መድረኽ - ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ? 2ይ ክፋል

12/02/2018 22:43 PM

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ”
- ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ
- ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ?

2ይ ክፋል


ብ'ታደሰ ኪዳነ (ቢርሚንግሃም-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Tadese Kidane (Birmingham - UK)
12/02/2018


ታደሰ ኪዳነ


ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ናብ ሚድያ ቅድሚ ምውጽአይ፡ ምስ መስረትን መራሕትን መድረኽ (ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወ/ገርግስን) ብመንገዶም ከኣ ምስ ሓው ሰመረ ተ ሃብተማርያም፡ ብመንገዲ ኢመይል ከም ዝተዘራረብኩ፡ እቲ ዝረኸብኩዎ መልሲ ግን ካብ “ዕበጦ ዕበጦ” ዝሓልፍ ከም ዘይነበረ ገሊጸ ኢየ። ነቲ ምእንቲ ፍትሒ እነካይዶ ቃልሲ ስለ ዝዓናቕፍን ዘየርብሕን ከኣ ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ስለ ዘይተራእየኒ፡ ናብ ሰማዕቲ ክዝርግሖ ከም ዝወሰንኩ ገሊጸ ኢየ።
ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ካብ ዘስፈርኩሉ እዋን ጀሚረ፡ ካብ ብዙሓት - ንኣሰራርሓ መድረኽ ዝፈልጡ ሰባት፡ ብዙሕ ርእይቶታት ተቐቢለ። ኩሉ ዝበጽሓኒ ርእይቶታት ከኣ “ወናኒ ናይቲ ብስም መድረኽ ዝፍኖ ዜናታት ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ኢዩ። ተሓታትን ኣቀናባርን ናይዚ ኩሉ ፈላላይን ኣነዋርን ጽሑፋት ከኣ፡ ብውልቂ ዶ/ር ኣሰፋው ኢዩ” ዝብል ኢዩ። ነዚ ጽሑፍ’ዚ ቅድሚ ምዝርግሐይ ኣብ ዝገበርኩዎ ናይ ኢመይል ምጽሕሓፍን ዝረኸብኩዎ መልስን’ውን ነዚ ርእይቶ’ዚ ዘራጉድ ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ካልኦት’ውን ብስሞም (ብስም መድረኽ) ክወጽእ ኣፍቂዶም ወይ ኣጽቂጦም ስለ ዝኾኑ፡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብሮም ኣይኮነን። እዚ “ሓቂ ኢዩ” ዝበሃል እንተ ኮይኑ ከኣ፡ እዚ ሕጂ ቀይሙ ዝበሃል ዘሎ ምትእኽካብ መድረኽ ኣጻርዩ ከቅርበልና ክንጽበ ኢና። ብወገነይ ግን ነታ - ነቲ ወረታት ተቕርብ መርበብ ሓበሬታ መድረኽ ኢየ ዝነቅፍ።

-  -  -  -  -  -  -  -  -

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ መድረኽ ኣስማት ናይ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ተስፋልደት ተስፋስላሴ ኣልዒሎም፡ ብፍሉይ ብትሕተ ሃገራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ዓዳዊ ምትእስሳር ከም ዝሰርሑን፡ ነቲ ዘይናቶም ወገን ፈልዮም ከም ዝብድሉን ከም ዝገለጹ፡ ሰነዳቶም ምርኩስ ገይረ ኢየ ገሊጸ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ፡ ብመንጽር’ቲ መድረኽ ዝሃቡና ምህሮ፡ ብድሕረ ባይታ ናይዞም ሰባት ክጅምር ኢየ።

ብዛዕባ እዞም ተጠቀስቲ መኮነናት እንታይ ይዕለል፡-

ሓቅነት ይሃልዎ ኣይሃልዎ፡ ብዛዕባ ገለ ካብዞም ክብ ኢሎም ተጠቒሶም ዘለዉ መኮነናት ዝምልከት፡ ኣብቲ ናይ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝነበረ ኣወሃህባ ሓላፍነት፡ ብገዳይም ተጋደልቲ ክዕለል ዝሰማዕኩዎ ኢየ ክዛረብ።

ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ፡- ሕጋዊት በዓልቲ ቤት ኢሰያስ ኣፎርቅን ኣደ ደቁን ካብ ምዃና ንላዕሊ ብዙሕ ክዕለል ኣይሰማዕኩን። ብመንገዲ ደቃን ሰብኣያን ረባሒት ናይ ኩሉቲ ካብ በዓል ቤታ ክርከብ ዝከኣል ረብሓታት ምዃና ግን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣይኮነን ንዓዳን ወገናን ተርብሕ ኢያ ክንብል፡ ኣውራጃኣ እምበር ትውልዲ ዓዳ ዝፈልጥ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ብጭቡጥ ካብ ሳብ ዝረብሐ ወይ ብሳባ ዝተሓገዘ ሰብ ስለ ዘይረኣና ኢዩ። እሞ ሓለፍቲ ፈነወ ሓበሬታ መድረኽ፡ ብሳባ ዝረብሐ ወይ ዝተሓገዘ ከባብን ዓድን መን’ዩ? መልሲ ክረክብ እብድህን እጽበን ኣለኹ!!!

ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡- ምስቲ መስራትን ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ዝነበረ፡ ኣብ ጉዕዞ በታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝተበልዐ ተወልደ ኢዮብ፡ ደቂ ሓደ ዓዲ ኢዮም። “ድሕሪ ቅንጸላ ተወልደ ኢዮብ፡ ከም መባድልቲ ዝረአ፡ ብዙሕ ዘይጻባእ - ምእዙዝ ሰብ ተደልዩ፡ ናይ ሎሚ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ኣብ ጽፍሕታት ህዝባዊ ግምባር ብጉሉሕ ክድይብ ተራእዩ” ዝብል ዕላል ነይሩ ኢዩ። እንተቲ “ንወገኑን ደቂ ዓዱን ኣርቢሑ” ዝብል ናይ መድረኽ ክሲ ግን፡ ስቡሕ ጀራዲን ዓላ ብሓለፍቲ መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክምንዛዕ ከሎ፡ ብሒም ክብል ዝረኣዮ ሰብ የለን። ኣብ ጋደንን ሰሳሕን ካብ ካልእ ከባቢታት ዝተፈልየ ጉንዖን ሓገዝን ዝረኣየ ሰብ እንተልዩ ከኣ ሰብ ርእይትኡ ክህብ ክፉት ኢዩ።

ካብ ገበናት ሕጹብ ኢዩ ንምባል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ወዲ ካሳ ግን ይትረፍ ንመቕርቡን ቤተ-ሰቡን፡ ንነብሱ ዘይከውን እኳ’ድኣ ዝደኸየ መኮነን ህግደፍ ምዃኑ ኢዩ ዝዝረበሉ። እሞ ሓለፍቲ መድረኽ ብወዲ ካሳ ተሓጊዙ ሃብቲሙ ዝበሃል ሰብ ወይ ወገን ክፈልጥ እጽበ ኣለኹ’ሞ! ሃየ መልሲ ሃቡ . .መድረኽ ኣይተጽቅጡ ! !
ኮሎኔል ተስፋልደት ተስፋስላሴ፡ ናይ ራድዮ ርክብ ኦፖረተር ዝነበረን ድሕሪ ናጽነት ናብ ሓላዊ ፕረዚደንት ተቐይሩ፡ ኣብ በሪኽ ጉሉሕ ቦታ ዝተቐመጠ ሰብ ኢዩ። ብትውልዲ ዓዲ’ውን ምስ ዮውሃንስ ስብሃቱ (ኣብ 1973 ዓ.ም ምስቶም ብስም “መንካዕ” ዝተቐንጸለ፡ ግን ከኣ ኣብቲ ምንቅስቓስ ጉሉሕ ተራ ነይሩዎ ዝበሃል) ኣብ ሓደ ኢዮም። ንሱ’ውን ብሕርያ ኢሰያስ ንመከሓሓሲ ዝተቐመጠ ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ብቐንዱ ግን ኣዝማዱን ደቂ ዓዱን፡ ንሓወቡኡን ወዲ-ሓዉን ኣብ ሓላፍነት ኣብያተ መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፋ ካልኦት ብጻዕቂ ክቕመጡ ኣይረኣናን። “እፈልጥ ኢየ” ዝብል እንተሎ ከኣ፡ ካብቶም ዘርጋሕቲ ናይቲ ሓበሬታ ዝኾኑ ሓለፍቲ መድረኽ ጀሚርካ፡ ጭብጢ ክቐርበልና ንጽበ ኣለና። ሕጂ’ውን ኣይተጽቅጡ ! ! መን? መዓስ? ኣበይ? መልሱ ! ! !

ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡- ኣብቲ ስርዓት - ኣርባዕተ ጥይት ዝኣተዎን፡ ፈተነ ቅትለት ዝተኻየደሉን፡ ንስክላ ዝደሓነን መኮነን ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። እቲ ፈተነ’ውን ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት (ብፍላይ ከኣ ብውጩን ዓፋንን) ዝተዋደደ ምንባሩ ይግለጽ ኢዩ። ውጩን ዓፋንን ከኣ ‘ብዘይ ኣፍልጦን መምርሕን ኢሰያስ ኣፎርቂ፡ ‘ኣብ ፈተነ ቅትለት ላዕለዋይ ናይ ስለያ መኮነን ይሳተፉ ኢዮም’ ኢልካ ምሕሳብስ ይትረፍ፡ ኣብ ድቃስካ ምሕላም’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብዘይካዚ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ቦታታት ዘይረአ፡ ካብ ገዝኡ ንስርሑ ጥራይ ዝመላለስ፡ ንባዕሉ ተሾቕሪሩ ዝነብር ምዃኑ ይዝረብ ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ንኸይቅተል ዝቐትል መኮነን ምዃኑ ኢዩ ዝዝረበሉ። እሞ ንነብሱ ኣብ ሑቕፊ ቀተልቱ ተኣሲሩ ዝነብር፡ ነብሱ ዘይከላኸል ሰብ ድኣ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንወገኑን ደቂ ዓዱን ክኸውን? ብጭቡጥ እንፈልጦ ነገር እንተልዩ’ውን፡ ነበርቲ ናይታ ዝተወልደላ ዓዲ፡ ፈልፋሊ ራህያታት ማዮም ብቱቦታት ናብ ካልእ ከተማ ተወሲዱ፡ ልሙዕ ጀራዲኖም ክደርቕ’ምበር፡ ከምቲ ኣብ ቀሓውታ ብፍሉይ ዝስራሕ ገዛውቲ ኣስመራ፡ ብሓገዝን ሓልዮትን ጀነራል ስምኦን ክድሕንን ዓዶም ክለምዕን ኣይረኣናን። “ንደቂ ዓዱ ፈልዩ ይሕግዝ” ትብልዎ ኣለኹም!! ብመንገዱ ዝሃብተመን ገንዘብ ዝሓዘን ሰብ’ውን ኣይረኣናን። “እፈልጥ ኢየ” ዝብል እንተሎ ከኣ፡ ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ፡ ብዙሓት ሰማዕቲ ይጽበዩ ኣለዉ። ብፍላይ ሓለፍቲ ፈነወ መድረኽ “ብድምጺ ዝተቐርጸ ጭብጢ ኣለንና” ትብሉ ኣለኹም። እሞ ሃየ! ሰማዒ አጽበ ኣሎ! ! በዓል መን ኢዮም ብወገንን ኣውራጃን ዝተሓገዙ? ሕጂ’ውን ኣይተጽቅጡ . . . ጭብጥኹም እጽበ ኣለኹ ! ! !

ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ መኮነናት ሓደ ኣካልን ኣምሳልን ናይቲ ስርዓት ኢዮም። ከም ኩሎም ሰበ ስልጣን ህግደፍ ድማ፡ ኣተግበርቲ ናይቲ ጉዕዙይ ፖሊሲታትን ናይ ቀረባ ሓለውቲ ኢሰያስ ኣፎርቂን ኢዮም። ኢሰያስ ባዕሉ ሓርዩ ኮፍ ዘበሎም እምበር፡ ክሕገዝ ዝደለየ ህዝቢ ብምርጫ ዘቐመጦም ወይ ንስለ’ቲ በቲ ንሳቶም’ውን ዝዋስእሉ ጉዕዙይ ስርዓት ፋሕ ዝብል ዘሎ ህዝቢ (ከምቲ መድረኽ ‘ወገኖም’ እናበሉ - ከእምኑና ዝፍትኑ ዘለዉ) ካብ ጸበባን ምብትታንን ዘድሕኑ ከም ዘይኮኑ፡ ባዕላቶም ሓለፍቲ መድረኽ’ውን ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም። እቲ ብሓገዞም ረቢሑ ዝበሃል ዘሎ ህዝቢ ከኣ፡ ምንባር ስኢኑ ከም ኩሉ ኤርትራዊ፡ ገዛ ዓጽዩ፡ ከብቱን ጠለ-በጊዑን ኮብኲቡ ናብ ትግራይ ይግዕዝ ኣሎ። እቲ ኣስማት ናይ’’ዞም ኣርባዕተ (4) ሰባት እናጠቐስካ፡ ብመንገዶም ክመሓላልፍ ዝደለ ዘሎ መልእኽቲ’ድኣ እንታይ ኢዩ?

መራሕቲ መድረኽ ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ጥራይ ኣይኮኑን። ላዕለዎት ካድረታት ናይታ ኣብ ከርሲ ህዝባዊ ግምባር ዝሰወደት ሕብእቲ ሰልፊ እውን ኢዮም።፡ ኣብቲ ከምኣቶም ምሁራት ዘጥፍእ ውድብ ከይተተንከፉ፡ ጠጢዖምን ክብ ዝበለ ሓላፍነት ሒዞም ዝኣተዉን ከኣ ኢዮም። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ፡ ካብ 1973 ዓ.ም ኣትሒዙ፡ ናብ ተወለድቲ ኣውራጃ ኣከለ ጉዛይ ዘነጻጸረ “ደቂ ደቡብ ዝምቡላት ኢዮም፡ ወገናውያን ኢዮም፡ ኣውራጃውያን ኢዮም” ዝብል በታ ሕብእቲ ውሽጣዊት ሰልፊ - ውሽጢ ውሽጢ ዝዝርጋሕ ዘይወግዓዊ ወረታት ምንባሩ’ውን፡ ኩሉ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበረ ተጋዳላይ ኣጸቢቑ ዝዝክሮ ኢዩ። ብሰንኩ ብዙሕ መንእሰይ፡ ብፍላይ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ 1973 ዓ.ም ኣትሒዙ “ኣውራጃዊ” ንኸይበሃል ጥራይ ክሽቑረርን ኣንፈቱ ኣጥፊኡን ኢዩ ጸኒሑ። እዚ ከኣ ነቶም “ኣብ ስልጣን ክወዳደሩና ይኽእሉ ኢዮም” ዝብልዎም ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ነጺልካን ኣሰይጢንካን (demonize ገርካ) ተወዳደርትኻ ንምውሓድ ዝግበር ዝነበረ ምዃኑ ኩሉ ዝሰማማዓሉ እመስለኒ። እሞ መራሕቲ መድረኽ ነቲ ቀደም ብካድረታት ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ጸለመታት ምድጋሞም ድኣ እንታይ ኢዩ ሚስጢሩ? እዚ ሕቶ’ዚ ተመሊሱ ናብቲ ንሳቶም ብመሪሕነት ዝኣልዩዎ ምትእኽካብ መድረኽ ኢዩ ዝወስደካ።


ኣሰራርሓ መድረኽ ብመንጽር ወግዓዊ መግለጺታቶም

መዓልታዊ ኣብ ፈነወ ራድዮኦም ከም ዝገልጽዎ፡ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ. . . ነቶም ኣብ ሓደ ዕላማ ዘለዉ ሓይልታት፡ ኣብቲ ንኹላትና ዝጠምር ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕሳል ዝዓለመ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ . . . ኢዩ” ክብሉ ይዝርግሑ ኢዮም። ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ናይሮቢ (ከንያ) እውን “ምስ ናትና ዝመሳሰል ፖሊሲ ኣለዎም” ንዝበሉዎም ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ዓዲሞም ምንባሮም ኩልና እንፈልጦ ኢዩ። ድሕሪ’ቲ ናይ ከንያ ኣኼባ፡ ገለ ካብቶም ‘ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ዕላማ’ ዝተዓደሙ ሓለፍቲ ናይ ገለ ውድባት፡ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለዉ፡ “ጉዳይ ኤርትራ ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ግጭትን ዝመሳሰል ኢዩ” ክብሉ ሰሚዕናዮም። ዝገርም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ መርገጺ ብዝኾነ መልክዑ ሓለፍቲ መድረኽ ፈጺሚም ዝቕበልዎን ዘተኣናግድዎን ኣይኮነን። እዚ ድማ ነቲ ከም ዕላማ ኣቐሚጦም ክሰርሕሉ ዝጸንሑን፡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝዝርግሕዎን በበይኑ ምኳኑ ኢዩ ዘነጽረልካ። እስኪ ናብ ጭብጥታተይ ተመሊሰ፡ ናብ ሰነዳት መድረኽ ክመልሰኩም።

ጭብጢ ቊጽሪ 4፡- ብ13 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም “. . . ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰሉስ (12 ታሕሳስ) 350 ትካላት ብሓይሊ ብረት ተዓሺገን ምህላወን ተሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ውን
. . . ኣስማት ናይ ዝተፈላለያ ትካላት ድሕሪ ምዝርዛር፡ ስርዓት ህግደፍ ንናቱ መምዘኒታት ስለ ዘየማልኣ “ትካሎም ክዕጾ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓዋሩ ክህገር ምኳኑ ይሕበሮም ኣሎ” ክብል ይገልጽ። ቀጺሉ ካብ ጀነራል ፊሊጶስ ብዝተላእኩ ወታደራት ትካሎም ከም ዝተዓጽወን፡ ወነንቲ ድማ ብዝገበርዎ ዕግርግር ተቀይዶም ናብ መደበር ፖሊስ ከም ዝተወስዱ ይገልጽ’ሞ . . ኣብ 7ይ ሕጡበ ጽሑፍ

“. . . ድሮ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ንገለ ደቂ ከባቢኡ ዝኾኑ ዜጋታት ፍታሕ ንምግባር ክጽዕር ከሎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ንበዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሩት ብፍርቂ ብርኪ እንተእትዮማ ፍታሕ ኪግበረሎም ከምዝኽእል ነቶም ትካሎም ዝተዓሸገ ብመንገዲ ቀረብቶም ይመያየጥ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።”  ሊንክ 13/12/2017፡   ብራድዮ ድማ ኣብዚ 14/12/2017 ጠውቕ

ኣስተውዕሉ፡ ስምኦን ንደቂ ከባቢኡ፡ ፊሊጶስ ንበዓልቲ ቤቱ ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ መድረኽ። . . . ቀጺሎም . . .
ጭብጢ ቊጽሪ 5፡- ብ30 ሕዳር 2017 “. . . ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ናዕቢ ‘ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ’ ተባሂሉ ክጉስጎሰሉ መደብ ኣውጺኡ።” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ . . . ነዚ መደብ’ዚ ዝወሰኑ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ብርጋደር ጀነራል ጋይምን ወዲ ህንጻ ዝበሃል ካልእ ኣባልን ምዃኖም ይገልጽ። በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ትውድእ።

“. . . ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ክሳሳን ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን ብጸቢብነቶም ዝልለዩ ኮይኖም፡ ነቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝጭፍልቕ ዓማጺ ኣካይዳ ሃገራዊ ድሕነት፡ ካብኡ ንናብኡ ንደቂ ከባቢና ንዝብልዎም ወገን ኣድልዎን ‘ፍታሕ’ ኢሎም ዝጽውዕዎ ስጉምታትን ከምዝወስዱ ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ዘይወገንና ወይ ናይ እቲ ‘ካልእ ወገን’ ኢሎም ንዝፍርጅዎ ሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓማጺ መስርሕ ዓቐኑ ዝሓለፈ ዝያዳ ዓመጽ ጌሮም ከምዝቐጽዕዎ ምንጭታት ካብ ሃገራዊ ድሕነት ይሕብሩ። እዚ ተግባራት ኣብ ማእሰርቲ፡ ምሃብ ቪዛ፡ ውሳነታት መቕጻዕቲ ስግረዶብ፡ ምኽታብ ቃርማታት፡ ወዘተ ጎሊሑ ይረአ።” ይብል። (ሕብሪ ናተይ) ሊንክ   30/11/207

ኣብዚ’ውን፡ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን፡ ብጸቢብነቶም ዝልለዩ፡ ንደቂ ከባቢኦም ፍታሕ ዝገብሩ፡ ንዘይ ደቂ ከባቢኦምን ዘይናቶም ወገንን ከም ዝፍርጁ ይነብሩና ኣለዉ። ንበዓል መን? መዓስ? ኣበይ . . .? ንዝብል ሕቶ ክምልሱን፡ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ ካብዚ ተግባር’ዚ ነጻ ኮይኖም፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ በዞም ክልተ ወይ ሰለስተ ደቂ ሓደ ካባቢ ዝኾኑ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ከም ዝግበር ዘስምዕ መደረኦም ኣስማትን ኣሃዛትን ጠቒሶም፡ ብዘእምን ጭብጢታት ኣሰንዮም ከቕርቡልናን ግን ኣይተራእዩን። እቲ “ዝፍርጅዎ” ዝብል ቃል ከኣ፡ ዘይውርዙይ ናይ ደቂ ጽርግያ ዘረባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስምዒት ሰብ ንምልዕዓል ዝኣትወ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ስሞም ዝገልጾ መድረኽ - ኩሉ ኤርትራዊ ዝተኣኻኸበሉን ዝዝትየሉን ዘይኮነ፡ ንዝበዝሑ ደለይቲ ፍትሒ ኣወጊኑ፡ ብረብሓ ናይ ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት መተኣኻከቢ ባይታ ኢዩ። ነዚ ዘረጋግጽ፡ ካልእ ተንጀባሪሩ ኣብ እዝንና ዝበጽሐ ወረ’ውን ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝተመስረትሉ እዋን፡ ብዙሓት ኣብታ ሕብእቲ ሰልፍን ኣብቲ ግምባርን ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ተጸንቢሮሞም ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ዝሰዓበ ኣኼባታት ግን፡ ኣሰራርሓ መድረኽ ተሓታትነት ክህልዎን፡ ምንጪ ናይቲ ከም መካየዲ ዝጥቀምሉ ገንዘብ “መን ምዃኑ” ከነጽሩን ተሓቲቶም። ሓለፍቲ መድረኽ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምንጻግ “ንስኻትኩም መሻርኽቲ እምበር ኣባላትና ስለ ዘይኮንኩም፡ ብዛዕባ’ዚ ምሳኻትኩም ክንዘራረብ ድሉዋት ኣይኮናን” ዝብል ምንባሩ ሰሚዕና። “ብእዋኑ ዝነቀወ ዝብእስ ኣየሕድርን!” ድዮም ዝበሉ ቀዳሞት!! ኢሰያስ ድኣ “ብዛዕባ ገንዘብን ባጀትን ሃገር ከይትሓቱኒ” እንድኣሉ ዝበለ። ንምንታይ’ከ ምንጪ ዝጥቀምሉ ገንዘብን ብዝሑን ዘይዛረቡ? ህዝቢ ክፈላልይሉ በቶም ዝጣበቑሎም ዘለዉ ሰብ ር/ማል ስለ ዝተዋህቦም ዶ’ኾን ይኸውን?

ካብ’ዚ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎ እምበኣር፡ ኩሉ ኣሰራርሓኦም ካብታ ተሓቢኣ ትሰርሕ ዝነበረት ቀንጻሊትን ፈላላይትን ሕብእቲ ሰልፊ ዝተወርሰ ኢዩ። እቲ ብወገንን ኣውራጃን እናጠቀንካ፡ ሰባት ምጽላም ንኣብነት ናቱ ውርሻ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ጽሑፋተይ ገሊጸዮ ከም ዝነበርኩ፡ ናይ ሎሚ ፕረዘደንት መድረኽ ዶ/ር ኣሰፋው ተከስተ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ “ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ ጸላኢና” ብምባል፡ ንኹሎም ሓለፍቲ ህግደፍ ነጻ ገይሩዎም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ምምስራትን ምዕባይን መድረክ ከም መሳርሕቲ ዝተሓርዩ ሰባት ኩሎም፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣሳሰይትን ቀንዲ ተለኣኣኽትን ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ድማ ፖሊሲ መድረኽ ንኢሰያስ ብውልቂ “ተሰካሚ ናይ ኩሉ ፍሽለታትን ገበናትን ንሱ ጥራይ ኢዩ” ብምባል፡ ንዕኡ ኣልዮም፡ ኣብታ ተወጢሑዋ ዘሎ መንበር ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝተፈጸመ ገበናት ከም ዘይተፈጸመ ኪሒድካ፡ ኣብ ፖለቲካን ገለ ናይ ሓላፍነት ቦታን ቁሩብ ምትዕርራይ ገርካ ብምጽጋን፡ ነቲ ዘይውዱን ቁጠባዊ ፖሊሲ ህግደፍ ምትግባርን ኢዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር ዝሓርዩዎም ሰባት ድማ ቅድም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ደሓር ኣብ ዘመነ ህግደፍ ቀንዲ ኣተግበርቲ ናይቲ ጉዕዙይ ፖሊሲን፡ ላዕለዎት ሓለፍትን ዝነበሩ፡ንዝፈጸምዎ ገበናት ምኽኑይ ምግባርን ከም ቀንዲ መሻርኽትን መሳርሕትን ምቕባልን ኢዩ።

እቲ ንዝበዝሑን ገዚፍ ር/ማል ዘኻዕበቱን ጀነራላት ህግደፍ ንሒፍካ ወይ ከይተንከፍካ፡ ናብ ውሑዳት መኮነናት ብፍላይ ከኣ ናብ ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ዘነጻጸረ ዘመተኦም ከኣ ነዚ ኢዩ ዘነጽር።

ኣብ 3ይ ክፋል የራኽበና

ታደሰ ኪዳነ
ቢርሚንግሃም (ዓባይ ብሪጣንያ)
12 February 2018


Share with friends:


See also recent Articles by Tadese Kidane:


See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር: