ሌላ ምስ ማናቱ መጻሕፍቲ (1) ምምልላእ (2) ምክእኣል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

11/07/2019 23:35 PM

ሌላ ምስ ማናቱ መጻሕፍቲ፡-

(1)ምምልላእ፡ (ምህናጽ ሕጉስ ስድራቤት)
(2)ምክእኣል፡ (ጠንቅታት ዘይምቅድዳው መጻምድትን ኣተኣላልያኡን)

ደራሲ፡- ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን)

ገዲም ተጋዳላይን ናይ ሕጊ ምሁርን

ሌላ ምስ ማናቱ መጻሕፍቲ፡ ብ`ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን

ሌላ ምስ ማናቱ መጻሕፍቲ፡- (1)ምምልላእ፡ (ምህናጽ ሕጉስ ስድራቤት) (2)ምክእኣል፡ (ጠንቅታት ዘይምቅድዳው መጻምድትን ኣተኣላልያኡን) -
ደራሲ፡- ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) ገዲም ተጋዳላይን ናይ ሕጊ ምሁርን

ዕለት 09 ሰነ 2019፡ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ነዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ክልተ ማናቱ መጻሕፍቲ፡ (1)ምምልላእ፡ (2)ምክእኣል፡ ናይ ምልላይን ምምራቕን ስነስርዓት ተኻይዱ ነይሩ። ብምኽንያት ጻዕቂ መደባት፡ እዚ ጸብጻብ ደንጉዩ ብምቕራቡ፡ ንተኻታተልቲ ይቕሬታ ንሓትት።

ኣብቲ ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ከተማ ሎንዶን ዝመጽኡ፡ ኩሉ ጾታታትን እምነታትን ሕብረተሰብና ዝርከቡዎም፡ ክሳብ መናብር ዝጸብብ ነቲ መአከቢ ኣዳራሽ መሊኦሞ ይርኣዩ ነይሮም።

ነተን ክልተ ማናቱ መጻሕፍቲ (ምምልላእ፡ ምክእኣል፡) ብቕደም ተኸተል ገምጋሞም ዘቕረቡ ክልተ ኣሕዋት፡- ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብራሃ ከምኡ'ውን ኣቶ ገብረጊዮርጊስ ፍስሃየ ኾይኖም፡ ክልቲኦም፡ እዘን ማናቱ መጻሕፍቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት፡ ወይ ስድራ፡ ከም ናይ ህይወት መምርሒን መወከሲን ክትሓዛ ከምዝግብአን ብምስምማዕ ተላብዮም። ብተወሳኺ፡ እዘን መጻሕፍቲ፡ ኣብ ሕብረተሰብና መሰረታዊ (Revolutionary) ዝኾነ ለውጢ ከምጽኣ ዝኽእላ ምዃነን፡ ካብ ዓሚቕን ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ምርምራዊ ስራሕን ምርኩስ ገይረን ዝተጻሕፋን፡ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ኣብ ህይወትን ኣከያይዳን ስድራቤትናን ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጸገማት ብኣጋ ተረዲእካ ብኸመይ ተማላሊእካን ተኻኣኢልካን ከምዝስገሩ፡ ብውሕሉል ኣገባብን፡ እናዛነያን ዝምህራ፡ ብሃብታም ቋንቋ ትግርኛ ዝተጻሕፋን ምዃነን ይሰማምዑ።

ገምገምቲ ኣብ መወዳእታ፡ እዘን መጻሕፍቲ ኪኖ ኤርትራ እውን እንተኾነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘገልግል ምርምራዊ ትሕዝቶን ኣስተምህሮን ስለዘለወን፡ ኣብ ከም ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNESCO ወይ WHO) መሳሊ፡ ብካልእ ቋንቋታት ተተርጒመን ናም መላእ ዓለም ዘሎ ተጠቃማይ ክበጽሓ፡ ጻዕሪን ስራሕን ከምዝግብአን ኣስሚሮሙሉ።

ድሕሪ'ቲ ናይ ገምጋምን ሌላን መደረ፡ ደራሲ፡ ኣቶ ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን) ብወገኑ፡ ነቲ ነዊሕ ጻዕሪ ዝሓተቶ ዕማም ብኸመይ ከሰላስሎ ከምዝኸኣለ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣስሚዑ።

ቀጺሉ ካብ ኣኼበኛታት ርእይቶታት ቀሪቡ። ተሳታፋይ ኣኼባ ድማ ነፍሲ-ወከፉ ከክልተ ወይ ኣርባዕተ ቅዳሓት እናዓደገ ነቲ ዝነበረ መጻሕፍቲ ተሻሚዉሉ።

ጽንኩር ኩነታት ሰጊርካ፡ ካብ ዝተሓተ ባይታ ነቒልካ፡ ንነብስኻ ተማሂርካን ኣማዕቢልካን ዝቐሰምካዮ ትምህርቲ፡ ፍልጠትን ተሞኩሮን፡ ብመጽናዕቲን ዳህሰሳን ኣሰኒኻ ንሕብረተሰብ ዘገልግል ብሉጽ ስራሕ ከተፍሪ ምኽኣል፡ ዓቢይ ኣብነታዊ ተበግሶ ኢዩ።

ኣብ ታሕቲ፡ ናይቲ ዝነበረ ስነስርዓት ዝገልጽ፡ ስኒትና.ኮም ኣብኡ ተረኺቡ ዝሰነዶ ሙሉእ ናይ ቪድዮ ጸብጻብ፡ እነሆልኩም፡-

www.snitna.com
ስኒትና


መጻሕፍቲ ንምዕዳግ ምስ እትደልዩ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ተወከሱ፡-

ኢመይል፡- kiflu23@yahoo.com
ቴለፎን፡- 00447956548581
Website፡- www.semayat.com


ሌላ ምስ ማናቱ መጻሕፍቲ (1) ምምልላእ (2) ምክእኣል -
ደራሲ Kiflehans Teweldebrhan (Snitna 11-July-2019)



Share with friends:

See also recent Articles by Redi Kifleጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ’ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)  (Snitna Archives):-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: