23/10/2018 02:11 AM
ምዃን ኤርትራ ብኸመይ
6ይ ክፋል
ብ'ይኣክል 2018
ሻድሻይ ክፋል
ምህላው ኤርትራ ብኸመይ
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ጥራይ ዘይኮናስ መምስ መዳውብትና ብደም ዝምድና ዘሎና ኣህዛብ ከም ምኳንና መጠን ብሰላምን ፍቕሪን ብጽቡቕ ጉርብትና እንነብረሉ ምኽንያት ብብዝሒ ስለ ዝዓዝዝ፡ ዝተጀመረ ናይ ሰላምን ዕርቂን ኣብ እዋኑ ብምዃኑ፡ ስክፍታ ብዝሓዘለ ሓጐስ ይስሞዓኒ።
ስክፍታይ ከኣ፡ ናይ ጥንቲ ኣህዛብ ብምኻንና ንነዊሕ እዋን ብዝሓለፈ ምፍሕፋሕ ዘኸተሎም ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን ብቐጻሊ ዝነበረ ጽልኢ ብፍቕሪ ንኽዛዘም፡ ብኣገባብ፡ ጠለብ ናይ ኩሉ ኣህዛብ ዝምልስ ዘተን ኣሳታፊ ባይታን ብኽልቲኡ ወገን በብህዝቦም ዝተወከሉ ልኡኻትን መራሕትን፡ ብግሉጽነት ዘካይድዎ ናይ ካብ ውግእ ንሰላምን ዕቱብ መርገጺ፡ ብኺነኡ ዝመጹ ዛዕባታትን ተዘትዮም ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ዳኣ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ው.ዘ.ተ. ብብተራኡ ይስጐም እምበር፣ ብፖለቲካ ከም ዝጥዕመካ እናተገላበጥካ፡ መንቀሊ ዕላማኻ ደጒልካን ኣደናጒኻን፡ ዝዓኑ ምስ ዓነወ ዝበርስ ሰብን ንዋትን ምስ በረሰ፡ ኣብ ዝምችኣካ እዋን ኣዳናጊርካ ናይ ኣህዛብ ስምዒት መዝሚዝካ፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ናይ ምድማርን ምጒዳልን ስርሒት፡ ናይ ሓዋሩ ሰላምን ፍቕርን ዘስፍን ስለ ዘይኮነ ኢዩ።
ብኣገባብ ንዝፍጸም ስምምዕ፡ ብምሉእ ድምጺ ናይ ብደሞክራሲ እትምሓደርን፡ ልዑላውነታ ዝተሓለወን፡ ዶባታ ብንጹር ዝተሓንጸጸን ኤርትራ፡ ብደላይ ሰላም ህዝባ ብሓጐስን፡ ክፉት ልብን ቅቡል ዘይኮነሉን ዘይፍጸመሉን ምክንያት የልቦን።
ብ 1952 ዓ. ም. ብድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብሓያላን መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን፡ ሃገርና ኣብ ክንዲ ሙሉእ ናጽነት ምስ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቋረን ምስ ተፈርዳ፡ ገለገለ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ሕገ መንግስቲ ዘሎዋ ሃገር፡ ምስ ንስሙ ብ1931 ዝተጻሕፈ ሃጸያዊ ስርዓት እሞ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ድምጺ ዘይብሉ ሕገ መንግስቲ ዘሎዋ ሃገር ብኸመይ ብፈደረሽን ትጻመድ ብምባል ስክፍታ ብምልዓሎም፡ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ክነድፍን ከተግብርን ስለ ዝነበሮ፡ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ብጉልባብ ብዓል ኢዮበልዩ ኣቢሉ ኣብ 1955 ውሑድ ለውጢ ብምግባር ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ኣወጀ።
ኣብ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ጊዜ ዕድመና ዘጓነፈ እምነትን ክሕደትን ንምጥቃስ ኣብቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይዛ ጽሕፍቲ ከነተኵር፣
ኣብ ናይ 1931 ምዕራፍ 1 ኣንቀጽ 1 ግዛኣት ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ካሳብ ጫፍ ብምሉኡ ግዝኣት ናይ ሃጸያዊ መንግስቲ ..... ወ . ዘ . ተ . ኢሉ ክጅምር እንከሎ፡
ኣብቲ ናይ 1955 ምዕራፍ 1 ኣንቀጽ 1 ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ኩሉ መሬታ፡ ኣንኮላይ ደሴታትን ናይ ባሕሪ ግዛኣታትን ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ዘውዲ ይ ግዝኡ፡ መላእ ግዝኣትን ልዑላውነትን መሪየታ ዘይከፋፈል ኢዩ። ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ናይ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ግዙኣት ኢዮም ... ወ . ዘ . ተ . ክብል ይጅምሮ .........
ነዚ ነጥቢ ኣብዚ እዋንዚ ዘልዕሎ ዘሎኹ፡ ኣብ 1952 ኤርትራ ብዓልቲ ሕገ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ ግን ብመላኺ ሃጸይ ትውነን፡ እሞ ብዕሙታትና ኣብ 1955 ብዘይ ገለ ምዝታይ፡ ብናይ ፈደረሽን ሕግታት ተኣማሚና ኣንከሎና፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ከም ግዙኣቱ ጌሩ ጸንቢሩና ከብቅዕ፡ ሾውዓተ ዓመት ጸኒሑ ድማ ኩልና ብንፈልጦ ፈደረሽን ቀንጢጡ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኣእተወና፡
ብዕለት 14 ወርሒ ሕዳር 1962 ፡ ሰዓት 11 ቅ.ቐትሪ ኣቢሉ፡ ባይቶ ኤርትራ ብግዳድ ዝገበሮ ዘይስሩዕ ኣኼባ፡ ነቲ ፈደረሽን ክቕንጠጥ ክውስን እንከሎ፡ ኣብ ስግር ጐደና ናይቲ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኣመሪካን ባር፡ ገጾም ድነ ተኸዲኑ ጠጠው ኢሎም ካብ ዝጽበዩ ዝነበሩ፡ ሓደ ኣነ ኔረ። እቲ ነገር ምስ ኮነ ንብዓተይ ነጸግኩ። ንጽብሒቱ ድማ ብወግዒ ነቲ ፈደረሽን ኣፍረስዎ። ብድሕሪኡ ዝቐጸለ፡ ከቢድ ቃልስን ዕንወትን ስደትን መስዋእቲን ዘኸተለን ዘሎን፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
ሓሙሳን ሹዱሽተን ዓመትን ሾሞንተ ኣዋርሕን ከምዛ ሎሚ ማዓልቲ ፡ንቕድሚት ምስ ንኸይድ፡ በዛ ሎሚ ምዓልቲ 14 ሓምለ 2018 ዝተገብረ ናይ ፡ ብባይቶ ትምራሕ፡ ሕገ-መንግስቲ ዘሎዋን ሃገር ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ወገን፡ ምስ ባይቶ ዘይብላ ሕገ-መንግስቲ ዝተሓረማ ኤርትራ፡ እሞ ሓደ ሰብ ንህዝቢ ዘይውክል፡ ብስም ህዝቢ ዝቐረበ በቲ ካልእይ ወገን ናይ ውህደት ዘተ ክካየድ ንርኢ። ብኸመይ ይኸውን? ነገሩ እምበር ተገልቢጡ።
ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣህዛብ ዝተኣከቡሉ ዘስምዖ መደረታት ይኹን፡ ዝተሰማምዖ ውዕላት፡ ይኹን ዝሃቦ መብጽዓታት፡ ኣብ ፍረ ንኽበጽሕ፡ ብኣህዛብ እታ ብብዙሕ መስዋእቲ ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ምስ ዝሰማምዑሉ ኢዩ ተፈጻሚ ክኸውን ዝግብኦ።
ኤርትራውያን ምስ ህሉዋት ክንቁጸር፡ ንመሰል ርእሰ ውሳኔና፡ ድሕሪ ነዊሕ ከቢድን መሪርን ቃልሲ ዝተዓዊትና ከም ምዃንና መጠን፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንክትውዕል፡ እሞ ከም ዘይህሉዋት ኰንና ንኽንዕዘብ ኣይተቃለስናን። ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽና ንሳልሳይ ጊዜ ብጅምላ ንክንሽየጥ ዝዓለመ እከይ ፍጻሜታት ብዝቐልጠፈ ንምዕጋቱ ብምሉእ ዓቕምና ንበድሃዮ።
ኣብዚ ንክንበጽሕ፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዘይውዓል ሕደር (ክተት) ክንፍጽሞ ጊዜኡ ኣኺሉ፡-
እዚ ዳግመ-ክተት እዚ ንኹሎም ኤርትራውያን ተጋደልትን (ዋርሳይ +ይከኣሎ)፡ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣባላትን፡ መስዋትን ሕድሪን ብጾቶም ክሳብ ናብ መጠረሽታ ሽቶኡ ዝበጽሕ ማሕላ ዘኽብሩ ኩሎምን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥን ይምልከት።
ብፍላይ ኣብ መሪሕነትን: ሰራዊትን ዘሎኹም ኤርትራውያን ነዚ ዘይተወድአ ገድሊ፡ ብመሪሕ ሓላፍነትን ተበግሶን ተላዒልኩም፡ ነዚ ዝስዕብ ሕሉፍን፡ ጊዚያዊን ተባዕ ስጉምቲ ጀጋኑ ሓርበኛታት ብጾትኩም፡ ዘኪርኩምን ኣብ ጎኒ ናይ ሕጂ ጻውዒት ደው ኢልኩም ሃገርኩም ከተድሕኑ እዋናዊ ጠለብ ዕሙት ህዝብኹም ኢዩ።
(ሀ) ቅድሚ 17 ዓመታት ከምዛ ዘሎናያ ሰሙን፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ንብዙሓት ጨፍሊቑ ንውልቁን ንውሑዳት መሻብንቲ መጋበርያኡን ሃገርን ሃብታን ብሒቱ፡ ከናብራ ዝጸንሐ ውልቀ መላኺ፡ ስለ ኤርትራን ብሩህ መጻኢ ህዝባን፡ ነካይዳና መንግስታዊ ስርዓት ከነትሕዞ ኣኼባ ጸውዓና ብምባል ብኣኽብሮት ንዝሓተቱዎ ብጾቱን መቓልስቱን፡ ኣባልት ሃገራዊ ባይቶን ሚኒስተራትን ጀነራላትን ካልኦት ሰብ መዚ ጊዚያዊ መንግስቲ ኤርትራን እዝኒ ከይሃበ፡ ብጃምላ ዳጒኑ፡ ነተን ኣብ እዋኑ ነዚ ጉዳይ ብሰፊሑ ዘቃልሓ ዝነበራ ጋዜጣታት ዓጽዩ፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ብሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣሲሩ። እዞም ሃለዋቶም ብግልጺ ዘይፍለጥ ጀጋኑ ውፉያት ነዚ ሕጂ ዝወርደና ዘሎ፡ ንምዃንና ኣብ ጽንታ ዘምርሕ ተግባራት ውልቀመላኺ እሰያስ ኣብ ልዕለና ንኸይፍጸም ስክፍታኦም ብምዃኑ ኢዮም ቅኑዕ ኣንፈት ንከትሕዙዎ ዳግመ መስዋቲ ዝኮኑ። ኣብ እዋኑ፡ ንሓደ ክልተ ካብኦም፡ እዚ ትወስድዎ ዘሎኹም ተሪር ስጉምቲ ኣብ ምትግባሩ ጸግዒ ዝሓዝኩሞ ኣሎዶ፡ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሎም፡ መልሶም ኣብ ጋዜጣ ንጽሕፎ ዘሎና እቲ ምሁር ኣካል ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘሎ ሕብረተሰብና እንተ ተኸተሎ እምብር፡ ህዝብና ብውግኣት ተዳኺሙ ስለ ዝኾነ ብጐነጽ ኣይደለናዮን ክብሉ መሊሶም። ምሁር ይኹን ህዝቢ ኣይተኸተሎምን፡ ህይወቶምን ብድህኦምን ከኣ ቅሂሙ ጸንሐ።
(ለ) ዝተደጋገመ ኩነት ዘይበትከላ ሃገር፡ ድሕሪ 17 ዓመት እኒሆ ብጻዮም፡ ብጻይና ሚኒስተር ብርሃነ ኣብረሀ፡ ኣብ ፋይናስያዊ ጉዳያት ኤርትራ፡ ብፍላይ ናይ ማዕድን እቶት ብዝምልከት፡ ኣብ መስርዑ ከእትዎ ከም ዝጸዓረ ግሉጽ ብዘይኮነ ወረ ይስማዕ። ከም ወትሩ ተባዕ ብምኻኑ እኒሆ ተባዕ ስጉምቲ፡ ብጒሉሕ ድምጺን ጽሑፍን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣወጆ ጻውዒቱን ኣስፊሩዎ ዘሎ ኣጀንዳን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ክዕወትን ህዝቢን ሰራዊትን ሓይሊ ብህጹጽ ክስዕቦ ኣሎዎ።
ኣብ ዕንዛዘ ተዋሒጥካ ዝነበርካን ዘሎኻን ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ነዘን ክልተ ፍጻሜታት፡ ንልዑላውነትካን ሓርነካትን ዘረጋግጻ ክነሰን ፡ ነታ ቀዳመይቲ ብተዃሉ ተሃሚልካ ከይተረድኣካ ኣንጻር እቶም ምእንትኻ ዳግማይ ዝተሰውኡ ተዓጢቕካ፡ እዛ ናይ ሎሚ ኣዋጅ ንካብ ውሽጢ ሃገር ዝነቓቐል ህዝባዊ ሓይሊ በለዅ ተብል ስለ ዝኾነት፡ ተበገስ ፡-
1. ህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ሃገር ዘሎኻ ተለዓል፡ በዚ እከይ ውዲት ኣይትታለል፡ ን17 ዓመታት ሰላማዊን ውድባዊን ኣሰራርሓ ብምኽታል ንዝጠለቡዎ ኣኼባን ንህዝቢ ኤርትራን ንዒቑ ንዘሎ ውልቀመላኺ፡ ናይ ሎሚ ጻውዒት ክሰምዓሉ ብዝኽእል ሜላ ብምጥቃም፡ ብዘይ-ናዕቢ ስልጣንካ መንዝዕ፡ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ብሃታሃታ ዝዋደድ ዘሎ ውጥናትን ዘይሕጋዊ ስምምዓትን ብቕጽበት ደው ኣብሎ፡
2. ህይወቶም ንዳግመ መስዋእቲ ወፍዮም ዘሎዉ ሓርበናታት ኤርትራውያን ከምኡውን ብፖለቲካ ብሃይማኖት ብኻልእ ዓማጺ ስርዓት ተኣሲሮም ዘሎዉ ብህጹጽ ከም ዝፍትሑ፡
3. ንብረት ሃገር ንባዕሉ ብምብሓት፡ ውጽኢት ዕደና፡ ንኻልእ ዕላማታት ክጥቀመሎም ከም ዝጸንሐን ሕጂውን ከም ዘሎን፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን፡ ንኹለን ኣውፈርቲ ትካላት ምስ ዘይሕጋዊ ሰብ ክገብርኦ ዝጸንሓ ሃብቲ ሃገር ምጒሕጓሕ ዘሕትተን ምዃኑ ምሕባርን ደው ኣቢለንኦ ክጸንሓ ምትብባዕን፡
4. ምስዚ ዝስዕብ፡• ምእንቲ ደሞክራስያዊ መስርሕ ብህጹጽ ክጅመር፡ ኩሉ ዓቕሚ ዘሎዎ ኤርትራዊ ብማዕርነት ዝሳተፈሉ ባይታ ምፍጣር፡
• ብሕገ-መንግስቲ ተመሪሑ ህዝባዊ ባይቶ ንኽትከል፡
• ስርዓተ ሕጊ ዘኽብር ምሕደራ ንኽምዘዝ፡
ንድሕነት ብደም መስዋዕቲ ደቃ ዝተረኽበት ሃገር ኤርትራ፡ ብሓላፍነት ቅኑዕ ኣንፈት ኣትሕዝዎ። ኣብ ምትግባሩ ዝሕተት ተሳትፎ፡ ናይ ኩሉና ደለይቲ ምሉእ ነጻነትን፡ ፍትሒን ማዕርነትን ዝኾንና ደቂ ሃገር፡ ብዕቱብ ንኽንሰርሕ መብጽዓና ክኸውን ይግባእ።
ብባህልና፡ ስርዓተ-ሕጊ ምሕደራ ንፈልጥ ህዝቢ፡ ብኸመይ ኣብዚ ወዲቕና?
ንዕስራን ሾውዓተን ዓመታት ኣብ መባህረር ተዋሒጥና ንርከብ ዘሎና፡ ሃየባ ንበራበር!
እዚ መስርሕ ናይ ሕገ-መንግስቲ ምንዳፍ፡ ናይ ባይቶ ምርጫን ሕገ-መንግስቲ ምጽዳቕን፡ ናይ ብስርዓተ ሕጊ ዝምራሕ መንግስቲ ምቛምን፡ ነዊሕ ጊዜ ኣይወስድን፡ እኳድኣ ካብ ሓደ ዓመት ብዝወሓደ ጊዜ ኢዩ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 1952 ዝተመስረተ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንደላይ ሰላምን ፍትሒን ኣህዛብና
ይኣክል 2018
መስከረም 2018
ምዃን ኤርትራ ብኸመይ - (6ይ ክፋል)ብድምጺ፡-
>ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-
1ይ ክፋል (20/09/2018)፡ 2ይ ክፋል (20/09/2018)፡ 3ይ - 5ይ ክፋል (27/09/2018)፡ 6ይ ክፋል (23/10/2018)፡
Share with friends:
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - BUILDING DEMOCRACY IN ERITREA - ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ بناء الديمقراطية في إريتريا
- ሕግን ሕብረተሰብን - Law and Society.
- ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- 1993, Eritrean independence referendum Results
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993. - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (Website) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (Website)
- UN Human Rights Council - Human Rights in Eritrea (YouTube) / ናይ ውሕሃ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት - ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ (YouTube)
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ።