መዓልቲ ሓርበኛታት(Veterans Day)

04/08/2018 13:15 PM

መዓልቲ ሓርበኛታት
Veterans Day

ብ'ሻ ም ላ፡


መዓልቲ ሓርበኛታት(Veterans Day)


መዓልቲ ሓርበኛታት (Veterans day)

ሓርበኛ ተለዓል ኣልዕሎ ሻምላኻ፡
ክማላእ ኣለዎ ፍረ ናይ ቃልስኻ፡
ጠላማት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቆጽዮሞ ሸቶኻ፡
ፍጹም ንኽኸዉን ጽኑዕ ዕላማኻ፡

ዋጋ ዝተኸፍላ ነጻነት ከይትጠፍእ፡
ዕጠቕ መክት እዩ ነይሩ ለበዋ ናይ ስዉእ፡
ስድሪ ከይትህቦም ዕንቍ ትኹን መርፍእ፡
ብጓንደ.ጀሚርካ ታንክታት ትጎንእ፡

ተዘከሩ በሉ ሰብ ታሪኽ ጀጋኑ፡
ሳላ መስዋእትኹም መግዛእቲ በኒኑ፡
ነጻነት ረኺቡ(ህዝብና)ቁሩብ ዉን ቀሲኑ፡
ተዘሪጉ ‘ንደሞ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ፡

ሓደራኮ ኣሎና ካብ ስዉእ ብጻይና፡
ሃገር ክንሕልዋ ከይኣትዋ ጓና፡
ክንከናኸና ከም ብለ.ን ዓይንና፡
ኣብ ከርስና እንደሞ ተመን ጸኒሑና፡

ስዉኣት ብጾትና ሰብ ንጹር ዕላማ፡
ለበዋኹም ነባሪ እዩ ሃገር ክንስልማ፡
ነጻነት ከይትጠፍእ ከነልብሳ ግርማ፡
ዘይፍታሕ ዕጥቅኹም መለልዪ ኣርማ፡

ትነብዕ እያ ዘላ ኣደ ስዉእ፡
ኣደራዕ በዚሕዋ ብህ.ግ.ዲ.ፍ. ከዳዕ፡
ለበውኹም ነይሩ ክንምክት ክንጸንዕ፡
ፋሕ ፋሕ ኣቢሉና ሃገር ከይነልምዕ፡

ኣሎኻ ዶ ጅግና ናይ ቃልሲ ሓርበኛ፡
ሃገርካ ባዲማ ተሳኢኑ ዳኛ፡
ብኽተት ንበገስ ነርእዮ ስረና፡
ንወላዲት ጅግና አ.ርትራ ነድሕና።

ብ'ሻ ም ላ፡
04 ነሓሰ 2018


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ወብሳይት መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ (Eritrean Veterans Day website)

• Eritrean- EPLF Documentary 1990\91

Eritrea, Peace at Last 1991. Documentary in Tigrina
ኤርትራ - ሰላም ኣብ መወዳእታ! ሰነዳዊት ፊልም ብትግርኛ (1991)።