እዋን "ይኣክል" እንቋዕ ኣብጸሓና – እቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

06/03/2019 15:57 PM

እዋን "ይኣክል" እንቋዕ ኣብጸሓና
እቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ?

"ሓንቲያ ዘዲኦም’ስ፡ እቲ ሓደ ቆሎ ይብል፡ እቲ ሓደ ጥጡቖ ይብል" ግን ኣይንግበሮ

ብ'ደስበለ መሓሪ

እዋን ይኣክል እንቋዕ ኣብጸሓና

እዋን "ይኣክል" እንቋዕ ኣብጸሓና – እቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ?
"ሓንቲያ ዘዲኦም’ስ፡ እቲ ሓደ ቆሎ ይብል፡ እቲ ሓደ ጥጡቖ ይብል" ግን ኣይንግበሮ
ብ'ደስበለ መሓሪ

ኣብዚ እዋን'ዚ፣ እዛ "ይኣክል" ትብል ቃል ብደገፍቲ መንግስቲ ኢሳያስ ይኹን ብተቓወምቲ መንግስቲ ኢስያስ እዋናዊት ጭርሖ ኮይና ብተደጋጋሚ ክትቃላሕ ትስማዕ ኣላ። እዛ ቃል እዚኣ ብክልቲኡ ወገን ዝውትርቲ ምዃና፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከቢድ መዋጥርን ፈታኒ ኩነታትን ኣትዮም ምህላዎም ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ ኩሉ በብወገኑ ኣብ ልብና ንመለስ፣ ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን ይብል ከምዘሎ ገሚትካን ተተስፍኻን ነዚ "ይኣክል" ጭርሖ፣ ከም ጽቡቅ ኣንፈት ናይ ዘተ ክወስዶ ዝኽእል ኮይኑ ይስማዕ። ኰነታት ሃገርናን ህዝብናን ብቐሊሉ ክትርድኦም ዘጸግሙ፣ ሰላም ዝመስሉ ኣንፈት ኩናታት፣ ምዕባሌ ዝመስሉ ሽርሕታት፣ፈተወቲ ዝመስሉ ጸላእቲ፣ሓለይቲ ዝመስሉ ተመጻደቕቲ ተሓዋዊሶም የዘምብዉ ኣለዉ፡ እዚ እዋንዚ ብሓቂ ፈታኒ እዋን ኢዩ። ከምቲ ብኩሉ ወገን ተደጋጊሙ ዝዝረብ እቲ መድርኽ ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ዝብል ቅጽላት ዘይኮነስ፣ ናይ ሃገራውያንን ዘይሃገራውያን መድርኽ ክኸውን ኢዩ ዝግባእ። ሃገር ብብርቱዕ ክሳራ ዝተረኽበ ልዑላውነታን ነጻነታን ብረቂቕ ሜላ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከሎ፣ እቲ ግጥም ኣብ መንጎ ደቂ ሃገርን ደቂ ሃገር ዝመስሉ ባዕዳውያንን ሓንገርቶምን ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ።

ከም ደቂ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ መጠን ድማ ነዚ መድርኽ'ዚ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክንገጥሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ መድርኽ'ዚ ካብ ኩልና ዝጽበዮ ኤርትራውነት ምርግጋጽ ኢዩ። ኤርትራዊ ዜግነት ብትውልዲ ወይ ብሕጊ ዝረጋገጽ፣ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ፣ ውድብ ወይ ውልቀ ሰብ፣ ክጸልእ ከሎ ዝሓኮ ክፈቱ ከሎ ድማ ዝልግሶ መሰል ኣይኮነን። ደጋፊ እንተኾይኑ ኤርትራዊ ዜጋ ፣ተቐዋሚ እንተኮይኑ ድማ ዘይኤርትራዊ ዜጋ ጌርካ ምውሳድ፡ ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ጽበት ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። ስለዚ ኤርትራ ናይ ኩሉ ብሕጊ መሰረት ኮነ ብትውልዲ ዝፍለጥ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃና ምርዳእን፡ ብዝኾነ ይኹን ሰብ፣ ውድብ ወይ መንግስቲ ክትበሓት ወይ ክትውነን ከምዘይከኣል፡ ሓደ ካብቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ፈላላዪ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ክስመረሉ ዝግባእ ሕቶ ኢዩ።

ኣብ ሓደ ሃገር፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜን ኩነታትን ዝለዓል ተቓውሞ ንፖሊሲ መንግስቲን ነቲ ስርዓትን ዝምልከት'ምበር ናብ ሃገርን ህዝብን ዝቐንዐ ተቓውሞ ከምዘይኮነ ምርዳእ ሰፊሕ ኣእምሮን ልዑል ትምህርትን ዝሓትት'ኳ እንተዘይኮነ እዚ ሓቂ'ዚ ብገለ ኤርትራውያን ተሳሒቱ ክርአ ከሎ ግን፡ መባእታዊ ተረድኦ ይጎድል ምህላዉ ዘተሓሳስብ ኢዩ። መልክዕ ተቓውሞ ዝተፈላለ ገጻት ክህልዎን ኣብ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝምርኮስን ክኸውን ይኽእል። ንፖሊሲ መንግስቲን ንህልው ስርዓትን ዝወሃብ ደገፍ'ውን ከምኡ። ገለ ተቓወምቲ ኣብ ውልቃዊ ረብሓን ኣብ ካልእ ስምዒትን ዝተሞርከሰ ተቓውሞ ከልዕሉ ይኽእሉ፣ ገለ ደገፍቲውን ከምኡ። ብሓፈሽኡ ኩሉ ዝለዓል ተቓውሞ ቅኑዕ ኢዩ ወይ ድማ ኩሉ ግጉይ ኢዩ፣ ኩሉ ዝወሃብ ደገፍ'ውን ግጉይ ኢዩ ወይ ቅኑዕ ኢዩ ኢልካ፣ ምስ ጊዜን ኩነታትን ከየዛመድካ ብፍጹማዊ ኣረኣእያ ምቅላሕ፡ ዕሸልነት ጥራይ ኢዩ። ኣብ ደሞክራስያዊ ባይታ ወሪድካ ብህዱእ ዘተ ክምመ ዝግበኦ'ምበር ኣብ ገዛኻ ኮንካ፣ ንሓቂ ንስኻ ጥራይ ትውንና ኮይኑ ዝስመዓካ እንተኾይኑ መገዲ ስሒትካ ከምዘሎኻ ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን። ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ፍታሕ ክርከብ እንተኾይኑ ብክፉት ኣእምሮን ቅኑዕ መንፈስን ኣብ ዘተ ክእቶ ይግባእ። ንስኻ ጥራይ ወናኒ ሓቂ ኮንካ ክትርአ ዝግበር ጻዕሪ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ወገንካ (ደጋፊኻ) ጥራይ ከምዝኾነ ጌርካ፣ ናይ ድልየቱን ረብሓኡን ወኪልን ልኡኽን መሲልካ ብስሙ ውሑድን ብዙሕን ምዝራብን ምጽሓፍን፡ መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ዝግህስ ኣተሓሳስባ ኢዩ፡ ብስምን ውክልናን ህዝቢ ክዛረብን ክጽሕፍን ዝኽእል ውድብ ኮነ ጉጅለ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መሰሉ ወኒኑ፣ መሪቑ ቆጽሊ ዘንበረሉን ድምጹ ዝሃቦን መንግስቲ ወይ ውድብ ጥራይ ምዃኑ ምእማን፡ ክርሳዕ ዘይግበኦ ኣገዳሲ ናይ ደሞክራሲ መባእታዊ ሰረት ምኳኑ ምርዳእ ኣድላዪ ኢዩ፡፡ ደሞክራሲ፡ ምስ ጊዜ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ባህላዊን ኩነታት ናይ ሓደ ሃገርን ብቐረባ ዝተኣሳሰር'ኳ እንተኾነ፡ ኣድማሳዊ ዝኾነ ባህርያት ከምዘለዎ ምዝንጋዕን ምኽሓድን ረቂቕ ሸፈጥ ጥራይ ኢዩ። "ንሕና ናትና መገዲ ኢና ንኽተል፣ ካልኦት ገበርዎ ኢልና ኣይንገብርን …..ወዘተ" እንዳበልካ ምትላልን፣ ካልኦት ዝፈጸምዎ "ጉድለታት" እንዳዘርዘርካ ትርጉም ደሞክራሲ ከተነኣእስን ከተናሹን ምፍታን፡ ቅሉዕ ሸፈጥ ስለዝኾነ "ይኣክል" ክንብል ዘይንኽእል እንተኾይንና፡ ግዜን ኩነታትን ከምዝጉሕፈናን ህዝብናውን ከምዝንዕቀናን ከምዝገድፈናን ክንጠራጠር ኣይግባእን።

ኤርትራ፡ ብዝሒ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ኤትኒክን (ብሔራትን) ምስኡ ዝተኣሳሰር ብዝሒ ቋንቋታትን ባህልን ዝሓቖፈት ሃብታም ሃገር ምዃና ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዘለዎ ስርዓት፡ ከም ኣመላኽትኦም ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ዘቕርቡ ውድባትን ጉጅለታትን ምህላዎም ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ወሳኒ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ክእመነሉ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። እታ እንኮ ፍታሕ፣ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ዝምልከቶ ሕቶታት ድምጹ ንክህብ ነጻ ባይታ ክፍጠረሉ ምቅላስ ምዃኑ፣ ግዴታ ናይ ኩሉ ድሕነት ህዝቢን ልዑላውነት ሃገርን ዝስቆሮ ኤርትራዊ ዜጋ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ስለዚ፡ ንውልቀ ሰብ ዝመርሖ ጸቢብ ጉጅለ ምምላኽን ምድጋፍን "ይኣክል" ። ህዝብና መሰሉ ክውንን ንቃለስ።

ውሽጣዊ ሽግራትካ ክሒድካን ጸቒጥካን "ምርግጋእ ጎረቤት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ሂብካ …. ንወያኔ ምንብርካኽ ከም ቀንዲ ሽቶ ወሲድካ" ንብዙሕ ዓመታት ብኩናትን ወረ ኩናትን ዝተሰቀቐ ህዝቢ ናብ ናይ ኩናት ጸልማት ክትመልሶ ምዕንዳር ናይ ገበን ገበን ተቖጺሩ ሓንቲ መዓልቲ ከምዘሕትተና ክንፈልጥ ይግባእ። ብሓፈሽኡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድባት ክልል ኢትዮጵያን ዘሎ ሽግራት ክጸልወና ዝክእልኳ እንተኮነ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዮም ጣልቃ ኣቲኻ ክትዋሳእ ምሕሳብ ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ ሓንቢስካ ጥሒልካ ክትተርፍ ከምትኽእል ዘይምግንዛብ ኢዩ። ስለዚ እዚ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ሰላም ኣንፈት ተጠቒምና፣ ኩሉ ጉልበት፣ ዓቕሚን ሙያን ኤርትራውያን ኣሕቢርናን ኣበራቢርናን፣ ውሽጣዊ ሽግርና ክንፈትሕ ምጽዓርን እቲ ብዙሕ ዝተበደለ ህዝብና ክንክሕስን ቀዳማይ ዕላማና ይኹን። ንህዝብና ኣብ ካልእ ህውተታን ዕንደራን ክንጠብሶ ዝካየድ ዘሎ ዘመተን ዝመሃዝ ዘሎ ውዲታትን፡ ኣይፋልን! ሕጂስ "ይኣክል!" ክንብል ድፍረት ንወንን።

ሕሉፍ ታሪኽ ክንመሃረሉ'ምበር ክንነብረሉ ኣይተዓደልናን፡ ከም ደቂ ሃገር መጠን ሕሉፍ ታሪክ ብመንን ከመይን ተሰሪሑ ብዘየገድስ፣ ኩሉ ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያቱ፡ ፈቲና ጸሊእና ክንወርሶ ግዱዳት ኢና። እቲ ኣወንታዊ መዳይ ታሪኽና መዚናን ገምጊምናን ክንዕቅቦን ከነማዕብሎን፣ እቲ ኣሉታዊ መዳይ ድማ ክንመሃረሉን ከይንደግሞ ክንጽዕርን ሓላፍነትና ኢዩ። ንታሪኽ እንዳደገምካ ኣብ ቅርሕንትን ምንዕዓቕን ምንባር ከም ባህሊ ክዝውተር እንተቐጺሉ፣ ብሩህ መጻኢ ምጽባይ ዘይከኣል ምዃኑ ግሁድ ሓቂ ኢዩ። ዝሓለፈ ሓሊፉ ንዝመጽእ እዋን ከይድገም፣ ብዝኾነ ይኹን ወገን ዝተፈጸመ ገበናት ዝግበኦ ቅኑዕ ሕጋውን ፖለቲካውን መደምደምታ ክግበረሉን፣ ዝቖሰለ ቁስሉ ክሓዊ፣ ዝተበደለ ክከሓስ ዘኽእል ርጉእ ባይታ ክፍጠር ምጽዓር፡ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ሓቀኛ ዜጋ ኢዩ። መጻኢ ሂወት ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሰላም፣ ፍትሕን ርግኣትን ዝጠመተ ክኸውን ኣብ ክንዲ ምጽዓር፣ ኩናትን ዕግርግርን ምቅላሕን ምጉህሃርን "ይኣክል!"። ትርፊ ኩናት ሞትን ዕንወትን ምዃኑን፣ መኣስን ከመይን ከምዝድምደም ዘይፍለጥ ተርእዮ ምዃኑን፡ ካብ ታሪኽ ክንመሃር የድልየና።

"ንለባምን ኣምተሉ ንዓሻን ደርጉሓሉ" ዝብል ናይ ኣቦታት ምሳሌ፣ ኣብዚ እዋንዚ ክሳብ ክንደይ ሓቂ ከምዝኾነ ዝሕብር ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘረባታት ኣጸቢቕና ከነስተውዕለሉን ኣዕሙቕና ክንሓስበሉን ይግባእ። ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዝእምቶ ዝነበረ ሎሚ ግን ደርጉሒዎ ኣሎ፡ "ምርሓና ንስኻ፣ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ.... ኣይከሰርናን... ዶብ ምሕንጻጽ ክጸንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኢዩ. . . ከም ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ …ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ . . . ወዘተ" ዝብሉ መቓልሓት፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ከተመኽንየሎምን ክትከላኸለሎምን ዘይከኣሉ መልእክትታት ኢዮም። እዚ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መልእኽትታት'ዚ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብኣብይ ኣሕመድ ዝወሃብ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣዋጃት ኮነ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ዝወሃብ መግለጺታት ክትሰምዕ ከሎኻ፣ ዕድል መጻኢት ኤርትራን ልዑላውነታን ካብ ቁጽጽር ኤርትራውያን ወጻኢ ይኸውን ከምዘሎ ዘይምግንዛብ፣ "ፈሊጡ ዝደቀሰ’ስ ሓርማዝ ነይንቕንቖ" ዝብል ምሳሌ ኣቦዋት ዘዘክር ኢዩ። ዶብ ተሓንጺጹ፡ ልዑላውነት ሃገርን መንነት ዜጋታትን ምርግጋጽ ገዲፍካ፡ ናይ ዞባን ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣጀንዳ ምዝታይን ምቕዳምን፣ "ወያኔ ከይጠፍኡ ሰላም ኣብ ከባቢና ክሰፍን ማለት ዘበት ኢዩ" ዝብል ኣጀንዳ ሓንጺጽካ ናብ ኩናት ምቅርራብን፡ ዕብዳን'ዶ ኣይኮነን? ዝሓለፈ መስዋእትን ስንክልናን ከይኣክል፡ ሕጂ’ኸ ንደቂ መን ኣብ ሓዊ ንምጥባስ ኢዩ እዚ ኩሉ ሸብዳዕዳዕ? ብፍላይ እዞም ኣብ ወጻኢ ደቅኹምን ስድራኹምን ሓቚፍኩም ትነብሩ ዘለኹም ደገፍቲ መንግስቲ ኢሳያስ፣ ቲፎዞ ኮንኩም ምድህሃር ግደፍዎ። "ዘይስንኻ እምኒ ቆርጥመሉ" ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። "ይኣክል!" ክበሃል ዘለዎ'ምበኣር፡ እዚ ናትኩም ምድኻርን ምንህሃርን ኢዩ።

ኣብ መደምደታ፡ መንግስቲ ኢሳያስ ኩሉ ዘረብኡን ተግባራቱን ካብዚ ንላዕሊ ክገሃድን ክንጽርን ኣይከኣልን፣ ደጋጊሙ ዘውጸኦ ዘሎ ቃላት፣ ኣብ ባይታ ዝወስዶ ስጉምትታትን ዝዝትየሉ ዘሎ ኣጀንዳን፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምርካብ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከይደቀስኩም ትሓልምዎ ሕልሚ ገዲፍኩም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ተጓየዩ።

ደስበለ መሓሪ
06 March 2019

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


Also recent articles by Author, Desbele Mehari. ጽሑፋት ብ'ደስበለ መሓሪ፡-

•  recent articles by Author, Desbele Mehari. ጽሑፋት ብ'ደስበለ መሓሪ •  ዝተቐብረ ህ.ግ.ደ.ፍ ከተምልኹ ኣይትንበሩ! ወከልቲ ኢስያስ ዘካይድዎ ሰሚናራት እንታይ ይመስል?

See also Related ምስዚ ዝዛመድ ኣርእስቲ፡-

ራድዮ ፈነወ ንጋባእ (Ngabae Broadcasting)፡-
ኤርትራዊ ሃገራዊነት፡ ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ዜግነትን
Eritrean Nationalism, Eritrean Identity & Eritrean Nationality (Part 1 to 4)

•  ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ OPEN LETTER TO ALL PFDJ MEMBERS By Senior Government Ministers and Members of Eritrean Parliament, 24 March 2001.

•   ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር))። A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD) (TesfaNews APRIL 23, 2018).  



Share with friends: