ኤርትራዊት ኣደ ኩሉ’ያ - 8 መጋቢት 2019

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

07/03/2019 04:28 AM

ኤርትራዊት ኣደ ኩሉ’ያ፡
8 መጋቢት 2019።

ብ'ሃብተማርያም ሚላኖ

ኤርትራዊት ኣደ ኩሉ’ያ

ኤርትራዊት ኣደ ኩሉ’ያ 8 መጋቢት 2019።
ብ'ሃብተማርያም ሚላኖ

ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (8 መጋቢት)፡ ኣብ መላእ ሕብረተ ሰብ ዓለም ሰብኣዊ ክብርን ፍትሒን ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየድ ቃልሲ፡ ተመኩሮኤን ገምጊመን ንሕድሪ ሰማእታት፡ ኣሓተን ኣሕዋተን ንምርግጋጽ መብጽዓ ዘሐድሳላ፡ ቃልሰን ዝግምግማላ መዓልቲ`ያ። ህግደፍ ንስለ ምብዓልን ተባሂሉ ጓይላን ዳንከራን ብምግበር ዘይኮነነ ንፍትሒን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ዕላሜን ዘነጽራላ ኢያ። ስለ ዝኾነ ድማ ሎሚ ዓመት'ውን 8 መጋቢት .2019 ዕውቲ ኮይና ክትብዕል፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብሓደ ሰሚረን ይአክል ስደትን ሞትን፡ ፍትሒን ስርዓተ~ ሕጊ ኽሰፍን፡ ዶብና ኽሕንጸጽ፡ ቅዋም ክትግበር ናይ ሕልና ኡሱራት ክፍትሑ፥ ብሓባር ብድሆ ኽብላ፡ ንጾታዊ ማዕርነትን መሰልን ከዉሕሳ ኣለና ዝብላላ ሰናይ ምዓልቲያ። ኤርትራዊት ኣደ፡ መሰረት ህላውናን፣ ሄወትናን ባህልናን፣ ሓጎስናን ሓዘናን፡ ፍቕርን ተስፋን ኩሉ'ያ። ኣብ ሰውራና ዝነበራ ግደን ተወፋይነትን፡ ብጽሑፍ ዘርዚርካ ወይ ተንቲንካ ዝዉዳእ ኣይኮይኑ፣ ብሓጺሩ ግን ነቲ ንዘይከኣል ከም ዝከኣል ዝገበረት፣ ንትምክሕቲ ሰብኣይን፣ መግዛእቲን ዝሰዓረትን፣ ንኣሕዋታ ስቓይን፣ ሞትን፣ ሰጊረን ዓወት ዘበሰረት ሓርበኛ እያ። ሰዉራ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዓለምና ዝገብሮ-:ዕዙዝ ተሳታፍነተዩ ደቂ ኣንስትዮዩ። ኣብ ታሪኽ ዉዕሎን ጅግንነት ኤርትራዉያን ደቅንስትዮ ዝገልጽ እኹል ቃል ኣይርከብን ፡ ምኽንያቱ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ተሳቲፈን ጥራይ ዘይኮና ተዋጊኤን ኣዋጊኤን፡ መሪሐን ተመሪሔን፡ ተሳቲፈን ኣሳቲፈን፡ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ቅያ ሰሪሔን፡ ጸኒዐን ዘጽነዓየን ኢየን። ስለዚ መስዋእቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ቃልሰን ድርብ’ዩ ኽባሃል ከሎ ከም ደቀንስትዮ ንዘጋጠመን ባህርያዊ ጸጋማተን ተጻዊረን ምረት መግዛእቲ እንዳመከታ ነባሪት ሰላም ንከምጸኣ፡ ነቲ ዘይነባሪ ናይ ምውላድ ዕድለን ንጎኒ ገድፈን፡ ምእንቲ ብጾተን ከየግድዓ ኣዋርሕ ዝቖጸረ ጥንሲ ረሲዔን፡ ኣብ ባርዕ ኩናት ካብ ሓደ ድፋዕ ናብ ካልእ ግንባር እንዳዘለላ ዓወት ንሓፋሽ እንዳጨርሓ ኽወድቃ ከለዋ። ኣብ ማህጸነን ዝዓኾኽ ዘሪኢ`ዉን ምእንቲ እዛ ሓላል መሬት በጃ ሓሊፉ`ዩ። ስለዚ`ዩ ኤርትራዊት ኣደ ምንጪ፣ ሃገራውነት፡ ሓድነት፡ ዕርቕን ፍትሒን፣ ከም ዝኾነት ሕሉፍ ታሪኽ ቀዳሞት ወለድና ዘረጋግጾ ሓቂዩ።

ኣበርኩቶ ቀዳሞት ኣደታትና` ንእትዋት ወይ ፍርያት ቀውዒ ብባዕል ኣንዴን ተሓሪሱ ተዓጺዱ፡ ኣብ መከዳ ተጻርዩ፡ ብበዓልቲ እንዳኡ ተማሒሱ ሰናይ ቀውዒ ረኺቡ ኣብ ቈፎኡ ይኣቱ፡። ሰብኣይ ኣብ በረኻ ንፍዕ ውዒሉ ንፍዕ እንተሓደረ፣ ብዘይ ወረጃ ወሓለን ብዓልቲ ቤት ዘማዕርግ የብሉን፡ ንእኽሊ ኣብ ቆፍኡ መሊአ ብዝግባእ እተመሓድረሉ። ካብ ዓውዲ ንዝኣተወ እኽሊ ኣየናይ ንዘርኢ ይኸውን፣ ኣየናይ ቀልጢፉ (መግቢ) ክትጥቀመሉ ወይ እንተጸነሐ ኣበር ዘይብሉን፡ ብዝግባእ ፈልያ ተካናዉን`ያዋ። ጥሒናን ለንቂጣን ሰንኪታን ኣነየ ዝበለ ኩሉ ዝምነዮ እንጌራ-ማይ ተዳሉ። ኣብ ባይቶ ዓዲ ይኹን ካልእ ምስሕሓብ ዝተኣአሳሰረ ጉዳያት ምስ ዘጋጥማ ማዕረ ደቂ ተብዓትዮ ክምጒታን ከስምዓን ይኽእላ። ሰለዚዩ ድማ ተዛሪበን የስምዓ ይበሃለን። ወላ’ኳ ልቢ ኣዕብየን ንነገር ብሰላም ኽድቅሰላ ዝደልያ እንተዀይና፣ መጠኑ ዝሓለፈ ዋጽዓ እንተረኺበን ግና ንስለ መሰለን ደው ብምባል ግቡአን ይረኽባ። መንፍዓት ሰብኣይ ፍርቂ ናይ ሰበይቱ’ውን ይበሃል’ዩ። ንብዓል ቤተን ልቦና ዝምግባ እኖሓጐታትን ኣደታትን ነይረንን ኣለዋን። ደቂ ተባዕትዮ ክፈትሕዎ ዘይከኣሉ ጉዳያት ብርቀት ሓሲበን ከዕርፋኦ ክኢለን’የን። ዝተፈላለዩ ዛንታታት ኣፋዊ ያታ ከም ዘረጋግጽዎ ልቢን ኣእምሮን ደቀንስትዮ ልዕሊ ደቂ-ተብዓትዮ ኰይኑ ብዙሓት ግርጭታት ከም ዘዕረፈ’ዩ። ተዛሪበን ዘስምዓን ዘድምዓን ምዃነን ከኣ ንማንም “ሰንኪተን የብስላ ተዛሪበን የምስላ” እተኸወለ ኣይኰነን።

ኣበርኽቶ ኤርትራዉያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰዉራ ትማሊ፡ ሎምን፡ ጽብዝሕን

1) ኣብ 40ታት ኣብ መንጎ ኣስላም ክርስትያን ብመንግስቲ ኢንግሊዝ ዝተወልዔ ደም ምፍሳስ ዘሰንበደን ኣደታት፡ ናብ ኣቦና ኣቶ ወልድአብ ወልደማርያምን ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ከይደን ኣንታይ ትገብሩ ኣለኹን ሰላማዊ ህዝቢ ኣንዳ ተቕተል፡ ቀልጢፎም ደዉ ከብልዎ ድፍኢት ገይረን፡ ቃለን ሰሚዖም ነቲ ኩነታት፡ ዓበይቲ ዓዲን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ተኣኪቢኦ ኣብ ሰላም ከም ዝዓርፍ ገይሮሞ።

2) ኣብ 70ታት ተማሃራይ ካብ ትምህርቱ፡ ሓረስታይ ካብ ማሕረሱ፡ ሰራሕተኛ ካብ ስር፡ ወናኒ ትካል ትካሉ ዓጽዩ ንሳሕልን ባርካን ምስ ወረደ ኩሉ ሓላፍነት ኣብ ኣደታት ወዲቑ። ምንባይ ቆልዑት፡ ዓበይቲ ወለዲ ምኽትታል፡ ንብረት ብዓል ቤትን፡ዉላደን ምጥርናፍ ሓላፍነት ተሰኪመን። ኣብ ጎኒ ሰዉራ ብሚስጢር፡ ተወዲበን ዝሰርሓን ዝተወደባን ኣንስቲ ወንበድየ ተባሂለን ዝትእሰራን ዝተቐተላን፡ ከምኡ`ዉን ተስዲደን ስሚንቶ ፋሕፊሔን ወርቅናን ሽልማትን ንሰዉራ ዘወፈያ ጀጋኑ ብዙሓት ኢየን። እዚ ከም ደቀ ኣንስትዮ ጾታዊ ማዕርነታ ዝተሓለወ፣ ማሕበራዊ ክብራ ዝተረጋገጸ፣ ኣብ ፍትሕን ሰላምን እትነብር፣ ከም ዜጋን ከም ጓለ ኣንስተይትን ንኽትኸብርዩ ኔሩ፡ ዘራግ ማይ ከሎ ጽሩይ ኣይስተን`ዩ ንስደት ንሕስረት ንዓመጽን ኮይና ዉላዳ ሲኢና ኣብ ስቅያት ትነብር ኣላ።

3) ኤርትራዉያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምስጢራዊ ስርሓት ተወዲበን ንኩነታት ጸላኢን ዑስባቱን ብምኽትታል፡ ሓበረታ ምትሕልላፍ፡ ንህዝብና ዘሳቅዩን ሃሱሳት ጉጅለ (ዓፋኝ ጓድ) ምቕንጻልን ከምኡዉን፡ ወነንቲ ቤት መስተ ባር (ሰግረቶ) ከም ኣብነት ዝላዓላ ንኮረነል ብሹ ኣዛዚ 35ኛ ብርገድ ዝነብረን ገጠራት ኤርትራ ዘቃጸለ፡ ኣብ ህዝብ ገበን ዝፈጸሙ ዕሉላት ጸይቂ ኣብ ምቅንጻልን ምጭዋይን ከቢድ መስዋእቲ ዝከፈላ ኢየን፡፡ ደቀንስትዮ መብጽዓን ታሪኸን ዝተጠልመ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሎሚ ከም ትማሊ ታሪኸን ዳግማይ ምርግጋጽ ሓርነትን ልዕላዉነትን ውን እዩ። ኤርትራዊ መዋእሉ እንዳተሳቐየን እንዳተወጸዐን ርእሱ ደኒኑ ዝኸይድ ህዝቢ ከምዘይከነ የረጋግጽ ኣሎ።

4) ኤርትራዉያን ኣደታት ሕጻን ኣብ ዝባነን፡ ዕሸላት ቆልዑ ቢኢደን እናሳለያን፡ ኣብ ከብደን ድቂ ሕዘን ካብ ማሙቕ ገዜን ንበረኻ ዝወረዳ፡ ገለ`ዉን ሕጹነተን ከይወድአ ካብ ንእደን ወሪደን ብዓል ቤትን ካብ እግርኻ ኣይተርፍን ኢለን ንገድሊ ጀሚረንኦ ። ኣብ መዓስከር ምስ ኣተዋ ህላወ ብዓል ቤትን ምፍላጥ ወይ መስዋእቲ ምስ ተነገራ፡ ናይ ስዉእ ብዓል ቤት ብረት ኽዓጥቆየ ባዕለይ ኢለን ጸጉራ ቆሪጻ፡ ገለ ዉን ንሰዉራ ገዲፎም ዝኸዱ፡ ስረ ብዓል ቤተይ ኽዓጥቆየ ባዕለይ ኢለን፡ ኣብ ግንባራት ቅያ ዝሰርሓ ጀጋኑ ብዝሓት ኢየን፡ ኤርትራዊት ኣደ፡ ቃል ኪዳና ተኽበር ምስ ዕሸላት ደቃ ኣብ መዓስከራት ምስ ኣተወት ዉላዳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰዉራ ሰዲዳ፡ ንሳዉን ኣብ ዉግአት ምእላይ ኣጋይሽ ምቅባል ኣብ ትካላት ዉድብ መግቢ ምዕንጋል ወዘተ እጃመን ኣበረኪተን። ቀዳሞት ግዳይ ጥልመት ዝኾናን ዝተኻላበታ ብስርዓት ኢሰያስ ኣዚን ኣደኣታት ኢየን`። ኣብ ተመኩረይ ሰብአይ፡ ሰበይቱ ወይ ሕጽይቱ ክትጋደል ከይዳ ከርክባየ ኢሉ ዝተጋደለ ሰሚዔ ኣይፈልጥንየ። እንተልዮም ክምጎሱ ይግባእ።

ተማሂራ፡ መክበሪትን ሓጋዚት ሕብረተሰብ ትኸዉን። መሰልና ኣይጋሃስን በለቶም። ድሕሪዚ ደቀም ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ ጀሚረን።

5) ኣደይ ዘነብ ካብ ዓዲ ሸክ (ኣፍዓበት) ኣያ፡ ዓዲ ሸኽ ፍሉጣት ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖታዉያን ዝርከቦም ዓዲ ኢያ። ኣብ ሳሕል ንህዝቢ ናይ ምዉዳብ ናይ ምእማን ክእለታ ብጀማሂ ፍልጥቲ ነይራ። ኣብ ሃበሮ ሳሕል ብዉድብ ቤት ትምህርቲ ተሰሪሑ፡ ኣባላት ጀማሂር ደቂ ኣንስትዮ ክማሃራ ብዙሕ ጎስጓስ ኣካይዶም፡ ብባህሊ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትምህርቲ ምስዳድ ዘይሉሙድ ብምንባሩ ተቀባልነት ኣይረኸበን። ብፍላይ ዓበይቲ ዓዲ ተኣኪቦም ኣዋልዳና ክማሃራ ኣይነፍቅድን ኢሎም ተቃወሙ። ጀማሂር ከረድኡ ኣንተጸዓሩ ብጻብዕ ዝቁጸራ ተራእየን። ነቲ ጸገም ዝተረድኡ ጀማሂር ዓቅምን ኽእለተን ነደይ ዘይነብ ዝፍለጡ፡ ከም ብሓዲሽ ኣኼብ ጸዊዕም፡ ኣደይ ዘይነብ ኣብ ኣኼባ ተረኺባ፡ ብድድ ኢላ ሰላምታ ብምቕ * ጓል ኣንስተይቲ ኣይትማሃር ዝብል ኣበየናይ ጽሑፍ ኣሎ ኢላ ሓቲታ ቀጺላ፣ጓል ኣንተ ተማሂራ፡ መክበሪትን ሓጋዚት ሕብረተሰብ ትኸዉን። መሰልና ኣይጋሃስን በለቶም። ድሕሪዚ ደቀም ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ ጀሚረን።

6) 1978 ዓም ኣብ ሰዉራና በዳሂን ፈታኒ ምዝላቕ ኣዋን ነይሩ። ኣብ 28 ሕዳር 1978 ዓም ብጀነራል ካሰየ ጨመዳ ዝምራሕ ግብረ ሃይሊ 505 ብምዕሚደ ፈንጢዙ ንአፍዓበት ኽሓልፍ ተከርዲኑ፡ ንስለሰተ መዓልቲ ደማዊ ኩናት ተኻይዱ፡ ኣቲ ዝነብረ ዉሕድ ዓቅሚ ህግ ኣብ ሳልሳይ ምዓልቲ ተወሳኺ ሓይሊ ሰለ ዝረኸበ ብ 2 ታሕሳስ 1978 ተበጉሶ ወሲዱ ጸላኢ ተደምሲሱ። ልዕሊ 200 ምሩኻት ገዲፍ፡ ንብረቱ ተቃጺሉን ተማሪኹን፡ ሓንቲ ዘዉዲቱ ዝተባሃልት ጓል ኣንስተይቲ ኣርሆ ተማሪኻ ነይራ። ዘዉዲቱ ነቶም ሞራሎም ዝሞተ ሕልንኦም ዘዕረቡ ሰራዊት ንምብርባር "ጎቦዝ ኣይፈራም" ገዳይ" እናበለት ከተራሳስኖም ወፊራ። እንተኾነ ካብ ሞትን ምምራኽን ኣይድሓነቶምን በንጻሩ ኤርትራዉያን ኣርሆ ንሕና ንሱ እንታይ ይገብራ።

ሓርበኛታት ኤርትራዉያን ኣስተር ፍሳሃጽዮን፡ ኣስተር የዋሃንስ፡ ምርያም ሓጎስን ሰናይት ደበሳይን ካልኦትን ንስለዛ ሃገር ኣብ ማሕዮር እንዳ በልያ፡ ኤረ ሃገር ብምልእታ ብውልቀ መላኺ እንዳጸነተት፡ አብ ድቅድቅ ጸላም ተሽሚምና፡ ኑሮና ንሮ ኣባይ ኮኑ፡ ኣብ ስደትን ዉርደትን ኣብ ኣውያትን ብኽያትን፡ ህላወ ሃገር ኣብ ጸድፊ ጠልጠል ኢሉ፡ ናይ ሞትን ሕየትን ኮይኑ እናሃለወ፡ ካብታ ኢትዮጵያዊት ኣርሆ ብዝገደደ መሳርሒ ውልቀ መላኺ ብዃን ፡ሃገር ጹብቅ ኣላ፡ ኤሱ ይንበረልና፡ ወዘተ ብምባል፡ ዘብረቅረቀን፡ ዘብለጭለጨ ወርቂ መርቂ ንባንዴራ ተሽላሊመን ዕልል እናበላ ክዘላን ብጓይላን ዳንኬራን ሰኺረን፡ አእምሮአን ስሒተን ከጉራዓን ክጽለላን ክትሪኤን፡ እቲ ክርህርሃሉን ክወልዳሉን ዝተዓደለን ከብዲ፡ ጭካነ ጠኒሰንሉ፡ ልበን ምድረበዳ ገረኖኦ ጸኒሔን። ሃማድኤ ንመሰላት ደቀንስትዮ ዝቖመ ማሕበር`ዩ፡፡ ከም ማሕበር ዝሞተ ስለዝኾነ ንምግሳስ ደቀንስትዮ ዘተባብዕ ንወጽዓታትን ዘየኽብር ንምልኪ ዝድግፍ ካብ ዝኸውን 28 ዓመት ኣቕጺሩ ኣሎ። በዚ አጋጣሚ 8 መጋቢት ኩልና ደቂ ኣንስትዮ ፍልልያትና ንጎኒ ገዲፍና ደግፍትን ተቃወምትን ካይበልና ንድሕነት እዛ ሃገር ጠጠው ክንብል ይምሕጸን።

7) ኣደይ ኣብ ሱዳን፡ ጀማሂር ኣብ ህዝቢ ዘጸግሞም ዝነበረ ጉዳያት ብክእለትን ጥበብን ናይ ምርዳእ ክእለታ ነቲ ዝይካኣል ዝምሰል ህዝባዊ ግዳያት ብቓላትን ግጥሚን ልቢ ኣኼባ የኢሚና ዓቢ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ኣበርኪታ ኢያ። ኣብ ገዳርፍ፡ ህዝባዊ ግንባር ብሃገራዊ ጻዊዒት ደቂ ኣነስትዮ ተጋድል ኣላ፡ ዝብል ሕቶ ተላዕሉ ነይሩ። ኣዚ ምስ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ። ኣደይ ዘይነብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪባ፡ ^^ንስኹም ሃገር ገዲፍኩም ኣብ ስደት ሰፊርኩም ኣለኹም። ንሳተን ግን ምስ ኣሕዋተን ጅግንነት ይፍጽማ ኣለዋ። ሃየ ሕልና ዘለዎ ይርኽብ!!! ኢላ ንጅግንነት ደቂ ኣንስትዮ ዘሞጉስ ግጥሚ ገጠመትሞ ዓቢ ኣድናቅት ረከበት። እቲ ሽግር ዝነበረ ፍታሕ ረኺቡ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።

8)ንራእሲ ወልደንኪኤል ሰሎሙን ብዓልቲ ቤቶ ወይዘሮ ኢለን መማኽርቶም ከም ዝነበራ ኣብ መጻሕት ታሪክ ኤርትራ ተጠቕሱ ኣሎ። ንሃጸይ ሚነሊኽ ቀንዲ ኣማኻሪቶም ዝነበረት ብዓልቲ ቤቶም እተገ ጸሃይቱ ኢየን። ከም ዝግለጸ ምስ ጥልያን ኣብ ዝገበርዎ ዉዕላት ኣኹሱም ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣንታይ ታሪኽ ኣለዋ ኢለን ሰለ ዝእመና ንኻልአይ ግዜ ካርታ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ካብ መረብ ምላሽ ከም ዝተሓንጸጸ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ። ፕረሲደንቲ ክሊንተን ኣብ ሰልጣን ዝነበረሉ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ርክብ ፈጺሙ ተባሂሉ ካብ ስልጣን ክወርድ ከብድ ጸቕጢ ብሪፓፕሊካን ይወርዶ ኣብ ዝነበረ ብጽንዓት ብዓልቲ ቤቱ ሂላሪ ኣብ ጎኑ ጸኒዓ ደው ሰለዝበለት ዓቢ ዓወት ኣመዝጊቡ፡ ኣዚ ተራ ኤርትራዉያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጽንኩር ኣዋን ዘሰጋግር ብቕዓት ከምዘለዎን ኣብ ሰዉራና ሎሚ'ዉን ኣብ ጎዕዞ ኣለዋ።

9)ኣብ ጀልሃንቲ ሳሕል( መዓስከር ዕቑባት) ናይ ህዝቢ ኣኼባ ነይሩ፡ ኣደይ ዜነብ ስሚዒታ ብግጥሚ ኣቕሪባቶ፡ ኣዝዩ መሲጣቶ ነይሩ፡፡ ካብ ተሳተፍቲ ሕቶ ቀሪቡ "ንምኳኑ ክንደይዩ ዕድሜኽን" ሓተትዋ ብምግራም። ኣደይ ዘነብ ዕድመይ 5ተ ዓመት፡ ኣው ኣነ ጓል 5ተ ዓመት ኢየ። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ምዉዳበይ ዝነበረ ጸልማት ግዜ ስለ ዝነብረ ኣይሓስቦን ኣየ። ንህዝብካን ንሃገርካን ዘይተገልግለሉ ዕድመ ህይወት ኣይኮነን። ኣነ ካብ ጸልማት ወጺኤ ብዛዕባ ሃገረይ ፈሊጠ ኣበርክቶ ክገብር ካብ ዝጀመርኩሉ ዕለት ኣየ ዕድመይ ዝቖጽር። ኣቲ ካልእ ብላሽዩ ሰለ ዝበለት ንቡዝሓት ኣገሪሚዎም። ( ካብ ኣባላት ክፍሊ ሕዝቢን ሙሳ ራባዕ ኣብ ሕሽክብ ዝምስጠኒ ዝነበረ ዕላልዩ)

ኤርትራዉያን ኣደ ምእንቲ ሰላም ፍትሒን ዋጋ ከፊላ ኢያ። ሰለዚ ንርስቲ ይዋጋኣሉ ኣንስቲ ዝባሃል። መሬት ንጓኖት ኣይትህብን ኢያ፡ ወደባታን ባሕራን ናይ ደቃ ስለዝኾነ ክዝመት ኣይተፍቅድን ኢያ። ሎሚ ኤርትራውያን ብመሪር ገድሊ ስለ ዝሓለፋን፡ ኣብዚ 27 ዓመት መግዛእቲ ኢሰያስ ከም ወርቂ ብሓዊ ዝተፈትና፡ ኣብ ዉድባት ይኩን ማሕበራት ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ብአብነት ዝመርሓን ዝዋስአን፡ ንስብአዊ መሳላት ደቀን ዝጣበቓ፡ ኣብ በረኻታት ሲናይ ሂወት ዜጋታተን ዘዉሓሳ፡ ንመስል ስደተኛታት ዝጎያ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ዓላም ንስርዓት ህግደፍ እንታይነቱ ዘቃልዓ፡ ጀጋኑ ተቓለስቲ ኣብ መድረኽ ወጺኤን ድምጸን ብዓውታ የስምዓ ኣለዋ። ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዝፈረያ ጀጋኑ ከም ብዓል መርከር (merker) ናይ ጀርመን፡ ከም ሂላሪ ክሊንተን ናይ ኣመሪካ፡ ከም ሳቸር ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ጎልዳ መየር ናይ ኢስራኤል ኣብ ጽንኰር ኩነት ዝተፈተና ንሃገርን ዘዉሓሳ ብሉጻት መራሕቲ ወሊዳ ኢያ ። ኤርትራና ህያብ ሰማእታት ሰለ ዝኾነት ብአጋጣሚ 8 መጋቢት ንኩሎም ድምጻዉያን ደረስቲ፡ ጽሓፍቲ ድምጾም ከስምዑን። ኩሎም ምሁራትን ንቃልሲ ኽቅይሱ፡ ገዳይም ተቓለስቲ ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲን መንእሰያትን ብሓባር፡፡ ደጋፍን ይኹን ተቓዋሚን ከይፈላለያ፡ ሕሰምን ስደትን ማሰርትን ከብቕዕ ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ደዉ ክብልን፡ ፍልልያት ከነዉግድ ንብዓት ኣደታት ክንሕብስ ፍቅሪን ሰላምን ክነግስ ሓቢርና ክንቃለ፡ ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ፡ ኣብ ሐመድ ድበ ህግደፍ ንኸነርክብ፡ከምቲ ኣብ 1991 ለታይ ተላዓሊ ንዕናይ ንዓድና ኢልና ንኩሎም ሰማእታትና ካብ ዝወደቑሉ ባሕርን፡ ምድረ በዳ ሳሃርን ፡ኣብ ሲናይ ዝተረፉ ንቡር ዘይረኽቡ ሓመድ ዓዶም ኽለብሱ። ስደትንሓዋሩ ክውዳእ፡ ኤርትራዉነትና ኽዕንብብ ንኹሎም ተሳተፍቲ ሽሞንተ መጋቢት ዓወት ንምነየልኩም።

ሙልእ ዓወት ንጽንብል 8 መጋቢት

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሃብተማርያም ሚላኖ
08 March 2019

Read in PDF: ብPDF ንምንባብ Click here ኣብዚ ጠውቑ


Share with friends:


See also Related ምስዚ ዝዛመድ ኣርእስቲ፡-

ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቀንስትዮ: ዝተፈላለየ ዕላላትን ሰሚናራትን
Videos reflecting International Womens Day



Share with friends: