"ክምለስ’የ" ኢለያ ነደይ

05/11/2017 21:44 PM

"ክምለስ’የ" ኢለያ ነደይ

ግጥሚ ብ'ፍቕረይ የማን


'ክምለስ’የ' ኢለያ ነደይ

 

"ክምለስ’የ" ኢለያ ነደይ

ፈለማ፡
ኣብ ሻብዓይ ዕድመይ
ምስ ህንጡይ ትርኢተይ
ሃልሃል ዝብል ወነይ፡

ስርሓት ገዛና ኣደይ ዝሰፈየታ
ካብ ኣረጊት ጨርቂ ለጋጊባ፡
ክልተ ጥራዝ ነናይ ዕስራ ገጻት
በላሕ ርሳስ ብስሕለት ዝተጸርበት
ዝሓቖፈት ሳንጣይ ተዀልኲለ
ካብ ቀጽሪ ገዛና ትምህርቲ ነቒለ።

ኣደይ ደድሕረይ ክሳብ’ቲ ኣፍደገ
ተስፋን ሻቕሎትን ኣብ ገጻ ‘ናተነበ
«ኣይትሕመቕ ዝወደይ
ኣይትደንጒ ድሕሪ ፍዳሴ»
ኣፋንያትኒ።

እንድዒ!
ድሕሪ ፍዳሴ
ቀልጢፈ ድየ ደንጉየ
ንዓመታት ተመላሊሰ
  ተመሊሰ።

ሓደ ነገር ግን ርግጽ ኮይኑ
ህንጡይ ትርኢተይ
ሃልሃል ዝብል ወነይ
ምሳይ ዘይምንባሩ
ድንጋጸ ሓዊሱ ገጽ ኣደይ ነጊሩ።

ይድህል ድዩ ምምሃር?
የፍርሕ ድዩ ምዕባይ?
ትምህርቲ ምኻድ ከ
ምጒዳል ድዩ ምውሳኽ?

ካልእ ንቕሎ …
ኣብ ገጸይ ነድሪ
ኣብ ድምጸይ ትሪ
ኣብ ልበይ ግን እንድዒ፣

ሓንሳእ ድሕሪ ኣገልግሎት
ካልእ ሻዕ ድሕሪ ምውሓስ መሬት
«ክምለስ’የ» ኢለያ ነደይ።
ኣብቲ ቀጽሪ ብደዋ
ከይደ ገዲፈያ።
ናብ ገጻ ኣይጠመትኲን
እንታይ ትብል ነይራ ኣይፈለጥኲን።

ትራፍ ናይቶም ዝተረፉ
ክምለሱ ቃል ኣትዮም ዘይተመልሱ
ተመሊሰ።
ደንጉየ ድየ ቀልጢፈ ኣይፈለጥኲን
ለውጢ ኣብዘይብሉ መስርሕ
ግዜ ክልክዕ ኣይከኣልኲን።

ኣብ ገጽ ኣደይ ግና
ቅዛነት ነቢበ
ዓሚቚ ሓዘን ምስኡ
ብድምጺ ዘይጽወ።
ትብል ግን እምስለኒ
‘እዚ ወደይ
በብዝወጾ፣ መንፈሱ ዝቐትሎ
ፍርሒ ዝሕዘሎ
እንታይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ
እንታይ ከ እዩ ዝግበሮ’

ምግልጋል ንሃገር
ምቅላስ ንመሬት
የሕብን ድዩ የፍርሕ
ጻማኡ ክብረት ድዩ
ወይስ ሓበንካ ቀቲሉ’ዩ
ድሁል መንፈስ ዝገብር?

ኣብ መወዳእታ፡
ኣደይ ኣብ ክሽነ
ኣነ ኣብቲ ኣፍደገ
«ክምለስ’የ» ኢለያ
መሬት ምስ ጠዓመ።

ድሕሪ ምቚርምራም ምስ ነብሳ
ገጻ ንመጎጎ ሕቖኣ ንዓይ ሂባ
«ምምላስ ሲ ትምለስ ትኸውን
ክሳዕ ሽዑ ግና ኣነ የለዂን
ኪድ ደኣ ጽኑዕ ርገጽ ሰላም ኲን»
ኣድሚጻ።
ብቓዛኒ ድምጺ
እግሪ እግረይ ዝስዕብ
ክሳዕ ለይቲ ሎሚ።

ፍቕረይ የማን 04/11/2017

Share with friends:


ተወሰኽቲ ግጥምታትን ህየሳን፡ ፍርያት ናይ ፍቕረይ የማን፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ-

www.merebpoetry.com ድምጺ ብርዒ


New Eritrean Music Isaac Simon Adey Nafike / ኣደይ ናፊቐ 2016