ሓዘንናን ጓሂናን ባዕልና ንደብሶ

08/03/2018 00:05 AM

ሓዘንናን ጓሂናን ባዕልና ንደብሶ

መልእኽቲ ካብ
ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምድንፋዕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ:
ብምኽንያት ማዓልቲ ደቀንስትዮ 2018


STAND UP FOR YOUR RIGHTS


መልእኽቲ ካብ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ብምኽንያት ማዓልቲ ደቀንስትዮ

ሓዘንናን ጓሂናን ባዕልና ንደብሶ

ዓለምለኻዊ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት (International Women's Day (March 8) ካብ 1900ታት ኢንዱስትራዊ ለውጢ ነጥቢ መቐይሮ ንቁጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ፕለቲካዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ምግላል ደቀንስትዮ ካብ ኩሉ ጽላታት ዝዓብለሉ እዋን ብምንባሩ ፡ ኣብ 1908 ኣብ ኒውርክ ደቀንስትዮ ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባር መሰለን ክኽበር ሓተታ፣ ካብኡ ኣትሒዙ ድማ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ተዋሂቡወን፣ እነሆ ድማ ኣብ ማሓውር ቁጠባ፣ ባህላዊ፣ ፕለቲካዊ መዳያት ዓቢ ተራ ይጻወታ ኣለዋ።

ሓደ ካብቲ ውሳኔ ኣብ ሕቡራት ሃገራት (United Nations) ኣብ መዝገብ ቁጹሪ 2011/6 ኣብ ኩሉ መንግስታዊ ፓሊሲ ይኹን ፕሮግራም ማዕርነት ጾታ ክኽበር፣ ብፍላይ ሞያ ደቀንስትዮ ክምዕብል ምግባር ዝብል እዩ (Mainstreaming a gender perspective into all policies and programs in the United Nations system).

ኣብ ዝሓለፈ 2015 ብዓለማዊ መጽናዕታዊ መጋብኤያ (Global Research Council) ዝፈልጥ ትካል ኣብ ናሚብያ ዝተጋበኤ፣ ዝኾነ መጽናዕታዊ ምርምር (Research) ኣብ ኣፍሪቃ ብደቀንስትዮ ሳይንስት ክምራሕ፣ ኣብ ኣዝዩ ሕጽረት ዘለዎ ሞያ ከም ኢንጂነርስ፣ ሓካይም-ዶክተራት፣ ካልእ ሳይንስ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዝመጽእ 5-ዓመት ብ60% ክዓቢ ተሳማሚዑ ፣ ውሳኔ ድማ ሂቡ ጉባኤኡ ዛዙሙ።

ካልእ ክጥቀስ ዝግበኦ ሓበን ኣፍሪቃዊት ዝኾነት ሃገር፣ ዓዲ ማንዴላ፣ ዓዲ ፍትሒ፣ ዓዲ መሰል ሰብ ዝኽበረላ፣ ዓዲ ይቕረን ዕርቅን ሰላምን ደቡብ ኣፍሪቃ እውን፣ ሳላ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዘረጋገጸኦ ተወፋይነት፣ ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ 50% ሓላፍነት መንግስቲ ወሲደን ብዲሞክራሳዊ መንገዲ ይምርሻ ኣለዋ።

እዚ ነብዕሎ ዘለና 8- መጋቢት መዓልቲ ደቅንስትዮ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ - መስተንክራዊ ኣበርክቶ ደቂንስትዮ - ልዑላዊት ነጻ ኤርትራ ንክትህልወና፣ ኣብ ጎድኒ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ማዓረ መስዋእትን፣ ስንክልናን ተቛዲሰን፣ ኣንጻር ሓያላን ሃገራትን ዓርሞሽሽ ሓይሊ ደርግ ድማ ገጢመን ስዒረን፣ እቲ ኣይካኣልን ዝብሃል ዝነበረ ናጽነት ጋህዲ ኾይኑ እዩ። ወተሃደራዊን ፓለቲኮዊን ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዔን ተዋጊን ኣዋጊኤን። ፓሎቲካዊ ንቕሓተን ደረት ደይቡ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ሓላፍነት ተሸኪመን ህዝበን ኣብ ምግልጋል ዘበርከተኦ ኣብርክቶ ዓቢ እዩ ኔሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ጥምጥም ምኽባር ዶባት ኤርትራ፣ ደቂ ኣንስትዮ ዘመዝገበኦ ታሪኽ ፍጽም መዳርግቲ የብሉን።ኩሉ በብሓደ ክንዝርዝሮ እንተፈቲና ክንበጽሖን ክንድህስሶን ስለዘይክኣል ፣ንኩሉ ኤርትራዊ ድማ ብሩህ ስለዝኾነ ናብ ዝርዝሩ ምእታው ኣየድልን። ተስፋ ንገብር እቶም ክእለት ዘለዎም ጸሓፍትን ተመራመርትን ብዕምቆት መጽናዕቲ ብምክያድ ጅግንነታዊ ተራ ደቂኣንስትዮ ኣብ ኤርትራ ናብ’ዚ ሓድሽ ወለዶ ከሰጋግርዎ።

ንስለ ኤርትራን ህዝባን ዴሞክራሳዊት ሃገር ክትህልውና፣ ደቂንስትዮ ንከርተት ገደሊ ነቲ ዘይንቡር ፈታኒ ሂውት፣ ንሞት ከም መርዓ፡ ንስንክልና ከም ስልማት፡ ወሲደን ተወፍየን ተቓሊሰን፣ ነዚ ዘይንቡር ዝተቐበለት ኣደ ካሕሳኣ ንብዓትን ሓዘንን እንዶሞ ጌርዎ ህግደፍ።

ኣዴታትና እውን ኣብ እዋን ገዲሊ ይኹን ኣብ ምጥምጣም ምኽባር ዶባት ደቅን ከዐንግላ ውጉኣተን ክኣልያ ደድሕሪ ደቀን ማዕረ መስዋእቲ ከፊለን፣ ደቀን መሪቐን ንቃልሲ ወፍየን ክንሰን ታሪኸን ተረሲዑ እንዳጓሓፍ እንደሞ እትዩ።

ኣብ ምቕያር ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ዝተጻወተኦ ተራ ድማ ዓቢ እዩ ኔሩ። ጓል-ኣንስተይቲ ዕድላ ሓዳር ጥራይ እዩ ኔሩ ኣብ ሕብረተሰብና። ደቃ እንዳኣለየት ሃገር ኣብ ምህናጽ መሪሕ ተራ ክትጻወት ክምትክእል ብቃልሳ ኣረጋጊጻቶ እያ።

ዘይፍትሓዊ ፍጻምታት ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ብዙሕ እዩ። እታ ዝዓበየት ከም ኣደ ወላዲት፣ እታ ዝነኣሰት ከም ሓብቲ፣ ኣብ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕድሕድ ኩናት ጀሚሩ ደቀ ሓንቲ ማህጸን ሓመድ ክሰተዩ፣ ዳሳ ተኺላ ሓዘና እኳ እንተዘይገበረት፣ ሞት ክልተ ደቃ ኸቢዱዋ ተዓጽያ ድግድጊታ ተዓጢቓ በይና ነብዔት። ድሕሪ ናጽነት እውን ኣደን ሓብትን ቐጻሊ ነብዔን ኣልቂሰን፣ ኩሉ ግፍዕታት ክጥቀስ ኣብዛ ሓጻር መልእክቲ ስለዘይካኣል፣ ሰለስተ መድረኽ ግፍዒ ክንጠቅስ ንብዓት ኣደ ክጥቀስ፣

1. እቶም ስንኩላን ማይሓባር ብጥይት ብተመልከተለይ ክቑለቡ በኸየትን ሓዘነትን፣ መን ነበረ ሓዘና ዘጸናናዓ፧
2. ኣብ 1993 ተጋደልቲ መሰሎም ብምሕታቶም ክእሰሩ ብኡ ኣቢሎም ሃለዋቶም ከጥፍኡ እንከለው እታ ኣደ ሓብትን በኸየት፣
3. ብG-15 ዝፈለጡ ተባዓት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ነበር፣ ምስኣቶም ጋዘጠኛታት፣ ኣብ ዒራዕሮ ተዳጒኖም ክሕየሩ። ምስ እዞም ብሉጻት ደቒ ሃገር ኣስቴር ፍስሓጼዮን ፡ምርያም ሓጎስን ካለኦትን ገንሸል ምስግጋር ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክኾኑን/ክኾናን። ሕጂ እውን እተን ኣዴታቶም ነብዓን በኸያን። ህዝቢ ኤርትራ ግን ንብዓተን ኣየቕለብናሉን፣ ኣብ ነብስና ስለዘይበጽሐ ወይ ስለዝፈራሕና።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ዘስካሕክሕ ገበን ዝፍጽምን ዝቅጽል ዘሎ፣ ነተን ዝናኣሳ ኣሓትና ፣ ኣብ ክንዲ ዝግበአን ክብርን ሓልዮትን ዝረኽባ፣ እቶም ብዕደመ ኣቦታተን ዝኾኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ከም ከድምቶምን መርወዪ ናይ ነውራም እንስሳዊ ስነምግባሮምን ጌሮም ገበን ኣብ ልዕሊ የሕዋትና እንዳተፈጸመ ምክልኻል ኤርትራ ማዓስ እሞ ምስታ ሓብቱ ቆይሙ፣ ኣብክንዲ ምድንጋጽን ምክልኻልን፣ ገጽ ሂባቶ ኢልና ንገበን ዓገብ ካብ ምብል ነጽቅጥ።

ስለዝኾነ ድማ መንእሰይ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ሞራላ ተሰይሩ፣ ብመሰታ ወላዲኣ ተደፊራ፣ ሓወይ ትብሎ እንግዳዓ ምስ ሰኣነት፣ ኣብ ሃገራ ፍትሒ ስኢና ዕድላ ተበላሽዩ፣ ኣይሓዳር ኣይትምህርቲ ኮይና። ስምብራታ ክትርስዕ ናጽነትን ዲሞክራሲ ዓዲ ሃገር ከተናዲ ንስደት ኣብ ዘምራሓትሉ ድማ ኣብ በረኻታት ሲናይ ከም ኣቕሓ ትሽየጥ፣ ባሕሪ ሜዲተራንያን ምስ ዕሸል ውላዳ ይበልዓን። ላምፓዱዛ ሓዘን ጓሂ ካብ ሓንጎልና ዘይሃሰሰ እንዳሃለወ፣ ማዓልታዊ ምሻጥ፣ ምሕራድ ብበደዊን ምዕማጽ፣ መዓልታዊ ዜና ኮይኑ ኣሎ። አረ ሎሚስ ሓንጎልና/ሕልናና ለሚድዎ ሞት ዘየሰንብዶ ጉኡዝ ሰብኣውያን ደኣ ኮይና ከይንኸውን፧ ኣዴታት ድማ ንዓመጽ ከምቅቡል ወሲደን ጓለይ ዓዲ-ጣልያን ሰግራ ኢለን ይሕጎሳን፣ ከም በረከት ቆጺረን ይጽምብላ ተካል ዘመን’ዶ ክንብል ክንነብር እና? ኣይፋሉን!!

እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድማ እዚ ዘይወግሕ ዝመስል ጸልማት ደልሃመት፡ ጽባሕ ክወግሕ ሙዃኑ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ።ምኽንያቱ፣ ነባሪት ሃገርን ህዝብን ደኣ እምበር ነባሪ መንግስቲ ስለዘየለ። ግን እቲ ዝገድፎ በሰላ ብቐሊሉ ክሓዊ ወይ ክጽገን ዝክእል ዓይነት ኣይኮነን። ሓንጎል ወዲ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ኣደራዕ ዝወርደን ዘሎ ደቂኣንስትዮና፣ እቲ መንገዲ ሎሚ እንተዘይተጸሪጉ፣ ጊዜ እንዳነውሔ ካብ ዝገደደ ናብ ዝኸፊኤ ይሰጋገር ኣሎ። ናይ ወለዶ ጋግ ፈጢሩ ክጽገን ኣብ ዘይክእለሉ ኣጻጋሚ ምስበጽሔ ግና ጥዑይ ሕብረተሰብ ክህልወና ይክእልዶ፧ ዝብል ሕቶ ኩልና ኣብ ኣእሙሮና ከነሰላስሎን ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ዘሎና ጉዳይ እዩ።

ሓደ ኽዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ጓል ኣንስተይቲ ማለት ዓንዲ ሕቖ ሃገር፣ መልሕቕ-መርከብ ሃገር፣ ብርሃን-ሃገር፣ መሰረት ተስፋ፣ እምነትን ፍቕሪ ሃገርን ስድራቤትን እያ። ኣደ ሓቚፋ-ሓዚላ ተዕቢ፣ ትንፋስ ዜጋ ትንፋስ ኣደ እዩ፣ እሳ ትዕንግል ንሳ ትናቢ፣ ሰብኣያን ደቃን ትኣሊ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ጓል ኣንስተይቲ 80% ኣካል ቃልሲ እያ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ጓል-ኣንስተይቲ ቃልሲ እንተተሓወሰቶ ንውላዳ፣ ንሰብኣያ ተዕጥቖም ጥራይ ዘይኾነ ሰብኣይ ኩን እንተይላቶ ሞተር ጽናዓቱ ክውልዕ ሓቦ ክገብር ተቃላሳይ ምካኣለ፣ እዚ ንርእዮ ቃልሲ ግን፣ ጓላኣተንስትይቲ ከምቲ ዝድለ ሰለዘየላ፣ ሰብኣይ ጃጅዩ፣ ሃገር ብሃገሩ ፈሪሁ ወይ ድማ ተበላጺ መትከል ክሕግዝ ተቕሲቡ፣ ኣደን ሓብትን እቲ ቃልሲ ከምቀደመን እንተዝጽንበረኦ ምሉእ ሕብረተሰብ መሳተፈ ኔሩ።

ንለውጢ ኣብዝግበር ቃልሲ መንእሰይ (ወዱን ጓሉን) ሞተረ ለውጢ ክኸውን እንከሎ፣ ብፍላይ ደቂኣንስትዮ ድማ መንኮርኮር ለውጢ ሙዃነን ክዝንጋዕ የብሉን። ንዲሞክራሳዊት ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ሞተረን መንኮርኮርን ግና ከምዝሓጽሮ ንኹሉ ሰብ ቡሩህ እዩ። ብርግጽ እተን ግዳያት ህግደፍ ኮይነን ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ሙዃነን ድማ ካብ ማንም ሰብ ዝኽወል ኣይኮነን። ኣብ ንፍትሒ ንገብሮ ዘልና ቃልሲ ኣይግድን ኣሕዋትናን፣ ኣደታትናን ኣይትብኮራና። ስለ’ዚ ኣሓትናን ኣዴታትናን እቲ ዕማማ ናይ ኩልና እዩ’ሞ እስኽን ዘይብሉ መንገዲ ድማ ፍጽም ኣይሰልጥን እዩ፣ ስለዝኾነ ድማ ሓደራኽን ነዚ ዝተበታተነ ቃልሲ፣ ብስም ደላይ ፍትሒ ንንሕድሕዱ ክራጽም ጸሓይ ዝዓረቦ መእሰር ኩነኦ ከም ማእዶ ሓደራክን።

ኤርትራ ማለት ህግደፍ፡ ሕጊ ማለት ህግደፍ። ኣብ ክንዲ ሓቂ ምትላል፡ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ምዕናው፡ኣብ ክንዲ ሰብኣዊነት ኢ-ሰብኣዊነት፡ አብ ክንዲ ድንጋጸ ጭካኔ፡ ኣብ ክንዲ ይቕረ ቂም፡ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕጊን ምኽባር፣ ምጉዕጻጽ። ኣብ ክንዲ በሊሕን ኣፍራይ ዜጋ፡ ልሙስ ዜጋ ከይንኸውን ፣ ዲግዲግትና ተዓጢቕና ንቃለሲ ቀይሰኦ ኣንፈቱ ኣቕነዐኦ ሓደራ።

ብርግጽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፣ መዋእል ነቢዕክን፣ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተካፋሊ ሓዘንክን ኣይንበረን። ሕማቅ ባህሪ ኣጥሪና ግዲ ኮይና፣ ኣብ ክንዲ ብሓደ ድምጺ ምቅላስ ፣ እቲ ዝበዝሔ ኣካል ህዝቢ ኣብ ደገ ዝነብር ሕጂ እውን “ሱቅ ምባል መሪጹ” ። ብሓድነት ዘቃልሰና፣ ሃገራዊ ትካል ተሳኢኑ፣ ብውልቂ ዝግበር ቃልሲ በዚሑ፣ ትካላትና ብስም ውልቀ ሰባት ምጽዋዕ ልሙድ ኾይኑ፣ ዲክታቶራት ዘፍርይ ሃገር ከይንኸውን የፍርህ ኣሎ ኣንፈትና፣ ግዳማውያን ሓይልታት እውን ንጥቕመን ንሃገርና ውጥም/ቅልቅል ይብላ ኣለዋ እሞ፣ ዘጥፈኣና ዘሎ “ስቕታ” ወይ ድማ “ዓገብ ዝይምባልና” ሓንጎልና ከም ማሽን ብካልእ ክዝወር ፈቒድና፣ ህግደፍ ክቕጥቅጠና፣ ግዳማውያን ከጙባዕብዑልና ከም ዘኽታም፡ ፍርሂ ወይ ድማ ንዓይ ይጥዓመኒ ኢልና ግዲ ኾይና ኣንፈት ቃልሲ ጠፊኡና።

ስለዝኾነ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነጢፎም ካብ ምስታፍ ዓጊቱዎም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፣ ንዓና ወኪሉ ንጥፈታትና ዘወሃህድን፡ ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ዝመርሕ ናይ ህዝቢ/ናይ ዜጋ ትካላትን ብድሞክራሲያዊ ኣጋባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ብዘይምህላው ኢዩ።

ስለዝኾነ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ኲናት ብሰላም፡ ዓመጽ ብፍትሒ ዝትክእ፣ሓድነት ዝሕላገቱ፡ ፍትሒ ዝባይትኡ፡ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንክሮ ዝሰምዕ፣ ኣራግጻ እግሪ ሓደ፣ ንጥምርትን፣ ስምርትን፣ ብልጽግትን ኤርትራ ዝሰርሕ ህዝብዊ ቃልሲ ክህልወና፣ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ በታ ኣብ ሃገርና ውርሻና ዝኾነት እንፈልጣ - ባይቶ ዓዲ - ሰረተ እምነት ብምግባር፣ ብቑዓት መራሕቲ ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ በቶም ምስኦም ዝነብሩ ዜጋታት ተመሪጾም፡ ብተመሳሳሊ ምስርሕ ናይ ሃገር/ዞባዊ ወከልቲ ይምረጹ፣ ኩሎም ዞባታት ድማ ዓለምለኻዊ ባይቶ ከቑሙ ደጋጊሙ ይጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ፣ ውከልትና ኣብ ምምልማልን ምምራጽን ጻዕርታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንጥፈታቱ ካብ ዝጅምር እንሆ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ እተን ሞቶር ለውጢ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ክድግፈኦ፡ ክሳተፎኦን ክውንኖኦን ብኣኽብሮት ይጽውዕ - ጓሂናን ሓዘንናን ደቢስና ሃገርናን ህዝብናን ክነድሕን ወዓል ሕደር ዝበሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን ፣ ሃየ ኢደይ-ኢድካ በላ ዓንዲ-ሕቖ ሃገር።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ጋንታ ሜድያን መጽናዕትን
ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን
8 መጋቢት - 2018



Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን፡ ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (ሓጺር መግለጺ)



Share with friends: