን ዘይኣተውኦ ቦታታትን ኣብ ሚስዮናዊ ቤት ትምህርታትን ጥራይ ክንቀሳቐሱ ተሓጺሮም ተረፉ። ካብዚ ተፈላጥነትን ነጻነትን'ዚ ዝብገስ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ናይ ኣመንቲ ምስልምና ማሕበረ ኮማት ክቖማን መባእታዊ ናይ ንኡስ ብርጅዋ ምቅልቃል ከም ዝተራእየ ይግምገም – ወልደልኡል ቀላቲ )(Colonialism and the Construction of National Identities; The case of Eritrea ገጽ 263.)

2. ዓሌት – ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ሕብረተሰብ ኤርትራ ብብዙሓት ርእሰን ዝከኣላን ኣብ ነንሕድሕደን ኣብ ኩናት ዝኣትዋን ዓሌታት ዝቆመ ምንባሩ ብሩህ ኢዩ። ዓሌትነት ከም ኣገዳሲ ረቛሒ ናይ መንነት ይውሰድ ከምዝነበረውን ካልእ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ኣተሃላልዋ'ዚ ምስ ባህርያዊ ናይ መሬት ኣቀማምጣን ምስ ኣገባብ ማእቶትን ዝተኣሳሰር ብምንባሩ ካብዚ ኩነታት'ዚ ዝብገስ ሕድሕዳዊ ምጽባእን ምውጋእን ቀጻሊ ነበረ። ኣብ መንጎ ሰዓርን ተሳዓርን ዘይማዕርነታዊ ዝምድናታት ክፍጠር ናይ ግድን ብምንባሩ ሰላማዊ ሃዋሁ ክፍጠርን እቲ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይ ዝምድናታት ምምሕያሽ ክግበረርሉ ነቲ ክሃንጾ ዝደሊ ዝነበረ ስርዓተ ቁጠባ ኣገዳሲ ነበረ። ነቶም ኣብቲ እዋንቲ ዝተሓተ ደረጃ ሒዞም ዝርከቡ ዝነበሩ ክፋል ሕብረተሰብ ከም ቢለን፣ኩናማ፣ዓፋርን ሳሆን፣መሬትን ማይን ንምብሓት ብወገን ኢትዮጵያን ብወገን ግብጺን(ሱዳን) ዝመጽኦም ዝነበረ ጎነጻዊ ዘመተ ብምክልኻልን ምስ ጎረባብቲ ማሕበረሰባት ዝጸንሐ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልይ ዝፈጠሮ ግርጭታት ናይ መኳንንትን ተገዛእትን ዝምድናን፣ ናይ ሃይማኖታት ምምዕርራይን ካልኦት ለውጥታት ብምትእትታው እቲ "ሰላም ግዝኣት" “Pax Colonica” ኢሉ ዝጸውዖ መድርኽ ተዛዘመ። ድሕሪ ውሱን እዋን ድማ ምስቶም "ሓለቓታት" ብዝተፈጠሮ ተዓጻጻፊ ምሕዝነትን ምድግጋፍን ከም መሳርሒ ክጥቀመሎም ጸገም ኣየጋጠመን፡ ካብኡ ሰጊሩ ንመግዛእታዊ ምምሕዳር ወጻኢ ንምሽፋን ብዝብል ጉልባብ ቀረጽ ምእካብን ውህደት ኣብ ምፍጣርን ዓቢ ተራ ክጻወቱ ተራእዮም። ዋሕስ ስኒት ኣብ ሞንጎ ዓሌታት ብምጉልባብ ምሉእ ምቁጽጻርን ዕብለላን ከርጋግጽ ክኢሉ።

3. ቋንቋ – ኣብ መንነትን ኣብ ዝምድናታት ሕብረተስብን ቋንቋ ዘለዎ ተራ ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኮነን፡ መግዛእቲ ጥልያን ቋንቋ ምስ ስርዓተ ትምህርቲ ኣተኣሳሲሩ ዓቢ መሳርሒ ክጥቀመሉ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ኣብ 3 ሰለስተ ዝተፈላለዩ እዋናት ከከም ኣድላይነቱ እንዳለዋወጠ ክትርጉሞ ይረአ፡

1888-1911 – ኣብዚ ዓመታት'ዚ ቋንቋ ጥልያን ናይ መምሃሪ ቋንቋ ኮይኑ ክዝውተር ዝተደፍኣሉ እዋን ኢዩ፡ እቲ መደብ ድማ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ሰፈርቲ ኢጣልያውያን ንምግዓዝ ተሓሲቡ ዝነበረ ውጥን ዝተኣሳሰር ኢዩ። ምስ ቋንቋ ጥልያን ቋንቋ ዓረብን ኣምሓርኛን (Lingua Franca) ኣብ መደብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣተዉ፡ ፍልጠት ቋንቋ ጥልያን ኣብ መንጎ ገዛእን ተገዛእን ዘሎ ዝምድና ንምምሕያሽ፣ውህደት ንምፍጣርርን ልዕልነት ባህሊ ገዛኢ ንምንጽብራቕን ዝተወጠነ ክኸውን ከሎ ፣ ቋንቋ ዓረብን ኣምሓርኛን ግን ናብ ግዙኣት፣ነበርቲ ኢጣልያውያንን ዓሳኽርን ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ንግዲ ክጠቅም ስለዝተኣምነሉ ኢዩ፡ ቋንቋታት ኤርትራ ግን ከም ዲያለክት ተወሲደን ኣብ ግምት ከይኣተዋ ዝተረፋሉ ዓመታት ኢዩ።

1911-1921 – እዚ ዓመታት'ዚ ስርዓት ጥልያን ካብ ሊበራላዊ ናብ ፋሺስትነት ዝተሰጋገረሉ ጊዜ ነበረ፡ ምስፋር ኢጣልያውያን ኣብ ኤርትራ ውዱቕ መደብ ተወስደ። ንኤርትራውያን ጸቢብ ዕድል ናይ ትምህርቲ ምክፋት ይርአ፡ ናይ ሙያ ቤት ትምህርትታት(Scuola di Arti e Mestieri)ይጅመር፡ ተክኒካዊን ወተሃደራውን ስልጠና ንደቂ መኳንንትን ደቂ ዓሳኽርን ዝፈቅድ ኮይኑ ኣብ ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ብሕታዊ ትካላትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንምስልጣን ፣ ኣብ ከረን ብዓረብ ዝካየድ ቤትምህርቲ ንኣመንቲ ምስልምና(1911) ኣብ ሰገነይቲ ንኣመንቲ ካቶሊክን ሓናፍጽን (1914) ዓዲ ወግሪ ንኣመንቲ ተዋህዶ(1914) ዘገልግሉ ቤት ትምህርትታት ይክፈቱ። ቀስ ብቀስ ድማ ቋንቋ ትግሪኛ ኣብ መደብ ስርዓተ ትምህርቲ ክተኣታቶ ይጅመር።

1921-1941 – ቤት ትምህርታት ክበዝሑን ክስፍሑን ይጅምሩ፣ ስርዓተ ትምህርቲ ከም መሳርሒ ፋሺስታዊ ሞደል ናይ ፍጹም ሕብረተሰብ (ቶታል ሶሳይቲ) ስለዝተወስደ፡ ብኤርትራውያን ዝካየድ ብሕታዊን ሃይማኖታዊን ቤትምህርትታት ይፍቀድ፡ ቁጠባዊ ደገፍ'ውን ይግበረሉ።

ካብዚ ዝርዝር'ዚ ብምብጋስ መግዛእቲ ጥልያን ኣብ ምቅራጽን ምህናጽን ኤርትራ ዝተከተሎ ፖሊሲ ብደቂቕ ንምግንዛብ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዝተካየደ መስርሕ ኣብ ሂወት ናይቲ ዝተፈላለየ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ዘምጸኦ ለውጥታት ክሳብ ክንደይ ዓሚቕ ምንባሩ ንምርዳእ ሓጋዚ ኢዩ።ብብዙነት ሃይማኖት፣ዓሌት፣ቋንቋን ባህል ወዘተ ዝተጠምረት ሃገር ኣረኪቡ መግዛእታዊ ዕድሜኡ ከምዘኽተመ ምግንዛብ ኣድላዪ ኮይኑ ይርከብ። ብዛዕባ ሃገርን ሃገራውነትን ኤርትራ ኣብ ንዛረበሉ እዋን መበገሲና እዚ ታሪኻዊ ሓቂዚ ክኸውን ይግባእ። ብሓደ ወገን ሓንቲ ስጥምቲ ጂኦግራፍያዊት ኣካል ክገድፍ ከሎ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዙሕ ፍልልያት ዝሓቖፈት ምኳና ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ዘየጥፈአ ምልክታት ምውራስና ብሩህ ኢዩ፣

እቲ ድሕሪ መግዛእቲ ጥልያን ዝሰዓበ ወታሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ብዘይካቲ ኣብ ቁጠባዊ ሂወት ኤርትራ ዝፈጸሞ ኣዕናዊ ተግባራትን፣ ኤርትራ ንምምቃል ዘካየዶ ፈተነታትን፣ ኣብቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተሃንጸ ስርዓት ዘስዓቦ ዓቢ ለውጢ ከምዘይነበረ ክግምገም ይከኣል።

መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከም ሃገር መጠን ክድምስሳ ፈቲኑ፣ እቲ ዘጋጠመ ናይ ብዙሕ ዓመታት ዕንወትን ህልቀትን ንጎድኒ ገዲፍካ፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ከምዝኣቱ ኣገዲድዎስ፣ብዙሕ ክሳራ ከፊሉ ሃገሩ ከፍልጥን ሃገራውነቱ ዝይዳ ከድልድልን በቒዑ ኢዩ። ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝተረክበ ነጻነት፣ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዘስጠመን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝፍተን ዝነበረ ዝተፈላለየ ናይ ምምቕቓል ሜላታት ዘፍሸለ ምንባሩ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።ሃገራውነት ኣብ ልዑል ጥርዚ ዝበጽሓሉ መድርኽ ምንባሩ ክዝንጋዕ የብሉን።

ኤርትራ ኣብ ጊዜ ነጻነት ሎሚን – ነጻነት መሬት ኤርትራ ልዑላውነታን ህዝባዊ ሓድነታን ዘምለሰን ምስ ኩሉ ሃገራዊ ምልክታት ንዓለም ዘፍለጠን መድርኽ ኢዩ።እዚ ክውንነት'ዚ ብዝኮነ ይኹን ኣጠማምታ ክቅየር ዘይክእል ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ።

ድሕሪ ነጻነት ክስዕብ ዝግበኦ ዝነበረ ነቲ ብኩናት ዝዓነወ ትሕተ ቅርጽን መራኸቢ መስመራትን ምጽጋን ምህናጽን፣እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተሳቐየ ህዝቢ ራህዋ ክረክብን ቀሲኑ ክነብርን ፣ቁጠባዊ ዕብየት ክርከብ ምጽዓር፣ ፍትሓዊ ኣገልግሎት ዘውሕሱ ትካላት ምህናጽ፣ ኣብ ኩሉ ሂወት ናይ ሃገሩ ተሳታፊ ንክኸውን ባይታ ምንጻፍ፣ብሕጊ ዝምእዘዝ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓተ ምምሕዳር ምምስራት. . . ወዘተ ኢዩ።

እቲ ኣብቲ እዋን ዝተመስረተ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ቀዳማይ ዓመታት ናይ ነጻነት ዘጽደቖ ፖሊሲ፣ምህናጽ ሃገር ዘሐይልን ዘተባብዕን መንነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘደልድልን ስጉምታት ዝመስልኳ እንተነበረ ስድሪ ከይሰጎመ ክቑጸ ተራእዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ዘየድሊ ኩናትን ድሕሪኡ ዝሰዓበ "ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም" ሃውሁን ኣብ ሃገርን ሃገራውነትን ዝፈጠሮ ሃስያ ብቀሊል ዝግመት ኣይኮነን።

እዋናዊ ብደሆታትና እንታይ ይመስል?

ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርን ሃገራውነትን ዝምልከት ገለ ብፍላጥ ገለ ድማ ብዘይፍላጥ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ምድንጋር ዝፈጥር ዝተፈላለየ ዘመተታት ብጻዕቂ ይዋፈር ኣሎ። ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ኮነ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይመልክዑ እንዳ ሃብካ፣እቲ ንኡስ ዕድመ ዘለዎ ትውልዲ ብታሪኹ ከምዝደናገርን ኣብ ካልእ ትሕተ ሃገራውነታዊ ስምዒታት ከዘንብልን ዝካየድ ጻዕሪ ምህላዉ ግሁድ እንዳኮነ ይከይድ ኣሎ። ገለውን ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ኣብ ዝመረጽዎ መድርኽ ጠጠው ኣቢሎም፣ ናይ ትግራይ ትግርኚን ናይ ኣግኣዝያውያንን ዘመን ንምዕባብንን ንምጽጋንን ዝደልዩ፣ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ዝገደፎም ጉጅለታትውን ርእሶም ኣቅኒዕም ክዛረቡ ዝክእልሉ ባይታ ተፈጢርሎም ከይሓፈሩ ዘመተ ከካይዱን ናይ ምድንጋር ፈተነ ከዋፍሩን ይረኣዩኣ ኣለው። ልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ናይ ሓባር ሂወት ዝመርሐ ህዝቢ ኤርትራ ብብሄርን ብሃይማኖትን ብኣውራጃን ንምጉዝዛይ ዝጽዕሩ ወገናት'ውን ምህላዎም ሶሻል ሜድያ ዝምስክሮ ዘሎ ታሪኽ ኢዩ። እዚ ኣብ ክትዕ ወሪዱ ዘናቑት ዘሎ ሕቶታት ብትሕዝቶኡ ውዱቕ ፣ብታሪኽን ብስነፍልጠትን ዘይቅቡል'ኳ እንተኮነ፣ ኣብኡ ክትመላለስ ብዓይኒ ናይቲ ዝሰርቆ ዘሎ ጊዜን ሓንጎልን ክርአ ከሎ ቀሊል ክሳራ ከምዘየክፍል ምግማት ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ግዜኻን ሓንጎልካን ኣብ ካሊእ ኣገደስቲ ጉዳያት ሃገር ካብ ምክታዕ ጨውዩን ኣቃልቦ ሰሊቡን ኣብ ዕንክሊል ንክንበር ዝጻወቶ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ዘመተታት'ዚ ብኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ክኸውን ከሎ፣ ኤርትራውያን ብዘይኮኑ ዝካየድ ጸረ-ኤርትራን ኤርትራውነትን (ሃገርን ሃገራውነትን) እውን እንዳላዓለ ይከይድ ኣሎ። ኣብ ገለ ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ዝርአ ላንጋልንጋ መርገጺ'ውን ኣብ ሕቶ ሃገራውነት ምጥርጣር ዝፍጥር ኮይኑ ይርከብ።ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝክእል እቲ ኣብ ባንዴራ ኤርትራ ዝካየድ ቁርቁስ ኢዩ፡ ነጻነት ሃገር ኣሚንካ ነቲ ሓደ ከም ሃገራዊ ምልክት ዝዝውተር ባንዴራ ዘይምቕባል ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ፍትሒ ዝፈጥሮ ምድንጋር ቀሊል ኣይኮነን።

እቲ ካብ ኤርትራውያን ወጻኢ ኣንጻር ሃገርን ሃገራውነትን ኤርትራ ዘመተ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለታት ኣብ ክልተ መቒልካ ክርአ ዝከኣል ኢዩ።

ሓደ ጉጅለ እቲ ደቂሱ ዝጸንሐ ብመደረታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተበራቢሩ ብዓውታ ዝነብሕ ዘሎ ትርፍራፍ መንግስቲ ሃይለስላሴን ደርግን ናይ ትምክሕተኛታት ጉጅለ ክኸውን ከሎ፣እቲ ካልእ ጉጅለ ግን ብሰላሕታን ብቀጻልነትን ታሪኽ ኤርትራ ኣህሲስካን ህዝባ ኣዳኺምካን ንጎበጣ ዝምችእ ባይታ ኣብ ምፍጣር ዝሰርሕ ጉጅለ ኢዩ።

ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ኣብ መንጎ ዶክተር ኣብይን ፕረዚደንት ኢሳያስን ዝተገብረ ርክብን ዝተፈረመ ናይ "ሰላም ውዑልን" ነዚ ጉጅለታትዚ ዘበርከቶ ሞራልን ተስፋን ልዑል ምኳኑ ክርዳእ ይግባእ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዝተፈላለየ ወግዓዊ ምብጽሓት ዝሃቦ መደረን፣ ካብዚ መደረታት'ዚ ተበጊሱ ዶክተር ኣብይ ብተደጋጋሚ ዝህቦ ዝነበረን ዘሎን መግለጺታትን ኣብ ኤርትራውያን ዓቢ ስክፍታን ስግኣትን ክፈጥር ከሎ ኣብ ገለ ኢትዮጵያውያን ድማ ብኣንጻሩ እቲ ዝጸንሖም ሕልሚ ወደባትናን ባሕርናን ዝተጋህደ ኮይኑ ስለዝተስመዖም ኣብ ታሪክ ተመሊሶም ዘርባዕባዕ ክብሉ ጀሚሮምን ይቕጽሉን ኣለዉ።

ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ዶክተር ኣብይን፣ ብስም ኤርትራ ወኪሉ ክሰርሕ ሓላፍነት ከምዝተዋህቦ ብወግዒ ክዛረብ ተሰሚዑ፡፡ ቀጺሉ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ "ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝዛረብ ሰብ ተረድኦ ዝጎደሎ ኢዩ" ክብል ተሰሚዑ።ድሕሪ እዚ ኩሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተከፍለ መስዋእትን ከቢድ ዋጋን ደምሲሱ "ኣይከሰርናን" ክብል ኣረጋጊጹ። መሪሕነት ናይቲ መስርሕ ንዶክተር ኣብይ ከረክቦውን ተራእዩ፡፡ንዓሰርታት ዓመታት ልዑላውነት ሃገርና ንምርግጋጽን ዶብና ክሕንጸጽን ከምዘይተቃለስናን ከምዘይተዋርድናን፣ ምሕንጻጽ ዶብ ቅድሚ ምርግጋእ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዘይስራዕውን ብወግዒ ተገሊጹ። እዚ ሓቅታት'ዚ ዝፈጠሮ ክፍተት፣ ነቶም ነጻነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ትርፍራፍ መንግስቲ ሃይለስላሴን ደርግን ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ንድሕሪት ንምምላስ ዘርባዕባዕ ክብሉን ንወደባት ኤርትራ ዘለዎም ናፍቖትን ህርፋንን ምስማዕ ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ዝዓበየ ሓደጋ ኮይኑ ዘሎ ግን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም መራሒ ሃገር መጠን ብቀጻሊ ዘስመዖ ዘሎ መደረታትን ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓሳትን ኢዩ። እዚ ተግባር'ዚ ካብ ሃገራዊ ክድዓት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይከኣልን። ኣብ ሃገርን ሃገራውነትን ምድኻም ዘለዎ ሳዕበንን ምድንጋርን ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። ብታሪኽ ዘሕትት ዓቢ ገበን ኢዩ። ኣብዚ ኩነታትዚ ክህልወና ዝግበኦ ተረድኦ ብዕምቆቱን ብስፍሓቱን ሓባራዊ መኣዝን ዘይሓዘ ምኳኑ ኢዩ። ሃገርን ሃገራውነትን ክነጻጸሉ ዘይክእሉ ኣብ ሓደ ውሱን ምዕባሌ ሕብረተስብ ብነዊሕን ብርቱዕን መስርሕ ሓሊፎም ዝቕልቀሉ ማንታ ተርእዮታት ኢዮም። ሃገር ምስዘይትህሉ ሃገራውነት ከንጸባርቕ ኣይክእልን። ብርተዐን ድክመትን ሃገራውነት ምስ ኩነታት ኣተሃላልዋ ሃገርን እቲ ስርዓት ዝክተሎ ፖሊሲን ክቀያየር ናይ ግድን ይኸውን። ጉጅለ ኢሳያስ ኣብዚ መድርኽ'ዚ ዝክተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንሃገር ዘፍርስን ንሃገራውነት ዘህስስን ምኳኑ ካብዚ ንላዕሊ ጭብጥታት ዘድልዮ ኣይኮነን። ብነዊሕ መስርሕ መግዛእትን መሪር ቃልሲን ብዙሕ መስዋእትን ዝትሃንጸትን ዝቆመትን ሃገር ኣብ ምዕቃባን ምቅጻላን ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምኳኑ ተረድኦና ነዕቢ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ሓባራዊ ቃልስና ዋሕስ ዓወትና።

ደስበለ መሓሪ


Share with friends:


See also recent Articles and Seminars by Desbele Mehari:
ዝሓለፉ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ ደስበለ መሓሪ

ህንጸት መንግስቲ: ዓለማዊ ዜግነታዊ ሃገር ዶ ትሕተ-ሃገራዊ መንነታት፧ / State Construction: A Secular Civic State or Subnational Identities?


Radio Sinit Eritrea Feb 1st, 2020 - 01-ሃገር፡ ሃገርነትን መሰል ህዝብታትን

See also Related ምስዚ ኣተኣሳሰር:

  • EPLF History ታሪኽ ህግሓኤ
  • ELF History ታሪኽ ተሓኤ
  • Genealogy of Eritrean People ታሪኽ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ
  • Eritrean History ታሪኽ ኤርትራ


  • Share with friends: