ዝኽሪ መበል 32 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

10/02/2022 00:05 AM

ዝኽሪ መበል 32 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡
ሓርነት ከተማ ምጽዋዕ።
32nd Anniversary of Operation Fenkil
The Liberation of Massawa on 10th Feb. 1990

Fenkil - 32nd Anniversary The Liberation of Massawa on 10th Feb. 1990.

ሎሚ፡ ዕለት 10 ለካቲት 2022፡ መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኢዩ።

ስርሒት ፈንቅል፡ ነታ ሉል ቀይሕ-ባሕርና ዝኾነት ከተማና ምጽዋዕ፡ ካብ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓራ ዝገበረ፡ ጅግንነትን ቅያን ኤርትራውያን ዝተፈጸመሉ፡ ዛዛሚ ዓወት መላእ ኤርትራ ኸኣ ክዉን ምዃኑ ብዘተኣማምን ዝተራጋገጸሉ ስርሒት ኢዩ ነይሩ። መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ (ኢትዮጵያ)፡ ከይፈተወ ብስዕረቱ ዝተኣመነሉ፡ ምስ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ናይ ዘተ ድርድር ክኣቱ ዝተቐሰበሉ መድርኽ እውን ኢዩ ነይሩ።

ሎሚ ድሕሪ 32 ዓመታት፡ እታ ብሉጻት ኣእላፋት ከፊልና ዘምጻእናያ ወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ፡ ከምኡ ውን ወደብና ዓሰብ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከባ? ገና ወስታታት ናይ ኢትዮጵያውያን መግዛእታዊ ሕልሚ ከንጸላልወን ይርከብ። ኣብ ልዕሊ ሃገርና ብበይናዊ ውሳኔን ሕቡእ ውዕላትን ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣሻቒሉዎ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ባይቶኣዊን ቅዋማዊን ስልጣኑ ተመንጢሉ፡ ብገዛእ መስዋእቱ ዘምጽኣ ሃገሩ፡ ኣብ ገዛእ ጉዳይ ሃገሩ ካብ ምውሳን ተገሊሉ፡ ተዓዛባይ ኮይኑ ተሪፉ።

እተን ባብ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፡ ብዕድሎተን ክማረራን ባሕሪ እንዳማተን ከቋምታን ከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስ ሰፊሕ ጸጋታት ባሕሩን ወደባቱን፡ ዝደኸየ ህዝቢ ኾይኑ ይርከብ። ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ከይሓፈረ "ባጽዕ ቀደም ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኸ ኣበይ ኣላ? የላን፡" ኣናበለ ኣብ ተለቪጅን ተገቲሩ ንህዝብና ከባጭወሉ ኸሎ፡ ብስቓይናን ድኽነትናን ክሳብ ክንደይ ቅጭጭ ከምዘይብሎ መርኣያ ኢዩ።

ሚስጢራዊ ውዕላት ኢሳይያስን ዶ/ር ኣቢይ (ኢትዮጵያ)ን ናበይ ገጹ ኢዩ? እዚ ኹሉ ጉያ ጉያ ናበይ ገጹ ኢዩ? ናይ ዶ/ር ኣቢይ "እኔና ኢሱ ስንደመር፡ ዓሰብ እንካፈላለን" ማለት "ኣነን ኢሱን እንተተደሚርና፡ ንዓሰብ ኢና ንካፈላ" ምባሉ፡ ነዚ ቶሎ ኢልካ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዶ ኾን ይኸውን?

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ኣሎና? እቶም ጀጋኑን ደቂ ጀጋኑን ኤርትራውያን መንእሰያት`ከ፡ የለዉን`ድዮም? እተን ኣብ ኣፋፌት ጥዋለት ሓወልቲ ኾይነን ተተኺለን ዘለዋ ታንክታትና ኮ፡ ጀጋኑ ስዉኣት ሓርበኛታትና መሪሖመን ፈንጢሰን ዝኣተዋ ታንክታትና ኢየን። ንሕና፡ ሕድሮም ክንፍጽም ግዴታ ኣሎና። እቲ ሕድሪ፦ ህዝብና ቀሲኑ ዝነብረላ፡ ፍትሒን ግዝኣተ-ሕጊን ዝነግሰላ ቅዋማዊት ሃገር ምህናጽ ኢዩ። ወፈራና፡ ናብዚ ገጹ ክኸውንን፡ ሓቢርና ክንከዶን ንጽዋዕ ኣሎና።

ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል እምበኣር፡ ድርብን ህጹጽን ሓላፍነት ንኹልና ኤርትራውያን እተሰክምን ኢያ።

ኣስዒብና ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ውድባት፡ ከምኡ`ውን መራኸቢ ብዙሓን፡ ነዚ ዕለት`ዚ ዘንጸባርቑ ዝኽርታትን ጽሑፋትን፡ ኣቕሪብናሉም ኣሎና። ብቐጻሊ ኸኣ እናወሰኽናሉ ክንከይድ ኢና። ሰናይ ምክትታል፦


ERISAT: ታሪኽ ጀጋኑ ስርሒት ፈንቅል ካብ ክሊፕ ክኣልይዎ ይኽእሉ'ዮም፡ ካብ ልብና ግን ክሓኽዎ ኣይክእሉን'ዮም | ዶር ኣማንኤል ምሕረትኣብ


Radio Erena: Eritrea: Ethiopia, Kenya, Somalia News and programs. ሓሙስ 10 ለካቲት 2022 ዕለታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና


ርሑስ ቅንያት ዝኽሪ ታሪኻዊ ዓወት ስርሒት ፈንቅል።


"ኣበይ ከይዱ ስልማትኪ" ሳሙኤል ገበረሂወት (ዓካዓካ) #Interview with Samuel Ghebrehiwet (AkaAka)


መብጽዓ ፈንቅልን ሃለዋት ኤርትራን The promises of Fenkil & Current state of Eritrea (Snitna 14-Feb-2021)


Eri-TV, Eritrea (Official) Live Stream - ጽምብል መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል


ንጸላኢ ዘእመነን ዘርዓመን ጅግንነት ፈንቅል፡ ራድዮ ኤረና፡ 08 February 2021


ERISAT: ስርሒት ፈንቅል ብዓይኒ ዝወዓሎ ተጋዳላይ | ኮሎኔል ኣሚነ ኣብርሃ፡ 08 February 2021


ቅብጸት፡ ጃምላዊ ግፍዒ መግዛእታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ ምጽዋዕ፡ 1990.


ፈንቅል፡ መስዋእቲ ብዙሓትን ጥልመት ውሑዳትን እተዘኻኽር ዕለት፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 12 February 2016


እቶም ዝፈንቀሉ ናበይ ኣበሉ? እቲ ዝተፈንቀለ ኸ ከመይ ኢሉ ተተኽለ!?፡ ራድዮ ኣሰና፡ 09 February 2015


ድምጺ መደብ መንእሰያት፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 12 February 2015


ተዘክሮታት ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 03 February 2015


ተዘክሮታት ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 06 February 2015


ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 08 February 2015


ዝኽሪ መበል 25 ዓመት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 10 February 2015


ተዘክሮታት፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ራድዮ ድምጺ መድርኽ፡ 24 February 2015


Eritrea - In Memory of Operation Fenkil -- 1 of 2


Eritrea - In Memory of Operation Fenkil -- 2 of 2


ATV: ዘተ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርነት ባጽዕ (1990)፡ ምስ ተጋደልቲ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳኒአል ገ/ረስላሰ፡ ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ - 1ይ ክፋል


ATV:ዘተ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል(1990)፡ ምስ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ዳኒአል ገ/ረስላሰ፡ ኣቶ ሃብቶም ጸጋይ – 2ይን መወዳእታን ክፋል


TADESE TEWELDEBIRHAN PART ONE

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Share with friends: