እንኳዕ ኩልና ሓደ ኣይገበረና።

26/12/2017 13:48 PM

እንኳዕ ኩልና

ሓደ ኣይገበረና።

ብ'ሰመረ ፍስሃየ
by Mr. Semere Fessahaye


Mr Semere Fessahaye


እንኳዕ ኩልና ሓደ ኣይገበረና።

ካብ ዕለት 18-11-2017 ክሳብ ዕለት 07-12-2017 ኣብ ኢትዮጵያ።

ካብ ዕለት 18-11-2017 ክሳብ ዕለት 07-12-2017 ንኢትዮጵያ፣ ምስ ክልተ ደቀይ፣ ንዙረት ከይደ። መኪና ተኻሪና ኽኣ ሓደ 2700 ኪሎ መተር ዝኸውን ጉዕዞ፣ ንሰሜን፣ ንደቡብ ከምኡውን ንምብራቕ ኢትዮጵያ ተጓዒዝና። ዘሕለፍናዮን ዝርኣናዮን ኩነታት ከዕልለኩም (ከካፍለኩም) መሪጸ።

ኤርትራ ሃገርና ነጻ ሃገር ምስ ተባህለት፣ ምስ ጎረበትና ሃገረ ኢትይጵያ ሰላም ኮይኑ ምስ ተባህለ። ክልተ ትምኒታት ነይረናኒ።

1. ነቲ ኣብ ሜዳ፣ ካብ ባርካ ክሳብ ደንካሊያ ዝንቀስቐሰሉ ዝነበርኩ ቦታታትን ዝራኸቦም ዝነበርኩ ገባርን ተመሊሰ ክርእዮም።

2. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኮይነና፣ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንመላለሰሉ ዝነበርና መንገድታትን ዓድታትን ከተማታትን ተመሊሰ ንምርኣይ።

ነዚ ትምኒት እዚ ንምፍጻም ዝነበረኒ መደብ፣ ብኤርትራ ኣቢለ ናይ ምፍጻም መደብ ስለ ዝነበረ፣ በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ክዳናጎይ ተገዲዱ። ከም መብዛሕትኡ ኤርትራዊ፣ ሎሚ ጽባሕ ለውጢ ክመጽእ እዩ ክብል ጊዜ ሓሊፉ።

ሕጂ ግን ዕድመ እንዳነውሐ ስለ ዝኸደ ኣይ እታ ቀዳመይቲ ትምኒተይ ኣይ እታ ካልኣይቲ ትምኒተይ ከይፈጸምኩ ሓዲግ ከይከውን ብምባል እንተውሓደ ነታ ካልኣይቲ ትምኒተይ ክፍጽማ ኣሎኒ ብምባል ተበገስኩ።

ኣብዚ መደብ’ዚ ሕሳስልደ ጓለይን ከምኡውን ምንኣሳ ንቦኽሪ ጓለይን ምሳይ ነቲ ትምኒተይ ናይ ምፍጻም መደበይ ከሰንያኒ ስለ ዝሓተታኒ መርሓባ ብምባል ኣብ ጉዕዞይ ምሳይ ንኽጉዓዛ ተሰማማዕና።

ኣነን ሕሳስልደ ጓለይን ዕለት 17-11-2017 ምሸት ካብ ፓሪስ ክንበገስ ከሎና፣ እታ ካልኣይቲ ጓለይ ግን ኣብ ኣውስትራልያ ስለ ትቕመጥ ዕለት 17-11-2017 ካብ ሲድነይ ትብገስ። ንሕና ዕለት 18-11-2017 ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣቶና። ካብ ሲድነይ ዝተበገሰት ጓለይ ክኣ ዕለት 19-11-2017 ሰንበት ኣቶወት፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ጽኒሕና ኽኣ ተቐበልናያ። ሰኑይ ዕለት 20-11-2017፣ ንጉዕዞና እትኾነና መኪና (ቶዮታ ላንድ ክሩዘር ዝዓይነታ) ምስ መራሒኣ ክራይ ረኺብና ንጽባሒቱ ሰሉስ ኣንጊህና ጉዕዞና ብደብረብርሃን ኣቢልና ንሰሜን ኢትዮጵያ ኣምራሕና።

ደብረብርሃን

ኣብ ኣዲስ ኣበባ የዕሪፍናሉ ዝነበርና ሆቴል ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ስለ ዝነበረ ካብ መንገዲ ቦሌ ተበጊስና መንገዲ ኣስመራ ዝብሃል ጽርግያ ሒዝና ካብ ኣዲስ ኣበባ ንደብረብርሃን ገጽና ኣምራሕና። ካብ ኣዲስ ኣበባ ክንወጽእ ብዙሕ ግዜ ወሲዱልና። እቲ ምኽንያት ክኣ እታ ከተማ ብፍላይ በዚ ሸነኽ እዚ ብጣዕሚ ሰፊሓ ስለ ዘላን በቲ ሓደ ወገን ክኣ (ዋላኳ ኣንጊህና እንተተበገስና) ብዝሒ መካይን ስለ ዘሎን እዩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺእና ንደብረብርሃን ምስ ኣምራሕና፣ እቲ ናይ ሓመድ ጽርግያ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ኣብ ካርታመ ተቐይሩ ረኸብኩዎ። ብየማነ ጸጋምና ዝተፈላለዩ ትካላት ከሰንዩና ጀመሩ። ንጉሆ ስለ ዝነበረውን ተመሃሮ ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ወሰና ወሰን እቲ ጽርግያ ብዝሓለፍናዮ፣ ይዕበ ይንኣስ ዓድታት፣ ክንርኢ ጀመርና።

ከባቢ ስዓት ዓሰርተ ኣቢሉ ይኸውን ደብረብርሃን ኣቶና። ቡን ክንሰቲ ጠጠው በልና። ደብረብርሃን ምዃና መራሕ መኪና እንተዘይሕብረኒ ኣይምፈለጥኩዋን። ኣብ ደብረብርሃን ተሃኒጾም ዘለዉ ህንጻታት ንርኣይኦም ዘደንቑ ህንጻታት ኮይኖም ንኸማይ ቀደም ዝፈልጥዋ ኽኣ እወ እታ ዝፈልጣ ከተማያ እያ ንምባል የሸግሮም።

ኣብ ደብረብርሃን ዝኣቶናዮ ባር (እንኮላይ ሆቴልዩ) ባህላዊ መልክዕ ዘለዎ ህንጻ ኮይኑ ብዘመናዊ ኣቑሑ ዝተሰርሐ፣ እተዉ ኣይትግደፉኒ፣ ዝብል ባር ኮይኑ ረኸብናዮ። ኣብ ውሽጢ ምስ ኣቶና፣ ባህላዊ ቡን ንዝመርጹ ዝተዳለወ ኩርናዕ ብሓደሸነኽ፣ ብኻልእ ሸነኽ ክኣ ናይ ማሺን ቡን ንዝመርጹ ዝተዳለወ ቦታ ጸንሓና።

ኣነን ደቀይን ባህላዊ ቡን ስለ ዝመረጽና ናብተን ናይ ባህሊ ክዳውንተን (ዙርያ) ተኸዲነን ዘሳስያ ዝነበራ ኣምራሕናሞ፣ ብሰቲ ዝተዓጀበ መነባብር ስለ ዝነበር ኣብቲ መነባብር ኮፍ በልና። ኣብ ፊትና ሓንቲ ቀያሕ መልክዐኛ ወይዘሮ መንከሽከሻ ገይራ ቡን ከሽከሽ ከተብል ጀመረት። ቡን ተቖልዩ ምስ ተወድአ ኽኣ ብድድ ኢላ ንዓይን ንደቀይን፣ ምሳና ንዝነበረ መራሕ መኪናን፣ ናይቲ ዝተቖልወ ቡን ሃፋ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫና ገጻ ብምቕራብ ኣጭነወትና። ብደሕሪኡ ቡን ኣብ ጀበና ፈሊሑ ተዓደላናሞ ሰቲና ኣመስገንና። ደቀይ ነተን ዘሳስያ ዝነበራ ስእሊ ከልዕለአን ምስ ሓተተአን፣ ጸገም የለን ስለ ዝበላ፣ ስእሊ ድሕሪ ምልዓል እንዳ ኣመስገንና ወጻእናሞ ጉዕዞና ንደሴ ገጽና ቀጸልና። ኣብ መንገድና ንሓልፈን ዝነበርና ይዕበያ ይንኣሳ ከተማታት ምውቕ ዝበለ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኢኻ እትርእየለን። ኣብቲ ውሽጢ ከተማታት ይኹን ኣብ ነንሕድሕደን ዝቀራረባ ከተማታት ንህዝቢ ዘንቀሳቕሳ መጎዓዝያ ሰለስተ መንኮርኮር ዘለወን፣ ካብ ህንዲ ዝመጻ፣ ቨስፓ ንብለን ዝነበራ ኣብ ኤርትራ፣ (ኣብ ከባቢ ካተድራለ ታክሲ ኮይነን ዝሰርሓ ዝነበራ) ብብዝሒ ኢኻ ትርእይ። ከባቢ ፍርቂ ምዓልቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ከምሴ እትብሃል ከተማ ክንምሳሕ ደው በልና። እዛ ከተማ እዚኣ ተመሃራይ ኮይነ ኣብ ዝሓልፈሉ ዝነበርኩ ጊዜ ኣይፈልጣን እየ። ኣብዛ ከተማ እዚኣ ዝርኣናዮ ሆቴላትን ቤት መግብታትን ዘገርም እዩ።

ምሳሕ ተመሲሕና ጉዕዞና ንኮምበልቻ ገጽና ኣምራሕና።

ኮምበልቻ

ድሕሪ ናይ ቁሩብ ጊዜ ጉዕዞና ሓድሽ ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር ጎኒ ጎንና ክኸይድ ጀመረ። ንመራሕ መኪና፣ ካበይ ናበይ ዝኸይድ መንገዲ ባቡር ድኣዩ እዚ ንርእዮ ዘሎና ኢለ ተውከስኩዎ። ዝረኸብኩዎ መልሲ ኽኣ፣ « እዚ መንገዲ ባቡር እዚ ካብ ጂቡቲ ተበጊሱ ንመቐለ ክኣቱ ዝስራሕ ዘሎ እዩ። ክሳብ ኮምበልቻ ጎኒ ጎንና ከሰንየና እዩ « ይብለኒ። ከምታ ዝበላ ኽኣ ካብ ዓይንና ከይተፈለየ ኮምበልቻ ኣቶና።

ኮምበልቻውን ፈጺማ ተቐይራ ጸንሓትኒ። ብዘመናዊ ህንጻታት ተዓጂባ ህዝባ ላዕልን ታሕትን ክብል ተዓዘብኩዎ። ደጋጊመ እንኳዕ ካብቲ ንዓና ወሪዱና ዘሎ መዓት ድሓንኩም እንዳበልኩ ኣድንቖተይ ኣብ ውሽጠይ ሒዘ ንደሴ ጉዕዞና ቀጸልና።

ደሴ

ኣብ ደሴ ሰሉስ ዕለት 21-11-2017 ድሕሪ ቀትሪ ኣቲና። እዚ ክብል ከሎኹ ኣብ ፈቐድኡ ደው እንዳበልና እንተዘይንኸይድ ኔርና ካብ ኣዲስ ኣብባ ተበጊስና ምሳሕና ኣብ ደሴ ምኾነ።

ኣብ ደስየ መሕደሪና ዝኸውን ሆቴል ምስ ሓዝና፣ ነቲ ሆቴል ምስ ተዓዘብኩ፣ ወይ ጉድ!! ኢሳያስ፣ ኣብ ኣስመራ ኢንተር ኮንቲነንታል እትብሃል ሆተል ኣስሪሐ ኢሉ ዝጅሃር ድኣ እቶም ማዕረ ማዕሪኡ ተጋዲሎም ንሃገሮም ኢትዮጵያ ሓራ ዝገበሩ፣ ኣብ ደሴ ከይተረፈ ኢንተር ኮንቲነንታል ጥራሕ ዘይኮነስ ኢንተር ኮንቲነንታላት ገይሮም ዘለዉ እንታይ ክብሉዮም ብምባል ምስ ደቀይ የዕለልኩ። ሓደ ካብቲ ናይ ጉዕዞይ መደብ እቲ ኣብ ደሴ ነዕርፈሉ ዝነበርና፣ ብታኒካ ወዲ ታኒካ ተሰሪሑ ዝነበረ ሆቴላት፣ እቲ ብጭቃ ምቃ ልብና ዘጥፍኣልና ዝነበረ መዓርፎ ኣውቶቡሳት ንምርኣዩ ወይ ክኣ ከመይ ተለዊጡ ምህላዉ ንምፍላጥ ስለ ዝነበረ፣ ነቶም ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣበይ ቦታ ምህላዉ ክሓቶም መደብኩ።

ሕቶይ -

ቅድሚ 44 ዓመት ብደሴ ሓሊፈ ነይረ። ኣብቲ ግዜቲ መዓርፎ ኣውቶቡሳት ዝነበረ በየን ከምዘሎ ምሓበርኩምኒዶ በልኩዎም።

መልሲ -

መጀመሪያ ሲሒቖም። ድሓር፣ ንሕና ድኣ ኣብዚ እዋን ነጻነት ዝተወለድና ስለ ዝኾንና ትብልዎ ዘሎኹም ቦታ ታሪኹውን የብልናን ቦሉኒ።

ብድሕሪኡ ምስ ደቀይ ንኸተማ ደሴ ክንድህስስ ተበገና። እቲ ማርሻፔዲ ብተንቀሳቐስቲ ኣጋር መሕለፊ የብሉን። እንዳተናጎጽካ ኢኻ ትኸይድ። እቶም ኣብኡ እትርእዮም ሰባት፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኮይኖም ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 19ን 35ን እዩ።

ኣብ ሓደ ቦታ ቡዙሓት መንእሰያት ተኣኪቦም ስለ ዝርኣና ምስ ደቀይ ንኺድ ንርኣዮም፣ እንታይ ዝኾኑዮም በልና። ቀሪብና ምስ ርኣናዮም ዓበይቲ ሰሌዳታት፣ ናይ ስራሕ ኣዋጃት ወረቓቕቲ ዝተጠቅዖም፣ የንብቡ ምህላዎም ተገንዘብና። እዚ ብምርኣየን ደቀይ፣ ፓፓ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መናእሰይ ከምዚ ዕድልዚ መዓስ እዮም ክረኽብዎ በላኒ። ቀሪቦምዮም፣ እቲ ንኤርትራ ኣጸልሚትዋ ዘሎ ሰብ እንተስ ብሕማም እንተስ ብገለ ጀጋኑ፣ መዓልታቱ ይቑጸራየን ዘለዋ በልኩወን።

ብድሕርዚ ንደሴ ኮለል ኢልናያ ነቲ ቀደም ኣናጹ እንዳ ኣሰናያና ንድቅሰሉ ዝነበርና ሆቴል ከይረኸብናዮ ናብ ሆቴልና ተመለስና።

እቲ ዝነበርናዮ ሆቴል ሬስቶራንቴኡ ኣብቲ ቀዳማይ ደረጅኡ ኮይኑ ነታ ከተማ ደሴ ብሰፍሓ ከርእየካ ዝኽእል ስለ ነበረ፣ ድራርና ኣብዚ ሆቴል ይኹን በልና። ምሸት ስለ ዝነበረ ኽኣ ህንጻታት ደሴ ብመብራህትታት ተሰንዩ ነታ ከተማ ጽባቐ ወሲኹላ ረኸብናዮ። ኣስደሚሙኒስ ከተማ ኣስመራ ተራእያትኒ። ብጸልማትን፣ ጭቃን፣ ኣናጹን፣ ዝተሰነየት ዝፈልጣ ዝነበርኩ ከተማ ደሴ እንኳዕ ኣብዚ ኣብጽሓኪ፣ ኣስመራይ ክኣ ኣብቲ ዝነበርክዮ ብርሃንክን ጽርየትክን ፍሽኽታ ተቐማጦኽን ክትምለሲ ብህርፋን እጽበ ኣሎኹ ክብል ሕንቕንቕ በልኩ።

ንጽባሒቱ ደቀይ ላሊበላ እትብሃል ከተማ ክንርእያ ንደሊ ኢና ስለ ዝበላኒ ጉዕዞና ብወልድያ ጌርና ንላሊበላ ኣምራሕና።

ወልድያ

ወልድያ ምስ በጻሕና ክንምሳሕ ኢልና ኣብ ሓንቲ ሆቴልን መግብን ዘለዋ ህንጻ ኣላገስና። ወልድያ እትብሃል ከተማ ቀደምውን ስለዘይፈልጣ ብዙሕ ከወዳድሮ ዝኽእል ነገራት ኣይራኣኹን። ግን ከምተን ኩለን ብዘመናዊ ህንጻታት ተሰኒየን ናህሪ ዘለዎ ምዕብልናታት ዘርእያ ዘለዋ ከተማታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና ረኸብኩዋ።

ላሊበላ

ካብ ወልድያ ተበጊስና ሓደ 40 ደቓይቕ ዝኸውን ብካርታመ ዝተሰርሐ ጽርግያ ምስ ተጉዓዝና ናብቲ ቀድም ዝፈልጦ ዝነበርኩ ብሓመድ ዝተሰርሐ ጽርግያታት ኢትዮጵያ ኣቶና። እቲ ጉዕዞ ብሓርጎጽጎጽን ዶሮናን ዝተሰነየ ኣድካሚ ጉዕዞ ነበረ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ንብገስ ንመጀመርያ ግዜና ናይ ሓመድ ጽርግያ ኣጋጢሙና።

ላሊበላ ክንኣቱ ምስ ቀረብና ጽርግያ ዝሰርሓ ከበድቲ መካይን ርኣና። መራሕ መኪና ከም ዝሓበረኒ ሓደስቲ ጽርግያ ኣብ ምስራሕ ከም ዘለዉ ፈለጥኩ።

ላሊበላ ኣብ በረኽቲ ጎቦታት ዝተሃንጸት ከተማ እያ። እቲ ሆተላት ክኣ ዘመናዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ኣዚዩ ዘዝበረኸ ቦታታት እዩ ተሰሪሑ ወይ ዝስራሕ ዘሎ። ምሳሕና ኣብ ሓንቲ ካብቲ ዝበረኸ ቦታታት ዝመረጸት ቤት መግቢ ስለዝገበርናዮ፣ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ባህርያዊ ምርኢት ብትግርኛ ምግላጹ ኣሸጋሪ ኮይኑኒ።

ኣብ ላሊበላ ዘሎ ታሪኻዊ ቤተክርስትያን ደቀይ ንኽርእይኦ መደብ ስለ ዝነበረን ንሳተን ነቲ ቤተ ከርስትያን ኣብ ዝርእያሉ ዝነበራ ጊዜ ኣነ ምስቲ መራሕ መኪና ነቲ ዝስራሕ ዘሎ ሓድሽ ጽርግያ ክርእይ ተንቀሳቐስኩ። ዘገርም ኣሰራርሓዩ። ናይ ቻይና ትካል እያ እትሰርሖ ዘላ። እቲ ጽርግያ ካብ ላሊበላ ተበጊሱ ብእንትጨው ኣቢሉ ንመቐለ ዝኣትው እዩ። ኣብ ላሊበላ ሓዲርና ንጽባሒቱ ጉዕዞና ንመቐለ ኣምራሕና። እቲ ሓድሽ ጽርግያ ጌና ስለ ዘይተወድአ እንደገና ንወልድያ በቲ ዘይጥጡሕ መንገዲ ዝመጻናዮ ተመለስና።

መቐለ

ካብ ወልድያ ባኣላማጣ ኣቢልና ንመቐለ ንኸይድ መሲሉኒ፣ ኣላማጣ ከመይ የዐርዮሞ ይኾኑ ኢለ እንዳተጸበኹ፣ መራሕ መኪና ይብለኒ፣ ኣላማጣ ካርታመ ገይሮሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣግፊሖሞውን እዮም ይብል፣ ግን ነቲ ኣጻድፍ ገዲፎም ጎልጎል ጎልጎል ዝኸይድ ሓድሽ ጽርግያ ሰሪሖም ስለ ዘለዉ ብኡ ኢና ንኸይድ ይብለኒ። ገሪሙኒን ኣስደሚሙንን ክኣ፣ ኣብ ዓድና ኤርትራ፣ ኢሳያስ ዘይከፍለሉ ጉልበት ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ ተተቒሙ ኣብ ምፍራስ ሃገር ተዓጢቑ፣ እዚኦም ክኣ ዝነበረ ኣማሓይሾም ዘይነበረ ሃኒጾም ህዝቦም የማዕብሉ ኣለዉ በልኩ። በቲ ሓድሽ ጽርግያ ጉዕዞና ንቕጽልሞ ሓደሽቲ ከተማታት ብዘመናዊ ህንጻታት ተሰንየን ዝቦቖላ ርአኹ። ከምቲ ኣቐዲመ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ ፈቐዶ መንግድታት ተመሃሮ ሓደ ዓይነት ክዳን ዝተኸድኑ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝመላለሱ ካብ ምርኣይ ኣየዕረፍናን።

ቅድሚ ጸሓይ ዕራርቦ ኸኣ መቐለ ኣቶና። መቐለ ክትኣቱ ከሎኻ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝተሃንጸት ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቶምን እዩ ዝቕበለካ። ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ሕልፍ ኢልና ከነንቆልቁል ምስ ጀመርና ርእየያ ዘይፈልጥ ከተማ መቐለ ቅልቅል በለትና።

ነቲ መራሕ መኪና ዝገበርና ጌርና እታ ቀደም ዝፈልጣ መቐለ ክንረክባ ኣሎና በልኩዎሞ ኣይትሸገር ናብኡውን ከብጽሓካየ በለኒ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ምስ ኣቶና ደረጃታቱ ናይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጹሩራ ዝኾነ ሆቴላት ከም ምምራጽና ኮነ። መጨረስትኡ ኣኽሱም ሆቴል ዝብሃል መሪጽና ኣብኡ ሃደርና። መቐለ ብምሸት ምስ ደቀይ ተዛዊርናያ፣ ብዝሓለፍናዮ ቦት ናይ ኣድንቖትን ምግራምን መንፈስ ዊሒጡኒ ዝተቓልስኩላ ሃገረይ ኣንዳተራእየትኒ፣ እንኳዕ ፍረ ቃልስኩም ዝረኸብኩም፣ እንኳዕ ኩልና ሓደ ኣይገበረና ካብ ምባል ኣይዓረፍኩን። ንጽባሒቱ ንጉሆውን ብመኪና ጌርና እቲ ኣሎ ዝብሃል ጎደናታት ምስ በጻሕናዮ ናብታ ተመሃራይ ከለኹ ዝፈልጣ መዓርፎ ኣውቶቡሳት ዝነበረት ኣደባባይ ኣምራሕና፣ እታ ኣደባባይ ከምታ ዝፈልጣ ዝነበርኩ፣ እተን ነዕርፈለን ዝነበርና ሆተላት (ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ብሸነኽ ዕዳጋ ከብቲ ዝርከብ መረባብዕ ዝመስላ ገዛውቲ እየን) ከምኣይለን ጸንሓኒ።

ዓዲ ግራት

ራብዓይ መዓልትና ንዓዲ ግራት ገጽና ኣምራሕና። ኩሉ ጊዜ ንጉዓዘሉ ጽርግያ ብካርታመ ዝተሰርሐ እዩ። ኣብ መንጎ መቐለን ዓዲ ግራትን ዝርከባ ይዕበያ ይንኣሳ ዓድታት ውዕዉዕ ናይ ምጣኔ ሃብታዊ ምንቅስቓስ ኢኻ ትርእየለን። ዓዲ ግራት ከባቢ ስዓት ዓሰርተ ኢና በጺሕና። ሕጂውን መሊሱ ኣድንቖተይ በርቲዑ። ኣነ ዓዲ ግራት ዝፈልጣ፣ ሃመማ ብብዝሒ ከሸግሩና፣ ለማኖ ኣካለ ስንኩላን ቆልዑ ሒዞም ክልምኑ እንተዘይኮይኑ ካልእ መዘከርታታት ኣይነበረንን።

ሕጂኸ ! ክትኣቱ ከሎኻ ዝቕበሉኻ ጎደናታት ነቲ ቀደም ንፈልጦ ጽቡቕ ጎደናታት ኣስመራ ዝመስሉ፣ መን ነገረካ ዘብሉ ዘመናውያን ሆቴላት፣ ወዮም እንተቐተልካዮምውን ዘይሞቱ ዝነበሩ ሃመማ፣ ሃሰው ኢልካ ንኽትረኽቦም ትሽገር ኮይና ጸንሓትኒ። ኣብቲ ማእከል ከተማ ከነዕርፍ ዝሓሰብናዮ ንመራሕ መኪና ኣብቲ ውሽጠ ውሽጢ ውሰደና በልኩዎ። መራሕ መኪና ናብቲ ውሽጠ ውሽጢ ወሰደናሞ፣ ብጀበና ዝፈልሐ ዝስተየሉ እንዳ ቡን ረኸብና። እቲ እንዳ ቡን ኣብ ማርሻፔዲ መነባብር ተዳልዩ፣ ኮፍ ኢልካ ቡን ዝስተየሉ ቦታ ስለ ዝነበሮ፣ ኣብ ደገ ኮፍ ኢልና፣ የማንና ጸጋምና ኩሉ ንኽትርእዮ ደስ ዘብል ከባቢ እንዳረአና ቡንና ክንሰቲ መደብና። ወዮም ሃመማ ዝነበሮም ብዝሒ ጠፊኡ ገለ ገለ ተቐልቀሉ ግን ምስቲ ቀደም ዝፈልጦ ሰማይን ምድርን ነበረ። ንደቀይ ከስሕቐን ኢለ እቶም ዝብለክን ዝነበርኩ ሃመማ ንኤርትራ ገጾም ከይዶም ከይኮኑ እፈርህ ኣሎኹ በልኩወን።

ዓድዋ

ድሕሪ ናይ ሓደ ስዓት ዝኸውን ዙረትና፣ ካብ ዓዲ ግራት ንዓድዋ ገጽና ጉዕዞና ኣምራሕና። ዓድዋ ከምተን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ምምዕባል ትርክብ ኣላ፣ እንተኾነ ግን ከም ሓንቲ ኣብ ጉዕዞኻ ከተዕርፈላ እትምረጽ ከተማ ኣይትመስልን። ብርኢቶይ ኣኽሱም ካብኣ ብዙሕ ሪሒቓ ስለ ዘይትርከብ ገያሻይ ንኣኽሱም ከይዱ ታሪኻዊ ሓወልታት ንኽርእይ ግዚኡ ኣብኡ ከሕልፍ ዝመርጽ ይመስል።

ኣኽሱም

ኣኽሱም ኣብ እዋን ምሳሕ ኢና ኣቲና። ኣብ ኣኽሱምውን ዘመናውያን ሆተላት ከም ምርጫኻ ኮይኑ ረኸብኩዎ። ኣብ ሓንቲ ናይ ሃገር ባህሊ እተዳሉ ቤት መግቢ ኬድና ኸኣ ተመሳሕና። ኣኽሱም ኬድካ ሓወልታታ ከይርኣኻ ክትሓልፍ ጸገም ስለ ዝኾነ ኣብቲ ሓወልታት ዘለዎ ቦታ ኬድና ከም ኩሉ ገያሻይ ነቶም ነቲ ሓወልትታት ዝቐረጹ ጥንታውያን ኢትዮጵያውያን ኣድንቖትና ኣበርከትና። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝሓለፍናየን ከተማታት ብዘይካ ኣብ ስራሕ ዝተጸምደ ህዝቢ እምበር ከምቲ ቀደም ኣብ ናይ ልመና ስራሕ ዝተጸምደ ኣይራኣናን ኔርና። ኣብ ኣኽሱም ግን ኣብቲ ከባቢ ሓወልቲ፣ ዘሸግሩ፣ ኣብ ናይ ልመና ስራሕ ዝተጸምዱ ቆልዑ ረኸብና። ቀደም ዝፈልጣ ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩኒ። ካብኡ ብመኪና ጌርና ነቲ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ፣ ዝስራሕ ዘሎ ሓደሽቲ ጽርግያታት ከምኡውን ብሽረ ዝመጽእ ናብታ ከተማ ዘእቱ ሓደስቲ ጽርግያ ምስ ርኤና፣ ናብቲ ናይታ ከተማ ዩኒቨርሲቲ በጻሕና።

ኣብ ኣኽሱም ሓዲርና ዙረትና ምስ ወዳእና ንሽረ ገጽና ኣምራሕና።

ሽረ

ሽረውን ከም መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ኣኽሱም ምዕባለኣ ምስ ዩኒቨርሲቲኣ ተደንቕ ኮይና ጸኒሓትኒ። ነቲ ማእከል ከተማ ቀዲዱ ብዘመናዊ ናይ መብራህቲ የዕኑድ ተሰኒዩ ንመካይን ዘዕጅብ ጎደናታት ብዓይነይ ርእየ ደጊመ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክኣ ብሓፈሻ፣ እንኳዕ ፍረ ቃልስኹም ረኸብኩም፣ ንዓና ኽኣ ከማኹም የማስለና በልኩ። ኣብ ሽረ ተመሲሕና ንከተማኣን ዩኒቨሲትኣን ምስ ዞርና ጉዕዞና ንደባርቕ ገጽና ኣምራሕና። ካብ ሽረ ውጺእና ገለ እዋን ምስ ተጉዓዝና እቲ ህዝብና ተዓቚቡሉ ዘሎ መደበር ስደተኛታት፣ ኣብቲ ንደበርቕ ዝኸይድ ገማግም ጽርግያ ተተኺሉ ክንርእይ ጀመርና።

ነታ ቀዳመይቲ መደበር ምስ ሓለፍናያ፣ ኣብታ ካልኣይቲ ምስ በጻሕና፣ ማይ ጸብሪ ትብሃል፣ ንመራሕ መኪና ናብቲ መደበር ስደተኛታት ከላግሰና ሓተትኩዎሞ ኣብኡ ኣላገስና። ኣብ ሓንቲ ቤት መግብን መስተን ክኣ ኣቶና።

መስተ ኣዚዝና እንዳሰተና እንከሎና ክልተ ቆሉዑ (ዕድሚኦም ከባቢ 11 ወይ 12 ኣቢሉ ይኸውን) ኣብኡ መግቢ ክበልዑ ርኣና።
ካበይ መጺእኩም ክብል ሓተትኩዎም። ካብ ዓዲ ዃላ፣ ይብለኒ ሓደ ካብኦም። ካብ ዓዲ ዃላድኣ ምስ መን መጺእኩም እብሎ።
ንበይንና ይብለኒ። ክንደይ ጌርኩም ኣብዚ ቦታ እብሎ። ክልተ ዓመት ይብለኒ። ትምህርቲኸ ትምሃሩዶ እብሎ። እወ ይብለኒ። ንሓንቲ ካብተን ደቀይ ገለ ገንዘብ ክትህቦም እሓታሞ፣ ገንዘብ ኣውጺኣ እንኩመ ትብሎም። እቶም ቆሉዑ ኣይንቕበልን ይብሉ። ብድሕሪኡ በጃኹም ሓፍትኹምያ ተቐበልዋ ኢልና ምስ ደፋእናዮም ተቐበልዋ። ብድሕሪዚ ናብታ ካልኣይቲ ጓለይ ገጸይ ቁሊሕ ምስ በልኩ ዘርባዕባዕ ኢላ የዒንታ በርበረ መሲለን ምስ ርእኹዋ ኣነ ኽኣ ምስኣ ተተሓሒዘ ሕነቕንቕ ኢለ ዓቕልይ ጸበበኒ።
ዝገብረሎም ዘይብለይ ኣብዚ ምድንጓይ ንኽሽገር እንተዘይኮይኑ ፍረ የብሉን ዝብል ሓሳብ ስለ ዝዓብለለኒ ንኺድ በልኩ።

መንገድና ንደባርቕ ክኣ ቀጸልና።

ደባርቕ

ኣብ ጉዕዞና ሓቂ ይሓይሽ ቀደም ዘየስተውዕለሉ ዝነበርኩ ኣጻድፍ ኣብቲ ናይ ተከዘ ሩባ ዝርከብ ጽርግያ መን ነገረካ ዘብል ኮይኑ ረኸብኩዎ። ካብኡ ደባርቕ ገጽና ክንቀርብ ከሎና ዓቐበት ለማልሞ ተቐበለና። እዚ ዓቐበት እዚ ካብ ቀደም ፍሉጥ ሓደገኛ ዝኾነ ዓቐበት እዩ። ግንከ ምዕራይ ዘይኮነስ እቲ ካርታመ እውን ኣይረኸበን። መራሕ መኪና ሓቲተዮ ዝሃበኒ መልሲ እቲ ቦታ ከይፈርስ ስለ ዝፍራህ ከነዕርዮ ኣሸጋሪ እዩ ዝብል መልሲ እዩ ዘሎ ይብል። ደባርቕ ኣቲና፣ ንደባርቕ ከለልያ በየን ኣቢለ። ከምተን ካልኦት ከተማታት ዋላኳ ዘደንቑ ዓበይቲ ህንጻታት እንተዘይረኸበት ምስታ ብታኒካ ማኒካ ዝተሰርሑ ገዛውቲ ዝነበርዋ ደባርቕ ሰማይን ምድርን ኮይና ጸኒሓትኒ። ናብቲ ሰመን ፓርክ ዝብልዎ ቦታ ኬድና ዝርኣናዮ ሆቴላት ግን ዘመናዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኣተሃናንጻ ስለ ዝሓዘ ዋላ ካብ ምዕራብ ዓለም ዝመጹ ገያሾውን ካብ ምግራምን ምደናቕን ከቖጥቦም ኣይከልን። ምሳሕና ኣብ ሓንቲ ካብዘን ሆቴላት ስለ ዝበላዕና፣ ዘዳልውዎ መግብታት ካብ ባህላዊ መግቢ ጀሚርካ ዝተፈላለየ ናይ ኣውሮጳውያን መግብታትውን ስለ ዘለዎም ደቀይ ፈስትአን ረኺበን እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይመስለንን። ኣብ ደባርቕ ሓዲርና ንጽባሒቱ ነቲ ሰሜን ፓርክ ዜርና (ገንዘብ ከፊልካዩ ዝእቶ። ውጋ መእተዊ ንደቂ ሃገርን ንወጻእተኛታትን ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ) ንጎንደር ገጽና ኣምራሕና።

ጎንደር

ኣብ ጎንደር ኣብ ሓንቲ ብባህሊ ሃገር ዝተሰነየት ቤት ብልዒ ክንምሳሕ ኣቶናሞ ብዙሓት ጸዓዱ ጸንሑና። ጎንደር ብዙሕ ተቐያይራ ጸኒሓትኒ። ኣብቲ ዝበረኸ ቦታ ናይታ ከተማ እዚ ዘይብሃል ሆቴልን ቤት መግብን ተሰሪሑ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ከተማ ናብኡ ዝኣቱ ብካርታመ ዝተሰርሐ ከመይ ዝበለ ጽርግያ ተሰሪሑ ረአኹ። ናብኡ ኬድናኽኣ ተደረርና። ኣብ ደገ ኮይንና ክንድረር መረጽና ምኽንያቱ ጎንደር ዳርጋ ብምልእታ ኣብ ትሕቲ እግርና ጌርና፣ ኣብ ቅድሜና ኽኣ ንላዕሊ ገጹ ዝፍልፍል ማይ ብዝተፈላለየ ሕብርታት ዝተሰነየ ይገማጠል ስለ ነበረ። ብተወሳኺ ክፉት መሐምበሲ ኣብ ቅድሜናውን ስለ ዝነበረ ምስ ስድርኦም ዝመጹ ቆሉዑ ፈስትኦም ረኺቦም ይሕምብሱን ይጻወቱን ነበሩ።
ንጽባሒቱ ኽኣ ንባህርዳር ገጽና ኣምራሕና።

ባህርዳር

ባህርዳርውን እንተኾነት ካብ መጠን ንላዕሊ ተቐያይራ ጸንሓትና። ኣብዛ ከተማዚኣ ተሃኒጾም ዘለዎ ዘመናውያን ሕንጻታት መልክዖም ጥራይ ዘይኮነስ ብዝሖምውን ዘገርምዩ። ባህርዳር ሓደ ለይቲ ሓዲርና ብዝግባእ ድሕሪ ምዛርና። ነቲ ናይ ጻና መንጫዕጫታውን ኬድና በጺሕናዮ።

ደቀይ ካብ ባህርዳር ንኣዲስ ኣበባ ብነፋሪት ክኸዳ ስለ ዝመረጻ፣ ኣነ ግን ተሪፉ ዘሎ ኣብ መንጎ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባ ቦታታት ክርእዮ መደበይ ስለ ዝነበረ ብመኪና ጉዕዞይ ክቕጽል መረጽኩ። ንደቀይ ከፋኑ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ባህርዳር ምስ ከድኩ፣ ጽርይቱን ጽባቐኡን ኣደኒቑንስ ንመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዘለዎ ኩነታት ዘኪረ ካብ መጠን ንላዕሊ ጉሃኹ። መዓልቲ ክህልወናዩ ኢለውን ተደዓዓስኩ። ደቀይ ንግሆ ኣፋኒየ ደጊመ ንባህርዳር ክዞራ ጀመርኩ። ስዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ምስ ኮነ ኽኣ ጉዕዞና ምስ መራሕ መኪና ናብ ደብረ ማርቆስ ኮነ።

ደብረ ማርቆስ

ኣብ መንጎ ባህርዳርን ደብረ ማርቆስን ቀደም ንኣሽቱ ዓድታትየን ነይረን ዝኾና፣ ሕጂ ክትርእየን ከሎኻ ካበይ ዝቦቖላ ከተማታት ድኣየን ክትብል ትግደድ።
ይቕረታ ኣስማተን ከይሓዝኩዎ ተመሊሰ። ኣብ መንገዲ ተመሲሕና ድሕሪ ቀትሪ ደብረማርቆስ ኣቲና። ደብረማርቆስውን ከም ኩለን ከተማታታት ዝርኣኹወን ብዘመናዊ ህንጻታት ተሰኒያ እቲ ዝፈልጦ ዝነበርኩ መልክዓ ጨሪሱ ተቐያይሩ ጽንሓኒ። ኣብ ደብረማርቆስ ሓዲርና ንጽባሒቱ ንኣዲስ ኣበባ ኣምራሕና። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ምጉዓዝና፣ ኣብቲ ናይ ኦሮሞ ክልል ዝብሃል ቦታ ምስ በጻሕና ሓዊ ዝነደዳ መካይን ክንርእይ ጀመርና። መራሕ መኪና ትውልዱ ካብ ኦሮሞ ኮይኑ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከም ዝተወልደ ይሕብረኒ። ክገልጸለይ ከሎ ኽኣ ነዚ ኩሉ ሽግር ጠንቂ ዝብሃሉ ባዕሎም ካብቶም መራሕቲ ክልል ኦሮሞ እዮም ይብል። ኣብ ተለቪዥን ክዛረቡ ከለዎ ጥዑያት ይመስሉ፣ ብሕቡእ ግን ንጉሩሃት መንእሰያት ኣብ ሓዊ የእትዉ ይብል። መንግስቲ እንታይ እዩ ሕቶኹም ኢሉ ኣብ ዝሓቶም ጊዜ፣ መልሲ ይስእኑ። ስለዚ ይብለኒ፣ ሰላም እንተዘየሎ ድኽነት ኣሎ፣ ሰላም እንተሎ ኽኣ ስራሕ ኣሎ ድኽነት ክኣ ይርሕቕ ማለትዩ። ንኣብነት ሰላም እንተዘይነብር ኣብዚ እዋንዚ ንስኻትኩም ኣይምመጻኹምን፣ ኣነ ኽኣ ስራሕ ኣይምረኸብኩን ይብለኒ። ኣብ መንጎ ደብረማርቆስን ኣዲስ ኣበባን ብወገን ክልል ኦሮሞ እተን ዓድታት ምስቲ ካልእ ቦታታት ዝርኣኹዎ፣ ዝርአ ምዕብልና የለን ክብል እደፍር። ኣብ ከባቢ እዋን ምሳሕ፣ ኣዲስ ኣበባ ንበጽሕሞ ምስ ደቀይ ተራኺበ ድሕሪ ምምሳሕና፣ ንደቡብ ኢትዮጵያ እንገብሮ ጉዕዞና ምስ መራሕ መኪና ተረዳዳእና።


ኣዋሳ

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንኣዋሳ እትብሃል ከተማ ክንከይድ መደብና። ደቀይ ኣብተን ክልተ ምዓልታት ዘድልየን ኣስቤዛ ምስ ኣዳለዋ ዓርቢ ኣንጊህና ጉዕዞና ንኣዋሳ ገበርና። ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ 40 ኪሎመተር ዝንውሓቱ ናይ ሃይወይ፣ 3 መስመር ብየማን 3 መስመር ብጸጋም፣ ዘለዎ መንገዲ ሒዝና ተጎዓዝና። ኣብቲ ሃይወይ ክንኣቱ ከለና ቲኬት ወሲድና ኣቲና። ክንወጽእ ከሎና ኽኣ ቲከትና ኣርኢና ገንዘብ ከፊልና ወጻእና።

ኣብ ፈረንሳ፣ ናይ ሃይወይ ተጠቀምቲ ሰብ መካይን፣ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ስለ ዝጥቀሙ ኣብ ፈረንሳ ዘለኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ። እቲ ሃይወይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ኣብ ኣዳማ እትብሃል ከተማ ይውድእ። እዚ ዝጠቐስኩዎ ሃይወይ ንኣዋሳ ንኽበጽሕ እቲ ስርሓት ይቕጽል ኣሎ። ዳርጋ ስጋብ ኣዋሳ ንበጽሕ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ጎኒ ጎንና ኣማዕዲና ንርእዮ ኔርና። እዛ ጉዕዞ እዚኣ ብምልእታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮሞ ዝርከብ ቦታታት ዝሓዘት ጉዕዞ እያ ኔራ።

ኣብ ዝሓለፍናዮ ከተማ ከምዚ ዝስዕብ ጽሑፋት ንርእይ ኔርና፣

Hoteelaa ሆቴል
Kaaffee እንዳ ካፈ
Barii ባር Baankii ባንክ ወዘተ
ኣብ ጉዕዞና ብዙሓት ትካላት ወይ ናይ መንግስቲ ወይውን ናይ ወጻኣተኛታት ዝመስላ ንርኢ ኔርና። ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ንጥፈታት ዘለወን ክኣ ይመስላ። ሕጂውን እንተኾነ ክሳብ ኣዋሳ እንበጽሕ ዝሓለፍናየን ከተማታት ይኹና ዓድታት ዘደንቕዩ ዝብሃል ህንጻታት ኣይርኣኹለንን። ዋላውን ሸሸማነ፣ ከምቲ ቀደም ዝነበራ ወረ፣ ምስ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ዝገበርኦ ለውጥታት ኣዋዳዲርካ ዝምስገን ኣይኮነን። ኣዋሳ ምስ ኣተና፣ መጀመርያ ኣብ ኢትዮጵያ ዲና ዘሎናስ ወይስ ኣብ ሓንቲ ኣውሮጳዊት ከተማ በልና። ብድሕሪኡ መራሕ መኪና፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘለና ኣረጋገጸልና።

ከተማ ኣዋሳ ህንጻታታ ድዩ ጎደናታታ ብደረጃ ኣውሮጳውያን መዐቀኒ ዝተሰርሐት እያ ትመስል። ሓደ ካብቲ ፍልይ ዘብላ ኮይኑ ዝተራእየኒ፣ ንብረት ዘመላልሳ ካሮሳ ንኽኽልክልወን ስለ ዘሸገሮም ጎኒ ጎኒ እቲ ጎደናታት ወይ ጽርግያታት ዝኸይድ ፍሉይ ንዕአን ጥራሕ ዘገልግል መስመር ገይሮሙለን። ኣየገርመኩምንዶ !!! ንዓይ ብጣዕሚ ኣገሪሙኒ። ማለት ብዓይኒ ምጣኔ ሃብታዊ (Economy) ወጻእን ብዓይኒ ንመካይንን ንካሮሳን ዝኸውን ቦታ ምርካብን ምድላውን ከየደነቕኩዎም ክሓልፍ ኣይደለኹን። ምሳና ዝነበረ መራሕ መኪና ከም ዝገለጸለይ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ከተማታት ዓመታዊ ውድድር ስለ ዘሎ፣ ተቐማጢ ከተማ ኣዋሳ ከተምኡ ቀዳመይቲ ኮይና ክትነብር ዝገብሮ ተሳታፍነት ሓያልዩ ይብል።

እቲ ምምሕዳር ናይታ ከተማውን ተሳትፎ ተቐማጦ ሓያል ንኽኸውን ብዙሕዩ ዝሰርሕ ይብል።
ኣብ ኣዋሳ ሓደ ለይቲ ሓዲርና፣ ነታ ከተማ ብዝግባእ ዜርና፣ ንኣዲስ ኣበባ ክንምለስ ተዳሎና።
ቀዳም ንኣዲስ ኣብባ ተመሊስና፣ ሰንበት ዊዒልና፣ ሰኑይ ጉዕዞና ንዲረዳዋ ኣምራሕና።

ዲረዳዋ

ምስቲ ንፈረንሳ ንኽንምለስ ተሪፉና ዝነበረ ግዜ፣ ማለት 4 መዓልታት፣ ዲረዳዋ ምኻድ ብነፋሪት እንተዘይኮይኑ ብመኪና ኣይከኣልን በልና። ስለዚ ብነፋሪት ሰኑይ ንጉሆ ተበጊስና ዲረዳዋ ስዓት ትሽዓተ ናይ ንጉሆ ኣተና። ኣብ ዲረዳዋ ሆቴልና ሒዝና ድሕሪ ምምሳሕና መኪና ምስ ኣውቲስትኣ ተኻሪና ንሃረር ኣምራሕና።

ሃረር

ኣብ መንጎ ዲረዳዋን ሃረርን ዘሎ ዓድታት ይኹን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ምምህዳር ኦሮሞ እዩ ዝረከብ። ክሳብ ሃረር ንኣቱ እውን ኣብ ታቤላታት ተጻሒፎም ንርእዮም ዝነበርና ጽሑፋት ብኦሮምኛ፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ፣ ብናይ ላቲን ፊደላት ዝተጻሕፉ እዮም ነይሮም። ከተማ ሃረር ክንኣቱ ከለና ብዓቢ ጽሑፍ ዝተጻሕፈ ታቤላ፣
HARAR CITY OF PEACE
ዝብል ጽሑፍ ተቐበለና።

ከተማ ሃረር ተመሃራይ ከሎኹ ብ1972 ሓደ ምዓልቲ እየ ርእየያ ነይረ። ብዙሕ ህንጻታት ዝተሰርሑን ኣብ ምስራሕ ዘለዉን ተዓዚበ። ኣብ ሃረር ካብቲ ደስ ዘብለካ ነገራት፣ ኣብ ርእሲ እቲ ሰላማውን ተቐባል ጋሻን ህዝባ፣ እቲ ናይ ቀደም ወይውን ኣረጊት ሃረር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዞና እዩ። ጎደናታት ናይዚ ሰፈርዚ፣ ኣብ ስፓኛ (SPAIN) እትርከብ ከተማ ፓልማ (PALMA) ፣ ዘለዉ ጎደናታት ኣዘኪሩኒ። እዞም ጎደናታት እዚኣቶም ብየዕራብ ዝተሃንጹ ጸበብቲ፣ ብየማነ ጸጋሞም ክኣ ብደዃኩን ዝተዓጀቡ ጎደናታት እዮም። ብጽረየት ዝተሰነዩ ስለ ዝኾኑ ኽኣ ንኾለል ክብል ዝደሊ ሰብ፣ ብዙሕ ድኻም ከይተሰምዖ ንስዓታት ዝኣክል ጊዚኡ ኣብ ኮለል ከሕልፎ ይኽእል እዩ።

ሓደ Arthur Rimbaud ዝብሃል ፈረንሳዊ ገጣማይ (poet) ኣብ መበል 19 ዘመን ንሓደ 10 ዓመት፣ (ካብ 1880 ክሳብ 1891) ኣብዛ ከተማዚኣ ተቐሚጡ ነበረ። እታ ዝተቐመጠላ ገዛ፣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሃረር ብ UNESCO ሃብቲ ህዝቢ ዓለም ተባሂላ ክንክን ዝግበረላ ገዛ እያ። ኬድናውን በጺሕናያ። ህዝቢ ሃረርውን ሓደ ካብቲ ሃብትታቱ ምዃኑ ኣስተውዒሉ፣ ካብ ቀደም፣ ብኽንክን ሒዙዋ ከም ዝርከብ ከነስተውዕል ኪኢልና።

ብድሕሪኡ፣ ደቀይ፣ ካብቲ ኣብታ ናይ ቀደም ወይ ኣረጊት ሃረር ዝርከብ ደዃኩን፣ ንመሓዙተን ዝኸውን መዘከርታ ክዳውንቲ ድሕሪ ምግዝአን ንዲረዳዋ ተመለስና። ኣብ ዲረዳዋ ሓደ ለይቲ ሓዲርና። ዲረዳዋውን ከምተን ካልኦት ከተማታት ነቲ ዝነበራ ናይ ቀደም ጽባቔኣ ኣብ ምምዕባል ትርከብ። ብድሕሪኡ ሰሉስ ንኣዲስ ኣበባ ተመለስና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረቡዕ ዊዒልና ሓሙስ ናይ ምሸት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምራሕና። ሓሙስ ክኣ (07-12-2017) ናይ መጨርስታ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና ብሰላም ናብዚ ንነብረሉ ሃገር፣ ፈረንሳ ኣቶና። ትዕዝብታተይ

1. ምጣኔ ሃብታዊ (ናይ ኤኮኖሚ) ምዕብልና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብታ ርእሰ ከተማ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ሰሜን፣ ደቡብ፣ ምብራቕ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብዓይነይ ክርእይ ኪኢለ። መብዛሕትኡ ጊዜ ብፍላይ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ምዕብልንአን ኣብ ርእሰ ከተማታተን ተወሲኑ እዩ ዝርአ።

2. ዝርገሐ ናይ ኤለትሪክ መስመር፣ ኣብ ኩሉ ዝበጻሕናዮ ቦታታት፣ 2700 ኪሎሜተር፣ ክርእይ ኪኢለ።

3. ኣብ ኩሉ ዝሓለፍኩዎ ክልላቶም፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ኦሮሞ፣ ሃረር፣ ህዝቢ ኣብቲ ምጣኔ ሃብታዊ ምዕብልና ተሳትፎኡ ልዑል ይመስል።

4. ንመንግስቲ ንምንቃፍ ከይፈርሁ ክዛረቡ ናይ ምኽኣሎም ዓቕሚ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብተን ካልኦት ከተማታት ዘዛረብኩዎም ኢትዮጵያውያን ብዘይፍርሂ ርእይቶኦም ይህቡኒ ነይሮም።

5. ናይ WIFI መስመር ኣብ ዝኣቶናዮ ሆቴል ወይ ቤት መግቢ ስለ ዝነበረ ብኣይሞ (IMO) ዝብሃል መስመር ተለፎን፣ ምስ ብዓልቲ ቤተይን ዝተረፋ ደቀይን ርክብና ቀጻሊ ነበረ።

መዐቀኒ መግለጺታተይ ብደረጃ ኣፍሪቃዊ ዓቕሚ ምዃኑ ክሕብረኩም እፈቱ።

ብ'ሰመረ ፍስሃየ። ፈረንሳ


Share with friends:


ዕላል ምስ ሓርበኛ ሰመረ ፍስሃየ (ካብ ሃገረ ፈረንሳ) - (1ይ ክፋል)
ckdu Voice of Eritrea Naz Yemane programme 2016-12-04 veteran Semere Feshaye P1

1ይ ክፋል (04 Dec 2016)   2ይ ክፋል (11 Dec 2016)   3ይ ክፋል (18 Dec 2016)   4ይ ክፋል (08 Jan 2017)   5ይ ክፋል (22 Jan 2017)   6ይ ክፋል (29 Jan 2017)   7ይ ክፋል (05 Feb 2017)   8ይ ክፋል (12 Feb 2017)   9ይ ክፋል (19 Feb 2017)   10ይ ክፋል (26 Feb 2017)   11 ክፋል (05 Mar 2017)


See related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-