ሓደ መስከረም

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/09/2018 22:52 PM

ሓደ መስከረም

ግጥሚ ብ'ሕድራይ ፍስሃ

ሕድራይ ፍስሃ

ኤርትራ ሃገርና ምስ በዝሓ መግዛእቲ
ብቱርኪ ብግብጺ ብጥልያን ወዘተ ጨኮንቲ
ህዝቢ ተኣከበ ብሓባር ክዝቲ
ንሃገር ንኽትድሕን ካብዞም ጎዛዘይቲ

ኣቦታት ናይ ቀደም በዚ ዘይቀሰኑ
ብሰለማዊ መንገዲ መልሲ ምስ ሰኣኑ
ካልእ ምርጫታት ውጥን ክፍትኑ
ፍትውቲ ሃገርና ካብ ጥፋኣት ከድሕኑ

ላዕልን ታሕትን ኢሎም ንክረኽቡ መልሲ
ምርጫ ዳህሰሱ እንተረኸቡ ፈውሲ
መልሲ ረኸቡላ ዘይብላ ምስምሲ
ብሓንሳብ መረጹ ብርታዊ ቃልሲ

አንታይ ንግበር ተባህለ ካብዚ ተበጊሶም
ብረታዊ ቃልሲ ምልመላ ኣበጊሶም
መን ይምራሕ ተባህለ ኣላዪ ዝሕሾም
ተመኩሮ ዘለዎ ቆራጽ ፈታቲሾም

ላዕልን ታሕትን ኢሎም ፍጹም ከይረብረቡ
ፍሉይ ጠባይ ዘለዎ ሓደ ሰብ ረኸቡ
ኣንጻር ናይ ሸፋቱ ዝሓሊ ንህዝቡ
ዘጥፍእ ዓመጽቲ ዝሰርቁ ዝሰልቡ

ተመርጸ ተሓርየ እቲ ጅግና ዓዋተ
ዘይተደልየ ረምጺ ክጅምር ኣመተ
ብሓደ መስከረም ዓጢቑ ከተተ
ኣብ ጎቦታት ኣዳል ብተኹሲ ከፈተ

ብውሕዳት ብረት ቃልቃል ዝብል ድምጺ
ጓሕጢቱ ከውጽእ ባዕዳዊ ዓማጺ
ተገዲዱ ዓጠቐ ዘይደለዮ ረምጺ
እንኮ ፍታሕ ዘይብላ ኣማራጺ

ብ1961 እምብልታ ተነፍሐ
ሰውራ ተባርዐ ከደ ኣስፋሕፍሐ
ብኹሉ ኩርንዓት መኣዝናት ገፍሐ
መንእሰይ አቲ ውዑይ ገስገሰ ከይፈርሐ

ተባርዐ ቃልሲ ባልባል በለ
መንእሰይ ሃጀመ አንዳዓለለ
ዕርድታት ጸላኢ እንዳኾለለ
ንሰራዊት ጸላኢ ኣላሽድኣ በለ

ድሕሪ ክንደይ ገድሊ መስዋእትነት
ተቃሊስና ኢና ብሓባር ሕውነት
ውሕጅ ደም ኣፍሲስና ኣምጺእና ነጻነት
ኣይንጥዓሰሉን ተዘይኮይኑ ክብረት

እቶም ዝጠለሙ እቶም ዝኽሓዱና
ብቕኑዕ ዘይፈርዱ ቃልሲ ስዋኣትና
ኣየድልን ኔሩ ክንፈልያ ሃገርና
ስቕ ኢልና ክንግዛእ ባዕዲ ምሓሸና

እታ ጅግና ዋዕሮ እምብለይ ዝበለት
ዝናር ተዓጢቓ ኣለኹ ዝበለት
ኣብቲ ድቕድቕ ውግእ ኣትያ ዝዓለለት
ታሪኻ ኣይድምሰስንዩ ዘበት ዘበት

እቲ ጅግና ኣምበሳ መንእሲይ ምስ ዓቢ
ዕርድታት ጸላኢ ደምሳሲ ከባቢ
ቀዳም ሰንበት ከይበለ ዋላ ይኹን ዓርቢ
ታሪኹ ኣይንድምሰስን እምቢ እምቢ

ቅድምውን ኔሮምዮም ተንኮል ዝዓለሙ
ምኽር ሓዲሮም ድሓር ዝጠለሙ
የለናን ኣቢሎም ድሓር ዝሃደሙ
ሕጂውን ኣለዉ ብዙሕ ኣይትገረሙ

ባሕቲ መስከረም ምስ ታሪኻዊ ክብራ ንዘልዓለም ክትክበር ትንበር

ዘልዓለማዊ ክብሪ ንስውኣትና

ሕድራይ ፍስሓ
01 September 2018


Share with friends:

See also past Interviews and articles by Hidray Fessaha.
ብሕድራይ ፍስሃ ዝወጸ ካልእ ጽሑፋትን ዕላላትን፡-


ንዝኽሪ ፈላሚት ዕለት ምጅማር ሰውራና፡ ሓደ መስከረም 1961
Commemorating 1st September 1961


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ፡-


Share with friends: