ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/06/2019 16:55 PM

ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን

ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን

ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን

ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን

መቕድም

ኤርትራ ከም ሃገር ካብ እትምስረት፡ ህዝባ ግዳይ ብዙሕ ጸገማት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ ንናጽነትን ፍትሕን ከም ዘካየደ ዝዝከር እዩ፡፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነትን ሉኣላውነትን ሃገረ ኤርትራ ግን እቲ ኩሉ ዝተጸበዮ ምሉእ ሓርነት ህዝባ ኣይተረጋገጸን፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኻየደ፡ ዘየድልን ኣዕናውን ኲናት ከኣ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ማሕበራውን ቁልውላው ትርከብ ኣላ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ምሕደራ: ግዳይ ብዙሕ ማሕበራዊውን ሰብኣውን ጥሕሰት ፍትሒ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ጠንቂ ናይዚ ስእነት ማሕበራዊ ፍትሒ ዝኾነ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ: ንኤርትራን ህዝባን ካብ ሕማቅ ናብ ዝገደደ ሽግር ክመርሕዎ ድሕሪ ምጽናሕ: ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ብርቱዕ ፖለቲካዊ ለውጢን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ንሉኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ናይ ሃታ ሃታ ሰላም ምስ ኤርትራን ተወሲኽዎ፡ ኩነታት ሃገርናን ህዝብንናን ኣብ ዝኸፈአ ሓደጋ ተሸሚሙ ይርከብ፡፡ እዚ ሓደጋ እዚ ኸኣ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ህሉው ኩነንታት ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ተወሲኹ፡ ኣሰካፍን ሓደገኛን ይገብሮ፡፡ ዋላ` ኳ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ብዙሕ ቃልሲታት ክካየድ እንተጸነሐ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ክሳዕ ሕጂ፡ ኣብ ምሉእ ዓወት ክበጽሕ ኣይከኣለን፡፡

ዕስራ ዓመታት ድሕሪ ኣዕናዊ ኩናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝሰዓበ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማእለያ ዘይብሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ምኽታመን፡ እቲ ቐንዲ ጠንቂ ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ዝተገብረሉ መሲሉ ኔሩ፡፡ ይኹን እምበር እዚ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፈትሖ ጸገም ዘኸተሎ ሓደጋ፡ ምድንጋር፡ ፍርሒ፡ ስግኣትን ምጥርጣራትን ዛይዱ ኣሎ፡፡ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ብዙሓት ኤርትራውያን ስክፍትኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ፡፡ ስለዚ ኸኣ ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን ነዚ ድልየትን ስምምዕን ሰላም ብኣወንታ ንቕበሎ`ኳ እንተኾና ፡ ከምቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዝግበር ዘሎ ምትእኽኻባት፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ንምግጣም ሃገራዊ ውዳቤናን ምትእኽኻብናን ከነሐይል ከም ዝግባእ ብምእማን፡ ንኹሉ እቲ ንኸይንጥርነፍን ከይንእከብን ከይንጥመርን ኣጸጊምና ዝጸንሐ ዘየድልን ዘይሙኽኑይን ፍልልያትና ወጊድ ኢልና ጥርናፌና ከነሐይልን ክንንቃሳቀስን ወሲና ኣሎና፡፡ ንኹሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት እዛ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ኸኣ ከምዚ ዓይነት ተባዕ ስጉምቲ ክወስድን ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቃሳቱ ከሐይልን ጻውዒትና ነቕርብ።

ዕላማን መትከላትን

1. ጠንቂ ናይዚ ሕጂ ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ሓደጋ ዝኾነ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ንምእላይ፡ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክቶ ምግባር።
2. ንሉኣላውነትን ሕጋውነትን ኤርትራ ምክልኻል፡፡
3. ንሓድነት ኤርትራውያን ምምላስን ምሕላውን፡፡
4. ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ብሓባር ክቃለስ ምስራሕ፡፡
5. ምስ ኩሉ፡ ነዚ ዕላማን መትከልን ኣሚኑ፡ ብውልቂ ኮነ ብደረጃ ጥርናፈታት ዝቃለስ ንጡፍ ርክብን ዝምድናን ምትሕግጋዝን ምግባር።

ኣባልነት ማሕበር

ኣብዚ ዕላማን መትከላትን ዝሰምር ዘበለ ኩሉ ኤርትራዊ ኣባል ክኸውን ይኽእል፡፡ እዚ ከም ግቡእ ነፍሲወከፍ ኣባል ተቖጺሩ ድማ እዚ ጥርናፈ ንኣባላቱ ምሉእ ሓርነት ምንቅስቓስን ውደባን ይህብ፡፡ ገለ ዝርዝራት ግቡኣት ኣባላት ጥርናፈ ከኣ፡

1. ወርሓዊ ገንዘብ ምውጻእ፡፡
2. ኣብ ኣኼባታት ማሕበር ምሳተፍ፡፡
3. ኣብ ንጥፈታትትን ስራሓትን ጥርናፈ ምስታፍ፡፡
4. ዘድሊ ሓገዛት ንማሕበር የበርክት ( ከም ክእለቱ)፡፡
5. ንዕላማታትን መትከላትን ጥርናፈ፡ ይከላኸልን የተግብርን፡፡
6. ብተወፋይነት ንዕብየት ጥርናፈ ይቃለስ፡፡

ገለ ካብ ዝርዝራት መሰላት ኣባል ጥርናፈ ኸኣ፡

1. ርእይቱኡን ሓሳባቱን ኣብ ጥርናፈ ንክስማዕ መሰል ይህልዎ፡፡
2. ኣብ ዝካየድ ናይ ምምሕዳር ምርጫ ሽማግለታትን ካልእን ክመርጽን ክምረጽን መሰል ኣለዉ፡፡

ሓደ ኣባል ጥርናፈ፡ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት፡ ንሓንቲ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ግቡኣት ኣባል ጥርናፈ ምስ ዘይፍጽም፡ ብመንገዲ ኣካያዲት ሽማግለ ኣቢሉ፥

1. መጀመርያ መተሓሳሰቢ ይወሃቦ።
2. ቀጺሉ መጠንቀቕታ ይወሃቦ።
3. ኣብ ምወዳእታ ከኣ ጉዳዩ ብ ኣካያዲት ሽማግለ ተጸኒዑ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክሳዕ ዝወሃቦ ካብ ኣባልነት ጥርናፈ ይድስክል።

ቅርጺ ምሕደራ ናይዚ ጥርናፈ

እዚ ጥርናፈ ብሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ነዚኣቶም ዝተሓጋገዙን ዝትክኡን ክልተ ተሓጋገዝቲ ኣካያዲት ሽማግለ ይህልዉ። ከምኡ ውን ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣማኻሪትን ክልተ ኦዲቶራትን ይህልው፡፡

ኣካያዲት ሽማግለ

ናይቶም ፈጸምቲ ኣካላት ስራሕ ከኣ ብቕደም-ተኸተል ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፡

• ኣቦ ወንበር ጥርናፈ
• ጠቕላሊ ጸሓፊ
• ጠቕላሊ ተሓዝ ገንዘብ
• ዜናን ጎስጓስን
• ሓላፊ ባህልን ማሕበራዊ ጉዳያትን

እዞም ቀወምቲ ኣባላት ሽማግለ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እናተኣከቡ፡ ንኹሉ ኣባል ጥርናፈ ኣኼባ ይጽውዑን መደብ ስራሕ ይሰርዑን፡፡ ነዚ ጥርናፈ ዝኸውን ዝርዝር እማመታት ኣብ ምውጻእን ንኣባላት ናይዚ ጥርናፈ ዝቕይድን ዝሰርዕን መምርሒታት ኣብ ምትግባርን ከኣ ይሰርሑ፡፡ ገለ ካብ ዝርዝራት ስራሕ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፡

1. ኣቦ ወንበር

ሀ) ንማሕበር ወኪሉ ርክባት የካይድ።
ለ) ኣኼባ ሽማግለን ጠቕላላ ኣኼባ ጥርናፈን ይመርሕ።
ሐ) ንስርሓት ኣባላት ሽማግለ ይከታተል፡ ዘድሊ ምኽርን ሓገዝን ይውፊ።

2. ዋና ጸሓፊ

ምስ ኣቦ ወንበር ጠቢቑ ይሰርሕን ይተሓጋገዝን ከምኡ ድማ ኣቦ ወንበር ብዝወሰኖ መሰረትን ኣቦ ወንበር ኣብ ዘይብሉን ተካኢ ኣቦ ወንበር ይኸውን፡፡ ከምኡ ድማ፡

ሀ) ሰነዳት ማሕበር ይዕቕብ
ለ) ኣኼባታት ይዕድም
ሐ) ኣብ ኣኼባ ምይይጥ ይምዝግብ

3. ተሓዝ ገንዘብ

ሀ) ካብ ኣባላት ክፍሊት ይቅበል።
ለ) ወጻእን ኣታውን ይከታተል።
ሐ) ምስ ኣቦ ወንበር ወጻእን ኣታውን ይፍርምን የጽድቕን።
መ) ንብረት ማሕበር ይዕቅብ።

4. ሓላፊ ዜናን ጎስጓስን

ኣብ ኩሉ ናይ ዜናን ጎስጓስን ስራሕ ብሓላፍነት ይሰርሕ።

5. ሓላፊ ባህልን ማሕበራዊ ጉዳያትን

ንኹሉ ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ምስ ዕላማን መትከላትን ናይዚ ጥርናፈ እንዳሳማመዐ የካይድ።

ክልተ ተሓጋገዝቲ ኣካያዲት ሽማግለ

እዞም ክልተ ተሓጋገዝቲ ኣካያዲት ሽማግለ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ኣካያዲት ሽማግለ ዝተሓጋገዙ ኮይኖም፡ ብዝኾነ ቅቡል ምኽንያት ሓደ ካብ ኣባል ኣካያዲት ሽማግለ ካብ ስራሕ ምስ ዝእለ ከም መተካእታ ዘገልግሉ ውን እዮም። ኣብ ኩሉ ኣኼባታት ኣካያዲት ሽማግለ ክሳተፉን ክዛተዩን ስልጣን ኣለዎም፡ እንተኾነ ግን ኣብ ሞንጎ እቶም ሓሙሽተ ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለ ውሳኔታት ናይ ምሕላፍ ድምጺ ኣይህልዎምን።

ኣማኻሪት

እዛ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣማኻሪት፡ ኣብቲ ኩሉ ብኣካያዲት ሽማግለ፡ ኣብ ዕላማን መትከልን እዚ ጥርናፈ ተሞርኪሱ ዝግበር ንጥፈታት ጥርናፈ፡ ኩሉ ዓይነት ተክኒካዊ ሓገዝን ምኽርን ምሃብ እዩ። ገለ ካብ ኣበርክቶኣ ከኣ፥

• ከከም ኣገዳስነቱ፡ ንጥርናፈ ወኪላ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ጥርናፈ ርክባት ምግባር።
• ምወላታትን ፉንድ ራኢሲንግን ምውዳብ።
• ዕላማታትን መትከላትን ጥርናፈ ኣብ ምትግባር ምክትታል።
• ጎንጽታት ምድናይ።

መተሓሳሰቢ፥ ኣማኻሪት መተካእታ እታ ብህዝቢ እትምረጽን ብህዝቢ ኸኣ እትወርድን ኣካያዲት ሽማግለ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ምስ ኣካያዲት ሽማግለን ተሓጋገዝትን ብቐረባ ብምስራሕ ክትፈትሖም ዘይከኣለት ዓበይትን ኣገደስትን ጉዳያት እንተ ኣጋጢሞም፡ ትዕዝብትታታ ወሲኻ ኣብቲ ዝቕጽል ወግዓዊ ህዝባዊ ኣኼባ ጥርናፈ ተረኺባ ንህዝቢ ከተፍልጥ ትኽእል እያ።

ኦዲቶር

ኦዲቶር፡ ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ፡ ሓፈሻዊ ጸብጻብን ገምጋም ወጻኢታት ገንዘብ ጥርናፈን ዝገብር ኮይኑ ርእሱ ዝኸኣለን ናጻን እዩ። ጸብጻቡ ከኣ ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ናብ ኣካያዲት ሽማግለ፣ ኣብ ስሩዕ ህዝባዊ ኣኼባ ከኣ ናብ ህዝቢ የቕርብ።

ኣገባብ ምርጫ

ኣካያዲት ሽማግለን ተሓጋገዝትን

ድሕሪ ሕጋዊ ንድፊ፡ ብድምጺ ብዝሒ ክልተ ሲሶ፡ ኣብ ኣኼባ ጥርናፈ ምሕላፍ፡ ኣማሓዳሪት ሽማግለ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ትምረጽ፡

1. ብቐዳምት፡ እቲ ጉባኤ ሰለስተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ምርጫ ይመዝዝ፡፡ እዛ ምርጫ እተካይድ ሽማግለ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ቅርጺ ስራሕ ይህልዋ፡
• ኣቦ ወንበር
• ምክትል ኣቦ ወንበር
• ጸሓፊ

ኣቦ ወንበር ነቲ ኣኼባን ኣገባብ ምርጫን ይመርሕ፡፡
ምክትል ኣቦ ወንበር ንኣቦ ወንበር የማኽርን ንኣቦ ወንበር ተኪኡ ይሰርሕን፡፡
ጸሓፊ ድማ መዝገብ ይሕዝን፡ ጽሑፋት ይዝርግሕን ኣስማት ሕጹያት ይእክብን፡፡

ነታ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሽማግለ ንምምራጽ ከኣ ብውሑዱ 10 ክሳዕ 15 ሕጹያት ይቐርቡ፡፡
ኣገባብ ምሕጻይ ከኣ ኣባል ንዝሓጸዮ መሰነዪ ይሓትት እሞ መሰነዪ ምስ ዝረክብ ስም ሕጹይ ይምዝገብ፡፡

2. ብድሕሪ እዚ ኣብ ምርጫ ይእቶ፡፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ካብ ኣኼባ ምውጻእ ይዕቀብ፡፡ ስቱር ምርጫ ብምኻኑ ድማ ምምኽኻርን ምዝራብን ኣይህሉን፡፡

3. ኣባላት ካብ ዝተሓጸዩ ሰባት 5 ኣስማት ይረቑሑ፡፡ ካብ ሓሙሽተ ዝውሓደ ወይ ዝበዝሐ ምስ ዝረቑሑ ግና እቲ ወረቐት ምርጫ ኣይቁጸርን፡፡

4. ነፍሲወከፍ ኣባላት ወረቐቱ ዓጺፉ ንጸሓፊ የረክብ፡፡

5. ኩሉ ድምጺ ምስ ተዋህለለ፡ ኣካያዲት ምርጫ ነቲ ወረቓቕቲ ብግልጺ እናንበበት ኣስማት ምሩጻት ትቖጽር። እቶም ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ 5 ድማ ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለ ይኾኑ፡፡ እቶም ዝሰዓቡ ክልተ ኸኣ ተሓጋዘዝቲ ወይ ተጠባበቕቲ ይኾኑ፡፡

ኣማኻሪትን ኦዲተርን

እዛ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣማኻሪት ብቐጥታ ብኣካያዲት ሽማግለ እትርቛሕ ኮይና ካብቲ ዝቖመትሉ መዓልቲ ጀሚራ ስራሓ ብወግዒ ትጅምር። እቶም ክልተ ኦዲቶራት ከኣ ብወለንታኦም ካብ ህዝቢ ዝተወከሉ ይኾኑ።

ዕድመ ስራሕ ተመርጽቲ

• ኣካያዲት ሽማግለን ተሓጋገዝቲ ኣካያዲት ሽማግለን፡—–ንሓደ ዓመት ይምረጹ።
• ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣማኻሪትን ኦዲቶርን፡————- ንዘይተወሰነ ግዜ ይምረጹ።

ምትዕርራይ ሕገ ደምቢ ህንጻን ምርጫ ኣካያዲት ሽማግለን

ወግዓዊ ኣኼባታት እዚ ጥርናፈ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒን ኣብ ዓመትን ይካየድ። ዝኾነ ክፍሊ እዚ ሕገ ደምቢ ህንጻ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ጥርናፈ ብክልተ ሲሶ ድምጺ ተጋባእቲ ክቕየርን ክተዓራረን ይኽእል። ከምኡ ውን ዓመታዊ ምርጫ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣካያዲት ሽማግለን ክልተ ተሓጋገዝትን ይካየዱ።


Share with friends:


ERISAT: Public Seminar in Houston, TX - ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሂውስተን: ቴክሳስ: ኣሜሪካ: 15 ሰነ 2019



See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل

Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን



Share with friends: