ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ሕጂ'ውን ህያው ኢዩ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/09/2018 14:26 PM

ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡
ሕጂ'ውን ህያው ኢዩ
September 1st, 1961
Trusteeship still alive

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ

ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ሕጂ'ውን ህያው ኢዩ

ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ወትሩ ብሓበን እንዝክራ፡ ንቃንዛን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ፡ በቲ ጅግና ሓርበኛ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ፈላሚት ሽግ-ሓርነት ዘበሰረት ጥይት ኣብ ጎቦ ኣዳል ብምትኳስ፡ ብረታዊ ተጋድሎና ዝተበገሰትላ ክብርቲ ዕለት ኢያ። ኣብ ታሪኽ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ ድማ እቲ ንሳ ዝነቐለትሉ ዕላማ ፈጺሙ ኣይቅየርን ኣይሃስስን ኢዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ኢና፡ ዓመት መጸ ነዛ ክብርቲ ሃገራዊ ዕለት ብክብ ዝበለን ብክብሪን ክንዝክራ እንግደድ። እወ፡ ዕላማ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ። ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ክጅመር ከሎ፡ ንሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ጎበጣ ኣገላጊልካ፡ ናጻን ሓራን ኤርትራ ንምምጻእ ኢዩ ነይሩ። እዚ ቅዱስ ዕላማ'ዚ ወትሩ ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ።

ድሕሪ ኩሉ ዝሓለፈ መሪር ተጋድሎ ናይ ሳላሳ (30) ዓመታትን ዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል ኤርትራዊ መስዋእቲን፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991፡ ናጽነትና ጨቢጥና። ኣብ 1993 ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተሳተፎ ናጻ ህዝባዊ ረፈረንዱም ካብ 23 ክሳብ 25 ሚያዝያ 1993 ብምክያድ፡ 99.83% ካብ ህዝቢ ኤርትራ 'እወ ንናጽነት!' ኢሉ ዳግማይ ብምርግጋጽ፡ ብዕለት 27 ሚያዝያ 1993፡ ኤርትራ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ኣብ ዓለም ኮይና ኣብ መዝገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊራ፡ ባንዴራኣ ኣምበልቢላ። ክብርን መጎስን ነቶም ናብዚ ዘብቅዑና ሰማእታት!

'ዘራጊ ማይ ከሎ ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ' ከም እተባህለ ምስላ ናይ ለባማት ወለድና፡ ኤርትራ ዘራግ ማይ ገጢሙዋ። እቲ ዝጨበጥናዮ ናጽነትን ልዑላውነትን ናብ ቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓት ክሰጋገር፡ ኩሉ ዘድሊ ቅዋማዊን ካልእ ዘድሊ ምድላዋትን ተወዲኡ፡ በቲ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ጸዲቑ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ እዋን ኣብ ግብሪ ክትርጎም፡ ህዝቢ ኤርትራን እቶም መዋእሎም ተጋዲሎም ዝኣተዉን እናተጸበዩ ከለዉ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998፡ ሃንደበት ናይ ዶብ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ተወሊዑ። ካብ ሽዑ ዝጀመረ ናይ "ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም" ምስምስ ድማ፡ ንኹሉ ሓርነታዊን ሰብኣዊን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ብምሕራም፡ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ዲቕ ዝበለ ከቢድ ሓዘቕቲ ናይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሸሚሙዋ ይርከብ። ናጽነት ረኺቡ ህዝባ ኣብ ሃገሩ ክንዲ ዝረግእ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ኤርትራዊ ካብ 2002 ንደሓር ጥራይ ተሰዲዱ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ስርዓተ-ራዕዲ ሰፊኑ፡ ሓርበኛታት፡ ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ከምኡውን ካልኦት ዜጋታትን፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ወይ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዘይፍለጥ ማሕዩር ተሓይሮም። በዚ ድማ፡ ወርሒ መስከረም 2001 ሓንቲ ኣብነት ናይተን ኣንጻር ሓርነታዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ግህሰት ዝተፈጸመለን ኣዋርሕ እውን ኢያ። ኣብታ ንቅዱስ ዕላማ ፈላሚት ሽግ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝወላዕናላ ወርሒ፡ ባሕቲ መስከረም፡ ብምግጣማ ኸኣ፡ ንወርሒ መስከረም ክንዝክራ ከሎና፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ባሕቲ መስከረም ዝነቐለትሉ ቅዱስ ዕላማ ናይ ናጽነትን ሓርነትን፡ ብሓበን እናዘከርና፡ ነቲ ተሪፉ ወይ ተጋሂሱ ዘሎ መሰልና ንምርግጋጽ፡ ከይተሓለልና ክንቅጽል ከምዘሎና ንሕልናና ትድርኸና። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ነቶም ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ማለት ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ከምኡውን ቅድሚኡን ድሕሪኡን ምእንቲ ሓርነት ህዝቦም ክብሉ ዝተሓየሩን ደሃዮም ዘይፍለጥን፡ ሓርበኛታት ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ብቓንዛ እንዝክረላ ዕለት ኢያ።

እምበኣር፡ ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 1961፡ ሎሚ'ውን ህያው ኢዩ። ዕላማኣ ሕጂ'ውን ኣይሃሰሰን። ብኣንጻሩ እኳ'ድኣ፡ ንዝተነፍገና ህዝባዊ መሰል ንምምላስ፡ ብዝሓየለን ብሓድነትን ክንቃለስ ከምዝግባእ ኢያ መመሊሳ እተዘኻኽረና። ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብዚ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ኣዝዩ ተሃዋሲ መድርኽ፡ እቲ ኩነታት ኣከያይዳኡ ዘይፍለጥን ካብ ኣፍልጦ ህዝብና ዝተሰወረን ዝምድናታት ምስ ኢትዮጵያ፡ ንልዑላውነት ሃገርና ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ከየእቱ ዘስግእ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ጀሚሩ ብናህሪ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ብኣተኩሮ ክንጥምቶን ንሃገርና ኣሕሊፍና ከይንህብን፡ ባሕቲ-መስከረም ዘሰከመትና ሕድሪ፡ ኣብ ዝባንና ኢዩ ዘሎ። ኣብ ሕድሪ ናይቶም ዝሓለፉ ሰማእታትና ክንጸንዕን ምእንቲ ልዑላውነትን ድሕነትን ህዝብና ብሓድነት ደው ክንብልን ኢያ ባሕቲ-መስከረም እትላበወና። ኩሉ ካልኣዊ ፍልልያትና ኣብዚ ሰዓት'ዚ ክውንዘፍ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ዝፈላልየና ዝመስል ሕቶታት፡ ጽባሕ፡ ኣብታ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ እተሳትፍ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ማለት፡ እታ ዝሓለፉ ሰማእታትናን ህሉዋት ሓርበኛታትን ሓፋሽ ህዝብናን ዝሓልሙዋ ዝነበሩ ኤርትራ፡ ምስ መስረትና፡ ኩሉ ኣብኡ ብእንካን ሃባን ክፍታሕ ኢዩ። ናብታ ሓራ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምብጻሕ፡ ተሓጋጊዝናን ተሓናጊርናን ክንሰርሕ ይግባእ

ክብሪን ሞጎስን ንባሕቲ መስከረም 1961!

ካብ ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ
(ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ)
01 September 2018


Share with friends:

ንዝኽሪ ፈላሚት ዕለት ምጅማር ሰውራና፡ ሓደ መስከረም 1961
Commemorating 1st September 1961


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ፡-


Share with friends: