Lets not let our unity undermined

02/11/2017 03:18 AM

ሓድነትና ክጉዳእ ስቕ ኢልና ኣይንርኣዮ።

Lets not let our unity undermined

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን-ዓባይ ብሪጣንያ)
by Mr. Yohannes Tseggay (London - UK)


Lets not let our unity undermined


ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ ጽሑፋተይ!

ብኸመይ ከምዝጅምሮ ጠፊኡኒ ኣሎ። እስከ በዚ ዝስዕብ ክጅምር፡-

ናይ ቀረባ ታሪኽ ከምዝምህረና፡ ሰውራ-ጥቅምቲ ናይ ሩስያ 1917 (ብ October Revolution ዝፍለጥ)፡ እቲ ለኒናዊን ስታሊናዊን ኮሙኒስታዊ ምሕደራ፡ ስልጣን ምስሓዘ፡ ንኩላተን ኣብያተ ክርስትያንታትን ካልኦት እምነታትን ምላእ ብምላእ ብሓይሊ ኢዩ ዓጽዩወን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ዝተረኽበ ሰብ ድማ ክሳብ ብሞት ዝቕጻዓሉ ኩነታት ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ ኣምላኽ እውን ናቱ መንገዲ ኣለዎ፡- እቲ ኮሙኒስታዊ ስርዓት ተሮኽሚሹ፡ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ድማ እቶም መራሕቲ ኮሙኒስታዊ ሰልፊ (ከም በዓል ፕረሲደንት ፑቲን)፡ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ ፓትሪያሪክ ናይታ ሃገር ቃለ-ማሕላ ክፍጽሙ ንርኢ ኣሎና። እታ ሰብ ዘፍረሳ ቤተክርስትያን፡ ኣምላኽ ኣብቲ ንሱ ዝመረጾ ሰዓት ተኺሉዋ። እዚ ንዓና ንኤርትራውያን ሓደ ህያው ኣብነት ኢዩ። ሰውራ ይኹን ሓደ ስርዓት፡ ንእዋኑ ነቲ ንቡር ህይወትን ከይዲን ናይ ሕብረተሰብ ክዓናቕፎ ይኽእል ይኸውን፡ ኣማስያኡ ግን በቲ ገፊሕ ባህሊን ልምዲን ሕብረተሰብ ተዋሒጡ ከምዝተርፍ ርዱእ ኢዩ። ኩሉ ጊዜ፡ መስርሕ ምዕባለ ሕብረተሰብ፡ ብዓቐናዊ ስጉሚ ኢዩ ዘገም እናበለ ንመዋእላት ዝኸይድ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ምስ በጽሐ ድማ ናብ ዓይነታዊ ለውጢ ይሰጋገር። እዚ ባህሪያዊ ሕጊ'ዚ ክንጎስዮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ዋላ ብግዲ ናብ ካልእ ማእዝን ከነብሎ እንተደለና እውን ኣይኮነልናን ኢዩ። መን'ዩ ኸ ንሕግታት ተፈጥሮ ክቆጻጸርን ክቕይርን ዝኽእል!?

ሕጂ ናብ ናይ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘጋጠመ ኩነታት ክወስደኩም፡-

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ኣብ 1948 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ፡ ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰባት (Universal Declaration of Human Rights)፡ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ዝመረጾ ሃይማኖት ናይ ምእማንን ንኻልኦት ናይ ምስባኽን መሰል ይህቦ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እምነት ናይ ህዝብና ጦብሎቕሎቕ ዝብልን ክቆጻጸሮ ዝደልን!? መጀመሪያ ብኣመንቲ ጀሆቫ፡ ካብኡ ናብ እስላም "ጀሃድ" ብዝብል ዘይዕላዊ መጥቃዕቲ፡ ካብኡ ናብ ኣመንቲ ኤቫንጀሊካል ክርስትያን፡ ቀጺሉ ናብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ (ፓትሪያርክን ኣቡናትን ብምእሳር)፡ ሕጂ ድማ ዳግማይ ናብ እስልምና። ኣብ ዝተጠቕሰ እዋናትን ዓመታትን እውን፡ መጽሔታት ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኦርቶዶክስን ከምዝእገዳ ኾይነን ክሳብ ሕጂ ህጣመን ከም ዝጠፍእ ኮይኑ ኢዩ። እዚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ግህሰት ድማ ካብዚ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ፍጻሜ፡ እቲ ከም ድላይካ ከተሳፍሓሉ፡ ከተተንፍሰሉን ክትንቀሳቐሰሉን ዘየፍቅድ፡ ፍርሒን ራዕዲን ዝዓብለሎ ኣብ ዓድና ዘሎ ኩነታት እናፈለጠ፡ ህዝቢ ፈንጢሱ ናብ ጎደናታት ኣስመራ ምውጽኡ፡ ንደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ተባዕ ኣብነት ኢዩ። ምእንቲ ሰበይቱ፡ እምነቱን መሬቱን ዘይስዋእ ሰብኣይ ስለዘየለ፡ እዚ ሓደ ኣብነት ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘሰምበደ ድማ አቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ-ሰልፈኛ ብብረት ቶኽሲ ምኽፋትን፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ሓደጋታት ምብጽሑን ኢዩ። እዚ ጸረ-ህዝባዊ ተግባርዚ፡ ነቶም ፈጸምቱ ብገበን ዘሕትቶም ኢዩ። ኣብ ክንዲ ብረቶም ናብ ህዝቦም ዝቐንዕ፡ ዋልታ ክኾኑሉ ኢዩ ዝግብኦም ዝነበረ። ሰራዊት ሓደ ሃገር፡ ዋልታን ውሕስነትን ቅዋምን ህዝቡን ኢዩ ክኸውን ዝግባእ። ኣብቲ ዝወዓለ ኩነታት ብዝምልከት፡ ብውድብ ስሙር ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ዝወጸ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ 4 ሰባት ብጥይት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉን 58 ድማ ከም ዝተኣስሩን ይገልጽ። ብኻልእ ሸነኽ ዕለት 01 ሕዳር 2017 ኣብ ኣልጀዚራ ዝወጸ ሓበሬታ ድማ፡ 28 ሰባት ምሟቶም ሓቢሩ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣብቲ ብመንገዲ ትዊተር (tweeter)፡ ብሚኒስተር ሓበሬታን ፕሮፓጋንዳን ኤርትራ (ኣቶ የማነ ገብረመስቀል) ኣቢሉ ዝወጸ ሓበሬታኡ፡ "እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑን፡ እቲ ዝተራእየ ናይ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኣድማ ድማ ከም ፍሉይ ሓድሽ ዜና ተቖጺሩ ግምት ዝወሃቦ እውን ኣይኮነን" ይብል። ኣብ ኤርትራ፡ ኩሉ ተግባራትን ሓበሬታን፡ ብስቱር ስለዝተሓዝ፡ ናይቲ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብወግዓዊ ምንጪታት ብንጹር ንምርግጋጹ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ እዚ ዝተራእየ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ንብዙሓት ዜጋታት ክልክም ከምዝኽእል ክግመት ዝከኣል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዝስዕብ እንታይ ንመሃር?

ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ንምንቛት፡ ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዕግርግር ከምዝለዓልን ንሓድሕዶም ከምዝቃተሉን ውዲት ፈጢሮም ምንባሮም ብታሪኽ ንዝክሮ ናይ 50-60 ዓመታት ዝገበረ ተመኩሮ ኢዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ነቲ እከይ ውዲታት ገዛእቲ ዝተገንዘቡ ለባማት ወለድናን መራሕቲ ክልቲኡ ሃይማኖታትን (ክርስትናን እስልምናን)፡ ነቲ ገዛእቲ ኣብ መንጎ ህዝብና ሕድሕዳዊ ጽልኢ ከስፋሕፍሕ ዝኣለሙዎ ውዲት ኣፍሺሎሞ ኢዮም። ኣብ መንጎ ህብና ዕርቂን ሰላምን ከምዝዝዓስል ገይሮም ኢዮም። ሓደ ካብቲ እቶም ለባማት ወለድና፡ ዝሓደጉልና ሃብታም ውርሻ ድማ፡- ሃይማኖት፡ ኣውራጃን ብሔርን ከይበልና፡ ንልዕሊ 40 ዓመታት፡ መጀመሪያ ብፖለቲካዊ ሰላማዊ ቃልሲ፡ ካብኡ ድማ ካብ 1961 ብሓባር ብረትና ኣልዒልና ንሳላሳ (30) ዓመታት ብሓባር ተሰዊእና፡ ናጽነት ሃገርናን ልዑላውነትናን ከነረጋግጽ ኣብቂዑና ኢዩ። ሕጂ ድማ ሓርነት ህዝብና ኣብ ምርግጋጽ ኣብ መስርሕን ሰንከልከልን ንርከብ ኣሎና። ሎሚ'ውን ከም ትማሊ፡ ሽግርና ሓቢርና ጥራይ ኢና ክንፈትሖ ንኽእል።

ዕድልናን ግርህነትናን ኮይኑ፡ እቲ ዝሓለምናዮ ሓርነት ናይ ህዝብና፡ ኣብታ ናጻ እንብላ ሃገርና ኤርትራ ከይንሃንጽ፡ ብገባቲን ምልካዊን ጉጅለ ህግደፍ ተዓጊትና። ኣብ ውሽጢ ሓድሕድና ዝነበረ፡ ብናይ ሓባር መስዋእቲ ዝተፈረመ፡ ሓድነትና፡ ብውዲታት ስርዓት ህግደፍን፡ ካልኦት ግዳማዊያን ሓይልታትን፡ እናተፋሕቈ፡ ብፍላይ ኣመንቲ ክልተ ያታዊ ሃይማኖታት (ክርስትናን እስልምናን) ኣብ ሓድሕዶም ከምዝረሳሰኑ ንምግባር ዝህቀኑ ፈተነታት እውን ከምዘለዉ ንምግማት ኣየሸግርን። እንተኾነ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ክርስትና ኣብ ዓለም ከይተስፋሕፍሐ፡ ፍጥር ክብል ከሎ፡ ከምኡ'ውን እስልምና ኣብ ከባቢ ስዑድያ ከየስፋሕፍሔን ሰዓብቲ ሰይድና ነቢይ መሓመድ ዝህደኑሉ ዝነበሩ መጀመሪያ ዓመታትን፡ ኣብዛ ሕጂ ኤርትራ ሃገርና ተዓቚቦምን ነታ ፍልማዊት መስጊዶም (መስጊድ ኣስሓባ) ምህናጾምን ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እቶም ሽዑ፡ ንተኸተልቲ እስልምና ተቐቢሎም ዘዕቆቡዎም ተቐማጦ ናይዚ ሕጂ ኤርትራ ድማ፡ ክርስትያን ኢዮም ነይሮም። በዚ ድማ እስልምና ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣስፋሕፊሑ፡ ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ክልቲኡ ኣማኒ ህዝቢ፡ ብፍቕሪን ብስኒትን ብሓባር ክነብሩ ጸኒሖም። እዚ ኩነት እዚ፡ እቲ ኣዚና ከም ህዝቢ እንኾርዓሉ፡ ካብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ድማ ፍሉያት ዝገብረና ዓቢይ ኣብነት ንህዝቢ ዓለም ኢዩ።

ካልእ ነዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብዓቢኡ ዘራጉድ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽናን መጽናዕትታትን ከምዘረጋግጹዎ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ፡ ብደምን ዘርኢን ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ኢዩ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ጽንዓደግለ ዘለዉ እንዳታት ትግርኛ፡ ምስ ኣብ ሳሕል ዘለዉ ቀቢላታት ትግረ ናይ ስጋ ዝምድና ኣለዎም። ኣብ ከባቢ ሓማሴን ዘለዉ እንዳታት ትግርኛ፡ ምስ ኣብ ሳሕል፡ ሰንሒትን ባርካን ዘለዉ ቀቢላታት ትግረን ሕዳርብን ናይ ስጋ ዝምድናታት ኣለዎም። ከምኡ'ውን ብተማሳሳሊ ኣብ ካልእ ከባቢታት እቲ ዝምድናታት ተማሳሳሊ ኢዩ። ስለዚ ጥምረት ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቕ ኢሉ ካብ ባዶ ዝነቐለ፡ ወይ ብሳላ መግዛእቲ ጣልያን ዝመጽአ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን እንተሎ የዋህ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ፡ እቲ ኤርትራ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ክልታት ወይ ዶብ፡ ብገዛእቲ ሓይልታት ዝተጠረረ ኢዩ፡ ብዝተረፈ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ከባቢታት ናይ ሱዳን፡ ናትና ናይ ኤርትራ ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣብቲ ዶባት ዝርከቡ ኤርትራውያን ከምዘለዉ እውን ክንስሕቶ ኣይግባእን። ስለዚ መግዛእታዊያን ሓይልታት ንግዝኣቶም ክጥዕሞም ንህዝብታት ከምዝጎዛዘዩዎ እውን ክሳሓት የብሉን።

ገለ ካብቶም ቀንዲ መለለዪ ባህሪያት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣማኒ እግዚኣብሔርን ፍርሃተ-እግዚኣብሔርን ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ፡ ብሕጊ እንዳባን ብፍትሒን ክኸይድ ዝደሊ ምዃኑ፡ ናይ ግሊ ሃይማኖቱ ኣጽኒዑ ዝሕዝ፡ ናይ ካልኦት ሃይማኖት ድማ ዝሕሉን ዘኽብርን ህዝቢ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ኩሉ ዝግበር ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት፡ ንኣብነት፡- ሓጎስን ሓዘንን፡ ብሓባር ኣብ ሓደ ዳስ፡ ይካፈልን ይሳተፍን። ሓቢሩ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላእቱ ይምክት ምንባሩ ድማ ኣብ ብዙሕ ናይ ታሪኽ ኣብነታት ነንብብን ንሰምዕን ኢና፡ ብዓቢኡ እቲ ናይ ቀረባ 30-40 ዓመታት ዘካየድናዮ ሓርነታዊን ብረታዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ናይዚ መርኣያ ኢዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዘሎኹም!

ሓድነትና ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋ ኣሎና። ነቶም ኣብ ውሽጥና ኣትዮም እናተፈለጠናን ከይፈለጥናዮምን ክፈላልዩና ዝኽእሉ ተርእዮታት፡ ብህድኣትን ብንቕሓትን ኣስተውዒልና፡ መእተዊ ነዃላት ከምዘይረኽቡ ክንገብሮምን ክንምክቶም ይግባእ። ሓድነት ድማ ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕልላይን ኢያ እትመጽእን እትዕቀብን። ጽባሕ ንግሆ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ ብስሙር ቃልስና ኣሊና፡ ነቲ ባዕልና ዘጽደቕናዮ ቅዋም ናይ ሃገርና ተማእዚዙ ዝሰርሕ፡ ቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓት ምስተኸልና፡ ኩሉ'ቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ተመንዚዕናዮ ዘሎናን ተነፊጉና ዘሎ ሓርነትን፡ ከነስተማቕሮ ክንበቅዕ ኢና። ክሳብ ኣብኡ እንበጽሕ ግን፡ ብተግባራትን ፕሮፓጋንዳን ምልካዊ ስርዓትን ካልኦት ሓይልታትን ተማቓቒልና፡ ነታ ዝነበረትና እውን ከይንስእና ሓደራ እብለኩም። ኣብ ከምዚ ናይ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ተረኽቦ (incident) ዘጋጥመሉ እዋን፡ ኩሉ ጊዜ፡ ብልብናን ሕልናናን፡ ነቲ ለባማት ወለድናን መራሕቲ ሃይማኖታትን ኣብ እዋን ምምሕዳራዊ ስርዓት እንግሊዝ ዘርኣዩዎ ብልሂን ልቦናን ክንዝክር ይግባእ። ሎሚ እውን ከም ዝሓለፈ ነዚ ክፍጠር ዝኽእል ወጥሪ ብልቦና ተጻዋዊርናን ንሓድሕድና ተኻባቢርናን ክንሰግሮ ከምእንኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ዝዓበየ ዝነኣሰ፡ ምሁርን መራሕ-ሃይማኖትን፡ ነዚ ህሉው ኩነታትን ክፍጠር ዝድለ ዘሎ እከይ ውዲትን ወጥሪን፡ ንምፍዃሱን ንምፍትሑን ዝሕግዝ ምዕዶን ኣስተምህሮን ክልግስን ብተግባር ከሰንዮን ይግባእ። ኩሉ ኤርትራዊ፡ ንፍትሒን ማዕርነት መሰልን፡ ብሓደ ድምጺ ጥራይ ኢዩ ክለዓል ዘለዎ።

መልእኽተይ ነቶም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ድሕሪኡን፡ እጃሞም ገይሮም ብህይወት ዘለዉ ብጾተይ፡-

ልክዕ'ዩ፡ ንሕና ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ክሊ 50ታትን ልዕሊኡን ዕድመ እንርከብ ዘሎና፡ ብስንክልናን ዕድመ ዘስዓቦ ድኻማትን እንሳቐ ዘሎናን፡ ከነዕርፈሉ ዝግባእን ዕድመን ኩነታትን ኢና እንርከብ ዘሎና። ሕልምናን ድሌታትናን ሕድሪ ስዉኣትናን ተጠሊምና። ኣብ ፈቐዶ ሃገረ-ስደት፡ ብዓረብያን ምርኩስን ከይተረፈ፡ ብምድረበዳን ሰሃራን ኣቋሪጽና ፋሕ ኢልና። ካብ ንፈትዎም ስድራቤታትናን ደቅናን እቶም ዝበዝሑ ካባና፡ ተፋላሊና። ኣብ ከቢድ ስነኣእሙራዊን ኣካላዊን ስቅያት ኢና እንነብር ዘሎና። እዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ፡ እቲ ኣብ እዋን ናጽነት ቆልዓ 10-ዓመት ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተወልደን ኮይኑ ኣብዚ እዋን'ዚ ዕድመኡ ካብ 27 - 37 ዓመት ዘሎ መንእሰይ ኢዩ። እዚ መንእሰይ ወለዶ'ዚ ድማ፡ ፍጥር ካብ ዝብል፡ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ፡ መጀመሪያ ካብ 5ይ - 6ይ ክፍሊ ምስ በጽሐ ኣብ "ክፈምታዊ ማእቶት" ይጽመድ፡ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ናብ 11-ክፍሊ ክሰግር ከሎ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ከይዱ ብግዲ ከምዝመሃር ይግበር። እቲ ውሑድ ናብ ኮለጅ ክሓልፍ ዕድል ዝገበረ ገዲፍካ፡ ኩሉ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ብዘይ ድሌቱ 10-20 ዓመታት ከም ዝሽመም ኢዩ ኾይኑ። ኣብዚ ህይወት'ዚ፡ ብዘይካ'ቲ መሬት ወግሐት ዝወሃቦ ፖለቲካን ፕሮፓጋንዳን ናይቲ ስርዓት፡ ሓንጎሉ ናጻ ኾይኑ ክሓስበሉ ዝኽእል ዕድል ኣይተፈጥረሉን። ካብዚ ኩነታት እዚ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ ድማ፡ ብዙሕ መስገደላት ይጎንፎ። ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፡ ብጾቱ ብራሻይዳ (በደዊን) ክጋፍዑን ክቕተሉን፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ፡ ዶብ ክሰግሩ ብጥይት ብጾቶምን ሓለውቲ ዶባት ካልኦት ሃገራትን ክረግፉን፡ ደቀንስትዮን ተባዕትዮን ብጾቶም ኣዝዩ ኣጸያፊ ተግባራት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክፍጸም እናረኣዩን ኢዮም ተጓዒዞም። ነዚ ኹሉ ሰጊሮም ኣብ ሃገረ ስደት ዑቕባ ንምርካብ ብዙሕ ይሽገሩ፡ እቶም ዑቕባ ዝረኸቡ እንተኾነ'ውን ወትሩ፡ እቲ ዝሓለፉዎ ኩነታት ለይቲን መዓልቲን ኣብ ናይ ሕልና ተዘክሮኦም እናመጸ የጨንቖም። ነዚ መፍትሒ ዝመስሎም ብዙሓት ድማ ኣብ ዘይተደልየ ህይወት ክወድቁን ክሳብ ነብሶም ከሕልፉን ንርኢ ኣሎና። ኣጆኹም ኢሉ ናብ ልቦም ዝመልሶም፡ ዘተሃዳድኦም፡ ጥርኑፍ ዝኾነ ሓያል ማሕበረሰብ ኤርትራውያን የለን ክበሃል ይከኣል። እቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ክዋሳእ ዝግብኦ ናይ ኤርትራዊያን ሲቪካዊ ትካላትን ማሕበራትን እውን፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ንኡስ ምዃኑ፡ ኣብ ሓድሕዱ እውን ስጡም ርክባትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ባህሊ ይጎድሎ ኢዩ። እቲ ንፍትሒ ደው ዝበለ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እንተኾነ እውን ካብዚ ናይ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝተፈልየ ኩነተ-ህላወ የብሉን። ስለዝኾነ፡ እቲ ብኣማኢታት ኣሽሓት ናብ ስደት ዝወሓዘ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣላዪን ዓንጋሊን ወይ ድማ ናተይ ኢሉ ዝጽጋዓሉን ኣካል ኣይረኸበን። ምስ ኩሉ በሰላታቱ፡ ዋላ'ኳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ክልወጥ ፈተነታት እንተገበረ፡ ንሱ'ውን ግዳይ ናይ ምፍንጫላት እናኾነ፡ ሓቢርካ ንናይ ሓባር ሽግር ኤርትራ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰንከልከል ክብል ኢና ንዕዘቦ ዘሎና። ስለዚ እምበኣር፡ እቶም ከነዕርፍ ዝግባኣና እንተኾነ'ውን ገና ሓላፍነት ከምዘሎና ዝእንፍት ኩነታት ኢዩ ገጢሙና ዘሎ። እንተኾነ፡ ዓቢይ ክፋል ካባና፡ "ኣነ ትማሊ ዘበርከትኩዎን ዝሰንከልኩዎን ይኣኽለኒ...ወዘተ" ብምባል፡ ካብቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ንጥፈታት ነብስና ብምግላል ኣጽቂጥና ኢና እንርከብ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እዚ ኩነታት'ዚ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ከም ድላዮም ዘታልሉዎን ዝጎዛዝዩዎን ምቹአ ሕዛእቲ ፈጢሩሎም ይርከብ። እዞም ጎዛዘይቲ ሓይልታት፡ ሓደ ካብቲ ዘታኣታተዉዎ ሰንካም ሕንዚ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ ብዘይ ሱርን ታሪኽን ከምዝተርፍ ንምግባሩ፡ ንታሪኽን ጅግንነትን ወለዱ ዋጋ ከምዘይህልዎ ምግባሩ ኢዩ። እቲ ሓሓሊፉ ብገለ ሰባት ዝቀላቐል፡ ኣንጻር ተጋደልቲ-ነበርን ኣብ ልዕሊ ቃልሲ-ህዝቢ-ኤርትራን ዝግበር ዘለፋታት ድማ፡ መንቀሊታቱ ካብኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እሞ እቲ መፍትሒ እንታይ ኢዩ?

እቶም ብዕድመ ዝደፋእና ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ዓቕምና ዘበርከትና ሓርበኛታት፡ በብከባቢና ክንራኸብን ክንመያየጥን ይግባእ። ነዚ ኣብ ሓደጋ በጺሑ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንምፍዋሱ፡ ውድባዊ ጸግዕና ብዘየገድስ፡ ከም ሓርበኛታት ጥራይ ክንራኸብ ብከባቢና ክንጥርነፍን ብዓለም ደረጃ ድማ ክንጥመርን ኣሎና። እዚ ኣዝዩ ሓያል ቃልሲን ትብዓትን ዝሓትት ስጉምቲ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ሃገርናን ህዝብናን ካልእ ኣማራጺ እንታይ ኣለዎም!? ንሕና ምስ እንጥመር፡ ናብ ውሽጢን ወጻኢን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢ ተስፋ ክንከውን ኢና። ፋሕ-ዝበለ ከነተ-ህላወ ፖአቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ ምጽባብ ድማ፡ ዓቢ ግደ ከምዝህልወና ኣየጠራጥርን። ንህዝብናን ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝገደፍናዮም ብጾትናን ስንኩላትናን፡ ኣሎናልኩም! ክንብሎም ይግባእ። ኣብቲ በብከባቢና ዝግበር ምጥርናፍ ናይ ደለይቲ-ፍትሒ ድማ ተራናን ተሳትፎናን ከም ታራ ህዝቢ፡ ዕዙዝ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሃገራዊ ጉዳይ'ዚ ንጽባሕ ይጽናሓለይ ዘይባሃሎ ዕማም ኢዩ። ኣብዚ ናይ ትማሊ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ከተማና ዘጋጠመ ኩነታት ድማ፡ ኣድላዪ ዘይኮነ ሳዕቤናት ከየኸትል፡ በብዘሎናዮን ብዓቕምናን፡ ልቦናዊ ምኽርና፡ ምስ ዝሓለፍናዮ ተሞኩሮ እናገለጽና፡ ናብ ቅኑዕ ማእዝን ክንኣልዮን ኣድላዪ ዘይኮነ ስምዒታት ኣብ ውሽጢ ህዝብና ከይግንፍል ከነተሃዳድኦን ይግባእ።

እዚ ልዒሉ ዝተዘርዘረ ኩሉ፡ ግቡእ ስርዓተ-ነጥቢ ዝተኸተለን ብዙሕ ግዜ ዘጥፋእኩሉን ኣይኮነን። ሕልናይ ዝበለኒ ኢየ ስቕ ኢለ ዝጽሕፎ ዘሎኹ። ተስፋ እገብር፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ጠቓሚ ርእይቶይ ኣካፊለ ክኸውን። ካባኹም ዝመጻኒ ሃናጺ ሓሳባትን ምኽሪን ክቕበል ድሉው ኢየ። ኢመይል፡- yohannesyt@gmail.com

ፍቕሪን ሰላምን ንኹሉ ኤርትራዊ!

ሓውኹም፡ ዮውሃንስ ጸጋይ
ሎንዶን (ዓባይ ብሪጣንያ)
02 ሕዳር 2017


Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን

ኣድማሳዊ መሰል ደቂ-ሰብ 1948 ቪድዮ ትግርኛ (Universal Declaration of Human Rights - Tigrinya Audio.)

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታትና ቀንጠብጠብ ተቖጠብ!   መግለጺ ቤት-ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤሪትራዊ ስምረት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ 31 ጥቅምቲ 2017፡