Disabled Eritrean Veterans in Kassala

31/05/2018 23:35 PM

ሓገዝ ንውጉኣት ሓርነት - ከሰላ

Fundraising Call
for ELF Disabled Veterans -
in Kassalla, Sudan

ውጉኣት ሓርነት - ከሰላ



ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)
Voice of Eritrea (Naz Yemane)
ናይ ሰንበት Sunday, 03 June 2018 show

ፍሉይ መደብ ንምሕጋዝ ውጉኣት ሓርነት - ከሰላ
Fundraising event show,
for Disabled ELF Eritrean Veterans in Kasela

This is Voice of Eritrea having Fundraising event for Disabled ELF Eritrean Veterans in Kasela. The chairman and treasurer of the group also were on the show to update the situation and answer questions of the public. ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)፡ እዚ ፍሉይ መደብ ንምሕጋዝ ውጉኣት ሓርነት - ከሰላ፡ ኢዩ። ኣቦ ወንበርን ተሓዝ ገንዘብን ኣብዚ መደብ ዚ ቀሪቦም መብርሂ ንህሉው ኩነታት ስንኩላንን ሂቦም፡ ሕቶታት ተሳተፍቲ ድማ መሊሶም ኣለዉ።

 


ሓገዝ ንውጉኣት ሓርነት - ከሰላ። Fundraising Call for ELF Disabled Veterans - in Kassalla, Sudan.
ሓገዝ ውጉኣት ሓርነት ከሰላ

ውጉኣት ሓርነት፡ ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ኲናት ዝተውግኡ ተጋደልቲ እዮም። እዚ መደበር`ዚ፡ ንውጉኣት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኢሉ ዝቖመ`ኳ እንተኾነ፡ ንስንኩላንን ጽጉማንን ኤርትራውያን ክኣሊ`ውን ማዕጽኡ ኩሉሳዕ ክፉት`ዩ።

እዚ መደበር`ዚ፡ በቶም ንነዊሕ ዓመታት ብዘይምቁራጽ፡ ኢድኩም ዘርጊሕኩም ክተርድእዎም ዝጸናሕኩም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ዝሰንከሉ ብጾትናን ኣሓትናን ዝእለይሉ ቦታ`ዩ።

ኣብ ጊዜ ንእስነቶም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ክብሪ ከረጋግጹ ነታ ዘይትትካእ ሂወቶም ከወፍዩ ዝተሰለፉ ምዑታት ጀጋኑ እዮም። ንዝፈጸምዎ ሃገራዊ ሞያ፡ ልዕሊ የቐንየልናን፡ ዝክኣል ሓገዝ ምውፋይን እምበር ካልእ ኣይሓተቱን።

ውጉኣት ሓርነት፡ ``ኣይትድከሙ! ዝወሃብ ይሃብኩም! ትጽቢትና ኣባኻትኩም`ዩ! `` እናበሉ ይጽውዑና ስለዘለዉ፡ ንሕና- ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣለና ክንብሎምን ከነተባብዖምን መርኣያ ኤርትራዊ ሓርበኝነትና ምዃኑ ኣይንዝንገዖን።

ምምሕዳር ቦርድ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን
- ሰሜን ኣሜሪካ

ቀጥታ ናብ ባንክ ወፈያኹም ከተበርክቱ ንእትደልዩ፡-

Organization name:-

Association of Disabled Eritreans in North America

ሰሜን ኣሜሪካ፡

Chase Bank
Saving Account: # 901128439
Routing # 071000013
ኣድራሻ፡ 1131 E. dundee Rd Palatine IL 60074

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡

1. ጸጋይ ነጋሽ (303) 847-9130
2. ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ (847) 485-8379
ወይ ናዝ የማነ (ድምጺ ኤርትራ) 902 494 6469 >>>> ደውሉ።

ኤውሮጳ፡

Tesfamicael Abraha
6 Rue Du Dr Gustave Rappin
44300 Nantes
IBAN (International Bank Account number)
FR.76 1027 8361 9600 0104 1070 188
Credit Mutuel
Domiciliation
CCM Sainte Therese
57 BOULEVARD BOULAY PATY
44100 Nantes France
BIC (Bank Identifier code) CMCIFR2A

ንተወሳኺ ሓበሬታ፡-

Tesfay Teklezghi:
+33223424968

ሰብ ሕልና'ዩ ሓይሉ፣ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ብስም ውጉኣት ሓርነትና መደበር ከሰላ:ብቐጻሊ ንእተበርክትዎ ልግሲ ብልቢ ነመስግን።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ውጉኣት ሓርነት ዝተገብረ መደብ ኣብ ታሕቲ እነሆ"-

Share with friends:



Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ጉዳይ ጀጋኑ ስንኩላን ኤርትራውያን

Eritrean Veterans Day website መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምዝካር ዝቖመ ወብሳይት: